ናበይ ኢኻ ኣይትበሉኒ !
ካብ ዕለታት ኣብ ሓንቲ መዓልቲ
ጥዋፍ ሕልናይ ኣጥፊኣ መብራህቲ
ተወሊደ ዝዓበኹሉ ቤት
ዝሞንገደ ክሳድ ዘጌጸ ቀሌቤት
ኣዕጽምተይ ዝዓንዱ ዝተወጠረ ደረት
ስጋይ ዝምርጉ ጭቃ ሰብነት
ገዲፈ ክኸይድ’የ።
እወ ክትርእዩ ኢኹም
እቶም ትርእዩ
ካብ ክምስታይ ከንፈረይ ተዓጽዩ
ቀንዴል መስኮተይ ዓይነይ ተኸዲኑ
መዕቆቢ ማህደረይ ቤተይ ዑና ኾይኑ
ታሪኽ ሂበ ንዝመጽእ
ድሓን ኩኑ ኢለ
ካብ ቤት እንክወጽእ
ብኣውያት ስንባደ
ብናይ ዋይታ ዜማ
ብዝርንዝሕ ንብዓት
ብመልቀስ ቁዘማ
ብመስኮት ገዛኹም
ቤተይ እንዳረኣኹም
ናበይ ኢኻ ኣይትበሉኒ
ንዘይምለስ በጃኹም።
ንዘይትረኽቡኒ ንዓይ ኣብ ቀረባ
ግደፍዎ ምስ ቤተይ ዘረባ
ቤተይ ደኣ ዘይ’ቲ ዑና’ዩ መኣስ ካልእ
ንዓኹም ዘይጠቅም ንዓኹም ዘይጎድእ
በሉ ኣብ ዝኸደሉ ዝዝምብዮ ጠፈር
ሰብ ዘይርእዮ ሓደ ስዉር መስመር
ከይዱ’ዩ ጥራሕ በሉ ናብ ዘብሎ እንድዒ
ባእላይ ሰሚዑ ከይጭነቕ ሰማዒ።
መም ተኽለ ተኸስተ
ቀቅድሚ ሞቱ ዝጸሓፋ ግጥሚ (2004)
*ሰነዳት ዛራጥበባት