ኣይትንውሒ! 0 By Mekonnen T. on March 12, 2016 Home Share Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email ኣንቲ መሸላ ዘርኢ ሓበሻ ቡቕሊ መሬት ፍረ ሕርሻ፡ ተረኽበ ኢልኪ ብርኩት መኣዛ ዘነበ ኢልኪ ዝናብ ኣኸዛ፡ ኣይትደልዪን ጸብለል ዘብል ንውሒ እንተኸኣልክስ ሰራውርኪ ኣስብሒ። እቲ ምንታይ….. ሓለፋ ብጾትኪ ምስ በልኪ ክብ ጽባቐኺ ምስኮነ መስሕብ፡ ከይበዝሓኪ ጠመተ የዕዋፍ ከይዘንበኪ ዳርባ ወንጭፍ! ኣብራሃም የማነ ለካቲት 2009!