ጎረቤተይ ሓንቲ ኔራ
“ሓጻር፡ ድፍጭጭ ኢላ
ጠቃር፡ ዓርጫጭ ጸጒራ
ዝልዝል ስጋ ከናፍራ
ዝጥምታ ሰብ ዘይብላ”
ከምኡ ይብልዋ እንድዕላ
ኣነ’ሞ ኣበይ ርእየያ
ግና፡ ግናስ ኣፍቂረያ።
ፍሑዂ እናበለት በቲ ኣእዛነይ
ድርግም ኢላ ናብ’ዛ ልበይ።
ተዓዲላ ኣፍቂረያ
ብልበይ ጌረ ጠሚተያ፣
ኣነ’ውን ተዓዲለ
ዝቃጸጸኒ ሓደ ዘየለ።
ከይገድፋ ከይትገድፈኒ
እሕልዋ ትሕልወኒ
ኣንታ እዚ ኣበር ክንደይ የሳኒ።
(ግናሲ. . .
እንተዝኸውን ኣነ በዓል ዓይኒ
ንሳ እንተዝህልዋ መሀነኒ
ምተሳነናዶ የሕስበኒ።)
Emanuel Berhe