ጳውሎስ ባህልቢ
ካብ በርሊን ናብ ሽቱትጋርት ብቐጥታ ክኸይድ እኳ ይኽእል እንተ ነብርኩ፡ ኣብ ፍራንክፈርት ግን መዝገበ ቃላት ትግርኛን ጀርመነኛን ክገዝእ ስለ ዝደለኹ’የ ጉዕዘይ ካብ በርሊን ብቐጥታ ን ፍራንንክፈርት ተኣልየ። ከባቢ 6 ሳዓት ዝወስድ ጉዕዞ ኣብ ማእከል እቶም ኣንኳን ክትዛረበሉ ክትስምዖ ኣኳ ዝኸብድ ቋንቋ ዘዋጉዑ ጀርመናዉያን ንበይነይ ሓበጀራዋይ ዝሕብረይ ፈለምክዎ። ንጸላእኻ ኣይትምነዮን፡ ሓሻካ ብዘይመልኮ ቋንቋ ተዳሂለ ቀልባዕ ቀልባዕ ክብል ማዓልተይ ተደፊኡ ዋዓልኩ።ኣብ እንዳማትካ ዓዲ ዝበሉኻን ዝመስልዎን ክትከዉን ግድን እዩ ፡ ሕጂ’ዶ ብናተይ ልሳን ዝምለኽ ዝረባ ተረኺቡ። ሰሪ ኣምዐን፡ ዳንዴርን ዝበቖሎ ዉሻጠይ፡ ኣሳድዳ ኣየጥዓኹን። ሩሖይ ከዑቑብ፡ምንባረይ ከጽንሕ ካልእ ጸጋታተይ ረጥሪጠዮ ሃጽ እለ’የ መጺአ። ባህሊ፡ ህዝቢ፡ ቋንቋ፡ ብሓፈሻ ድማ ክጸግብን ክጠምን ዝጸረኒ መሬት ዓደቦ። ኣብ ጀርመን ዑቕባ ካብ ዝሓትት ዓመተይ ኣይመላእኩን ፡ ኣብ ሓንቲ ኩሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘለዋ ግን ፡ ምስ ህዝባ ኣብ ሱፐር ማርከት እምበር ኣብ ካልእ ዘይትረኽበላ ብጽሙዋ ዝባሓተት ዓደ’የ ዝነብር። ከም ዉጽኢቱ ድማ ስመይን፡ ካበይ ከምዝመጻእኩን ክንዮ ምልላይ ዘኽእል ቋንቋ ከይመልኽኩ 6 ወርሒ ኣቑጺረ ። ምስ ነበርቲ እታ ከተማ ጎፍ ንጎፍ ኣብ ትራከበሉ ኣጋጣሚ፡ ዓቢኦም ንኣሽትኦም ኣብ ልዕሊ ስደተኛ ብጽልኢ ዝኻሓነ ልቦም፡ኣብ ገጾም’ዮም ዝተፍኡልካ ። ኪድ ኣይትበሎ ከምዝኸይድ ግበሮ ዝመልአኽቱ ጽዉግታ ገጾም ትርጉም ወደባትነት ኣዕርዩ’ዩ ዝምህረካ።” ኣንታ ዓዲ ከም ዘሎናን፡ናጽነት ደሊና እምበር ጠሚናን፡ ጤስኦም ደሊናን ከም ዘይመጻና’ዶ ይፈልጡ ይኾኑ” ብድዐ ዝተሓወሶ ኣጠማምታ ክጥምቱና ከለዉ ሓደ ዓርከይ ዝተዛረቦ ዘረባ እዩ። ናጽነት ግን ኣብ ቤትካን ባዕልኻ ትፈጥሮ ናጽነት ካብ ናይ ምጽወታ ናጽነት ከም ዝምቅር ኣየስተብሃለን ። ዝክፈል ከፊልካ ክንዲ ዝሓተተ ዋጋ ይሕተት ንናጽነት ኣብ ርስትኻን ጎጀኻን ጥራይ ክትሰርሓ ምኽኣል ጸጋ’ዩ ።ከማኡ ድማ ይምቅር ዋጋ ስለ ዝሓተተት። ኣብ ናይ ካልኦት ናጽነት ብዋግኦም ዝተረኽበ ግንዖን፡ ናጽነቶም ምምናይ መዋእልካ ጭንን ምባልን ድሁልን ኮንካ ብዘይ ርእሰ ተእማማንነት ሸለብ ገለብ እንዳበልካ ከም ትነብር’ዩ ዝገብረካ። ሓሳባት ከዉርድን ከደይብን ኣብታ ኣውተቡስ ዓው ኢሉ ዘዝተዛረበ ንዓይ መሲሉኒ ከቕባሕብሕን ዝዋዓልክዎ ጉዕዞ፡ ካብ ናይ ምጽወታ ናጽነት ናይ ገዛእ ርእስኻ ናጽነት ከም ዝምቅር እኹል መርትዖ እዩ። ዳሓን ትእቶ ግዳ ድሕሪ ናይ 6 ሳዓታት ጉዕዞ፡ ኣብ መዕርፍ ኣውተቡስ ፍራንክፈርት ዝበጸሐት ኣውቶቡስ ሓቤረታ ተሓቢሩና ድሕሪ ምዉራድ ። ምስ ክጽበየኒ ዝጸነሐ ናይ ሳህራ መማጽእተይ፡ ተጠማጢምና ተሳዓዓምና።ምስዕዓም፡ ልክዕ ዝሓለፎ ምጥምጣም፡ ሕሉፍ ዝክሪ ዘምበረ ምስዕዓም። ሂወት ሳህራ ጥሜትን፡ ጽምኢ፡ድኻምን ።ግን ካኣ ገለ ምቁር ዝክሪ ዘለዎ። ግዲ ምስቲ ክስማዓኒ ዝጸነሐ ናይ ብሕትዉና ቃንዛ ተጎድኤ ኮይነ ምስዕዓምና ተራ ኣይነበረን ። ምቕማጡ ምእከል ፍራንክፈርት ስለ ዝኾነ ፡ድሮ ነታ ከተማ ስለ ዝፈለጣ ናብ ቤት መሸጣ መጽሓፍቲ ክንከይድ ኣይተሽገርናን ። ብጽሃየ ስዩም ዝተደርሰት መዝገበ ቃላት ድሕሪ ምግዛእና ን ሽቱትጋርት እትኸይድ ኣውቶብስ ድሕሪ 3 ሳዓት ስለ እትነቅል ፡ዝሑል ነገር ክንሰቲ ናብ ገለ ባራት ተኣለና። ኣብ መጀምርታ ዉዕዉዕ ናይ ትግርኛ ደርፍታት ዝተወለዖ ባራት ምስ ሰማዕኩ ግር በለኒ። ሓደ ብሓደ ተር ኢለን ንሓልፈን ዝነበርና ባራት ብትግሪኛ፡ዝተጻሕፎ ኣስማት ምስ፡ነበብኩ እሞ ፡ነተን ሰሪ ካብ ፖሊስ ጣልያን ክሃድም ጽቡቕ ገይረ ዘየስተማቐርክዎን ኣብ ሚላኖ ፍሉይ ከባቢ ፖርቶቨነዝያ ኣብ ዝጽዋዕ ዝተደኮና ናይ ኤርትራዉያን ባራት ዘከርኩ። ዝኽረይ በዚ ኣየብቀዐን፡ ንሱ ናብ ዝፈልጣ ብልያርዶ ካልእ መዛናገዒ ዘለዋ ባር ምስ ኣላገሰኒ ፡ነቲ ኣባኡ ዝጸነሐ ድምጺ ሙዚቃ፡ዋዕዋዕታ መንእሰያት፡ ኣገልገልትን ተገልገልቲ ኤርትራዉያን ምስ ረአኹ። ብዝክሪ ኣእላፍ ክሎሜተራት ንድሕርት ናብ መጭውቲ ከተማ ኣስመራ ባቢሎን ሱኬር ተመለስኩ። ታሕጋስን፡ምግራምን ተሓዋዊሱ እናሻዕ ምኽምስማሰይ ዝተዓዘበ ወዲ በሽር ዓርከይ፡ ተሓጊስካ ኣሎኻ ሓቀይ በለኒ፡ በቲ ናብ ቋንቋ ትግሬ ዝስዕሮ ጥዕም ላህጃኡ። ፍሽኽታይ ኣድሚቐ ሓቅኻ ዘመልክት ርእሰይ ነቕኒቐ ምዕዛበይ ቀጸልኩ። በይዕንተይ ንብምልኡ ኣብቲ ገዛ ዝተጠንጠለ ጥቕስታትን ጭርሖታትነ ድሕሪ ምንባብ የዕንተይ ናብ ወዲ በሽር መለስክዎን። ብኣንኮራ ክጽበየኒ ዝጸነሐ ወዲ በሽር እንታይ ፍሉይ ነገር ኣሎ ክሳብ ክንድዚ ምዕዛብን ምግራምን ኣብዚሕካ በለኒ ክምስ ኣንዳ በለ።ኣብ ጀርመን ኣለኹ እንተ በልካ ኣየኽፋእልካን እዩ በልክዎ፡ ነታ ካብ ትመጽእ ዘይጥዓምኩላ ብርጭቆ ናይ ቢራ ኣልዕለ ችርስ ክብል ኢደይ እንዳሰደድክሉ። ሰሓቑ ምቁጽጻር ክሳብ ዝስእን ተንፈኽፈኸ።ኣንታ ገለ፡ክትዛረብ እኻ! ንስኻ ‘ከ ኣበይ ዲኻ፡ትነብር በለኒ።ምስ ጀርመናዉያን መለስክሉ ካብ ዝሓዝክዋ ብኬሪ ጎርዳዕ እንዳ ኣበልኩ። ምስ ጀርመናዉያንን ኣብ ጀርመንን ምቕማጥ ይፈላለ እዩ በልክዎ። ንስኻ ኣብ ማኣከል ጀርመን ባቢሎን ስኬር ናይ ኣስመራ፡ብዝመስል ገዛዉትን ህዝብን እንዳ ኣስተማቐርካ ትነብር ኣሎኻ።ስለዚ ኣብ ጀርመን እምበር ምስ ጀርመናዉያን የለኻን፡ኣነ ግን ምስ ጀርመናዉያን እየ ዝነብር ።በልክዎ ተወሊዑ ዝነበረ ሙዚቃ ስለዝዓብለለኒ ክሰምዖ ናብኡ እንዳ ደነንኩ ። እኩብ ሰብ ሓደ ሕብርን ቋንቋን ስለ ዘለዎ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኮነን፡ ኣብ ማእከል፡ጀርመን ባቢሎን ኣስመራ ብዝመስል ገዛዉቲ ምህላወይ ከም ጸጋ እንተ ሓሲብካዮ፡ባቢሎናዉያን ዝባህርኦም ህዝቢ ከምዝነብርዎ ኣይትዘንግዕ። በለኒ ብየማናይ ኢዱ ሕዝዋ ዝጸነሐ ሽጋራ በኽኽ እንዳ በለ። ኣየኖት እዮም እዞም ናይ ባቢሎን ባህሪ ዝህልዎም ህዝቢ። ኣነ እኮ ነዞም ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ምስልካን ቋንቋኻን ዝዉክሉ እየ ኢለካ።እወ፡ ኣነ ዉን ክንኦም ዝኸይድ ዓያሪ ብቕዓት የብለይን ።ዉሽጠይ ከይጸረኹ፡ግዕግዕና ጎደቦ ዘቋምት የዕንቲ የብለይን። መጀምርታ ምስ ንዓይ ዝመስሉን ዝረዳድኡን ህዝቢ ኣብ ዘለዉዎ ከተማ ምምዳበይ እኳ እንተ የሐጎሰኒ፡ ሕጂ ግን ትርጉም ስኢነሉ ። ብስም ደምበታትን፡ ከባብን ክጫነዉ ዝዉዕሉ ካብ ኣፊንጨኦም ኣርሒቖም ዘይሓስቡ ምዃኖም ከመይ እሎም ንዓይ ይዉክሉ።ካብ ኣብዚ ምህላው ኣብቲ ንስኻ ዘለኻዮ ምስ ጀርመናዉያን ምንባር ይሓይሽ።ኣቡኡ ዘፍለጠ ዘይእንታይካ ምኻኖም ፈሊጥካ ንኽሉ ብድሆታት ትቕበሎ። ኣብ ስምዒት ጥሒሉ ስለ ዝጸነሕ እታ ምቅጻል ወድኣ ኢዱ ዘንደደቶ ሽጋራ እንተዘይ ተቋርጾ፡ ቃንዝኡ ሻዓ’ሉ ኣይመዕረፈን።ዝነደዳ ኣጻብዕቱ ብመልሓሱ ምራቕ እንዳ ኣተርከሰ “ተላጊጻትለይ እምበር” በለኒ ናይ ላግጺ ሳሓቕ ሓዊሱ ።እዚኣ ዉን ግዲኣ’ዶ ገይራ ብልክዎ ክስሕቖን ካብቲ ዝነብሮ ኣርእስቲ ንምእላይን። ሓሚምካ ዝኸድካዮም ሞይቶም ይጸንሑኻ ኮይንኒ፡ ነቲ ዝነብሮን፡ ዝመጻኽዎ ጉዕዞን ከይተንተንክሉ ኣመት ጉዕዘይ ክገብር ሳዓተይ ተመልከትኩ።ድሮ ከባቢ ክልተ ሰዓት ገርና ስለ ዝነበርና ፡ዝተረፈ ግዜ ትኬት ኣብ ምቑራጽን ኣብ መዕርፎ ኣውተቡስ ክነዕልልን ምኻድ ከም ዝሓይሽ ተወኪሰዮ ብድድ በልኩ።ቅድሚ ሕደት ደቓይቕ ዝነበርኒ መንፈስ ንእለት በነን፡ኣበይን ከመይን ከምዝኸዉን ፈጺሙ ጠፈኣኒ። መንበሪ ፍቃድ ምስ ሓዝኩ ክነብሮ ዝሓረኽዎ ከባቢ ከስጋእኒ ጀመረ።ምስ ወዲ በሽር ተታሒዝና ሕሉፍ ሂወት ሳህራን ፡መማጽእትናን እንዳ የዕለልና ናብ መዕርፎ ኣውተቡስ ነቐልና። ይቅጽል…………
7/2015 ፍራንክፈርት