እጽሕፍ እኳ’የ—
ንታሪኽ ንትውፊት
ካብ ሚሐ ናብ መንፊት!
ጽሑፍ አገማድሕ
እጽሕፍ እኳ’የ
ካብ ውሽጢ ሰብ ስምዒት እቐድሕ!
እጽሕፍ እኳ’የ—-
ምስ እምኒ አዕልል
ጽሑፍ ብጽሕፉ
ሕልና ዘጥልል
ጽሑፍ’የ ዝጽሕፍ!
እጽሕፍ እኳ’የ ዘስሕቕ ዘንብዕ
እጽሕፍ’የ ዛንታ እናፈጠርኩ መልክዕ
እንተ ሎሚ ግን
ሞንጎ ኣፍን ጣፍን
ኣእምሮን ሰለፍን
ከይመጸ ፍልልይ ዝዳኒ ብርትዒ
እምቢ ኣይጽሕፍን
ንየው በሉለይ ብርዒ!
ገብርሂወት ጸሃየ
01/12/2010