ክተት!
ድርሰት፥ በውቀቱ ስዩም
ትርጕም፥ ቴድሮስ ማርቆስ
ሓደ ዘመን፡ ኣብታ መዲና ሓበሻ ዝነበረት ኣኽሱም፡ እንተላይ ኣብ ጐረባብታ ኑብያን የመንን ሰላም ነገሰ። ኣውራ ኣብ ኣኽሱም ብልጽግና ሰፈነ። ኵሉ እንጌራን ወይንን ጸገበ።
ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ካብ መንጎ ምስጉናት ሊቃውንቲ ኣኽሱም ሓደ፡ እቲ ንጉስ ኣብ እተረኸበሉ ጉባኤ፥ “ልቦናይ ዘርኣየኒዶ ክዛረብ?” በለ።
ተፈቐደሉ።
“ዎ ግርማዊ ንጕስ!” በለ በቲ ምዑዝ ድምጹ። “ግርማዊ ንጕስ! ኣኽሱም እትርከበሉ ኵነት ንርጉእ ሕልናይ ስግኣት ፈጢርሉ ኣሎ። እዚ ሻቕሎት ድማ በብቝሩብ ናብዞም ወገነይ ከይተኣታተወ ኣይተርፍን።”
“ምንጪ ስግኣትካ እንታይ እዩ?” በለ ንጉስ.
እቲ ሊቕ ኬብርህ ጀመረ።
“ከምዚ እንርእዮ፡ ኣብ መንግስትና ሰላም ብዘይ መጠን ሰፊኑ ይርከብ። መኣዛ ባሩድ ካብ ዚሽትተና ነዊሕ ዘመን ኮይኑ። ናይ ዘመራን ፈኸራን ዜማታትና ተረሲዖም። ነዞም ጓሶትና እንዶ ስምዕዎም! ዜማታቶም ሕድማ ብዕልግናን ፍቕርን’ምበር፡ ናዕታ ስብእነትን ጅግንነትን ኣይርከቦን። ዋልታታትና ኣብ እተሰቐልዎ መስፈሪ ዓለባ ሳሬት ኰይኖም። ሴፍና ዘበለ ጐዲሙ። ተወርዋሪ ኲናትና መሪቱ። ነጋሪትና ጥሻ ውሒጥዎ። ሰላም ልምድታትናን ትውፊታትናን ኣጥፊኡልና። ከምቲ መረባዕ ብዘይ ሕጡብ ብዘይ ናሕሲ መረባዕ ዘይከውን፡ ንሕና’ውን ብዘይ ነውጽናን ብዘይ ቱታናን፡ ብዘይ ዓወትናን ብዘይ ስዕረትናን ንሕና ኣይኰናን።
“ግርማውነትካ! ከም እትፈልጦ፡ ኣንበሳ ምስ ሜዳቝ ኣዒሙ ምርኣይ ንጊዜኡ ባህ ዜብል ትርኢት ኪኸውን ይኽእል። ድሕሪ ሓጺር እዋን ግና የሰልክይ እዩ። ኵለን ኣዒንቲ ኣንበሳ ንሜዳቝ ኬሳድዳን ሓማሽሹ ኪዘጋግላን ኪርእያ ይናፍቓ። ዎ ንጕስ! ‘ረጋቢትና ኣብ ሰገነታትና ሰፊረን! ገረብ ሆሳኣና ኣብ ጓሮታትና በቚሉ!’ ኢሎም ንዜዳህልሉኻ ኣይትስማዓዮም። ሓያል መንግስቲ ካብ ክንቲት ረጋቢት ፍላጻ እዩ ዜዳልው። ስየ ሰሰሊዑ ለዓት ጭማራ ይሰርሕ። ሓያላት ኢና እናብልና ንነፍስና ንጥብራ። ከይተፋለምካ ዓቕምኻ ምፍላጥ ኣይከኣልን።
“ጐረባብትና ኪንየው ክምስታኦም እንታይ ይጥጅኡ ከም ዘለዉ ኣይንፈልጥን። መዓጹ ጐረባብትና ተሸጒሩ እዩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ሕልፍኝታቶም እንታይ ይስራሕ ከም ዘሎ ኣይንፈልጥን። ኣጋውላ ጐረባብትና ብዘይምፍላጥና፡ ኣብ ቤትና ስግኣት ኣንጸላልዩ ይርከብ። ዎ ንጕስ! ፈተነ ኣብ ዘይብሉ ዘመን ኢና እንነብር ዘለና። ፈተነ ዘይብሉ ዘመን ድማ፡ ንሕጊ ተፈጥሮ የዛብዖ። እስከ ነዞም ኣጓብዝና ተመልከትዎም! ከም ጐርዞ መሓዃዅልትን ኣጥባትን ኬውጽኡ ጀሚሮም። እነሆ ድማ፡ ችሕሞም ካብ መንከሶም፡ ሸነብ ጥርዚ ከናፍሮም ላጽዮምዎ። ከብዲ ኢዶም ካብ ሃሪ ጨርቂ ይልስልስ። ተጋሕቲኖም ወረ ኣረጊት ሰበይቲ ኬዀምስዑ ጊዜ የባኽኑ። ሕብሪ ደም ኣይፈልጡን እዮም። ኣባሓጐታትና ፍላጻ ዝወጠሩሎም ቀስትታት፡ ኣዋልድና ጡት ይፈትላሉ ኣለዋ። ስለዚ እንለብሶ እልሞ ብውርደት እተኣለመ እዩ። እንትርፎ ደም ነዚ ርስሓት ዜጽርዮ እንታይ ኣሎ?”
“እሞ እንታይ ይሓይሽ?” በለ ንጕስ።
“ንኑብያውያን ዘይንፋለሞም!” በለ እቲ ሊቕ።
“ኑብያውያን እንታይ ገይሮሙና?”
“ኣብቲ ንክልቴና ዚፈልይ ዶብ ዳዕሮ ተኺሎም ኣለዉ።”
“እሞ እንተ ተኸሉኸ?”
“እቲ ዳዕሮ እናኣስፋሕፍሐ እንተ መጺኡ መሬትና ምውሳዶም ኣይተርፍን።”
“እሞ እንታይ ይሓይሽ?”
“ነቕምሶም!” በለ እቲ ሊቕ። “ንበሎም!” በለ መኳንንቲ።
“በልዎም!” በለ እቲ ንጕስ።
ኵነታት ተቐያየረ። ደቂ-ኣንስትዮ ቆሎ ኣብ ምቕላው፡ ጭብጦ ኣብ ምስንዳእ ተጸመዳ። ደቂ-ተባዕትዮ ምንጽጻር ዕላማ ብተመልከተለይ ተተሓሓዝዎ። ዝበለዩ ዋልታታት ከካብ እተሰቐልዎ ወረዱ። ቀስትታት ተወልወለ። ፍላጻታት ተሰሓለ። ኣሳጕማ ኣጓብዝ ተለወጠ። ጓሶት ሕድማ ፍቕሪ ኣብ ኣንደበቶም መኸኸ። ጐላጕል፡ ዱርን ኰረቢትን ቃና ደም ብዘለዎም ዜማታት ተመልኡ። ባንዴራ ኣኽሱም ካብ ትኻሳ ተበራበረት።
ሒደት ኣዋርሕ ሓለፈ። ካብ ኑብያ ደብዳበ ተሰደደ።
“ዛቲ ጦማር ተፈነወት ሀበ ንጉሠ ኣኽሱም!
“ሊቃውንቲ የመን ሓደ ሓበሬታ ሂቦሙና። ንስኻትኩም ኣኽሱማውያን ኣብ ልዕሌና ሰራዊት ክተኽትቱ ከም እተሰናዳእኩም ሓቢሮሙናስ ሓዚንና። ይኹን’ምበር፡ ጠንቂ ምስሕሓብና እቲ ኣብ ዶባትና እተተኸለ ዳዕሮ ምዃኑ ስለ እተገንዘብና፡ ንሰላም ዚሓይሽ ገይርና ኣለና። ካብ ሎሚ ጀሚሩ፡ እቲ ዳዕሮ ኪቝረጽ ትእዛዝ ኣመሓላሊፍና ኣለና። ይቕረ ግበሩልና!”
[ዚረአ ማሕተም]
እዚ ደብዳበ ምስ በጽሖ፡ ወዮ ንጕስ ንሊቕ ኣጸውዖ።
“እንታይ ይሕሸና? ኑብያውያን ከይተፋለምናዮም ነቲ ዳዕሮ ቈሪጾምዎ። ደጊም እንታይ ሰበብ ክንፈጠር ንኽእል?” በለ ንጕስ ግር እናበሎ።
“ግርማዊ ጎይታይ!” በለ እቲ ሊቕ። “ዝሰማዕናዮ ዜና ብእውነት ዜቘጥዕ እዩ። ኣማእዚኻ ከም እትፈልጦ፡ ሰራዊት ክንውድብ ብዙሕ ንዋይ፡ ብዙሕ ጕልበት፡ ብዙሕ ጊዜ ኣህሊኽና ኢና። ኣጓብዝና ከካብ ሞያኦም ኣፈናቒልና ኣዕጢቕናዮም ኣለና። ኣንስትና ንጽባታተን ሃንኲኸን ስንቂ ኣሰናዲአን እየን። እዚ ዅሉ ብዘይ ገለ ተግባር ብላሽ ኪኸውን የብሉን፡ ግርማዊ ንጕስ!” በለ ብቓና ምሕጽንታ።
“እሞ እንታይ ግበር ኢኻ እትብለኒ ዘለኻ?”
“ውጥን ወፈራና ሰልዩ ንኑብያውያን ዚሓበሮም መንግስቲ የመን እዩ።”
“ስለዚ?”
“በዚ ምኽንያት፡ የመናውያን ንሎኣላውነትና ግሂሶምዎ ኣለዉ። ስለዚ፡ ንቕሎና ስለምንታይ ናብ የመን ዘይነቕንዖ?”
ኣማራጺ ኣይተረኸበን። ንጽባሒቱ ኣዋጅ ተኣወጀ፥
“ጸላኢትና ናብ ዝኾነት ሃገረ-የመን ክተቱ! ኣብኡ ህያው ዘበለ ዅሉ ኣጽንትዎ! ንኸተማታቶም ድማ ናብ ሓሙኽሽቲ ኣድቅቕወን!”
ናብ ንጕስ ኣኽሱም እተለኣኸት ደብዳበ
3 Comments
Ata wedukey ezi kef alewa?
Thanks, Mr. Anon!
ክብረት ይሃበለይ Mr. Anon!