ታሴራ
ሓጺር ልቢ ወለድ ዛንታ
መኮነን ተስፋይ
ንግሆ ሰኑይ’ዩ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2001፣ መብዛሕትኡ ሰብ ሰንበት ዘስዓበቶ ጸቕጢ ባዕጊጉ ምስ ተንሰአ ናይ ሎምን ናይ ጽባሕን እንጀርኡ ከናዲ ነናብ ዋኒኑ ደፋእ፡ ደፋእ ይብል፣ ቁሪ ከበሳ ኣብ ጥርዙ ዝበጽሓሉ ወርሓት’ዩ፣ ቤት ቁርስታት ልዕሊ ዓቐን ውዑይ ነገር ይእዝዛ ይቐድሓ ድማ፣
የማነ ብምኽንያት መርዓ ናይ ኢብራሂም ዓርኩ ኣብ ደቀምሓረ ምስ ሓደረ እታ ተሰቒሉዋ ዝመጸት ኣውቶቡስ ኣብ እንዳማርያም’ያ ኣውሪዳቶ። ኣይደንጐየትን ቁጽሪ ትሽዓተ ኣውቶቡስ’ውን ደበኽ በለት፣ ኣብታ ኣውቶቡስ ተሰቒሎም ዝነበሩ ሰባት መብዛሕትኦም ናብ ቅድስቲ ማርያም ሆስፒታል ኪበጽሑን ኪረኣዩን ዝኸዱ’ዮም ኔሮም። ሓደ ሓደ ድማ ላዕልን ታሕትን ጻዕዳ ቱታ ናይ እቲ ሆስፒታል መለለዪ ዝገበሩ ነይሮም፣ ምናልባት ሞሊቖም ዝወጹ’ሞ ቤተሰቦም ዝመልስዎም ዝነበሩ ይመስሉ፣ የማነ ናይ ሓያሎ ሰባት ገጽ ምስ ኣንበበ። ናብቲ ዝኾነ ነገር ምስተዓዘበ ዘምጽኦ ፍልስፍና ኣተወ፣ “እንተዝጽለል እንታይ ምገበርኩ። መጻሕፍቲ ሒዘዶ ኣብ ላይብረሪ ምወዓልኩ። ወይ ድማ ነብሲ ሕርካም’ባ ንሽጋራ ምበልኩ ወይ’ውን ገነት፡ ገነት ኣምጽእዋ እናበልኩ እምኒ ምደርበኹ. . .” ብዙሕ ሓሰበ። ኣውቶቡስ ኣብ ፈርማታ መካነ ህይወት ሆስፒታል በጽሐት። የማነ ካብታ ኣውቶቡስ ወሪዱ ጽርግያ መቲሩ ናብ ባር ሳሕል ብሌን ተጸጊዑ ድሕሪ ምጉዓዝ ትኽ ኢሉ ናብ ስርሑ እናቐጸለ፣ ኣብ ሆቴል ዓንሰባ ሓዲሮም ዝወጹ ክልተ ፍቑራት ረኣየ። እቶም ፍቑራት ንገነት ዓርኩ ንኽዝክራ ቀሰብዎ፣ ምሒር ድማ ናፈቓ፣ ልክዕ ከምቲ ምስ ገነት እንከሎ ዘርእዮ ዝነበረ ስክፍታ እቶም ወድን ጓልን’ውን ጥምት ኣቢሎሞ ምስ ደነኑ ዝተሰከፍዎ መሰሎ፣
ኣብ 1ይ መደበር ፖሊስ ንኽበጽሕ ግዜ ኣይወሰደሉን፣ ኣብ ህይወቱ ከምሽዑ ተሓጒሱ ኣይፈልጥን። ኣብ ደቀምሓረ ድምቀት መርዓ ኢብራሂም ፍሉይ ጦብላሕታ’ዩ ኣሕዲሩሉ፣ ታሕጓሱ ድማ ንድኻሙ ከዘኻኽሮ ኣይከኣለን፣ ኣብ’ቲ ቤ/ጽ ምስ ቀረበ ንብጾቱ ሰላምታ ሂቡ ናብታ ትጽበዮ ዝነበረት ጸባብ ክፍሊ ኢዩ ኣምሪሑ፣
“ሰላማት ይሙን ደሓንዶ፨” ሓተተ ተረኛ መኰንን ሄኖክ፣
“ከመይ ማለት ደሓን’ዶ ደሓን ዘይኮነ ድዩ ናብዚ ዝመጽእ᎒” ሕቶ ብሕቶ መለሰሉ የማነ፣
“ሰክት እስከ ንስኻ ድማ ሰምብረ ኣንጻር’ዩ መልስኻ”
“ኢሂ ቁሪ ታሕሳስ’ዩ ዘንጸርጽረካ ዘሎ ምሽ᎒ ኮበርታ ተመንጢልካ ዲኻ ሓዲርካ᎒” ሓተቶ የማነ ፍሽኽ እናበለ፣
“ያ ማማ ትሙት ኣብዚ ዘሎ ቁሪ ብካቦት ይኹን ብኮበርታ ክትከላኸሎ ዘይከኣል’ዩ፣ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ግን በጃኻ ናይ’ዞም ተኻሰስቲ’ዩ ኣይከፈለንንዶ፤ ሃሪሙኒዶ፤ ገለ ዶ እናበሉ ጦቕ ኣቢሎሙና ሓዲሮም፣”
“ኤእ እዚኣ ደኣ ሄኖክ ናተይ ኢልካ ሓዛ፣”
“ከልየና በጃኻ ኢለካ ኣነስ ኣብታ ድፍዐይ ምሓሸትኒ”
“ሱቕ በል ሓሳዊ ሕጂ ከምዚኣ ትብል ኣለኻ እንጀራ ማዘርካ ምስ ረኸብካን፡ ኣስመራ ምስ ተመለስካን”
“ኣታ’ሞ ናይ ቀትሪ ኣስመራ ጥራሕ እንተትርኢ እምበር ናይ ምሸት ኣስመራ ንዝፈልጣ ዘይተመኑ ኣምነ ፍሊቆስ ሰብ ምስ ደቀሰ ከምዚ ዘጋጥም ዘይመስለኒ ዝነበረ፡ ሓቁ’ዩ ገጣማይ ኣኽሊሉ ተስፋጽየን ሽዑ’ያ ኣስመራ ኣብ እትብል ግጥሙ፡-
ቀትሪ ሪኢኹም ኣይትፍረዱ
ኣብ’ቲ ከውታ ከይትርዕዱ
ዕቑር ዝወዓለቶ ጸገማ
ለይቲ’ያ ትድሕድሖ እዛ ከተማ ዝበለ፣
“ወይለይ ሄኖክ ኣብ ዋርድያ ዋላ ኢኻ ‘መስለኒ ግጥሚ ከተንብብ ትሓድር ዘለኻ፣ ብጀካ ምቕባል መዝገብ ናይ መዕረፊ ኣጋይሽ እንታይ ሰሪሐ ኢልካ ኢኻ᎒”
“ኣይ ናይ ስራሕስ ይጽናሓልና ዘምጻኣኒ ግዳ ንሱ እንድዩ። ተቐበለኒ’ሞ ገዛይ ከይደ ክድሩም በጃኻ!”
ሄኖክ ረሳሕ ሰማያዊ ጐልፎን ጃኬትን ደሪቡ፡ ኣብ ክሳዱ ቀጠልያ ኣንሶላ፡ ኣብርእሱ ናይክ ዝብል ጸሊም ቆቢዕ ለቢሱ ነቲ ክሳዕ ሰዓት 10፡00 ድ.ቀትሪ ክቕበሎ ዘምሰየ ስም ዝርዝር ናይ’ቶም ኣብ ዝተፈላለዩ መዕረፍ ኣጋይሽ ዝሓደሩ ሰባት ኣቐበሎ፣
የማነ ካብ ሓይልታት ተሳሒቡ ናብ ፖሊስ ዞባ ማእከል ካብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ኣሕሊፉ ነበረ። ኣብ ፖሊስ ምስ መጸ ዝተዓደሎ ሰማያዊ ጐልፎ ስረ ጃኬትን ካምቻን ምስ ጽልሙን ጉልበቱን ኣመና’ዩ ግርማ መጢዩዎ፣ ልዕሊ ዝኾነ ዝወድዮ “ጃዝማ” ኣብ ልዕሊ ቁመቱ ቁመት ስለ ዝደመረሉ ኪሓልፍ እንከሎ ቁሊሕ ዘይብሎ ሰብ ዳርጋ ኣይነበረን፣ ናብ ቤ/ጽ ኪኣቱ እንከሎ’ውን እቲ ብኽራይ ንኣዕሩኽ ዝመጸ ባኖ ኣቐሚጡ ነቲ ወተሃደራዊ ልብሲ ለቢሱ’ዩ መጽዩ፣
የማነ ኣብ 1ይ መደበር ፖሊስ ከም ዲያሪስታ (ተሓዝ መዝገብ) ኮይኑ ተመዲቡ ከገልግል ካብ ዝጅምር’ውን ኣዋርሕ ጌሩ ነበረ፣ ሎሚ’ውን መቐጸልታ ስርሑ ኢዩ ናብ’ቲ ቤ/ጽ ኣትዩ፣ ሄኖክ ምስ ፋክቱር ኣሰንዩ ዘረከቦ ስም ዝርዝር ናብ መዝገቡ ንምስናድ ነቲ ዓመታት ዝገበረ ረሳሕ ረጒድ መዝገብ ካብ ቦትኡ መዚዙ ምስ ኣውጽአ ተመሊሱ ናብቲ ሄኖክ ዝሃቦ ወረቓቕቲ’ዩ ምርኣይ ቀጺሉ፣
ኣብቲ ጠረጴዛ ብዘይካ ቴሌፎን ካልእ ቀንጠመንጢ፡ መንገፊ ሽጋራ፡ ብምትሕሓዝ ዝረስሐት ኮሬክተር፡ ሓዳስ ስቴፕለርን ጋዜጣታትን’ዩ ነይሩ፣ ኣብ ሳንዱቕ ድማ ዝተፈላለዩ ጠፊኦም ዝተአከቡ ንብረት ከም በዓል ፖርቶ ፊልዮ፡ቁልፊ፡ ላይተርን መፋትሕን ካልእን፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኮፍ ዝበለሉ መንደቕ ከኣ ቤ/ጽ ፖሊስ ምዃኑ ተመስክር ምስሊ ኢራብ እናዘለለት ዘርኢ ኣርማ ፖሊስ ተሰቒላ ትርአ።
ዘገላብጦ ዝነበረ ወረቓቕቲ ዳርጋ መሕለፊ ግዜ ዝተጠቐመሉ ይመስል፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዕረፍ ኣጋይሽ ዝሓደሩ ሰባት ኣንፊ ኢሉ የንብብ፣ መዕረፍ ኣጋይሽ ኣኘዘ ዝብል ስም ወዲኡ ናብ ካልእ ምስ ስገረ ገለ ገለ ዝፈልጦም ሰባት ጐፍ ይብልዎ ነበሩ፣ መብዛሕትኡ ዘንብቦ ዝነበረ ኣስማት ወድን ጓልን፡ ጓልን ወድን’ዩ፣ ቀዳመ ሰንበት ንመንእሰያት ፍሉያት መዓልታት’የን፣ ኣብቲ መዕረፍ ኣጋይሽ ዝሓድሩ ድማ ጽምዲ ጽምዲ ኢዮም፣ ነዚ ተርእዮ ናይ ቀዳመ ሰንበት ኩሉ ግዜ እዩ ዝሓስበሉ።
የማነ ምንባቡ ቀጺል ኣብ መዕረፍ ኣጋይሽ ዊንታ ምስ በጽሐ፣ ኣብ ውሽጢ ኣካላቱ ናይ ታህዋኽ ስምዒት ሓደሮ፣ ኣሮን ተስፋይ ኣብ ትሕቲ ዝብል ስም ገነት በራኺ ተመልሶ ቁ.መ.ወ 0458988 ኣብቲ መገሻ ካብ ናብ ዝብል ከኣ ካብ ኣስመራ ናብ ኣስመራ ዝብል ጽሑፍ ረኸበ፣ “እ. . .እ. . .ገነት በራኺ ተመልሶ ቁ.መ.ወ 04. . .58 988. . .እዚ ናይ ገነት ናተይ’ዩ ስለምንታይ ወጺኣ ሓዲራ፨” ዝደቀሰትሉ ክፍሊ ቁ.2 ምስ መን ኣሮን ተስፋይ ሓጐስ. . .ኩሉ ከም ናይ ገነት ኮይኑ ዝደቀሰሉ ክፍሊ ቁ.2። ተሌፎን ደጋጊማ ትጽውዕ፣ ንጻውዒታ ዝስምዓ ኣእዛን የማነ ኣይነበራን። ተለኲተን’የን፣ ምራቑ ደሪቑ መልሓሱ እምኒ ዝተጸቕጠት መሰሎ። ኣብ ክሳዱ ትርአ ዝነበረት መትኒ ዝያዳ ደም ንምትሕልላፍ ኣመና ረጒዳ ትርአ፣ ኣብ ጥቓ ጐረርኡ ዝነበረት ካልእ መትኒ ድማ ትግ. . .ትግ. . .ትብል፣
ንብረት ቤት ጽሕፈት በታቲኑዎ’ዩ ወጺኡ። ብስራሕ ዝደለዮ ሓላፊኡ ካብቴን ጣሃ ከኣ ኣብ ኣፍደገ ጐፍ በሎ፣
“ኢሂታ የማነ እንታይ ደኣ ቴሌፎንካ ተባላሽያ ዲያ᎒”
“እንድዒ” መለሰ የማነ፣
“ከመይ እንድዒ ማለት ኣበይ ዲኻ ጸኒሕካ᎒”
“ኣብ ቤት ጽሕፈት. . .” መለሰ፣
“እሞ ኣብ ቤ/ጽ እንተጸኒሕካ ደኣ ስለምንታይ ቴሌፎን ዘይተልዕል” ተጸዊጉ ተዛረቦ ካፕቴን ጣሃ፣
“ኣይሰማዕኩዋን. . .”
“እንታይ ኣይሰማዕኩዋን ማለት እንታይ ዲኻ ኮይንካ ስለምንታይ ዘይትሰምዓ. . .᎒!” ገጽ ገጹ እናጠመተ ሓተቶ፣
“ኣይፈለጥኩን ጊላኻ ድማ ኣይኮንኩን” የዒንቲ የማነ ደም ሰረባ።
“የማነ ብሓቂ ብሓቂ ንስኻ ዲኻ᎒ እዚ ዘረባ የዋጽኣካ ድዩ᎒”
“በቃ! ሕጂ ተሃዊኸ ኣለኹ ኣይትረብሸኒ፣” ጠንጢኑዎ ከደ የማነ።
ካፕቴን ጣሃ ኣብ ቅድሚ’ቶም ዋርድያታት ስለዝተዳፈረ ዝያዳ ኣሕረቖ፣ “ጽናሕ በል ምሸት ተራኽበና ሚግ ወይ ሄሊኮፕተር ኣሲረካ እንተዘይሓዲረ. . .” እናፈከረ ናብ ዝመጾ ተመልሰ፣
የማነ ኣብ ፍቕሩ ብዘጋጠሞ ሽግር እምበር ንሓላፍቱ ምእዙዝ ንስድርኡ ድማ ተስፋ ኢዩ ነይሩ፣ ካፕቴን ጣሃ ብዙሕ ከይተንቀሳቐሰ የማነ ድሮ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ጥዕና ሓሊፉ ናብ ሲነማ ካፒቶል ገጽ ብታህዋኽ ይጓዓ ነበረ፣
“መን’ዩ ዝእመን ንመን’የ ዝኣምን ገነት ውዒልኪዮ. . . እምበኣር በዓል ስምኦን ንኸይኣምነኪ ብጎቦ ጎቦ ዝዛረቡኒ ዝነበሩ ዘረባስ ዝፈልጥዎ ስለዝነበሮም ኢዩ፣ ኣነ ግን ብፍቕርና ቀኒኦም ዝፈጠርዎ ሓሶት ይመስለኒ ነይሩ” ንበይኑ እናህተፍተፈ ኩርናዕ ቤ/ጽ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ምስ በጽሐ ቅድሚ ምኽታቱ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ቦታ ዘኪሩ ንካልኢት እቲ ሕርቃን ዘሓለሉ። ንጸጋሙ ተጠውዩ ነቲ ባህ ዘብል ተኽልታትን ዕምባባታትን ቤት መንግስቲ ርእዩ ኣይተገደዓዓሰን፣ እኳ ድኣ ሬሳ ዘሰንዩ ቀባሮ መሰሎ፣ ጋራጅ መንግስቲ ሓሊፉ ናብ መዕረፍ ኣጋይሽ ዊንታ ኪበጽሕ ኣይደንጐየን።
ገነት በራኺ ተመልሶ ቁ.መ.ወ. 0458988 ማዕረ ሰሙን ቁጽሪ መንነቱን’ዩ ዝፈልጦ ፣ ምስ ገነት ንሹዱሽተ ዓመት ዝሃነጾ ፍቕሪ በዛ ሰንካም መዝገብ ኪብተን ማለት ዲዩስለምንታይ ገነት ምስ’ዚ ወዲ ሓዲራ ንኣሮን ኣበይ ትፈልጦ ወዲ እዩ ገና እቲ ሕቶ ኣይተመለስ።
የማነ ንገነት ብዓርኩ ሙሴ ኢዩ ፈሊጡዋ፣ ንሳ ንሙሴ ቀረባ ዘመዱ’ያ፣ ድሕሪ ሌልኦም ሙውቕ ፍቕሪ’ዮም መስሪቶም ገነት ማለት የመነ የማነ ማለት ገነት ገዛውቶም ገዛታ ከም ሓደ ኣካል ፈለጥዎም፣ ኣመና ቂሕ። ነዊሕ ጸጉሪ ርእሲ ተሪር ኣፍንጫ ደቀቕቲ የዒንትን ዝወነነት ገነት ከምቲ ሄዋን ንኣቦና ኣዳም ተባሂላ ዝተፈጥረት ገነት’ውን ንየማነ ተባሂላ ዝተፈጥረት ትመስል ነይራ፣
የማነ ዝደልዮ መልክዕ ጓል ኩሉ ኣብ ገነት ረኺቡዎ’ዩ፣ ጸሊም ብምዃኑ ቀያሕ ጓል፥ ጠፍናቕ ስለዝኾነት ተሪር ኣፍንጫኣ፥ ጸጉሩ ኮርዳዳት ብምዃነን ከኣ ሉስሉስ ነዊሕ ጸጉራ ጓል’ዩ ዝፈቱ። የዒንቱ ፍሩያት ኣስናኑ በረድ ስለዝመስል ድማ ብዛዕባ ዓይንን ስናን ብዙሕ ኣይግደስን። ገነት’ውን ብስንን ኣዒንትን ድሕሪት’ያ ትስራዕ። ኣስናና ፋሕ ፋሕ ዝበለ ስለ ዝኾነ ኣብ ኣፍደገ ፋብሪካ ዝቕመጥ መዐሸጊ ብሽክለታ ይመስላ፣ ጠባዮም’ውን ልቢ ንልቢ’ዩ ተራኺቡ። ፍቕሮም ኣብ ጥርዙ ምስ በጽሐ ስድራ ክልቲኦም ፈሊጦም’ዮም፡ ወግዓዊ ሕጸ ኣይግበሩ’ምበር የማነ ንገነት ከም ሕጹያ’ዩ ዝፍለጥ። የማነ ብዝሓለፈሉ መንገዲ ገነት ትሓልፍ። ገነት ንበይና ኣብ ትኾነሉ ግዜ ድማ የማነ’ኸ ተባሂላ ትሕተት፣
ገነት፡ የማነ ኣብ ሃገራዊ ክተት ምስ ተጸውዐ ክሳብ ዝምለስ ጐደሎ ገነት ኮይና’ያ ኣሕሊፋቶ። እቲ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ግን ድልየታ ከማልኣላ ኢሉ ግዲ ኮይኑ ናብ ትሕትኣ ስሒቡ ኣምጺኡዎ። በቲ ዝተመረቐሉ ዓውዲ ስነ ሕሳብ እኳ ኪሰርሕ ድልየቱ እንተነበረ ንሶም ግን ፖሊስ ኮይኑ ከገልግል’ዮም መዲቦሞ፣ ድሕሪ ካብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ምምራቑ ኣብ ቤ/ጽ ፋይናንስ’ዩ ዝሰርሕ ነይሩ፣
የማነ ሰንበት ናብ ደቀምሓረ ኣብ ዝገሸሉ እዋን። ገነት’ውን ናይ መሓዛኣ መርዓ ስለዝነበራ’ያ ካብ የማነ ተሪፋ።
“እህም ለካ ነዚ እያ መርዓ መሓዛይ ኣለኒ ኢላ ዝተረፈት ጓል ዝኣመነን ማይ ዝሓቖነን ተባሂሉ እንድዩ” በይኑ’ዩ ዝዛረብ ነይሩ።
ገነት ናይ መጀመርያ ድንግል ልቡ ዝረኸበታ ጓል ኢያ። ንየማነ ብጽፈቱ ዓይና ዘይተውድቐሉ ጓል ኣይነበረትን። ልዕሊ ደርዘን ካናቴራ፡ ሓያሎ ካምቻን ስረን፡ ምዕሩግ ክልተ ቅያር ባኖ፡ ኣመና ብዙሕ ካልሲ፡ ምሩጽ ጫማታት፡ ከምኡ’ውን ክልተ ጽቡቓት ሌዘር ጃኬት ይውንን። ነተን ጃኬታት ቀያይሩ ክለብሰን እንከሎ ካብ ማዕዶ’ዩ ሰብ ዘሀንን። ገነት ድማ ብኡኡ ትሕበን።
“ስለምንታይ ግን ገነት፡ ካልእ ጓል ሒዘ ሰሚዕኪ᎒”
“መን’ዩ. . .መን’ዩ ገነት. . .”
ንበይኑ እናተዛረበ’ዩ መዕረፍ ኣጋይሽ ዊንታ ኣትዩ።
ኣንሶላታት ንፋስ ኪወቕዖ ኢላ ኣብ ስልኪ ኪትሰጥሕ ዝጸንሐት ሰበይቲ ንየማነ ትኽ ኢሉ ኪኣቱ ምስ ረኣየቶ፣
“ናበይ ደሊኻ ሰብ የለን᎒”
“ንስኺ’ኸ ሰብ ኣይኮንክን᎒” ሕቶ ኣቕረበላ፣
“እሞ ንዓይዶ ሓቲትካኒ ኢኻ፡ ከምዘይሰብ ሸለል ኢልካኒዶ ኣይሓለፍካን።”
“ድሓን ሕጂ ዘረባ ይጽናሓልኪ ኣነ ካብ 1ይ መደበር ፖሊስ’የ መጺአ፡ መዝገብ ናይ ዝሓደሩ ሰባት ደልየ ነይረ፡ ክትህብኒ ኣይምኽኣልክን᎒” ብትሕትና ሓተታ። የማነ እንተምጺኡ’ዩ መትሓዚ ዘይብሉ’ምበር መብዛሕት ኡ ግዜ ህዱእን ኣኽባሪ ሰብን’ዩ።
“ኣነ ኪህበካ ኣይክእልን’የ፡ እቲ ዝምዝግብ ወዲ ኣብ’ታ ኣንጐሎ ናይ እንዳ ቴሌኮምኒከሽን ዘላ ቦታ’ዩ ጋዜጣ ዝሽየጥ”
“እሞ ኣብኡ ኪጸንሕ ይኽእልዶ ሕጂ᎒”
“ሎሚ ሰኑይ ስለ ዝኾነ ጋዜጣ የብሉን ኣይሽየጥን ‘ዩ፡ ምስ ሓንቲ ኣውቶቡስ ፈተሪኖ ኮይኑ’ዩ ዝኸይድ፣”
“ናበይ ይኸውን ዝኸይድ᎒” ሓተታ፣
“ናብ ከረን” መለሰትሉ፣
ብድሕሪ’ዚ ኪዛረቦ ዝኽእል ነገር ኣይነበረን፡ እቲ ዝኾነ ነጊሩ ኪፋነዋ ናብ እንዳ ገነት ገዛ’ዩ ከምርሕ።
ካብ መዕረፍ ኣጋይሽ ዊንታ ወጺኡ፡ ቁልቁል ናብ ባር ትብለጽ ገጹ ቀጸለ፡ ምኒባስ ወይ ታክሲ እንተረኸበ ኢሉ ሓንሳብ ኣብ ጥቓ ዩኒቨርስቲ ዘላ ፌርማታ ደው በለ፡ እንተኾነ ኣውቶቡስ ዘጸቢ ዓቕሊ ካበይ ይምጻእ። ኪጽበ ስለዘይከኣለ ድማ ናብ ፓራዲዞ ብእግሩ ተተሓሓዞ። ሜዳ ቺቺሮ ንየማን ገዲፉ ዓቐበት ስታውያን፡ ድሕሪኡ ከኣ ናብ ቺቸሮ ዓቢ። ፓራዲዞ በጺሑ ቁ.12 ዘለዋ ዛሬባ ኳሕ ኳሕ ከብል ኣይደንጎየን፣ ግዜ ዳርጋ ሰዓት 10፡00 ቀሪቡ ነበረ። ድምጺ ምኹሕኳሕ ዝሰምዐት ገነት ናይ ገዛ ክዳን ለቢሳ’ያ ኪትከፍት መጺኣ፣
“እውይ ይሙነይ. . . መኣስ መጺኻለይ!” ድሕሪ ምባል ዘሊላ ተጠምጠመቶ፣
ሰብ ዘይኮነ ግን ኦም ትሓቁፍ ዘላ መሰላ። ግብረ መልሲ ወይ ካብ ኢድ ወይ ካብ ድምጺ ኣይነበረን።
የዒንቲ የማነ ሰኺሩ ዝሓደረ ሰታይ’የን ኣምሲለንኦ።
“እንታይ ዲኻ ኮይንካ᎒”
“ዋላ ሓንቲ”
“ኖ. . . ኖ. . .ገለስ ኮይንካ ኣለኻ᎒”
“ማማ ኣይደሓንን ድያ᎒” ማማ’ያ ትብለን ንኣዲኡ
“ደሓን’ያ”
“በል እቶ ገዛ. . .”
“መን ኣሎ ገዛ᎒”
“ሊድያ የላን እምበር ኩሎም ኣለው፣”
“ኣይኣቱን’የ ኪኸይድ’የ”
“እውይ ንገረኒ ይሙን ኣይተሻቕለኒ”
“በደልኪ ጠፊኡኪ”
“እውይ ዓቱተይ እንታይ በደል ማለት᎒”
“ኣይትሽሓጥኒ ናብ ሎሚ ዘውግሐ ለይቲ ኣበይ ሓዲርኪ፨”
“ንምንታይ ሓቲትካኒ᎒”
“ኪሓተኪ ስለዝደለኹ”
“እሞ ንምንታይ ሓቲትካኒ᎒”
“ዝሓተትኩኺ መልስለይ ኣበይ ሓዲርኪ᎒”
“ወይለይ ፖሊስ ዓባይ. . .ንኽንደይ ዓመት ድዮም ኮርስ ሂቦሙኻ᎒”
“ከመይ ዓይነት ሕቶ ደኣሉ᎒”
“ነጊረኪ ኣለኹ ኣበይ ሓዲርኪ᎒”
“ኣብ መርዓ ኣምስየ ኣብ ገዛይ ሓዲረ፡ ኣበይ ደኣ ኪሓድር᎒”
“ገዛ ኣይሓደርክን፡ ኣይትሓስዊ ኣሮን ከ ኣበይ ሓዲሩ᎒”
“እንታይ ትብል ኣለኻ መን ኣሮን’ዩ’ዚ’ኸ᎒”
“እቲ ምሳኺ ዝሓደረ”
“እ. . .እ. . .እ ይሙን ጠርጢርካኒ. . .ጠርጢርካኒ ዓሕ ጓል ምዃን፣”
“እንታይ ኮይንኪ ጓል ምዃን ትብሊ ኣብ ሆቴል ዊንታ ምሽ ሓዲርኪ᎒ ብጸልማት ስለዝነበረ ኣይተረድኣክን ምሽ እቲ ቦታ ᎒ኢሂ ምስ ታሴራኺ እንዲኺ ተመዝጊብኪ ቁሩብ ከማን ክትሰርቂ እንከለኺ. . .ኣብ ደገ ኣይከውንን ተጠሊዕኪ ትሓድሪ ኣብቲ ሆቴል። ኣነ’ኮ ፖሊስ’የ ፖሊስ ብፖሊሱ ድማ ተሓዝ መዝገብ። ኣብ ሆቴል ዝሓደሩ ሰባት ስሞም ተመዝጊቡ ናባይ’ዩ ዝመጽእ። ስምኪ ድማ ናባይ መጺኡ ቁ.ታሴራ 0458988 ዶ ኣይኮነን. . .”
“እዚ ትብሎ ዘለኻ የማነ ብልብኻ ኣይመስለንን፣ ንምስክር ገዛና ክጽውዓልካ እኽእል’የ፣ ብዛዕባ ታሴራ ግን ቁጽሪ ታሴራይ ኣይዝክሮን’የ ”
“ስድራኺ ደኣ ምሳና ሓዲራ ይብሉ እምበር ንዓይ ገዛ ኣይሓደረትን ክብሉኒ ደሊኺ”
ገነት ገዛ ኣትያ ነታ ኣብ ትሽትሻ ትሽጐጥ ንእሽቶ ቦርሳ ሒዛ ብምምጻእ ክትፍትሽ ጀመረት። ቁሩብ ናቕፋ. . .ጉርዲ ናይ የማነ ጉርዲ ስእልታት፡መመዝገቢ ቴሌፎንን ሓደ ሓደ ወረቓቕትን . . . ኣውጸ አት፡ታሴራ የለን።
“ ታሴራይ የለን መን ወሲዱዎ እንድዒ፡ ትማሊ ቀትሪ ግን ኣብ ቦርሳይ ርእየዮ ነይረ፣”
“ምሽ. . .የለን ምሽ. . .እወ ምስ ኣሮን ገዲፍክዮ እምበኣር፡ ኣመዝጊቡ ኣይሃበክን ኖ. . .ምስ ታሴርኡ ሒዝዎ ከይዱ፡ ሸርሙጣ የዕሩኽተይ ዝብሉኒ ዝነበሩ ለካ ሓቆም’ዮም!!”
ዝሰደዶ ግናዕ ኢዱ ኣብ ምዕጉርታ ኪሰኣል ግዜ ኣይወሰደን። ምዕጉርቲ ገነት በቲ ተፍቅሮ የማነ ተደፊሩ። እቲ ጽፍዒት ናብቲ ናይ ሓጺን ማዕጾ ከምትላጋዕ ገበራ፣ የማነ ቱፍ ኢሉላ ናብ ዝመጾ ንምምላስ ብታህዋኽ ተጓዓዘ።
ስድራ ገነት እቲ ድምጺ ሰሚዖም ኪወጹ እንከለዉ የማነ ድሮ ጥቓ እንዳ ዘይቲ በጺሑ ብምንባሩ መን ምዃኑ ኣይፈለጥዎን።
ጸግዒ ጸግዒ ገዛውቲ ቁልቁል እናኸደ፡ በቲ ሓደ ስግሩ ድማ ሊድያ ሓፍቲ ገነት ምስ ሓደ ወዲ ተቐራሪባ ዛሬባ ስታውያን ተጐዝጒዛ ትድይብ ነበረት፣ ንየማነ ኣቐዲማ’ያ ርእያቶ።
“እቲ ናይ ፖሊስ ዩኒፎርም ጌሩ ስግርና ዝሓልፍ ዘሎ ወዲ ትርእዮ ኣለኻ ኣሮን᎒”
“እወ እቲ ነዊሕ ጸሊም፣” መለሰላ ኣሮን
“ጽቡቕ ኣለኻ፥ ንሱ ንገነት ሓፍተይ ዓርካ’ዩ፣፡ወረ ሕጹያ ምባል ይቐልል ናይ ሹዱሽተ ዓመት ዕርክነት ኣለዎም፣”
“እምቧእ እንታይ ትብሊ ጓለይ!”
“እውይ ኪፋቐሩ ገዝኦም’ከ ንገነት ኪፈትውዋ ትርእዮም”
“ኖ . . .ሓፍትኺ ድማ ትፍቶ’ያ፡ ሓቀይ የማነ ድዩ ሽሙ፡”
“እወ መን ነጊሩካ. . .”
“ሰባት ኪዛረቡ ሰሚዐ ነይረ”
“ኣታ ኣሮነይ ሰዓት 10 ሓሊፉ ሕጂ ገዛ ኣትየ ተሓጻጺበ ትምህርቲ ከርክብ ክድንጒ ‘የ” በለት ሊድያ፣
“ማዘርኪ ወይ ገነት ሓፍትኺ ከይትግጥም ጥራሕ. . .ደገ ከምዝሓደረኪ”
“ክላ ንስኻስ ኣይግጥማን’የን ኣብ መርዓ ከምዝሓድር ይፈልጣ እንድየን። ገነት ጥራሕ በታ ታሴራኣ ከይትግጥመኒ። ሕጂ ሰተት ኢለ እታ ታሴራኣ ናብታ ቦርሳኣ ኪመልሰላ እየ፣”
“ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ትምህርቲ ምስ ወዳእኪ ደኣ ታሴራ ምጭዳዕ ኪትገድፍዮ ኢኺ”
“እወ! ሽዑ ደኣ ናተይ እንድየ ከውጽእ”
ሰገነይቲ
01/05/2002
2 Comments
wow whta a great job man. keep going brother may God blesse you with all your heart dessire.
Nay bahaki mekeret zelewa zanta abta nay kapiten taha zfkra fekera gn mbzahtom abalat police gn mektsatom kab nay haylitat ztefeleye eyu neyru b ab shela msar ember gemed wey helikopter mkfad aymeslenn slezi abta fekera nay kaoiten taha kurub kir tbleka