(ዋይ ብገለ ተቐዘፍ!)
“ቅዙፈይ’ያ”!?
ኣንታ ጽቡቕ ወዲ
ንዓይ ከኣ ሕጽይተይ’ያ።
ተቓጢብካ ድዩ መናጢልካ
ኬክን ካፑቺኖን ትጋብዛ ምንባርካ፤
ዘልኣለም ብሓደ ክትነብሩ
ምሒልኩም ምንባርኩም ሰሚዐዮ ዅሉ።
ናይ ጓል ነገር
ሓዲሱካ’ምበር
’ታይ ገደሰካ ነብስኻ ተውድቕ?
ሎሚ ትጥለም….
ጽባሕ ማይ ትመስል ተምጽእ።
ቅድሚ ዓመታት’ዩ
’ዛ ዕስራ’ኳ ረገጽኩ’ይረገጽኩ
ከም’ዚ ከማኻ ንእሽቶ ከለኹ
ከም’ዚ….
ኣብ ክንደይ ዓቕመይ
ኣብ ክንደይ ትርኢተይ፤
ኣብ ክንደይ ምትሓዙ
ጸጕረይ እጥቕልሎ
ፍሒሰ ፈሓሒሰ ዝባን ቅንፍዝ አምስሎ፤
ድንን ’ተይሉ
ብኸፊል ዝስጣሕ ኣዕውዲ-መዓዃዅሩ
ዕርቃኑ ክኸድኑ
ጸሓይን ንፋስን ዝቀዳደሙሉ፤
ሓላፍ-መገዲ ረርእዩ ዝንዕቆ
በትኪ’የ ኔረልካ – ወዛል መዓጥቖ!
ሽዑ ሓንቲ መማህርተይ ነይራ
ዝዓብደላ – ኣመና ዘፍቅራ፤
ቅልጽማ ብኢደይ ዓቲረ
ስረይ ከይመልቈኒ ኣእጋረይ ገቲረ
ሸናዕ እንክብለልካ ኣብ’ቲ ጐደና
ይመስለኒ ነይሩ ኣነ’ምበሳ
ሕዛእተይ ድማ ንሳ።
ምሒልናዮ ማሕላ ዘንተ-እለት
ማንም ከይፈልየና ብዘይካ ሞት፤
ምስ ግዜ ግን እንድዕሉ
ኣእምሮይ ክሻቐል ጀሚሩ።
ስምዒተይ በቲ
“ሰዓማ፣ ሕቖፋ….ኣብላ” ይብለኒ
በቲ ድማ
ወዝቢ፣ ቀልጢፋ ትረግፍ ይመስለኒ።
ሓልዮት ማለት ከምኡ መሲሉኒ
ከም ስብሕቲ ለሚን
መላእ ኣካላታ
ገላቢጠ ’ናደራረዝኩዋ
ፍረ ጥብ ከየበለት
ደም ወዲኣ ከይትጥምቡቐኒ፤
ምክንኻን ማለት ንሱ መሲሉኒ
ካብ ገበታ ሽኰር
ከም’ቲ ዓንኳር ሽኰር
ከናፍራ ፈልየ ክመጽዎ’ንክመጽዎ፣
ሓድ-ሓደ ሳዕ ውን ናጽላ ተቐይረ
ከንፈር መሲሉኒ
ጡባ ’ንክሰሃሎ ንቝት ኢለ፣
በቲ’ምቅሩኒ
በቲ የሻቕሉኒ
ኣብ ሓዲድ መልሓሰይ ተጣሒኖም ሕቕቕ ከይብሉኒ፤
እና ተጣበብኩዋ
ንዘልኣለም ከመይ ተናብረኒ፤
ግዲ መዝሚዙኒ
ግዲ ቐቢጹኒ
ብዓቢኡ ፍቕሪ ሓቒቑኒ
ኣብ ኢደይ ሞይቱኒ።
በጃኻ….ትም ኢልካ’ዩ።
ፍቕሪ ግን እንታይ’ዩ!?
ንስኻትኩም ከ’ባ ገለ ፈቲንኩም ዶ?
ማለተይሲ….ዓራት ተማቒልኩም ትፈልጡ ዶ?
ፐፐፐፐእ!…..’ሔውው
ይትረፈኒ ወደይ – ግደፎ።
ብድሕሪኡ’ብለካ
ሕጹያ ርእየ ክርሕቀላ
ክተላልየኒ ክንደይ ተጋዲላ።
መርዓኣ ተቘጺሩ ሰሚዐ
ነቢዐ….ነቢዐ….ነቢዐ፣
ሓሓሲብካ፣ ዘዘኪርካ ብስጭት ጸሊአ
ድሮ’ቲ መርዓ
ካብ’ቲ ከባቢ ሃጽ ኢለ ጠፊአ
እነኹልካ ክሳብ ሎሚ ጠፊአ
ሓዘነይ ረሲዐ
አዘንቱ ኰሪዐ።
ስለዚ….ኣለካ ምሽ
ንዓኻ ዶ ጠፊኡካ
ከም’ቲ ትግጥሞ…..በቃ ተበሊዕካ።
ኣይትብከ’ታ’ጆኻ፣ ቸድ!
ደኒንካ ኸይትነብር
ድንን-ድንን ኣይትበል ከም ሰራቒ
ዕምት ኢልካ’ኮ ትወሓጥያ ሓቂ።
ግዳ መርዓ ከይትተርፍ – ክጽበየካ’የ
ንዓኣ ውን “ብኽብሪ ዓድምዮ” ክብላ’የ።
2-2016
ቦኽረ ገብረየሱስ