Mekonnen Tesfai
እዛ ጽሕፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ሓንቲ ካርቱን’የ ኣንቢበያ። ነዛ ካርቱን ዝጸሓፈ ሰብ ከኣ ኣብ ተጠቀምቲ ፈይስ ቡክ እኹል ዝኾነ ትዕዝብቲ ዘሕደረ ኣይመስልን። ፈይስ ቡክ ንኽትጥቀም ተሰጢሕካ ምውዓል ኣየድልን’ዩ። ብፍላይ ኣብቲ ምዕቡል ዓለም መብዛሕትኡ ሰብ ፈይስቡክ ኣብ ሞባይል’ዩ ዝጥቀም። እዚ ከኣ ኣብ ዝጠዓሞ እዋን ካብ ሞባይሉ ክምልስን ክጽሕፍን ካልእ ስእልታትን ክርኢን የኽእሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ፈይስ ቡክ ኣካል ህይወትና እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ’ዩ ዝመስል። ካብ ዝለዓሉ መራሕቲ ሃገራት ክሳብ ደቂ 13 ዓመትን ትሕቲኡን ፈይስ ቡክ ብስሩዕ ይጥቀሙን ኣብ ብዙሕ ሃንጺ መዓላ የውዕልዎን። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ብሞት ዝተፈልየ መራሒ ንግስነት ሱዑዲ ዓረብ ንጉስ ዓብደላ ናይ ውልቁ ናይ ፈይስ ቡክ ፔጅ ኔሩዎ። በቲ ፈይስቡክ ተጠቒሙ ከኣ ካብ ማንም ስዑዳዊ ዝመጾ ሕቶ ይምልስን ሽግራት ጽጉማት የቃልልን ነበረ። ርሑቕ ሃገር ከይከድና ኣብ ጎረቤት ሃገርና ኢትዮጵያ ሚንስተር ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ናይ ባዕሉ ናይ ፈይስ ቡክ ፔጅ ኣለዎ። ንሱ ንዝተፈላየየ ንጥፈታት እቲ ሚኒስትሪ ብስእልን ብጽሑፍን ብምዝርጋሕ ብዛዕባ ንጥፈታት እቲ ሚኒስትሪ ቀሊል ዘይኮነ ሓበሬታ ይህብ። ትካላት ናይ ባዕለን ናይ ፈይስቡክ ፔጅ ሃሊዩወን ብዛዕባ ፍርያተንን ኣሰራርሑኡን ዝምልከት ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ ይዝርጋሓ። ካብኡ ሓሊፈን’ውን ንሰራሕተኛታትን ኣተሓሳስበኦምን ንጥፈታቶምን ካልእን ኣብ ፈይስ ቡክ ዝቆጻጸራ ኣለዋ። ኣብ ዝሓልፈ መዓልታት ሓንቲ መምህር ናይ መዋእለ ህጻናት ኣብ ግዜ ዕረፍታ ኣብቲ ናታ ፈይስቡክ “ምስ ቆልዑ ምውዓል ኣዚዩ ካብ ዘጽላኣኒ ነገር’ዩ ሓንሳብ ሓንሳብ ኣእምሮይ ክሳብ ዝናወጽየ ዝጸልኦም’ ክትብል ብምጽሓፋ ነቲ ጽሑፍ ዘንበበቶ ሓላፊታ ብቐጥታ ካብ ስራሓ ሰጒጓታ። ቅድሚ ዝተወሰነ ኣዋርሕ’ውን ብተመሳሳሊ ሓንቲ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ መምህር ኣብ ፈይስቡካ ጽዩፍ ስእሊ ስለዝጠቀዐት ካብ ስራሓ ከም ዝተሰጎገት ኣንቢበ ኔረ።
ኣብ ካልእ ካርቱን’ውን “ፈይስ ቡክ ንጸዓዱ መምሃሪ፡ ንሓበሻ መደንቆሪ” ዝብል ጽሑፍ ኣንቢበ ኔረ። ንወገንካ ንኽብርካ ባዕልኻ እንድሕር ኣሕሲርካዮ ማንም ሰብ ኣየኽብረልካን’ዩ። ልክዕ’ዩ ኣብ ፈይስ ቡክ ብዙሕ ዝጸሓፍ ሕማቕ ነገራት ክህሉ ይኽእል’ዩ። ብግቡእ ንዝጥቀመሉ ሰብ ግን ካብ ተሌፎን ምደዋል፡ ደብዳቤ ምጽሓፍ፡ ጋዜጣን መጽሓፍን ገዚእካ ካብ ምንባብን ዝገላግል ምዕቡል መሳርሒ’ዩ። ጸዓዱ ከም ዘይናገሩን ዘይድንቁርን ከ በየና መጽናዕቲ’ዩ ተረጋጊጹ። ሎሚ ፈይስቡክ ብፍላይ ኣብ ከም በዓል ኣሜሪካ መሳርሕን ሓጋዝን ፓሊስ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ካብ ሓደ ትካል ክድዋንቲ ዝሰረቐት ሰብ ነቲ ዝሰረቐቶ ክዳን ተሳኢላ ኣብ ፈይስቡክ ስለዝጠቕዓቶ ዋናታት ክዳኖም ከም ዝኾነ ስለዘለለዩ ብቐጥታ ፖሊስ ብምድዋል ኣትሒዞማ። ሕቡኣት ፖሊስ ( ኣንደር ካቨር) ናይ ሓሶት ፈይስቡክ ብምኽፋት ማእለያ ዘይብሎም ገበናኛታት ይሕዙ። ብፖሊስ ዝህደኑ ተደለይቲ ሰባት ኣብ ፈይስቡኮም ብዝጽሕፍዎ ወይ ብዝጥቅዕዎ ስእሊ ይተሓዙ። ኣማኢት ሰባት ብሰንኪ ኣብ ፈይስቡክ ዘጋጥም መሰል ምግሃስን ካልእን ተኻሲሶም ገለ ንሰለስተ ወርሒ ገለ ድማ ልዕሊኡን ናይ ገንዘብ መቕጻዕትን ይብየነሎም። ስለዚ እቲ ጥቕሲ ብሱል ጥቕሲ ኣይኮነን ምበልኩ።
ፈይስቡክ ንኤርትራውያን ምስዚ ስደትና ኣምላኽ ጸገምና ርእዩ ዝፈጠራ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ኤርትራውያን ምስቲ ዘለና ሓቢርካ ናይ ምንባር ልምድን ህይወትን ክንደይ ሰባት ኢና ንነዊሕ ዓመት ዝተፈለናዮም ኣብ ፈይስቡክ ንረኽቦም። ክንደይ ሰባት ኢና ከ ሃለዋት መማህርትና መተዓብይትናን መሳርሕትናን ካልእን ብሳላ ፈይስ ቡክ ደሃዮም ንፈልጥ። ብርግጽ ፈይስ ቡክ እንተዘይትህሉ ስደትና መሊሱ ምመረረን ንኽንራኸብ ብዙሕ ምስተሸገርናን ኔርና። ገለ ሰብ ግዜ ስለዘለካ ጥራሕ ኣብ ፈይስቡክ ትጽሕፍ ወይ ስእሊታት ትጥቅዕ ዝመስሎም ኣለው። ኣነ ብዛ ናተይ ብዛዕባይ ክዛረብ እንተኾይኑ ካብ ግዜ ሃልዩኒ ግዜ ከይሃለወኒ ኣብ ፈይስቡክ ዝጽሕፎ ይበዝሕ። ገለ ገለ ሰባት ጽሑፍካ ኣብ ፈይስቡክ ምስ ጠቃዕካዮ ከዕልሉኻ ሰላም ዝብሉ ኣለው። እቲ ሰላም ምባልን ምዕላልን ዝጽላእ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ንጽሑፍ ግዜ ረኺብካ ማለት ንዕላልን ሕሜታን ግዜ ኣለካ ማለት ኣይኮነን። ናይ ሕሜታ ካብ ተላዕለ ፈይስቡክ ሓደ ካብቲ ኣሉታዊ ጎኒ ንሕሜታ ዘጋድድ ምዃኑ’ዩ። ኣብ ናይ ግሊ ዕላል ምሳኻ ካልእ ክብል ዝጸንሐ ሰብ ብድሕሬኻ ካልእ ክብል ኣብ ፈይስ ቡክ ንቡር ነገር’ዩ። እዚ ብፍላይ ኣብዞም ስነጥበባውያንን ኣፍቀርቲ ስነጥበብን ኣብ ፖለቲከኛታትን ካልእ ጉጅለታትን ዝውቱርን’ዩ።
ሎሚ ወዲ ሰብ ብሰንኪ ፈይስቡክ ተኣሲሩ’ሎ ክንብል ንኽእለሉ ግዜ በጺሕና ኣለና። ክንደይ ለባማት ዝመስሉና ሰባት ብሳላ ፈይስቡክ ዕሽነቶም ክንፈልጥ ሓጊዙና’ዩ። ክንደይ ዓቕሞም ብዝግባእ ዘይንፈልጦም ሰባት’ውን ብልሖምን ክእለቶምን ክንመዝን በቒዕና ኢና። ሓያሎ ጎርሓት ከኣ ኣብ ጽሑፋቶም ወይ ስእልታት ብምርካብ መምዘኒ ከይምዘኑ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ወይ ዝተጠቅዐ ቪድዮ ሼር ኣብ ምባልን ላይክ ኣብ ምባልን እንተዘይኮይኑ ኣብ ካልእ ተንከስ ዘይብሉ ኣለው። ሎሚ ንሓደ ሰብ ማለት ነቶም ስእሎምን መንነቶም ሓቢኦም ዝጽሕፉ ገዲፍካ እቲ ሰብ ደጋፋይ መንግስቲ ዲዩ ተቛዋማይ፡ ፔንጠ ዲዩ ኦርቶዶክስ፡ ኣስላማይ ዲዩ ክሳታናይ ወገናዊ ድዩ ፍትሓዊ፡ ዘማዊ ድዩ እርኑብ፡ ኣብ ደቂ ሰባት ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ድዩ ዘለዎ ትስፉው፡ ሓማዩ ድዩ ናኣዲ፡ ሓራቕ ድዩ ዕጉስ፡ ረኣዩኒ ረኣዩኒ በሃላይ ድዩ ብዙሕ ኣቓልቦ ሰባት ዘይደሊ’ዩ ወዘተ ኣብ ናይ ግሉ ፈይስቡክ ኣቲኻ በቲ ዝጥቅዖ ወይ ሼር ዝብሎ ጥቕስታትን ካልእን ክትፈልጦ ብዙሕ ዘሸግር ኣይኮነን። ሓደ ሓደ እዋን ዝገርመኒ ነገር እንተሎ እቲ ሰብ ኣብ ፈይስቡኩ ዘሎ መግለጺ ይኹን መርገጺ እኹል እንከሎ ሰባት “ኣንታ ኩስቶስ ከምዚ’ዩ ኢሎሞ” ኢሎም ክሓምዩ ክሰምዕ እንከለኹ’ዩ።
ካልእ ፈይስቡክ ዝፈጠረቶ ጽቡቕ ነገር፥ ሓይሎ መንእሰያት ተላልዮም ኣብ ሓዳር ክበጽሑ ምርኣይ’ዩ። ኣብ ኤውሮጳን ኣሜርካን ካልእ ሃገራትን ዝነበሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ፈይስቡክ ተላልዮም ኣብ ሓዳር ዝበጽሑ ብዙሓት’ዮም ልክዕ’ዩ ከምቲ ኣቦታትና ኣብ “ሓንሰ መስቀለ ጓል ኣይትምረጽ” ዝብልዎ ኣብ ፈይስቡክ’ውን ስእለን ዝጥቅዓ ደቂ ኣንስትዮ ተዃሒለንን ጸቢቐንን ስለዝኾና ትኽክለኛ መልክዐን ንምፍላጥ ከጸግም ይኽእል’ዩ ይኹን እምበር ብጀካ’ቲ ትርኢተን ካልእ መምዘኒታት’ውን ስለዘሎ እቶም ተጻመድቲ ባህ ዘብሎምን ዘየብሎምን ነገራት ክፈልጡ ይኹእሉ’ዮም ። ሎሚ መማጽኢ ብዙሕ ኣይደክምን’ዩ። ከራኽቦም ንዝደሊ ሰባት ክልቲኦም ኣብ ፈይስቡክ ክጸናንዑ ናይ ፈስይቡኮም ኣድራሻ ምሃብ ጥራሕ’ዩ ዘድልዮ። ገለ ተደላለይቲ ኣብ ቀዳመይቲ እዋን ጥራሕ እቲ ወዲ ወይ እታ ጓል ኣብ ፈይስቡክ ጠቒዓቶ ብዘላ መርገጺ ጥራሕ ክፈትዋን ክጸልኣን ይኽእል። ሓደ እዋን ንሓደ ዝቐርቦ ዓርከይ ምስ ሓንቲ ኣብ ኡጋንዳ ምስ ዝነበረት ዝፈልጣ ጓል ኣብ ሓዳር እንተበጽሑ ብምባል ከላልዮ ኣድራሻ ናይ ፈስይቡካ ምስ ሃብኩዎ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ “ሞካት ጽብቕቲ ጓል’ያ ኣብ እምነት ግን ኣይክንሰማማዕን ኢና” ብምባል መምዘኒኡ ስለዘየማልአት ኣብ ናይ ሓንቲ እዋን ፈይስቡክ ብምኽፋት ውሳኒኡ ወሰደ። ሓያሎ ጎረሓት ደቂ ኣንስትዮ ስእለን ይኹን ካልእ ዘምዝነን ነገራት ካብ ምጥቃዕ ይቑጠባ’የን። እዚ ከኣ ብልሒ’ዩ። ምስዚ ዝተኣሳሰር ካልእ ነገር እንተሊዩ’ውን ሓያሎ ዘይሓላፍነታውያን መንእሰያት ኣብ ግዜ ዕርክነቶም ዝተሳእልዎ ስእሊ ምስ ተፈላለዩ ነቲ ስእሊ ኣብ ፈይስቡክ ጠቂዖም ህይወተን ዘለባልሽውለን ኣይሰኣኑን። ልክዕ’ዩ ሰብ ኣብቲ ዘለዎ እዋን ዘለዎ ጠባይን ኣተሓሳስባን እምበር ብዝሓለፈ ክምዘን ኣይግባእን’ዩ። ይኹን እምበር ነዚ ዘይርድኡ ሓያሎ ኣሕዋት ከም ዘለውና ከኣ ዘይምዝንጋዕ።
ኣብ መወዳእታ ካብ ተመኩሮይ ብዝግባእ እንተጠቒምናሉ ፈይስቡክ ብዙሕ ክንረብሓሉ ንኽእል ኢና። ኣማራጺ እንተተረኺቡ ኣብ ሞባይልና ፈይስቡክ ዘይምጥቃም። እንተተኻኢሉ ኣብ ላፕቶብ ወይ ከኣ ናይ ጣውላ ኮምፑተር ክንጥቀም ዝበለጸ’ዩ። ምኽንያቱ ሞባይል ኩሉ ግዜ ኣብ ኢድና ስለዘላ ፈይስቡክ ንጥቀመሉ ሰዓት ብዘይ መደብ’ዩ ክኸውን። ሰዓት ፈሊና ክንጥቀም እንተኺኢልና ግን ኣዚዩ ኣድማዒ’ዩ። ሓደ ዘዝተጠቕዐ ስእሊ ካብ ምርኣይን ግዜኻ ካብ ምብኻንን ትቑጠብ፡ ካልእ ከኣ ነቲ ኣብ ሞይባል ኦንላይን ኣለኻ ኢሉ ኣብ ኢንባክስ ብጽሑፍ ዝርብሸካ ሰብ መኸወሊ ይኾነካ። ብዘይካዚውን ኣብ ሞባይል ፈይስቡክ ትጥቀም እንተኾይንካ ብቐሊሉ ኣተኩሮኻ ክስረቕ፡ ኩነተ ኣእምሮኻ ክብ ለጠቕ ክብል ክውዕል ዘሎ ተኽእሎ ገፊሕ’ዩ። እዚ ማዕዳ ነቶም ሞባይል ከም ላፕቶብ ወይ ናይ ጣውላ ኮምፑዩተር ጌሮም ንዝጥቀሙላ ሰባት ዝምልከት ኣይኮነን።
ኣነ ግዜይ ብዝግባእ ከማቓርሕ ካብ ዝጥቀመሉ ነገር ሓደ ፈይስቡክ ኣብ ሞባይል ኣይጥቀምን’የ እዚ ከኣ መኪና እናዘወርኩ ይኹን ኣብ ዝኾነ ናይ ግለይ ስራሕ ምስ ሰብ ኣብ ዝህልወሉ ፈይስቡክ ካብ ምጥቃም እቑጠብ በዚ ከኣ ኣቓልቦይ ካብ ምምቕቓል እድሕን። ፓልቶክ ፈጺመ ኣይጥቀምን ምኽንያቱ ንዘረባ ይኹን ዘረባ ንኽሰምዕ እኹል ግዜ ስለዘይብለይ። ቫይበር ኣይጥቀምን ምኽንያቱ ናይ ነጻ ረኺበ ኢለ ብዙሕ ሃለው ክብል ናብራይ ዛሕዛሕ ከየብል ስለዝሰግእ። ስካይፕ ኣይጥቀምን ምኽንያቱ ገጽ ንገጽ እናተረኣኣኻ ዝዕለሉ እኽል ግዜ ስለዘይብለይ። ንዓይ ፓልቶከይ፡ ስካይፐን ቫይበረይን ኩላ ፈይስቡክ’ያ፡ ፈይስቡክ ብዝግባእ እንተተጠቒምናሉ ካልእ ብዙሕ ዘድልየና’ውን ኣይኮነን።