ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል
10ይ ክፋል
“እሞ ዓርከይ ኣሞረ ሒዙኪ ኣሎ ማለት’ዩ።”
“ስለምንታይ ግን ከምኡ ኢልካ?”
ደሓን ንሱ ንባይ ግደፎ’ሞ፡ ምሸት ንራኸብ ዲና?”
“ምሸትስ ቈጸራ ኣሎኒ፡ ጽባሕ ክንራኸብ ኣይሓይሽን?”
ሃብቶም ልቢ ዓርኩ ክፈልጥ ብምሕሳብ፡ “ግድነት ሎሚ ሰዓት ሓሙሽተ ክንራኸብ ኣለና፡” በሎ ካብ ገጹ ገለ ነገር ከንብብ እናፈተነ።
ሰለሙን ርእሱ እናሓኸኸ፡ “ከመይ ኢለ’ሞ ክጠልማ? ምናልባሽ ሰዓት ሸውዓተ ወይ ካብኡ ንደሓር ይኹነልና፡ ደሓር ከኣ ዘይብሓደ ዘለና፡” ክብል መለሰሉ።
ሃብቶም ገጹ ኣሲሩ ጠመቶ። “እሞ እዛ ሮዛ ትብላ ዘለኻ ካን ተቘጻጺራትካ እያ!” እናበለ ካብ ኵርሱ ተስአ። ተመራሪሖም ናብ መኪና ድሕሪ ምእታው፡ ቡን ንስተ ተባሃሂሎም ናብ ከባቢ ኣራት ኪሎ ቀጸሉ።
ቡን ድሕሪ ምስታዮም ሰለሙን ንሃብቶም ኣብ ሰንጋተራ ኣብጺሑዎ ናብ ስርሑ ቀጸለ። ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት ኣትዮም ጸንሑዎ። መደቡ ሰዓት ሓሙሽተ ክኣኽለሉ’ሞ ናብ ሮዛ ክብቈጽ ስለ ዝነበረ፡ ክሳዕ ሰዓት ሰለስተ ኣብ ቤትጽሕፈቱ ከዕለብጥ ጸኒሑ፡ ሓንቲ ሓታሚት ተባላሽያ ተጸውዐ። እናተራገመ ናብ ቤትዕዮኡ ብምኻድ በጃክዳን ቀዪሩ ናብ ቤትማሕተም ገጹ ኣምርሐ። ነታ ዝተበላሸወት ድሕሪ ምፍታሕ ሓንቲ ትዕረ ኣቕሓ ሒዙ ናብ ንፋስ ስልክ ምስ ከደ ሰዓት ኣርባዕተ ተመልሰ።
በጋጣሚ እቲ ጕድለት ንኤለትሪካዊ ክፋል ዝምልከት ቀሊል ብልሽት ስለ ዝነበረ፡ እዋን ምፍዳስ ከይኣኸለ ኣዕርዩዋ መኪናኡ ኣበጊሱ ናብ ፒያሳ ተሃንፈፈ።
ሰራሕተኛታት በብሓደ ምስ ወጽኡ ቤትመድሃኒት ፋሲል ተዓጽወ። ንሮዛ ምስ ሰኣና ልቡ ተሰወሮ። ከም ገለ ተጸሊኡዋ ኣፍቂዳ ናብ ገዛኣ ከይዳ ክትከውን ኣለዋ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ መኪና ኣልዒሉ ናብ ገዛኣ ተጓየየ። ኣብ ኣፍደገ ገዛኣ ምስ በጽሐ፡ ክጻወቱ ካብ ዝጸንሑዎ ቈልዑ ንሓደ ፍርዝን ዝበለ ጸዊዑ ንሮዛ ከድህየሉ ሓበሮ። እቲ ቈልዓ ካብ ስራሕ ከም ዝየተመልሰት ምስ ነገሮ፡ “ደሓን ኣብ ገዛኣ እንተ’ልያ ርኢኻያ ምጻእ ፒኮሎ። ብራቮ! መቝሽሽካ ክህበካ እየ ከኣ፡” በሎ ኢዱ ኣብ ዝባኑ ኣንቢሩ።
እቲ ብልይ ዝበለ ቍምጣ ስረ ተኸዲኑ ዝነበረ ምንክስ ኢሉ ቈልዓ ብዝሰምዖ ተስፋ ብሓጐስ ተሰንጠቐ። ገጹ ገልቢጡ ዕንክሊሉ እናዘወረ ድማ ናብ ሸነኽ’ቲ ቀጽሪ ገጽ ተተኰሰ። ብዙሕ ኣይደንጐየን ገበታ እናላህልሀ ብምምላስ ናብ ሰለሙን ኣንቃዕሪሩ ብምጥማት፡ “ገዛኣ ብመፍትሕ ተዓጽዩ ጸኒሑንስ ኳሕኳሕ እንተ’በልኩዎ ድማ ዝኸፍተኒ ስኢነ፡” ክብል ዘይተጸበዮ መርድእ ኣስምዖ፡ ብዝባን ኢዱ ነተን ቀጢን ልጓን ጸረር ዘብላ ዝነበራ መሳኹቲ ኣፍንጫኡ እናደረዘ።
እናንጸርጸረ ነቲ ቈልዓ ኦኣሰርተ ሳንቶም ደርብዩሉ ናብታ ኣብ ማዕዶ ደው ኣቢሉዋ ዝነበረ መኪናኡ ተመልሰ። ናበይ ከም ዘብል ጠፊኡዎ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣተወ። ክወጽኡ ከለዉ ንመሳርሕታ ናበይ ከም ዘበለት ዘይምሕታቱ እናኣጠዓሶ፡ “ገለ ኮይና ኣላ’ምበር ብቴለፎን ምሓበረትኒ ነይራ፡” እናበለ ሕማቕ ጥራይ ሓሰበ። ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮ መኪናኡ ብቐስታ እናዘወረ ናብ ስራሓ ገጹ ኣቕንዐ። ብማዕዶ ንበይና ትኸይድ ጓል እንተ ርእዩ ንሳዶ ትኸውን ብምባል ክሳዱ ኣቕኒኑ እናጠመተ ኣብ ከባቢ ስራሓ በጽሐ። ጠሊማ ኢሉ’ኳ እንተ ዘይሓሰበ ናበይ ከም ዝበለት ስለ ዝሓርበቶ ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፍኦ። ከይተረድኦ መኪና ንገለ ካልኢታት ኣብ ወሰን ጽርግያ ደው ኣበላ። ኣብ መወዳእታ ልቡ ምቛም ኣብዩዎ ኣብ ፒያሳ ክልተ ሰለስተ ግዜ ድሕሪ ምዅላል፡ ተስፋ ቈሪጹ ናብ ካዛንችስ ክቕጽል ተገደደ። ኣብ ራስ እምሩ ሰፈር ምስ በጽሐ መኪናኡ ኣብ ኣፍደገ ደው ኣቢሉ ናብ እንዳ ሃብቶም ኣተወ።
* * *
ሃብቶም ሽጋራ ወሊዑ እናትከኸ መጽሓፍ ገንጺሉ ከንብብ ጸንሖ። ዳዊቱ ከም ዝተፍኦ ቀሺ ውቃበኡ ሃዲሙ ምስ ረኣዮ፡ “እሂ’ታ ሰሌ ኣይደሓንካን ዲኻ?” ክብል ሓተቶ ርእሱ ኣቕኒዑ።
“ደሓን’የ፡” በሎ ተስፋ ምቝራጽ ብዝተሓወሶ ቃና።
“ቍሩብ ደኣ?”
ዝምልሰሉ ጠፊኡዎ ሕስይስይ ክብል ምስ ጀመረ፡ “ቈጸራ ጠሊማ ድያ?” ክብል ሓተቶ ርግጸና መታን ክኸውን።
“ቈጸራ ትጠልም ኢለ’ኳ ኣይሓስብን’የ። ገለ ጸገም ኣጋጢሙዋ ከይከውን ጥራይ’የ ሰጊአ ዘለኹ፡ ምኽንያቱ ኣብ ስራሕ ዝወዓለት’ውን ኣይመስለንን። ኣስፐሪያሞ ግን ደሓን ክትከውን።
“እዚ ወዲ ብሓቂ ብፍቕሪ ሃነይነይ ኢሉ’ሎ፡” በለ ሃብቶም ብውሽጡ። ካብ ዝነበሮ እናተንስአ፡ “ናብ ስራሕ እንተ ዘይወፈረት’ሞ ኣብ ገዛኣ ትህሉ፡ ወይ ድማ ብገለ ውልቃዊ ጕዳያ ተንቀሳቒሳ ትኸውን። ደሓር ከኣ ጓልሰብ ምዃና ክትዝክር ኣለካ። መርዓ፡ ጥምቀት፡ ሓዘን ከጋጥማ ከም ዝኽእል ፍለጥ፡” በሎ ገጹ ኣሲሩ።
“ኣብ ገዛኣስ የላን። ገለ ኮይናላ’ምበር ናይ ጥዕና እንተ ዝኸውን ርግጸና እየ ቴለፎን ምደወለት ነይራ።”
“እሞ እንታይ ይመስለካ ሰሌ፡ ርግጽ’ዩ ዝኾነ ሰብ ሕማቕ ከጓንፎ ጽቡቕ ኣይኮነን። እቲ ነገር ግን ክሳብ ክንድዚ ከሻቕለካ ዝግብኦ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ሎሚ ምስኣ ኣለኻ ጽባሕ ድማ ምስ ካልእ፡ ንሰበይትኻ’ኳ ማዕረ ክንድዚ ሸቐልቀል ኣይትብለላን። ኣየናይ ዓቢ ጕዳይ ኮይኑ እዩ ክሳብ ክንድዚ ላዕልን ታሕትን ትብል?”
“ኣንታ ሃብቶም፡ ርኢኻያ እንተ ትኸውን’ኮ ከምዚ ኣይምበልካን ኔርካ። ኵነታታ ኣዝዩ መደንገጸካ ነይሩ። ካብ መጠን ንላዕሊ ምስኪን ሰብ’ያ።”
“ትማሊ ነጊረካ ነይረ ሰሌ፡ ምስ’ዛ ጓል ፍቕሪ ሒዙካ ኣሎ። መንፈስካ ተረቢሹ ከም ዘሎ ተዓዚበ ኣለኹ። ንኺድ ጥራይ እንተ ነፈሰልካ ቢራ ንስተ፡” እናበለ ጃኬቱ ደረበ ሃብቶም። ተመራሪሖም ኣብ መኪና ምስ ኣተዉ፡ “ናበይ ነብል?” በሎ ሰለሙን። ናብታ ኵሉ ግዜ ምስ ኣዕሩኽቶም ዝራኸቡላ ባር ክኸዱ ተሰማሚዕም ድማ ናብ ዶሮ ማነቅያ ገጾም ኣቕንዑ።
ኣብታ ንምብራቕ ገጻ እትጥምት ባር ሰለስተ ካብ መዛውርቶም ዝኾኑ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ጠረጴዛ ከቢቦም ከዕልሉ ጸንሑዎም። ሰላም ተባሃሂሎም ምስ ተሓወሱዎም፡ ዕላልን መስተን ቀጸለ። ዝቐደመ ተራሙዝ ክለዓል፡ ዝደሓረ ክኽፈት እዋን ምስ ሓለፈ፡ ተተሓሒዞም ቅድማ ናብ ኣራት ኪሎ ብድሕሪኡ ድማ ንሃብቶም ከብጽሖ ናብ ካዛንችስ ቀጸሉ።
ሰለሙን ንሮዛ ኣይዘከራን’ኳ እንተ ዘይተባህለ፡ መስተ ጸጊቡ ስለ ዝነበረ ብዛዕባኣ ኣይተጨነቐን ከም ኩቦ ነቒጹ ሓደረ። ንጽባሒቱ ንግሆ ሰብነቱ ተሓጺቡ ናብ ስራሕ ወፈረ። ሓሳቡ ፍርቂ መዓልቲ ናብ ሮዛ ምኻድ’ዩ ነይሩ። ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ ስለ ዝወዓለ ግን ናብ ገዛ ከይተመልሰ ኣብ ደገ ተመሲሑ ወዓለ። ድሕሪ ቀትሪ’ውን ብተዛማዲ ስራሕ ስለ ዝጸዓቐ ቴለፎን ከይደወለላ ሰዓት ሓሙሽተ ኣኸለ። ብተብተብ በጃ ክዳኑ ደርብዩ ካብ ስራሕ ከይወጽአት ከላ ከርክባ መኪናኡ ኣበገሰ። ካብ ቤትማሕተም ድሕሪ ምውጻእ እሪ በከንቱ ሓሊፉ ብናህሪ ናብ ፒያሳ ተጓዕዘ። ኣብ ከባቢ ስራሓ ምስ በጽሐ መኪና ደው ኣቢሉ ከይስእና ብስክፍታ እናተሸቍረረ ኣዒንቱ ናብ ልዳት ቤትመድሃኒት ፋሲል ተኸለ።
ሮዛ ደባን ጐናን ቡናዊ ጐልፎን ተኸዲና፡ ቦርሳኣ ተሓንጊጣ ብቐስታ ክትመጽእ ምስ ረኣያ ብሓጐስ ተፈንጭሐ። የማነ ጸጋማ ጠሚታ ሓንቲ መኪና ክሳብ ትሓልፍ ድሕሪ ምጽባይ፡ ጽርግያ ቈሪጻ ብድሕሪ መኪናኡ ተጸጊዓ እናሐለፈት ከላ ከም ዘየስተውዓለትሉ ፈሊጡ፡ “ሮዛ!”በላ ርእሱ ብመስኮት ኣቐልቂሉ።
ቍሊሕ ኢላ ሰለሙን ምዃኑ ምስ ፈለጠት ገጻ በሪሁ፡ “ግራሴ ዲዮ! ሰለሙን ዲኻ? እንታዋይ’ዩ ዝጽውዓኒ ዘሎ ኢለ ገሪሙኒ’ንድዩ ጸኒሑ። በዞም ላድርስ ዝብሉ ሰኪሐ እየ በጃኻ፡” እናበለት ኣብ መኪና ደየበት።
ኣብ ቀንዲ ጐደና ምስ ኣተዉ፡ “ትማሊ ደኣ እንታይ ኴንኪ ጠሊምኪ? ኰለል ክብል ተካለይ’ንድየ ኣምስየ፡” በላ ገጹ ናብኣ ገጹ እናዞረ።
“ኣይነገረትካን ድያ?” ኰለፈቶ ዘረባኡ ከይወድአ ከም ዝንብድ ኢላ። ዘርባኣ ክትቅጽል እናሓሰበት ከላ፡ “መን’ያ ትነግረኒ? እቲ ዝሓሸ’ኮ ቴለፎን ምድዋል እዩ ነይሩ፡” መለሰላ ከም ህውኽ ኢሉ።
መኪና ጠውዩ ናብ ቸርችል ጐደና እናተሓወሰ ከሎ፡ “እንታይ ድየ ዝብለካ ዘለኹ ሰሌ! ናብ ስራሕ ምስ ደወልኩ ሓንቲ ጓል ተቐቢላትኒ። ኣቶ ሰለሙን ወጺኦም ስለ ኣለዉ ምስ በለትኒ፡ ክትነግረካ ሓቢረያ፡” ብምባል ክተረድኦ ፈተነት።
ነገራት ክርድኦ ምስ ጀመረ፡ “ኣሃ. . . ! ጽቡቕ ኣለኺ። ክሳብ ሰዓት ኣርባዕተ ዘሎ ግዜ ወጺአ ነይረ ሓቃ ኣላ። ኣብ ክንደይ ስራሓ ደሞዝ ውሒዱኒ እናበለት ሚኒን ትብል ግናይ ቴለፎኒስታ ኣላትና፡ ንሳ’ያ ተቐቢላትኪ ዘላ፡” ክብል መለሰላ።
“ከመይ ዝበለት ኢምበቺለ እያ በጃኻ!”
“ናበይ ደኣ ኬድኪ’ኸ?”
ሮዛ ንዑኡ መልሲ ከይሃበት፡ “ሓንቲ ዲስግራዝያታ’ያ እዚኣ! በል’ስኪ እንተ ነገረትካ እንታይ ይጐድላ?” ኢላ ንበይና ድሕሪ ምዝራብ፡ “ትማሊ ደኣ ኣብ ስራሕ እትው ምስ በልኩ ንሓንቲ ኣብ መካኒሳ ትነብር ዝፈትዋ መሓዛይ ኣደኣ ዓሪፈን’ንድየ ቀብሪ ከይደ። ፖቨረቶ ሰሌ! ኰለልዶ ኣቢለካ?” በለቶ ሓንሳብ ናብ ቅድሚኣ ሓንሳብ ድማ ናብኡ ገጻ እናጠመተት።
ብድሮኡ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ሽግር ኣዕሊሎም ምስ ወድኡ ንእግረ መንገዱ ብየማነ ጸጋም ናይ ቸርችል ጐደና ዝረኣዩ ዝነበሩ ዓበይቲ ህንጻታት እናሓበራ ስታድዩም ንጸጋም ገዲፉ ብመስቀል ኣደባባይ ብምሕላፍ፡ ናብ ንፋስ ስልክ ገጹ ቀጸለ። መሻለኵያ ሰንጢቑ ሓያል ምስ ተጓዕዘ ናብ ጸጋም ብምጥዋይ መኪና ኣብ ውድሚ ሓንቲ ናብ ምብራቕ ገጻ ትጥምት ሆቴአል ደው ኣበላ።
“ውድም ንብላዕዶ?” ኢሉ ማዕጾ መኪና ከፈተ።
“ባቤነ፡” ኢላ ቦርሳኣ ተሓንጊጣ ወረደት። ናብቲ ሆቴል ድሕሪ ምእታው ኣብ ሓደ ኵርናዕ ኮፍ ኢሎም መሳሰዪት ክትመጽኦም ተጸበዩ። ሓንቲ ኣዝዩ ሓጺር ጐና ዝተኸድነት መሳሰዪት ብማዕዶ ክትዕዘቦም ጸኒሓ፡ ኰደብ ኰደብ እናበለት ናብኣቶም ብምቕራብ፡ “እንታይ ክእዘዝ?” በለቶም ትሕትና ብዝመልኦ ኣዘራርባ።
“እንታይ ኣለኩም ዝብላዕ?” ሓተታ ሰለሙን።
“ክትፎ፡ ዝግኒ፡ ጥብስ፡ ምንቸትኣብሽ፡ ዶሮወጥ፡ ፍርፍር፡ ስፕሪስ፡ ካፕሬቶ፡ፓስታስፓጌቲ፡ ላዛኛ፡ . . .” ክትብል ነቲ መወዳእታ ዘይነበሮ ዓይነታት ምግቢ ብዘደንቕ ቅልጣፈ ዘርዚራ መልሶም ክትጽበ ዘዘው በለት። ነንሓድሕዶም ድሕሪ ምዝርራብ ድማ ክልቲኦም ላዛኛ ኣዚዞም ኣብ ዕላሎም ኣተዉ።
እታ መዓንጣኣ ሸጥ ዝበለ፡ ጽቡቕ ዳናጉ ዝነበራ መሳሰዪት ብዙሕ ኣይደንጐየትን ዝተኣዘዘቶ ምግቢ ሒዛ ደበኽ በለት። ሰለሙን ናብቲ ዝተቕረበሎም ምግቢ እናጠመተ፡ “ክልተ ዝሑል መሎቲ ቢራ ከኣ ኣምጽእልና ክብል ኣዘዛ።
“ስኩዛ ሰሌ፡ ቢራ ኣይሰትንየ።”
“ስተዪ’ምበር፡ እንታይ ከይገብረኪ ፈሪሕኪ?”
“ኣይሰማምዓንን’ዩ፡ ብካልእ ኣይኮንኩን ግራሴ።”
ቢራ እንተ ሰትያ ናጻ ኮይና ክተዕልሎን ናብ መኪና ምስ ተመልሱ ድማ ብዘይ ገለ ጸገም ክስዕማ፡ እንተ ሰሊጡዎ ድማ ወይ ናብ ገዝኡ ወሲዱ፡ ወይ ኣብ ሆቴል ምስኣ ወሲብ ክፍጽም’ዩ ነይሩ ዓላማኡ። መደቡ ምስ ዝዘረገትሉ ግን ከይፈተወ፡ “እሞ ገለ ዝሑል ነገር ውሰዲ፡” ምስ በላ ፋንታ ኣዘዘት።
ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሎም ከብዶም ምስ መልኡ ናብ መኪና ተመልሱ። ዕላል ምስ ጀመሩ ኵነታት ኣተዓባብያኣ ክፈልጥ ወሰን ወሰን ክሓታ ሓሰበ። ቅድሚ ሳልስቲ ዝበለቶ ዘኪሩ ግን እቲ ፍሱህ ሃዋህዉ ከይዝረጐ ብምስጋእ ኣብ ካልእ ዕላል ከእትዋ መረጸ። ምዕጕርታን መንከሳን እናተናኸፈ ኣቓልቦኣ ብዝስሕብ ዕላል ከስሕቓ ጀመረ። ንገለ ፍርቂ ሰዓት ምስ ኣዕለሉ ክስዕማ ዝነበሮ ባህጊ ምጽዋር ስኢኑዎ ክልተ ግዜ ብሜላ ናብ ኣፍልቡ ከቕርባ ፈቲኑ። እንተኾነ ኣብ ማዕጾ መኪና እናተላሕገት ስለ ዘሸገረቶ ክዕወተላ ኣይከኣለን። ሃረርታኡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ’ኳ እንተ በጽሐ፡ ንሓፈሻዊ ኵነታታ ኣብ ግምት ብምእታው ክዕገስ መረጸ። ብተፈጥሮኣ ናይ ዕላል ሰብ ስለ ዘይነበረት ብዘይካ ጸጸኒሓ ብሰሓቕ ክርትም ምባል፡ ሳሕቲ ከኣ ገለ ቃላት ምድርጓስ ዳርጋ ናብ ሰማዒት ተቐዪራ ብምምሳያ ከም ሓሜን ንበይኑ ሌፍ ክብል ኣምሰየ።
ዓይኒ ድሕሪ ምሓዙ፡ ሮዛ ንኺድ ስለ ዝበለት ክብገስ ግድነት ኮኖ። ንሂልተንን ኣደራሽ ኣፍሪቃን ሃሊፎም፡ ንኣራት ኪሎ ብምቝራጽ ኣብ ኣፍደገ ገዛኣ ምስ በጽሑ፡ “ዙረት’ሞ ፈቲኽዮዶ?” በላ።
ካብ መኪና እናወረደት፡ “እዋአ’ዚ ሰሌ” ፐርኬ ዘይፈትዎ? ኣብ ገዛ’ኮ ዓቕለይ ጸቢቡኒ እየ ዘምሲ፡” በለቶ።
“እሞ ከምኡ እንተ ኾይኑ ኵሉ ግዜ ክንዛወር ኢና ማለት’ዩ?”
“ትሮፖ ምሽጋር ከይከውን’ምበር ደስ እናበለኒ ሰሌ ሓወይ፡ ሚለ ግራሴ! ቦና ኖተ፡” ኢላ ተፋነወቶ። ገጻ ፍስሃ ዓሲሉዎ ነይሩ።
ካብ ዓይኑ ክሳብ ትኽወል ክጥምታ ጸኒሑ፡ ኣብ ቀጽሪ ገዛኣ ምስ ኣተወት መኪና ኣተሲኡ መንገዱ ቀጸለ። “ብሓቂ ወዲተባዕታይ ተንኪፉዋ ኣይፈልጥን ማለት ድዩ ወላ ቃልዓለም’ያ ትገብር ዘላ? ከም ሰብ ገርሂ’ያ፡ ግን ከኣ ገለ ዝሰተረቶ ነገር ዘለዋ እያ ትመስል። ገለ ዘሰክፋ ነገርስ ኣሎ፡” ብምባል ምስ ነፍሱ እናተዛረበ ገዝኡ ኣተወ።
ኣብ ዝቐጸለ መዓልታት ናብ ስራሕ ብሓደ ክወፍሩን ክምለሱን ቀነዩ። ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ከዛውራን፡ ኣሎ ናብ ዝብሃል መዘናግዒ ቦታታት ክወስዳን ምስ ጀመረ በብቝሩብ ክትለምዶን ብዘይስክፍታ ክተዕልሎን ትብዓት ረኸበት። ፍቕሮም ሱር ሰዲዱ ኣብ ደረጃ ምስዕዓም’ኳ እንተ በጽሑ፡ ናይ ወዲተባዕታይ ነገር ኮይኑዎ ንስጋዊ ርክብ ዝደፋፍእ ምትንኻፍ ከርእያ ከሎ ግን ቅድሚ መርዓ ወሲብ ምፍጻም ከም ዝዓበየ ሓጢኣት ትቘጽሮ ስለ ዝነበረት፡ ቦኣይና ገኒሓ ምቕራብ ትኸልኦ ነይራ። እዚ ኮይኑ ግን ብሓቂ ብኵለንትናኡ ኣፍቂራቶ፡ ንሃዳር’ውን ብልባ ተመንያቶ። ኣብ ኣእምሮኣ ሕርኽርኽ ዝብላን ድቃስ ዝኸልኣን ነገር ግን ነይሩ። ትምኒታ ምስ ሰለሙን ምዉቕ ሓዳር መስሪታ ሕጕስ ህይወት ክትሕልፍ’ኳ እንተ ነበረ፡ ታሪኽ ህይወታ ምስ ሰምዐ ከይነጽጋ ኣመና ክትሽቝረር ጀመረት። ነቲ ነገር ክትሓስቦ ከላ ጥራይ ፍርቂ ነፍሳ ስለ ዝኸይድ ካብ ሓንጐላ ክተርሕቖ ጥራይ ትፍትን ነይራ። ድሮ ብፍቕሩ ተቓጺላ ንድሕሪት ኣብ ዘይትምለሰሉ ደረጃ ከም ዝበጽሐት ስለ ዝተረድኣ ግን ምቹእ ኣጋጣሚ መሪጻ ምሉእ ታሪኽ ህይወታ ክትገልጸሉ ቍርጺ ሓሳብ ገበረት።
* * *
ይቕጽል
2ይ ምዕራፍ መበል 11 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 21 መስከረም