ሽኮ እግርኻ
የማነ-ጸጋም ተኣሊኻ
ቆሎ ምጎ ዓተር ኣፋኒኻ
ንታሕጓስ እናተጸበኻ፣
እተን ጭልጭል ዝብላ ሓጻውን
ልዕሊ ዓቕመን ዘድምጻ
ኣእማን ዘየጨርሓ
ጸላም ዘየውግሓ
ሽታ ማይ ኮይነን ምስ ጠፍኣ
ልዕሊ መርድእ ነይሩ ንዓኻ።
ኣብቲ ኣፈፌት ሆይሆይታ
ቁሪ ተሃሪምካ ሰናቲም ትረኽበሉ ቦታ
ሸሕንኻ ብጎድኒ ተኾይጣ
“ሀ…ይ!” ትብል ነይርካ ብዓውታ
ተውጽእ ተሃንካ።
ኣበይ እሞ፣
ንብዓትካ ከይምስክር ግዲ’ሉ
ማይ ኣባጅጎ ጃሕ-ጃሕ ኢሉ
ኣውያትካ ከይምስክር ግዲ’ሉ
ነጎዳ ኣንጎድጒዱስ ድምጽኻ ተቐቢሩ
መን’ከ ይስማዕ ኣብ ጎደና ጸማማት
ብኸ ድሓን ተፈኾሰልካ ‘ቲ መዓት።
እምበር ኣብሻይካስ
ምስውስው እናበለት ኣብ ገዛ
ትስእለን ኣላ ሰናቲምካ
ነጊፍካ ክትህባ።
ንስኻ ከኣ
የዒንትኻ እናስለምለመ
ኣስናንካ እናሓርቀመ
ንኹርማጅ ትስእሎ
ንፍዳ ኣኺልካስ
ተቐርፊድካ ክትልሎ።
ዓለም ከም ትነብሮ መዓስ ኮይኑ
ሎሚ ዘይምርካቡ’ሎ ከም ቀደሙ
እንተኾነ’ኳ ጸሎትኩም በበይኑ
ንጽባሕ ረአያ ሕጂ ግን ከም ሻሙ።
ኣጆኻ ፒኮሎ
መጻኢ ናተይ ዝብሎ!
ግርማይ ኣብርሃም