ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ክብርቲ ሓፍትና ስነጥበበኛ ኣርያም ወልደኣብ ብዛዕባቲ ኣብ ምጅማር 2009 እተፈጸመ ስልጠና ስነ-ጽሑፍ ኣመልኪታ ዝኽራ ኣካፊላትና። ኣብቲ ጽሑፍ ንኣይ ኰነ ንብጾተይ ብኽብሪ ስለ ዘልዓለትና “ክትከብሪ ንበሪ” እብላ። በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ልዕሊኣን ናይ ሽዑ ሰልጠንትን ዘሎኒ ኣድናቖት እገልጽ። በቲ ዘለዎም ብቕዓት፡ እንተላይ ከም ፍጻመ ትማል ጌሮም ዝኽሮም ከፈልፍሉ ምኽኣሎም የደንጽወኒ። ከምቲ ምሳናን ኣብ ጎድንናን ደው ዝበሉ፡ ንሕና እውን ኩሉ ደገፋትና ብዝተፈላለየ መልክዕ ክንገልጸሎም ንነብር ኣሎና።
እቶም ብ”ሳልሳይ ዙርያ” ዝፍለጡ ጉጅለ ሰልጠንቲ ኣብ ሰለስተ እዮም ዝኽፈሉ ኔሮም። ተማሃሮን መንእሰያትን፡ ሰራሕተኛታት ከምኡ’ውን መማህራን ተሰምዮም! ነዞም ጉጅለታት ንምውህሃድ ተባሂሉ እተመዘዝና ድማ ኣነ: ቢንያምን ዮናስን ኔርና። ንኹሉ እቲ ፕሮግራም ዝመርሖ በረኸት ጸጋይ ኰይኑ፡ መማህራን ከኣ ካብኡ ጀምሪካ ብኣይ ሓሊፍካ ንኻልኦት ትምህርትን ተመክሮን ዘመሓላለፉ ይጥቀሱ።
ካብቶም ትምህርታዊ መዳይ ስነጽሑፍ ዝሃቡ፥ መለስ ንጉሰ – ብዛዕባ ስነ ግጥሚ፡ ግርማይ ኣብርሃም ብዛዕባ ሓጺር ዛንታ፡ ዓብደልቃድር ኣሕመድ ብዛዕባ ኣጸሓሕፋ ዓንቀጽ፡ ተስፋኣለም ገብረስላሴ (ጫረ) ብዛዕባ ኣመዓባብላ ስነጽሑፍን ህየሳን፡ በረኸት ጸጋይ ብዛዕባ ስርዓተ ነጥቢ፡ ጴጥሮስ ተፈሪ ብዛዕባ ኣፋዊ ዛንታ፡ ሳሚኤል መንግስትኣብ ብዛዕባ ዓይነታት ድራማ፡ ኣማኑኤል በርሀ ብዛዕባ ስነምግባር: ይስሓቕ ኣብርሃም ብዛዕባ ሬድዮ ድራማ ካብቶም እንጥቀስ ኢና። ብዘይካዚ ተመክሮኦም ዘካፈሉ፡ ዑመር መሓመድ ሑሴን ቢደሪ (ኣባዓምራ)፡ ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ሳሚኤል ረዘነን ካልኦትን ይርከብዎም።
ብወገነይ ኣወሃሃዲ ናይቶም ብ”ተማሃሮን መንእሰያትን” ዝፍለጡ ኣባላት ስነጽሑፍ እየ ኔረ። ካብዚኣቶም እቶም ስምን ዝናን ዝረኸቡ ኣርያም ወልደኣብ፡ ክብሮም ደሞዝ፡ ኣማኑኤል ጋይም፡ ሰላም ሙሉጌታ ኰይኖም ናይቶም ዝተረፉ ሃበርም ከኣ ኣብ ታሕቲ ዝርዝሮም ክትረኽብዎ ኢኹም። ብተወሳኺ ኣብቲ ሽዑ እዋን ካብ ዝፈረዩ ግጥምታት ምስ ናይ ገጠምቶም እውን ጆባእ ክብለኩም እየ። ሳላ ሰናዳይ በረኸት ጸጋይ እተረኽበ’ምበር እተሳእነ የልቦን።
እቶም ተማሃሮን መንእሰያትን ካብ ምጅማሮም ኣትሒዙ ዝተራእየ ክእለትን መንፈሳቶምን ዝናኣድ’ዩ ዝነበረ። በብታራ ወጺኦም ንስርሓቶም የቐርቡ’ሞ ካብቶም ብጾቶም ህየሳ ይቐርበሎም። ንሓድሕዶም እናተደጋገፉን እናተበላልሑን ድማ ጉዕዞ ጥበቦም ይቕጽል። እቲ ስልጠና ኣብ ኣጋ ምዝዛሙ ፈተና ተዋሂቦም እዮም። ከካብ ጉጅለኦም ዕውታት ኰይኖም እተረኽቡ ከኣ ካብቶም ናይ ክብሪ ዕዱማት ስልማቶም ተቐቢሎም። ንኣብነት ካብቶም መንእሰያት ብግጥሚ ቀዳማይ ዝወጸ ክብሮም ደሞዝ (ርእሰይ ግን ኣይከምኡን)፡ ብሓጺር ዛንታ ቀዳመይቲ ኣርያም ወልደኣብ (ከስዒ ኣደ)፡ ብድርማ ሰላም ሙሉጌታ (ንስነጥበብ እትምልከት)፡ ኣብቲ ፈተና ዝለዓለ ነጥቢ ዘምጽአ ከእ ዮናስ ገብረሃንስ ኰይኖም ንረኽቦም።
ስነስርዓት ምምራቕ ኣብ እምባሶይራ ሆቴል እዩ ተቓኒዑ። እቶም ኣብ ሰለስተ ጉጅለ ስነጽሑፍ ዝተሳተፉ ንዘለዎም ጽሑፋት ናብቶም ኣዳለውቲ መደብ ብኣጋኡ ኣረኪቦም። ኣብቲ ዕለት ሓንቲ ቡለቲን ተዳልያ ክትዝርጋሕ እንተተፈተነት’ኳ ብሰንኪ ሕጽረት ግዜ ኣይሰመረን። እቶም ሰልጠን እምበኣር ነቲ ዝኣክል ልምምድ ጌሮም እተዳለውሉ ትሕዞ ሒዞም ኣብ መድረኽ እንክቐርቡ ልዑል ኣድናቖት ኣትሪፎም።
ስለዚ ድማ’ዩ እዚ ብሓፍትና ኣርያም እተበገሰ ኣርእስቲ ናይ ስልጠና ስነጽሑፍ ኣብ ግዜኡ ቀሊል ነገር ከም ዘይነበረ ዘመልክት። ምስቲ ቀደም ዝሰላሰል ዝነበረ ብግቡእ ምድላዋት እትሰነየ ምርኢት ዝመሳሰል ኰይኑ ድማ ተረኺቡ። እቲ ደረጃ ጉዕዞ ስነጽሑፍ ዓቂቡ ብሰንሰለታዊ መዳይ ክኸይድ ድሕሪ ምጽናሕ ወዝቢ እንተቐሃመ’ኳ እቲ ሓድሕዳዊ ፍቕርን ስኒትን ኣብ መንጎ ናይ ሽዑ ኣሰልጠንትን ሰልጠንትን ግዳ ይቕጽል’ዩ ዘሎ።
ሕጂ ናብቲ ገለ ካብ ፍርያትን ሰልጠንትን ዝርዝር ገጸይ ከብል! ክብረት ይሃበለይ!
***
ርእሰይ ግን ኣይከምኡን
ኣብቲ ክንዮ ሰማይ ደበና እንተሃልዩ
ጽባሕ ምስ ከድናዮ ክረኣየና’ዩ
ደሓር ከአ ክዘንብ ከይዘንብ ሰማይ’ዩ ዳናዩ
ክበጽሕ ከይበጽሕ ኣብ ጽፍሒ ናይ ምድሪ
እምበር ሃልዩ እንተዘነበ
ሰማይ እንተሓንገደ
መንዶ
’ሎዎ’ዩ ዋሕስ
ንፍርዱ እንዳኣልና ቀስ ኢልና ክንውከስ
ብቕጽበት ግን እታ ኣነ ዝውንና ርኽበታ ትንፋሳ
ምስ ናብራ
ዚ’ቓልሳ
ካልእ ይትረፍ እንዳ ዘይትውንን
ነታ ዝርካባሓጺን ትኸውን
ኣብ ጫማ በጺሕካ’ሞ ምምራጽ ይትረፋ
ታኮ ተፋሕፊሑ ዋላ ካልሲይ ተንክፋ
ብኣያ ትሓልፋ ኣይብላን’ዩ ስኽፍ
ግና ራኢ ኣለዋ ደበና ኣብርእሳ ዝቖመ
ዋላ ግዜ ይዝረያ ይብዛሕ’ቲ ፈተነ
ድምጺ ኣለዋ ንዝሰምዕ ቅኒት’ቲ መንፈሳ
ብርሃን ኣለዎ ንዘማዕዱ’ቲ ደብዛዝ ፋኑሳ
ኣብቲ ስኒ ምንካስ ርሃጽ ቀትሪን ለይትን
ኣብ ናይ ሎሚ ከርተት ንጽባሕን ራኢን
ኣነን ንሳን በይንና እናኾና
ጋን ይኾኖ ደሓን ነቲ ዘየንብበና
ታሪኽ ኣይስነድን ንውድቀት ዘፍቀሩ
ድምጺ ጨብ ጨባ ዘስሞኦም ነቶም ዝተሳዕሩ
ምስዓር ከአ ኣይኮነን ምስ መን ተጋጢምና
ባህርን ርእስን እንዳኣሉ ዝጻብኣና
እምበር ሎሚ ብኽዳን ዝፈርዱ
ኣዒንቶም ኣብ ጫማ ዘዕርዱ
መሳልል መንፈስኪ ምስደየቦ’ቲ ጫፍ
ራኢ ምስ ሰመረ ምስ ተሰርሐ’ቲ ዳስ
እቶም ኣባጨውቲ ናይሎሚ በሃሎ
ጻዕዳ ተኸዲኖም ክብሉልና’ዮም ኣውሎ
ከመጉስናዮም ልዕሊ’ቲ ንእኽሎ
ስለዚ
…እዚ ካብ ኮነ ምስሎም ወዮም’ዞም ሰብ ባጫ
ኣብ ስእነት መለኸቶም ፋጻ
ኣብ ርኽበት ትንፋሶም ጥሩምባ
ግዲ ኣይንግበረሎም ኣብ ፍቕሪ ንሰውድ ‘ቲሓደ ክግዕት ሓዴና የንበድብድ
ሽዑ ጓህሪና ቅሂሙ ብዙሕ ዘዛርቦም
ጠስሚ ገዓትና’ዩ ኣፎም ማይ ከምኦም
እምበር ስእነትኪ ብኦኦም ኮነኔ’ዩ ሓጢኣት
ሒኽ ኢሎም ክበትኩ ናይ ፍቕርና ገመድ
እሞ ንመን’ከ? ብመን?
ሎሚ ኣኾምሲዕካ እንተመልአት ከብዲ
ከይሓሰብካ’ዶ ይንበር’ዩ ከም ኣብዲ
ሃገግታ ዓንዶም የውድቓ ነፍንጫ
ብልጭልጭ ዝባኖም ይስሓባ ንዓይነይ
ርእሰይ ግን ኣይከምኡን ኣይመስል’ዩ ነዚ
ገና ጉዕዞ’ለዎ ዘይብሉ ተሓዚ
ጽሓይ ዕራርቦ እተፈጢሩ መልሲ
ነዒንቱ ዘንቅሕ ምዕራፍ ከላሲ
እምበር ዘይታኸስ ኣላሽ ዘይብሃሊ!
ክብሮም ደሞዝ
****
ሓሊመ
ክገጥም ከም ገጣማይ
ተበጊሰ ተገጠመለይ
ፊደል ምስ ፊደል ኣላቒበ
ቃላት ምስቃላት ኣላፊነ
በብጽምዲ ኣመዓራርየ
ሆ! ኢለ ጀሚረብርዐይ ኣዋዲደ
ከይኮነኒ ግና ከይጸመደ ኣንጎደ
ሓደ ክልተ ኢለ ክሓናጥጥ
ንምግጣም ግዜይ ክመጥጥ
እንተስ ብጻዕሪ ኮይኑ ናይ ኣእምሮ
እንተስ ህያብ እዝኒ ብተፈጥሮ
ወይስ ናይ ክልቲኡተደመሮ
እወ! ነዚ ናይ ጽሑፍ መመቀሪ
ናይ ነገራት መቓነይ
ናይ ጥቕስታት ኣሳሪ
ናይ ወግዑ መፋቐሪ
ናይ ፍጻመታት ሃርሃሪ
ንለባማት መአንፈቲ
ንዓያሹ መመስጠሪ
ንትኩራት መመልከቲ
ንዝዘንግዑ’ውን መስተሪ
ካብ ኮነ ግጥሚ
ጥበባት ከነውሪ ብግጥሚ
ሓሊመ ኣነ’ውን ከም ገጣሚ
ኣማኑኤል ክፍለማሪያም
***
እታ ቤት
እታ ጥርሓቤት
ኣልቦ ንብረት
ጾም ውዒሎም
ሰሓቕ ዝድራሮም
ስምረት ካዕካዕትኦም
ዕርቃና ሸፊኑ
እዝንኻዝብንቁር
መቓልሕ ፈጢሩ
ሎምስ እንድዒ
ብካዕቦ ሽሻይ ምስ ኣዕለቕለቐት
ንቡር ኣጥፊኣ
ሓደው ንብረት መሊኣ
መቓልሕ ሰሓቕ ከሊኣ
እንተስ ሓይሊ ገንዘብ
ንትም ኣንጊሱ
ስቕታኣ ብኢሱ
ኣቤል ገ/ሚካኤል
***
ክረኽበኪ ኣይትበለኒ
ከይረሓቕካኒ ከለኻ
ኣብ ውሽጠይ
ሻድሻይ ህዋሳተይ
ክንስኻ
ትልሚ ሂወተይ
ልበይ እኳ ማእስኻ’ዩ
ምስልኻዝድቅሶ
ልሳነይ ውን ዛንታኻ’ዩ
ውዕለትካ ዝደረሶ
ፍቑረይ……….
ደስ ይብለካ ይኸውን
ብሓንሳብ ክንህሉ
ቦታ ፈሊና
ነቲ መረበት ልብና
ፍቕሪ ከነብቁለሉ
ግን እዚ እኳ…
ከም ብእርጋን ዝሰዓር ስጋ
ብጸሓይ ዝወድቕ ቆጽሊ
ትውክልትና ይኹን
ምርኣይ ዓይኒ ብዓይኒ
እሞ በይንነት ከይስመዓኒ
ኣብ ውሽጠይ ከለኻ
ክረኽበኪ ኣይትበለኒ!
ብስምኦን ኣርኣያ
***
ወለሸይ
ወለሸየ
ምህዞ ኣይኮንክን
ዕዮ ፍጡራት
ፍጥርቲ ኢኺ
ናይ ናንጽነት ህያባት
እሞ ኢሎምኒ ይትረፍ
በልዮም ሎሚ
ልሳናትኪ ይለሃያ
ይከስከሳ ሓቂ
ወለሸየ
ዛንታ ስምዒት ድዩ
ዓቚሩ ድርሳነ ልብኺ
ኣሰር ርድኢት’ዶ ኣይኮነን
ቅኒት መንፈሳትኪ
ስለ’ዚ
ይበሃሉ እቶም በሃልቲ
ሓይሊኮ የብሎም ኣብ ምንቃድኪ
ንጽልኢ ክትፈርሒ ከይትከስሪ ፍቕሪ
ንስለ ጸሓይ ተጻሊትና
ንምንታይ ንደሊ ወርሒ
ወለሸየ………
ሃልዊ እንዶ ኣብ ጽንዓት
ተወንዘፍዮ እቲ ትብዓት
ሞት
’ውን ይናፈቕኮ እዩ
ተኣሚንካ ንፍቕሪ
ይሰዓር እዩ’ውን
ተኾንካ ሕዝሎ ፍቕሪ
እሞ ወለሸየ
ንበሪ ኣብ ምንባር
ዋጋ ዓለም ኢዩ
ንሓደ ምኽሳር፣
ፍጹም ተስፋይ
***
ናትካ’የ’ሞ በሊ
ድቀት ዑንቂ
ገጽኪ ተነጺፉ ታ’ ጸላም ብሮት’ወ
ኣብ ሱፍ ምስልኺ ተቐሚጣ
ንቁንጅናኺ ወሲኻ ሓለፋ
ባህታ ትፈጥር ጽባቐ ኣሰሊፋ
ሻሽ ዝልብሱ
ስሙር መሳርዕ
ፈገግታ ኣስናንኪ
ጸላም’ዩ ዝበስዕ
ኣዒንትኺ የማን ጸጋም
እናስለምለማ
ልቢ ዘሪፈን
ፍቕሪ ይግዘማ….”
ቲ’ፈጣሪ”….
ሓድሕድ ዘይበላለጽ
ኣካልኪ ኣላፊኑ
ኣበር ኣልቦ ሄዋን
እንኮ ንዓኺ ደኾን’ዩ
ጸጉሪ ከቢድዎ
ርእስኺ ክገማሰስ
ማዕርፎ እንሃለ
ደረተይ ይነጸፍ
ናተይ’ባ ኩኒ እወ ብሌን ዓይነይ
ገላሂት ጸላም እንኮ ኮኾብ በይነይ
መዛኖይ ተሉኺ ኢለናልኪ ሃነይነይ
ድሌቶም ጎስኺ ምረጺ’ሞ ንዓይ
ኢድን ጓንትን ኰይና
ሓዳር ክንምስርት
“ናትካ’የ’’ እሞ በሊ ክሳብ
ዘለና ብህይወት
ኣነ ግን ክዕጅበኪ
ወላውን ድሕሪሞት፣
ሃብቶም ጃምቦ
****
ሰልጠንቲ ተማህሮን መንእሰያትን
1. ታሕጓስ ካሳ
2. ቢንያም መሓሪ
3. ዑቕባ ሃይለ
4. ሃብቶም ጃምቦ
5. ቴድሮስ ወልደማርያም
6. ዮናስ ተስፋኣለም
7. ኣይዳ ዓንዳይ
8. ግርማይ ገብረመድህን
9. ዘልኣለም ዘውደ
10. ፍጹም ተስፋይ
11. ስምኦን ኣርኣያ
12. ቢንያም ገብረትንሳኤ
13. ምሉእ መሓሪ
14. ሰምሃር ሓይላይ
15. ፊደል ወልደኣብ
16. ዮናስ ገብረዮሃንስ
17. ኣቤል ገብረሚካኤል
18. ዳኒኤል ሰለሞን
19. ኣማኑኤል ጋይም
20. ሳሚኤል በየነ
21. ሰላም ሙሉጌታ
22. ሚለና ኣዳሙ
23. ኣማኑኤል ክፍለማርያም
24. ክብሮም ደሞዝ
25. ሩት ቀለታ
26. መሰረት ኣማረ
27. ሃብተማርያም ሰለሞን
28. ኣርኣም ወልደኣብ
29. ዮርዳኖስ ተስፋይ
30. ወልደኣብ ፍቕሩ
31. ንግስቲ ገብረንጉስ
32. በረኸት ሃይለ
33. ሳሚኤል ቦኽረጽዮን
34. ሰምሃር ተኸስተ
35. ሚልዮን ተኽለ
(እዞም እተጠቕሱ ሰባት ኣበይ ኰን ይህልዉ?”