ሚካኤል መዓሾ
ዝኸበርኩም ፈተውቲ ንባብ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትና ዝግብር ናይ ነጸኹኻ ወይ’ውን ኣቘንጀኹኻ ዝዓይነቱ ዝተወዳደበ ኣነጻጽያን ኣወዳድሳን፣ እሞ ድማ ብጉጅለኣዊ ጥርናፈ ዝማእኸለ ይመስል። ብዙሓት ሰባት ነንባዕሎም እና ተጻዋውዑ ክወዳደሱ ወይ ነቲ ካልእ ክዝልፉ ይርእይ’የ። ካብቶም ዝወዳደሱ ግን ክውንነታዊ ነቐፌታ ወይ ህየሳ ክንብሩ ኣይረአኹን። እዚ ኸኣ ንዘይልኡምነት ባህርያት ናይዞም ጉጅለኣዊ ጥርናፈ ዘምልከት እዩ። ብሓቒ ብፍቕሪ ዝወዳደሱ እንተዝዀኑስ ክንደይ ኮን ምስተሓጐስኩ። ንሓደ ከተጥቅዖ ዝደለኻ ነቲ ዘፍረዮ ስለ ዝወንጀልካ ስዒሩካዶ ወይ ስዒርካዮ፧ ግን ባዕልኻዶ ኣይኰንካን ካብኡ ከምትኸፍእ ትሕብር ዘለኻ፧ ሓንቲ ነገር ዘሩለይ እትዝክርዎ ነቓፊ፣ (ይቅሬታ ሃያሲ ከይብል ሃያሲ ስለዝሰኣንኩ እየ) ንጸላኢኡ ዝወደሰ እንተሎ ኣዘክሩኒ። ንሓደ ስነጥበበኛ ብውላቃዊ ባህሩ ስለዝጸላእካዮ ንስርሑ ዘጽልእ ዘሎ ኣይመስለንን። ኣብዚ ዝዕዘቦ ግን እንድሕሪ ምስቲ ሰብ ጽል ኢ ሃይልዮውም ይትረፍ ንስርሑ ብዓኒ ነቐፌታ ጠሚቶም ክህይስዎ ላይክ’ውን ክገብሩሉ ኣይደልዩን’ዮም። ንዝጸሓፎ ጽሑፍ ከይንበብዎ ክሓልፉ ኣይደልዩን። ምናልባት ደኾን እቲ ጸሓፊ ብዛዕብ ኦም ከይጽሕፍ ስለዝፈርሑ ነብሶም ኣብቲ ጽሑፍ ክልእሽዋ’ዮም ዘንብቡ’ውን ዘብል’ዩ ኩነታቶም።
ሎሚ ሎሚ ነቐፌታ ከም ጸርፊ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። (እቲ ዝገርም፣ ህዝባዊ ግንባር ነታ ነቔፈታን ነብሰ ነቐፌታን እትብል ኣለባሚት መስመር ኣብ 1991 ሓዲዳ በቲኹዋ እዩ።) ንሓደ ጌጋኡ ኣንተረዲኢኻዮ ብድሕሪኡ ከም ጸላኢኡ ዘርእየሉ ምኽንያት እንታይኮን’ዩ። ወይ ብፍሉይ እንተወዲስካሉ ንግሆ ንግሆ ናይ ምስጋና ወይ ከምቲ ዝወደስካሉ ይመልሰልካ። በዚ መንጽር ብምንቃፍን ብምንኣድን ዘይሚዛናውያን ንኸውን ኣሎና። ሃያሳ መነጸሪ ጥበብዶ መፍደዪ ሕኒ፡ ክሳብ ዝተሓዋወሰኒ ኰይኑ ኣሎ። ገሌና መፋቐሪ ገሌና መፍደዪ ሕነ ገሌና መተዓረቂ ንገብሮ ኣለና። ወይ ካብ ባዶ መጕላዕለዒ ስም። እቲ እንጽሕፎ ክስቶ ዓርከይ ከይቅየመለይ ወይ’ውን ንዕኡ ከሕጐስ እምበር፡ መን ናበይ እዩ ኣንፈቱ፧ እንታይ ኢሉ፡ ብኸመይ ኢሉዎ፧ ኢሉ ብርቀት ዝጸሓፈ ኣሎ ክብል የሕፍረኒ እዩ። ስለምንታይ ኢና ስነ-ጥበባውያን ተነቀፍትን ነደርትን ንኸውን ዘለና፧ ዝበዛሕና ሞያዊ ትምህርቲ ስለ ዝውሕደናዶ ይኸውን፧ ክምልሶም ዘይክእል ኵምራ ሕቶታት ኣለውኒ። ንሓደ ሰብ ንሓንቲ ደቒቅ እኳ ትሕዝቶኡ ካብ ስምዒት ወጺና ከነስተማቕረሉ ዘይንኽእል፣ እንታይ እዩ እቲ ሽግር?
ኣብ ዛራ ገጠምቲ፡ ንሓደ ሓወልቲ ክዀነና ንምነዮ ዝነበርና፣ ንምጥቅዑ ዝተኣጕደ ስዉር ሓዊ፣ እሞ ኸኣ ብኣዝዩ ቅሌታዊ መንገዲ፣ ክሳብ ሕጂ እዩ ዝረኣየኒ። ንሱ ግን ደሓን ይእቶ በቶም ኣበህረርቲ ዝዀኑ ቓላቱ ቐልጢፉ ነቲ ዅነት ተቛጻጺሩዎ። ካብ ኵሉ እቲ ኣብ ኤርትራ ላሽ ዘበልና ክግስግስ ንዝደለየ ምቍርማድ፣ ካብኡ ሃዲመ መጽየ እንተበልኩስ ኣብዚ ብዝኸፈኤ ምጽናሑ’ዩ ዘገርም።
ሓደ ካብ ልቢ ትፈትዎ ስነ-ጥበባዊ ንስራሑ ዝቃወም ርእይቶ ሰለ ዘንበርካሉ እሞ ካብቲ ዝነበርካ ሌላ ተሓኸኸካ፡ ክትግረም የብልካ። ንሱ ክትውድሶ ኣምበር ክትነቅፎ ኣይተላለየካን ማለት’ዩ። ሓደ ዝጸልኣካ ኸኣ ንዕኡ ዝውድስ እንተጸሒፍካ፡ ንጽባሒቱ ሰላምታ ተሊኡኹልካውን ክሕድሰካ የብሉን። እሞኸ ደኣ ግድን ወደስቲ ዲና ክንከውን ዘለና? ማለተይ ከነሕጐሶም ኢልና ተወደስና ወይ ከነሕርቆም ኢልና ተነቒፈናስ ሓሰውቲ’ዶ ኣይኰናን ንኸውን ዘለና። ሓቂ እንተሓዝናዶ ኣይምፈተዉናን። እንህቦ ርእይቶ ንሌላና ኣብ ግምት ዘእተወ ድዩ ክከውን ዘለዎ፧ ሌላናስ ኣብ ላህመት ጥበቡ ከመይ ዓይነት ተክኒካዊ ሜላ ከምዝተጠቕመ ጥራይ እየ ክሕግዘኻ ዝኽእል። ማለት ነቲ ዘምበሮ ጽንሰ ሓሳብ ወይ ጥበባዊ ትርኢት። እቶም ዝወዳደሱን ዝተሃያየሱን ሰባት ብደቂቕ እንተሪኢናዮም ኣብ ሓደ ዓንኬል ዘለዉ እምበር ኣብ መንጎኦም ዘይምቅዳው ዘይምፍላጥ ዘለዎም ኣይኰነን። ግን ፍትሓዊ ክትመስል ናይ ተጻይካ ስለ ዝወደስካ ፍትሓዊ ትውን ዲኻ፧ ሓቂ ዅሉ ግዜ ሓንቲ’ያ ሕብራ። ፈርያን ደሚቓን’ውን ትረኤ።
ኣሕዋት፣ ካልእ ዝርእዮ’ውን ኣሎ። ዝወሃበና ርእይቶን እንህቦ ርእይቶን ብኽብሪ እናተጻዋወርና ንፈጽሞ፣ እንጽሕፎ ጽሑፋት ካብቲ ነቲ ሰብ ዘሕርቐልናን ዘሐጉሰልናን ንገዛእ ነብስና ዘምዝነና ይበዝሕ ኣሎ። ክንነቅፍ ከለና ነቐፌታና ሜላዊን ካብ ስምዒት ወጻኢን ንግበሮ። ግን ተሪር ርእይቶ መልእኽቲ ዘለዎ ኣይንሃብ። ማለተይ ኣይኰን ሓቂ እንተዀይኑ ንኸይጽሕፍ ተመኸርናዮ ኣገዳሲ‘ዩ። ግን ጭብጢ ነቕርበሉ። ኣብ ክንዲ ሽምጠጣን ዘቐራን፣ ወይ ደረቕ ስምዒት ነንጸባርቕ ብህድኣትን ሞያውን ብዝዀነ መንገዲ ንፍትኖ። ብሓቂ ሓቂ ዘለዎ ስምዒት እንተዀይኑ ግን ከነንጐጉዶ ንኽእል ኢና። ግን ነቲ ሰብ ዝነቅፍ ወይ ንሓሳቡ ዝቃወም ብቑዕ ዓቕምን መርቶዖን ከንቕርብ ኣሎና። ብድብድብዱ እኳ እንተዀነ ክንዘዛለፍ የብላልናን። ሓቂ ዝዓብለሎ ስምዒት ግን ኣይጽላእን። ውስጠዘኣዊ ህየሳ ወይ ነቔፌታ ካብ ዝርእይ ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ። እቲ ሎሚ ዝርእዮስ ኣድልዎ ወይ ውስጠዘኣዊ ጸርፊ እዩ። ነዚ ሕጂ ዘለናዮ ዘዛኻኽረኒ መጻሓፍቲ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ጕዳይ ዓሰብ’ዩ። ናትና’ውን ዘለፋ ወይ ከኣ ወገን ዘንጸባርቕ ይኸውን ኣሎ። ብርዒ ሃያሲ ወይ ነቃፊ ካብ ስምዒት እንተዘይ ወጽያ ድማ ስምዒት ንባብ ቀመስ ከትባላሹ ስለ ትኸእል ቃላትናን ሓሳብናን ብጥንቓቐ ከነቐምጦም ኣሎና። ክንደይ ኮን ኢና ብኣስታሓቃር እንስሕቕ ክንደይከ ኢና ከይነዓቕና ኹቡር ግዜናን ሓሳብናን ነካፍል። ኣብዚ እዋን ልዕሊ ካልእ እዋን ብሓቅን ፍቕርን ደኣምበር ብስሚዒትን ቂምን ዘኺደና ኣይኰነ። ግዜ ባዕሉ’ውን ይዘርየና ስለ ዘሎ። ሽግርና ነቕምርረሉ ሓድነት ክንፈጥር ጥራይ እዩ ዘለና። ንሕና ፈጺምና ምስ ካሎኦት ኣህዛብ ክንከይድ ኣይንኽእልን፡ ንሕና ንገዛእ ንሕብረተ-ሰብና ክንመስል እንተዘይ ኪኢልና ፈጺሚና ንመንነትና ክንውክል ኣይንክእልን ኢና። ኣቦታትና ፍሉይ ክእለት ናይ ኣብሃህላታትን ኣመላኻኽታትን ስለ ዝነበሮም። ዝተቐራረበ ኣነባብራን ኣረዳድኣን ነይሩዎም። ምስላታቶምም እስከ ንርኣዮ፣ ንኽነቅፉዎ ዝደለዩ ብምምሳል ወይ ውን ኣንፊ ብምሃብ መንገዱ የትሕዝዎ ነይሮም። ንሕና ኸ ንኣቦታትና ንመስል ዶ ንኸውን ዋልስ. . .፧
ኵቡራት ኣሕዋት እዚ ነካይዶ ዘለና ሕኸከኒ ከሓከካ ወይ ንኽስቶ ዓርከይ መታን ከሕጐሶ ንእከለ ጸላኢኡ ስለ ዝኾነ ኸዳክመሉ ብዝመስሉ ቕሉል ውስጠዘኣዊ ጽያፍ፡ ወይ’ውን ነቲ እትኣምነሉ ከያኒ የለኻን ንምባል ኣብ ናይ ውልቂ ዕላል ዝበልካዮ ረሲዕካ፣ ፈጺሙ ምስኡ ዘይዛመድ ትሑት ብቕዓት ብምዕዳል። ነቲ ብቕዓት ዘይብሉ ክንሱ ማስተር ፒስ ዘዓይነቱ ርእይቶ ምንባር። ጸሓፈለይ ክጽሕፈልካ ጐስጕሰኒ ክጕስጕሰካ፣ ኣናበልካ ዝግበር ትሕዝቶ ኣልቦ ዝኾነ፡ ፈጺሙ ናትና ኣይኰናን። ብዛዕባ ሓደ መጽሓፍ ሓደ ገጣሚ ክህቦ ዝቐነየ ጽሑፍ ነታ መጽሓፍ ደጋጊመ ኣጸቢቐ ስለ ዘንበብኩዋ ገሪሙኒ እዩ። እቲ ሰብ፡ ጸሓፊ እታ መጽሓፍ ካብቶም ከይጸሓፉ ዝና ዝረኸቡ ሰብ ምዃኑ’ ፈላመይቲ መጽሓፍ ምስ ጸሓፈ ግን ንትጽቢት ብዙሓት ኣምኪኑስ ሚዛኑ’ውን ብኡ መጠን ምስ ዓቕሙ ዝተመዓራረየ ኰይኑ ኣሎ። ነዚ ከምዚታት ዘኣመሰሉ ማለት ከይሰረሑ ዘሃበቡ። “ኣዐንዝዘቲ” ኢሎም ዝጽውዖውም ዓቢ ናይ ጥበብ ኣቦ ነበሩ። ሓቆሞ እዮም። እንሆ እንዶ እዚ ሃያሲ ክዕንዝዝ ይረአ። ይዅን እምበር ጸሓፊ ኣብ ዋሕዚ ብዘርኣዮ ጽባቐ ኣነውን የድንቖ እየ። ኰይኑ ግን ኣብ ካልእ ዝገበሮ ፈተነ እታ መጽሓፍ ብዅሎም ዓይነ ሰበ-ጥበብ፡ ውድቅቲ ኰይና እያ። “ምናልባት ንዓይ ዝመስለኒ እየ ሂበ” ክብል ይኽእል ይኸውን። ጽባቐ ኣድማሳዊ ሓቂ’ዩ፡ ንዅልኻ ኣብ ሓደ ዘሳኒ ገለ ኵርናዕስ ኣለዎ። ወይ’ውን ዘእምን ነጥብታት ከዓርፍ ኣይተራእየን። እዚ ጸሓፊ ንጽባሕ ዝጸበቐ ጽሒፉ ክመጽእ ምዃኑ ኣይጠራጠርን። በታ ሕጂ ጽሒፉዋ ዘሎ ግን ኣይዓገብኩን። እንተ እቲ ዝሃየሰ ንብሎ ዝወደሰ ፈጺሙ ነታ መጽሓፍ እኳ ዝግምግም ዓቕሚ ኣይነብሮን። በሓቂ ክሳብ ዓቐና ዘይሃበ ክዳረጋ ዘኽእል ዓቅሚ ኣለዎ ክብል ኣየድፍረንን’ዩ። ምናልባት ንግጥሚ ክመሚ ዓቕሚ ክህልዎ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝፈቶኖ ግን ክቕጽሎ’ውን ኣይክመኽሮን’የ። ምስናይ ይቕሬታኡ። ነቲ ጻሓፊ ክኸስቦ ኢሉ ከም ዝደኸመ ኣይጥራጠርን እየ። ክብሪ ይሃቦ ክንዝዲ ክብሪ ዝሃቦ። ንኽብሩ ግን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ የእትዩዎ ኣሎ ደኣ እምበር። ከምኡ’ውን ሓደ ክቡር ቐሺ ብዛዕባ ሓደ ክቡር ሓውና ዘቕረቡዎ ‘ሚዛኑ ዘሓለወ እዩ ነይሩ’ ክብል ዘድፍረኒ ኣይነበረን። ክትመዝን ከለካ ምምዛን ከምዘሎ ምዝካር ንባዕሉ ሓደ ሓይሊ እዩ።
ንሓንቲ ግጥሚ ክትንእዳ ከለኻ ወይ ክትህይሳ ከለኻ ቀዳማይ ክህልወካ ዝኽእል ኣፍልጦ እዩ መስለኒ። እንተዘይኰኑ ከተሐጐሶ ስለ ዝደለኻ ጥራይ፡ ወዝቢ ተንሲእካ ሃያሲ ከትከውን ምጽዓር ካብቲ ክትከስቦ ዝደለኻ ዝምድና ክብርኻ ዝዓኑዶ ኣይበዝሕን። ንስካ ስነጥበብኛ ብምዃንካ ጥራይ ኣብ ግጥሚ ዕምቘት ክህልወካ ይኽእል ድዩ፧ ንስኻ ገጣሚ ስለ ዝኰንካ ኣብ ሓጺር ዛንታ ከሀይሰካ ዘኽእል ዓቕሚ ክህልወካ ዝተዋህበካ ሓይሊ ኣሎ ድዩ፧ ወይ ንስኻ ደራፊ ስለ ዝዀንኻ ኣብ ግጥሚ ኣፍልጦ ክህልወካ ግድን ድዩ፧ ከምኡ እንተዝኸውን ደኣ ኣብ ዓመት ንማሕላ ሓንቲ ፍጽምቲ ዝዀነት ደርፊ እኳ ምሰማዕና። ኣምበኣር ንስኻ ስእሊ ገዛእ ርእስካ ዘይብልካ ክንስኻ ካብ ዝሃየስዎ ወይ ደራሲ ዝበሎ ቘንጭልካ ቃላት ስለ ዝደርደርካ ክብሪ ናይቲ መጽሓፍ ወይ ስራሕ ኣይንህርን እዩ። ወይ’ውን ንስኻ ብዝወርወርካዮ ጭማራ ክብሪ ናይቲ መጽሓፍ ኣይሃስስን’ዩ። ግን ብገለ ክፋሉ ክጸልዎ ይኽእል ይኸውን።
ተዋሳኢ ተዋስኦኡ፡ ገጣሚ ናብ ግጥሙ፡ ደራሲ ናብ ድርሰቱ፡ ሃያሲ ናብ ህየሳኡ ዝኸደሉ ዘበን መዓስኮን ንርእይ ንኸውን። ኣነ ካብ ዝረኣኹዎም ኣብ ህየሳ ኣርዑት መሳርዑ ሓልዮም ክህይሱ ዝፍትኑ ሓደ ጋዜጠኛ ጥራይ እዩ። ወላ ብኻልእ እንተ ተሓምየ ኣነ ግን እቲ ዘሓሽ ዝብል ግምት ኣለኒ። ምስ ኵሉ ድፍረቱን ርእየት ዕምቘቱ ሓሳቡን እኳ ደኣ። (ንሓቂ ብቕሉዕ ዝቐረበን ብዘይ ፍርሒ ዝተቃለሰን ወዲ ገበያ ምዃኑ ዘኩሩለይ።) ንሓደ ኣብ ኤርትራ ኰይኑ ተቢዑ ዝጸሓፈ። ትብዓቱ ኣብ ምንታይ ምሰጣሕናዮ፧ ከንጋንኖዶ ወይስ ከነስተንትኖ እዩ ዘልና! ፧ ኣብ ኤርትራ ኰይኑ ከይፈረሐ ብምሉእ ስሙ ተጠቒሙ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዘለዋ ግጥሚ ንዝጸሓፈ ተባዕ ሓውና ከመይ ገይሮም ከልምሱዎ ከምዝፈተኑ ክሳብ ሕጂ እዩ ዘፍረሓኒ። ኣብቲ ርእይቶ “ንዑኡ’ባ ፍርሕሉ” ንዝበሉ፡ “ንሱ መንዩ ኣየገድሰናን እዩ ስራሑ እምበር” ወላ ተትረሸነ ኣይግድሰናን’ዩ ዝዓይነቱ ርእይቶ ተቕሚጡ ርእየ ኣለኹ። ግን ካብታ ግጥሚ እቲ ገጣሚ ይዓቢ ምበልኩ። እቶም ከምዚ ዝገብሩ ምስዚ ገጣሚ ፍቅራዊ ምትእስሳር ኣለዎምዶ ትብሉ። እንተለዎም ደኣ ንቃንዛኡ ዘይፈርሑ!
እቶም እነብብ ከኣ ቅድሚ ዝተጻሕፈ ምንባብና እንታይ ተጻሒፉ ተበልና ኣገዳሲ ኰይኑ ይስመዓኒ። ሓደ ክንእዳ ስለ ዝሰማዕካ ትንእዳ ክጸርፋ ስለ ዝሰማዕካ ትጸርፋ እንተዀይኑ እቲ ንገዛእ ነብስኻ ዝውክል ውልቃዊ መንነትካ ደኣ ኣበይ ኣሎ። እታ ኣገዳሲት ነጥቢ’ውን እዚኣ እያ። ዝበዝሓና ክድነቕ ዝግበኦ ገዲፍና ዘብረቕርቑ ወይ ብዝለሓዀ ምውዕዋዕ ዝገብረሉ ከነድንቕ ተዓዚበ ኣለኹ። ሳሕቲ በቃ ምጽሓፍ ግደፎ ዝብል ስምዒት ይወረኒ እዩ። ነቲ ዝተጸሓፍ ጸሓፊኡ ብዘየገድስ ኣብ ዕምቘት ሓሳቡ ኣተኩርና ጥራይ ተስተማቐርናዮ ዝበለጸ ምዀነ። ብዙሓት ክወረየሎም ይሰምዕ’የ። ግን ልምዲ ንባብ ዘይብሎም። ዝጽሕፍዎ’ውን እንተዀነ ካብቲ ዝነብሩሉ ከባቢ ዘይሓልፍ ኰይኑ ይረኣየኒ።
ካልእ፡ ሓደ ውሩይ ጸሓፊ ስለ ዝጸሓፎ ኣብ ዘይዓውደ ፍልጠትካ ኣቲኻ፡ ካብቲ ኣብ መእተዊ መቕድም ወይ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ትሕዝቶ ሓፊንካ ቀጥዕታትን ቅድታትን ፈይ እናበልካ ንገዛእ ርእስካ ረሲዕካ ስሙን ጽሑፍን ስለ ዘልዓልካ ዝናን ተፈታውነትን ክትረከብ ኢልካ ዝግበር ዘይሚዛንዊ ኣካይዳ’ውን ኣሎ። ገለ ብርዒ ስም ተጠቒሞም ንገዛእ ግጥሞም ክህይሱ ዝህቅኑ’ውን ኣለዉ።
ሓያል ዘብለካ ነቲ ክንዲ እምባ ዝተጸበኻዮ ክንዲ መርፍእ ምስ ጸነሓካ፡ ዓቐኑ ኣርኢኻ ነቲ ጽቡቕ ጐኒ ብኽብረትን ፍቕርን ሰማይ ብምብጻሕ፡ ኣብ ድኽመቱ ዘለካ ኣረእያኻ ድማ ክንዲ እምባሶይራ ተገበርካ እምበር። ግን ሕጂ’ውን ምስትውዓል የድሊ’ዩ። እዚ ክትገብር ውሽጣዊ ዓቕሚ የድልየካ። ሓቀኛ ትብዓት፡ ቕኑዕ መንፈስ፡ ፍቕራዊ ኣዒንቲ፡ ከምኡ’ውን ሓቀኛ በትሪ ክህልወካ ድማ ግድን እዩ። እንተዘይኰይኑ ኣብቲ ጕዳይ ይጐድለኒ እዩ ዝብል ቅዱስ ግምት እንተለካ፣ ስቅ ምባል መርኣያ ውርጹጽ ባህሪኻ እዩ። ኣንባቢ ካባኻ ዝዓብየሉ ምኽንያት እኮ ክእለቱ ፈሊጡ ካባኻ ምጽባ’ዩ። ሓላፍነት ንዓኻ ምርካቡ እዩ። ካብኡ ዝዓቢ ንቕሓት የለን። እቲ ቐዳማይ መዐቀኒ ዓቕምኻ ከኣ ስነ-ምግባርካ እዩ። ስነ-ምግባርካ ከኣ፡ ኣብ ሚዛን ኣወሃህባ ፍርድኻ’ዩ ዝወሰን። መጽሓፍ በየነ ሃይለ ዘየንበቡ ክንሶም ሰም እቲ ዓቢ ደራሲ ክለዓል ስለ ዝሰምዑን ክጣቐዓሉ ስለ ዘረኣዩን ጥራይ ‘ዝፈቱዎ ደራሲ፣ ዝፈትዋ መጽሓፍ’ ዝብሉ ስነጥበባውያን ኣጋኒፈምኹም ይዀኑ። ብዝዕባ እታ መጽሓፍ እንተሓተትካዮም ግና ክምልሱላክ ኣይክእሉን። ገለ ኣለዉ ነታ መጽሓፍ ከመይ ከምዝረኣኻያ ይሓቱኻ እሞ በቲ ንስኻ ዝሃብካያ ርእየት ኣቢሎም ከም ዘንበብዋ መሲሎም ዝቐርቡ። ወረ ገለ እዋንሲ ንስኻ ከምዘዕለልካዮ ረሲዖም ክማጐቱኻ ይፍትኑ።
እብለኩም ኣለኹ ክንዲ በየነ ሃይለ ዝዓብዩ ደረስቲ ኣለዉ ንሶም ግን ኣይተጣቐዓሎምን እምበር። መን ኣሎ ስም እቲ ፉሉይ ቅዲ ዘምጸአ ዶ/ር ክብረኣብ ፍረ፣ ዘልዓለ፧ መንከ ኣሎ ነቲ ተኪኤ ተስፋይ ዘምጸኦ ጽባቐ ታሪኽና ፈትፊቱ ዘንጻባረቐ፧ መን ኣሎ ንምርምር ኣለምሰገድ ተስፋይ ዘደንፈዐ፧ መን ኣሎ ኣብ ቅዲ ሓጺር ዛንታ ትግርኛ፣ መንገዲ ዝጸረገ፡ ሚካኤል በርሀ ንጽባቔኡ ዘስተማቐረን ንዛንታታቱ ብዕምቘት ዝጠመተ፧ መን ኣሎ ስም እቶም ብህይወት ዘለዎ ብርቂ ደረፍቲ ክትንትንን ከኽብርን ዝተራእየ፧ ንሕና ብሓቂ በእዛንና እንኸይድ ሓደ ዘበን ንድሕሪት ተመሊስና ዘለና ወለዶ ሎሚ ኢናዶ ክንብል። ንሓደሽቲ ደረፍቲ ኣፍረይቲ ፊልም ክጅምሩ ከለዉ ኣንፈት ኣለውም ኢልና ኣተባቢዕናዶ ንፋልጥ። ማለት በቲ ቅኑዕ ኣበሃህላ። ጩራ ጥበብ ጌና ክፍጠር ከሎ ዘርእያ ኣዒንቲ ኣለዋናዶ፧ እንተርፎ ክነኣድ ንዝረኣነዮ ኒኢድና ክብሪ ክንረክብ ንጽዕር እንተዘይኰይኑ። እንታይ ተደሪፉ፧ ወይ እንታይ ተጻሒፋ፧ ብሓፈሻ እንታይ ተሰሪሑ ኣብ ክንዲ ምባል፡ መን ሰሪሑዎ፧ መን ጽሒፉዎ፧ ብዛዕባኡ እንታይ ተባሂሉ፧ ብዝብል ስምዒታት ዝዘቕበቡ ኣተሓሳስባ ንርእይ ኣለና። ስነ-ጥበብኛ ካብ ባዶ እዩ ዝመጽእ፡ ሎሚ ዘየሎ ጽባሕ ክፍጠር ይኽእል እዩ። ስለዚ ሓደ ሰብ ብግድምና ዘይኰነስ ብስራሑ እዩ ዝምዘን። ግድምና ዕብየት ኣይኰነን ዘይኰንኩ ዝብል ዘለኹስ፡ ንዅሉ ብዕብየት ንርኣዮ። ነቲ ዓብዪ ከምዕብየቱ ነቲ ዝዓቢ ከም ኣተዓባብያኡ። ምናልባት ኣበ መረጻ ንባብ ነተዅር እንተዄና ከኣ፡ ጸሓፊ ኣብ ፈለማ ሕጥበ-ጽሑፋ ስለ ዝልለ ስሙ ብዘየግድስ ክንመርጽ ንኽእል እና። ሓደ ደራፊ ብሓንቲ ደርፊ ጥርዚ ክበጽሕ ይኽእል እዩ። ሓደ ደራሲ፡ ብሓንቲ ፊልም ውን ከመኡ ስራሑ እዩ ዝወስኖ።
ቅድሚ ሓደ ዓመትን መንፍቅን ኣቢሉ እዝከረኒ መብዛሕቲኦም ገጠምቲና ናብ ሃየስቲ ወይ ነቐፍቲ ተቐይሮም ነይሮም። እቲ ዝገርም ሓደ ዝህይስ’ውን ዘይምንባሩ’ዩ። እንትርፎ ዝነቕፍን ዝውድስን። እቲ ዝበለጸስ ናይ ሓደ ሓደ ብክፉት ልብን ብቕኑዕ ነጥቢ ዝዓረፈ ርእይቶ ኣንባቢ ደኣ ረኣኹ። ስለ’ዚ ብቑዕ ኣንባቢ’ውን ኣሎ ማለት’ዩ። ዋሕዲ ከምዘሎ ኣይጠራጠን ግን ንሕና እንተ ዘይኣለና ከመይ ኢሉ ማእዀት ክህልዎ፧ ብቑዕ ኣስተማቓሪ ንኽህሉ እምበኣር ንፋዓት ኪነተኛታት ክንህሉ ኣለና። ምህላውና ድማ፡ ብብስለት፡ ብክእለት፡ ብውህደት፡ ብሓቅነት ክኸውን ኣለዎ።
ሓደ ኣብ E,B.S ርዕዮት ኣብ ዝብል ናይ ተለቭዥን መደብ ዘዳሉ ዓይነ ስዉር ጋዜጠኛ፡ (ቴዎድሮስ ፀጋይ) ንሓደ ኣብ መጽሓፉ ፕሮፈሰር ብምባል ዝለጠፎ ናይ ዶክተሬት መዓርግ ዝነበሮ ጸሓፊ፣ ብኽብሪ ናብ ስትዲዮኡ ብምዕዳም! መጀመርያ ዶክተር ምዃኑ እምበር ናይ ፕሮፈሰር መዓርግ ከም ዘይብሉ ከረደኣና ዝገበሮ ቴክኒካዊ ኣቀራርባ፡ ብኣድናቖት ከሓልፎ ኣይክእልን’የ። ነቲ ኣብ መጽሓፉ ‘ኣምሓራን ኦሮሞን ሓደ ዘርኢ እዮም’ ንምባል ዘቕረቦ ጭብጢ፡ ጭብጢ ከምዘይብሉ ንምእማን ዘምጸኦም ምልኩዓት ሕቶታት፣ ከምኡ’ውን ኣበራብራ ሚስጥራትን፣ መጀመርያ፡ ኣድናቒ መሲሉ ጭብጥታት ብምእካብ ብገዛእ ቓላቱ ከምዝሰዓር ብምግባር፡ ክሰግሮም ዘይክእል ሕቶታትን ጭብጥታትን ብምቕራብ ርእየዮ ዘይፈልጥ ሕፍረት ኣሰኪሙ ሰዲዱዎ። ከምቲ ጋዜጠኛ ገይሩ ዘቕነኣኒ ኣይነበረን። በሓቂ ነታ መጽሓፍ ዘንበብኩዋን፡ ነታ ደራሲ ውን ዝፈልጦ ኰይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ። ነቲ ጸሓፊ ንቓለ መሕተት ንምድላው ኢሉ ዘባኸኖ ግዜን ዝደኸሞ ሃልኪን ብግብሪ ይረኣየካ እዩ። ኣብ መድረኽ ብዘይካ ብምክብባር ዘይንቡር ዘልፋ ኣይረኣኩን። ክብሎ ዝደለዮ ግን ብዝግባእ ኢሉዎ እዩ። ንሱ ደጋፊ ደራሲ ኣይኰን ወይ ተቛሚ ኣይኰነን። ንሱ ሰዓቢ ቅኑዕ ኵንነትን ወኪል ህዝብን እዩ ነይሩ።
ሜድያታትና መዓስ ኮን እየን ካብዚ ዝተለመጸ መቃብር ዝመስል ካህሲ ክድሕና። ጌጋታትና ዘይረኣየሉ፣ ጋዜጠኛ ዘየዋጥረሉ፣ ተማላኺዑ ዝቀርበሉ ኰይኑ፡ ንልዕሊ 20 ዓመት ብዝተዳጋገሙ ሕቶታት ክኸይድ ንርእይ ኣለና። ንምዃኑ ንምንታይ እዩ ሓቂ ነውሪ ኰይኑ ዝስመዓና። ካብ ዝተዓዝብኩዎ እንተዀይኑ ኣብ ቃለ መሕተት ካልእ፡ ኣብ ስራሕ ካልእ፡ ኣብ ጥበብ ካልእ ኢና።
ንሕና ብዘይካ ካብ ክልተ ሰለስተ ዘይውሕዱ ህየሳ ዝፍትኑ ካልእ የብልናን። ካብዚኦም ዝህይሱ ክንደይ እዮም እንተልክሙኒ ግን መልሲ የብለይን። ስለዚ ክሳብ ዝፍጠሩ ክንፍጠር ንጽዓር እምበር ክንመዝን ኢልና ምምዛንናስ ኣየኺደናን ኣሎ’ሞ ሓደራ። እቲ ሓያል ጸሓፊ ክትህይስ ስለ ትደሊ መላማመዲኻ ተገርካዮስ ገበን ዶ ኣይኰን። ኣብ ኤርትራ ስነ-ጥበብ ዝኣበየቶም ብንቃፍን ብምዕንቃፍን ስሞም ከበርኹ ዝሃቅኑ ብዙሓት ዝተጫጨሑ ኣለዉ። እቲ ሓያል ጸሓፊ’ስ ብዘረባኡ ዘይኰነ ብንብዓት ብርዑ እዩ ዝልለ እሞ፡ ከነለሊ ንፈትን። ግን ከይነለሊ ወይ ብግቡእ ከይንመዝን ዘዛናብለናስ ቅርጺ መሬት ዶ ይኸውን!፧
እስከ ካብ ሕጂ ኣብ ትሕዝቶ ክነስተማቅር ከለና ምናልባት ንእንፈልጦም ሰባት እናዘከርና ነንብብ እንተለና፡ ሓደ ሜላ ንከተል፡ ነቲ እነንብቦ ጽሑፍ ብዝተኻእለ መጠን ስም ጸሓፊ ከይንበብና ከነስተማቕሮ ንፈትን። ኣብ መጨርሽታ ምስ ስም ብምውህሃድ ኣብ ቖፎ ኣእምሮና ነበላልዓዮ። ሽዑ ሓደ ትሩጕም ክህበና እዩ። እቶም ሕጂ ነኣምነሎም ጸሓፍቲ ካብ ባዶ እዮም መጽዮም፣ ‘እቲ ነደቕቲ ንዒቖም ዚጐሓፍዎ እምኒ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ። ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወድቕ ኵሉ ይሰባበር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወድቑ ኵሉ ኸኣ ፈጺሙ ይሕምሸሽ።” ይብል ቅዱስ ቃል። ስለዚ ባህሪኡ ዝነዓቅናዮ ብጽሕፉ ዝበለጸ ክከኸውን ይኽእል፡ ዘይነበረ እንንዕቆ ሰብ ጽባሕ እቲ ዝበለጸ ሰብ ምዃኑ ኣሚንና ካብ ዘይነበረ ተኣምር ክንረክብ ንደሊ እንተዀይና ክብረ ንባብን ሰባት የሃልወና። ክንዲ ዘኣኸለ ይእከል ጽልኢ እንተሃልወና ብዝየገድስ። ልብና ምስ ትሕዝቶኡ ጥራይ ንጽመዶ። ካብ ዘየለ ምህለው ከኣ ቀጻልነት ዓለምና ስለ ዝዀነ። ኩሉ ጥበብ ናይዛ ዓለም ካብ ዘይነበር እዩ ዝነብር። ኵሉ ስልጣነ ድማ ብውልቐ ሰባት ይፍለቕ። እዞም ንዓለምና ዝቐየሩ ሊቓውንቲ ገሊኦም ኣብ ትምህርቲ እቶም ዝሓመቑ ምንባሮም ንዘከር።
ኩቡራት ኣሕዋት ነዚ ጽሑፍ ንባዕሉ ብኽፉት ልቢዶ ተንብብዎ ኣለኹም። ወላ ንዕብየት ኣፍልጦኹም ዘይመልእ እንተዀነ፡ ብጻዕዳ ልቢ ርኢኹም ኣንብቡዎ! ንዝኾነ ነገር ብኣወንታ ክንርእዮ ከለናስ ዕድሜና’ውን ይውስኽ እዩ። ካብኡ ቀጺልና ከኣ እንታይ ኢሉ ብኸመይ ኢሉዎ ካብዚ ንላዕሊኸ እንታይ ኰን ምበለ ኢልና እስከ ነስተብህል። ዝጓሓፍ ተዀይኑ መሃሪ ብዝኰነ ርእይቶ ጭብጢ ብዘለዎ ሓሳብ ደጊመ ንኸይጽሕፍ ወይ ውን ኣብ ምድጋም ንኽእረም ሜላታትኩምን ዓቕልታትኩምን ኣስኪንኩም መስመረይ ኣትሕዙኒ። ሽዑ ብዙሕ ኵርነዓት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ከመይ ኢልና ንዝተፈጥረ ብቕኑዕ ይዅን ጐደሎ ናብ ረብሓና ንቅይሮ ንሕሰብ። እምዕድ ኣይኰንኩን ዘልኹ፡ እንታይ ደኣ ስክፍታይ የካፍል፡ ዓቅመይ ግን ይንእስ ይኸውን፡ ግን ብፍቕሪ እንተርእይኩምሲ ክምህረና እንተዘይ ከኣለ፣ ከዛንየና’ዩ ወይ ከዘኻኽረና’ዩ።
ናይ ሓደ ብሞያን ብዕድመን ዝበልጸኒ ገጣሚ ወይ ጸሓፊ ኣብ ቅድመ ፈስቡከይ ተለጠፍኩዎስ ከም ድጋፊ ድዩ ዝርእየኒ ወይስ ከም ኣፍቃሪ ወይ’ውን ከም ኣምላኺኡ። ኣነ ኸ እንታይ ኣለዎ ስለ ደኺሙ ንስነ-ጥበብ ሓፍ ስለ ዘበሎ፣ ንኽብሩ ኢለ እንተሰቀልኩዎ። ግን ክልጥፎ ከለኹ ክብረይ ከይረሳዕኩ ካብ ረብሓታት ነጸ ኰይኑ ክሰቕሎ ኣሎኒ። ንሱ ኸ ክሰከር ዘይኰነ ስሙ ክዕቅብ ካብቲ ዝነበሮ ክብርትዕ ሓዱሽ ሓይሉ ኣኪቡ ብትሕትና ተገስገሰ እንታይ ኣለዎ። ከም ተጻወቲ ኩዕሶ ብራዚል ተቐልቒሎም ዝሃጥሙ ከዋዅብቲ ደረፍትና ክንደይ ኰን እዮም። ነዚኦም መን ኣጥፊእዎም መስለኩ፡ ወዳሶን ወቃሶን፡ ኵሉ ኣብ ዘይልኹዑ ምስ ረኸብዎ ብኡንብኡ በኒኖም።
ሓደ ዅልዕ ዝበል ስነ-ጥበብኛ ንደገፍቱን መዛናታቱ ብኽብሪ ተረኣየስ ምክብባርዶ ኣይኰን፧ እንወስዶም ሕልናዊ ስጕምትታትሲ ንጸላኢና ናብ ፈታዊና ዝቅይር ደኣ ይዅኑ። ፍቅሪ ካብ ኩሉ ተዓቢ። ካብ ንቡር ወጽዩ ዝተጻሕፈ ርእይቶ ወይ ነቄፈታ ወይ ውን ህየሳ ብዓይኒ ሕውነት ምብህሃልን ርእይና ክንዓጽዎ ክለናስ ክንደይ ኮን ልቢ ዘረስርስ’ዩ። ረቒቕ ዓቕሚ ምስ ቅኑዕ መንፈስ ዝተወሃሃደ ርእይቶ ተዀይኑ ላዛ ብዘለዎ ወላ ነታ ናይ ፍርቂ ዘበን ዓርክኻ ከምዘይ ሰረሐ ጥራይ ከም ዝደኸመ እንተርኣኻዮስ ጕድለቱ ካብ ምርኣይ ዝዓቢ የለን። ግን ረኣዪ ብፍቕሪ ተራኣዪ ብፍቕሪ እንተርእየሞ ቀዲሕኻ ዘይውዳእ ጻጋ ከካፈሉ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ስነ-ጥበብ ድኹም ስለ ዝዀነ ‘መዛርብተይ ኣይኰነን ምስ ዝናይ ዘመጣጠን ኣይኰነን ዝብሉ ውን ኣለዉ። ሰላም ክትብሎም ከለኸ ካብ ዓቅሞም ንላዕሊ ዝንፍሑ ኣለውና። ክለለየካ ንዝደለየ ሰብ ደረጃኡ ብዘየገድስ ብኑጽህ ልቢ ምርኣይ ትሒትካ ምጽናሕ ትርጕም ዕብየትዶ ኢዩ። በሓቂ ክላለዮም መልእኽቲ ዝሰደድክሎም ግን ዘይምልሱለይ እንተዀይኖም ካብኣታቶም ኣነ ይዓቢ። ክላለዩኒ ንዝደለዩ እንተዘይ መሊሰ ከኣ ካብኣታቶም ኣነ ይንእስ። ኣለዉና ኸኣ ትሕትና ኣርእዮም ዓቢ ትምህርቲ ዘስኑቑኻ። ምስ ዓብይ ስነ-ጥበበኛ ስለ ዘዕለሉ’ሞ ስለ ዝተላለይዎ ጥራይ ስራሓቱ ኣትሒቶም ዝጥምቱ፣ ወይ ንገዛእ ነብሶም ካብቲ ዝተላለዩዎ ኣዕብዮም ዘርእዩ’ውን ኣለዎ። ምስ ህቡባት ሰብት ተሳኢሉም ንገጻት ፈይስቡክ ዘዕለቕሉቑዋ ውን እና በዝሑ የኸዱ ኣለዉ። ንክብሪ ኣብ ገዛኻ ወይ ኣብ ቴለፎንካ ምግባር ኣይምተጸሌን። ነቲ ረኣዪ ግን ካብ ምሽጋር ሓሊፉ ዘምጸኣሉ የለን። ማለት ከጠቀዓኻ ዝኽኣለ ምኽንያታዊ እንተዀይኑ በለጸ። ኣይኰነን ግን ምስ ህቡብ ስለ ዝተሰኣልካ እንታይ እሞ ንዓና፧ ገለ ከኣ ብግዲ ተላልዮም ክምዕዱኻ ይፍትኑ እሞ ነቲ ማዕዳኦም እንተስ ክትቕበሎ ወይስ ትሕትና ክተርኢ ‘የቀንየለይ’ ስለ ዝበልካ ኰስኲሶም ከምዘዕበዩኻ መንነቶ ረሲዕም ተመሊሶም ክጻረፉን ክንዕቁን ዝፍትኑ ኣይሰኣኑን። ወይ ብግዲ ተላልዮም “ኣነ እኮ ካባኻ ይሕይል ትፈልጠኒ ዲኻ፧” ብዘስምዕ ኣቀራርባ ዝፈታትኑኻ ኣልዉ። ኣብ መንጎ እዞም ቀጸላታት ዘሎ ፍልልይ እምበኣር፣ እዚ ዅሉ ተርእዮታት ምልክት ብዓይኒ ፍቕሪ ዘይምስጥጣም እዩ። ቀዳማይ ፍቕሪ ገዛእ ርእስኻ፡ ካልኣይ ክብሪ ብጻይካ። ኣብ ህይወትና ከምኡ’ውን ኣብ ህይወት ሕብረተ-ሰብና፣ ባህልና ባህሊ ምክብባርን ምትሕፍፋርን ምዃኑ ኣየስተብሃልናን ዶ ክንብል። እቲ ዝነአሰ ነቲ ዝዓበየ ስነ-ጥበባዊ ብክብሪ እናጸወዐ ክብሪ ተሃበ መኖም’ዩ ዝዓቢ፧
ዓይኒ ጥበብና ብዓይኒ ፍቕሪዶ ንርእዮ ንዝተጋገየ ብዓይኒ ፍቅሪዶ ንእርሞ። ንዝደፈረና ብዓይኒ ፍቕሪዶ ንጕስጕሶ፣ ፍቕሪ መሰረት ኵሉ ጥበብን በሊሕ ኣእምሮን እያ። ጊንጢ ስለ ዝዀንካ ጂግና ዝብለካ የለን። ጅግና ደኣ እቲ ንውሽጣዊ ስሚዒቱ ተጻዊሩ ፍቕሩ ዝህበካ እምበር። ጅግንነት ደኣ እቲ ስለ ውጹዓት ቈይሙ ኣበሳ ሰባት ከዊሉ ከስተኻኽል ዝፍትን እምበር። ሃያሲ ማለት ኣለባሚ ማለት እዩ። ነቓፊ ማለት’ውን ንጌጋኻ ኣስተኻኻሊ ማለት እምበር ተጻራፊ ማለት ኣይኰነን። ስለ’ዚ እንዛረቦ፡ እንጽሕፎ፡ እንህይሶ ብግንዖ ፍቕርን ሓቅን ደኣ ይዅን።
ኣሕዋተይ በቲ እንሰፍረሉ ስለ እንስፈርሲ ከንመዝን ከለና፡ ክንምዘን ከለና፡ በቲ እነመንጭዎ ሚዛና ፍቐሪን ሓይሊ ጽልእናን ስለ ዝዀነ ዕቱባት ንዅን። ንመዛዝን ግን ንደገ ዝወጽእን ዘይወጽእን ነለሊ፡ ኣሕሊፍና’ውን ኣይንወሃሃብ። ክንነጻጸ ኣይንተሃወኽ ክንወዳደስ ኣይንሰላለፍ። ብዓይኑ ፍቅርን ሓቅን ደኣ ንነቃቀፍ። ደርቅናንስ ኣብ ሓቂ ደኣ ይዅን። ነቲ እንንእዶን እንነቕፎንሲ ነፍስና ኣብ ቦታኡ የእቲና ንገምግሞ። እቲ እንምልሶ፡ እንዛረቦ፡ እንበሃሃሎ፡ እነንጻባርቖ ጠባያት፣ ሚዛኑ ሓልዩ ንዓና መሲሉ ክኸይድ ኣለዉ። ሓደ ኣፍጋኒስታናዊ ከመይ ኢሉ ኤርትራዊ ይኸውን። መንነት ማለት እቲ እተንጸባርቖ ጠባያትን ባህርያትን እዩ። ኣርእስተይ ኣብ ስነ-ጥበብ ሰለ ዝኰን እምበር፡ ወላ ኣብ ፖለቲካ ውን ከምኡ፣ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን’ውን ከምኡ እዩ ዘሎ። ስለ መርገጺ ዘቀየረ መንነቱ ሓኽኻ ክትድርብዮ ምፍታን። ስለ መርገጺኡ ዘጽደቀ ብቅሌታዊ ትዝንፎ፣ እዚ መዓስ እዩ ኮን ከብቅዕ። ኣሕዋተይ “መልሓስ ዓጽሚ ይሰብር” ከምዝበሃል። እንገብሮ ምብህሃልን ምግስሳጥን’ሲ ብሓልዮትን ብምክብባርን እንተዀን መርኣያ ዕብየትና እዩ። ንሰርሖን እንገብሮን ተጣባቒ ክብርና ደኣ ይዅን።
“እከለ ሓወይ እዛ ከምዚ ዝበልካያስ ከምዚ ኰይና ትስምዓኒ ወይ ብሉዝብ ኣእምነንኒ ከእምነካ።” እናተባሃሂልና ብሉዙብነት ፍልልይና ኣጽቢብና ናብ ሓደ ዘዕብየና ዝውክለና መንገዲ ተምራሕናስ ረብሓ ዅልናዶ ኣይኰነን። ካብ እዚ ዅሉ ዝብለኩምሲ ኣነ ባዕለይ ሓራ ዘይክኸውን ይኽእል’የ፡ ግን ክብሎ ዝደልኹ ሕጂ ተርዲኡኒ ኣሎ። ዅልና ካብ ትማሊ ተማሂርና ካብዚ ደቒቅ እዚኣ ኣብ ልብና ዘሎ ጐርቢ ነብሲል። ንክፉት ርእይቶን ንኽፉት ማዕዳን ድሉዋት ንዅን። ንቕኑዕ ሰላምታ፡ ንቕኑዕ ጽልኢ፡ ንቕኑዕ ኣወሃህባ ርእይቶን ህየሳን ቅሩባት ንዅን። ብሓቅን ሕልናን ዝተነድቀ ርእይቶን ሓሳብን ነቐምጥ። ባህርያትና ንሕብረተ-ሰብና ዝመልስ ደኣ ይዅን። ዝሓለፈ ታሪኽ ክመህረና እምበር ከዐሽወና የብሉን። ክሳብ እዚ ደቂቅ እዚ ዝተቐየምኩም ተለኹም’ሲ በዚ ጽሑፍ ይቕረ እብለኩም ኣለኹ። ንሕድሕድና ውን ከምኡ ንበሃሃል ሓደ ንኽንከውን ሓደ ንሕሰብ። ነቲ ክብሪ ዝገብኦ ክብሪ ነቲ ዝእረም ድማ ንኣርሞ። ነቲ ዝግለፍ’ውን ንገልፎ። እምበር ኮቶ ኣይነሳድዶን ኣይነዕንቕፎን። ኣብ ስራሑ በሰር ንዝረኣኹሉ የብልካን በዓል ጽቡቕ ስራሕ ኢኻ እንተበልካዮ። ተጋድዶ እምበር ኣይትጠቅሞን ኢኻ። ነቲ ብሩር ኢሉ ወርቂ ዝሰርሐ ወርቒ ከም ዝሰረሐ ተምስከርካሉስ ጸኒሑ ኣልማዝ ዘየምጽኣሉ ምኽንያት የለን። እትህቦ ርእይቶ፡ እትምልሶ መልሲ ኣብ ህይወቱ፡ ኣብ ስራሑ፡ ኣብ ድቃሱ ወሳኒ እዩ እሞ ብልኡምን ኣእማኒን ደኣ ርእሰ መኣዝን ኵኖ። ነቲ ሕማቅ ዝሰረሐ ውን ኣብ ክንዲ ብኣጸያፊ፡ ወይ ኣስካሪ ካብ ዝኸውን፡ ብጭብጥን ላዛን ጉድለቱ ኣርክቦ። ኣንታ እትምጐስ ከኣ ዓርክኻ ስለ ዝምጐሰካ ዘዓበኻ ከይመስለካ ስራሕካስ በዕሉ ብሕልናኻ ይነግረካ እዩ።
ሓደ ዘገርመኒ ነገር ኣሎ፡ ሓንቲ በርቂ ዝኾነት ገጣሚት ኣላትና። ንሳ ከምቶም ዝውድቡ ናይ ርእይቶ ጸሓፍቲ ግዲ ዘይሰርዐት ኰይና ነቲ ብሉጽ ስረሓ ኣብ ዛራ ገጠምቲ ምስ ጠቐዐቶ ከምቲ ዝጽበዮ ክጸሓፈላ ኣይረኤኹን። ንገለ ነኣሽቱ ግን ክሳብ ምቍጽጻር ዝስእናሉ ይጽሓፈለን ይርእይ፣ ማለት ንስረሐኢን ኣይኮንኩን ናኣሽቱ ዝብል ዘለኹ፣ እቲ ዘሕፍር እዚ ዅሉ ርእይቶ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝውሕዝ ምዃኑ’ዩ። ብርእይቶ ምልጣፍ ጓል ክጠልፉ ዝፍትኑ ስለ ዘለዉ’ዩ መስለኒ። ግጥሚ ምግጣም ምስ ጀመረት ከሸግሩዋ ከም ዝጀመሩ ዝተዛረበት ሓንቲ ሓፍትና ኣብ ቃለ መሕተታ ኣንቢበ ኣለኹ።
ኣብ ገለ ቃለ መጠየቕ ነቲ ዝሕተትዎ ምስጋና ጥራይ ዝመልእዎ ‘ውን ኣለዉ፡ መፋተዊን መጻልእን ይገብሩዎ ማለት እዩ። ንእንረኽቦ ባይታ ንፈታዊና ዘይኰነ ንጸላኢና ብኸመይ ናብ ፈታዊና ንልውጦ ንጠቐመሉ። ፈተውትና ኵሉ ግዜ ፈተውቲ ስለ ዝዀኑ። ፈጺምና ኣይነመስግን ኣይኰንኩን ዝብል ዘለኹ ግን ደረት ኣለዎ። ኣብ ገለ ነቲ ዝደለይዎ ሰብ ንኸልዕሉ ዝተጣዋወየ ኣስርእስቲ ክፈጥሩ ይርእይ’የ። በሉ ነዚ ዅሉ ከንሳልስሎ እንተዀይና ብሓደ ነገር ጥራይ እዩ፡ ኣብ መንጐናን መንፈስናን ፍቕሪ ብምእጓድ። ንዅሉ ብፍቕሪ ብምርኣይ፡ ብፍቕሪ ብምእራም፡ ፍቕራዊ ሜላ ብምኽታል፡ ፍቕራዊ ርእይቶ ብምሃብ፡ ፍቕራዊ ተቕባልነት ብምህላው። ብገዛእ ክብርና ብምሕሳብ። ስራሕና ከም ዘኽብረና ተፈሊጥና፡ ርግጸኛ’የ ንኵሉ ሰብ ኰነ ጥበብ ብኽብሪ ክንርእይ ኢና፡ ኣብቲ ክብሪ ጥበብ ኣሎ። ኣብቲ ጥበብ ውን ክብሪ ኣሎ። ንዅሎም ግን ፍቕሪ እዩ ዝጠምሮም።
ፍቅሪ መሰረት ኵሉ እያ። ንጻላኢኻ ኣፍቕር ዝብል ቅዱስ ቃል’ውን ኣሎ። ፍቅሪ እታ ዘይትምኖ ጥበብብ እያ። ፍቕሪ እታ ዘይትውዳእ ሕብስቲ’ያ። ፍቕሪ መከላኸሊ ሴፍ ኵሉ ጸላኢኻ እያ። ፍቅሪ ንዝተቃጸለ ልቢ እተዝሕል ዝበረደ ማይ ቅዱስ ‘ያ። ፍቕሪ ዳኛ ዅሉ ኽፉእ’ያ። ፍቕሪ ዘለኣለማዊ ሞት ትስዕር’ያ። ግን ንፍቅሪ ኢልካ ኣይተሓሱ። ንፍቅሪ ኢልካ ደኣ ንበር። ፍቕሪ ብዘይ ሓቒ ፍቕሪ ስለ ዘይትኸውን።
ሚካኤል መዓሾ
ጥሪ 2017