ፍሻለ ተስፋይ
ብዛዕባ ኤርትራን ኤርትራውነትናን፡ ታሪኽን ውጽኢቱን፡ ምምስሳል ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን [ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን] ብዙሕ ክብሃል ጸኒሑን ይብሃል ኣሎን። መቐጸልታ ናይ’ዚ ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳም 16/11/2014 ኣብ ከተማ መቐለ ‘ሆቴል ኣኽሱም’፡ “ምሕዝነትን ፍቕርን ኤርትራን ኢትዮጵያን ደልዲሉ ይንበር!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ህጉግ ቴማ ብናይ ክልቲኤን [ኤርትራን ኢትዮጵያን] ስነ-ጥበባውያን [ጸለምቲ ዕንበባ] ከም ዝተጋብአ ኣብ ብዙሕ መርበባት ተዘርጊሑ ንርእዮ ኣሎና።
ኣብቲ ብኣቶ ተስፋይ ገብርሃንስ [ኢትዮጵያውን] ብኣቶ ካሕሳይ የሕደጎ [ኤርትራውን] ብኣላይነት [ኣሰናዳኢ] ኣቶ ጸጋይ ክንፈ [ኢትዮጵያዊ] ዝተማእከለ ሕልማዊ ትምቢት ኣብ መኽፈቲ ‘ቲ መደብ ኣቶ ካሕሳይ የሕደጎ ከምዚ ክብል መደርኡ ፈሊሙ። ” ክትስዕስዑ ኣይመጻኹምን፡ ሎሚ ናይ ምስዕሳዕ እዋን ኣይኮነን፡ ሎሚ ናይ ቁምነገር ኣስተምህሮ’ዩ” ክብል በይንኣዊ መግለጺ ሂቡ’ሎ። እዚ ኢሉ ከብቅዕ፡ “ለባም ክጋገ መራግእቲ ነይገድፍ” ከም ዝብሃል፡ “ፍርቂ ነብስኻ እዝጊ ይምሓርካ ኣይብሃልን’ዩ። ምሉእ ኣካላትካ እግዝኣብሄር ይምሓርካ’ዩ ዝብሃል” ‘ናበለ ልቢ ድሙያት ከረስረስ’ኳ ‘ንተፈተነ ነቲ ሕሉፍ ታሪኽ ኣቦዋትን ሕሉፍ ግብሪ እከያትን ግን ከዳቕስ ዝኽእል ስምዒት ኣይፈጠረን። እቲ ምሕዝነትን ፍቕርን ምትሕግጋዝን ከም ኣህዛብ ገረባብቲ ዘይጽላእን ንኽልቲኡ ህዝብታት ዘርብህን’ኳ ‘ንተኾነ ‘ኣብ ዳስ ጎደቦ ኣባጓይላ ምዃን ግን . . . .. ኣይናይ ቅርዑያትን። ንምዃኑ ብሓደ ስነጥበባዊ ‘ሞ ድማ ታሪኽ ክልቲኡ ኣህዛብ ኣጥዕዩ ዝፈልጥ፡
“ወሊድና ተዋሊድና ኢና
ገሌና በ’ዴና ገሌና በ’ቦና
ከመይ ክንፈላለ ተሓዋዊስና ‘ንዲና”
‘ናበልካ ድምጺ ኣልቦ ጥሩምባ ምንፋሕ ከ እንታይ ማለት’ዩ፧ እንታይ’ዩ ኸ ዘስምዕ፧
ከም ስነ-ጥበባውያን ንፍቕርን ስኒትን፡ ምምልላእን ምትሕግጋዝን ዝተፋሰስናዮ ይኣኽለና! ኣብ ጎደና ምዕባለ ተሓጋጊዝና ንመርሽ! ጽልእን ቅርሕንትን ወጊድና ከም ጎረባብትን ኣህዛብን ንስኹም ካባና ንሕና ካባኹም ዘድልዩና ‘ናተለዋወጥና ብሰላም ንንበር፡ ክብሉ ቅዱስ ሓሳብን እወታውን’ዩ። ካብኡ ተረፈ ግን ኣቦታትናን ኣሕዋትናን ንዘመናት ዝደመይሉ፡ ዝተሰውእሉ፡ ዝሰንከልሉ፡ ዕድመ ንእስነቶም ምስ ኣራዊት ኣብ በረኻ ሰፊሮም ዘምጽእዋ ‘ሃገር’፡ ነዚ ረጊጽካ ኪንዮ ክውንነት ሓደ ህዝብን መሬትን’ዩ ‘ናበልና ምውጫጭ ከ እንታይ ‘ዩ ፋይድኡ፧
እወ ኣብ ዶባት ዝነብር ክልቲኡ ኣህዛብ ተዋሲቡን ብቕዱስ ጉርብትና ተመሓዝዩን ይነብር’ኳ ‘ንተነበረ ፍጹም ግን ሓደ ህዝብን ሓደ ሃገርን ኮይኑ ኣይፈልጥን። ኣይኮነን ድማ።
እንታይ’ዩ ኸ
“እዚ ህዝቢ’ዚ ሓደ ህዝቢ-ሓደ ደም፡
ሓጸርቲ ኣሎዉና- ሓጸርቲ ኣለዎም፡
‘ናበልካ ብስዉር መውረርያ ምሽልባብ።
ወዮ ብኣውርኡ፡ ሃገርና ብጨቋኒ ስርዓት ተጨፍሊቓ፡ ተጓዕጺጻ፡ ህዝባ ይጠፍእ ኣሎ፡ ይጸንት ኣሎ ‘ናበልናስ፡ ዓዲ ተጎጥጒጣ ምስ ተረፈት “ኣብ ልዕሊ ዘላታ ተወሰኸታ” ካብ ዘመነ ተዃሉ ናብ ዘመነ ጎሓሉ ንምስግጋር ህርዲግ ምባል ከ እንታይ ‘ዩ ቁንቊኝኡ፧ ኤርትራ-ኤርትራ’ያ፡ ንኤርትራውያን ድማ ትግባእ። ኢትዮጵያ ኢትዮያ’ያ፡ ንኢትዮጵያውያን ድማ ትግባእ። ከም ጎረባብቲ መጠን ናይ ክልቲኤን ኣህዛብ ክተሓጋገዝ፡ ክመላላእ፡ ተሳንዩ ብፍቕርን ሰላምን ክነብር ድንቂ’ዩ፡ ካብኡ ተረፈ “ሓደ ህዝቢ-ሓደ ደም” ‘ናበልካ ‘ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ብጸሊም ምጽሓፍ ግን . . . . . .. . . .. ‘፧ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ንሓደ ዘመን ዝኣክል ኣብ በረኻ ከርተት ዝበሉላን ልእላውነታ ንምውሓስን ዝተሰውኡላ፡ ንጹህ ደሞም ዝኽዓዉላ ሃገር፡ ሕመቕና ከይኣክል ነዚ ወለዶ ኣብ ዓዘቕቲ ጣዕሳ ምሽማምን ነቲ ገዲፍካ ነዚ ተቐበል ‘ናበልካ ቀይሕን ጸሊምን ሕብሪ ኣዳቒልካ ዕርቃኑ ክተውጽእ ክትምስርሕ ምፍታን ግን ኮንቱ’ዩ።
ናይቲ ክልተ ቖርበት ተኸዲኑ ዝመጸ መሪሕነት ንበሎ ውድብ ዒሕ ‘ናበልናስ፡ ሕጂ ድማ ኣባጓይላ ናይ’ቲ ደም ኣቦታትናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝኽዓወ፡ ህጻናትን ኣዴታትን ከም ጉንኣ መሽለ ብወፈራ ዝጎንአ ኣረሜን ሎሚ ቁልፊ ሃገራውነት ፈቲሕካ ሓውኻ’ዩ፡ መፋርቕቲ ጉልትኻ’ዩ ‘ናተባህለ ዝድከር ዘሎ ከበሮ በለጽን ዝስዕርር ዘሎ መጋርያ ጥፍኣትን ኣይፋል! ንፍትሕን ዲሞክራስን ህዝቢ ኤርትራ’ምበር “ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ደም ኢና” ‘ናበልኩምስ ካልኣዊ ሽግር ምፍጣር ካብ ጥቕሙ ኣበስኡ ይዓቢ!።።
ኤርትራ ናይቲ ንኽብሪ ህዝባን መሬታን ቀኒዑ ዝሰርሕ፡ ምእንትኣ ዝደሚ፡ ንህላዌኣ ዝጽዕት፡ ንሰላማ ሰለም ከየበለ ዝቃለስ፡ ኣብ ጸገማን ራህውኣን ኣሎኹ ዝብል፡ ንመጋበርያ ዕሱባት ብመትከል ዝኹንን፡ ሕሉባን ንጹፋን ዝኸውን፡ ንሕመረት ሓድነታን ዞባውን ኣህጉራውን ሰላማን ከይሰልከየ ዝዓዩይ፡ ንኣቦ ስዉእ/ቲ፡ ኣደ ስዉእ/ቲ፡ ሰይቲ ስዉእ፡ ወዲ ስዉእ ኣማሚቑ ባህግን ትምኒትን ስዉእ ህያው ንምግባር ከይተሓለለ ዝሰርሕ ድኣምበር፡ ናይቲ ጻዕዳ ጋቢ ተኸዲኑ ግብረ እኩያን ዝፈትል፡ ንሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእትዩ ሃብቱን ጥሙሕን ኣብ ምኽዓባት ዝተዋፈረ ምስሉይ ልኡኽ፡ ናይቶም ደቆምን ነብሶምን ኣብ ውሑስ ቦታ ተዓቚቦም ሆሆሆ. . . . ዝብሉ መጣቓዕትን ሓበጀረዋይ መትከል ዘለዎን፡ ናይቶም ብስም ውጹኦ ህዝቢ ዝሽቅጡን ንበትረ ስልጣኖም ንምጭባጥን ንምዕቃብን ሃነፍነፍ ዝብሉን ተገረዝቲ[ልኩማት]ን፡ ብኣውርኡ ድማ ናይቶም ንሕና ኢና መድሕንካ ‘ናበሉ ስማዊ ፍትሒ መስሪሖም ህዝቢ ዝኸፋፍሉን ዝጭቁኑን ሰናዕቲ ታሪኽ ኣይኮነትን።
“ፍርቂ ነብስኻ እዝጊ ይምሓርካ ኣይብሃልን’ዩ። ምሉእ ኣካላትካ እግዝኣብሄር ይምሓርካ’ዩ ዝብሃል . . . . . . . . . . . . ”
“ወሊድና ተዋሊድና ኢና
ገሌና በ’ዴና ገሌና በ’ቦና
ከመይ ክንፈላለ ተሓዋዊስና ‘ንዲና
. . . . . . . . . . . . .
. . . . . . . . . . . . . ”
“እዚ ህዝቢ’ዚ ሓደ ህዝቢ-ሓደ ደም፡
ሓጸርቲ ኣሎዉና- ሓጸርቲ ኣለዎም፡
. . . . . . . . . . . . .
. . . . . . . . . . . . . . ”
‘ናበልካ ብስዉር መውረርያ ምሽልባብ “ከም ንዓይ ነንጭዋስ ኣብ ሎቖታ” እዩ።