ወናም: ኣንቲ ወናም
ምስ ሃብትኺ : እቲ ኩቡር ያታ
ኣቤት ግርማ ኣሃዱ ብተርታ
እዋእ!
ተሸፊንኪ እንዶ’ሞ ከም እምኒ ብርኩታ
ዓይኒ ሎሚ ድኣ ኣበይ ከቕልበልኪ
ከም ሓላል ርግቢ ጻዕዳ ተዓሚምኪ
ግልብጭ ተሰሪሕኪ: ዒላም ተወቢእኪ
ቦሎኽ በሊ: ተቐልቀሊ
ኣይትሕፈሪ : ኣይትሓፋፍሪ
ረምታኺ ሓሊኺ ሰለል በሊ::
ከይጽምዎ እዚ መድረኽ ባህሊ
ተሃንኪ ኣውጽእሉ : ሃየ ተፈተሊ
ኣበራብርና ኣርእይና ወኒ
ቅንኢ ሓዲሩና ክራርና ክንቃኒ::
ካልእ ከነማዕዱ ከይትርሳዕ ዋጣ
ከበሮ : ከይትስእን ወናም ዝሕንገጣ::
ኣይትትሓብኢ ንዒ ኮደድ በሊ
ሓሽከት እንድዩ ዘሎ መራሒ ዝደሊ
ክሕንብስ ኣብ ባህሊ ክወርስ ዝደሊ::
የማነ ሃይለ
October 2008
WIA