ቀራና መንገዲ ሓግየዮ ክዕዘብ
እቲ ገፊሕ ናይ ሰብ
እታ ጸባብ ናይ ጥበብ:
ፍርቂ ነብሱ ሓሳብ ዘፍእም እመነ ኩርናዕ
ሃቐነይ ከርዕሞ ወትሩ ካብ ዝምናዕ:
መስትያተይ’ተ ኾነ ባዶነተይ ክርእዮ
ንመጽሓፍ መሪጸ ሰብ ጸሊአዮ።
ንበይነይ’ተ ኾንኩ ዝስምብዱ
እዝኒ ከሊአ ንዝብሉ “ዓቢዱ”:
ናብ ሓቒቕ ተፈጥሮ ድምጺ’ዕዋፍ መዝመሩ
ሒዘዮ ሃጽ ኢለ ሰብ ናብ ዘይብሉ።
ግንጽል እንከብሎ ብሂገ’ንደገና
ተንኮልን በቐልን ዘብስል ሽክና
ካብ ዓጸቦ ፍልጠት ግዝኣት ድንቁርና
መንዚዑ ከውጽኣኒ
ኣብ ባሕሪ ዓለሙ ጃልባ ክኾነኒ፡
‘ተ ኽኢሉ ድማ
መቓብር ልቢ ሰብ
ብኣፍ ራዛ ሓሳብ ኮዓዒቱ
ሰብ ማለት ምዃኑ ዝነበር ንኸንቱ!
ኣእምሮ መነፈሰይ ዳግም ክኽልሶ
ዓለም ክኸፍተለይ ምዕራፍ ተሃድሶ
‘ታይ ድዩ መጽሓፍ ማለት!? ምሒር ብሂገዮ::
ግዲ ቐደም -ቀደም ኣብ ጥርዚ በጺሑ
ግዲ ሎሚ- ሎሚ ጥበብ ተጀሊሑ
ዘምበብኩዎ መጽሓፍ ሰብ ኮይኑ ጸኒሑ።
ቦኽረ ገብረየሱስ
መስከረም 2012