ዎ ክብርቲ ማህጸን
ጠማዕ ክብለኪ ተበጊሰ
ኣብ ፍቕዲ ፈረኺ ተመርኲሰ
ሒደት ጸጊኺ ዘይከም ጎረቤት
ቍንጣሮ ወሊድኪ ክንዲ ብዙሓት
ኣንቲ ቅድስቲ ማህጸን
በቂቕኪ ዶኾን ኢኺ?
ወይሲ ንሶም ይኣኽሉኒ ኢልኪ?
ኣሕዋት ኣሓት ነኪኽለይ
ጸቕጥቅጥ ግዲ ናፊቐ… ብሒቱኒ ነብስይ
ዎ ብጽእቲ ማህጸን
ሕርያኺ ናብ ጅግና ዛዝዩ
ሒደት’ሞ ምዑር
ሒደት’ሞ ጥሙር
ሒዲት’ሞ ዕሙር
… ትመርጺ
ኣንቲ ሓላል ማህጸን
ሓሲበ ሓሲበ ኣስተንቲነ
ኣብቲ ቁንጫል ሽኽናይ ሓሳባት ሓቑነ
ንኹሉ ዘቚቘ ወጊነ
… ምስ ኣስተበሃልኩ
ሓቃ’ያ ኢለኪ
ውሑዳትን ምዑትን
ፍቑዱን ሓላልን
ኮይኑ ምርጫኺ
ሓቀይ ኸኣ ሓቂ ይሓይሽ
ውሉድኪ ምዃነይ ድዩ ፈረ’ታ ህያብኪ
ጅግና ምውላድኪ ድዩ ዘራዩ ኣበሳኺ
ምዕርዕር ኢልክለይ ፈትየዩ ፈታዉኪ
በቃ ኣብቂዐ’የ እንቋዕ ፈረኽኒ
ካብ ብዙሕን ምሽትን
ውሑዳትን ጎብለላትን ይሕሹኒ
“ስጋኦም ኢኻ” ተባሂለ
ብቕያኦም ዘሊለ ዘሚረ
ብቕያኦም ክዘልል’የ ክዝምር’የ።
ኣማኑኤል ኣስራት
Source Eritrean Literature facebook group