ኣቲ ምቃለይ ምቃል ጐድነይ
እዚ ኩሉስ ትዝክሪዮዶ፧!
“ ጓ ል ካ
ንዝብኢ ሃባ
ንዝብኢስ ኣይትሃባ
ንዝመጸ‘ካ ሃባ ”
ብዝብል ምስላ:
ብግዲ ብባህላዊ ጸቕጢ
ብገበላን ብውሻጠን ክትጽቀጢ።
ህውኽ ህውኽ ንመን ዘይገረሞ
ያኢ! ብርክኺ ክትሰብሪ
ኣጓብዝ ዓድና ዳስኪ ሸሊመሞ።
እንተ ንስኺ
ስእላ ጽብቕቲ ስእላ ዓይኒ ርግቢ:
እተን የዒንትኺ ደም ‘ናነብዓ
ምስ መርዓ
ተቖጺሩ እቲ ናትኪ መርዓ።
ሕጊ‘ንዳባ ከኣ ድብልቕልቕ
ኣብ ቅድሚ‘ቲ ሆጭ ዘለ ዕዱም
እቲ ሓደ የጸብቕ
እቲ ሓደ እጽይቕ።
ብኻ‘ባ!!…
ብኻባ‘ቲ እቲ ሽዑ:
ናይ ሄር ወዲ‘ዝጊሄር ዘለዎ
ምስ ዝድንግጽ ማዕዶ ብጭሉቕ
ኮንዶኾን ምሓሸኪ ነይሩ ብምሉቕምሉቕ፧
ኮይኑ ግን:
ኮይኑ ስእላ ሓፍተይ
ኮይኑስ ተፈጺሙ!
ብድምጺ ጣቕዒት ብድምጺ እልልታ
ብድምጺ ከበሮ ብድምጺ እምብልታ
ካብቲ ማእከል ዳስ ብሻሽ ተሸፊንኪ
ኣብ ኮረሻ በቕሊ ተሰቒልኪ።
ኣብዚ ሎሚ ሎሚ
ብናይ ህይወት ዝኽሪ
ይትረፍዶ ንዓኺ
ንዓይ‘ኳ እዝከረኒ።
እምበርከ እቲ ሽዑ‘ንዴን
እተን መሓዙትኪ እተን እትፈትውየን
ሰብ ኣበጀዲድ ሰብ መስተር ወለባ
ከምዚ‘ለን ደሪፈን ሩባ ‘ናሳገራ።
….. “ ስእላ‘የ ስእላ መዓቢተይ
መሓዛ ጐልጐለይ መሓዛ ቅርዓተይ:
ስእላ‘የ ስእላ መዛልልተይ
ትዝክሪዶ ክንዕንድር ከምቢተይ:
ስእላ‘የ ስእላ ተፈታዊት
ምሳና ዓቢኽስ ሕጂ ንኣራዊት:
ሂቦምኺዶ ንዳንደ ንሃላይ
ክሕምብስ ዝውዕል ኣብ ጨናዊ ቃላይ:
እዚ ትንኽነኽዮ እዚ መሪር ንብዓት
ኣብቲ ቅርዓት የውርደሎም መዓት:
ንስእላ ዝሃበ እቲ መማጽኢ‘ሞ
የማነይቲ ዓይኑ ትጥለሞ:
ልቢ መዘናኺዶ ከስቘንቁን ውዒሉ
ከብዲ ዓያሹ ግን ክበልዕ ውዒሉ:
እቲ ንብዓትኪ‘ዩ ዝመስሎም ጸወታ
ኣይትመብዒዮ‘ስኪ ነቢዕና ገበታ:
ስእላ ኮኾብ ጽባሕ ስእላ ክንዲ ኩለን
ይትረፍዶ ሰብ አዕዋፍ‘የን ሓዚነን:
ናብ‘ቲ ‘ዕደ!‘ ናብራ ይወስዱኺ‘ለዉ
ምሉቕ ኢልኪ ምጺ ደቂሶም ከለዉ:
ስእላ ቅጭን ስእላ ቆቋሕ በርሀ
ጽባሕ ተመለሲ መሬት ከይወገሐ:
መዓንጣኺ ላኻ — ላኻ ቀይሕጽልሚ
ኣብኡ ከይትሓግዪ ኣብኡ ከይትኸርሚ:
እታ ቅርዓትና‘ኳ ካዕቦ ናፍቖታ
ምስ መን ከነሕልፎ ጸወታ ጸወታ:
ወለባይ ወለባይ ኣብቲ ጽላል ዳዕሮ
እምቢ ከይብለና ዝህረም ከበሮ:
ጓለ–‘ባጅጎ ጓል ሩባ ጓል ሻኻ
ንስኺ ዘይብሉስ ይብረስ ‘ዚበረኻ:…።“
እናበላ ምስ ጥዑም ቃናአን
ምስ‘ቲ ጠቃር ሓዳር
እንታይ ከምትኾኒ ነፍሰን ነጊሩወን።
እቲ‘ኳ:
ምስ‘ዝጊ ዝውዕላ
ሓቀን‘የን
እዝጊ‘ዩ ኣዛሪቡወን።
ካብዚ ትነብርዮ!
ካብዚ እትሳቐይዮ!!
እንታይከ ዝኸፍእ ኣሎ፧!!!
ብንፋስ ካብ ዝኣትወካ ውግኣት:
ካብ ቅርጸት ከብዲ:
እንታይዶ ይፈልዮ‘ዩ እዚ ናብራኺ፧
ኣብ ሓዊ ከምዝኣተወት ጽንብላሊዕ
ኣብኡ ክትልለዊ
ኣብኡ ክትቅለዊ
ኣቲ ክንደይ ከ ትጸንዒ፧!!
በሊ ሎሚስ …
በቃ ይኣክል ስእላ ሓፍተይ:
ሰብ ኢኺ ከም ሰብ
ሰብ ኢኺ ጓል ሰብ
ውሑድ ዶ ተጨቊንኪ:
እቲ ዓቕልኺ‘ኳ ልዕሊ ዓቕሊ እዮብ
ሚሒር ተጸሚምኪ
ንመስተርሆት: ዘይርከቦ ህይወት።
ስለዚ…
ስእላ ሓፍተይ በጃኺ
ፍትሕ‘ዩ ፍታሕ ዘምጽእ
በቃ ተ ፋ ት ሒ!!
ኪንዮ ሓጹር ይደርበ ቀለቤት
ቃልኪዳን‘ውን ኣይከብርን‘ዩ ካብ ሰብ:
ዋላ‘ውን ትኹን ንሓንቲ ለይቲ
ኣብቲ ኣጐዛ ድዩ ኣብቲ ማእሲ
ምስ ምቅርቲ ሰላም ምስ ንእሽቶ ክብሪ
እ ፎ ይ .. ኢልኪ ‘ኳ ትድቅሲ:
ነፍስኺ‘ውን ተ ኽ ብ ሪ።
ዘፌ 2014