ኣንታ ጸሓፊ
እቲ ቀደም
ምስ ሕልና ክትጋጠም
ብርዕኻ ጠሚዕካያ ኣብ ደም
ጽሑፍካ ኔሩ ናይ ደም ቀለም።
እንታይ ደኣ ሎሚ
ምስ ስጋ ትቀዳደም
ናይ እንዳመን መርገም ?!
ስጋኻ ድማ ስጋ ደሪቡ
ጻዕዳ ብጻዕዳ ብስብሒ ዘቕቢቡ
ናይ ኣመል ከይተርፍ
ብርዕኻ ጠሚዕካያ ኣብ ስብሒ
ደም በቒቕካ ኮንካ መጻዕደዊ
ኣንባቢ እውን ንጽሑፍካ ጎሲዎ
ጻዕዳ ቀለም ኣብ ጻዕዳ ወረቐት ኮይኑዎ።
መለስ ንጉሰ
ካብ ናይ ግጥሚ መጽሓፍ “ዘሎ’ዩ ዝህሉ”