ክፈቱ ክፍቶ
ከፍቅር ክፍቀር
መሰለ’ዩ /መሰላ’ዩ
ብቁም ነገር…!
ደሓር ከኣ…
እቲ ፈጣሪ – ፈጣሪ ንፍጡር
ከምኡ ጌሩ ስለ ዝፈጥር
ከምታ ጉልዒ ህጣር
ኣብዛ መሬት ምንጣር
ዘርኢ ምብዛሕ ምፍጣር
ስለ ዝኮነ፣…
ኣነን ንሳን ከኣ፣
እቲ ብሓደ እንመሓዘዎ
ትርጉም ህይወት ስለ ዘለዎ
ኣብቲ እልፊ እልፋ
እቲ ምግዛፉ ብዓጸፋ፣
ተሓጒስና/ ተፈሲህና ነሐንፍጦ
ምዑዝ ፍቕሪ ዝወሓጦ፣
ኣቤት ሽዑ/ እንተትሰምዑ
ዘሎ ወግዒ/ ተሰማዒ
ከምቲ’ኳ ከምቲ
ትፈልጥዎ/እንፈልጦ
ኣብ ዝባና እኹየጦ
ኣብ ዝባነይ ትኹየጦ
ከምኡ ከምኡ እናገበርና
በብእብረ / ንበረረ
ኣነ እነድቖ/ ንሳ ትሃቖ
ኣየፍርሶ / ኣይተፍርሶ
ይሰልጠና፣ ቅልጥፍ ቅልጥፍ ነሳልጦ።
ድሕሪ’ዚ…
ናይቲ ሰናይ ወግዒ/ ሓሳብና ይጽዒ
ምሉእ ተስፋ ከም ናይ ጓለ’ርሒ
ምስ ረኸብና መቃይሒ
ንሕንፍፎ ኣጅቦ ጠስሚ፣
ከምቶም ምራኽ/ ከምተን ብተይ
ምስ ጸገብና
እናዓንደርና/ እናዘለልና
ኣብቲ ዓራት ኣብቲ ንእዲ
ጠንቀላዕላዕ ንብል ግዲ።
ከም ድላየይ/ከም ድላያ ንቋደሶ
ኣይስከፍ/ ኣይትስከፎ
ኣይሓፍር/ ኣይትሓፍሮ
ኣነ እሕዞ/ ንሳ ትሕዞ
ኣይቕንዞ/ ኣይትቕንዞ
ከምቲ ዊንታይ ኣነ እገብሮ
ከም ዊንትኣ ንሳ ትገብሮ
ስለ ዝኮነ ናይ ተፈጥሮ
ጥዑም ጌሩ ዝፈጠሮ
ከም ድሌትና ነካውኖ
በብዕጽፊ ነስተማቕሮ
እቡም!… እቡም!… ፕእቡም!…
እናበልካ ብከበሮ
ከም ድላየይ ከም ድላያ ነስተማቕሮ።
***
2013
ተስፊት ኣብርሃም
ካብ መጽሓፍ “ከም ድላየይ አም ድላያ” ዝተወስደት