(1ይ ክፋል)
AMAN TEKESTE W.
(ሀ) ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ፤
ኣብ ናይ ንባብ ተመኲሮይ፡ “እንተ ዘሕትሙስ ምፈወሱና እኮ …!” ብምባል ንነዊሕ እዋን ዝተጸበኹዎም ጽሓፍቲ ፈጠራ፡ ማለት፡ ብዓቢ ሃንቀውታ ዝተጸበኹወን መጽሓፍቲ፡ ሰለስተ እየን። ‘ትጽቢት ባህጉ’ ናይ በየነ ሃይለ (2006)፣ ‘ዘሎ’ዩ ዝህሉ’ ብመለስ ንጉሰ (2008)፣ እንሆ ድማ እታ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ዝተጸበኹዋ መጽሓፍ ብርሃነ ገብረህይወት፡ ‘ድምጺ ልቢ’ ብዝብል ኣርእስቲ ተሓቲማስ፡ ኣብ መወዳእታ 2016 ተዘርጊሓ እነሀት።
ንብርሃነ ገብረህይወት ኣብ ግጥሚ ዘሎዎ ፈጠራዊ ሓይሊ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ነዋሕቲ ቴማታት (Essays) ዘርእዮ ኣስተንትኖ፡ ዘቕርቦ ምጒት፡ በዳሂ ሓሳባቱ ምስቲ ስሩዕ ወሓዚ ቋንቊኡ፡ ንጹር መደምደምትኡ፡ ትኩር ግንዛቤኡ፡ ጸግዒ ናይ ዝኾነ ከይሓዘ ዘቕርቦ ዘየናሕሲ ነቐፌታዊ ኣረኣእያኡ … ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝማርኸኒ ዝነበረ እዩ። መጽሓፉ፡ ኣንቢበያ። ደጊመያ። ሰሊሰያ። ኣየኾረየንን፣ እምበሺ እቲ ንሰለስተ ዓመት ሃረር ዝበልኩዎ ግጥምታቱ፡ ብውከላውነት፡ ሰባዊ፡ ምሳሌኣዊ፡ ውስጠዘኣዊ … ዝቕድታቶም ግጥሚ … ብትረኻዊ፡ ብበይነ-ቚርቊር፡ ብገለጻዊ፡ ብመጐታዊ፡ ብኣእማኒ ዝቕርጽታቶም ግጥሚ፡ ስጋ ለቢሶም ህይወት ምስ ዘርኡ፡ ምስቶም ከም ገጸ-ባህሪ ተፈጢሮም ዘሎዉ ዝተፈላለዩ ግዙፋት ሓይሊ ኣዕሊለ። ገለ ካብዞም ግዙፋት ሓይሊ፥ ህይወት (Life)፡ ተፈጥሮ (Mother Nature)፡ ህላውነት (Existence)፡ ነፍሲ ሰብ (Human Soul)፡ እምነት፡ ባህሊ፡ ኣከባቢ … ወዘተ. ስጋ ለቢሶምስ ከም ገጸ-ባህሪ ኰይኖም ክሓቱ ክምልሱ ገጢሞምኒ። ጋዜጠኛ ቴድሮስ ማርቆስ፡ ኣብ ዳሕረዋይ ገበር’ዛ መጽሓፍ፥ “ጊዜ ዘየቐምርሮ ትእምርቲ ፍቕሪ፡ እቲ ንስለ ሓርነት ረዘንቲ ሓሳባት ብረቂቕ ጥበብ ስውያ ቋንቋ ዜድህይ ተቐናዩ!” ብምባል ንመጽሓፍ ‘ድምጺ ልቢ’ ከምኡ’ውን ንገጣሚ ብርሃነን ገሊጽዎም ኣሎ።
ኣብ ግጥሚ ምልኣት ዝብሃል ኣምር ኣሎ። ምልኣት ማለት ንጽባቐ፡ ሓይሊ ስምዒት፡ ፍሉይነት ኩርናዕ ግጥሚ፡ መበቈላዊ ስእላዊ ሓሳባት፡ ዋሕዚ ቋንቋ፡ ዋሕዚ ህርመታት … ወዘተ ኣጣሚሩ ዝውክል ኣምር እዩ። ምልኣት ዘሎዎ ግጥሚ፡ መለሳ ሰብ ምዃኑ ግጥምታት ብርሃነ መስኪሮሙለይ። ዳርጋ ዝበዝሑ ካብቶም ግጥምታቱ፡ ብቕዲ ውከላውነት ዝተሃንጹ ከም ምዃኖም ከኣ፡ እናኸተንብቦም ሓዲሽ መልክዕ ወይ ሓድሽ መዳይ ህይወት እዮም ዝቕጀሉኻ። ኣብ ግጥሚ፡ ‘ውከላውነት’ ዝጥቀሙ፡ ስምዒት ገጣሚ ብሜላ (ኣንበብቲ ከስተውዕልዎ ብዝኽእሉ) ጌርካ ምትሕልላፍ ንምሕጋዝ እዩ። በዚ መንጽር፡ ኣንበብቲ ከከም ዓቕሞም፡ ናቶም ሓሳበ ዓለም ክፈጥሩ ይኽእሉ። ገጣሚ ብርሃነ፡ ካብተን ውከላውነት ዝተጠቐመለን ግጥምታቱ ከም ኣብነት፥ ‘ጫፋት ክውንነት’፡ ‘የቐንየለይ ወርሒ’፡ ‘ኣጻብዕተይ’፡ ‘እንጣጢዕ’፡ ‘ደንግጸለይ ውሕጅ’፡ ‘ሸዊት ዕፉን’፡ ‘ንረዛን ንገድዋ’፡ ‘ሰራሕተኛ ጽሬት’ … ወዘተ. ይርከበአን። ብሳላ ዝተጠቐመሉ ውከላ፡ ሰባዊ፡ ምሳሌኣዊ ቅድታት … ግጥምታቱ፡ ዕጽፍ ዝርግሕ ዝብሉ ትርጉማት፡ ቅርብ ርሕቕ ዝብሉ መልክዓት፡ ጽዕቕ ወይ ዝልቕ ዝበሉ መልእኽትታት ኢኻ ትረኽበሎም። “እንታይነት ገጣማይ፡ ኣብቲ ብሉጽ ግጥምታቱ ኢኻ ትረኽቦ፡” ዝብል ዘረባ ኣሎ። ነዛ መጽሓፍ ‘ድምጺ ልቢ’ ደጋጊምካ ምስ ኣንበብካያ፡ ብርሃነ፡ እንታይነቱ ጥሒኑ ንመኣዲ ግጥሚ ከም ዘቕረበ፡ ካብ ውቃበ’ቲ ግጥምታቱ ክትርዳእ ትኽእል። ገጣሚ ብርሃነ’ውን ኣብ መቕድም መጽሓፉ፡ ከምዚ ሓንጢጡ ኣሎ፥ “… ዘይፈልጠኒ ኣብ ግጥምታተይ ክረኽበኒ ዝኽእል ይመስለኒ። ሓቀኛ ምስለይን መንነተይን ኣብ ግጥምታተይ ኣሎ። ብዘይ ቀልዓለም፡ ብውሽጠይን ደገይን ኣብ ግጥምታተይ ከም ዘሎኹ እኣምን። ሕልመይን ጋህደይን፡ ባህገይን ትምኒተይን፡ ራእየይን መንገደይን፡ ትጽቢተይን ሃንቀውታይን፡ ሃረርታይን ድልየተይን፡ እምነተይን ስብከተይን፡ ዓለምን ዓለመይን፡ ኲሎም ኣብ ግጥምታተይ ኣለዉ። ብመገዲ ግጥምታተይ፡ ሓንቲ ብፍቕሪ እትልለን እትምእከልን ዓለም ክድኲን እቃለስ። ሰባት ድማ፡ ናብዛ ዝሕልና ዓለም ክውሕዙ ብመገዲ ግጥምታተይ ወትሩ እጽውዕ።…” ከምቲ ዓቢ ደራሲ በየነ ሃይለ ኣብ መጽሓፍ ድኳን ትበርህ፥ “ዑደት ህይወት ዝፈልጡ፡ ብርሃን ሕልምታትን ባህግታትን ዘካፍሉ፡ ጠባያት ናብ ደረጃ ሰብኣውነት ዘብጽሑ’ዮም ዘገድሱኒ” ከም ዝበሎ፡ እዚ ገጣሚ ነዚ ደረጃ በጺሕዎ ከም ዘሎ፡ እዛ መጽሓፍ ምስክሩ እያ።
ካብ መጽሓፍ ‘ድምጺ ልቢ’ ከም ኣብነት ንኸተቕርብ፡ ኣየናይ ሓሪኻ ኣየናይ ክትገድፍ፡ ካብቲ ዝገጠመኒ ዓቢ ብድሆ እዩ። ‘እቲ ካልእ ዓረር’፡ ‘ኣለና ኸኣ ንብል’፡ ‘ልዋም ጓል ተፈጥሮ’፡ ‘ቀንዴል ዘልኣለመይ’፡ ‘የቐንየለይ ወርሒ’፡ ‘ደንግጸለይ ውሕጅ’፡ ‘ፍልስፍና ጽድቂ’፡ ‘ሃረም’፡ ‘ጫፋት ክውንነት’፡ ‘ኣልፋን ኦሜጋን’ … ወዘተ ወዘተ ሓወልቲ ግጥምታት ከም ዘለዋ ስለ ዝተዓዘብኩ። ንሕጂ ግን ሓንቲ ካብተን ድምጺ ነድሪ ነብያት እተዘኻኽረኒ ግጥሚ ከቕርብ።
“ሰኣን ፍቕርን ፍትሕን” (142)
ምስ መተዓብይተይ
ነይርና ተጣፊእና
ተራኺብና፡ ዕላል’ኳ ጀሚርና።
እንድዕሉ ግዳ ዘይኣመሉ
ከም ቀደሙ የለን’ቲ ሞራሉ፡
ከም ፈዳዪ ሕነ
ርእሱ እናነቕነቐ፡
“…ዋዒ ከም ዘስገአ
ጽንጽንታ ሰሚዐ
ብዘይ ምልኣት
እንታይ’ዩ ግን ስግኣት?
“ዘይተሳስይ እንተ ዀይና ንፍቕሪ
ዘይተእንግድ እንተ ዀይና ፍትሒ
እንታይ ኣምጸኦ ፍርሒ
ዓለም ከይትውዒ
ወላ ትምከኽ እንዶ
ከም በረድ ከም ስምዒ፡
“እቲ ዘጽልላ
ናይ ኦዞን ቀጸላ
ይቀደድ ይተርባዕ!
እቲ መንሽሮ ፍቕሪ ብባርዕ ይቀጻዕ።
“ዘይከም ዘመን ኣይሂ
ብዘይ መድቀል ዘርኢ
መንሽሮ ፍትሒ’ውን …
ብመንሽሮ ይጥፋእ።
“እቲ ዘይነበሮ
እንታይ ኣሎ ዝጐድሎ
እንተ እቲ ዓማጺ
ኣብኣ ደኣ ትደዮ…”
ጸጸኒሑ
ይደጋግም ኣብ ዕላሉ
ሕጊ ሃሙራቢ ግዲ ተማሂሩ።
***
ሓደ ግዜ ልእልቲ ዲያና፥ “ግዜ ንምቊጣብ እየ ግጥሚ ዘንብብ፡” ኢላ ነይራ። ሓቃ እያ፣ ንኽግለጽ ሓደ ምሉእ መጽሓፍ ዘይኣኽሎ ታሪኻዊ ፍጻመ፡ ፍልስፍናዊ ሓሳባት፡ ብሓደ ወይ ክልተ ግጥሚ ተኻቲቱን ዝያዳ ተምሳጥ ብዝገድፍ መንፈስ ቈይሙን ይጸንሕ። ‘ኣበሳ ኲናት’ ብኣማኑኤል ኣስራት፣ ‘መርዓት ጓል ስውኣት’ ብመለስ ንጉሰ፣ ‘ካብ ንጉስ ናብ ንጉስ’ ብብርሃነ ገብረህይወት፣ ‘ንገርና ኣክሱም’ ብምሉወርቅ ኪዳነማርያም … ወዘተ. ከም ኣብነት ክውሰዳ ይከኣል። ከም’ቲ ናይ ዲያና፡ ኣህላኺ ናብራ ዓለም ኣብ ግምት ብምእታው፣ ቅርጡውን ዓሚቚን ጽሑፋት ጥራይ ንበብ ዘብለካ ግዜ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ኣናብባ ሕርያ ትገብር ማለት’ዩ። መብዛሕትኦም ካብቶም ዝሕረዩ ጽሓፍቲ፡ ንዓለም ኣብ ሚዛን ሰብኣዊ ርትዒ፣ ንህይወት ኣብ ሚዛን ሰብኣዊ ክብሪ ኣቐሚጦም – ዘመሓላልፍዎ ሓቂ፡ ዝፈጥርዎ ጽባቐ፡ ዘፈልፍልዎ ተምሳጠ-ስምዒት፡ ዝህቡኻ ምልኣት ህይወት … ወዘተ. ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ብሓቂ ሕልፊ ካልኦት ተቐምጦም። ጽባቐኦም፡ ደረጃ ዕብየቶም እዩ። ነቶም ኣቐዲመ ዝዘርዘርኩዎም ሰለስተ ናይ ፈጠራ ጸሓፍቲ፡ ነቲ ድርሰቶም ወይ ግጥሞም ብመጽሓፍ መልክዕ ተዳልዩ ንኸንብቦ፡ ሃንቀው ሃረር ኢለ ክሳዕ ልልው ዝበልኩሉ ምኽንያት፡ ካልእ ኣይኮነን። መልሱ ንጹርን ንጹህን እዩ። ኣብቲ ዝዓየይዎ ጥበብ ወይ ዝፈጠርዎ ጽባቐ፡ መልኣከ-ብልሒ (genius) ዝረኣኹሎም ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ብምዃኖም’ዩ። ሳሕቲ ዘጋጥም ክስተት እዩ። ካብዚኦም ይኹኑ ዋላ ካልኦት ኤርትራውያን፡ ገጠምቲ ይኹኑ ጸሓፍቲ ፈጠራ፡ እቲ ጻዕርን ርቀትን ዝሓለፎ ጽሑፎም፡ ብመልክዕ መጽሓፍ ኣሕቲሞም፡ ንኣንበብቲ ፍሉይ መኣዛዊ ምስትምቓርን ሓድሽ ኲርናዕ ጠመተን ክፈጥሩሎም ክትርእዮም ከለኻ ንመን ባህ ዘየብል። ብዓቢ ስእሊ ክጥመት ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ከብሒ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ሓንቲ መጽሓፍ ከቐምጡ ብምብቕዖም ዓወት እዩ።
ፐርሲ ሸሊ ዝተባህለ እንግሊዛዊ ጸሓፊ፥ “ገጠምቲ፡ ዘይተፈለጡ ሓገግቲ ህይወት ደቂ-ሰባት እዮም፡” ኢሉ ነይሩ። እቲ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል፡ ሰብ ብዛዕባ ነፍሱን ህይወትን እናስተንተነ፡ ንነብሱ ኣብ ዓለም ስነ-ጥበብ ይረኽባ እዩ። ኣብ’ዚ ወሓዚ ስምዒት ዘሎዎ ኣስተንትኖ፡ ብመገዲ ቃላት፡ ድምጺ፡ ቀለም – ስጋ ለቢሱ ስነ-ጥበባዊ መልክዕ ይሕዝ። ሰብ ድማ፡ ክበጽሖ ዘሎዎ ብራኸ ሰብኣውነት ብመገዲ ስነ-ጥበብ ይስቈሮ። ዘይተጸበዮ ውህደት ሓቂን ጽባቐን ስለ ዝገሃደሉ፡ መንፈሱ ብውዕውዕ ስምዒት ዘቕቢቡ ይዕነድ ወይ ይምብርከኽ። ስምዒቱ ተሓቊኑ ድማ ብንብዓትን ስሓቕን መንፈሱ ከጽሪ ይዕጠቕ። ዘየቃለቦ ዝነበረ ርድኢት ህይወት ሃህ ኢሉ ይረኣዮን … ወዘተን። ስነ-ጥበብ፡ ህይወት ደቂ ሰባት ክትመስሎ ዘሎዋ ብጽባቐን ፍጹምነትን ገይሩ የቕርብ እሞ፡ ደቂ ሰባት ድማ ነዚ ፍጹምነት ንኽበጽሕዎ እዩ ጻዕሮም። በዚ ምኽንያት፡ ሓቂን ጽባቐን ዘጣመረ ስነ-ጥበብ፡ ራእይ ናይ ደቂ ሰባት እዩ። እምበኣርከስ፡ ብሓይሊ ስነ-ጥበብ ክንፍወስ ዘድልየና ምኽንያት እዚ እዩ። መብዛሕትኡ ግጥምታት ብርሃነ ገብረህይወት፡ ነዚ ምልኣት ዘጣመረ ኮይኑ ረኺበዮ። ካብቲ ብዙሕ ውሑዳት ንምጥቃስ፥ ‘ካብ ንጉስ ናብ ንጉስ’፡ ‘ኣለና ኸኣ ንብል’፡ ‘ሸዊት ዕፉን’፡ ‘በረኻ ዓድና’፡ ‘ናብራ ኣቦይ’፡ ‘ድሕሪ መገሻኺ’፡ ‘ድራማ ገዛና’፡ ‘ንረዛን ንገድዋ’፡ ‘ድበ’ቲ ዘይድበ’፡ ‘እቲ ካልእ ዓረር’ … ወዘተ ብምንባብ ምልኣት ግጥምታቱ ክስቈረና ይኽእል። ኣብዘን ግጥምታት፡ ብዘይካ’ቲ ዘርእዮ ጽባቐ ኣተሃናንጻ ግጥሚን ኲርናዕ ኣዘናትውኡን፡ እቶም ዝተፈላለዩ ድምጺታት ኣዘንተውቲ (Personas) ካብቲ ዝማረኸኒ እዩ። እሱር ንጉስ ምዃኑ ኣሚኑስ ከእምን እንከሎ፣ ንፍትሒ ትዓብያ ኣምር ከም ዘላ ዘስምር ኣዘንታዊ፣ ጸቓጢ ባህሊ ብዘይ ንሕስያ ዝኹንን ንእሽተይ ወዲ፣ ነቲ ሰናይ ሸነኽ ባህሊ ዳርጋ ናብ እምነት ዘስግር ኣዘንታዊ፣ ዶግዓኡ ብቊዘማዊ ዜማን ቃናን ዘመሓላልፍ፣ ሕልና ሓደ መንእሰይ ልዕሊ ጽልእን ጭካነን ከም መትከል ደው ክብል ከሎ፣ … ወዘተ ብውቊብ መገዲ ተሰኒዱ ኣሎ። ኣብ መኽዘን ዝኽሪ ዝተርፍ ሓይሊ ጦብላሕታ ኣሎዎ።
ገጣሚ ናይ ዝኾነ ሸነኽ ጸግዒ ከይሓዘ፡ ነቶም ኣብ ኩሉ ግጥምታቱ ዘሎዉ ኣዘንተውቲ (ድምጽታት /Persona) ብናጽነት ንዓለም ክርእይዋን ከቃልሑን ትዕዘብ። ኣብዞም ኩሎም ድምጽታት ዝተዓዘብኩዎ እንተ ሃልዩ፡ ነቲ ዘዘንትውዎ ዘሎዉ ኲርናዕ ሓሳባት፡ ብብቕዓትን ምስ ምሉእ ቀልብን ምህላዎም እዩ። ከምዚ ምሁራዊ ኣጠማምታ (intellectual statements) ኣሎዎም። ከምዚ ዓይነት ቅዲ፡ ኣብ ዘመናውነት ማለት ‘ሞደርኒዝም’ ዓይነት ግጥምታት ኣሎዉ። ኣብዞም ግጥምታት ብርሃነ ዝፍጠሩ ዝተፈላለየ ‘መንፈስ-ኣርት’ ሓደ ካብቲ ዓቢ ብልጫ ገጣሚ እዩ። ናይ ገጣሚ ስእለ-ኣእምሮኣዊ ሓይሊ ምስ ንጹር ኣተሓሳስባ ምስ ተጠላለፈ እዩ እቲ መንፈስ-ኣርት ዝፍጠር። ገጣሚ፡ ነቲ ዝደለዮ ‘መንፈስ-ኣርት’ ንምፍጣር ዝተጠቐመሉ ሜላታት ከም፥ መምስ ዓይነት ግጥሚ ዝኸይድ ረምታ፣ መምስ ግጥሚ ዝኸይድ ክብታን ለጠቕታን ዜማታት፣ ህርመት ድምጽታት፣ ዝተፈላለዩ ቃናታት፣ ዝተፈላለዩ ውክልናታት፣ ስምዒትን ርድኢትን ዘዕምቊ ሕርያ ቃላት … ወዘተ. ተደማሚሮም፡ ገጣሚ ዝፈጠሮ ምሕቋን ስምዒታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ‘ቅዲ ሮማንቲሲዝም’ ብዝለዓለ ተጠቒምሉ ምበልኩ።
ናይ ኣጋጣሚ ነገር ኮይኑ፡ ኣብ መጽሓፍ “ድምጺ ልቢ” ስራሕ ለይ-ኣውትን ንድፊ ገበርን ተሓጋጊዘ ብምንባረይ፡ ቅድሚ ናብ ኣንበብቲ ምብጽሓ፡ ደጋጊመ ንኸንብባ ዕድል ረኺበ እየ። ካብ እምብዛ ተመስጦ ዝተበገሰ፡ ስራሕ ለይ-ኣውት ዘንጊዐ፡ ኣብ ‘ኣዶበ-ኢንዲዛይን’ እንከላ’ውን አንብባ ነይረ። ከምቲ ልዕል ኢለ ዝገለጽክዎ፡ ንገጣሚ ብርሃነ ገብረህይወት፡ ብዝተፈላለዩ ግጥምታቱን ነዋሕቲ ቴማታትን እኳ ተላልየዮ እንተ ነበርኩ፤ ዕምቈቱ ከም ሕጂ ኣየቃለብኩን። ጽባቐ ጥበቡ ከም ሕጂ ገይረ ኣየስተማቐርኩዎን። ፍሉይነት ኣተሃናንጻ ግጥሙ ከም ሕጂ ኣይመሰጡንን። ስነ-ግጥሚ (ኤርትራዊ) ትግርኛ፡ ብበዓል በየነ ሃ/ማርያም፡ መለስ ንጉሰን ካልኦትን ኣመና ከም ዝተጸልወ ርዱእ እዩ። ብናተይ ገምጋም ድማ፡ እኩባት ግጥምታት ብርሃነ ገብረህይወት፡ ተወሳኺ ስጉምትታት ከዝልሎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ስነ-ግጥምና ከመይ ክመስል ኣሎዎ ዝእንፍት ቅድን ቅርጽን ንኽተክል ዳርጋ ዝተረፎ የብሉን።
ኣብዛ 200 ገጻት ዘሎዋ መጽሓፍ “ድምጺ ልቢ”፡ 115 ግጥምታት ብምህላዎም፡ ኩሎም ኣንቢብካ ምስ ኣስተማቐርካዮም፡ ብሃብቲ’ቲ ገጣማይ ተደኒቕካ ቅንኢ ኣርት ክሳዕ ዝሓድረካ ትልሎ። ምልከቱ ኣብ ኲርናዕ ኣዘናትዋን ውክልናን ዝተሓጽረ ዘይኮነስ … ናይ ሓሳባት ህርመት፡ ናይ ድምጺ ህርመት፡ መምስ ግጥሞም ዝኸዱ ዜማታት፡ ጽቡቕ ሕርያ ቃላት፡ ቅርጡው ውዳበ፡ መለሳ ዘሎዎም ቃና፡ መንፈስ-ኣርት … እውን ብጽቡቕ ተኻዊኖም ኣሎዉ። ከም ኣብነት ‘እቲ ካልእ ዓረር’ ኣብ እትብል ግጥሚ፤ ከከም ኩነታቱ ቅልጡፍን ዝሑልን ረምታ፡ ስሩዕ ሜተር፡ ከከም ኩነታቱ ብርቱዕን ፈኲስን ህርመት ድምጽታት፡ ክብን ለጠቕን ቃናን ዜማን፡ ንኡድ ሕርያ ቃላት፡ ብሉጽ ኲርናዕ … ወዘተ ኣካዊና ኣላ።
እቲ ካልእ ዓረር፤
ኣብ ከካናለና ማዕዶ ማዕዶ
ከይቅድመኒ ከይቅድሞ
ነገር ወተሃደር ክንተሓላሎ፡
ኣብታ ረፋድ፡
እንታይ ከም ዘርኣዮ
ምንባሩ ኣብ ተጠንቀቕ ረሲዑዎ።
መሪሩዎ ይመስለኒ ናብራ ድፋዕ
ጽዋእ ሞት ብሂጉ ንኽድፋእ፡
ወጺኡ ካብ ሰፈሩ
ኣብ ፊተይ ተገቲሩ
ኣወናዊኑኒ
ከም ዓጋዜን ንሃዳኒ።
ኣዕንቂረ
ሓበርቲ ኣወሃሂደ
ኣነጻጺረ
ኣብ ደረቱ ጸሚደ፡
ክምልዕሶ
ዓረር ከዀልሶ
ትንፋሰይ ሓቢአ
ትንፋሱ ከሕልፎ፡
እታ ቃታ
እናበልኩ ክስሕባ፡
ዘልሓጥታኡ
ኣወዳድቓኡ
ብደም ተዓሊሱ
ኣብ ባይታ ተሰጢሑ፡
ምስ ቀረጽኩ ምስሊ
ምስ መጽኣኒ ስእሊ፡
ነታ ቃታ
ምስሓባን ምግዳፋን
ስኢነ ምውሳን፡
ኣብ ነግ ፈረግ
ወሲዱኒ ሓሳብ
ከየብሎ ጠረግ።
ሓሲበ…!
ንነብሰይ እናረኣኹ ኣብ ነፍሱ
ንመንፈሰይ ኣቐሚጠ ኣብ መንፈሱ፡
ስለ ሕልምታቱ
ስለ ናፍቖቱ።
ሓሲበ’ወ፡
ቃታ ቅድሚ ምስሓብ
ብዛዕባ’ቲ ዝወሰዶ ሓሳብ፡
ሰጢሑ ኣብ ቃልዕ
ዘገደዶ ህይወቱ ክርስዕ።
“ጐበዝ ብዓል ሕልሚ
ሽደን ብዓል ትልሚ
ምስ ነፈርካ ዘይትዓልብ
ኣብ መገሻ ሓሳብ እትጋልብ፡
“እተስፈልል ደኣ እትዝህልል
ነፍሰይ ንኽብድል
እትህበኒ ዕድል፡
ንስኻዶ ትምነን ኣንታ ገንሸል
ንኣኻዶ ሓዊ ንኣኻዶ ዓረር!”
ኢለዮ ብውሽጠይ፡
ከንቅጾ፡ ከቃብጾ
ኣደኡ ክትቀብጾ
ከም ዘይኣሰርኩሉ ተመኪሐ
ስለ ጸላእየይ ብልቢ ራህሪሀ።
ኣሰላሲለ ድሕሪ ሞቱ፡
ምሱል እንተ ዀይኑ
ከይትምእምን ኣሚኑ፡
ከይዝኽትሙ ደቁ
ከይጕህዩ ወለዱ፡
እንተ ዘይመሲሉ፡
ስለ’ታ ኣፍቃሪቱ
ስለ ትልምታቱ፡
ብውርግሪግ ተኸሊለ
ብሓሳብ ደንዚዘ
ኣብ ሓሳብ ጥሒለ።
ድሕሪ ሰም-ሰም ግን
ድሕሪ ምፍራስ ‘ተንሽን’
ተሰዊሩ፡ ናበይ ከም ዘበለ
ካብ ፈተነ ከኣ ድሒነ
ደሓን ይእቶ እንቋዕ ተኸወለ።
***
ኣብ ሓደ መጽሓፍ፡ 115 ግጥምታት፡ እሞ ድማ ዘይቀለልቲ ግጥምታት ከተዳሉ ምኽኣል፡ ጻዕርን ተበላሓትነትን ከም ዝሓለፎ ዘካትዕ ኣይኮነን። ‘ዘሎ’ዩ ዝህሉ’ ብመለስ ንጉሰ፡ ‘ብድሕሪ ማዕጾ – ሕሩይ ቅንየት’ ብሃይለ ቢዘን፡ ኣብ ክልቲኤን ኣስታት ሰሰብዓ ግጥምታት እዩ ዘሎ። መጽሓፍ ‘ድምጺ ልቢ’ ዳርጋ ክልተ ብሉጻት መጽሓፍቲ እኩብ ግጥምታት እያ እንተ በልኩ ኣየጋነንኩን። ደራሲ ብርሃነ፡ ኣመና ፍቕሪ ኣስተማቐርቲ ስለ ዝዓጀቦ ድዩ ወይስ ሃብቲ ግጥምታቱ ደሪኹዎ ክንድዚ ብዝሒ ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ከካትት መሪጹ፡ ዝፈልጦ የብለይን፣ ቊሩብ ግን ሰሲዑ። መጽሓፍቲ ‘ዘሎ’ዩ ዝህሉ’፡ ‘ብድሕሪ ማዕጾ’ ምናልባት ብሰንኪ ሳንሱር መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ እተልዕሎም ኣርእስታት ገደብ ነይሩዋ ክኸውን ይእኽል (ምስቲ እንፈልጦ ሳንሱር ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእቲኻ)፡ ኣብዛ ‘ድምጺ ልቢ’ ግን ዘይተላዕለ ዛዕባ ዘሎ ኣይመስለንን። ፍቕርን ንእስነትን፡ እምነትን ባህልን፡ ምስሉይነትን ሃዚልነትን፡ ግርህናን ድንቊርናን፡ ናፍቖትን ተስፋን፡ ግርምቢጥነት ህይወትን ምጸትን፡ ዶግዓን ምጽንናዕን፡ ህይወት ኤርትራውያን ኣብ ኣልፋን ኦሜጋን እንክጥርነፍ፡ … ምስ ወዘተረፈታቱ. ብቕርጺ ኣዘንተውቲ ግጥሚ፡ ብቕርጺ ገለጽቲ ግጥሚ፡ ብቕርጺ መጐታዊ (Argumentative) ግጥሚ፡ ብቕርጺ ኣእማኒ ግጥሚ፡ ብቕርጺ በይነ-ቚርቊር … ወዘተ. ተሃኒጹ ኣሎ። ኣብዛ መጽሓፍ፡ ሕልፊ ካልኦት መጽሓፍቲ ግጥሚ፡ ዝርጋሐ ዛዕባን ብናጽነት ዝተገጥሙን ኮይኖም ረኺበዮም። ገጣሚ፡ ሳላ’ዚ ብዝሒ ቴማታቱን ግፍሒ ዓለሙን፡ ንኹሎም’ቶም ግጥምታት ብዝተፈላለዩ ቅርጺ፡ መለሳ ብዘሎዎም ቅዲ፡ ብኹሉ ዓይነት ዘይቤ ግጥሚ፡ ዝተፈላለዩ ቴክኒክ፡ ዓይነታዊ ስነ-ስምዒታዊ ህርመታት … ወዘተ. ንኽጥቀም ዕድላት ረኺቡ እዩ። እዚ ካብቲ ዝመሰጠኒ ነገር ናይ መጽሓፍ ‘ድምጺ ልቢ’ እዩ፣ ኣብ ካልኣይ ክፋል እዞም ‘ዓይነታት’ ክዝርዝሮም ተስፋ እገብር።
እዛ መጽሓፍ፡ ፈጠራውነታ ኣብቲ ኲርናዕ ኣዘናትዋኣ፡ ስእሊ ዝፈጥሩ ገለጻታትን ውክልናታትን ዝልለ ብቕዓት ኣለዋ። ብኤርትራዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ መንጽር፡ እቲ ቴማታት ወይ ዛዕባ ግጥሚ፡ ምስ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ዝመሳሰል ክመስልና ይኽእል ይኸውን… ከም ኣብነት፡ ‘በረኻ ዓድና’ እትብል ግጥሚ ክንፍትሽ ንኽእል። ምስ ኤርትራዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኩነት ኣገናዚብና፡ ምናልባት ብሰንኪ’ዚ ዘሎ ስርዓት፡ ዝዓነወ ዓድና፡ ደምበና ወይ ቅርዓትና ጥራይ ይቕጀለና ይኸውን። ብዕምቈት ምስ እትርእያ ግና፡ ብዛዕባ ብርሰት ኣከባቢ ኣበየ ኲርናዕ ዓለም (Environmental concerns, ecology) እውን ይመስል። ይኹን እምበር፡ ገጣሚ ዓለሙ ኣብ ኤርትራ ንኸይሕጸር፡ ንምከናን ውከላን ልዑል ጥንቃቐ ዝገበረሉ ይመስል። በዚ መንጽር፡ እቲ ጥሙሕ ወይ ገጣሚ ከምሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ኣድማሳዊ ትሕዝቶ ኣሎዎ።
ስነ-ጥበበኛ መኮነን ተስፋይ፡ ኣብቲ ዳሕረዋይ ገበር፥ “(ገጣሚ ብርሃነ) ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ዘሎዎ ምልከት፡ ኣብ ግጥምታቱ ተራ ተጻዊቱ ኣሎ። ግጥምታቱ፡ የዘናግዑ፡ የስተንትኑን ንህይወት ብዝተፈላለየ መኣዝን ንኽትጥምታ ይድርኹን። ንቓላት ከም ዝረኸቦም ከም ዘይዘርዎም፡ ኣብዞም ስጥመትን ዋሕዝን ዘይተፈልዮም ግጥምታቱ ይንጸባረቕ። ናይ ግጥሚ መጽሓፍ፡ ህውኽ ኢልካ እተቕርቦ ብዘይ ምዃኑ፡ ድሕሪ ናይ 15 ዓመት ጉዕዞ፡ ‘ንኣንባቢ አዕግቦ ግዲ እኸውን” ብምባል ደፊሩ ኣሎ። ‘ድምጺ ልቢ’ ግዳይ ማሕለኻ ዕብየት ስነ-ጥበብ ሃገርና ዝዀነ ሳንሱር ዘይምዃና፡ ንኣንባቢ ካልእ ዝዓበየ ረብሓ’ዩ። ንልቢ ብርሃነ ደኣ’ምበር፡ ንልቢ ክፍሊ ሳንሱር ክትሰምዕ ስለ ዘይመረጸት፡ ግዜ ክትጽበ’ያ ጸኒሓ። ኣብ ስነ-ግጥሚ ሃገርና፡ ዘይ ንዓቕ ኣበርክቶ ክትገብር ዘለኒ ተስፋ ወሰን የብሉን፡” ብምባል ተምሳጡን ተስፉኡን ገሊጹ።
ገለ ካብ ዝተራእዩ ጌጋታት፥ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዝኸውን ናይ ፊደላት ጌጋታትን ናይ ከ/ኸ ከምኡ’ውን ቀ/ቐ ጸገማትን ነይሩ። ካብ ሰለስተ ዘይውሕዳ ግጥምታት፡ ዘየኽፍእ ግን ከጋጥም ዘይነበሮ ምስባር ማይ-ቤታት ይርከበን። ቅድሚ ነዚ ጽሑፍ ምጅማረይ ከም ተራ ሕቶ ንገጣሚ ትዕዝብተይ ሓቢረዮ ነይረ። እቲ ምስባር ማይ-ቤታት ኣብ ለይ-ኣውት ከም ምዃኑ ሓቢሩኒ። እቲ ለይ-ኣውት ድማ ብኣይ ዝተገብረ ብምንባሩ፡ ተመሊሰ ነቲ ብ’ዎርድ’ ዝሰደደለይን ነቲ ዝተዳለወ ውዱእ ስራሕን ምስ ኣነጻጸርኩዎ፡ ብርግጽ ካባይ ነይሩ እቲ ጌጋ። ከም ተወሳኺ ድማ፡ እቲ ቊጽሪ ናይቲ ገጻት ኣመና ደቒቑ።
26/11/2016