ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 98 ክፋል
ምዕራፍ 13
ወዲሰብ ናይ ስምዒቱ ግዙእ ከይኮነ ንዓቢ ቁምነገር ክዳሎ’ለዎ፡ ስለምንታይ እንተ ተባህለ፡ ኣብ ጕዕዞኡ ብዘጓንፎ ዓቢ እምባ ዘይኮነ፡ ኣብ ሳእኑ ብዝኣተወት ደቃቕ ጸጸር ካብ ዕላማኡ ክዕንቀፍ ይኽእል’ዩ።
ሮበርት ሰርቪስ
መዓስከር መራፊት ናብ ነበልባል ተቐይራ’ያ ውዒላ። ሰዓት ሓሙሽተ ኣቢሉ ምሉእ ኣባል’ቲ መዓስከር ካብቲ ዝወዓለ ካምሲንን ሃሩርን ተገላጊሉ ሰብነቱ ክሕጸብ ሰብነቱ ክሕጸብ ተቐዳደመ። ጸሓይ ዓሪባ ዓይኒ ሕዝ ከብል ከሎ፡ ነፍስወከፍ ሰብ ድራሩ በሊዑ ናብቲ ናይ ሽዑ ምሸት ውራይ ክካፈል ወሓዘ። ካስትሮ ብወገኑ ሰብነቱ ብረሃጽ ተሓጺቡ ስለ ዝወዓለ፡ ነፍሱ ተሓጺቡ ናብቲ ውራይ ክሕወስ ካብ ሶቬቱ እናወጽአ ከሎ ነቦይ ተኽለን ኣቦይ ሳልሕን ብማዕዶ ረኣዮም። ደው ኢሎም ክጽበዩዎ ጸኒሖም፡ ተተሓሒዞም መንገዶም ብምቕጻል ኣብ ምግብና ኣትዮም ብሓደ ወሰን ኮፍ በሉ።
ዝበዝሕ ሰብ ክሽዅ ተዓጢቑ፡ ገለ ድማ ርቕቕ ዝበለ ስረን ካምቻን ተኸዲኑ፡ ዝተዓደሎ ስዋ ኣፋሪቑዎ እዩ ጸኒሑዎም። ተታኒካኦም ሒዞም ስዋ ምስ ተቐድሓሎም፡ ኣቦይ ተኽለ ጥዕም ኣቢሎም፡ “ኣየ ስዋ! ክያንቲ’ያ። ናይ ጓልመሓሪ ክትከውን ኣለዋ፡” በሉ ናብ ኣቦይ ሳልሕ እናጠመቱ።
ኣቦይ ሳልሕ መነጽሮም ከተዓራርዩ ጸኒሖም፡ “ተኽለ ዓርከይ መቸም ስዋ ጥዒማ፡ ስዋ ኣይግድን ምባል ካን ኣመል ጌርካዮ። ዕምባባ ናይ’ዞም ደቅና ክንርኢ ኢና’ምበር ስዋ ደሊና መዓስ መጺእና። እዚ ከምኡ ዓይነት ዘረባ ዘይትሓድጎ ኢኻ። ጸላኢና!” በሉዎም ብሓውሲ መግናሕቲ።
ኣቦይ ተኽለ ብጸላኢ ዝተቐትለ ወዶም ተራእዩዎም፡ “ጽቡቕ ኣለኻ ዓርከይ ሳልሕ። እዞም ደቅና ሰውራ የላሊ’ምበር ኣየማኑን ክብሉ ሓቃቶም’ዮም። ካብዛ መዓስከር’ዚኣ ጥራይ’ኳ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመት ክንደይ መናእሰይ ዲና ኣኽቲትና። ነዚኣቶም ከኣ ጽባሕ ንግሆ ኣበይ ክንረኽቦም ኢልና። ሞንዶ ካነ!” ኢሎም ዝን በሉ። ኣብ ሓድሽ ዕላል ከይኣተዉ ከለዉ ስነስርዓት መርዓ ተጀሚሩ ጸጥታ ሰፈነ። እቶም ክልተ ጽምዲ ክሳዕ ዝፈራረሙ ገለ ካልኢታት ሓለፈ።
እቶም ክምርዓዉ ዝተባህሉ ሰለስተ ጸምዲ ክኾኑ’ኳ እንተ ነበሮም ናይ መርዓ ሰነደ ፈሪሞም ‘ዓወት ንሓፋሽ!’ ዝበሉ መርዓውቲ ግን ክልተ ጽምዲ ጥራይ ነይሮም። ኣቦይ ተኽለ ነገሩ ምርዳእ ስኢኑዎም፡ “ከመይ ከመይ ድዩ ነገሩ? ስማዕ’ስኪ ሳልሕ፡ እቶም ሳልሳይ ጽምዲ ደኣ ናበይ ኣበሉ?” ክብሉ ሓተቱዎም።
ኣቦይ ሳልሕ’ውን ነገራቱ ገሪሙዎም፡ “ኣንታ ሓቅኻ’ወ። ሰለስተ ጽምዲ ክነመርዑ ኢና ክብሃልዶ ኣይወርሐን! ኣዞም ገዛና እንታይ ወሪዱዎም?” ወሰኹ ኣብ ስግሮም ተቐሚጦም ናብ ዝነበሩ መርዓውቲ እናጠመቱ።
“ክሳዕ ሎሚ ኣይፈለጥኩምን?” ሓተቶም ካስትሮ።
“ወላሂ ዘይፈልጥኩ!” መለሱ ኣቦይ ሳልሕ።
“ናይ ብሓቅኻ ዲኻ ትዛረብ ዘለኻ ኣንታ ካስትሮ? እንተ ንፈልጥ ደኣ እንታይ ክነፍሪ ኢና ንሓተካ?” ደገሙ ኣቦይ ተኽለ።
“ዋእ! ኣነስ ቅድሚ ክልተ ቕነ ወረቐቶም ከም ዝሰሓቡ ኣብዚ መዓስከር ክዕለል ስለ ዝቐነየስ ሰሚዕኩም ትኾኑ ካብ ዝብል ሓሳብ’የ።”
“እዝጊሄር ነየፍለጠና! ንምዃኑ መኒኦም’ዩ ስሒቡ?” ሓተቱ ኣቦይ ተኽለ ነቲ ናይ ሳልስቲ ጭሕሚ ዝነበሮ ምዕጕርቶም እናደረዙ።
“ሸሪፎ።”
“እንታይ ትብል ኣለኻ? ት. .ሩ. .ፍ. .ደ. .ጊ. .ም !” በሉ ርእሶም እናሓዙ።
“ኢሂ! ወረቐት ዝምድና ምስሓብ’ኮ ማዕረ ክንድዚ ዓቢ ነገር ኣይኮነን፡” በሎም ካስትሮ ገጹ ናብ ኣቦይ ንጉሰ እናጠወየ።
ድሮ ሓንቲ ሓንቲ ታኒካ ጸንቂቖም ካልኣይቲ ቀዲሖም ዝነበሩ ኣቦይ ተኽለ፡ “ክላ ስቕ በል! ዘረባ ረኺበ ኢልካ ዲኻ? ንሳ’ኳ ነዚ ተምባኽ ኣፍ እቶን ሰብኣይ ረኺበ ኢላ ተቐቢላቶስ፡ ኮር ተገምዐል ኮይኑ ንሱ ክሕንግድ! በል’ስከ ብመልክዕ እንተ መጻእካ ሕጻባ ዝስተ እያ። ጠባያ ድማ ሚዛን ወርቂ ዝኾነት ቈሎኣ እያ። በል’ስኪ እንታይ ይጐድላ’ስኪ? ፐር ኒየንተ ዕድላ ሰይሩላ። ዋይ ኣነ ጓለይ! ሕማቕ ረኺባ!” ኢሎም ኣስቈርቈሩ። ክልተ ግዜ ዝተወግአት ጅግና ምዃና ስለ ዝፈልጡ ብዘይ መጠን’ዮም ዝፈትውዋ ነይሮም።
ካስትሮ ብትዕግስቲ ክሰምዖም ጸኒሑ፡ “ከመይሉ እዩ ዕድላ ዝሰብረላ? ክልቲኦም ናጻ ሰባት ነይሮም፡ ሕጂ’ውን ናጻ ሰባት’ዮም። ዶስ ተመርዕዮም ዘይተፋትሑ ኢኻ ደሊኻ?” ክብል ሓተቶም ብትሪ።
“ሰማዕ’ስኪ፡ ኣብ ሕብረተሰብና’ኮ ሕጸን ቃልኪዳንን ክቡር’ዩ። ቃልኪዳን ምስ ኣሰሩ ከም ገለ መኻልፍ ኣጋጢሙዎም ዘይፋትሑ የለዉን ኣይብለካን’የ። ተመርዕዮም ዘይፋትሑ ዝብል ቃል ድማ ኣይወጽኣንን። ክልተ ብጾት ዝምድና ጌርና’ለና ክብሉ ከለው ግን ኵነታቶም ብግቡእ ክጽናዕ ኣለዎ። ምስ ዝረኣኻያ ጓል ዝምድና ጌርና’ለና እናበልካ ነዋርሕ ኢድን ማንካን ኴንካ ዲዕዲዕ ክትብል ከም ዘይጸናሕካ፡ ውራይ ምስ ቀረበ ወረቐተይ ስሒበ’ለኹ ምባልከ ምስ ምንታይ ክቝጸር ይከኣል? ኣብ ተሞክሮና ፈቲንካ ዝውሰድ ወይ ዝግደፍ፡ እዚ ኣብ ድኳን ዝሽየጥ ሬዲሜድ ትብሉዎ ስፉይ ክዳን ጥራይ ኢና ንፈልጥ። ኣብ ሕብረተ ሰብና ጓልኣንስተይቲ ክብርቲ ስለ ዝኾነት ብዘመድ ሽማግለን ዓበይቲ ዓድን ለሚንካ ኢኻ ትረኽባ። ከምዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና መንጎኛ የብሉ፡ ዋሕስ ዘእስር የብሉ፡ ብኽልተ ሰብ ዓወት ንሓፋሽ እናበልካ ዝውዳእ ጕዳይ ኣይነበረን። ሕራይ እቲ ሰሓቦ ጕተቶ ናይ ገዝምን ገለን ይትረፍ ደሓን። ማዕርነት ኣለክን እናበልኩም ግን ደቂተባዕትዮ ክሕይሉወን ከለዉ ግቡአን ክተጕድሉለን የብልኩምን’የ ዝብል ዘለኹ፡” ኢሎም ምስ ተዛረቡ ኩላቶም ብምስትንታን ጠመቱዎም።
ካስትሮ ጕዳይ ደቂኣንስትዮ ክለዓል ከሎ፡ ኣቦይ ተኽለ ወላ ብዘይከውን ከም ዝጣበቑለን ስለ ዝፈልጥ፡ “ስማዕ’ንዶ ኣቦይ ተኽለ፡ ዝምድና ክብሃል ከሎ’ኮ ኣብ ናይ ሓባር ድሌት ዝምርኮስ’ዩ። ቅድሚ መርዓ ስጋዊ ርክብ ምፍጻም’ውን ከምኡ። እዚ ድማ ትዝክሮ እንተዄንካ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብግቡእ ብሴሚናር መልክዕ ተገሊጹልካ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ጌጋ ኣበይ ከም ዘሎ ኣሕጽር ኣቢልካ ክተብርሃለይ ምኸኣልካዶ?” ክብል ተወከሶም።
“ቅድሚ መርዓ ስጋዊ ርክብ ክትፍጽም ምጕያይከ እንታይ’ዩ ዕላማኡ? ካብኡ ሓሊፍካ ግን ጸብሒ ኮይኑ ድዩ ጨውዶ’ለዎ ኢልካ ክትጥዕሞ?” ከቢቦሞም ነቲ ክትዕ ዝከታተሉ ዝነበሩ ተጋደልቲ ብሓባር ሰሓቑ።
“ኣቦይ ተኽለ፡ ሕጂ ንስለ ክትዕ ኢልካ’ምበር ምርዳእ ስኢኑካ ኣይኮንካን ትዛረብ ዘለኻ። ነቲ ነገር ንምሕጻሩ ግን ስጋዊ ርክብ ምስ መርዓ ዝኸይድ ባህርያዊ ድርኺት’ምበር ንባዕሉ ዕላማ ኣይኮነን። ኣብ ቃልኪዳን ወሳኒ ተራ ስለ ዝህልዎ ግን እቶም መጻምድቲ ቅድሚ መርዓ ብገዛእ ድሌቶም ክራኸቡ ከለዉ ብእወታ እንተ ዘይኮይኑ ብኣሉታ ዝጥመት ኣይኮነን። ደሓር ከኣ ተጋዳላይ ካብቲ ድንግል’ያ ኣይድንግልን’ያ ዝብል ድሑር ባህሊ ናጻ ስለ ዝኾነ ሽግር ዘልዎ ኣይመስለንን። በቲ ናይ ቀደም ባህሊ ንኺድ ትብል እንተዄንካ ግን መሸንጐጋ ናብዚ ቆቛሕ ናብቲ ክኸውን እዩ’ቲ ነገር፡” ዝብል መብርሂ ሃቦም ካስትሮ።
“ወላሂ ዓባይ ዘረባ’ያ እዚኣ። ተኽለ ዓርከይ ግን ዝዛረቦ ኣይስእንን’ዩ፡” ኢሎም ፍሽኽ በሉ’ቶም ከይተዛረቡ ዝጸንሑ ኣቦይ ሳልሕ።
“ሳልሕ ብዓቢኻ ኣይትጋገ!” በሉ ኣቦይ ተኽለ ገጾም ኣሲሮም። ዘረባኦም ብምቕጻል፡ “ሐንቲ ጓልኣንስተይቲ ምስ ክብረ ንጽህናኣ ክትጸንሕ ካብቲ ኣቦታትና ዘጽንሑልና ክዕቀብ ዘለዎ ክቡር ባህሊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንባዕሉ ዝፈቕዶ ተግባር ኣይኮነን። ኣይፋሉን ተደፊራ እንተ ጸንሐትኒ ምመረጽኩ ዝብል ሰብ ከም ዘይብልኩም’ውን ርዱእ ይመስለኒ። ሕጂ ምዕባለ ተቘጺሩ ድዩ ተጋዳላይ ብዛዕባ ክብረ ንጽህና ኣይግድሶን’ዩ ትብለኒ ዘለኻ? በል ኣውራ ተጋዳላይ’ዩ ከም ዓቃቢ ባህልን ታሪኽን ህዝቡ ብዛዕባ’ዚ ክግደስን ክቃለስን ዝግብኦ። ከምዚ ንርእዮ ዘለና እንተ ቐጺሉ ግን ናብ ካልእ ኣሉታዊ ነገር ከም ዝምዕብል ርግጸኛ እየ። ድሮ’ኳ ንመከላኸሊ ጥንሲዶ ገለዶ እናበልኩም ንዝተመርዓዋን ዘይተመርዓዋን ወሰን ኢልኩም ከኒና ክትዕድሉወን ጀሚርኩም ኣለኹም፡” ኢሎም ነደሩ።
“ኣቦይ ተኽለ ነቲ ነገር ትሓዋውሶ ኣለኻ። ከኒና ምሃብ ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ ዕላማ ዘለዎ መደብ’ዩ። ኣብ ዝምድና ዘሎ ይኹን ዝተመርዓወ ሰብ ክወስዶ ፍቑድ’ዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ቍጠባዊ ዓቕሚ ውድብ ተራእዩ ውላድ ክበዝሕ ስለ ዘይድለ ዝተባባዕ’ዩ። ካብዚ ወጻኢ ግን ዓላ ኬፉ ዝወስዶ ሰብ ከም ዘየሎ ክትፈልጥ ኣለካ። ኣነ ድማ፡ ሓንቲ ጓልሄዋን ክብረ ንጽህናኣ ክትሕሉ የብላን ወይ ከም ከልቢ ሄል ትበል ዝብል ዘረባ ኣይወጽኣንን። ወሸለ ድንግል ጸኒሓ! በንጻሩ እንተ ኣጋጠመ ግን ካባይ ጀሚርካ ንተጋዳላይ ማዕረ ክንድ’ቲ ተኣፋፊ ጕዳይ ኣይኮነን በሃላይ’የ።”
ኣቦይ ተኽለ ዘረባኡ ምስ ሰምዑ፡ “ኣልሜኖ ሕጂ ትሓይሽ ነቲ ጕዳይ ቍሩብ ጸጊንካዮ፡” በሉዎ ህድእ ኢሎም። ዘረባ ክቕጽሉ እናሓሰቡ ከለዉ፡ ካስትሮ ስዋኡ ጽጽው ኣቢሉ፡ “በሉ ደሓን ሕደሩ፡” እናበለ ክትስእ ርእዮሞ፡ “ጽናሕ’ባ ብጻይ፡ ዘረባና ኣርባዕተ ነጥቢ ከይገበርናሉ ናበይ ትኸይድ ኣለኻ?” በሉዎ። ናይ ተርጀጋ እያ ነይራ እታ ብጻይ ትብል ቃል።
“ተረቲዐ ምባል ድዩ ጸጊሙካ? ሃየ’ስኪ ተዛረብ፡” በሎም ብደዉ።
“ሕጂ ንስኻ ሓረስታይ እንተ ትኸውን፡ ተሓሪሱ ዘይፈልጥ ቦዱ መሬትዶ ምመረጽካ ወላ ብኽቱር ማሕረስ መኣዛኡ ዝወድአ ግራት?”
ተንኮሎም ተረዲኡ፡ “ንስኻኸ ሓረስታይ እንተትኸውን ሓዳስ ማሕረሻዶ ምመረጽካ ወላ ሓንቲ ብጸምሪ ዝሓቐቐት?” ኢሉዎም ብግስ በለ።
እቶም ከቢቦሞም ክሰምዑ ዝጸንሑ ብጾት ብሰሓቕ ተተውሽሑ። “ክልተ ጐራሓት’ንዲኹም ተራኺብኩም፡” እናበሉ ብግደኦም ሰሓቑ ኣቦይ ሳልሕ።
ካስትሮ፡ “ደሓን ሕደሩ፡” ኢሉዎም ተበገሰ።
ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ኣብቲ ሰፊሕ ጐልጎል ጓይላ ተጀመረ። ዝበዝሕ ሰብ ስዋ ጸጊቡ ከዅድድ ከሎ፡ ብማዕዶ ንካስትሮ ክትከታተሎ ዘምሰየት ቦተጐ ካብ ኮፍ ዝበለቶ ብድድ በለት። ካስትሮ ኣብታ ብእዋኑ ማይ ባህቢሁላ ዘምሰየ ሶቬት መስኮትን ማዕጾን ከፊቱ፡ ኣብ ልዕል’ታ ሉሕን ጣውላን ለጋጊቡ ዝሰርሓ ብርኽ ኢላ ዓራቱ ጎቦ ብምዃን፡ መጽሓፍ ገንጺሉ ከንብብ ጀመረ። እታ መጽሓፍ መሲጣቶ እዩ’ምበር ምስቲ ክሰትዮ ዘምሰየ ስዋ ኣትው ኢሉ ክድቅስ’ዩ ነይሩ መደቡ። ንገለ ካልኢታት ግን ፈዘዝ እናበለ ሓያሎ ገጻት ኣንቢቡ።
ገለ ሓሙሽተ ገጻት ምስ ወሰኸ፡ ብዘይካ’ቲ ዲም! ዲም! ዝብል ዝነበረ ድምጺ ከበሮ፡ ሸፋሕ ሸፋሕ ዝብል ድምጺ ሽዳ ዝሰምዐ መሲሉዎ ኣእዛኑ ጸለወ። “ወዲሸቃዶ ኾይኑ፡” ኢሉ እናሓሰበ ከሎ፡ ቦተጐ ክሽዅ ተዓጢቓ ብማዕጾ ቅልቅል ክትብል ተዓዘበ። ቅርጺ እግራን ሰለፋን ንክሽዃ ብዝሰንጠቐ ናይ ማዕዶ ብርሃን ይርአ ስለ ዝነበረ ፍኑው ናይ ደስታ ስምዒት ወረሮ።
ቦተጐ ልክዕ ምስ ምዝላቕ ዝተሰለፈት ኮይና፡ ድሕሪ ታዕሊም ኣብ ማእከላይ ሕክምና ተወዚዓ ኣብ ሓወልዕ ድሕሪ ምስራሕ፡ ኣብ መወዳእታ ሰማንያን ሰለስተን ኣብ ክሊኒክ መራፊት ዝተመደበት ማእከላይ ቍመት ዝነበራ ሽንቅጥ መንእሰይ’ያ። ፍርይ ዝበላ ኣዒንታን ናብ ቅይሒ ዘድሃበ ወዛን፡ ምስቲ ስሩዕ ኣካላታ ተወሃሂዱ ልቢ ዝኾነ ወዲተባዕታይ ዝሰልብ ነበረ። ጸሎሎ ዝመስል ልስልስ ኢሉ ጸጒራ ብባህሪኡ ስለ ዝተዓዃለል፡ ገለ ኵርድድ ዝበለ ጸጒሪ ዝነበረን ብጾት ቲንታ ወይ ዌላ ዝኣመሰለ መጸባበቒ ትጥቀም’ያ ኢለን ይሓምያኣ ነይረን።
ኣብ መራፊት ምስ ተመደበት፡ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ንዝምድና ጠሚቶማ’ኳ እንተ ነበሩ፡ ደረጃ ትምህርታ ኣፍሪሑዎም ከዝልቑ ከለዉ፡ ገለ ብትምህርታ ዝዳረጉዋ ድማ ከም ባህሪ ትም በሃሊት ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ከም ኵርዓት ገምጊሞም ከንሳሕቡ ተገዲዶም። ሓለፍቲ’ያ ትደሊ ኢሎም ዝሓምዩዋ ብጾት’ውን ኣይተሳእኑን። ኩላተን’ኳ እንተ ዘይኮና መብዛሕትአን ደቂኣንስትዮ ኣብ ማእቶት ካብ ዝነበራ ድኽመትን፡ ኣብ ክሊኒክ ንሕሙማት ኢላ ካብ ትሰርሖ ጥዑም መግቢ ትቋደስ’ያ ስለ ዝብላን፡ ኣብ ቅድሚኣ ኣይደፍራን እየን’ምበር ብድሕሪኣ ለከርሳ ብእትብል ሳጓ እየን ዝጽውዓኣ።
ካስትሮ ንኹሉ’ቲ ብዛዕባኣ ዝዕለል ዝነበረ ቤላቤለው ኣጻርዩ’ኳ እንተ ዘይፈለጦ፡ ኵርዕቲ’ያ ክብሉዋ ምስ ሰምዐ ግን ኣይተቐበሎን። ምኽንያቱ በጋጣሚ ሓደ መዓልቲ መድሃኒት ክተምጽእ ምስኡ ንፖርትሱዳን ኣብ ዝተጓዕዘትሉ እዋን፡ ኣብቲ ናይ ኣርባዕተ ሰዓት ጕዕዞ ካብ ዝነበረ ፍሕሹው ዕላላን ፍሽኽታኣን፡ ሕውስቲ ሰብ ምዃና ክዕዘብ ክኢሉ እዩ። ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንክሊኒክ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ’ውን ከም ኵርዕቲ ከጠምታ ዝኽእል ጠባይ ኣይረኣየላን። ብገለ ብጾት ከም ድኻም ዝጽብጸብ ነገር እንተ ነይሩ፡ ኣብ ጸቢብ ጕጅለ’ምበር ዋዕዋዕን ሆይሆይን ዘለዎ ሃዋህው ከም ዘይትፈቱ ዝብል ጠባያ እዩ።
ይቕጽል . . . . . .
መበል 99 ክፋል ዝመጽእ ዝመጽእ ረቡዕ