ንሱ’ብ ኣድማስ ማህጸን
ምግምዳሕ ዝለመደ
ዓለም ጸቢባቶ ምስ ተወልደ፤…
…..ኛቝ!!! እና በለ እልልታ’ግዚሞምዎ
እና ተዀምተረ ኢዱ ስዒሞምዎ።
ቂምታኡ ሒዙ – ሕጉስ መሲሉ
ዓዂኹ – ታተ’ይሉ – ጐቢዙ
ነቢሩ’ናቢሩ – ሸምጊሉ
ወዲቑ – ዓሪፉ – ተገኒዙ።
ሞቱ ተኣዊጁ
‘ወየ’ ’ናተባህለ ነብሱ ከሲሳቶ
ኣብ ባይቶ ሕልና በዚሑዎ ሕቶ፣
“እናነብዑ ንዘየፍቀሩዎ
እናነብዑ ከመይ ይቐብሩዎ፧”
መልሲ’ንተ ረኸበ ’ናዋጠሮም ንሱ
እና ተጓነጹ ’ሞይቱ’ ’ይሎም ከልቅሱ
ምስ ረኣዮ ዕሽነት ነጊሱ………..
ናብ ዓለሙ – ናብ ኣድማሱ
ኣመስጊኑ ብሰላም ምምላሱ።
ኵሉ ነብሱ ክቐትል
ሓደ ሓዉ’ቐትል፣ ካልእ ስም ይቐትል
ዓለሞም ምዃና ቅልዕቲ መቓብር፣
ኣይነገሮምን – ስለ ዘይሰምዑ
ዕጅብ’ኳ’ይበሎን ስለኡ ’ናነብዑ፤
ይትረፍ ሓዘን መቕርብ
ኒኽኒኽታ ፈተውቱ
ከም ማህሌት ምሰምዖ
ንቝዛም ቀተልቱ።
ምናልባት ግን ምስኣቶም ምጽናሑ
ብቕርሕንትን ቂምታን ከይምለስ ረሲሑ፣
ብንብዓት መምሰልቲ ተሓጺቡ – ጸርዩ
ከም’ታ ዝተወልዳ ነጺሁ ተደብዩ።
ቦኽረ ገብረየሱስ
መጋቢት-2014
1 Comment
fantastic poem thanks ቦኽረ