ክልተ ዝሕብሩ ስም
ሓንቲ ካብ ዕዉታት ሓጸርቲ ዛንታታት ፈስቲቫል ኤርትራ 2005 .
ፍቓዱ ብዘይ ንቡር ስጒሚ’ዩ ናብታ ክፍሊ ኣትዩ። ነታ ኣዝዩ ዝፈትዋ ኣደኡ ሰላምታ ኣይጸገባን። ነተን ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት፣ ኣብ ትሕቲ ዓራት፣ ኣብ ሓደ ባኮ ጸፍጺፉ ዘቐመጠን ጋዜጣታት ኣውጸን። ነቲ ካብ ትሕቲ ዓራት ዘውጽኦ ነዊሕ ዓመታት ዝገበረ ጋዜጣታት እናገናጸለ ከንብብ ጀመረ። እቲ ጋዜጣ ብደሮና’ዩ ሸፊኑ። ካብ ሓንቲ ሕታም ናብ ካልእ ሕታም ክሰግር እንከሎ፣ ብኣእዳዉ ነቲ ደሮና ጠፍ-ጠፍ እናበለ ነገፎ። እቲ ደሮና በቐሊል ዝእለ ኣይነበረን። ዓመታት ብዘይክንክን’ዩ ተቐሚጡ። ካብ ቀዳማይ ገጽ ናይታ ጋዜጣ ጀሚሩ ሕልፍ ሕልፍ እናበለ’ዩ ዘንብብ ነይሩ። እቲ እናሻዕ ካብ ውሽጡ ዘተንፍሶ ዝነበረ ድምጺ ድማ “ይምጻእ ጥራይ’ሞ!” ዘስምዕ ናይ ምሕንሓን ስምዒት’ዩ ነይሩ።
* * *
ካብ ማእከል ከተማ ኣስመራ’ዩ ተበጊሱ። ድሕሪ’ቲ ካብቶም ዘወር እናበሉ ጋዜጣ ዝሸጡ ቈልዑ ገዚኡ። ኣብ ሓደ ብሕት ዝበለ እንዳ ሻሂ ኮፍ ኢሉ ሻሂኡ እናሰተያ ነታ ጋዜጣ ኣንቢቡ ወደኣ። “ሓንሳብዶ ክንርእያ?” በሎ ሓደ ካብቶም ኣብ ጥቓኡ ዝነበሩ ክልተ መንእሰያት።
“ሕራይ” ኢሉ ኣቐቢሉዎም። ናብ ሓሳቡ ኣተወ። “ኣየ በዓል’ዚ!” በለ ሓደ ካብቶም ጋዜጣ ዝለመኖ ሰብ ዓው ኢሉ ነቲ ዓርኩ። ዓውታ ናይ ድምጹ ነቲ ኣብ ዓሚቝ ሓሳብ ጢሒሉ ዝነበረ ፍቓዱ ኣበራበሮ። “ኣየናይ?” በለ እቲ ዓርኩ ነቲ መንእሰይ፣ ብዘረባ ናይቲ ዓርኩ ግር ስለ ዝበሎ፣ ነቲ ኣብታ ጋዜጣ ዝረኣዮ ስም ገንጺሉ ኣርኣዮ። “ኢሂ’ሞ?” በሎ ተገሪሙ። “እዚ ኣይትዝክሮን? ኣብ ግዜ ደርጊ ኣብ ጋዜጣ ሕብረት ፖሎቲካ ዝጽሕፍ ዝነበረ። ሓምሊ ዝኾነ ጽሑፍ ዝጽሕፍ ዝነበረ። ኣይትዝክሮን ፍቓዱ ሃብቶም?” ፍቓዱ ሓጺን ኣብ ርእሱ ከም ዝሃረሞ ጽርውርው በሎ። ጽሑፍካ ጽቡቕ! እናበለ ዘተባብዕ’ምበር። እቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ፣ ኣብ ጋዜጣ ሕብረት ትጽሕፍ ዝነበረካ ዲኻ ዝበሎ ሰብ ኣጋጢምዎ’ውን ኣይፈልጥን። “እዚ ሕጂ ጽሕፈቱ እንፈትወሉ ዘሎና ፍቓዱ፣ እቲ ብዘመነ ደርጊ ዝጽሕፍ ዝነበረ’ዩ?” ተገሪሙ ንብጻዩ ሓተቶ እቲ መንእሰይ። “ይገርመካ’ዩ፣ ኣነ’ውን ነቲ ጽሑፉ ከነጻጽሮ ከሎኹ ምቕባል የጸግመኒ።” “እምባእ ንሱ እዚ ፍቓዱ’ዩ?” ቃና ድምጹ ኣይኣምን’የ ኢዩ ዘስምዕ ነይሩ። “እቲ ፍቓዱ ሃብቶም፣ እዚ ፍቓዱ ሃብቶም፣” በለ ብኢዱ ናብታ ኣብ ትሕቲ’ቲ ዓምዲ ተጻሒፉ ዝነበረ ስም እናመልከተ።
“እዚ እቲ ትማሊ ምስ ደርጊ ዘጣቕዕ ዝነበረ፣ ሎሚ ከኣ?” ዘረባኡ ኣቋሪጹ ስቕ በለ። ጸኒሑ፣ “እቲ ኣዚየ ዝፈትዎ ጸሓፋይ እኮ እዚ’ዩ።” “ኣይ ኣነስ ነታ ናይ ዓምዲ ኢለን’ድየ ዝገዝኣ፣ ኩሉ ግዜ ክሓስቦ ከሎኹ ስለ ዝገመርኒ እኮ’የ… ብውሽጠይ በላዒ ክልተ ጻሕሊ እብል… ዋላ ጽሑፉ እናፈተኹዎ።” ድሕር’ዚ ፍቓዱ ኣይከኣለን። ሕሳቡ ከፊሉ ብድድ በለ። ነታ ጋዜጣ መንጢሉዎም ድዩ ተቐቢሉዎም ኣይተዘከሮን። ንኽዝክሮ’ውን ግዲ ኣይነበሮን። “በላዒ ክልተ ጻሕሊ?” እዛ ዘረባ ኣብ ውሽጢ ደጋጊማ ኣቃልሐት። ቅድሚ ሕጂ ሓሲቡዎ ዘይፈልጥ ብኣንበብቲ እትሕተት ንመንነቱ እትምልከት ከም ዘላ ተገንዘበ። ግና እቲ ብሽሙ ዝጸሓፍ ዝነበረ ጽሑፋት ትሕዝቶኡ ከመይ ድዩ ነይሩ፣ ብቕዓት እቲ ጽሑፍከ? ንፈለም ግዜኡ ነቲ ጋዜጣታት እናገናጸለ ከንብቦ ዝጀመረ። መብዛሕትኡ ካብ ኣርእስቱን እተን ቀዳሞት መስመራትን ክሓልፍ ኣይከኣለን። እተን ተማዊቱ ክሳብ መወዳእታ ዘንበበን’ውን ዓርዓርኦ። ብትሕዝቶን ጽባቐ እቲ ብስሙ ዝወጽእ ዝነበረ ዓንቀጻት ሓነኸ። “ንምንታይ ግን ብስመይ?” ብሕርቃን ቶግ በለ። ነደደ። ነቲ ጋዜጣታት ከይተረድኦ ናብቲ ባይታ ዛሕ ኣበሎ። ንምርኣይ ፈንፈኖ። ሓዊ ረኲዓሉ መጾ። “ደሓን ዲኣ?” ኣደኡ ነበረት ህድእ ኢላ ዝሓተተቶ። ኣይመለሰላን። ገጹ ካብቲ ጋዜጣታት ጠውዩ ኣዓሚቚ ኣተንፈሰ። “ደሓንዶ ኣይኮንካን?” ኣደኡ ደጊማ ሓተተት። “ሓንሳብ ግደፍኒ።” “ምስ መን ዲኻ ሓሪቕካ?” “ምስቲ ብሽመይ ዝተላገጸ ወድኺ!….” “ብስምኦን ሓውኽ?” ጐረርኡ ብሕርቃን ተዓጽወ። ምስ ኣደኡ ምልልስ ፋይዳ ስለ ዘይነበሮ ብውሽጡ ብሕርቃን እናተንፈኽፈኸ ንስምኦን ሓዉ ክጽበዮ ወሰነ። ስምኦን እቲ ኣብ ገዛኡ ዝጸንሖ ሃዋሁ ደስ ኣይበሎን። ኣደኡ ቀዚዛ ተዓኒዳ ጠጠው ኢላ። ፍቓዱ ሓዉ ድማ ዓይኑ በርበረ መሲሉ ናብቲ ዛሕ ዝበለ ጋዜጣ ኣፍጢጡ ነበረ። “ናይ ደሓን?” በለ ስምኦን ንኽልቲኦም እናጠመተ።
“ንምንታይ ግን ስምኦን… ብሽመይ… ” ፍቓዱ ነቲ ጋዜጣታት ብኢዱ ዛሕ እናበለ ሓተት። “ንሽመይ ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ትጽሕፍ ኔርካ?” ንስምኦን መበገሲ ቊጥዐ ፍቓዱ በርሃሉ። እቲ ብዓሰርተ ዓመት ዘዕበዮ ስምኦን ህድእ ኢሉ ከረድኦ መረጸ። “ብስምካ እንተ ዘይጽሕፍ ኣብ ከምዚ ደረጃ ኣይምሃለኻን፣ ከርፋሕ ናብራ ምነበርካ፣ ምናልባት’ውን ኣይምተመሃርካን፣” በሎ ህድእ ኢሉ። “ምጽሓፍካ ኣይኮነን ዘዛርበኒ ዘሎ?” “እንታይ ደኣ?” “ስለምንታይ ብስመይ ትጽሕፍ?” ቀልጢፉ ኣይመለሰሉን። ናብ ኣደኡን ፍቓዱን ደጋጊሙ ጠመተ። ኣብ ኣዒንቲ ኣደኡ ምሕጽንታ ዘንብብ መሰሎ። ስምኦን ክልተ ነገር’ዩ ንኣደኡ ካብ ማህጸና ዝወጸ ውላዳን ብንኡሱ ሓላፍነት ኣቦ ዝተሰከመ ጸግዓን’ዩ። በዓል ቤታ፣ ብሕማም ካብዛ ዓለም ክፍለ ከሎ ስምኦን ወዲ ዓሰርተ ዓመት፣ ፍቓዱ ድማ ኣብ ማህጸና ነበረ። ስምኦን ብቘልዕነቱ ዝጀመሮ ምሕንጣጥ ጽሑፍ ደሓን ኣንፈት ስለ ዘርኣዮ ደጋጊሙ ብምጽሓፍ ዓቕሙ ኣማዕበለ። ብጽሑፋቱ ዝተመሰጡ ሓያለ ሰባት ከተባብዕዎ ምስ ጀመሩ ከኣ’ዩ ናብ ጋዜጣ ሕብረት ጽሑፍ ክልእኽ ዝጀመረ። እቲ ዝህቡዎ ዝነበሩ ክፍሊት ኣብ ናብራኦም ዓቢ ደገፍ ብምፍጣሩ፣ ብዓይነትን ትሕዝቶን ጽሑፋቱ ከይተገደሰ ናብቲ ጋዜጣ ዝልእኮም ዓንቀጻት ከሰስኖም ግድነት ኮነ። ብፍላይ ከኣ ንናይ ኲናትን ፖለቲካዊ ቅልውላዋት ጠቀስ ጽሑፍ ዝወሃቦ ጉንዖ ኣብ ናብራኦም ዓቢ ለውጢ’ዩ ኣምጺኡ። እዚ እቲ ንእለት ኣብ ኣእምሮ ስምኦን ዝተፈጥረ ዝኽሪ’ዩ። “ስለምንታይ’ሞ ብኻልእ ናይ ብርዒ ስም ዘይትጽሕፍ ዝነበርካ?” ፍቓዱ እታ ዘቖጥዐቶ ኣልዓላ። “ኣነ ክጽሕፍ ከሎኹ ገና ህጻን ኢኻ ኔርካ። እዝከረኒ’ውን፣ ስምካ ኣብ ጋዜጣ ወጺኡ ክብለካ ከሎኹ ትሕጐስ ኔርካ። እቲ ኣብ ገጽካ ዝርእዮ ዝነበርኩ መንፈስን ታሕጓስን ንዓይ ዝያዳ ኣተባቢዕካኒ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንሱ ኣገዲሱኒ።” እዛ መልሲ እዚኣ ንፍቓዱ ንድሕሪት መለሰቶ። መሃራይ ራብዓይ ክፍሊ፣ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ኣቢሉ’ዩ ነይሩ። ነቲ ኣብ ጋዜጣ ብስሙ ዝተጻሕፈ ዓንቀጽ ሒዙ ንመማህርቱ ብቘልዕነታዊ ትምክሕቲ የርእዮም ነበረ። “ስመይ ኣብ ጋዜጣ ወጺኡ። ናትኩም ግና….” ይብሎም ልቡ ብታሕጓስ እናተሳራሰረት። ብዘይካ ምውጻእ ስሙ ኣብቲ ጋዜጣ፣ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝነበረ ግና ዝፈልጦ ኣይነበሮን። ድሕሪኡ ምስ ጐበዘ’ውን ነት ብስሙ ዝመጽእ ዝነበረ ጽሑፍ ከንብቦ ሓሲቡዎ ኣይፈልጥን። ሕጂ ግን እቲ ብሽሙ ዝጽሓፍ ዝነበረ መዘዝ ከም ዘምጽኣሉ’ዩ ተረድአ። ንገለ ካብ ኣንበብቱ’ውን፣ ነቲ ኣብ ጋዜጣ ሕብረት ዝውጽእ ዝነበረ ጽሑፋት ከም ዘዘኻኽሮም ተገንዘበ። ኣብቲ ሓደ ሓደ ኣንበብቱ ዝርእዮ ስምዒት ንዕኡ ዘራጉድ መሰሎ። ሓቆም! ብሓደ ስም ክልተ ዝተፈላለየ ትሕዝቶን መርገጺ፣ ብሓደ ስም ክልተ መልሓስ! ጉዳይ ስሙ ኣተሓሳሰበቶ። ኣንጻር እምነቱን ህብቡነቱን ዝተተኽለት ጨዓ ኮነቶ። ነቲ ከም ኣቡኡን ሓዉን ዘፍቅሮ ዝነበረ ስምኦን ደፊሩ ክሓቶ ዘበገሶ ድማ እዚ ስምዒት ኢዩ። ብስሙ ብምጽሓፉን መጻኢ ዕድሉን ድልየቱን ዝኾልፎ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዖ ከኣ ጠገለ ዘይብሉ መገዲ ክሓቶ ተገደደ። “ስለምንታይ ግን ስምኦን ካልእ ሞያ ዘይትፍትን ዝነበርካ፣ ምጽሓፍ ጥራይ ድዩ ስራሕ ነይሩ?” “ነይሩ ይኸውን፣ ንዓይ ግን እታ ዝቐለለት ስራሕ ንሳ’ያ ነይራ፣” በለ ስምኦን ሕጂ እንታይ ግበር ትብለኒ ብዘስምዕ ቃና።
“ሕራይ ንምንታይ ግን ሽመይ ከም ናይ ብርዒ ስም ተጠቒምካ ትጽሕፍ ኔርካ?” ነታ ሕርኽርኽ ክትብሎ ዝጸንሐት ሕቶ ዳሕድሓ። ከምቲ ገበን ክፍጽሙ ብጸልማት ዝኸወሉ፣ ብናይ ብርዒ ስም ዝጥቀሙ’ውን ገለ ክኽውሉዎ ዘሎዎም ነገር ስለ ዘሎ’ዩ በለ ብውሽጡ። “ኣነ ንዓኻ ከዕብየካ ኢለ’የ ዝጽሕፍ ነይረ። በቲ ገንዘብ ከብዲኻ፣ በቲ ሽምካ ከኣ መጻኢኻ፣” በለ ስምኦን ህድእ ኢሉ። “ኣየናይ መጻኢየይ?” ፍቓዱ ብሕርቃን ቶግ በለ። “ጸሓፋይ ንኽትከውን፣” ስምኦን፣ ፍቓዱ ዝብሎ ተደናገሮ። “እሞ….እሞ….” ከይተረድኦ ነቲ ባይታ ኢዱ ዓሚዂ ደሰቖ። ስምኦን ኣዒንቱ ናብታ ንዘረባኦም ተዓኒዳ ትሰምዕ ዝነበረት ኣደኡ ኣበሎ። “ኣደ ይሰብረና ኣሎ። ኣተዓባብይኡ ረሲዑዎ። ብኸመይ ከም ዝዓበየ እባ ኣዘንትውሉ፣” ተማሕጸና ብኣዒንቱ። “ብዛዕባ ኣተዓባብያይ ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ። ብዛዕባ ምጽሓፍ’የ ዝዛረብ ዘሎኹ፣” ኢሉ ፍቓዱ ናብ ኣደኡ እናጠመተ ኣጓጠጠ። “ኣተዓባብያኻ ካብቲ ምጽሓፍ ዝፈልዮ ነገር የበሉን። እቲ ምጽሓፍን ኣተዓባብያኻን ሓደ’ዩ።” “እሞ ኣነ ምጽሓፍ ክገድፎ?” “ጸሓፋይ ንኽትከውን ዝኸልከለካ የለን።” ኣደኦም ኣብ መንጎ ተቐርቀረት። እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ደቂ ዝተላዕለ ቆዪቊ ንነብሰ ስጋኣ ቀንጠጦ። እቲ ኣብ መንጎ ደቃ ዝነበረ ፍቕሪ ሃደሽ ኢሉ ዝፈርስ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዕዋ፣ ብንብዓት ተነኽነኸት። “ፍቓዱ ሓወይ በዲለካ’የ፣ ይቕረ በለለይ፣” በለ እቲ ብብኽያት ኣደኡ ልቡ ዝተተንከፈ ስምኦን። “ንዓኻ ክጐድእ ኢለ ዝገበርኩዎ ኣይኮንኩን።” እታ “ፍቓዱ ሓወይ” እትብል ቃል ስምኦን፣ ንፍቓዱ ሸቕ ኣበለቶ። ንነብሱ ወቐሳ። “ይቕሬታ ስምኦን ሓወይ” በለ ንሱ’ውን ብግደኡ። ኣብ መላእ እቲ ቤት ስቕታ ሰፈነ። ፍቓዱ ኣዒንቱ ኣብቲ ዛሕ ዝበለ ጋዜጣ ተኺሉ ይሓስብ። መዋጽኦ ናይቲ በደል ኣብ ኣእምሮኡ የናዲ። ስምኦን ብግደኡ፣ ፍታሕ ናይታ ግድል ብዘይ ምርካቡን ብዘይ ምምጻኡን ቅሬታ ተሰምዖ። እቲ ናይ ብርዒ ስም ዝፈጠሮ በሰላ ኣጉሃዮ። ዕለታዊ መግቢ ንምምእራር ኢሉ፣ ብስም ፍቓዱ ዝጽሕፎ ዝነበረ፣ ንስርዓት ደርግን መግዛእቱን ዘመጒሱ ዝነበሩ ማእለያ ዘይብሎም ጽሑፋቱ: ሎሚ ንሓዉ ብኣሉታ ምጽላዎም ተሰምዖ። ሕልናኡ ጸጸኒሑ ሸቕ ኣበሎ። ንፍቓዱ ሃንደበት ሓደ ሓሳብ በለጭ በሎ። ናብታ ጽሑፋቱ እተአንግድ ጋዜጣ ሓደ ዓንቀጽ ክሰድድ ወሰነ። ብርዒ ኣልዒሉ ከኣ፣ “ስምካ ንርእሲኻ ክገዝእ እንተ ዝኽእል” ዝብል ኣርእስቲ ኣስፈረ። “ስም ንርእሲ ክገዝኦ ዝኽእል እንተ ዝኸውን ዓቢ ጸገም መጋጠመ ነይሩ። እቶም ተመሳሳሊ ስምን ስም ኣቦን ዘሎዎም ሰባት ሓደ ዓይነት ጽሑፍ እናኣቕረቡ መሸገሩና። ዓሰርተ ፍቓዱ ዝስሞም ጸሓፈቲ ዓሰርተ ተመሳሳሊ ጽሑፍ መቕረቡልና። ኣብ’ዛ ምድሪ ዝቦቕሉ ዕንባባታት ሓደ ዓይነት ሕብሪ ጥራይ እንተ ዝነብሮም፣ ለውጢ ይምረኣናን። ነቶም ሕብሪ ዘሎዎም ንብህጐም። ሓደ ዕንባባ ዝብል መጸውዒ ግና ንብዙሓት ሕብርታት። ንብዙሕ ጽባቐ። ፍቓዱ ሃብቶም’ውን ከምኡ’ዩ፣ ክልተ ዝሕብሩ ስም….” ፒሮን ወረቐትን ኣጋጢሙ ሓሳባቱ ክውሕዘሉ ምስ ጀመረ ቁሩብ ሩፍታ ተሰምዖ።
ግርማይ ኣብርሃም
4 Comments
Wawo good job~ the design and the content are great i just smell a big change
ሰላም ዛራ ጥበባት!
ምልኣት ቋንቋ ዝሓለወ መዐቀኒ ዘይ ተቐመጠላ ጽሕፍቲ ኰይና ተራእያትኒ። እዚ ኸኣ፥ ካብ ኣብ ዝባና ተሸኪማቶም ዘላ ጌጋታት ክንርእዮ ንኽእል ኰይኑ እስመዓኒ ኣሎ`ሞ፥ ርእይቶይ ክሕውስ። ትሕጃ ዘለዎ እርማት ክቅምጥ ምእንቲ ኸኣ፥ ካብ ቀዳማይ ዓንቀጽ ከይ ወጻእና ንረኽቦም ጌጋታት እኹላት መረዳእታታት ምዃኖም ክምልክት።
ኣብ ቀዳማይ ዓንቀጽ ንረኽቦም ጌጋታት እምበኣር፥ ደራሳይ፥ ጽሕፈትን ዘረባ(ልሳን) ዘይ ዪፈልይ ኣገባብ ስለ ዘይ ተጠቐመ እዩ። ካልኣይ ጌጋ እውን፥ ኣብ ምልኣት ሓሳባት ንረኽቦ ሃጓፍ ኪኸውን እዩ። ንመልከት፥
ኣብ ቀዳማይ መስመር «ፍቓዱ ብዘይ ንቡር ስጉሚ እዩ ናብ ክፍሊ ኣትዩ። ነታ ኣዝዩ ዝፈትዋ ኣደኡ ሰላምታ ኣይጸገባን።» ንረክብ።
እቲ እርማት ከኣ፥ እዚ ዝስዕብ እዩ። ካብ «ብዘይ» ንጀምር። ብዘይ ዪበሃል እዩ። «ብ ዘይ» ከኣ ንጽሕፎ። ተመሳሳሊ እውን፥ «ነታ» ንብል፥ «ን እታ» ኸኣ ንጽሕፍ። ተወሳኺ እርማት ድማ፥ ኣብ «ስጉሚ» ንመልከት። እወ እዚ ቃል፥ ንጽል እዩ። ደራሲ፥ «ስጉሚታት[ስጉምታት]» ኪጥቀም ድማ ዪግበኦ።
ድሕሪ እዚ ዝስዕብ፥ ኣብ ምሉእ ሓሳብ ዝሰዓበ ጌጋ እዩ። ንሱ ኸኣ፥ «. . . .ዝፈትዋ ኣዲኡ ሰላምታ ኣይጸገባን» እዩ። ሕጂ እውን፥ ነብሶም ዝኸኣሉ ቃላት ዘይ ምፍላይ ዝፈጥሮም ጸገማት ክንምልከት ንኽእል። ን ኣብነት፥ «ኣይ» እንተ ወሲድና፥ ኣፍራሲ ተውሳኸ-ግስ ምዃኑ ኣይ የማትእን እዩ። ኣብ ዘረባ ኣልጊብና እንተ ደመጽናዮ እውን፥ ርዱእ እዩ። ኣብ ስእሊ ሓሳብ ክንገልጽ ንቕልተሉ እዋን ግን፥ ክንጉህምም ወይ ክንሽርምም ኣይ ዪግባእን። ክንዲ ዝኾነ ኸኣ፥ ፍቓዱ ዘይ ኰነስ፥ ሰላምታ ከይ ጸገበ ዝሓለፈ ምዃኑ ዘስምዕ መልእኽቲ፥ ኣብ እዛ ጽሕፍቲ ተገቲሩ ንረኽቦ። ኣብ ማለትነት ወይ ድማ፥ ብ ሃሰስለባም ክንሓልፎ እንተ ተደልዩ ግን፥ «ፈቓዱ ን ኣዲኡ እኹል ሰላምታ ከይ ሃየበ ሓሊፉ።» ማለቱ እዩ ኢልና ክንሓልፎ ንድረኽ ማለት እዩ።
ኩሎም ጽሑፋትና ኣብ ከም እዚ ዝተጠቕሰ መዐቀኒ ኣእቲና ክንእርሞም እምበር፥ ኣብ ትሕዝቶ እዛ ጽሕፍቲ ወይ ጸሓፋይ፣ ከምኡ እውን ኣብ ዛራ-ጥበባት ዚትከል ቀጥታዊ ነቐፌታ ዘይ ምዃኑ ግን፥ ቅድመ-ርድኢት ክቕምጠሉ እፈትው!
ፋኑስ!
እርማት!
ኣብ ቀዲመ ዝጸሓፍክዎም ርእይቶ ኪእረም ዝግበኦ ነጥቢ ኣሎ። ንሱ ከኣ፥ «…ጽሕፈትን ዘረባን(ልሳን) ዘይ ዪፈልይ ኣገባብ ስለ ዘይ ተጠቕመ እዩ።» ናብ «…ጽሕፈትን ዘረባን(ልሳን) ዚፈልይ ኣገባብ ስለ ዘይ ተጠቕመ እዩ።» ተቐዪሩ ኪንበብ ምስ ትሕትና እሕብር።
😆