AMAN TEKESTE W.
ብዛዕባ ‘ጥንታውያን ቅርስታትን ታሪኽን ኤርትራ’ ኢለ ጽሑፈይ ዘቕርቦ ዘለኹ፡ እንታይነት ስነ-ጥንትን ታሪኽን ክትንትን ዘይኰነስ ገለ እቲ ብመጽናዕታዊ ዳህሳስ ዝተረኽበ፡ ከም ቀለብ ጽሑፍና ዘይንጥቀመሉ ብዝብል ግርህነታዊ ሓሳብ ኢዩ። ክትንክፎ ደልየ ዘለኹ ነገር፡ ጽሑፍና ጻልጣ ሓበሬታ ስነ-ጥንታውነት ወይ ታሪኽ ጥራይ ክመስል ዘይኰነስ፡ ካብኡ ፈጠራዊ ጽሑፍ ዘይነፍሪ ንምባል እየ። ከም ኣብነት፡ ኣብ ኤርትራ ኣዝዮም ብዙሓት ጥንታውያን ቅርስታት ከም መጠራ፡ ቆሓይቶ፡ ከስከሰ፡ ተኾንዳዕ፡ ኣዱሊስ፡ ዙላ፡ ሰምበልን ካልኦትን ኣለው። ዘመናዊ ኣርት ደኮ ኣስመራ፣ ስነ-ህንጻ ቱርኪ ናይ ባጽዕ፣ ዓረባዊ ቅርጸ ጽሑፍ ኣብ ኣእማን ዳህላክ፣ 1400 ዓመታት ዝገበረ መስጊድ-ሰሓባ ባጽዕ፣ ትእምርተ ክርስትና ኤርትራ ዝኾነ ደብረ ቢዘን … ካልኦትን ክጥቀስ ይከኣል።
/
ኣኣብ ዘመኑ ኣብዘን ታሪኻውያን ቦታታት ዝነብሩ መራሕቲ፡ ኣቡናት፡ ተቓለስቲ፡ ኣያታት፡ ሳንዳታትን ካልኦት ሰብ ታሪኽን ነይሮም ኢዮም። ዳግማይ ብስነ-ጥበብና ዘይንፈጥሮም᎒! ናይቲ ዘመንቲ ዝነበሩ ኣበው፡ ብብልሓት ፈጢርና ታሪኹ ዘይነላልዮ ነዚ ህዝቢ᎒ ነዘንትወሉ። ከም ጸሓፍቲ መጠን፡ መግለጺ ፍቕርና ብምዝንታው ዝሕበነሎም ኣፈ-ታሪኽን ጽውጽዋያትን ወዘተ ነርእዮ ነዚ ህዝቢ። ዘዝመጸ ወለዶ፡ ዝሕበኑሎም ኣያታት ማለት፥ ኣርኣያታት ጥበብ፡ ኣርኣያታት እምነት፡ ኣርኣያታት ፍቕሪ፡ ኣርኣያታት ተስፋ፡ ኣርኣያታት ሓይሊ፡ ኣርኣያታት ጽንዓት፡ ኣርኣያታት ተወፋይነት፡ ወዘተ. ዝኾንዎም ኣያታትን ሳንዳታትን የድልዩዎም ኢዮም። ኣብ መጠራን ቆሓይቶን ዝነበሩ፣ ቅድሚ 2200፡ ኣብቲ ሓድሽ ዝተሰርሐ ቤት መቕደስ ኮይኖም እምነት ጸሓይ ዝሰብኩ ዝነበሩ ‘ኣያ እምነቱ’፣ እቶም ሓወልቲ መጠራ ዝጸርቡ ዝነበሩ ‘ኣያ ጥፍረርያ’፣ እቶም ብቅልስ ሰብ ዘዛረቡ ‘ኣያ ቀይሕ-ኣንበሳ’፣ ኣመሓዳሪ ዓዲ ዝነበረ ኣያ ኣርዓዶም፣ ኣብ ግዜ ኣኽሱማዊ ንግስነት፡ ውግኣት ዝመርሕ ዝነበረ ዓብለሎም፣ ኣብቲ ዕሙር ዕዳጋታት ኣዱሊስ፥ ሸቃጦ፡ ሰብ ጃልባ፡ ምስ ንግስነት ኣኽሱም ኮይኖም ገማግም ዘመሓድሩ ዝነበሩ ብዓል ማንታይ፡ ሻዕባን፡ ጻዕዳን ካልኦትን ብስነ-ጥበብን ፍልስፍናን ዘይዕንብቡ! (ሓደ ምልክት ጉዕዞ ስደትን መሰናኽላት ሂወትን ዝኾነና ኣያ ገጸ-ባህሪ ተማሂዙ ሰሚዐ ኣለኹ – ገርግስ።)
/
ብሓይሊ ኣማልኽቲ ድዩ ብሓይሊ ስነ-ጥበብ፡ ምስዞም ሰብ ታሪኽ ‘ኣበው’ ገጽ ንገጽ እንተ ንራኸብ፡ እንታይ ኢልና ምሓተትና፧ እንታይ-ኸ ምመለስና᎒ ኤርትራዊ ህዝቢ ኣኺሉ ዝተርፍ ቀለብ ስነ-ጥበብን ስነ-ጽሑፍን ዝኸውን ዛንታ፡ ታሪኽን ተመኩሮን ኣሎዎ – ኣሎና። ታሪኽ ጥራይ ዘይኮነስ ጥቕላላት ታሪኽ ኣለና። ዑናታትና፡ በዓትታትና፡ ሓወልትታትና፡ መቓብራትና፡ ጎቦታትና፡ መቕደሳትና፡ ኣድባራትና፡ ስንጭሮታትና፡ ጐላጉላትና፡ ገማግም ባሕርታትና ይፈተሹ፣ ብድንግሉ’ዮም ዘለዎ። ብመሃዛዊ ኣእምሮ ድማ ስእለ-ኣእምሮኣዊ ትልሚ ብምፍጣር ክስራሕ ይከኣል። ኣብ ደብረ ቢዘን ዘለዉ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ብግእዝ ዝተጻሕፉ ቅዱሳን መጽሓፍቲ ዳህሲስናዮም’ዶ᎒ ኣቡነ ፊሊፖስ ንደብረ ቢዘን ክተክል ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ እቶም ናይ ሽዑ ኣቡነታት ንገድልታቶም፡ ፍካሬታቶም፡ ዝገልጹ ዝጸሓፍዎ መጽሓፍቲ መዝሚዝናዮ’ዶ᎒ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዝርከብን ዝጥቀምሉን ከም መጽሓፍ ሄኖክን ካልኦት ሃይማኖታዊ መጽሓፍትን ምስጢራቱ ዘይንጥቀመሉ፧ ሓበን ኣፍሪቃዊ ጽሕፈት (script) ዝኾነ ግእዛዊ ጽሕፈ ምስጢሩ ገሊጽናዮ’ዶ፧ ኤርትራዊ ባህላውን ሃይማኖታውን ጽንብላዊ ኣገባባት (rituals) መዓስን ብኸመይን ዘይኮነስ ስለምንታይን እንታይ ንምእንፋትን’ዩ ዝበዓል ኢልና ተመራሚርናሉ’ዶ፧ ንተረካብ ዘረባታትና ዝጥርንፈልና ሓደ ገጸ ባህሪ (ከም ኣቦይ ገብረሃና፡ ገብረኣነንያ) ፈጢርና’ዶ፧ ንኻብ ኲናት ዝዓንበቡ ጀጋኑ ስጋ ኣልቢስና ሓወልትታት ሰሪሕናሎም’ዶ᎒ ንመስገደላት ዘመናዊ ስደትና ዘማእከለ ባህሪ ስጋ ኣልቢስናዶ፧ ንኹሉ ታሪኽና ስጋ ዘይነልብሰሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን።
/
ሰብ ታሪኽ ክነስና፡ ብሰንኪ ዘይምጽሓፍና፡ ታሪኽ ዘይብልና መሲልና። ዘሎ እናሃለወና – እንከለና፡ ብናይ ካልኦት ኣህዛብ ባህልን ታሪኽን ተወሪርና። ባዕዳውያን ዘዝዘመሩዎ ክንዝምር ነብስና ኣዋሪድና! ካብ ግሪኻውያን ኣማልኽቲ፡ ነቶም ናትና ቅድሚ 2500 ዓመታት ዝነበሩ ጥንታውያን ኣማልኽትና ካብቲ ተሰዊሮሞ ዘሎው ዘይንጽውዖም!፧ ኤርትራውያን ምስዚ ኩሉ ተመኩሮ ኲናት፡ መትከልን ትብዓትን ኲናት ዝውክል ናይ ኲናት መልኣኽ ብስነ-ጥበብ ይኹን ብፍልስፍና ኣይፈጠርናን። ናይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኲናትን ትብዓትን መባልዕትና ኣይኮኑን። ካብ ውሽጢ ጸሓፊኡን ታሪኹን ዘይመንጨወ ጽሑፍ ከንቱ እዩ።
/
ኢዮርሳሌም ቅድሚ 2600 ዓመታት ምስ ነደደትን ህዝባ ምስ ተሰደደን፡ ንኣዴታት እስራኤል እትውክል ራሄል፥ “ሞይቶም ኢዮም’ሞ” ኢላ ምእንቲ ደቃ ዝበኸየት፣ ኣበይ ኣላ እታ ኤርትራዊት ኣደ ምእንቲ ሞትን ከርተትን ምብትታንን ደቃ ዝበኸየት፧ ዓባይ ከተማ መጠራ ቅድሚ ምዕናዋ፡ ካብ ኣማልኽቲ መልእክቲ ተሰኪሞም ዝመጹ ነቢያትና ጠቒስናዮም’ዶ᎒ ህዝቢ ኣጋዚያን፡ ህዝቢ በለው፡ ህዝቢ ሓበሻ፡ ህዝቢ ዓሳወታ፡ ህዝቢ ከበሳ ሰላም ገይሩ ሓድነቱ እንተዘይ ዓቂቡ ኣብ ሰምበል ደም ክዛሪ ምዃኑ ዘጠንቀቑ ቅዱሳት፡ ስነ-ጽሑፍ ምሂዝናሎም’ዶ᎒
/
ኤርትራዊ ስነ-ጽሑፍ፥ ቅርሲ፡ ታሪኽ፡ ህርመት ልቢ ባህላዊ እንታይነቱ ወዘተ ዘንጸባርቕ እንተ ዝጽንበሮ ምበለጸ – መበቆላውነት ዘለዎ ምኾነ። ሓድሽ ታሪኽ ክፍብረኽ ዘይኰነስ ነቲ ሃሲሱ ዘሎ ታሪኽና ነዳምቆ! መልክዕ ንፍጠረሉ! ትርጉምን ቁንቊኙኡን ንግለጾ! ገጸ ባህርያት (characters) ዝኾኑ ኣያታት ወይ ሳንዳታት ሰብ ታሪኽ ድዮም ዘይነበሩ ኮይኖም᎒ ንትልሚ (plot) ዝኸውን ታሪኽ ድዩ ከይሰኣን ተፈሪሑ᎒ ንምከና (setting) ዝኸውን ኣህራፊ ቦታ ድዩ ተሳኢኑ᎒ ንምከና ዝኸውን ትልሚ ጥራሕ ዘይኰነስ ትልምታት ክንፈጥርን ክንምህዝን ይከኣል። ትልምታት ንኽትምህዝ ዝቕስቚሱ ኣብ ውሽጢ ጎቦታትና ይኹን ኣብ ከርሲ በዓትታትና፡ ኣብ ባይቶታትና ይኹን ኣብ ሕግታት እንዳባ፡ ኣብ ባህልና ድዩ እምነታትና፡ ኣብ ታሪኽና ድዩ ጽንጽዋያትና ዘለዉ ምስጢራት እምብዛ ብዙሓት’ዮም። ሕግታት እንዳባ፥ ኣድከመ ምልጋእ፡ ኣድግና ተገለባ፡ ምዔም መሓዛ፡ ሕጊ እንዳ ፍግራይ፡ ስርዓት ሰለስተ ዕምሮ፡ ሎጎ ጭዋ፡ ናይ ካልኦት ብሄራትን ዘለው ኣኺሉ ዝተርፍ ፈጠራዊ ዛንታ ንኽንፈጥር ዝሕግዙ ቃል ህዝቢ፡ ሓሳባት፡ ዓንቀጻት፡ ኣርእስታትን ቴማታትን ኣለዎም። ዘድሊ ማህዛዊ ኣእምሮን ቊሩብ ዳህሳስን እዩ። ስእለ-ኣእምሮና ነስፍሓዮ።
/
ኣብ መዳይ ጥንታዊ ሓወልቲ፡ ቅርጻ፡ ህንጻ ምስ እንመጽእ፡ ኣምር ስነ-ህንጻ ወይ ስነ-ቅርጻ ከምኡ’ውን ሓወልቲ እንታይዩ᎒ ኣብ ስነ-ህንጻ ወይ ድማ ስነ-ቅርጻ፡ ዝህነጽን ዝቅረጽን ደይ መደይ (intentionally) ኢልካ ብዕላማ እዩ። ንሓደ ዝተወሰነ ኣምር (concept)፡ ክልሰ-ሓሳብ፡ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ፍልስፍና፡ ድራኼ ህይወት ወዘተ ንኽውክለልካ ኢኻ ኣርኪተክት ዝጽዋዕ ወይ ሓላፍነት ዝወሃቦ። እዚ ማለት፡ ሓወልቲ ይኹን ህንጻ ብሃውሪ ኣይስራሕን ኣይህነጽን። ንናይቲ ሕብረተ-ሰብ ዝውክል ታሪኻዊ ፍጻሜ፡ ባህላዊ ኣካይዳ፡ ባህላዊ ውርሻን ባህልዊ ስልጣኔን፡ ምንዮቱን ክውክል ይኽእል። ጀርመናዊ ሾፐንሃወር እውን ከም ዝብሎ፥ “ኩሉ ስነ-ህንጻ ውከላ (Representation) እዩ።” ኣፍ ኣውጺኡ ነናይ ዘመኑ ኣተሓሳስባታት ክመሓላልፍ ይኽእል። ውቁብ እዩ’ውን። እምበኣርከስ ስነ-ህንጻ ወይ ስነ-ቅርጻ፤ ጽባቐ፡ ውከላውነት፡ መልእኽቲ፡ ውዕውዕ ተምሳጥ ስለ ዘለዎ’ዩ ከም ኣካል ስነ-ጥበብ ዝጥርነፍ። ውርሻዊ ህንጻታትካ፡ ጥንታዊ ቅርስታትካ፡ ባህላዊ ሕላገት ዝኾኑ ቅርጺታትካ ናብ ሓይሊ ቃላትን ቀለምን ክትልውጦም ብልሓትን ምስትውዓልን ይሓትት። ናብ ፈጠራዊ ስነ-ጽሑፍ ክትልውጦም፡ ሓያልን ደፋርን መሃዝነት የድሊ። ፈጠራዊ ስነ-ጽሑፍ ዝገጥሞ ብድሆ ይኹን ቃልሲ ሓያላን ብዙሕ’ዩ። ስነ-ጽሑፍ ምስ ግዙፍ ሓይልታት ምስ ገጠመ ኢዩ፣ ምስ ግዙፍ ሓይልታት ስነ-ፍልጠት፡ ታሪኽ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን፡ ፍልስፍና፡ ፖለቲካዊ … ምስ ተፋጠጠ ኢዩ። ብዛዕባ ‘ቀንዲ ሓቂ’ ምጽሓፍ ኪኖ ክትንየተሉ ትኽእል ዓቕሚ ምምዝዛን ዝሓትት’ዩ። ፈጠራዊ ሓሳባትካ ምስ ታሪኻዊ ሓቂ ምምዝባዕ ከይፍጠር፣ ስነ-ጥበባዊ ሓቂ ምስ ሳይንሳዊ ፍልጠታት ከይራጸሙ ጥንቃቐ ዝሓትት ዕዮ እዩ።
/
መጽሓፍ ድኳን ትበርህ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ በዓትታት ኣብ ከውሒ ተወቒረን ዝተረኽባ ክልተ ምልክታዊ ስእልታት ክትገልጽ ከላ፥ “ሓንቲ ኣንጭዋ ብጸጋማይ ኢዳ ሰርዲ ዓቲራ ንሓደ ሓርማዝ ክትኲብኵብ እንከላ የርኢ፣ ኣብ ቅድሚ’ታ ሓርማዝ፡ ዝተሰብረ እምኒ ምሳር፡ መስሚዒኡ ዝተወተፈ ቅርጺ እዝኒ፡ ዝደቐቐን ዝተበታተነን መዲድ፡ ዘይተጸርበ ኣዕጽምቲ፡ ዘይተቐርጸ ኣእማንን ፋሕ ዝበለ ኣቕርንቲ ይልለ። ኣብ ትሕትኡ ዘሎ ካልእ ምልክት ድማ ብኣንጻሩ መጀመርያ ሓርማዝ ንኣንጭዋ ክትኲብኵብ እንከላ የመልክት። ኣብ ቅድሚ’ታ ኣንጭዋ ድማ ዝተሃድና ኢራባትን ዓጋዜናትን፡ ዝተኣከበ ፍረታትን ኣቚጽልትን፡ ዝተጸረቡ ኣእማናትን ኣዕጽምትን ወዘተ ይርአ። ክትርጎም እንከሎ፡ ስራሕ ድሕሪ ዘይተመሊኹ እቲ ስራሕ ሕርማዝ ይኸውን እቲ ሰብ ድማ ኣንጭዋ ይኸውን ማለት ከምቲ ዘይተጸርበ ኣዕጽምቲ፡ ዘይተቐርጸ ኣእማን ዝዕየ የለን። እቲ ስራሕ ድሕሪ ተመሊኹ ግና ኣንጭዋ ይኸውን እቲ ሰብ ድማ ሓርማዝ ይኸውን እሞ ፍርያትን ምዕባለን ይነግስ።” ኢሉ ደራሲ በየነ ሃይለ ምኽሩ ለጊሱ። (ኣብ ኢያጎ ከባቢ ቆሓይቶ ካብ 6000 ክሳብ 7000 ዓመታት ዝገበረ ስእሊ ኣብ ከውሒ ተወቒሩ ከም ዘሎ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ይገልጹ።)
/
ቅድሚ ክልተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዓመታት ኣቢሉ፡ ካልኦት ኣህዛብ ጎዞሞን ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ ቀስትን ሒዞም ካብ ገረብ ናብ ገረብ ክዘሉ ከለዉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ ኤርትራ ከም ቆሓይቶ፡ መጠራ፡ ከስከሰ፡ ክሳብ ኣዱሊስ ዝነበሩ ኣህዛብ ግና ብሸቐጥ፡ ሕርሻ፡ ንግዲ ምስ ደገ፡ ጥርኑፍ ምሕደራዊ ንግስነትን ስነ-ጥበባዊ ስራሓትን የካይዱ ከም ዝነበሩ ታሪኽ ቅድመ-ኣኽሱም ወይ ግዜ ኣኽሱም ይገልጽ። እዞም ሕብረተ-ሰባት ግን ጎዞሞ፡ ጭማራ፡ ቀስቲ ወዘተ ሒዞም ሰብ ይሃድኑ ዘይኰኑስ ኣእማን እናጸረቡ ብምልክት ሓወልትን ቤት መቅደስን፡ ኣብ ውሽጢ በዓትታትን ኣኻውሕን ስነ-ጥበባውን ሃይማኖታውን መልእኽቲ ዘለዎ ስራሓት የካይዱ ነይሮም። እዞም ሓወልቲ ዝሃነጹ ሕብረተ ሰባት፡ ንምስጢር ህይወትን ተፈጥሮን ብመንገዲ ኣርት ወይ ስነ-ጥበብ ገይሮም ክመጣጠሩዎ ዝደለዩዎ ዝነበሩ ስነ-ሓሳብ ይረኣየካ። የኹርዕ ድማ!
/
ስለዚ’ምበኣር ሓወልቲ፥ ንፍልስፍና ዕብለላ፡ ንፍልስፍና ኲናት፡ ንሃይማኖታዊ ምልክት (cult icons)፡ንኣፈ-ታሪኻዊ ኩነተ ኣተሓሳስባ፡ ንመትከልን እንታይነትን ክውክለሎም ኢሎም ሃኒጾም፡ ቀሪጾም፡ ወቂጦም ነይሮም። እዞም ሓወልቲ ዝሃነጹ ሕብረተ-ሰባት ክገልጽዎ ዝደለዩ ጽባቐ፣ ዘስተማቕሩዎ ዝነበሩ ጥበብ፣ ክትንክፍዎ ዝደለዩ ጥልቀት ክውንነት ህይወት ይረኣየካ። ስለዚ እምበኣር ትምኒትን ድልየትን ውሽጦም ዘንጸባርቕ፣ ደረት ሓሳቦምን ስልጣኔኦምን ዘንጸባርቕ ሓወልቲ’ዩ – ሓወልቲ መጠራ፡ ቆሓይቶን ከባቢኡን። ሓደ ሓወልቲ ወይ ሓደ ህንጻዊ ስራሓት፥ ሕላገት ስነ-ጥበብ፡ ሕመረት ታሪኽ፡ ሕብርታት ፍልስፍና፡ ሕምብርቲ ባህሊ – ኮታ ከም መግለጺ ስልጣኦም እዩ! ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ውግኣት ነቲ ከም ሓወልቲ ዋሺንግተን ዝመስል 4.7 ሜትሮ ዝቁመቱ ታሪኻዊ ሓወልቲ መጠራ ምዕናዎም ንኸንቱ ኣይነበረን።
/
ናይ ቆሓይቶ ኣርባዕተ ኣዕኑድን ናይ መጠራ ነዊሕ ሓወልቲን፡ ከከም ግንዛበናን ርድኢትናን ክትርጎም ይከኣል። ከም ርድኢተይ ብፈጠራዊ ዓይኒ፡ እዞም ኣርባዕተ ኣዕኑድን ሓወልቲን ንብዙሕ ነገር ይገልጹ፤
ፍልስፍናዊ ሸነኹ፤ ህይወት ብኣርባዕተ ኣዕኑድ ከም ትምእኸል የውክእ፣ ንፍትሒ (Justice)፡ ንናጽነት (Freedom)፡ ንማዕርነትን (Equality) ምክብባርን (Respect) ይገልጽ። ስነ-ቋንቋዊ መልእኽቱ፤ ኣብቲ ሓወልቲ ግእዛዊ ፊደላት ኣለዉ .. .. “ዘ፡ሐ፡ወ፡ለ፡ተዘ፡አ፡ገ፡በ፡ረ፡አ፡ገ፡ዘ…”፡ እዚ ነቶም ዝመጽኡ ወሎዶ ለበዋ መልእኽቲ ዝሓዘ። እዚ’ዩ ቋንቋ ዋንነትኩም፣ ነዚ ተጠቐምሉን የዐንብቡዎን ደኣ’ምበር በብዝመጸ ባዕዳዊ ቋንቋ ኣይትጃጅዉ – ኣይትተኩኡን ንምባል ክኸውን ይኽእል ይብል። ከምኡ’ውን ኣውራ መልእኽቲ እቲ ጽሑፍ፡ ሓደ ንጉስ ኣገዘ ዝተባህለ፡ መዘከርታ ነቶም ንሓያላት ህዝቢ ኣዋፈለንን ሰበላንን ዝወረሩ ኣበዋት ዝጸሓፎ ኢዩ።
/
ስነ-ኣእምሮኣዊ ውከላ፤ ከም ሓወልቲ መጠራ ደው ኢልኩም ቅንዑ ደኣ’ምበር ብቐሊሉ ኣይትውደቑ፡ ኣይትድነኑ፣ ብነብስኹም ተኣማመኑ፣ ደው ኢልኩም ቊሙ። ደው ምባል ምልክት ጽንዓት፡ ግርማ፡ ጥንካረን ተጻዋርነትን ብምዃኑ ብተምሳል ዓንዲ ሓወልቲ ወኪሎሞ ይብል። ከም ምልክት ንዕብየት፡ ንፈጠራዊ ምኽሪ ዘይውሰደሉ ምኽንያት’ውን የለን። ንሕና ኣብዚ ደረጃ ስነ-ህንጻ በጺሕና ኔርና’ሞ ካባና ዝሓይሽ ብብልሓት ህነጹ እምበር ርብዕ ርብዕ ኣቢልኩም መረባዓት ጥራይ ኣይትህነጹ ንምባል ይኸውን።
/
ካልእ ከም ምልክት ሓድነት፤ ‘ላንድማርክ’ ናይ ግዕዝ ሰባት ከም ምዃኑ መጠን ንመዘከርታ ናይ ጥንታውያን ወሎዶን ንጽንብል (ritual) ተጠቐምሉ ይብል እንተ ሃለወስ መንዶ ተገንዚብዎ’ዩ። ከም ምልክት መድረኽ ድራማ፤ ዛርትታት፡ ስርኤላት፡ ሚዘራትን ደቂ ሕድርትናን ኣብቲ ማእከል ኮይነን ይስዕስዓን ብጊኒታት ክዕዘባን ክኩሸማን የማስያ ከም ዝነበራ መዛግብቲ ሜታፊዚክስ ናይቲ ዓቢ ኤርትራዊ ደብሪ ይገልጽ። ወላ’ውን ከም ውከላ ሓርነት ዘይግለጸሉ ኣብነት የለን። ኩሉ ጎድኑታቱ ክፉት ምግዳፎም ድማ ንዓለምን ጸሓይን ብኩፉት ዓይኒ ንኽንርእያን ከነስተማቕራን ይኸውን። እዞም ህዝቢ፡ ነዚ ስነ-ቅርጻዊ ውከላውነት ካብ ዘሎ ክውን ነገር ውጽእ ኢሎም፡ ንርቕቕ ዝበለ ሓሳባት (ideals of beauty and form) ክውክሉ ምፍታኖም – ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ኤርትራ ‘ኣብስትራክ ኣርት’ ነይሩ ክትብል ትደፍር።
/
እቶም ናይ 19 ክፍለ ዘመን ዓበይቲ ጀርመናውያን ፈላስፋታት፡ ሄገል ከምኡ’ውን ማርክስ፡ ንፓርተኖን ግሪኽ (Greek Parthenon) ከም መግለጺ ፍልስፍናዊ ክልሰ ሓሳቦም ተጠቒሞምሉ ነይሮም። እቲ መሰረት፡ ዓንዲ፡ ናሕሲን ኸምዚን ከምዚን ዓይነት ታሪኻዊ ቅርጺ ኣካይዳ ሕብረተ-ሰባት ይውክል ኢሎም ተንቲኖም። ንሕና ድማ ንሓወልትታትና ንጥንታዊ ውርሻታት ከም ውስጠዘ ንጠቐመሎም። ፍልስፍናታትና፡ ስነ-ጽሑፋትና፡ ፊልምታትና፡ ደርፍታትና፡ ስነ-ህንጻናን ቅርጽታትናን ኩሉ ይተንክፍ። ነዚ ታሪኻዊ ሓወልቲ ከም ንኽንጽሕፍ ዘበራትዕ፡ ከም ቀስቃሲ ሓይሊ፡ ከም ሃንደበታዊ ሓሳብ ዘምጽእ ትእምርቲ ጌርና ዘይንወስዶ᎒! ስነ-ጥንቲ፡ ንስነ-ጥንታውነት ዘጽንዑ ጥራይ ዘይኰነስ ከም ቀለብ ስነ-ጥበብና ንውሰዶ። ትብዓትን ጻዕርን ንግበር ሓደራ። ስነ-ጥበብ ኩሉ’ዩ ቀለባ፣ ንዝተቐለበቶ ኣብ ማህጸና የእትያ ክትፈጥሮ ግን ጽባቐኣ’ዩ ዘንጸባርቕ። ንጥንታዊ ፍልስፍናን ውርሻን ብዘመናዊ ኣገላልጻ ጌርና መቐረትን ጽባቐን ንፍጠር። ንቈልዑ ዝኸውን ፈጠራዊ ዛንታ ካብ ታሪኾም ንፍጠረሎም፣ መንእሰያት ዝሕበኑሎም ኣያታትን ኣማልኽቲ ሂወትን ንምሃዘሎም፣ ንዝሸምገሉ ዘዋግዑን ጣዕሚ ሂወት ዝኾንዎም ጥንታውያን ኣያታቶም ነላልዮም።
/
ጸሓፋይ፡ ደፋር መሃዚ ክኸውን ኣለዎ። ሓያል ናይ ምግራምን ህንጡይነትን ባህሪ ክህልዎ ኣለዎ። ምስኡ ድማ ትብዓት ክቕነት ይግባእ። ተራ ዛንታ ናብራ ዓለም ክነግር ዘይኮነ፡ ኣቀናቢሩ መኣዛ ናብራ ዝኾኑ ድርሰታት ከዳሉ’ዩ ባህጊ ጸሓፋይ። ከምቲ ኣየርላንዳዊ ኦስካር ዋይልድ፥ “ስነ-ጥበብ፡ ንህይወትን ተፈጥሮን ‘ከምዚ ምሰላ’ ኢላ ክትመርሐን እንከላ’ዩ ጽባቐኣን መሎኮታን ዝረኣየካ” ዝበሎ፡ ስነ-ጥበብና ይምራሕ። ስነ-ጥበብ ራእያ ኮይና ንኽትመርሕ ዝተበየነላ መሎኮታዊት ሓይሊ ስለ ዝኾነት፡ ነዚ ፍልስፍና ከነተግብር ንጽዓር። ስነ-ጥበበኛ ወይ ጸሓፋይ፡ ብውሽጣዊ ሓይሊ ተደሪኹ ደኣ ይሓናጥጥ እምበር ናይ ጎደና ዛንታታት ሰሚዑ ጥራይ ኣይጽሕፍን። ጸሓፋይ ብስምዒት ተደሪኹ’ዩ ዝጽሕፍ። ብዓንደ-ርእሱ ስምዒት ከኣ፡ ሓሳብ ወሊዱ ናብ ሓይሊ ቃላት ንምልዋጥ’ዩ ዝጽሕፍ። ቃላት፡ ዓጽምን ስጋን ዝለብሱሉ መድረኽ እዩ ፈጠራዊ ስነ-ጽሑፍ። ጸሓፋይ፡ ናይ ናብራ ዛንታታት ኣኪቡ ዝጽሕፍ ኣይኰነን። ቀዳሒ ዛንታ ዘይኰነስ ፈጣሪ ዛንታ፣ ኣባል መዘምራን ዘይኰነስ ነቢ፣ ሰብ ዘይሃረሞ ዒላማ ዚሃርም ዘይኰነስ ንሰብ ዘይራኣዮ ዒላማ ዚሃርም እዩ። ብሕግታት ስነ-ጥበብ ተመሪሑ ጥራይ ዘይኰነ ዝዓይይስ ራእይ ብምዝርጋሕ ደኣ፣ መስትያት ሕብረተ-ሰብ ዘይኰነስ ክንፊ ኰነ-ተገብረ ሕብረተ-ሰብ እዩ ስነ-ጥበበኛ። ሓደ ሓደ ግዜስ እቲ ሕቶ እቲ ዘረባ፡ “ንሕለም’ዶ ኣይንሕለም᎒” ከይከውን። ከምኡ’ውን ራእይ ይዘርጋሕ’ዶ ወይስ ታሪኽ ክሳዕ ዝኳዓት ንጸበ᎒ ከይከውን ነገሩ። ወላ’ኳ ኤርትራውያን ብሰንኪ ሰንኮፍ ኣደቓቅሳና ንሓልሞም ዘበሉ፡ ፈንካዋት ሕልምታት ምዃኖም ንሕመ እንተዀና፡ እንተወሓደ ግን ክንሓልም ከም እንኽእል ኣይጠራጠርን።
/
ናብ ቆሓይቶን መጠራን ሰብ ታሪኽን ክንምለስ። ህርመት ጽምው ልቢ ዝተደፍኑ ውርሻታት ኤርትራ ክምህዞም ድየ ክምዝምዞም᎒ ከቀናብሮም ድየ ወይስ ከም ዘለውዎ ጸብጻባት ኵዕታ ከቕርበሎም᎒ ኣያታተይ ክፈጥሮም ድየ ወይስ ኣያታት ካልኦት ኣህዛብ ከም ትእምርተይ ክቕበሎም፧ እዚን ካልእን ንነብሰይ እሓታ እየ። ጽሑፈይ ንምዝዛም፡ ንኣንፉ ዝጸሓፍ ዘይኰነስ ጦብላሕታን ክስተትን ዝገድፉ፣ ጀብራቕ ስነ-ጥበብ ዘይኰነስ ዝተወሃሃደ ተምሳጣዊ እንግዶት ዝቅርብ፣ ፈረንጂ ዝሽትት ዘይኰነስ ባህግን ሕልምን ህዝቢ ዝትንክፍ፣ ጸብጻባዊ ጥራይ ዘይኰነስ ስእለ ኣእምሮን ምህዞኣዊ ፈጠራን ቦታ ንሃቦ። ጽሑፋትና፡ መንቀራቅሮን ጸቢብን ኣካይዳ ካብ ዝኸውን ድሌትን ትምኒትን ዝሓቑፍ መንገዲ’ውን ግዜ ንሃቦም። ኣብ ናብራና፡ መንቀራቕሮን ጸበባን ዝኸድናዮ ይኣክል። ስነ-ጽሑፍና፡ ናብራ ኤርትራ ኣይጥዓም። ከም መጻብቦን ከም ሕግታት ኢሚግሬሽን ኤርትራን ዝመስል ክሳድ ሕግታት ፈጢርና ኣይንሕነቆ ነቲ ዝጽሕፍ። ከም ጸሓፍቲ መጠን፡ ንህዝቢ ፍቕርና ክንገልጸሉ ጣዕመ ዛንታታት ንቀልቦ።
/
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ኩሉ ምልክት’ዩ። እቲ ህንጻ፡ ሓወልቲ፡ ቅርጺ ዘሎ ክውን/ጭቡጥ ኣካል ክኸውን እንከሎ፣ ነዚ ክውንነት ዝገልጽ፡ ዝዝምር፡ ዝትንት ግጥሚ/ስነ-ጥበባዊ ገለጻ ከኣ መንፈሱ እዩ። ስለ’ዚ ብዝከኣል ሓይሊ፡ ንኣብ ሃገርና ዘለው ጭቡጣት ክውንነታት መንፈስ ኣብ ምሃብን፡ ነቲ ብስእለ-ኣእምሮና ዝረኣየና ድማ ስጋ ኣብ ምልባስን ደኣ ነተኩር!
/
ድምጺ ታሪኽናን ውርሻታትናን ንስማዕ!
ካብ ውሽጢ ዝምንጩ ጽሑፍ ነበርክት!