ሳልሳይ ክፋል
ተስፊት ኣብርሃም
ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ድማ ኣብቲ ብቸኮቭያን ቅዲ እናተባህለ ዝጽዋዕ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ሓጺር ዛንታ ብምትኳር ኢየ፡ ነዛ “ዕርቂ” እትብል ሓጸር ዛንታ ክድህስስ። ቅድሚኡ ግን እዚ ቸኮቭያን ቅዲ ዝበሃል ብኸመይ ኢዩ መዓቢሉ? እንታይ ጽልዋ ኸ ኣሕዲሩ? ካበይ ኢዩ ኸ ዝብገስ? ስለምንታይ ከ ብስም ሓደ ደራሲ ክፍለጥ ኪኢሉ? ብሓጺሩ፡ ሩስያዊ ኢዩ። ሓደ ካብቶም ጸለውቲ ጽሓፍቲ ዓለምና ድማ ኢዩ። ምስ ብዓል እኒ ሞፑሳንት፡ ኣላንፖን ካልኦትን ማዕረ ማዕሪኦም ከጸውዖ ዝኽእል ኣብ ታሪኽ ስነ ጽሑፍ ሓጺር ዛንታ ዝኽኣለ እምበኣር፡ በቲ ኣገባብ ኣጸሓሕፍኡ ብ ‘ስነ ኣእምሮኣዊ ዛንታ’ ዝፍለጥ፡ ስምዒታትን ምጥርጣራትን ኣብ ኣእምሮ ዝፍጠሩ ጠባያት፡ እቲ ዝገብርዎ ዝርርብ ድማ ነጸብራቕ ናይቲ ምስ ነብሶም ዝመላለስዎ ምጕት ኢዩ። እዚ ብኣእምሮ ዝሰላሰል ዛንታ፡ ምስ ነብስኻን ስጋኻን ኣብ ዲቕ ዝበለ ምጕት ብምእታው ግቡቕ ግርጭትን መፍትሒታቱን ዘለዎ ዋሓዚ ሓሳባት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ሎሚ ብ “ቸኮቭያን ሞድ” ኢዩ ዝጽዋዕ። ምኽንያቱ እዚ ቅዲ እዚ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከብጽሖ ዝኽኣለ ቸኮቭ ስለ ዝኮነ ኢዩ።
እሞ ዛንታ “ዕርቂ” በዚ ቅዲ እዚ ዝተዓየት ስራሕ ድያ? ጽሓፊ እዛ ዛንታ ኸ ነቲ ቅዲ ጥራይ ድዩ ርዒምዎ ወይስ ነቲ ባህልን ልምዲን እውን ከም ዘለዎ እዩ ኮፍ ኣቢልዎ? ትርጕምን ምስጢር ጥበብን ከ ኣንጸባሪቑዶ እኸውን?
ሰናይ ንባብ
!
“ነብሰይ፡ እምብለይ ኣይቀውምን እየ!’ ኢላ ኣብያትኒ። እምባ-ሕልና ወሪድካ ውሽጥኻ ይረአ’ሎ። . . . ” ስለ ዝተሰምዐ፡ ‘ መዋእለይ መዓቡጥ ጸላም ኰይኑ፡’ ትብል ዝነበረት ነብሲ ካብ ስጋይ ተፈልያ ክትኸይድ እያ ወዲኣቶ።” ይብል:
እቲ ኣነ እናበለ ዝትርኽ። ‘ኣነ ምስ ነብሰይ ምስ ስጋይ እናበለ ነቲ ዛንታ ክቕልሶን ክትርዀን ዝርአ፡ በዓል ኣነነት ‘ኣነ!’፡ ነብሲ ክትግስጾን ክትሽድዶን ትርአ። ካብ እምባ-ሕልና ብምርሓቝ፡ ስጋኡ ንኸስብሕ፡ ነታ ናይ ብሓቂ ዓለሙ ብምኽሓድ ኣብ ማዓሙቕ ጸላም ከም ዘስፈራ ንነብሲ፡ እታ ‘ነብሲ!’ ትበሃል እና ተዛረበቶ ትረአ። ደጋጊማ ድማ ንኻልኦት ክትምስጥ ኢልካ፡ ምስ ስጋ ደርቢኻኒ፡ ኣይንረአአ ኣይንሰማማዕ. . . ኰይንና ደርቢኻኒ ድሕሪ ደጊም ኣነ ምስ ስጋ ኣይነብርን እየ። ክኸይድ እየ ናብ እምባ-ሕልና ብምባል ልቡ ክትምልሖን ከተፍርሖን ትርአ። ድሓር ንሱ ንስጋኡ ብምምእኻል ንሓንሳብ ድማ ምስ ስጋ ብምውጋንን ምስኣ ብምስምማዕን ከኣ ክግስጥዋ ወይ እውን ክሸድዋ እፍትኑ እሞ ስጋ ድማ ክትፈርሕን ከተንፈጥፍጥን ድማ ትርአ።
“ስጋይ . . . ንባዕሉ ብፍርሒ እዩ ከንፈጥፍጥ ጀሚሩ። ኣነ ግን ብሓይሊ፡ ‘እንታይ ኰይነ ኢኺ ትብሊ ዘለኺ’ሞ ሕጂ’ ” ምስ በላ
“ውሽጥኻ ኣይትርእን ኢኻ… እወ ምሳኻ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ጽቡቕ ዓለም ቍሊሕ ኢልካዮ ኣይትፈልጥን። ኣብቲ ናይ ብልጭልጭ ግዳማዊ ዓለም ፡ ሓሶትን ሓሰርን ተተርኢስካ እናደቀስካ… ናይ ባዕልኻ ሕልሚ ገዲፍካዮ። ምሕላም ኣቢኻ። ካብ ውሽጣዊ ንስነትካ ነቒሉ ንጽባቐ ርሑቕ እዋናት ዘተምኒ ራእይ ምርኣይ ፈሪሕኻ፡ ኣንታ ፈራሕ… ኣብ ዓለምና ናይ ክልቴና ጸሓይ ፈጢርና ሓቢርና ንሙቕ፡ ሓቢርና ንወነስ፡ ንሳዕስዕ ንቆጻጸ እንተ በልኩኻ እዝኒ ከሊእኻኒ ምሽ! ኣብ ጸላም ደኣ እሞ ክሳብ መዓስ ይንበር…? ስለዚ ኣነ ገዲፈካ ክኸይድ እየ ወሲነ። ኣብኡ ድማ ንዓይ ዝኸውን ዝስእን ኣይመስለንን።” ምስ በለቶ ነብሲ፡
“እዛ ትርኣየና ዘላ ጸሓይ ከ እንታይ ኰይናትኪ…?” ክብል እዩ ምላሽ ዝህባ።
ነብሲ ግን፡ ናይ በዓልኻ ጸሓይ ፍጠር፡ ናይ በዓልኻ ዓለም ፍጠር፡ ንውሽጥኻ ጥሓል ምስ ውሽጥኻ ንበር፡ ጽሓይ ውሽጥኻ ፍጠር፡ ጸሓይ ውሽጥኻ ኣብርህ ካብ ደርገፍገፍ ተገላገል፡ ክትብሎ ትርአ።
እዝን ካልእን ምስ በለቶ፡ ሰብ ምስ ነብሱ ክሰማማዕ ዝደለየ እንክመስል ከምዚ ክብላ እስማዕ፡
“ከተፍርሕኒ እምበር ጀሚርኪ፡ በሊ’ሞ ኣብኡ እንታይ ኢና ክንገብር… ቅድም ንላዘብ።”
“ኣብኡ ካብ ብዘላ ኵርናዕ ምስ ዝመጹ መሳቱ ንራኸብ’ሞ ነዋግዕ፡ መራሕቲ መገዲ ኣለዉ ክቕበሉና እዮም። …”
ከምኡ እውን ፈላልዮም ጥዋፍ ከም ዝዕደሉ ኣይሓባእትሉን። ነታ ንእሽቶ ብርሃን ጥዋፍ ብኸመይ የዕብያን ብኸመይ ዓለሙ የማእዝናን ናቱ ብልሕን ራእን ከም ዘገድስ እውን ነጊራቶ ኣላ። ሽዑ እውን ነቲ ንስጋኡ ከሕጉስ ኢሉ ዝገበሮ እልቢ ዘይብሉ ጌጋታት በብሓደ እናመጸ ክሪኦ ምስ ጀመረ፡ ነቲ ናይ በሓቂ ንሱ ክረኽቦ ከም ዝኽእል እውን ኣይሓባእትሉን።
እቲ ግርጭት ኣብ መንጎ ሰብ፡ ስጋን ነብስን እናዕ አየ ክኸይድ እረአ እሞ፡ እቲ ዛንታ እናተፈጸመ ክኸይድ እንከሎ ከኣ፡ ሰብን ስጋን ንናይ ነብሲ መትከል ክርዕምዎን ክረድይዎን እስምዑ። ኣዘንታዊ ሰብ ድማ ከምዚ ክብል ነቲ ዛንታ እቕጽሎ።
“…ኣብ ምግምጋም እምባ-ሕልና ምስ በጻሕና ስጋ፡ ‘እዋይ እቲ ጉደይ ሎም መዓልቲ…! ኣንቲ ነብሲ ሓብተይ እቲ ርጉም ሰብ እንድዩ ፈላልዩና እምበር ክሳብ ክንድዚ ዘባጽሕ እኳ ዘይነበረና… ዘይ ክልቴና እንተሰሚርና ኢና ሰብ ንሰርሕ… እንታይዶ ኣለዎ እዩ ክልቴና ዘይ ንሰማማዕ ግዳ…” ምስ በላ፡ “ሕጂ ኣይኮነን ነብሲ ሓብተይ ዝበሃል ፡ በይንኻ ክትዕንድር እንከለኻ ክትዝክረኒ ነይሩካ… ዘርባዕባዕ ግዜኡ ኣይኮነን…” ኢላ ገጽ ከልኣቶ። ኣነ’ውን ኣየናሕሰኹሉን፡ “ሃዝራጥ ጨናዊ ስጋ! በይንኻ ክትሰብሕ እንከለኻ ደኣ ንነብሲ ኸ ዘይትብለኒ… ይኣኽለካ ሕጂ ኣይተዕገርግረኒ…” በልክዎ።” ከም ዝተባሃህሉ የዘንትወልና።
ቅድሚ ናብቲ በሪሕ ሕልና ምድያቦም ግን ንነብሲ ዝተፈላለየ ሕቶታት ከውርድ ይርአ። ምስ ደየብኩ እንታይ እየ ክገብር? ዕግርግር ደኣ ከይብለኒ?. . .ዝብሉ ሃለውለው እኳ ከውሕዝ እንተተርኣየ። ነብሲ ግን ንኹሉ ብትብዓት ክትምልሶ ትርአ።
“ብድሕሪ እዚ ስጋ ዘበለ ብጸጋም፡ ነብሲ ዝዀነ ድማ ብየማን ክኸውን፥ ‘ስጋ… ታኼላ ድንቍርናኡ ምስ ደረቐ፡ ጩራታት ብርሃን ነቲ ድቕድቕ ጸላም ውሻጠኡ ክሰናጥቑ ምስ ጀመሩ ባዕሉ ከለልን ክረክብን ክጅምር ኢዩ።
. ”
“. . . ቀስ ብቐስ ስጋን ነብሲን ኣብ ዋላ እናተሰቕሉ ውሽጦም ከለልዩን ክርእዩን ትብዓት ረኸቡ. . . ።”
“እቲ ብፍርሒ ንእምባ-ሕልና ዝወረደ ስጋዊ ኣካል ቁሩብተይ ከለልያን ብማዕዶ ክርእያን ምስ ጀመረስ ስሒቑ። . . . ”
ዕርቂ ብስነ ኣእምሮኣዊ ዛንታ ዝተሃንጸት ዛንታ ኰይና፡ ብሰለስተ ኵርናዕ እናተቐለሰት ናይ ንጥርጣር መንፈስን ስምዒትን እናርእየት ድማ ትዝንቶ። ንሰብኣዊ ኣነይንነትን ስጋን ድማ ነብሲ ክትስዕሮምን ከተስግዶምን ትርአ። ኣብ እምባ ሕልና ክነብሩ ከም ዘለዎም ድማ ብምርኣይ ኣብ እምባ ሕልና ሰቒላ ብሞራላዊ ወይ እውን በቶ ኣድናቖታዊ ዛንታ ብምውዳእ ከኣ እታ ዛንታ ትዛዘም።
ኣብ ዝመጽእ ክፋል ራብዓይን ናይ መወድኣታን መጽሓፍ ተረፍ፡ ንዘለዋ ድኹም ጎድኒታት ብምድህሳስ ክዛዝም እየ።