ጉዕዞ ናብ ሓቂ
ንሱ እንከሎ፣ ኣብ ጫፍ ናይቲ እምባ
ኣነ ድማ፣ ወትሩ ታሕቲ ኣብ ሩባ
ብናይ ጻጸ ኣእጋር
ክበጽሖ እጽዕር …
…ጥምት የብል’ሞ
ርሕቀቱ ክግምት
ኣይርእዮን ግን’ቲ ጫፍ
የልቦን ደረት ትርኢት።
መራግጾይ ዋላኻ’ዩ ሰልሚ
ጠጠው ምባል የጥሕል
…ጥራሕ ምኻድ፣ ጥራሕ ስጉሚ !
ኣእጋረይ የሳጉመን፣ ደው ምባል ፈሪሐ
ረድረድ እናበልኩ፣ ብድኻም ላሕሊሐ ።
ትርጉም ጻጸ ምዃን
ግድነት’ቲ ምሕኳር
ትርጉም ምርሕሓቕ
እቲ ናተይ ምድቃቕ
ተተጠማሚሩ፣ ብምራን ሕቶታት
ልጥጥ ናብ ዝባነይ፣ ንጻጸስ ብቶናት!
ንሓቂ’ወ ሓቂ
ሓቂ ዝኣድማስ
ምኽኒት ምንባር
ጽምኢ መንፈስ
ኣዒንተይ ዘማዕደዋኦ፣ ኣእጋረይ ከይበጽሓኦ
ከየለለኽዎ ፣ ከይተጋህደ ሕልመይ
ጎርዳዕ ከየበልኩ ፣ ከየጥለልኩ ጽምአይ
ካብዛ ዕንኪላሎ ፣ ቅድሚ ምፍዳሰይ
ናፍቖተይ ክሰድድ
ቅርብ’ዶ ኣይብለንን
ሕጽሪ ኣእጋረይ ርእዩስ
ባዕሉ ኣይመጸንን?!
እንቁርዖብ በቝለ ፣ ኣብ ማእከል ውቅያኖስ
ግድነት ኮይኑኒ፣ ክበጽሖ ‘ቲ ደንደስ
ጠፋዕ…ጠፋዕፋዕ…
…ነቲ ማይ
ኣብ ጻዕረሞት
ዘሎ ስቓይ!
ትርጉም ሂወት ኮይኑ ዘይጉሰ
ብዘይመፈጸምታ ዝተደርሰ
ጉዕዞ ናብ ሓቂ
ሽሕ ግዜ ይኹን ጭንቂ
መንገዱ’ዩ ብርቂ
ዕረፍቱ’ውን ጽድቂ!!
ዮሃንስ ኣብርሃም
ጉ.ስነጽሑፍ ኣዱላይት,2009