…..ኦ ይቅሬታ ኣሰንቢደ ኩ ም ዶ ?
ሸለብ ገለበይ ጥሉል …
ጠመተይ ዕንቑፍ
ሓሳበይ ዕዩር
” እንታይ ምስንባዱ ‘ዩ ኸ
ሊፍት ርኤ ኢልክስ ክንድዚ?”
ዘየብል እሞ መ ዓስ ኮይኑ
” ግን ስለምንታይ”
ምባል ኣይተስዕቡ
‘ጸገም ሊፍት
ተሰቃላይ ይተሓመሎ ‘ ዝንተዝበሃል’ሞ
ኣብኡ ውዕል ሕድር ምባል ምኸኣልኩሞ ‘ዶ ?
“ክንደይ ትረግ ሚ ኣንቲ!
ነ ዚ ክ ትግ ዕቲ ት ር ህ ጺ !?>
እምብኣር ኢልኩም ?
በሉ ኣነስ! ይፈልጥ
ኣብታ ሰባር መሳልል
ብናጽነት ናይ
ቁማለ ቁንጪ ዝቐንኡ
‘ብኢድካ ጌርካ ሓዊ ኣምጽእ!
ብመንፊት ጌርካ ማይ ውረድ !’ ዝተባህሉ
ካላእ ተዘንትዎ ! ውዕሎ ‘ቲ ዕደ
በብሓደ ሰብና ዘውሓደ
“ጨ” ዝገበረና
ኣብ ” ሀ”
ይፈልጥ እወ!
ህጣም ሽታ ማይ
ህላዊኦም ከም ጸሓይ !
ሰብ ልሳን ዘይትጸውዮ ሕሰሞም
ኣወድ ቲ ፍ ትሒ
ፍሩያት ደሴታት
ኣብቲ ባሕሪ ግ ፍ ዒ !
ጠቐር…….አይ !
ዓንዴል…… ዋይ !
ቃንዛ…… ሃይ !
ሽሕ ሞ ት! ….. አ አ ይ …..
!…….ሽሕ ሞት…….አይ አይ
መሳልል ተሴራቶም
ዳስ ሓውያ ዝተነቑቱ
14 ዓመታት ተቖጺሩ
ሰብ ዒራዒሮ ካብ ዝበሃሉ!
ሳባ ኪዳነ
07/2015