AMAN TEKESTE
ደርፊ፥ ‘እሙን ዓርከይ’ / ንውሓት ደርፊ፥ 7 ደቂቕ / ደራፊ፥ ምሕረታኣብ (ሳንድሮ)
ኣዳላዊ፥ ኣሜን ኢንተርቴይመንት / ገጣሚ፥ ታደሰ ተስፋይ
ደርፊ ክሊፕ ‘እሙን ዓርከይ’፡ ብሰንኪ ስደት ዝሰዓበ ምፍልላይ ሓደ መንእሰይ (ደራፋይ) ካብ ስድሩኡ፡ ኣብ ዓዲ ብዘሎ መተዓብይቱ፡ ንወለዲ ደራፋይ ዝገብረሎም ጉልበታውን ሕውነታውን ሓገዝ እተርኢ ኮይና ደራፊ ድማ ምስጋነኡ የብጽሕ። ንጻረ እቲ ቪድዮ ልክዕ ከምዘን ሎሚ ዓመት ዝወጻ ደርፍታት ከም ብዓል ‘ሎምስ ፈሪሐ’፡ ‘ወዲ ምስሌነ’ (ክልቲኤን ብሰምሃር ዮሃንስ)፡ ‘ሽፎነይ’ (ብኤደን ከሰተ) ብምዃና ከምኡ’ውን ናብ ስድራን መተዓብይትን ትመልስ ብምዃና ደጋጊምካ ንኽትሰምዓ ትህቅን። እዛ ክሊፕ ኣብ ሚዛን ህየሳ ቪድዮ (ቴክኒካዊ ስራሕ) ኣእቲኻ-ኸ ከመይ ኮን ትኾውን?
ስራሕ ደርፊ ክሊፕ፡ ከም ኩሉ ዓይነት ስነ-ጥበብ መልእኽትን ጽባቐን የጠቓልል። ከም ኣካል ስነ-ጥበብ መጠን፡ መልእኽቲ ብኸመይ ቀሪቡ ኣሎ የገድስ። ጽባቐኡ፤ ዝፈጥሮ ስምዒት፡ ኣገባብ ኣመሓላልፋ መልእኽቱ (ውህደት ስእልን ምከናን ሙዚቃን ቴማን)፡ ዘምጸኦ ፍሉይ ኩርናዕ፡ ውሁድ ዋሕዚ ስእልታት፡ ዝሰርጽ ተምሳጥ … ወዘተ. የጣምር። ስለዚ ካብ ኣሕፊሸ ዝፈርድ፡ ሓደ ብሓደ ክርእዮ ክፍትን። ኣሰልካዪ ንኸይከውን ኣሕጽር ኣሕጽር ከብሎ እየ።
1) ስራሕ ዳሬክተር፤ ዳሬክተር ንብቕዓት ኣወሳስኣ፡ ኣልባሳት፡ ሜክ-ኣፕ፡ ምስ ጽሑፍ ዝኸይድ ድሕረ-ባይታ፡ ትልሚ … ወዘተ. ክመርሕ ይኽእል፣ ብሓጺሩ መሃንድስ ናይታ ስራሕ ኢዩ። ኣብዛ ክሊፕ ደርፊ ጎሊሑ ካብ ዝተራእየ ድኽመት፡ ኣቦ ስድራ ዘሎ ሰብኣይ ከምቲ ዝድለ ኣይተወከለን። ኣብቲ ሕደማ፥ <እርጋን፡ ሕሱም ናብራ ዘሰነፎም፡ ዝሕገዙ ዓንዲ ዝኾኖም፡ ናፍቆት፡ ምስትምሳል … ወዘተ> ዝብሉ ዓበይቲ ቃላት ኣለዉ። ብሓቂ ነዚኦም ዝላበሶ ኣቦ ድዩ ስኢኑ ዳይሬክተር? (ሽሕ’ኳ እዚ ናይ ካስቲን ዳይሬክተር እንተዀነ፡ ኣብ ንኣሽቱ ክሊፕ እዚ ስራሕ ናብ ዳይሬክተር ኢዩ ዝውገን።)
ደራፊ ኣብ ወጻኢ “ምሸት ምስ ባድሉኡ” ኮይኑ ክድውል ከሎ፡ ኣብ ኣስመራ ከኣ ናይ ፋዱስ ወይ ድሕሪ ቀትሪ ቡን ክስተ ከሎ ኣብዛ ክሊፕ ትዕዘብ። ደራፊ ኣበየናይ ኩርናዕ ዓለም ኣሎ ማለት ደኣሉ?! እታ ኣብ ኣስመራ ትስተ ዘላ ቡን፡ ድሕሪ ምሳሕ ናይ ሰዓት 1-2 ድ.ቀ እንተኢልናያ፣ ደራፊ ኣብ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ኤውሮፓ፡ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ምናልባትዶ ኣውስትራልያ ገጹ ከይትብል ኣብ ኣስመራ ሰዓት 1-2 ብኣውስትራልያ ሰዓት 6-8 ኢዩ፡ ጽሓይ’ውን ኣይትዓርብን’ያ ሽዑ። ስለዚ ናይ ሰዓታት ምግርጫው ኣሎ።
ካልእ ጉድለት፡ ነዚ ብሉጽ ሕደማ ስጋ ንምልባስ ወይ ንምቅራጽ ዝተፈጥረ ትልሚ ዛንታ ኣዝዩ ድኹም ነይሩ፣ ኣብ ዝርዝር ቊ.10 ተመልከት። ኣብ ኣስመራ ናይ ግዜ ቊልዕነት ዝተወስደት ህሞት ግና ኣዝያ ወካሊት’ያ (ኣብ ኲዕሶ ኮፍ ምባል፡ ኣሰላልዓ ቅጫ ወዘተ ዝነኣድ ስራሕ)።
ዳሬክቲን = C-
2) ሲነማቶግራፊ፤ ብልጸት ቪድዮ፡ ንጻረ፡ ብርሃን፡ ጸላም፡ ኣተኲሮ ካሜራ፡ ቅርበትን ርሕቐትን ኣወሳስዳ ካሜራ፡ ምዝውዋር /ቴክኒካዊ ምትዕጽጻፍ ካሜራ … ወዘተ. ዝዓዪ ኣካል ኢዩ። ኣብዛ ፊልም፡ ሓሓሊፉ ዝተጠቐመሉ ብርሃንን ጸላምን፣ ኣቐማምጣ ገጸ-ባህርያትን ቦታታትን ኣብ ዓይኒ ካሜራ፣ ሕብርታት ምድዛዝን ምንጻርን (fade-in, fade-ou, focus-in) … ወዘተ. ደሓን ነይሩ ክንብል ይከኣል’ምበር ዝኾነ ፍሉይ ቴክኒክ ኣይረኣናን። ካልእ ተረፈ ነዞም ኣብ ወጻእን ውሽጢ ሃገርን ዘሎዉ ገጸ-ባህርያት በብናቶም ዓቐን ፍሬም ክስእሎም ምተገበአ። ኣብዛ ክሊፕ፡ ያዊ ዳርጋ ሓደ ዝመስል ኣሰኣእላ ዓቐን (framing) ኢዩ ተራእዩ። ውከላውነት ብመልክዕ ርሕቐትን ቅርበትን ካሜራ ኣየአንፈተን። ኣቕሪብካን ምስኣል ምስ ሓይልን ህልውናን ይኸይድ፣ ኣርሒቕካ ምስኣል ድማ በንጻሩ።
‘ቀንዲ ኣተኲሮ ዛንታ’ ንምሕባር ግን ኣብ 4፡08 ደቂቕ ኣብ ልዕሊ’ቲ መንእሰይ ኣስመራ ዝወሰዶ እምብዛ ኣቕሪብካ ምስኣል (extreme close-up) ኣዝዩ ዝነኣድ’ዩ። ንተወሳኺ ሓሳብ ግን ኣብ መእተዊ እንተዝኸውን ነይሩ ኣቐዲሙ ምበርሃልና’ሞ ማዕረ ማዕረ’ቲ ሕደማ ምኸደልና።
ኣብ ክሊፕ፡ ዘይተላለኻዮ ገጸ-ባህሪ ካብ መዓንጣ ንታሕቲ ምስ ዝሳኣል፡ ምስ እምነትን ምሕዝነትን ይውከል። ኣብዛ ክሊፕ ካብ 0፡42 ክሳብ 0፡56 ደቓይቅ ዘሎ እቲ መንእሰይ ኣስመራ ካብ ደገ መጺኡ ማዕጾ ከፊቱ ክኣቱ፡ ንብረት ኣልዒሉ ከመዓራርይ ወዘተ ካብ መዓንጥኡ ንታሕቲ ጥራይ ኢዩ ዝረአ፡ እሙን ወዲ ገዛ ምዃኑ የአንፍት (ንስርቅን ዕግርግርን እንተ ዝኸውን ግና ናብ ምልክታት ገጹ ምስኣል ምተጓየየ)። ኣብዛ ናይ ምሕዝነት ውከላውነት ዘላ ናጽላ-ፍጻመ /scene (0፡56 ደቒቅ) ድማ እቲ ደራፊ ሰበይ ናተይይይ … እሙን ዓርከይይይ ኢሉ ይጅምር። ኣብዚኣ ነጥቢ ውህደት ሲነማቶግራፍን ኤዲቲንን ዝተጻባረቐሉ ኢዩ።
ሲነማቶግራፊ፡ ቀንዲ መጻወቲኡ ብርሃን ኢዩ፣ ዓቐንን ሕብርን ብርሃን፡ ከከም ኣድላይነቱ ሚዛን ምሕላው ኢዩ። ኣብዛ ደርፊ ኣብ 1፡07/2፡05/3፡05/3፡29 … ወዘተ. ዘሎ ጸላም ድሕረ-ባይታ፡ ረዚን መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝተጠቐመሉ ሜላ’ዩ። እቲ ቀዳማይ ኣካል ማለት ደራፊ ኣብ ናፍቆት፡ ክብደት ሂወት፡ ሰንፈላል … ወዘተ. ከም ዘሎ ንምውካእ’ዩ። እንተ’ቲ ኣብ ጎልጎል ደገ ኮይኑ ዝደርፎ ግና ብርሃን ኣመና በዚሕዎ። ምስዚ ቴማ ንኽኸይድ ድሕሪ-ቀትሪ ጸሓይ ኣብ ኣጋ ምዕራባ እንተ ዝግበር ምሓሸ።
ሲነማቶግራፊ = B+
3) ኤዲቲን፤ ምቅንባር ዝተፈላለዩ ስእልታትን ንሱ ዝፈጥሮ ዋሕዚ ስእልታት (ቪድዮ)፣ ቅልጣፈን ምድንጓይን ምንቅስቃስ ስእሊ (መልእኽቲ፡ ኣተኲሮ … ወዘተ. ንምፍጣር)፣ ፍሉይ ርቐት … ወዘተ. ዝጥርንፍ ኢዩ። ኣብዛ ክሊፕ፡ ኣዝዩ ንኡድ ኣጀማምራ ስእሊ ተንጸባሪቚ፣ ስእልታት መስርዑ ሓልዩ ዋሕዚ ቪድዮ ፈጢሩ፣ ኣብ ምቅራም ዘይተደልየ ስእልታት ደሓን ዝነበረ ይመስል።
ኣብ ኤዲቲን ዝነኣድ ኣብነት ንምውሳድ፥ ኣብ 1፡09 ደቂቕ ከምኡ’ውን ኣብ 1፡27 ደቂቕ ዘሎዋ ምህሳስ፡ ምድብዛዝ፡ ምድማቕ ስእልታት (dissolve /fade) ምስ ምኻድ/ምሕላፍ ወቕትታት ኢዩ ዝዛመድ — ኣብ ኣስመራን ኣብቲ ዲያስፖራን ከከም ተርታኡ።
ኣብ ምጅማር ኣብ 0፡34 ደቂቕ ዘላ እቲ ሓደ ቈልዓ ነቲ ሓደ ኩባያ ሻሂኡ ሂቡ ኤዲተር ዘንቐጻ /ደው ዘበላ ስእሊ፡ እንካን-ሃባን ምሕዝነቶም ካብ ፋልማዩ ከም ዝነበረ ንምእንፋት’ዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መንእሰይ ነቶም ስድራ ዝሕግዞም ዘሎ ባህሪ መሰረት ከም ዘሎዎ ንምርኣይ ኢዩ።
ኤዲቲን = A
4) ኣልባሳት፤ ነቲ ዝድረፈሉ ዘሎ፥ ባህሊ፡ ደረጃ ናብራ፡ ግዜ ምከና (ዘመን) ዘንጸባርቕ ኢዩ። ኣልባሳት ናይዞም ገጸ-ባህርያት ምስ ንምልከት፥ እቶም ክልተ ቈልዑ ዝለበስዎ ኮንጎን ክዳንን፣ እቶም ስድራን መንእሰይ ኣስመራን (ዓርኪ ደራፊ) ንዘሎ ኩነታት ዝውክል ብምዃኑ፡ ብሓፈሻ ጽቡቕ ነይሩ። እንተ’ቲ ደራፊ ለቢስዎ ዘሎ ክዳን ግና ንተኣማንነት’ቲ ሕደማ ኣዝዩ ኣዳኺምዎ’ዩ። ኣብቲ ሕደማ፥ “በቲ እርጋን በቲ ሕሱም ናብራ ተቐጺዖም፡ በቲ ተስፋ ስኢኖም ዝረድኦም” እናበለ፡ እዚ ውላዶም ግና ዘብለጭልጭ ክዳን ገይሩ ክደርፍ ክዝይም ምኽንያታዊ ኣይኮነን። ሓደው እቲ ዝተሰደደ ውልዶም እንተስ ኣብ ሂወት ስደት ብዘጋጠሞ ብድሆ ናብራ ድዩ እንተስ ብናይ ባዕሉ ሕመቕ ንቁምነገር ምዃን ዝሰኣነ’ሞ፡ ኣይ ንነብሱ ኣይ ንስድርኡ ክሕግዝ ክኸውን ዘይከኣለ ኢልና ክንኣምን፡ እቲ ጌርዎ ዘሎ ባድላታትን ሰንሰለት ወርቅን ክህሉ ኣይነበሮን። ስለዚ ምስ ምከና ወጻኢ ሃገር ክኸይድ ተባሂሉ፡ ምስቲ ገጸ-ባህሪ ዘይከይድ ኣልባሳትን ወርቅን ነቲ ትሕዝቶ ሕደማ ብሕማቕ ጸልይዎ።
ኣልባሳት = B-
5) ሜክ-ኣብን ጸጉርን፤ ኣቦን ኣደን ብዝግባእ ኣይተወከሉ፡ ገጸ-ባህርይ ኣየምጹኡን
ሜክ-ኣብ = D
6) ምውሳእ = ምውሳእ ናይቶም ኣቦን ኣደን ንምፍልላይ፡ ናፍቆት ውልዶም፡ ምትካዝ፡ ዝመኸነ ተስፈኦም ንምንጽብራቕ ደሓን ዝኾነ ምውሳእ ኣርእዮም። እቲ ናይ ኣስመራ ወዲ’ውን ናይ ተስፋ ዝህብ መንእሰይ፡ ብልቡ ክሕግዝን ከዘናግዕን ከም ዝመጸ ብጽቡቕ ኣርእይዎ ኢዩ።
ምውሳእ = B
7) ምከና፤ ምከና ንቦታ፡ ግዜ፡ ከምኡ’ውን ህሉው ሃዋሁ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ይጥርንፍ።
ኣብቲ ናይ ወጻኢ ምከና፡ እቲ ገጸ-ባህሪ ኣብ ስድራቤታዊ ትዝታ ብምንባሩ፡ ካብ ከተማን ሰብን ግልል ዝበለ ምከና ምምራጹ ብሉጽ ስራሕ ነይሩ። ኣብዛ ክሊፕ ካብ ዝተራኣየ ዝዓበየ ድኽመት፡ ማለት እቲ ሕደማ ሓደ ውሉድ ኣብ ርሑቕ ቦታ ኮይኑ ስድሩኡ ዝሕግዞም ዓርኪ ምርካቡ ኢዩ ዘመስግን ዘሎ። ስለዚ ሓደው እቲ ምስሊ ደራፊ (ኣከዳድናኡን መሸከሉን ስደት ዘይጠዓሞ ዘርሞ) ኮይኑ ኣብ ጽሙው ምከናዊ ድሕረ-ባይታ ክኸውን ኣሎዎ ወይ ድማ ከም ዘሎዎ ዘብለጭልጭ መንእሰይ ኮይኑ ስድሩኡ ግና ኣዝዮም ዝተጸገሙ ዓበይት ብሕማም ዝተጸገሙን ክኸውን ከሎ ምኣመና። ብሓፈሻ ግን ጽሙው ምከና ምምራጹ ዝነኣድ ኢዩ።
ኣብ ናይ ኣስመራ ምከና ምስ ንርኢ፤ ምስዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት ሃገር ኣብ ግምት ኣእቲኻ ገዛውቲ ስድራቤታት ኣስመራ ከምኡ ከም ዝመስላ ርዱእ ኢዩ። እንተኾነ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ሓደ ጠላዕ በጽሒ፡ ነቡኡን ነዲኡን ደረጃ ህይወቶም ክቅይሮ ትጽቢታዊ ኢዩ። ደራፊ ንነብሱ ዘብለጭልጭ ክቡር ኣልባሳት እናቐያየረ እናረኣናዮ፡ ኣብ ገዛ ስድራኡ ግና ናይ ቴስዓታት ራድዮ /ቴፕ /ቲቪ፡ ናይ ቴስዓታት ሳሎን፡ ኣውያቱ ዝስማዕ ማዕጾ፡ መስኮትን ንብረት ገዛን … ወዘተ. ሃልዩ ክትሪኦ ዘየገርም ኣይኮነን። ኣብ ገጠራት ወይ ንኣሽቱ ዓድታት እንተ ዝኸውን ምተቐበልናዮ፣ እዚ ገዛ ስድራኡ (ምከና ኤርትራ) ኣብ ኣስመራ ምዃኑ ደሓን ይእቶ ኤዲተር ብካቴድራለ ኣርእዩና ኢዩ (1፡05 ደቂቕ)። እዚ ሕጂ ስድራኡ ዝነብሩዎ ዘሎዉ ሂወት፡ ቀደም ቅድሚ ንሱ ንደገ ምኻዱ ምዃኑ ብመልክዕ ‘ምልሰት – flashback’ ኣርእዩ ሕጂ ግና ናብ ደሓን ገዛ ከም ዝቐየሩይ ወይ ደሓን ዝንብረቱ ቤት ክግበር ነይሩዎ።
ምከና = D
8) ሕደማ፡ ድምጺ ደራፊ፡ ሜሎዲ፤
“ሰበይ ናተይ … እሙን ዓርከይ – ትነብር ኣብ ዓዲ
ኣንታ ጽኑዕ ዋልታይ – ዘይንቕነቕ ዕርዲ
መሬት ወገግ ኢሉ ክሳብ’ቲ ዝመሲ
ይዕበ ይንኣስ ናብራ ከተሳሲ
ካብ ስድራ ሰሚዐ ቤትና ከምተማሲ”
# ካብዛ 1ይቲ ማይ-ቤት ንርደኦ እንተልዩ፡ እቲ ዝደርፍ ዘሎ ኣብ ዓዲ ምስ ስድራኡ የለን። ብኣብ ዓዲ ዝርከብ ዓርኩ ግና ትዕበ ትንኣስ ስራሕ’ቶም ስድራ ይእለ ምህላዉ የአንፍት። ዓርኪ ብዋልታ፡ ዕርዲ ብምውካሉን፣ ጽቡቕ ንዜማ ትሃርም ማይ-ቤት ኢያ።
“በቲ እርጋን – በቲ ሕሱም ናብራ ተቐጺዖም
በቲ ምፍልላይ – በቲ ብናፍቆት ሳጽዮም ተበሊዖም
በቲ ብሓሳባት ባዶ ኮይኑ መኺኑ ተስፋኦም
በቲ ምስትምሳል – በቲ ተስፋ ስኢኖም ዝረድኦም
ምስ ረኣኻ ቀዲሙካ ተግባር
ኣትሪርካ ሒዝካዮ ኣብ ሕልና ምንባር። … … … …”
# ኣብዚ እቶም ስድራ፥ እርጋን ዘጥቀዖም፡ ናፍቆት ዘሰነፎም፡ ተስፈኦም ጸንቂቈም ኣብ ምስትምሳል ከም ዘሎዎ ትርዳእ። እዛ ሕደማ ንበይና ከተንብባ ከለኻ፡ ምስ ህሉው ኩነታት ሃገርና ዝኸይድ ሓሳባት ዘለዋ ኢዩ፡ እንተዀነ ከምቲ መጀመርታ ዝጀመረ ውከላውነት /ውስጠዘ ኣብዚ ኣይቀጸለን። “ባዶ ሓሳባት፡ መኪኑ ተሪፉ፡ ስኢኖም ዝረድኦም” ዝብላ ሓረጋት ተራ ብህሎ ኢየን። ዕምቈት ቋንቋ የብሉን። ብስእላዊ ገለጻ ኣይተሰነየን።
“ምስ ረኣኻ ቀዲሙካ ተግባር /ኣትሪርካ ሒዝካዮ ኣብ ሕልና ምንባር … … /ጸገም ቤትና ከም ዓንዲ ጸዋሪ / ድሙቕ ብርሃን ኢኻ /ኣብቲ ድቕድቕ ጸላም /ንፋስ ዘይጸሎዎ ንፋስ ምጥልላም …” እናበለ ድማ ንዓርኩ የመስግንኖን ይገልጾን። ጽቡቕ ውክልናታትን ዜማን ይርከቦ። ገለ ካብታ ሕደማ ኢዩ፡ ብዝኾነ ንኡድ ግጥሚ። ድምጺ ደራፊ ካብ ደሓን ናብ ንኡድ ኣብ ምኻድ ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ።
ሕደማን ሙዚቃን = B-
9) መረጻ ኲርናዕ /መልእኽቲ፤ ሓደ ስነ-ጥበባዊ ንዘሎ ዝሕብር ጥራይ ዘይኮነስ ከምቲ ክኸውን ዝግበኦ’ውን ዝእንፍት (ኣአንፋቲ) ስለ ዝኾነ፡ ኣብዛ ደርፊ ጽቡቕ መረጻ ኲርናዕ ተራእዩ። ካብቲ ዝደጋገም ሓደ ቴማ ዘሎዎ ደርፍታት እውን መለሳ ኢያ። ሞራላዊ ሕመረት ደርፊ፡ ሕሰም ናብራ ዘሕልፉ ንዘሎዉ ናይ ምሕጋዝ ባህሊ፡ ሕልናኻ ዝብለካ ምግባር፡ … ወዘተ ኢዩ።
ሞራል = A
10) ቴማን ተኣማንነቱን፤ እዛ ደርፊ ክሊፕ፡ ውላዶም ብስደት ዝሰኣኑ ስድራ ብዓርኪ ወሉዶም ጉልበታዊ ሓገዝ ክረኽቡ፡ ንኸይጽምዎምን ከየስተማስሉን ከይትኩዙን ጨና ዝኾኖም መተካእታ ረኺቦም።
ተኣማንነት ቴማ፤ ኣብ ኣስመራ ኣብዚ እዋን ሓደ መንእሰይ ናይ ስድራ ዓርኩ፡ ናብ እንዳ ጠሓኒት ክኸይድ፡ ኣእጋሮም ክሓጽብ … ወዘተ. ክንደየናይ?! ኣብቲ ደርፊ ከኣ “ኩሉ ግዜ ገዛና ተማሲ” ይብሎ ኣሎ። እቲ መንእሰይ ኣስመራ ይመላለስ ምዃኑ ብኤዲቲን ተሓቢሩ’ውን ኣሎ። ኣኣብ ሳልስቲ ድዩ ሰሙን እንዳ-ጠሓኒት፡ እንዳ-ላምባን፡ ዕንጸይት፡ ምውራድ ማይን ወዘተን ኣሎዎ ማለት’ዩ!? … እቲ ዕንጨይቲ-ኸ ንምንታይ ኢዩ ዝፍለጽ ዘሎ? እንተ’ታ ቡን ብፈሓም ክትዳሎ ኢና ርኢናያ! እቲ ጎበዝ ኣስመራ፡ ኢዱ ኣብ ኩሉ’ዩ ዘእትዋ ንኽብሃል ተደልዩ ዝኣተወ ኢዩ’ምበር ዝኾነ ጉዳይ የብሉን። ብጸዓት ኤለክትሪክ ትሰርሕ መጐጐስ ገዚኡሎም’ባ ይኸውን – “ተጀምረንስ ኣለኻ ግና ተወድኣኒ ዲኻ?!” እናበለት ከም ሰባ ኤለክትሪክ መምስ መጸት ትስንክት።
እዚ ኣብ ስደት ዘሎ መንእሰይ “ንስድራይ ኣተዓልሎም፡ ቡን ኣሳትዮም፡ ጨና ኩኖም … ወዘተ. ክብል ምተጸበናዮ። እምበር ነቲ ማሕበራውን ጉልበታውን ሂወቶም ብገንዘቡ ጌሩስ ክዓጽዎ ኢኻ ትጽበዮ። እቶም ስድራ ወሉዶም ብዝሰደሎም ገንዘብ ጌሮም ዝኾነ መንእሰይ ጸዊዖም ከጥሕኑ፡ ዕንጨይቲ ከፈልጹ፡ ሰራሕተኛ ገዛ ኣእትዮም እግሮም ክሕጸቡ ይከኣል ኢዩ። እዚ ዝራእናዮ እግሪ ምሕጻብ ዘድልዮም፡ እንዳ-ጣሓኒት ዝኸደሎም ዝደልዩ፡ ዝፍልጽ ጎበዝ ዘድልዮም፡ ንኸይስተማስሉ ዘዘናግዖም ወዘተ እዚኦም ዘይኮኑስ “ጠዋሪ ዘይብሎም ስድራቤታት ስውኣትን በተኻትን” ኣሎዉ። ትልሚ’ዛ ክሊፕ ዋላ ኣይቅርዑይን።
እዛ ደርፊ ካብ ብወጻኢ ዝቅመጥ ትድረፍ፡ ብሓደ መዋእሉ ኣብ ዓሰብ ዘሎ ወተሃደር እንተትድረፍ ትሕዝቶኣ ምበረኸ፣ ስምዒት ሰብ ምተንከፈት። ኣብ ዓሰብ ድዩ ገለ ዘሎስ ብገንዘብ ይኹን ብካልእ ክሕግዞም ስለ ዘይከኣል ንዕኡ መምሓረትሉ። ሕመቕ ዳይረክተር ጎሊሑ ዝተራእየሉ’ዩ። እቲ ሕደማን ሜሎድን ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ፡ ተኣማንነት ትሕዝቶኡ ብሰንኪ እዚ ረጊእኻ ዘይተሓስበሉ ነገራት ትርጉም ስኢኑ።
ቴማን ተኣማንነቱን = C-
11) ተምሳጥ ወይ ዘሕድረልካ ስምዒት፤ ኣብቲ ፋልማይ ምዕዛብ ነዛ ክሊፕ፡ ስድራ ዝሕግዝ መንእሰይ ብምርኣይካ፣ ጽባቐን ዋሕዝን ስእሊ ብምህላዉ፣ ፍሉይ መረጻ ኲርናዕ ደርፊ ኮታ ኩሉ ኣገናዚብካ ኣብቲ ፋልማይ ደሓን ስምዒት ናፍቆት ዓድን ምትሕግጋዝን እኳ እንተተሰመዓካ፡ ኮይኑ ግን ኣዕሚቚካ ምስ ገምገምካያ ምሉእነት ኣይትረኽበላን (ድርሰት፡ ነቲ ብሉጽ ሕደማን ሲነማቶግራፍን ኤዲቲንን ኣይበቐዖን። ካብዚ ንዝዓሙቚ ናብራ ኤርትራ ክግበር ነይሩዎ።)
ትፈጥሮ ሓይሊ ስምዒት = C+
12) መደምደምታ፤ ሓደ ስራሕ ስነ-ጥበብ መምዘኒኡ ነቲ ከመሓላልፎ ዝደለዮ ቴማ ብመሳጢ ኣገባብ ኣመሓላሊፉ ገለ ተምሳጥ ወይ ስምዒት ምትንካፍ ኢዩ። ስነ-ጥበባዊ፥ ፍሉይ ኲርናዕ ምምራጽ፡ ጽባቐ ኣብ ውህደት ስራሓቱ ከርኢ፡ እዋናዊ ጉዳያት ኣተኲሮ ጌሩ ብርቀት ከመሓላልፍ፡ ንህሉው ዘመን ክውክል፡ ክኸንው ንዘሎዎ ብራኢኡ ከዝልለና ከም ዝስቆረና ክገብር ወዘተ ሓላፍነቱ ኢዩ።
ዳይሬክቲን = C- ሜክ-ኣፕ = D ሞራል = A
ሲነማቶግራፊ = B+ ምውሳእ = B ቴማን ተኣማንነቱን = C-
ኤዲቲን = A ምከና = D ስምዒት = C
ኣልባሳት = B- ግጥምን ዜማን = B+
* በዚ ናተይ መዐቐኒ፡ እዛ ደርፊ ክሊፕ =
2 A + 4 B + 3 C + 2 D
ካብዚ ብምንጽጻር ወይ ብምቅማር እምበኣር፡ እዛ ድርሰት = “C+”
ንሓደ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ፥ ዳይሬክቲን፡ ተኣማንነትን ስምዒትን፡ ምከና፡ ሜክ-ኣፕ እንተ ተጎዲእዎ፡ በይኖም ሲነማቶግራፍን ኤዲቲንን ሕደማን ጥራይ ከድሕንዎ ኣይክእሉን እዮም።
*** ታደሰ ተስፋይ ጽቡቕ ሕደማ፣ ሳንድሮ’ውን ጽቡቕ ስራሕ፣ ጸዓሩ፡ በርትዑ!
ግጥምኹምን ድምጽኹምን፡ ብጽቡቕ ቴክኒካዊ ምልከት ተላቢሱ ከነስተማቕሮ ንጽበ!
09/03/2016