ውሽጥኻ ዝሃሲ ጸገምካ ኣለልዩ
ካብ ዘይምህላው ዝሓስም ዶ ሃልዩ!
ህላወና ዘማዕርግ ጽባቐና ምስ ጠፍአ …
ሩፍታና እናበልና ዕግበትና ዝርአ
ገዛና ገዲፍና ወጺእና ንግዳም
ንርኽበት ናፊቕና ካብ ስእነት ንምህዳም፡
ምስ ኣራዊትን ኣረሜናትን እናተራጸምና
ብተፈጥሮን ፍጡራትን እናተጓደልና
ካብ ሃገር ናብ ሃገር
ኣህጉር ወዲእና ናብ ኣህጉር
ጫፋት በጺሕናዮ ተወዲኡ ስግግር፡፡
መለሳ ዘይብሉ ኮንቱ ላዕልን ታሕትን
ነዛ ንምስትንፋስ ከርተት ካብዝን ናብትን
ወጮ ተገምጠልካዮ ወጮ ኮይናትና ዓለም
ኣብ ዝኸድናዮ ክንጭነቕ ርሒቑና ሰለም፡፡
ተስፉ ሓጎስ