ቦኽረ ገብረየሱስ
ኣጻብዕቲ ኢደይ ንጅማውቲ ኢደይ እምበር ንተመኵሮ ቃንዛን ስቓይን እግረይ ከዳምጹን ክእዘዙን ኣይክእሉን። እንተ ዝኽእሉስ’ባ ዕምረይ ምሉእ ብኢደይ ዝጸሓፍኩዎ ብዘይ ፍረ ኣይምተረፈን። ብኢደይ ዝጽሕፎ ኵሉ ሃተውተው ካብ ኰነ ብእግረይ ንምጽሓፍ ከመይ ዘይፍትኖ። ምሉእ ኣካለይ፣ ሕማቕን ጽቡቕን ክብደት ሓሳበይ፣ ዓዘቕቲ ስምዒታተይ – ኵለንተናይ ተሰኪሙ እናነበረ ዘይርብርብ ጸዋር እግረይ፣ ተሞክሮኡ ንምጽሓፍ ዝኸብዶ ዕማም ኣይኰነን።ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ስጕምተይ ብእግረይ ንዝወቕዖ ‘ዓሻራ’ ተመሊሰ ብኢደይ ክድምስሶ ኣይክእልን’የ። ኢደይ ኣብ ጁባይ እየ ዘእትዎ። እንተ ዘይኣተወ ውን ክልቲኦም ክረዳድኡ ስለዘይክእሉ እቲ እንኮ ኣማራጺ ናይ ኢደይ፣ ክሕደት እዩ። ብዛዕባ ውዕሎ ናይ እግረይ ንኽጽሕፍ ድማ ምስ ዓይነይን እዝነይን እዩ ዝመሳጠር። እንተዀነ ግን እግረይ በዚ ክድዓት’ዚ ተስፋ ቈሪጹ ኣይዕጸፍን እዩ።
እግረይ’ዩ መናብርቲ ሓመድን መሬትን። ብዕልግና ኢደይ ድኣ መወዳእታ መኣስ ኣለዎ። ሓመድን ደሮናን ብቛንቋ ኢደይ “ርስሓት” እዩ ዝባሃል። ፍጥር ካብ ዝብል ምስ ሓመድ ዝተፋትሐ ክፍለ-ኣካል ከመይ ገይሩ ንዛንታ እግረይ ከይጠማዘዘ ክጽሕፍ ይኽእል፧ ኢደይን ገጸይን ከጽሪ ዘጥፍኦ ግዜን ንዋይን ኣደብ የብሉን። ንእግረይ ግን ክንድኡ ክንክን ገይረሉ ኣይፈልጥን። ስለዝፈርህ እምበር ስለዝህከ ኣይኰንኩን። ኣብ ነቓዓት እግረይ መላሲ ኣውያት ከይረኸቡ ዝሃለቑን ብቓንዛ ትልኽ ዝብሉን ኣእላፍ ሓቅታት ኣለዉ። ኢደይ ኣብ ጫካ ምስሉይነት ኣሸፊተ ንዓኦም እናከሓድኩ ክስሕቕ ጥራይ እዩ ዘለኒ። ወሪሰ ዝለመድኩዎ ናብራ ውን ንሱ እዩ።
ዝውዕሎን ዝዝንተወለይን፣ እግርን ከበሮን እዩ። እሞ ድማ ብዘይ መለሳ – ኵሉ ግዜ። ኲናት ዝወዓልኩ ባዕለይ ክነሰይ መን’ዩ ብዛዕባኡ ልዕለይ ዝዛረብ፧ ህርመት እቲ ዘቃትል ዘሎ ሓመድ ንምፍላጥ እንተ ዝድለ ክሕተት ዝነበሮ እሙን ምስክር እግረይ ጥራይ እዩ። ዓይነይ ውቅዒት ከነጻጽር፣ ኢደይ ድማ ተተመሪሑ ቃታ ክስሕብ፣ ኣብ ከቢድ ስራሕ እዮም ነይሮም። ንኢደይ፣ ኲናት ማለት ኪንዮ ሰብ ምቕታል ካልእ ትርጉም የብሉን። ኪንዮኡ ድማ ክጽሕፍ ኣይክእልን። ብእግረይ ተጻሒፉ ዝተሰነደ ታሪኽ ክሳብ ዘይሃለወ፣ ዝተጻሕፈ ሓቂ ብጥራሽ የለን።
ኢደይን ድፉናት ህዋሳተይን ድምጺ ተተኳሲ እናሰምዑን ፈለግ ደም ክውሕዝ እናረኣዩን፣ እግረይ ግን ንዛራ ንብዓት’ዩ ዝቋመት ነይሩ። ኢደይ ኣብ ማዕዶኡ’ምበር ኣብ ጐድኑ ዝፈስስ ደም ንምርኣይ ኣይተዓደለን። እግረይ ግን ማንታ ንብዓትን ማንታ ኣውያትን ኣጣሚሩ ይዕዘብን ይሰምዕን ነይሩ። ንብዓት ኣዴታተይን ኣዴታት መዋግእተይን፣ ካብ’ቲ እሳት ብሰላም ንኽወጽእ ተኣኪቦም እናወሓዙ ጸሎት ይገብሩለይ ነይሮም። እቲ ከብዲ እግረይ ጥራይ ዝፈልጦ ብረስኒ ዝተለብለበ መሬት ድማ ነቲ ንብዓት ኣህፊፉ ኣብ ብራኸ ሰማያት ናብ ሃሳስ ናይ ሰላም ደበና ቀይሩዎ። እንተዀነ ግን ኢደይ ናብ’ዚ ደበና’ዚ ጥሉል ቀለም ተፊኡ ናብ ዝናብን ራሕስን ክቕይሮ ዘኽእል ብቕዓት የብሉን። ነቲ ክኣጕዶን ክዕጠኖን ክስሕኖን ዝወዓለ፣ ብትክን ደሮናን ዝጸለመተ ትርኢት ጥራይ እዩ ዝጽሐፍ። ንጸላም ኣሕሊፍካ ዝረአ ብርሃን የለን። እግረይ ግን “ኣሎ’ምበር!” ብምባል እዩ ዝከራኸር።
ንንብዓት ኣዴታት ናይ’ቲ ከማይ ንሓዊ ዝተፈርደ መታዅስተይ እንታይ ትርጉን ኮን ተዋሂቡዎ ይኸውን፧ እምበር ንብዓት ኣዴታተይስ “ንብዓት ሓበን’ዩ” ዝብል ስም ጠሚቖምዎ። ብዝወግእ ጓሂ ንዝተዓጀበ ንጹህ ንብዓት ካልእ ቅኔ ወጺኡሉ፣ ተዓሊሉሉ፣ ተዘሚሩሉ። ሰብ እምበር ኣራዊት ኣይኰንኩን። ሰብ ድማ ካብ ሰብ’ዩ ዝውለድ። ይትረፍ ኣዴታተይ፣ ኣብ ዝዀነ ዓለም ውን ኣብ መግረፍትን መቕዘፍትን ውላዳ ትዕልል ኣደ ንፈውሲ ማሕላ ኣይትርከብን። ኣዴታተይ ኣብ ጥፍኣተይ መታን ክዕልላ “ኣዴታት ጀጋኑ” ዝብል ሞቕሽሽ እዩ ዝዕደለን። ሕሰም ዝጸውዓቶ ትእዛዝ ስለዘይስገር ግን ንውሽጢ እናነብዓ ንግዳም እየን ዝዕልላ።
ምስ ዘፍረየኒ ማህጸንን ዝረግጾ መሬትን ክከሓሓድ ዘይፍተኖ ወቕቲ የልቦን። ብሓቀኛ ጠለብ መሬትን ብውቃበ ሰብ ዙፋንን ንዝጥበሶ ረመጽ ፈላልዩ ዝተገንዘበ፣ እቲ ዛጊት ፈላጢ ዘይረኸበ እግረይ እዩ። ብትእዛዝ ንዝዓይዩ ህዋሳተይን ንሓሳዊ ኢደይን ምጽማም ኣብ ዝስእነሉ’የ’ምብኣር “እግረይ” ናብ ዝመርሓኒ ዝጠፍእ። ጠፊአ’ወ – ከም ሕሱም ጠፊአ!! ካብ ኢድ ሰብ ዝተነፍገትኒ ሰላመይ ኣብ ምድረ-በዳን ምንጋጋ ዓሳን ሃደንቲ ኰላሊትን ክረኽባ ስጕምተይ ቀጺለ – ኣብ ዘይእቶ ኣትየ። “ኣነ’የ ሓቀኛ” ዝብል እንተ ዝህሉ ድኣ ደው ዘየብለኒ፣ ሕጅስ መንገደይ እቕጽል እንድየ ዘለኹ። ብደሮና ሓሶት ስለ ዝተደፍነት ተቐቢራ ትተርፍ ሓቂ ግን የላን። ኢደይ ንኽውንነት ተማእዚዙ እንተ ዝጽሕፍ፣ እግረይ ብነድሪ ናይ ፈጃዕጃዕ ዝበሉ ሓቅታቱ ተሳሒቡ ናብ ገደል ኣይምኣተወን።
ንውርደተይን ጥፍኣተይን ዝተሃወኹ ብቐሊሉ ከምዘይጠፍኣሎም ስለዝፈልጡ ጸላእቲ እዮም ዘብዝሑለይ። ቍጽርን መዝገብን ናይ’ቶም ብሸሞንተ መኣዝን ዘለዉ፣ ጸላእተይ ምዃኖም ዝንገረኒ ድማ ብኢደይ’ዩ ዝጸሓፍን ዝተሓዝን። ጸላኢኡ ከም ጸሓይ ቀትሪ ኣነጺሩ ዝፈልጥ ግን ሕጂ’ውን እግረይ ጥራይ እዩ። ብመረዳእታ እግረይ ጸላኢ ማለት እቶም “ጸላኢ” ዝብል ቃል ዝምህዙን ብኡኡ መሶቦም ዝመልኡን መልሓሰኛታት እዮም። ሰላምን ዕቤትን እምበር ጽልእን ክፋእን ዝምህረኒ ኣይሰኣንኩን። ንዕብለላ ስምዒታተይን ዕንደራ ኣጻብዕቲ ኢደይን መሊኸ ንእግረይ ኣብ ሓመደይ ዘንግሰሉ ግዜ ኣብ ቀረባ እዩ ዘሎ። ብዘይ እግሪ፤ ‘ዓዲ-ውዑል’ ስለዝኸውን ግን፣ ጥዕና ነዘን ዘይሕለላ ኣብራኸይ። እቲ ምንታይ ብኢደይ ዝኸዳ ሓንቲ ስድሪ’ውን የላን።