ጌና ብግስ ክትብል – ንመሬት ዘሚርካ
ንመሬት ኣብ መሬት – ህይወት ኣገቢርካ
በጃ መሬት ሓሽከት – ኣብ መሬት ቀቢርካ
መሬተይ
ርስተይ…
…ለካስ ዘበለካ
ኣዳም መሬት’ዩ – ነብስኻ ኢኻ ኣፍቂርካ።
ዳሕራይ…
መሬት ምስ ወነንካ – ህዝቢ ፈንፊንካዮ
ሕቶ ሰላም ብደም – ብመሬት መሊስካዮ
ነቢዔ እንክብለካ – ብሞት ጠቢርካዮ።
ህዝቢ…
ሕቶ ዘይብሉ ሰብ – የስተርሑ ኣብዛ መሬት
ኢዱ ዊጥ ዘበለ – ቤቱ ትሕቲ መሬት
ሕቶ ዚሓተተ – ስልም ከርሰ መሬት።
ብይን ፈሪድካሉ…
ንገለ ዓኒድካ
ንገለ ኣንጺፍካ
ንገለ ጸፍጺፍካ
ተእቱ ናብ መሬት
ኴንካ ኣልቦ ስሬት
ሰብ ኣብ መሬት እንበር – ንመሬት ኣይነብር
መሬት ጽምዋ ኢዩ – ብሰብ ኢዩ ዚኸብር
ንስኻ ሰብ ትቐብር – ንመሬት ትነብር።
ፈቃር መሬት ምዃንካ – ኵሉ ፈሊጡካ
እግሩ ናብ ዚመርሖ – ከይዱ ጠንጢኑካ
ፍቕሪ መሬት ሕሱም – በይንኻ ኣትሪፉካ።
ግናሲ…
መሬት እውን ለካ – ተፍቅራ ተፍቅረካ
እንሃ ተምባሁቕ – ደልያ ክትሰንገካ
በቃ ንሓላላ – ናታ ክትገብረካ።
ተስፋስላሴ (ኣዝማሪኖ ሆፕ)