ሚኪኤል መዓሾ(ወዲ ሮማ)
ኣብ ገምገም እቲ እምባ፣ ዘይንቡር ተርእዮ ተኸስተ። እቲ ነገር ሳሕቲ ብኣፍ ጓሶት እናተሓልበ፣ ዓዲ ግና ግዲ ኣይገበረትሉን። መሓስኣት ናይ’ቲ ዓዲ ግን ብሓደ ዓጽሚ ኣዳም ዘይበቐዐ ተተሓንጊረን ክሃጥማ ንቡር ኰነ። ነቲ ኸም ኢራብ ዝነጥር ፍጥረት ክደፍሮ ዝኽእል ሰብ ከኣ ተሳኣነ። ንሱ፣ ፍጹም ዘይዛረብን ቅልጣፈኡን ድፍረቱን ሰብ ክትብሎ ኣየኽእለካን’ዩ። ብርግጽ ዓሌት ሰብ ምዃኑ ተፈጥረኡ’ዩ ዝሕብር። ግና ወዲ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ዘይመልእ ዝመስል ክንሱ፣ ጥንካረኡን ቅልጣፈኡን ዝተፈልየ’ዩ። በቲ ኻልእ ሸነኹ ከኣ ኻብ ሰብ ምህዳሙ ዅሉ ኣዳም ደንጸዎ። ካብ መትሃታውያንን ወይ ደቂ ሕድርትና ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ደምደሙ። በዚ ምኽንያት ክደፍሮ ዝኽእል ሰብ ተሳእነ።
ንሱ እንትርፎ ዘይንቡር ኣውያትን ጥዑም ቝዛመን ካልእ ዘድህዮ ቓል የለን። ዝነብረሉ ኸባቢ’ውን ተዀነ ዝተፈላለየን ዘይንጹርን’ዩ። ጸጕሪ ርእሱ ዝተጣናነገ ሓርግ መሲሉ ንገጹ ሸፊኑዎ ይርከብ። ጽልሙ’ውን እንተዀነ ኻብ ናይ ሰብ ሕብሪ ዝተፈልየን ኰይኑ፣ ናብ ደገል ኣንፉ ዝኸደን’ዩ። ርስሓት ምዃኑ ከኣ ኣጸቢቑ ንዝጠመተ ጐሊሖም ዝራኣዩዎ ደቀቕቲ ነገራት ክዕዘብ ይኽእል። የማነይ ገጹ ከኣ ብኸቢድ ዝተጀልዐ በሰላ ተሓቲሙዎ ይረአ። እቲ ፍጡር፣ ቀልጢፉ ናይ ምርኣይ ተውህቦኡ ዝተፈልየ’ዩ። ሳሕቲ ዝቝዝሞ ቅኒት ኣእዛንካ’ዩ ዝሰልብ። ይዅን እምበር ሃንደበት ብኣውያት ስለ ዝድብሶ ብኡ ንብኡ ከይመነኻዮ ትዃዀ።
* * *
ሰብለ ኣብታ ዝተወለደትላ ከባቢ ዓላ፣ ሰሳሕ እትበሃል ዓዲ፣ ዓይኒ ዅሉ ሰብ’ያ፣ ኵሉ ሰብ ይፈትዋን ይምርቓን፣ ኰይኑ እምበር ምርቓኦም ንፋስ’ዩ ዝወስዶ። ሓንቲ ንወለዳ ብምዃና ስድራኣ’ውን ወሊዳ ዘሚዳ ጅር ክትገብረሎም ንብዓቶ ሓዊሶም ለሚነሙላ። ክሰምረሎም ግን ኣይከኣለን። ዘይበጸሓቶ ደብሪ ኣይንበረን፣ ድምጺ ህጻን ንኽሰምዕ ብልመና ኣብራኻ ዝሰንከትካዮም ቕጫ ክመስሉ ጕልቻ ቘርበት ፈጢሮም’ዮም። ይዅን እምበር ማህጸና ሓደ ፍረ ዘርኢ ኣዳም ከቛቝም ኣይከኣለን። ልመናኣ ግና፣ ጸበሐ ናህሩ ይወስኸ። ተስፋኣ ምስ ተሓንኰዀ ግን ሓዳራ ጠንጢና ናብ ስደት ኣምረሐት።
ድሕሪ ነዊሕ ከርተት ከኣ ጥማራት ገንዘበ ደፍዲፋ ተመልሰት። ቝንጅናኣ ድማ እንተስ ስደት ኣላድይዎ ወይስ ምቾት ኰስኲሱዎ፣ ዝያዳ ኻልእ ዘሕለፈቶም እዋናት ደሚቑ ተራእየ። ምናልባት እቲ ኻልእ ተወሳኪ ጽባቐ ዝወሰኸላ ዘመናዊ ኣለባብሳ ስለ ዘማዕበለት ክኸውን ይኽእል’ዩ፣ ነዚ ዘራጕድ ወጅሂ ገጻ’ውን ገለ ዝፈጥረልካ ቐመም’ሲ ወሲኻትሉ ኣላ። ቃናኣ ዀነ ላዛኣ’ውን ብማዕረኡ ልዙባትን ልስሉሳትን ኰይኖም’ዮም ተመሊሶም።
ኣብ ጋዴን ከኣ ሓንቲ ንእሽቶ ባር ከፊታ ናብራኣ ኽትመርሕ ጀሚራ። ብኡንቡኡ፣ ባህርያታ ውን ምስቲ ስራሓ ተመሳሰለ። ብኣተሓሕዛ ዓሚል ድማ ወሓለ ዀነት። ዕድመኣ ወላ’ኳ ኣርባዓታት እንተ ኣተወ ሳላ ቝንጅናኣ መላእላእ እትብል ጭደል ፈረስ’ያ ትመስል። ኵልንትናኣ ምስተን ጐራዙ ጋዴን ክትወዳደር በቐዐት። ጭደልነታ ከኣ ኣብ ኣርባዓ ዓመታ ኣብ ግርመኣ ተነበ። በዚ ኸይኰነ ኣይተርፍን ኵሎም ዝሃርፉዋ፣ ንሳ ግን ንዝሃርፋዋ ካብ ምህራፍስ ተቘጠበት ደኣ።
ገብሩ ዝተባህለ ወዲ ማይድማ፣ መራሒ መኪና ዀይኑ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ጋዴን ዝተመላለሰ‘ዩ፣ ምስኣ ካብ ዝላለ’ውን ነዊሕ ግዜ ኣቝጺሩ’ዩ። ንሰብለ ዝምስጣ ከኣ ሰብኣውነቱን ግርማኡን’ዩ። በዚ ኸይኰነ ኣይተርፍን ኣዒንታ ኣብኡ ዘዕለበት። ቐስ ብቐ’ውን ተላመዱ። ካብ ትርእዮ ኣትሒዛ ኣምላኽ ንዓኣ ኢሉ ዝለኣኸላ ዘርኢ ማሕጸና ገይራ’ያ ትሃርፎ። ስራሕ መምስወደአት ከኣ ኣብ ጥዑም ጻዕሪ ክትጸምዶ ጀመረት።
ከም ትጽቢታ ኸኣ ሰብለ ጠኒሳ ዝብል ወረ ክሃግግ ተራእየ። ከመቕጽበት’ውን ስርሓ ረጥረጠት ናብ ስድራኣ ተጸንበረት። ክሳብ እቲ ኣብ ከብዳ ዝተጠጀአ ዝውለደላ ኸኣ ዓቕላ ኣጽበበት። ፈጥሪ ኸኣ ሃረርትኣ ግዲ ርእዩ፣ ኣብ ዘይግዜኡ ኣብ ሸውዓተ ወርሒ ወዲ ተበኰረት። ኣብ ጥምቀታ ኸኣ ምስ ገብሩ ግሩም መርዓ ኣሕለፈት። ብኡኡ ኣቢላ’ውን ምስ ኣምላኻ ተዓረቐት። ኰይኑ ግና እቲ ዝተወልደ ህጻን ወዲ ሸውዓተ ወርሒ ብምዃኑ ዘይንቡር ድቂ ነበሮ። “ደምበርዶ ኽዓብየላ’ዩ” እናተባህለ ኸኣ ወዲ ዓመትን መንፍቕን በጸሐ። ይዅን እምበር ክሳብ እዚ ግዜ’ዚ እግሪ ኽተክል ኣይከኣለን።
ሰሳሕን ከባቢኡን ኣጥሪዩ ከምዘይ ኣጥረየ ዀይኑ ተረፈ። እቲ ተርእዩ ሳሕቲ ንኸኣምንዎ ውን የጸግሞም’ዩ። ካብ ደርሁ ሓሊፉዎ መሓስኣትን’ውን ክወሰድ ጀመረ። እቲ ኣሞራ፣ ምኵርን ዝተጋነነ ግዝፊ ዝነበሮ’ዩ። ንዕኡ ኸቐትሉ ዝገበሩዎ ፈተነ ብመንገብገቡ ተጸፊዖም ጥራይ ተሪፊም’ዮም። ኵሉ ዝገበርዎ መጻወድያ ኽዐውቶም ኣይከኣለን።
ሰብለ፣ ዝመጽዋ ኣጋይሽ ስለ ዝነበሩ፣ ኣብ ውሻጠ ዀይና ኣብ ውራይ ገዛኣ ተጸምደት። እቲ ንዓመታት እግሪ ኽተክል ዘይኸኣለ ወዳ፣ እናተንፋሓዀ ድርኲኺት ሰጊሩ ናብ ገበላ ወጸ፣ ቐስ እናበለ’ውን ኣብ ማኣከ እቲ ደንበ በጸሐ።
እቲ ኣብ ህዋ ከንሳፍፍ ዝጸነሐ ኣሞራ ካብ ካልእ መዓልቲ ዝተፈልየ ነገር ተመልከተ፣ ኣዒንቱ ኣጽቢቡ ከኣ ንዝረኣዮ ነገር ኣረጋገጸ። ኣብ ማእከል ደንበ እግሪ ዘይተኸለ ህጻን ክንፋሓዅ ኣስተብሃለ። ንኣቛውማ’ቲ ህጻን ርእዩ ድማ ደንደኖ። እቲ ኣሞራ ክዝንቢ ድሕሪ ምጸናሕ ዝዓልበሉ ቦታ ኣነጻጸረ። ብእኡ ዝሰከሓ ደርሁን መሓስኣትን ናብ ዘዕቝበን መሽጐራጕር ተሸጐጣ።
ድራሩ ዝሰኣነ ኣሞራ ከመቕጽበት ነቲ ዝረኣዮ ደቂቕ ህጻን ኣብ መንጎ ኽልተ ኣእጋሩ ሰኲዑዎ ንሰማይ ክዓርግ ግዜ ኣይወሰደን። ኣውያት እቲ ህጻን ድማ ኣቓልቦ ዓዲ ምሉእ መለሐ። ትርኢት ናይ ክልቲኦም ከኣ ካብ ዓይኒ ሰብ እናሃሰሰ ከደ።
* * *
እቲ ከም ምትሃተኛ ዝተወርይርሉ ፍጡር፣ ምስሉ ዀነ ካልእ ኣሰንባዲ’ዩ። እቲ ዝተዓዃለለ ጸግሪ ርእሱ ኣብ እንግድዑ ወሪዱ ነቲ ጸሊም ምስሉ ዝያዳ ተጻፋዒ ጋኒን ኣምሰሎ። ብጀካ ኣብ ክሳዱ ዝተኣስረት ክታብ። ዝወደዮ ልብሲ የለን። እቶም ዝተፋሓናጨሩ ሰብነቱ ብዝተፈላልየ ጐንጽታት ከምዝላደዩ ብማዕዶ ግምርኻ ትህብ። ኣጸፋር ኣእጋሩን ኣኣዳዉን ከኣ ተወጢጦም ይራኣዩ። ኰይኑ ግና ፍረ መልክዑ ዘይከም ትርኢቱ ምልኽዑ ሰብ ምዃኑ ክትስሕቶ ኣይትኽእልን። እቲ ኰተቴ ካብ ኰውሒ ናብ ኰውሒ እንክናጠር ንዝረኣየ ሰብ፣ ስብ ምዃኑ ክኣምን ይሸግሮ’ዩ። ምናልባት ካብ ዓሌት ህበይ ከይህልዎ ድማ ይጠራጠሩ፣ ብዘይካ ቺፓንዚ ዝበሃል ዓሌት ህበይ ካልእ ፍጡር ከምቲ ናቱ ምንቅስቓስ ከዘውትር ኣይክእልን’ዩ።
ካብቲ ጸሊም ምስሉ ደሚቖም ዝረኣዩ ደርጊ ስኑ ግና፣ ከም ኮኾብ ጽባሕ ካብ ማዕዶ ጐሊሖም ይወጹ። ነዚኦም ደማሚርካ ኸኣ ኻብቲ ሰብ ኣይኰንን ዝብል ተማጋማግነት ናብ ርትዒ ይወስደካ።
እቶም ኣጥሪዮ ክጥቀሙ ዘይከኣሉ ጕልዒን ኸባቢኣን፣ ብዛዕባ እቲ ፍጡር ዓድን ጐደቦን ተኣኪቦም ተዛትዩምሉ። ብሰንኩ ዝወፈረ ጓሳ ሰንቢዱ ንጽባሒቱ ምውፋር ይኣቢ። እቲ ተፈራሒ ፍጡር ከኣ መን ኢኻ ዝብሎ ኣይረኸበን። ንሱ ኸኣ ንኽነብር ኢሉ’ዩ መሕስኣት ሓሓኒቑ ዝወስድ። ህዝቢ ጕልዒ ኸኣ ተማኺሮ ኣብ ሓደ መደምደምታ ክበጽሑ ወሰኑ። በዚ ምኽንያት ከኣ ሓሙሽተ ኣጓብዝ መሪጾም፣ ቐሽን ሸኽን ባሪኾም መሪቖምን ብልሓት ሂቦም ናብ ኣኽራን ዓዶም ለኣኹዎም።
እቶም ዝተመርጹ ኣጓብዝ፣ ብኣውያቱ ተመሪሖም ኣብ ርሑቕ ኣጻድፍ ከምዘሎ ኣጭበጡ። ነታ ዘለዎ ስፍራ ከኣ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ መእተዊኣን መውጺኢኣን ኣጽንዑዋ። ተጸናትዮም ብፍርሒ እናኣንፈርፈሩ ኣብ ልዳት እታ በዓቲ በጽሑ። ከም ዝተማኸርዎ ኸኣ ድምጺ ማሕስእ ክፈጥሩ ፈተኑ። እዋን እቶእቶ ስለ ዝዀነ ከም ልቦም ክጥምቱ ኣይከኣሉን። እቲ ኣሞራ ኢሎም ዝሰመይዎ ዀተቴ፣ ካብ ሰፈሩ ብፍሽኽታ መሰስ በለ። ቕድሚ ዅሉ ዝተራእየ እንተ ነይሩ ኣስናኑ እዩ። ሓደ ኻብቶም ኣጓብዝ ንድሕሪት ሃደመ። እቶም ኣርባዕተ ግና ተቢዖም ናብኡ ቐረቡ። እቲ ዝህደን ፍጡር ግና ንገለ ደቓይቕ ከም ዓንዲ ወርቒ ደረቐ። ቐስ ብቐስ ናብኡ ክቐርቡ ምስ ፈለሙ። ንሱ ከኣ ሃንደበት ኣብ መንዀብ ክልተ ኣጓብዝ ብምርጋጽ ብልዕሊ ዅላቶም ነጢሩ ተሰወረ። ብዘይ ፍረ ኸኣ ነቲ ዝሃደመ መእሰይ ደልዮም ናብ ጕልዒ ተመለሱ።
ህዝቢ ጕልዒ ከኣ ካይልኣይ ግዜ ተኣኪቦም ተመያየጥሉ። ነቶም መእሰያት ኸኣ ዓቕሚ ሰብ ወሲኾም ናብቲ ኣሞራ ዘለዎ ኸባቢታት ደጊሞም ተለኣኹ። ኣብ’ታ ዝርኽበላ በዓቲ’ውን በጽሑ። ብየማን ጸጋም ዘይንቡ ድምጺ ተሰምዐ። ሓደ ካብቶም ኣጓብዝ ላምፓዲና ወለዐ፣ ክልተ ወኻሩ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሮም ረኣየ፣ ብዝሓዞ በትሪ ኸኣ ሽንጒጉ ኣሳጓጎም። እቶም ወኻሩ ኻብቲ ኸባቢ ተሰወሩ። ናብቲ በዓቲ ቐሪቦም ድምጺ ማሕስእ ኣስምዑ። ከመቕጽበት ካልእ ወኻርያ መሰስ በለት። ዅሎም ብበትርን ፋስን ተሳሃልዋ፣ ብኡንቡኡ ከኣ ዓረፈት። መብራህቲ ብምውላዕ ነቲ በዓቲ በእማን ረበሹዎ ኻልእ ወኻርያ ደጊማ ወጸት ንዓኣ ውን ኣዳገምዎ። ነቲ በዓቲ ጐርጐርዎ ዝተጸበይዎ ድምጺ ግን ሰኣኑ። ኣትዮም ነቲ በዓቲ ፈተሽዎ። ዝዀነ ፍጡር ግና ክረኽቡ ኣይከኣሉን። በታ ለይቲ ከኣ የዕሪፎ ሓደሩ።
ንግሆ ካብቲ ጐረቤት ክደልይዎ ዝሓደሩ በዓቲ፣ ስጋ እናመንጨተ ክወጽእ ተዓዘቡ። ናበይ ከምዝኸይድ ከኣ ብህድኣት ተኸተልዎ። ኣብ ሓደ ዓቢ ገርብ ተንጠልጢሉ ከእዊ ጀመረ። ናይ ጽጋብ ምዃኑ ኮቶ ኣይሰሓቱዎን፣ ነታ ዝነበራ ኸኣ ኸበብዋ፣ ከም ቀደሙ ካብ ገረብ ናብ ገረብ ክናጠር ጀመረ። ሓደ ካብቶም ኣባጽሕ ሻፎ በትሩ ብመሾንጐጓ ክሳዱ ረኸቦ፣ ካብቲ ዝነበሮ ንመሬት ወደቐ፣ ንእለት ኸኣ ድምጹ ኣጥፊኡ ጸጥ በለ። ቓሬዛ ብምስራሕ ድማ ተሰኪመሞ ናብ ዓዲ ተበገሱ።
ኣብ ፍርቒ መንገዲ ኸኣ ካብቲ ዝተጸውሮ ቓሬዛ መሳሊ ክፍንጽግ ፈንጠርጠር በለ። ኣሻቡ ግና። ብዅሎም ኣጉብዝ ተዓትዒቱ ተጸቕጠ፣ እቲ ሓይሊ ኻበይ ከምዝመጸ ሓርበቶም። ኣሞራ ንዅሎም ክፍንጽጐም ዝገበሮ ፈተነ ብላሽ ኰይኑ ተረፈ። ነቲ ድራማዊ ትርኢት ከኣ ክሳብ ዝዀነ ዝኸውን ብጽሞና ክከታተል መረጸ።
ህዝቢ ጕልዒ ብማዕዶ ዝተጸውረ ሰብ ምስ ረኣዩ ኻብቶም ዝተላእኹ ኣጓብዝ ዝጐደለ ከይህሉ ብፍርሒ ተሓቘኑ። ደሓር ግና ምንቅስቓስ እቶም መንእሰያት ናይ ጓሂ ዘይኰነስ ናይ ሓጐስ መሲሉ ተራእዮም። “ኣሞራ ተታሒዙ” እና በሉ፣ ኣብ ክሳድ መንገዲ እኽለማይ ሒዞም ተቐበሉዎም። ዓዲ ብዓዳ ተኣኺባ ኸኣ ነቲ ፍጻመ ብዓይኒ ርእያ ኣረጋገጸት። ይዅን እምበር እቲ ዝተማረኸ ዀተቴ ንዝሓተትዎ ክምልስ ብዘይምኽኣሉ፣ እቲ ጕዳይ ንኸይፍታሕ ካልእ ግድል ኰነ።
ኣሞራ ግን እቲ ክብሎም ዝኽእል ኵሉ ኢሉዎም እዩ ግና’ኽ ንቛንቋኡ ዝርደኣሉ ሰብ ክረክብ ሕልሚ ኰኖ፣ ዓዲ ብምልእታ ተኣኪባ ተዛተየትሉ፣ ኣብ ሓደ ሓሳብ ብምስምማዕ ድማ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ኢደ-ሰብን ቡዳ-ዛርን ብምውጻእ ህቡብ ዝነበረ ደብተራ፣ ቐሺ ሰርጹ በዓል ሰሳሕ፣ ኣብ ዓዲ ሓውሻ ቐሺ ገበዝ ኰይኑ የገልግል ስለዝነበረ። ከም ዝመጽኡ ተገብረ። ካልኦት ካህናትን ሊቓውንትን ውን ተኣኽእኸቡ። ኰይኑ ግን ብዝተገብረ ፈተነ፣ ብማይ ጸሎት መጽፋዕትን ኣፋውስን ናብ ንቡር ሰብ ክምለስ ኣይተኻእለን። ኣሞራ፣ ነቲ ዝወረዶ መግረፍቲ ምጽዋር ስኢንዎ ናብ ጽሉል ተለወጠ። ደሓር ግና ቐሺ ሰርጹ ሓደ ብልሓት ኣምጽኡ። ነታ ኣብ ክሳዱ ዝተረኽበት ክታብ ፈቲሖም ቝንቝኛኣ ክፈልጡ መታን፣ ናብኦም ክትመጽእ ኣዘዙ። ከም ትእዛዞም ከኣ ተበቲኻ ናብኦም ከም ትመጽእ ተገብረት።
እታ ብጥንቃቀ ዝተፈትሐት ክታብ፣ ነቲ ዝሓዘቶ ፍረ ነገር ከንብብዎ ኣጸጋሚ ዀኑ። ግና እቲ ጽሑፍ ናይ ቐሺ ሰርጹ ምዃኑ ባዕሎም ቐሺ ሰርጹ ኣመንሉ። ብኸመይ ከምኡ ክኸውን ከም ዝኸኣለ ግን ኣርመሞም። ዝዀነ ነገር ግን ነቲ ህዝቢ ኣይነገሮዎን። ኣብ ጕልዒ ከኣ ሓደ ሕማቕ ወረ ተናፈሰ። ኵሉ ሰብ’ውን ንቐሺ ሰርጹ ብጥርጣረ ጸለኦም። “ቐሺ ሰርጹ እዮም ካብ ምዉታን ኣተንሲኦም ከመኡ ኸም ዝኸውን ገይሮሞ” እና በሉ ውሑዳት ገርህታት ከም ውዱእ ወሰዱዎ። ኣይጸንሐን ኣብ ሳልስቲ ዘይመልእ ከኣ እቲ ወረ ኣጸቢቑ ለሓመ። ንሶም ግን መንፈሳዊ ዕጥቆም ተሓንጊጦም ነቲ ሓቂ ክበጽሕዎ ኣብ ስራሕ ተጸምዱ።
ቀሺ ሰርጹ፣ ቀዳም ምሸት ብእዋኑ ክድቕሱ’ሞ፣ ደርሆ ነቖ ቤተክርስትያኖም ክኸዱ ወጢኖም ተጋደሙ። ኰይኑ ግና ድቃስ ክመጽኦም ኣይከኣለን፣ ብዛዕባቲ ዝተፈጥረ ዅነት ክሓስቡ ክቡር ግዜኦም ሓሸሹ። ሃንደበት ናይ ምዝኻር ክእለቶም ክኽፈት ተፈለጦም፣ ስእሊ ኣእምሮኦም ከኣ ኽገናጽሉ ጀመሩ፣፣ ስመ ካህናት ናይቲ ኣብታ ኽታብ ዝተረኽበ ጭራም ወረቐት ኣብ መንፈሶም ኣብለጭለጨ። ብኡንብኡ ከኽመስምሱ ተራእዩ። ሰዓቶም ከይኣኸለ ኸኣ ናብ ቤት እዝጊኣብሄሮም ተዓዘሩ።
* * *
ሰብለ ልባ ጠሊምዋ ብማይ ተኣልከት፣ ደንቢኣ’ውን ኣሻቡ ብሰብ መለኣ። ብዙሓት ሰብ ናብቲ እቲ ኣምራ ዝኸደሉ ኣንፈት ክደልዩ ወፈሩ።
ኣሞራን እቲ ህጻን ኣብቲ ከልካሊ ዘይብሉ ጠፈር ክሻብቡ ተራእዩ። እቲ ህጻን ድሕሪ ነዊሕ ኣውያትን ብኽያትን ጐረሮኡ ላሕቲቱ ብድኻም ዘፍ በለ። እቲ ከም ሕሱም ንኣካላቱ ዘንፈርፍሮ ንፋስ’ውን ከዛናግዖ ጀመረ። እቲ ኣሞራ ኽረርዎ ኸሎ ከኣ ብእኡ ተማራሰዐ። እናጸነሐ እንክኸይድ ከኣ የማን ጸጋም ኽሕንበብ’ውን ባህ በሎ።
እቲ ኣሞራ፣ ኣብ ብርኽ ዝበለ ከውሒ ዓለበ። ነቲ ዝማእረሮ ምርኮኛኡ፣ ንኽበልዖ መትኮቡ ኣዋደደ። እንተ እቲ ኣብ መጻወድያ ከም ዘሎ ዝተገንዘበ ህጻን ከኣ ንናይ ካሊኢት ፍጻመ ኽጽበ ትርግታኡ ወሰኸ። ኣሞራ ከኣ ኣፍ ልቡ ረጊጹ ክምጅርጦ ጀመረ። እቲ ህጻን ነቲ ቃንዛ ክጻወሮ ፈተነ። ክጽመሞ ግን ኣይከኣለ፣ ኢዱ ክሕውስ ድማ ፈለመ። ዘይተጸበዮ ተቓውሞ ዝገጠሞ ኣሞራ ናብ ጥጡሕ ቦታ ቐየረ። ኣብኡ ምስ ወረደ ከኣ ክደጋግሞ ፈተነ። እቲ ህጻን፣ ዓይኒ ብለይ ስኒ ብለይ ነብሱ ንምድሓን እናኣጕረምረመ ነብሰ ምክልኻል ኣካየደ፣ ብኽልተ ኣእዳዉ ብጐረሮኡ ብምዕትዓት ኣትሪሩ ሓዞ። ሓይሊ እቲ ኣሞራ ኸኣ ኽዳኸም ተራእየ። ብመንጎ መንገብገቡ፣ በእጋሩ ሓሊኹ ድማ ሓዞ። ኣብ’ቲ ዝነበርዎ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ቅልስ ኣካየዱ። ሓይሊ ክልቲኦም ከኣ ተማጣጣኒ ዀነ። ንነዊሕ ደቓይቕ’ውን ኣብ መንጎኦም ውግእ ተኻየደ። እቲ ህጻን፣ ንመጽፋዕቲ ክንፊ ናይ’ቲ ኣሞራ ተጻዊሩ በተን ዕፉን ዝመስላ ውልዶ፣ ግን ከኣ ከም ጽንግሊሒት ዝበልሓ ኣስናኑ ጐረሮኡ ዓትዒቱ ኣስቀጠ፣ ንነዊሕ ግዜ ኸኣ ክሰዶ ኣይከኣለን። ፍርሒ ክሳብ መንጋግኡ ዝደርቕ ንኸይሰዶ መኸሮ።
ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ምንቅስቓስ እቲ ኣሞራ ኣኽተመ፣ እቲ ህጻን’ውን ጸኒሑ ብድኻም ዘፍ ኢሉ ኣብ ሃለፍታ ኣተወ።
ብርቱዕ ነጐዳን በርቅን ጸዓቐ። ፍሩያት ማይ’ውን ክወድቑ ጀመሩ። ቀጺሎም ደቀቕቲ በረድ ሰዓቡ፣ እቲ ህጻን ብኡንብኡ ተበራበረ። ብጕንብሕ ጕንብሕ ከኣ ናብቲ ኣእማን ተሸጐጠ፣ ነቲ ዝጋጠሞ ጸበባ ዝተርደኦ ኽመስል ንናይ ካሊኢት ፍጻመ ብብልሓት ክሰግሮም ተርእየ። እቲ ኣሞራ ብኡንብኡ ከም ዅዕሾ ተንፍሐ።
ህዝቢ ሰሳሕ ዓብዪ ምስ ንእሽተይ ሬሳ እቲ ህጻን “ይርከቦ እዩ” ኣብ ዝተባህለሉ ቦታ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ተደልየ። ዝዀነ ድምጺ ምስ ተሳእነ ግን ቐብሪ ተኣወጀ። ዛንታኡ ኸኣ መውረዲ ማይ ኰነ። ኣደኡ ብሓርቖት ንእዲ ሓዘት። ጸኒሓ’ውን ኣብ ገዳማ ፈለሰት። ዛንታኡ ምስ ምንዋሕ ግዜ ከም ጽውጽዋይ ክሰክን ጀመረ።
እቲ ህጻን፣ ዓቕሊ ጽበት ዘምጽኦ ኣብ ህይወቱ ሓዱሽ ክስተት ኣምዕበለ። ነቲ ሕልሚ ዀይኑ ዝስምዖ፣ ከይፈተወ ክብድሆ ጀመረ። ኣብ ሳልስቱ ደው ክብልን ኣእጋሩ እና ጐሰሰ ኣእማን ብምሓዝ ክንቐሳቐስን ከኣለ። ጥምየት ዘንቀሎ ብርቱዕ ቅርጽት ተሰመዖ፣ ንዝረኸቦም ቘጽልን ዕቛር ማይን ከኣ ክምእርሮም ተራኣየ። ነቶም ዘሳሕዩዎ ግርጻኑ በቶም ኣቕጽልትን ፍረታትን ብምጓጭጮ ሰሓኡ ኣቃለለ። ለይቲ ለይቲ ግና ኽብህርርን ከእውን ጀምረ። ከምኡ’ናበለ ኣክላዊ ጥካረ ኣማዕበለ። ኣብ ውሽጢ ገለ ኣዋርሕ’ውን ድሕረ ባይታኡ ካብ ማሕፉዳ ኣእምሮኡ ተደምሰሰ። ኣብቲ ጨበጣዊ ጫኻ ናቱ ዓለም ኣፈለቐ። ቈርበት ኣክላቱ ምስ ቍሪን ጸሓይ ተላሚዱ ዝያዳ ሰወደ። ሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕሙ’ውን ብዘደንቕ ኵነት ጠንከረ። ናይ ባዕሉ ሜላ ህይወት ፈጢሩ፣ ንምንባር ብዝቐለለ ክምክቶ ግዜ ኣይወሰደን።
* * *
ቀሺ ሰርጹ፣ ዓዲ ኣኪቡም ዅሉ እቲ ሓቂ ክዛረቡ ደምደሙ። ድሕሪ ቅዳሴ ኸኣ ካብ ዓዲ ሓውሻ ናብ ጕልዒ ገስገሱ። ክመቕጽበት’ውን ዓዲ ክትእከብ ጠለቡ። ክዛረቡ’ውን ጐረሮኦም ጸረጉ።
“ዝኸበርኩም ህዝበ ክርስትያንን ህዝበ ምስልምናን፣ ሎሚ መዓልቲ ኣዝዩ ክትኣምኖ ዘጸግም ክነግረኩም’የ፣ ዘይክትኣምኑ ከኣ ትኽእሉ ኢኩም።”
እቲ ሆጭ ኢሉ ዝተኣከበ ሰብ፣ ነቲ ዝበሃል ክሰምዕ ኣእዛኑ ኣዋደደ። ቐሺ ሰርጹ ከምኡ ኢሎም ምዝራቦም ክናዘዙ ዝመጹ ጥራይ ገይሮም ድማ ቐረጽዎም።
“እምበኣር ከስ እዚ ፍጡር እዚ፣ ብልክዕ ሰብ ምዃኑ ኣረጋጊጸ ኣለኹ። እዚ ትርእይዎ ካብ ሰብለ ጓል ሓውኣቦይን ካብ ገብሩ ሓዱሽ በዓል ማይድማን ዝውለድ ምዃኑ በሓቂ በሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እቲ ኣብታ ክታብ ዝተረኽበ ጹሑፍ’ውን ኣነ ከምዝጸሓፍክዎ ኣጸቢቐ ዘኪረዮ ኣለኹ። ስም ፈለስቲ ወለዱን ኣቦሓጐኡን ድማ እነሆ ኣብኡ ተጻሒፉ። እዚ ትርእይዎ ቕድሚ ዓስረተ ኽልተ ዓመት ኣሞራ ከም ዝወሰዶ ዝዝከር ኰይኑ። ኣደኡ ከኣ ሽዑ ዝኣተዋ ስንባደ ንዓለም ቶባ ኢላ እነሆት ኣብ ገዳም ካብ ትሰፍር ኣስታት ዓሰርተ ሓደ ዓመት ኰይኑ። በሉ ህዝበይ ነዚ እንብሎ ዘለና ዀተቴ ጨጉሩ ላጺኹምን ሓጺብኩምን ናባይ ኣምጽእዎ!፧” ብምባል ዘረባኦም ደምደሙ። ነቲ መስተንክር ክከታተል ዝጸነሐ ሓፋሽ ድማ ኽዕዘምዝም ተሰምዐ።
ነቲ ኣብ ጋዴንን ሰሳሕን ዝውረ ዝነበረ ዛንታ፣ ከም ጽንጽዋይ ክጽወ ኵሉ ኣብ ኣሬባ ዝርከብ ሰብ ይዝክሮ’ዩ። ኰይኑ ግን ነቲ ኣብ እዚ እዋን’ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዅነት ህዝቢ ክቕበሎ ከበዶ።
ኣጓብዝ ጕልዒ ዝተኣዘዝዎ ብምፍጻም ንኣሞራ ናብ ማእከል ህዝቢ ቐፊዶም ኣቕረብዎ። ነታ ብየማናይ ገጹ ዝተዀደመት በሰላ ገዲፍካ ኣታኽላ ኣዒንቱ ኮነ ኣወራርዳ ኣፍንጫኡ፣ ኮታስ ኵሉ ወጅሃኡ ቕምጥ ኢሉ ንኣደኡ መሰለ። ብኡንብኡ ኣብ ካልኣይ ቈጸራ ነቲ ስድራቤቱ ተጸዊዖም ዝተባህሉ፣ ነቲ ፍጻመ ንክካፈሉ ዓዲ ተሰማመዐት። ንኣሞራ ከኣ ብጽኑዕ ከም ዝሕሎ ተገብረ። ንሱ’ውን እንተ ኰነ ርዲኢቱ ከጽብብ ዝጀመረ መሰለ። ካብቲ ከም ባሩድ ዝህውጾ ባህሪኡ ክቕንስን ሰብ ክለምድን ተራእየ። ክእሰርን ክፍታሕን ከሎ ግና ግንባሩ ጸቒጡ ብምዕጣር ምሕንሓን ኣይገደፈን። ንሱ ምስሉ ንሰብ ከም ዝመስል’ውን ኣፍልጦ የብሉ። ንሰባት ከም ኣራዊ እዩ ዝቘጽሮም። በቲ ሰባት ዝዛረብዎ ግን ትርጉሙ ስለ ዘይሰምዖ ክሳብ ልቡ ዝጠፍኦ ይስሕቖም። ኣሞራ ንዅሉ እቶም ዓዲ ዝዛረብዎ ከም ሓንቲ ዘቐልጠፍካያ ካሴት ትህቦ ድምጺ ገይሩ’ዩ ዝቐርጾ። ሳሕቲ’ውን ከም መዛናግዒ’ውን ይወስዶም‘ዩ። ህጻናት ጐልዒ ድማ ንዕኡ ከም ሓደ ምትሃታዊ ርእዮም ብኣግርሞት እናጠመቱ፣ ክላገጽሉን ክጥምትዎን ይውዕሉ። ደሓር ግን ሃንደበት ክሓርቕን ከእውን ስለ ዝጀመረ ቘልዑ ከይኣትውዎ ተኸልከሉ።
ኢታይ ሰብለ ካብ ዝነበረቶ ገዳም “ብኣሞራ ዝተወስደ ወድኺ ተረኺቡ” ምስ ተባህለት፣ ልባ እናተበቘጸት መጸት። ከምኡ’ውን መቕርብ ቤተ ሰብ ተኣከበ።
ከም ልሙድ ከኣ ኣሞራ ናብ ቅርዓት ወጸ። ካብቲ እኩብ ሰብ ከኣ ኢታይ ሰብለ ኣፍልባ እናዘበጠት ወጸት። ነቲ ዘጋጠመ ክትቕበሎ እኳ ተኸበዳ ከይፈተወት ግና በቲ ርትዒ ኣመነት። ነቲ ዝቐበጸቶ ውላዳ ኸኣ ክትሓቕፎ በሃገት። ኰይኑ ግና ከይትሓልፍ በቶም ኣጓብዝ ተኸልከለት። ድሌታ ግና ምዕጋት ኣበየ። ፈንጺጋ ክትከይድ ኣብ ግድል ተጸምደት፣ ኰይኑ ግና ፈተናኣ ንዀንቱ ዀኑ። ብኡ ንብኡ ኸኣ ልባ ጠለማ። መቕርብ ቤተሰብ ከኣ ነቲ ኰተቴ ረድዮም ዘርኦም ምዃኑ ኣሚኖም ወሰድዎ። እታ ዓዲ ውን ልባ ወደቐላ።