ዓወት መንግስታኣብ
ፈለማ ካምፓላ (ኡጋንዳ) ዝኣተናሉ፡ ሙየንጋ ኣብ ዝበሃል ሰፈር፡ ምስ ሰብ ተጸጊዕና ኢና ንቕመጥ ዝነበርና። ኣብቲ ሰፊሕን ለምለምን ካንሸሎ፡ “ኣጽገበት” ዘውጻእናላ ብጥራዩ ንሽምጥጣ ገረብ ኣቮካዶ ነይራ። እምበይተይ፡ ኣካል መኣድና ክትከውን ኣብ ርእሲ ምግባራ፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ፡ ገጻን ጸጒሪ ርእሳን ትልከያ ነይራ። ንሳ እዛ እምበይተይ፡ ብዛዕባ ኣቮካዶን ጥቕሙን ተዛሪባ ኣይትጸግብ እያ። መኣዲ ተኺልና ከም ገለ ቀምጨጭ እንተ ደኣ ኢለ፡ ዓይና ጽቕጥ ኣቢላ፥ “ብላዕ ነብሲ፡ ኣቮካዶ ቤላ እዩ። ነቲ ንግጥሞ ክጠቕመካ እዩ” ክትብለኒ እንከላ ክሳዕ ኣእዛነይ እየ ዝስሕቀልኩም ነይረ።
እዚ “ንጉስ ፍረታት” ዝብል ማዕርግ ዝተሾመ ኣቮካዶ፡ ኣብ ምዕራብ ዓለም ክቡር እዩ። ኣብ ኡጋንዳ በጺሑ ግን ድርባይ እዩ። ሓቂ ይሓይሽ ኣብ ኡጋንዳ፡ ኣቮካዶ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ በናና፡ ኣናናስ፡ ግብረ-ስጋን ሬሳን እውን ዋጋ የብሎምን። በናና፡ ከም በለስ ክረምቲ፡ ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ተሰጢሑ ቀንፈዘው ክብል እዩ ዝውዕል። ከከም ዓሌቱ፥ ገሊኡ ብጥረኡ፡ ገሊኡ ጸብሒ ማቶክዮ ተመስሪሑ፡ ገሊኡ ድማ ተጠቢሱ እዩ ዝብላዕ። ሴቦ (ኡጋንዳዊ ወዲተባዓታይ ዝጽዋዓሉ ማሕበራዊ ክንዲ-ሽም)፡ ኣብ ዓረብያ-ኢድ ጽዒኖም ፈቖዶኡ ከካላብትዎ ዝውዕሉ ኣናናስ እውን ከምኡ ሕሱር እዩ። በታ በላሕ ሰንጦም፡ ከም ድንሽ ብጥበብ ክልሕጽዎ ምርኣይ ግዳ ባህታ ይፈጥረለይ ነይሩ። ድሕሪ እዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ፍረታት ዝሓሰረ፡ ኣቕሓ-እኛቦ (ኡጋንዳዊት ጓልኣንስተይቲ ትጽዋዓሉ ማሕበራዊ ክንዲ-ሽም) ክኸውን ኣለዎ። አረ ከምኡ እዩ። ብሓንቲ ጥርሙስ ኮካ ወይ ቢራ፡ ሙሉእ ለይቲ ተሳራስረካ እኛቦ ምርካብ ከቢድ ኣይኮነን። እኛቦ እንታይ ጣጣ ኣለዋ፥ ኬፍ እንተ ሂብካያስ ኮካ ይኹን ቢራ ክትገዝኣላ እውን ኣይተሸግረካን እያ። “እኛቦ ትህበካ መን ይህበካ?!” ዝብል ምስላ እኳ ብጥራዩ ኣይተመሰለን። “እንካ!” እዩ (ዝዋዓልኩላዶ መሲለ ኣንታ?!)።
ሬሳ እውን ከምቲ ኣብ ዓድና ዝወሃቦ ክብሪ ኣይረክብን እዩ። ሓደ ቀትሪ፡ ክልተ ሴቦ፡ ገንዘብ እንተ ረኸቡ ብምባል፡ ብሓደጋ መኪና ሂወቱ ናይ ዝሓለፈት ሴቦ ጁባ ክፍትሹ ተዓዚበዮም ነይረ። ሓደ ባዓል-ሕልና ሓበሻ፡ ኣብ ልዕሊ ዉዑይ ሬሳ ዘንበራ ጃኬት፡ ብፍጥነት ብርሃን ካብ ልዕሊ እቲ ሬሳ ከም ዝተሰርቀት’ውን ሰሚዐ ኣለኹ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ዕስለ ቀተልቲ፡ ንሓደ ከም “ሰራቒ” ዝፈረድዎ ለይለይ ዝብል ሴቦ፡ ብእምኒ ድሕሪ ምጭፍጫፍ (ሊንች ሲስተም ምኳኑ እዩ)፡ ኣብ ማእከል ጎማ-መኪና ኣእትዮም ብሂወቱ ከቃጽልዎ ብዓይነይ ርእየ ነይረ። እዛ ዘስካሕክሕ ቅትለት ዝራኣኹሉ ሸጓሹግ፡ ኲሉ ሳዕ ግንብንብ እናበለኒ እየ ዝሰግራ ዝነበርኩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ሬሳ ዝሸነ ነግናግ ኮተቴ ድማ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ካብ ሓንጎለይ ኣይጠፍእን እዩ። ኡጋንዳውያን ሕያዎት ህዝቢ ክነሶም ምስ ተኣከቡ ንምንታይ ክሳዕ ክንዳኡ ከም ዝጭክኑ ብጣዓሚ እዩ ዘስደምመኒ። ሓቂ ይሓይሽ፡ ኤርትራውያን ምስተኣከብና ንምንታይ ከምዘይንራዳዳእ እውን የስደምመኒ እዩ። ኣንቱም ሰባት፡ “ሓፋሽ ሓይሊ እምበር ርእሲ የብሉን” ዝብል ዘረባ ሓቂ’ዩ ‘መስለኒ።
ኣብ ሙየንጋ፡ ሓንቲ ወርሒ ጥራሕ ኢና ተቐሚጥና። እቲ ገዛውቲ፡ ጽፉፉ፡ ሰለማዊን ምዕሩግን እኳ እንተ ኮነ፡ ኣብ ነጸላ መንደቕና ብኣውያት ድቃስ ዝኸልኣና ዋርድያ ነይሩ። ነቲ ኣንድረ ዝሽሙ ኣካራያይ ሓቲተ ጣቋ ኣውያቱ ክሳዕ ዝግንዘብ፡ ነቲ ለይተ-ለይቲ ዘእዊ ሙዘይ (ንዕብይ ዝበለ ኡጋንዳዊ ትጥቀመሉ ማሕበራዊ ማዕርግ) ክራገሞ እየ ዝሓድር ዝነበርኩ። መንፈስ ናይቶም ኣብ መሰረት ናይቲ ዝሕልዎ ቪላ ገዛ ዝተቐብሩ ዕሸላት የባህርሮ ከምዝነበረ ኣበይ ኢለዮ ኢልኩሙኒ?! ኣብ ዓድና፡ ሽሩፍ ሰልዲ ኣብ መሰረት ናይ ምቕባር ልምዲ ከምዘሎ እፈለጥ እየ። ኣብ ኡጋንዳ (ሕጂ እኳ እናተረፈ እዩ) ድማ በሰላ ዘይብሉ ሕጻን ሓሪድካ ኣብ መሰረት ናይ ምቕባር ልምዲ ኣሎ። ኣብ ክልቲኡ ባህሊ እቲ ዕላማ ተማሳሳሊ እዩ። ሓድሽ ገዛ፡ “እንጀራ ዝስሕብ መባልዕትኻ መታን ክኸውን” ዝብል ኣጒል እምነት ዘንቀሎ እዩ። ኡጋንዳ ምስኣተኻ ትውሃበካ ወርቃዊት ምኽሪ እምበኣር፥ “ ደቅኻ በሰላ ኣለዎም ተባሂሎም መታን ክናሓፉ ብህጹጽ ኣእዛኖም ከተስቁሮም ኣለካ” ትብል እያ።
ካብ ሙየንጋ ናብ ክንሳንጋ ዝበሃል ገዛውቲ ክንቅይር እንከለና ብዘይካ ነብስናን ክዳውንትናን ዝግዕዝ ኣቕሓ ኣይነበረናን። ኣማራጺ ተሳኢኑ እምበር፡ ብፍላይ እቲ ሸነኽ ካንሳንጋ-ናቡቲቲ ዝፍቶ ከባቢ ኣይኮነን። ዘይከም ካንሳንጋ-ቺዋፉ፡ ህልም ዝበለ ሻውል እዩ። ኣቐዲመ፡ ካንሳንጋ ማለት “ሓዝኩኺ” ማለት ምኳኑ ፈሊጠ ነይረ እየ። ምናልባት፡ ሓደ ክንዲ መንደፍ ዝኸውን ሴቦ፡ ንሓንቲ ኣሳዲዱ ዝሓዛ እኛቦ፡ “ሓዝኩኺ-ሃብኩኺ” ዝበለሉ ዓቢ ንእዲ ማለት እዩ ዝኸውን ዝብል ጥርጣረ ኣለኒ (ኣይትድገምዎ፡ ብመጽናዕቲ ኣይተረጋገጸን)። ኣብ ካንሳንጋ-ናቡቲቲ፡ ዓሰርተ ግዜ ተመላሊስካ እኳ ከተጽንዖ ዘሸግር ሸጓሹግ ኣሎ፡፡ ኣብኡ፡ ብስምዒት ዝተወጠሩ ሴቦ ጻውዒት-ባህሪ ዘራግፉለን፡ ማእለያ ዘይብለን እንዳ “ሃብኩኺ” ኣለዋ። ነበርቲ እቲ ጭፍልቕልቕ ዝበለ ገዛውቲ ከም ጻጸ ክተሙ እዮም ዝውዕሉ። ካብቲ ገዛውቲ ብዓሰርተ ዕጽፊ ዝበልጹ ቆልዑ፡ ከም ጽምብላሊዕ ጥራሕ ማዓኮሮም ፊል-ፊል እናበሉ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ኣብ ድርኲኺት ገዘአን ድስቲ ስኽቲተን ዝተፈጨማ እኛቦን ኣብ ፎቆዶ ኣንጎሎ ተኣጒዶም ዘውግዑ ሴቦን ድማ ቀወምቲ ምርኢት ናይቲ ከባቢ እዮም።
ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኣብዚ ሰፈር ድኻታት ዝኾነ ካንሳንጋ፡ ብኣካል ተቓራሪብና ብልቢ ግን ተራሓሒቕና ኢና ንነብር ዝነበርና። ሓደ ዓርከይ፡ ኤርትራውያን ንምንታይ ተቓራሪብና ምንባር ከምንመርጽ ብኸምዚ ኣብራህሪሁለይ ነይሩ፦ 1) ጥቓ ሓበሻ ምንባር ድሕነት ከም ዝስምዓካ ስለዝገብር፥ 2) ካብ ቀረባ ርሕቀት ንምትሕስሳድን ሓሳባት ጎሮቤትካ ንምስራቕን ስለዝምችእ ፥ 3) እንጀራ፡ ሽሮ፡ በርበረን፡ ሕሜታን ዝሽየጠሉ ድኳን ኣብ ጥቓ ገዛኻ ስለዝኽፈት። ገዛና፡ ኣብ ኣፈፌት ናይቲ ናብ ካንሳንጋ-ናቡቲቲ ዘውርድ መንገዲ እዩ ነይሩ። ካንሸሎናን ውሽጢ ገዛናን እኳ ደሓን እንተነበረ፡ ናብኡ ዝኣቱ ስሩዕ ጎደና ኣይነበሮን። ኣብ ካንሸሎና፡ ንካናዳ ፕሮሰስ ዝጽበያ ሰለስተ ስድራ-ቤት ሓበሻን፡ ሓንቲ ሱዳናዊት ስድራን ጎሮቤት ነይሮሙና። እቲ እኽሊ ዝኾነ ጎድፍረይ ዝሽሙ ኣካራያይ ድማ፡ ብሓደ ኲርናዕ ንእሽተይ ገዛ ነይራቶ። ጸላኢኡ ይደፋእ፡ ከም ስኲፍ ተኻራያይ እግሩ እናሰረቐ፡ ብሰላሕታ እዩ ዝመላለስ ዝነበረ። ብሰንኪ እቲ መዓልታዊ ዝበልዕዎ በናና ግዲ ኮይኑ ( ናተይ ትዕዝብቲ እዩ)፡ ሴቦ ኣዝዮም ዝሑላት እዮም። ናይ መን ደኣ ክወስድ፥ ጎድፍረይ እውን ከምቶም ኣሕዋቱ ከትከት ዝበለ በረድ እዩ። ኣብቲ ካንሸሎ፡ ቀትሪ ክትድቅስ ይኹን ክትሓስብ ዝካኣል ኣይነበረን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓሰርተ ካልኢት፡ ሓደ ካብቶም 12 ዝበጽሑ ቆልዑ እቲ ካንሸሎ፡ ከልቅስ ምስማዕ ንቡር እዩ ዝነበረ። ጓል ሰለሰተ ዓመት ጓለይ፡ ሽመይ እናኣቋሰየት ናይ ምብካይ ቅዲ እያ ተዘውትር ነይራ። ገለ መሳቱኣ ቆልዑ ካንሸሎና፡ ካብኣ ቀዲሖም ነታ ሽመይ ከም መብከይ ይጥቀሙላ ነይሮም። ዓወታ—ዓወታ—-ዓወታ—
**********************
ወርሒ መስከረም 2012 ሰዓት 10 ናይ ንግሆ እዩ ዝነበረ። እንሆ ምስ እምበይተይ ቑርሲ ንበልዕ ኣለና። ጓልና፡ ብንግሆኡ ናብቶም ኢዶም ቆሪጾም ክህብዋ ድሕር ዘይብሉ ሱዳናውያን ዘይራ ኣላ። ቆልዑ እቲ ካንሸሎ ድማ ኣሞራ ከም ዝኣተወተን ጨቓዊት ጯቕ ጯቕ እናበሉ ኣብ ጸወታ እዮም ተጸሚዶም። ቁሩብ ጽኒሑ፡ ሓደ ካብኣቶም ልብኻ ብዝመልሕ ድምጺ መልቀስ ክፍኑ እዩ። እቲ መልቀስ ብሽመይ ከይከውን ተስፋ ይገብር። ቁርስና ኣቮካዶ ምስ ድንሽ እዩ። ካብ ሙየንጋ ድሕሪ ምግዓዝና ድሕሪ ነዊሕ ስለዝተመለስናዮ እዩ ‘መስለኒ ፍሉይ ጣዕሚ ነይርዎ።
“ኣቮካዶ ናፊቕካዮዶ ኔርካ?” እምበይተይ ጀመረትኒ።
“’መስለኒ፡ ግን ኣይትደጋግምና ኢኺ”
“ ከድልየካ እዩ፡። ድኽምክም ኢልካኒ ኣለኻ” ክርትም ኢላ ሰሓቐት።
“ ትማሊ ኣየኸየፍኩኽን ድየ? እዚ ኮይኑ——“ ዘረባይ ኣንጠልጢለ ፍሽኽ ኢለ ጠመትኩዋ። እምበይተይ ኲልፍ ኲልፍ ዝብል ሰሓቕ እናፈነወት፡ መሪር መልቀስ ኣብ እዝነይ ኣተወ። ዓወታ—ዓወታ—ዓወታ—-።
ብሽመይ ክልቀስ እናሰማዕኩ፡ ያቆብ ዓርከይ ሃንደበት ናብ ዝኽረይ ውትፍ በለ። ሻዓ ማዓልቲ ኣብ ኣሜሪካ ኤምባሲ ቆጸራ ሒዙ ነይሩ። ዕድል ዶኾን ምስኡ ተርፍድ? ቪዛ ዶኾን ይወቕዑሉ?! እዚ ኹሉ ደኺሙ ከይነጽግዎ ጥራሕ! ተሰቀቕኩ። ፍሩያት ኣዒንቱ የማነ ጸጋም እናኣንከባለለ ኣብ ቅድመይ ቅጅል በለ፡፡ ኣብ ቅድሚ ሓንቲ ባዕለይ ዝሰኣልኩዋ ኣረጊት ቆንስል ብትጽቢት ስፍጥ ኢሉ ተራእየኒ። ምስኪናይ ያቆብ፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ብጋህድን ብሕልምን ሃሊኹ እዩ። እቲ መስርሕ ካብ ዝጅምሮ ጥራሕ ዳርጋ ዓመት ቀሪቡ ነይሩ። ቀሊል መስርሕ ኣይነበረን። መጀመርታ ብገንዘቡ ክማሃር ትቕበሎ ዩኒቨርስቲ ክረክብ ሰዓታት ምስ ኮሚፒተር ክፋጠጥ ግድን እዩ ነይሩ። ካብኡ፡ እታ ዩኒቨርስቲ ዝጠለበቶ መስፈሪታት ከማልእ መታን፡ “ቶፍል” ዝባሃል ፈተና እንግሊዝ ክሓልፍ ነይርዎ። ብድሕሪኡ’ውን ኣይደቀሰን፡፡ ንሓደ ሰሚስተር ዝሽፍን ገንዘብ ዘትሕዘሉ ሰብ ክረክብ ሞራልካ ዝትንክፍ መስገደል እዩ ኣሕሊፉ። ኣነ’ውን ገለ ካብቲ ቃንዛኡ ይካፈል ነይረ። ቅድሚ ሳልስቲ ቪዛ ክዋሃቦ ሙኳኑ ትእምት ሕልሚ ከምዝሓለመ ብተመስጦ ከካፍለኒ እንከሎ ብልበይ ከይተሻቐልኩ ኣይተረፍኩን። እንተ ነጸግዎኸ?! ሕልሚ ኢሎሞ ከከም ፈታሒኡ ዝቅላዕ ስግንጢር እንዳኣሉ!!
ኣብ ዝባን ጣውላ ኣንቢረያ ዝነበርኩ ኖክያ ዝዓይነታ ሞባይለይ ተዳህየት። ያቆብ ዓርከይ ክኸውን ኣለዎ! ብልክዕ ንሱ እዩ ዝነበረ። ኣብ ኢደይ ሒዘያ ዝነበርኩ ኲላሶ ናብ ሸሓኒ መሊሰ ሸፈትፈት ኢለ ተቐበልኩዋ።
“ ሃለው ያቆባ፡ ጥዑም ወረ እስከ ኣስማዓና”
“ ኣይሰለጠን በጃኻ ኢለካ!” ድምጹ ብኽያት ዝሓዘለ መሰለ።
“እንታይ ትብል ወደይ!”
“ ነጺጋትኒ ጓል’ዛ ቡታኔላ”
“ ኣበይ ደኣ ኣለኻ ሕጂ?”
“ ኣብቲ ጥቓ ኡቹሚ ሱፐር ማርኬት፡ ላ ፔቲት ድዩ ዝበሃል፡ ኣብኡ ኣለኹ”
ቁርሰይ ኣሞንጒየ ተንሳእኩ። ንያቆብ ሒዘዮ ንገዛ ክምለስ ምኳነይ ንእምበይተይ ቃል ኣትየ፥ ብተብተብ ክዳነይ ቀይረ፥ ንኾን ዶኾን ሚእቲ ዶላር ተማሊአ፥ ጓለይ ስዒመ፥ ጯቕ-ጯቕ ናይቶም ቆልዑ ተፋንየ፥ ካብ ካንሸሎና ወጻእኩ። ብማእክል እቲ ዝነቐጸ ዓሳ ዝሽየጠሉ ብሩኳን ዝበስበሰ ጨናዊ መንቀራቕሮ ሓሊፈ፡ ነቲ ካሳቫ ዝሽየጠሉ መደዳ ሰጊረ፡ ጽርግያ ብምብጻሕ ቦዶ (ህዝባዊ መጓዓዓዚ ሞተር ሳይክል እያ) ክሳፈር ኣብ ፊት ካንሳንጋ ማርኬት ደው በልኩ። ንያቆብ ብምንታይ ከም ዘጻናንዖ እናኣሰላሰልኩ ባዓል ቦዳ ኣብዛ ቅድመይ ደው በለ። ሽሕ ሽሊንግ (ኣይትሰምብዱ፡ 100 ዶላር ርብዒ ሚልዮን ናይ ኡጋንዳ ሽሊን እያ ትሽረፍ) ክከፍል ተሰማሚዐ ናብ ኡቹሚ ገጸይ ተበገስኩ። ብማእከል መካይን ሽሉኽሉኽ እናበልና፡ ነታ ስካቡሊ ሓበሻ ዘዘውትርዋ ሰላም ቁርሲ ቤት ሓሊፍና፡ KIU ዩኒቨርስቲ ንጸጋም ገዲፍና፡ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ካባላጋላ በጺሕና ደው በልና።
ብካባላጋላ ዝመጻ መካይን ቀዳምነት ተዋሂብወን እናሓለፋ ርእሰይ ጠውየ ናብቲ ጽምዋ ዘይለኽዮ ካባላጋላ ጠመትኩ። ሙቁር ግን ከኣ ባዓለገ ገዛውቲ እዩ። ቀደም፡ ሓደ ሴቦ፡ ኣብ ሕምብርቲ እዚ ገዛውቲ ኣሳፊሑ “ካባላጋላ” ዝባሃል ውዑይ ዶልሺ (ጭሕሚ ዓንተር) ይሸይጥ ነይሩ። እዚ ምቁር ዝኾነ ገዛውቲ፡ ትኽስ ኣይብልን እዩ። ኣብ ሞንጎ ክልተ ባራት ካልእ ባር ተቐርቂራ ኣላ። ብኣራግጽ ናይተን ከም ጻጸ ወረር-ወረር ዝብላ መካይንን ቦዳን ሓሚዱ እዩ ዝውዕል። ብወዛሕዛሕ መንገደኛታት፡ ሸቃጦ፡ ሸመትቲ፡ ዓጠርትን ዓጣሮን ዓቅሉ ጽብብ እዩ ዝብሎ። ብፍላይ ኣብታ ኣውራ ጎደና ብዙሕ ዓይነት ዋኒናት ኣሎ። እንዳ ሻሂ፡ እንዳ ቀምቃማይ፡ እንዳ ደላላይ፡ ቤት መግቢ፡ እንዳ ክዳውንቲ፡ እንዳ ስጋ፡ እንዳ ጠበቓ፡ እንዳ ቀመም፡ እንዳ ቖናኒት፡ እንዳ ሓዝኩኺ፡ እንዳ ሃብኩኺ፡ እንዳ——-ኣሎ።
ኣብ ካባላጋላ፡ ካፒታል ዝባሃል ክልተ ጽርጊያ ዝዳወብ መጋህለል ለይታዊ ትልሂት ኣሎ። ኣብኡ፡ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ክስዕስዑን ፑል ክጻወቱን እዮም ዝሓድሩ። ኲሉ ብሰላም እዩ ዝኸይድ። ዘይከም ሓበሻ፡ ሴቦ ብዘይካ ሰሓቕን ሳዕስዒትን ባእሲ ኣይፈልጥዋን እዮም። ካብ ካፒቶል ፍንትት ኢሉ፡ እቲ ወትሩ ዕሙር ዴፖሽ ክላብ፡ ብርኽ ኢሉ ተኴይጡ ኣሎ። ምድሪ መስያ ክሳዕ ትወግሕ ዝነጥፍ ፋብሪካ ሳዕስዒት እዩ። ኣብዚ መርገጽ እግርኻ ዘይርከቦ ክላብ፡ ዘይስራሕ ዓይነት ሳዕስዒት የለን። ሴቦ ክእለቶም ዘፍስሰሉ ሜዳ እዩ። ኲድም ኲድም ዝበለ ንዓይኒ ዘዋናውን መዓኳዂር እኛቦ፡ ምስ ባይታ ከም ዝተጋጨወ ስምብር፡ ኲምትር-ልቕቕ ክብል’ዩ ዝወግሕ። እግረን ኣልዒለን፡ ቁልቁል-ኣፈን ዝትውርኻ ( Twerking ካብ ዝብል ቃል ኣንግሊዝ ዝተወስደ እዩ) እኛቦ እውን ኣለዋ። ኣብ ዴፖሽ፡ ከይተረደኣካን ከይተረደኣን እያ ጸሓይ ትበርቕ። ጸሓይ በሪቓ ገገዛኻ ክትከይድ ከለኻ እውን እቲ ምርኢት ኣይውዳእን እዩ። ካብዝን ካብትን ቢራ ክግፍጣ ዝሓደራ እኛቦ፡ ሽንተን ከም ፈረስ ብደወን –ጨራዕ–ራዕ–ራዕ እናኣበላ ኣብቲ ጽርጊያ ክፍርሽሐኦ ምርኣይ ልሙድ ትርኢት እዩ።
ምሕላፍ ተራና ምስ ኮነ፡ ንመስቀላዊ መንገዲ ካባላጋላ ተሳጊርና፡ ኣብ መንገዲ ንሳምቢያ ሒደት ድሕሪ ምኻድ ንኡቹሚ ሱፐርማርኬት ሰጊርና ኣብ ፊት ላ ፔቲት ቪለጅ ደው በልና። ሕሳብ ቦዳ ከፊለ፡ ላ ፔቲት ቪለጅ ኣትየ ቀባሕባሕ በልኩ። ያቆብ ብድምጽን ምልክትን ኣሰንዩ ጸዋዓኒ። ጸሊም ሙሉእ ባድላን ጻዕዳ ካምቻን እዩ ተኸዲኑ ነይሩ። ካብ ክሳዱ ዘውረዳ ቀያሕ ቱኳዕቱኳዕ ክራባታ ኣብ ጁባ ናይ ስረኡ ተቐልቂላ ነበረት። ክንሰዓዓም እንከለና ገጹ ትኪ ተኸዲኑን ኣብ ኣፍንጭኡ ዝነበረ ማዳ ጎሊሑን ተራእየኒ። ሰድያ ስሒበ ኣብ ጎኑ ኮፍ ድሕሪ ምባል ብድንጋጸ እናጠመትኩ እቲ ኩነታት ከመይ ከም ዝነበረ ሓተትኩዎ። ሕርቃኑ ዘውጽእ ቃላት ሓዋዊሱ ከዘንትወለይ እንከሎ ክነፍሰሉ ብምባል ብዘይ ምቊራጽ ሰማዕኩዎ። ብድሕሪ እዚ፡ ነተን ዝነበራኒ መጻናንዒ ቃላት ተጠቂመ ድሕሪ ምእባድ ገዛ ኬድና ክንዛናጋዕ ተኳተኽክዎ።
“ በጃኺ ግደፈኒ። ሕማቕ ኣለኹ።”
“ በጃኻ ነዓናይ፡ እምበይተይ ቡን ጌራ ትጽበየና ኣላ።”
“ ሕጂ ሓንቲ ነገር ጥራሕ እያ ትራኣየኒ ዘላ ዝ’ዓርከይ። ማራ ተባሳጭየ ስለዘለኹ፡ ከም መንካዕ ቊልቊል ኣፈይ ክድቅስ ኣለኒ።”
“ ግደፍ እባ፥ መንካዕ እኳ ቪዛ ምስተነጽገት ኣይኮነትን ከምኡ ገይራ ክትድቅስ መሪጻ። ናይ ኣቡኣ እዩ። ገዛ ምኻድ እንተ ጸሊእካዮ ናብ ካልእ ቦታ ክንከይድ ንኽእል ኢና።“
“ በጃኻ ግደፈኒ“
“ እንዲያሞ ከመስጀካ—–ደልዳላ እኛቦ ድህጽ ድህጽ ምስ ኣበለትካ—”
“ ማሳጅ ድማ ተራእይኒ” ኣብ ኲርናዕ ከናፍሩ ቁሩብ ፍሽኽታ ረኣኹ። በታ መስመር እቲኣ ከም ትሰልጠኒ ተተስፍየ ደፋእኩላ።
“ካብቲ እንዳ ማሳጅ ድማ ናብ ኬፍ ዝሃበካ ቦታ ክንከይድ ኢና።”
ያቆብ ድሕሪ ሒደት ክርክር ኣብ ሓሳበይ ረዓመ፡፡ ካብ ኡቺሚ ወጺእና ሚኒባስ ድሕሪ ምስቃል ናብ ከተማ ገጽና ተበገስና። ገና ክልተ ፋርማታ ከይከድና፡ እቲ ፎቶሪኖን ሰለስተ ተሳፈርቲ ሴቦን፡ ብቋንቋ ባጋንዳ ብርሱን ቃል እናተመላለሱ ነታ ሚኒባስ ቀውጢ ገበርዋ። እቶም ክልተ ምስ ያቆብ እቲ ሓደ ድማ ምሳይ እዮም ኮፍ ኢሎም ነይሮም። ኣነን ያቆብን ብዛዕባ ምንታይ ይጨቓጨቑ ከምዝነበሩ ጋን ኮይንና ኣቕባሕባሕና፡፡ ቀባሕባሕና ከይወዳእና፡ እታ ሚኒባስ ብሰንኪ ብልሽት ናብ ከተማ ከምዘይትኸይድ ኣመኻንዮም፡ ክፍሊት ከይሓተቱ፡ ንኽልቴና ኣብ ኣጒል መንገዲ ኣውረዱና። ሴቦ ብዘረባ ክናሃሃሩ ክሰምዕ ንመጀመርታ ግዜይ እዩ ዝነበረ። እንታይ መኻልፍ ይባሃል እዚ ደቀይ?! እንታይ ኮን ኣከራኺርዎም ይኸውን?! ድንዙዛት ሴቦ! ንምንታይ እዮምከ ንኽልቴና ጥራሕ ኣውሪዶሙና? እታ ሚኒባስ ካብ ዓይንና ክትርሕቕን ምስትውዓል ዝባሃል ፍላጻ ኣብ ርእሰይ ክኣቱን ሓደ ኮነ።
“ ያቆባ፡ ጁባኻ እስከ ፈትሾ” ስምቢደ ኣሰምበድኲዎ። ያቆብ ኩሉ ጁባታቱ ፈታቲሹ ኣዕሙቑ ኣስተንፈሰ። ካብ ዝፈራሕኩዎ ኣይወጻእናን። ኣብ ኢዱ ብዘይካ ፓስፓርት፡ እታ ክራባታን፡ ፊጥ ዝበለሉ ቁርጽራጽ ሶፍትን ካልእ ኣይነበረን። ኣብ ጁባኡ ዝነበራ 120 ሽሕ ሽሊንግን ሳምሱን ዝዓይነታ ሞባይሉን ተሰሪቑ ነበረ። ሺት!
“ እንታይ ወያል መዓልቱ’ዩ ወደይ! እዘን ድንዙዛት ድማ ጊደአን ጌረን”
“ ኣሕ! ተጻዊተናልና ሴቦ። ዘረባ እንዶ ግዳ ኣብዚሐን፡ ክላእ፡ ለኪመካ ያቆባ ዓርከይ”
“ ናይ መዓልቲ ነገር እዩ። ሽግር ሓንሳብ እንተ ጀሚሩ ይጸዋዋዕ እዩ።”
“ ሓቅኻ ኢኻ ። ቀልጢፍና ሽንፋእ ንንጸግ!”
“ ጉርሽከ እሞ? እተን ዝርካበይ እዘን ድንዙዛት ሴቦ—-”
“ ደሓን ናይ ገንዘብሲ፡ ቅሰን!” ብውዕዉዕ መንፈስ ኮለፍኩዎ።
ዕጫ ያቆብ ገጢሙኒ ከይከውን እናተጠራጠርኩ ጁባይ ፈተሽኩ። ደሓን ይእቶ በንጃሚን ኣየግዳዓንን። ሚእቲ ዶላረይ መሰስ ኢላ ወጸት። ሞባይለይከ?! እንደገና ጁባይ ሓደ ብሓደ ፈተሽኩዎ። ሺት! ናዓይ ድማ ሞባይለይ ገይረናለይ! እዘን ድንዙዛት ሴቦ ከመይ ኣዲአን ገይረን እየን ኣዐንዚዘናና ሎሚ?! ናይቲ ገንዘብሲ ደሓን ምኾነ፥ ትንፋስና ዝኾና መባይል ምስራቐን ግን መርዘን ዘላዕል እዩ ነይሩ። ካልእ ይትረፍ፡ ቁጽሪ ሞባይል እምበይተይ እኳ ብልበይ ዘይሓዝኩዎ። ከመይ ዝበሉዋ ርኽስቲ መዓልቲ ጎነፈትና ደቀይ?! ከቶ ብርቱዕ ሽንፋእ ዘድልያ ማዓልቲ እያ!!! ብህጹጽ ኣብ ሓንቲ ቦዳ ተወጢሕና፡ ኣብ ክንዲ ንከተማ ናብ ናኩማት ገጽና ተመርቀፍና።
*****************************
ነታ ውጻእ መዓት ዶላር ኣሽሪፍና ሽንፋእ ምንጻግ ክንጅምር እንከለና ፍርቂ መዓልቲ ክኸውን ዝተረፎ ኣይነበሮን፡፡ ቅድም ቀዳዳም ነብስና ክሳዕ ዝህደስ ኣብ ትሕቲ ኣእዳው እኛቦ ከም ሕሱም ተመሰጅና— ካብኡ ድልዱላት ፒሳ ደርዓምና–ብድሕሪኡ ኣጽፋርናን ርእስናን ተዘዝ ክሳዕ ዝብለና ሓሓዴና ኣፕል-ሚንት ሽሻ ኣትከኽና—ካብኡ ብምቕጻል፡ ናብቲ ሃርድ ሮክ ዝባሃል ዘመናዊ ባር ብምኻድ ታስከር ማልት ቢራ ተታሓሓዝናዮ። ኣብ ነዊሕ መንበር ተኴይጥና፡ ብድነ ብርሃን እናተረኣኣና፡ ዝተፈላለየ ጣዕመ ዜማ እናኣስተማቐርና፡ ኣብ ጥዑም ወግዒ-ቀደም ተጸመድና።
ወግዕና ኣናተፍትለ ናብ ኣስመራን ኬፋትን ተመላለሰ። ነውጽአን ዝነበርና ሄዋናት በብሓደ ዘርዘርናየን። ዝሳዕሳዕናሎም ናይት ክለባትን፡ ብርእስና ዝኸድናሎም ባራትን ብምድፍናቕ ዘከርናዮም። ስሒቕና ዝጸገብናዮም ኣጋጣሚታት ከም ሓድሽ ዳእላ ሰሓቕናሎም። ኣብ ከምዚ እንከለና ኣዒንቲ ያቆብ ናብ ሓደ ኣንፈት ተተኺለን ኣስተውዓልኩለን።
“ እሂታ፡ ደሓን ዲኻ?” መልሲ ከይተጸበኹ ናብቲ ዝጥመትሉ ዝነበረ ኣንፈት ጠመትኩ። ኣነ ኣየስተውዓልኩላን እምበር ኣብ ፊትና ወይናይ ዝሕብራ፡ ብርኪ ሊሎ ጓል ኮፍ ኢላ ነይራ። ዘይከም መብዛሕተን እኛቦ ጸጉሪ ርእሳ ኣብ ሞንኲባ እዩ በጺሑ። ሰለብቲ የዒንታ ኣብ ማእከል እቲ ድነ የቕበዝብዛ ነይረን።
“ ክላስ ዘለዋ ቆልዓ እያ። ቁመታ፡ ቅርጻ፡ እቲ እውን ይህልዋ ይኸውን’ዩ። ቅትርቲ—ሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃ’ ያቆብ ንላዕሊ ገጹ ኣንቃዕሪሩ ሰሓቐ። ኣነ’ውን ቅትርታ ግዲ ደው ኢላ ተራእያትኒ ክርትም ኢለ ሰሓቕኩ። ነታ ጓል ብምጽዋዕ ኣብ ማእከልና ኮፍ ኣበልናያ። ከም መእተዊ ዕላል፡ ፓትሪሻ ከም ትባሃልን ሩዋንዳዊት ምኳናን ነገረትና። ልስሉስ መስተ ኣዚዛ ፡ ብሽጋራ ዕምብረ እናኸደነትና፡ ዕላልና ቀጸልና። ህጡር ታሕተዋይ ከንፈራ ተሳዒሙ ዝጽገብ ኣይመስልን እዩ። ብትኽ ዝበለ መዓንጣኣ፡ ሕብጥ ዝበላኣ ዳናጉኣ፡ ምስቲ ዝተወጠረ ኣጥባታ ኣይኮነን ዓለም ቀሺ እኳ መስሓተ። የዒንታ፡ ዓሙቕ ናይ ወሲብ ሚስጢር እዮም ዘንጸባርቑ።
ያቆብ ኣብ እዝና ሕሹኽ ክብላ ረኣኲዎ። ዋጋኣ ይሓታ ከምዝነበረ ኣይተጠራጠርኩን። ኣብቲ ገዛ ዝዝምብያ ዓጣሮ ክቡራት ምኳነን ሰሚዐ ነይረ። ኣብ ጁባይ ሚእቲ ዕስራን ሽሕ ሽሊንግ ጥራሕ እየን ተሪፈን። ገና ዘይተኸፍለ ሕሳብ ኣሎ። ኣንታ እዚ ወዲ ዝርካብና ከንቑረና እዩ! ዘይልከፍ ዋጋ ክትሓቶ ብልበይ ጸሎት ኣብጻሕኩ። ጸሎተይ ክሰምር ግዜ ኣይወሰደን።
“ ክብርቲ እያ ‘ዛ ዓርከይ” ያቆብ እናኣስተማሰለ ጠመተኒ።
“ ክንደይ ኢላትካ”
“ ክንዲ እተን ዝሰረቑና”
“ ኤህ ደኣ ሴቦስ!! ካብ ምድንዛዝ ኣየውጽእኩም!! ከም ህበይ በናና ክትበልዑ ንበሩ!!” ተራገምኩ። ፓትሪሻ ቀባሕባሕ እናበለት ኣበርቲዕና ሰሓቕና።
ያቆብ ተስፋ ኣይቆረጸን። የዒንቱ ብፍትወት ቀምበይበይ እናበላ ደጋጊሙ ፈተነ። ፓትሪሻ፡ ዋላ እኳ እንተ ወረደት ካብ ሱሳ ሽሕ ንታሕቲ ፈልከት ምባል ኣበየት። ኣብቲ ኣቕሓ-እኛቦ ብጥራዩ ዝረከበሉ ካምፓላ፡ ዓይንኻ እናረኣኻ ሱሳ ሽሕ ሽሊንግ ምኽፋል ናይ ሓጥያት ኣውራ እዩ። ንፓትሪሻ ተፋኒና፡ ሓንቲ ቦዳ ተወጢሕና ናብታ ምቅርቲ ካባላጋላ ገጽና ተበገስና። ሰዓተይ ረኣኹዋ። በስመኣብ! እምበይተይ ከይደወልኩላ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ናይ ምሸት ኮይኑ ነይሩ። ብሻቕሎት መሬት ክንዲ ዓውዲ ጸቢባታ ከምዝወዓለት ነብሰይ ይነግረኒ ነይሩ። ወይ ኣነ ዕደ!! ንዓመታት ንኣደይ ዘሻቐልኩዎ ከይኣኽለንስ ንእምበይተይ ድማ ኣረኻኺበለ። ከመይ ዝበሉኒ ዝሩግ ፍጥረት እየ ኣንታ?! ከመይ ገይሩ እዩ ፈጢሩኒ?! ነብሰይ እናተራገምኩ ከም ዑፍ በረርና።
ካባላጋላ በጺሕና ናብ ዴፖሽ ኣምራሕና። መዓልቲ ስራሕ እኳ እንተ ነበረ፡ ዴፖሽ ብሰብ ኣዕለቕሊቁ ደኣ ጸናሓና። እዚ ገዛስ እምበርዶ ጣቋ ኣለዎ?! ኣብቲ መሰረቱ እኳ በሰላ ዘይብሎም ዓሰርተ ቆልዑ ቀቢሩ ይህሉ? እንታይ ዝበለ ሽሻይ እዩ ተፈቲሕሉ? እናሓሰብኩ ናብ ማእከል እቲ ጸለምቲ፡ ጸዓዱን ህንድን ዝስዕስዕሉ ዝነበሩ ቀስተ ደመና መድረክ ኣተና። ገና ቀዋሚ ሰፈር ከይሓዝና፡ “ፐርሰናሊ” ትብል ደርፊ ፒ-ስኴር ኣርከበት። ንእለታ፡ በዚኣ መጺኣ ዘይበልኩዋ ወደል እኛቦ፡ ልሕግ ኢላ ከተሳዕሳዓኒ ጀመረት። ፐርሰናሊ—-ፐርሰናሊ—-ኣይ ካን ዲል ዊዝ እዩ—-ፕሮፈሽናሊ፡ ባዮሎጂካሊ–ሴክሹዋሊ–ኣይ ካን ዲል ዊዝ ዩ—ሃባ—ሳጋ—እታ ደርፊ ብጥዑም ህርመትን ማእለያ ዘይብሉ ቅጽልን ተተኽቲካ ደመቐት። እታ እኛቦ፡ ማዓኮራ ኣብ ሞንጎ ኣስላፈይ ኣእትያ ሓስሓሰትኒ። ጎሎኣ ደጊፈ እናኣሳዕሳኩዋ፡ ኣመቱ ንምግባር ስርቕ ኣቢለ ናብ ያቆብ ጠመትኩ። ሻዓ ንግሆ ቪዛ ተነጺጉ፡ ገንዘቡን ሞባይሉን ዘጥፈአ ሓዘንተኛ ይመስል ኣይነበረን። ኣሻቡ ከምዝሰለጦ፡ ምስ ሓንቲ ምጭውቲ እኛቦ ኣናሳዕሰዐ፡ ጸጸኒሑ ከም ጀላቶ ይልሕሳ ነይሩ። እቲ ካብ ሃርድ ሮክ ኣትሒዙ ከዕገርግሮ ዘምሰየ ፍስሓ ከይከዓወ ከምዘይዓርፍ ተገንዚበ ፍሽኽ በልኩ። “እንቋዕ ደኣ ዴፖሽ መጻእና እምበር ብጥራዩ ክኽዕወን እዩ” ምስ ነብሰይ ተዛሪበ ምስዕሰዐይ ቀጸልኩ። ጥበብ ዝተመልአ ምንቅስቓስ ናይታ እኛቦ ኣብ ሞንጎ ኣስላፈይ ክርቢት ሸርጢጡ ኣራሰነኒ። ንያቆብ ቀዲመዮ እኳ ሻሕ የብለን?! እምበይተይ ብኣቮካዶ ዘዋህለለተን ፍስሓ፡ ኣብ ድሕሪ-ገዛ እኛቦ ከይክዕወን ተሰኪፈ ነታ ወደል ካብ ነብሰይ ፍንትት ኣበልኩዋ።
ምዕራባውን ኣፍሪቃውን ጣዕመ ዜማ ተበራረየ። እታ እኛቦይ፡ ዝዓደግኲላ ቢራ ሓኒቓ፡ ከም ኣመጻጽኣኣ በዚኣ ከይዳ ከይበልኲዋ ተሰወረት። ካሚልዮን ዝበሃል ህቡብ ኡጋንዳዊ ደራፋይ፡ በቲ ብርቱዕ ድምጹ፡ “ባድሊሻ” እናበለ ንዴፖሽ ከዕለልቓ እንከሎ ምስ ካልእ እኛቦ ናብ መድረኽ ኣተኹ። ብሓደ ኲርናዕ ያቆብን እታ ምጭውትን ተጣቢቖም ክስዕስዑ ረኣኹዎም። ሆቴል ምሓዙ ከምዘይተርፎ ገሚተ፡ እናሳዕሳዕኩ፡ ብፍርቂ ልበይ ነተን ኣብ ጁባይ ዝተረፋ ሺሊንግ ቆጸርኩወን።
“ ኦንሊ ፊፍቲን- ዓሰርተ ሓሙሽተ ጥራሕ” እታ ሓዳስ እኛቦ ኣብ እዝነይ ጽግዕ ኢላ ሑሹኽ በለትኒ።
“ እንታይ ኢልኪ” ሓተትኩዋ ነተን ኣብ ጁባይ ዝተረፋ ቆጺራ ዝነገረትኒ እናመሰለኒ። ብዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ሽሊንግ ክተጥመኒ ድልውቲ ከምዘላ ደጊማ ሓበረትኒ።
“ በዓል ሓዳር እየ”
“ ካብ ናይ ሰበይትኻ ዝበልጽ ገይረ ክህበካ እየ”
“ ይቕሬታ፡ ኣይደልን እየ”
“ ሐራይ፡ ሓሙሽተ”
“ ናይ ገንዘብ ኣይኮነን። ካብ ገዛይ መንገዲ ርብዒ ሰዓት እየ ዘለኹ”
“ ቢራ በል ግዝኣለይ”
“ ገንዘብ የብለይን”
ተጋራጫዊ ዘረባይ ግዲ ኣጽሊእዋ፡ እታ ደርፊ ከይተዛዘመት፡ ኣብቲ መድረኽ ጥንጥን ኣቢላትኒ ተዓዝረት። ኣብ ማእከል እቲ ዕስለ ህዝቢ ንበይነይ ምስዕሳዕ ቀጸልኩ። ኣብ ጥቓይ ሓደ ፍሽኽታ ዘየቋርጽ ህንዲ ይስዕስዕ ነይሩ። ነተን ብምቕጣነን ዝኣክል ናቱ ዘይመስላ ኣእዳው እናኣወናጨፈ፡ ገዚፍ ርእሱ እናነቕነቐን፡ ካብ ህርመት ወጻኢ ፈንጠርጠር ክብል ምርኣዩ ዘየስሕቕ ኣይነበረን። ገጸይ ጠውየ ክርትም ኢለ ሰሓቕኩ። ሰሓቐይ ከይወዳእኩ፡ ኣብ ጥቃይ ዝጸነሐት ካልእ እኛቦ ከተሳዕሳዓኒ ጀመረት። ኣፋ ቅድሚ ምኽፋታ ቀዲመ ከፋንዋ ብምባል ሰዓተይ ረኣኹ። ዴፖሽ ካብ ንኣቱ ድሮ ሰለስተ ሰዓት ሓሊፉ ነይሩ። ሕጂ ገዛይ ክኸይድ ኣለኒ!! ያቆብን እታ ምጭውቲን፡ ናብ ዓራት ገጹ ክወድቕ ከምዝቐረበ ዳሜራ ሃልሃል ይብሉ ኣለዉ። ኬፋት ያቆብ ከየባላሸኹ ሸተት ኢለ ገዛይ ዝኸደላ ሰዓት ዝቃጨለት ኮይኑ ተሰማዓኒ። ነታ ሓዳስ እኛቦ ይቕሬታ ሓቲተ ናብ ባዓል ያቆብ ገጸይ ከድኩ።
“ ያቆባ፡ ገዛ ክኸይድ ኣለኒ። እምበይተይ ብሻቕሎት—-”
“ “ክሕነቕ እየ’ ስለዝበለ ክሕልዎ ተካለይ ውዒለ በላ። “ተካለይ’ ትብል ቃላ ከይትርስዓ” ኲልፍ ኣቢሉኒ ክርትም ኢሉ ሰሓቐ። ኲሉ ነገራት ዝረሰዖ እዩ ዝመስል።
“ እንታይ ደኣ፡ ምሕሳው ዘይተርፍ እዩ። ከተደሩማ ዲኻ?”
“ እወወ–ከይተሰለኻ መወግዒ ግደፈለይ። ኣለና ምሽ?!”
“ላስቲክ ኣይትረስዕ!” ሞንኮቡ እናጠብጠብኩ ኣብ እዝኑ ሕሹኽ በልኩዎ። ብድሕሪ’ዚ ንቦዳ ዝኾናኒ ሰለስተ ሽሕ ኣትሪፈ ነተን ዝተረፋ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ብጥበብ ናብ ጁባኡ ኣሰጋገርኩወን።
ንክልቲኦም ተሳናቢተዮም ካብ ዴፖሽ ወጻእኩ። ካብቲ ጽርጊያ ዝዓደግኩዋ ማስቲካ እናሓየኽኩ ቦዳ ክጽበ ኣብቲ ማርሻቬዲ ደው በልኩ።
“ ክልተ ሽሕ ጥራሕ” ሓንቲ ዘፍጣጥ እኛቦ ብፍጥነት ተጸጋዓትኒ።
“ ዓርከይ ኣብ ውሽጢ ዴፖሽ ኣላ”
“ሐራይ ብናጻ፡ ሓንቲ ሽጋራ ጥራሕ ሃበኒ”
“ይቕሬታ ሽጋራ ኣየትክኽን እየ”
ደሓን ይእቶ፡ ብሙየንጋ ዝመጸ በዓል ቦዳ፡ ኣብዛ ቅድመይ ደው ብምባል ገላገለኒ።
“ ንካንሳንጋ፡ ናቡቲቲ ሮድ፡ ክንደይ ትወስደኒ?”
“ ሓሙሽተ ሽሕ!” ሓሙሽተ ኣጻብዕቱ ዕሙኽ ኣቢሉ ጠመተኒ። ዓይኑ በርበረ ዝተኸድነ ሴቦ እዩ።
“ ክልተ ሽሕ ውሰደኒ”
ዓይኒ በርበረ ርእሱ ብምንቕናቕ ክድይብ ኣመልከተለይ። ድሕሪ ዓሰርተ ሹዱሽተ ሰዓታት ንገዛይ ክምለስ ቦዳ ተወጣሕኩ። ኣብ መንገዲ ካንሳንጋ ከም ንፋስ እናተሓንበብና ብልበይ ክደርፍ ጀመርኩ። መጻእኩ እምበይተየ—እምበይተየ—እምበይተየ—-እምበይተየ——-