ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
ምዕራፍ 11 መበል 87 ክፋል
ሰማንያን ሓደን ድርብ መለክዒ ሒዛ’ያ ሓሊፋ። በቲ ሓደ ሸነኽ ጸላኢ ኣብ ተበግሶ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝተቐርሰመ፡ ንመጠነ ሰፊሕ ወራር መታን ክዳሎ ዝኾነ ወተሃደራዊ ወራር ከይገበረ ተጸቒጡ ኣሕሊፉዋ። በንጻሩ እቲ ኣብ መንጎ ተሓኤ ህግሓኤ ዝነበረ ግርጭት ኣመና ስለ ዝተባልሐ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ውድባት ኣብ ድሕሪ መስመር ውግእ ተኸፍተ። ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ሳሕል ገጹ ስለ ዝለሓመ፡ ሰራዊት ተሓኤ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ምስ ሓይልታት ህግሓኤ ዓሪዱሉ ካብ ዝነበረ ቦታ ሰሓበ። ከም ሳዕቤን ከኣ እቲ ኵነታ ናብ ምሉእ ወተሃደራዊ ምርጻም ዓረገ። ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳዊ ጸላኢ ዝኸፍሎ ዝነበረ ሰፍ ዘይብል መስዋኣቲ ከይኣኽሎ ድማ ብሰንኪ ግጉይ ኣፈታትሓ ካልኣዊ ግርጭት ብዙሓት ጀጋኑ ደቁ ከሲሩ። ኣብቲ ደማዊ ውግእ ሓድሕድ፡ ተሓኤ ፋሕብትን ስለ ዝኣተዋ ካብ ሜዳ ኤርትራ ተሓግሒጋ ንምድረ ሱዳን ሃተፈት።
ስርዓት ኑመሪ ስዕረት ተሓኤ ክወሓጠሉ ስለ ዘይከኣለ፡ ከም ግብረመልሲ ናታ ጸግዒ ብምሓዝ ኣብ ምሉእ ሱዳን ዝነበረ ቤትጽሕፈታት ህዝባዊ ግንባር ረጊጡ፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ንጥፈታት ውድብ ህግሓኤ ከም ዝድስክል ገበሮ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ መስመር ሱዳን ክሰርሓ ዝጸንሓ ዓበይቲ መካይን ንሜዳ መታን ከይኣትዋ ውሕጅ እናሰገራ ከለዋ ኣርኪቡ ክዓግተን ፈተነ። ብብርቱዕ ተወፋይነትን ጻዕርን ኣባላት ምውፋር ጨንፈር መጓዓዝያ ዝነበሩ ተጋደልቲ ግን ናብ ሰላሳን ሰለስተን ዝጽግዓ ኤነትረታት ምስ ተሰሓብተን ውሕጅ ኮርባርካ ብምስጋር ካብቲ ብውዲት ዝተጠንሰሰ መጻወዲያ ስርዓት ሱዳን ንስክላ ከምልጣ ክኢለን።
እዚ ስጕምት’ዚ ብፍላይ ኣብ መራፊት ተኣፋፊ ሳዕቤን ኣኸቲሉ። ጸላኢ ንመጠነሰፊሕ ሻዱሻይ ወራር ምቅርራብ እናገበረ ከሎ ከምዚ ዝኣመሰለ ቍጠባዊ ማሕነቕቲ ምግጣሙ፡ እቲ ኵነታት ማዕረ ክንደይ ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ንመንም ሰብ ንጹር ነይሩ። ጸላኢ ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ምስ ፈለጠ ብማዕከናት ዜናኡ፡ “ደጊም ወንበዴታት ኣኺሉዎም’ዩ። ናይ ዕጥቅን ስንቅን መስመሮም ስለ ዝተዓጽወ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ኢዶም ክህቡ’ዮም፡” ምባል ከይኣኽሎ፡ ኣብ ሻዱሻይ ወራሩ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ዝዕወት ኮይኑ ስለ ዝተሰምዖ፡ “ህይወት ንጹሃት ዜጋታት ብከንቱ ክነጥፍእ ስለ ዘይንደሊ፡” ብዝብል ምስምስ ንተጋዳላይ ኢዱ መውሃቢ ዝኾኖ ካርድ፡ ምስናይ ናይ ኣመላልኣ ቅጥዑ ብኣየር ኣብ ዝተፈላለየ መዓስ ከራት ደጀን ደርብዩ።
ሻዱሻይ ወራር ክፈሽል እንተኾይኑ ኣብ መራፊት ተኸዚኑ ዝነበረ ኣማኢት ኣሽሓት ኩንታላት እኽሊ፡ ነዳዲ፡ ሽኮር፡ ዓደስን ዘይተመይትን ብዝኾነ መንገዲ ንሜዳ ክግዕዝ ነይሩዎ። እንተኾነ መዓስከር መራፊት ኣብቲ ዓቢ ኣፍደገኣ ብመንግስቲ ሱዳን ንሓለዋ ዝቘመ ወተሃደር ስለ ዝተገብረላ፡ ይትረፍ ዝተጻዕነት መኪና ክትወጽእ፡ ዝኾነ ምንቅስቓስ መኪና ክልኩል ነይሩ። ከም ቆፎ ንህቢ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ዝረኣያ ዝነበረ መዓስከር መራፊት ከኣ ተዛማዲ ህድኣት ሰፊኑዋ እንዳ ግፍዒ ክትመስል ጸጥ በለት። ብዙሓት ገርሀኛታት ድማ ህዝባዊ ግንባር ማይ ከም ዝሰኣነት ተኽሊ ኣብ ሓጺር ግዜ ትቕህም ኮይኑ ተሰምዖም።
ቃልሲ ሓፋሽ ግን ዓጋቲ የብሉን። ብኡ ንብኡ ሓደ ጥበብ ተማህዘ። ብሜዳ ዝመጽኣ ዓበይቲ መካይን ብነዊሕ መብራህቲ ናይ መዓስከር እናተመርሓ መብራህቲ ኣጥፊአን ብሸነኽ ደቡብ ናይቲ መዓስከር ተዀሚሩ ኣብ ዘሎ እኽሊ ይጽግዓ። እዚ ክኸውን ከሎ ኣፍደገ ዝሕሉ ዘሎ ወተሃደር መታን ከይሰምዐን መብራህቲ ናይ ዝዕድል ጀነሬተር ድምጺ ክብ ከም ዝብል ይግበር’ሞ መካይን ድማ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብለይቲ ተጻዒነን ይወጽኣ። እቲ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ፡ ምሉእ ኣባል’ቲ መዓስከር ምሉእ ለይቲ እናተበራረየ መካይን ክጽዕን ይሓድር። ንግሆ ዘይተርፍ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምክያድ፡ ቍርሲ በሊዑ ኣዕሪፉ ይውዕል። ነፍስወከፍ ኣባል ዓቕሙ ስለ ዘበርከተ እቲ ስራሕ ንኣዋርሕ ብዘይ ሓደ ዕንቅፋት ቀጺሉ። ኣብ መራፊት ዝነበረ ብኣሽሓት ቶናት ዝቝጸር እኽሊ፡ ዓደስ፡ ነዳዲ ድማ ኣሎ እናተባህለ ኣብ ዝግብኦ ቦታ በጺሑ። እቲ ብናይ ኣስመራ ማኒፌስቶ ተጠሚቑ ብዙሕ ዳንኬራ ዝተገብረሉ ወራር ከኣ በንጻር’ቲ ደርጋውያን ይኹን ደገፍቶም ዝሓሰቡዎ፡ ብጽኑዕ ሰውራዊ መኸተ ተጋዳላይን ሓፋሽ ህዝብን ምስ ፈሸለ ዓለም ክልተ ግዜ ተዛሪባ።
እገዳ ሱዳን ድሕሪ ፍሽለት ሻዱሻይ ወራር፡ ብዘይ ሓደ ወግዓዊ መግለጺ ክለዓል ከሎ፡ ንካስትሮ ዓቢ መስተርሆት ነይሩ። ንኣዋርሕ ኣብ ዝተደራረበ ጕልበታውን ምምሕዳራውን ስራሕ ተጸሚዱ ለይትን ቀትርን ብሃለኽለኽ’ዩ ሓሊፉዎ። ከም ሰቡ እኽሊ ክጽዕንን ከራግፍን ሓዲሩ፡ ኣንጊሁ ብምትሳእ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ከስተምህር ነይሩዎ። ብኸምዚ ካብ ክቱር ድኻም ዝተላዕለ ዋሕዲ ደም ገይሩ ንሳልስቲ ኣብ ክሊኒክ ዝደቀሰሉ እዋን ነይሩ።
መዓስከር መራፊት ንቡር ሂወት ድሕሪ ምጅማራ፡ ተቛሪጹ ዝነበረ ባህላዊ ንጥፈታትን ኣካደሚያዊ ትምህርትን ኣብ ንቡር ተመልሰ። ተዳኺሙ ዝነበረ መደብ ምዝንጋዕ ከይተረፈ ተበራበረ። ኣብታ ፈላሚት ናይ ሓባር ምሸት ኣብ ነፍስወከፍ ኣባል ፍሕሹው ገጽ ይርአ ነበረ። ካስትሮ ካብ ሶቬቱ ወጺኡ ናብቲ ሆጭ ዝበለ ውራይ ኣምርሐ። ኣብ መስተ ዘይምኖ ዋዛን ቁምነገርን ስለ ዘዘውትር፡ ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ብጾት በብወገኖም፡ “ካስትሮ ንዓ ነጀው፡ ኖ! ኣብዚኣ ትሕሸካ” እናበሉ ወጠጥ በሉዎ።
ብደዉ ነቲ ቦታ ብኣዒንቱ ድሕሪ ምዅላል፡ ነቦይ ተኽለን ኣቦይ ሳልሕን ብሸነኽ ጸጋም ርእዩዎም ናብኣቶም ገጹ ብምምራሕ፡ “እዚ ዅሉ ሃሰስ ክብለኩም ኣብዚ ኣለና’ኳ ኣይትብሉን? ኣቦይ ተኽለ መቸም ስዋ እንተ ሒዝካ ወላ ከበር ሰብ የብልካን፡” እናበለ ኣብ መንጎኦም ኮፍ በለ።
“እዚኣስ ሓቅኻ’ለኻ። ካብ ስዋ ግደፍ ትብለኒ እንጌራ ግደፍ ክትብለኒ ምመረጽኩ። ብዘይ ስዋ እንታይ ህይወት ኣሎ ኢልካዮ ኢኻ። ብፍላይ’ዚ ጽራይ ስዋ ናይ ሃገርና ኰላሊትካ ስለ ዝሓጽብ፡ ካብ ቢራ እዩ ዝምረጽ። ሓካይም ከይተረፈ መስኪሮምሉ ክብሉ ሓቃቶም’ዮም፡” ክብሉ መለሱሉ።
ኣቦይ ሳልሕ ትቕብል ኣቢሎም፡ “ጸላኢና! ካብ ስዋዶ ቁምነገር ተረኺቡ እዩ። ተኽለ ኸኣ ከምኣ ኢልካ ነዚ ሓንጐል ሰብ ዝደፍን ስዋ ‘ኰላሊት ይሓጽብ’ዩ’ እናበልካ ሃለውለው ክትብል መሬት ዓሪቡካ” በሉዎም።
“ሓቅኻ ኢኻ ሳልሕ። ናይ ኣቦኻ ስለ ዘይኮነ ቁምነገሩ ኣይርድኣካን ይኸውን። ቁርኣን ሓራም’ዩ ዝብሎ ኢልካ ግን ክትገድፎ ኣይርኣናካን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ‘ወይኒ ያስተፈስህ ልበሰብ’ እዩ ዝብሎ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኸኣ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ዓለም ምስ ካህን ይሰትዩዎ።”
ንካስትሮ ዘረባ ክልቲኦም ሰሚዑ ክስሕቕ ዝርኣዩዎ ክንዮኦም ዝነበሩ ኣባላት ዕላል ክልቲኦም መታን ክሰምዑ ናብኣቶም ቀረቡ። ኣቦይ ተኽለ፡ ብሰንኪ ዝኽትምናኦም ካብ ቍልዕነቶም ኣትሒዞም ኣብ ስራሕ ክቝረኑ ዝተገደዱ ደልዳላ ኮይኖም፡ ናይ ዝተፈላለየ ዓይነት ስራሕ ልምዲ ድሕሪ ምጥራይ ኣብ ወደብ ባጽዕ ኣብ ክፍሊ ጽርበት ዕንጨይቲ ሰሪሖም። ከም ጠባይ መጠን ኣዝዮም ሓያል፡ ብዙሕ ታሪኽ ዝፈልጡ፡ ሬድዮ ካብ እዝኖም ዘይፈልዩ፡ ክትዕ ገጢሞም ዘይርትዑ ግን ከኣ ብኣጋ ተመላሳይ ሰብ’ዮም። ኣቦይ ሳልሕ፡ ቍሩብ ዕድመ ድፍእ ዘበሉ፡ ረቂቕ፡ ብብርትዐኡ ናብ ክሻፋ ዝቀራረብ መነጽር ዓይኒ ዝወድዩ፡ ብጸላኢ ብዙሕ ግዜ ዝተኣስሩ፡ ድምጾም እናጐተቱ ዝዛረቡ ዓቃል ሰብኣይ’ዮም። ዓስከር ጥልያን ከለው ምስ ዱካ ዳኦስታ ከም ዘገልገሉ ብዙሕ ግዜ’ዮም ዝዛረቡ። ኣብ ባጽዕ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሓይሊ ኤለትሪክ ድሕሪ ምስራሕ፡ ምስ ምሕራር ከተማ ባጽዕ ተሰሊፎም። ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ምስ በጽሑ፡ “ኣነ ደኣ እንታይ ክዕለም፡ ውትህድርና ቀደም ብዘበን ትሪቡሊ’ንድ’የ ዝፈልጦ። ብረት ጥራይ ሃቡኒ ከበሳ ክድይብ፡” ኢሎም ንሓይልታት ክኸዱ ወጠጥ ዝበሉ በዓል ቅያ ታሪኽ’ዮም።
ካስትሮ ነዞም ክልተ ኣቦታት ብዙሕ’ዩ ዝቐርቦም። ኣብ ምዱብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ዘይበርሃሎም ነገር ድማ ንበይኖም ፈልዩ ብዕላል መልክዕ የረድኦም። ምስኣቶም ምዕላል ንብዙሕ ነገራት ስለ ዘረስዖ ብዙሕ ክቐርቦም ከሎ ንሳቶም’ውን ብምሉእ ልቦም ይቐርቡዎን ከም መሰታኦም ናጻ ኮይኖም የዕልሉዎን ነበሩ።
ካስትሮ ስዋ ጐርዳዕ እናበለ ዕላሎም ክከታተል ጸኒሑ፡ ዘስሕቕ ነገር መታን ክረክብ ንኽልቲኦም ኣብ ክትዕ ዘእቱ ኣርእስቲ ሃሰስ ክብል ጀመረ። ኣቦይ ሳልሕ ግን ከም ባህሪ ስዋ እንተ ሒዞም ፖለቲካዊ ዕላላት ኣይፈትውን’ዮም። “ኣብ ስዋ ወነሳ’ዩ ዘድሊ፡ ውድባዊ ወይ መጎታዊ ዕላል እንታይ ኣምጽኦ?” እዮም ዝብሉ። እታ መጐታዊ ትብል ቃል ትርጕማ ብንጹር ይፈልጡዋ’ኳ እንተ ዘይነበሩ ንፖለቲካ ትምልከት’ያ ካብ ዝብል ሓሳብ ብዙሕ ግዜ’ዮም ዝደጋግሙዋ። ስለ ዝኾነ፡ ካስትሮ ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ዝኾነ ኣርእስቲ ከበግስ እናሓሰበ ከሎ ወዲሸቃ ብማዕዶ፡ “ካስትሮ” ኢሉ ስለ ዘድሃዮ፡ “መጻእኩ፡” ኢሉዎም ተስአ። ኣይደንጐየን ድሕሪ ገለ ደቓይቕ እንተ ተመልሰ፡ ኣቦይ ተኽለ ኣብ ጥቓኦም ኮፍ ኢሎም ምስ ዝነበሩ ክልተ ብጾት ብድሮኡ ብዛዕባ ዝተማህሩዎ ቃልሲ ህዝቢ ናሚብያን ውዲታት ኣፓርታይድን ኣልዒሎም ክካትዑ ጸንሑዎ።
ካስትሮ ምስ ተሓወሶም፡ “መጺእካዶ ካስትሮ? በዚኣ ትሕሸካ ኢሎም ኣብ መንጎኦም ኮፍ ኣበሉ ዎ ኣቦይ ሳልሕ። ቝሩብ ስዋ ምዕጕ ኣቢሎም፡ “መቸም ተኽለ ዓርከይ ፖለቲኮነ እየ’ንድዩ ዝብል፡ እንሃልካ ምስ’ዞም ወርጠበታት ጸሚዱ ሌፍ ይብል፡ ዘይጽልኦ! ስዋ ሒዝካ ፖለቲካ ጸላእኩ፡” በሉ ዎ እናሰሓቑ። ስዋ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ኣብ ዕስክርና ጥልያን ከለዉ ኣብ ሊብያን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ዝፈጸሙዎ ቅያን ታሪኽን ክዛረቡ እዩ ባህ ዝብሎም። ካስትሮ ፖለቲካ ክምህሮም ከሎ ኣብ ነንሓድሕዶም ኣብ ዝካትዑሉ እዋን ካስትሮ መፍቶቱ’ዩ ዝውድእ። “በል ሕጂ ትም ኢልና ንስምዓዮ’ሞ፡ ኣቦይ ተኽለ ክጋገ ከሎ ኣብ መንጎ ኣቲና ትጋገ’ለኻ ኢልና ንኣርሞ፡” በሎም ነቦይ ሳልሕ ኣብ እዝኖም ቅርብ ኢሉ።
ኣቦይ ሳልሕ በቲ ሓሳብ ተሰማሚዖም፡ “ሓቅኻ’ለኻ፡ ቀስ ኢልካ እንታይ ከም ዝብሎ ጥራይ ሓብረኒ’ምበር ፉዞ ክሰዶ’የ። ሎሚ’የ ዝረኽቦ፡” ብምባል ዝብሃል ክሰምዑ ኣእዛኖም ክጸልዉ ጀመሩ።
ክትዕ ናይ ኣቦይ ተኽለን ናይ’ቶም ክልተ መንእሰያትን እናረሰነ ስለ ዝኸደ፡ ካልኦት ኣብ ጥቓኦም ዝነበሩ’ውን ተሓወሱዎ። ሓደ ተጋዳላይ ነቦይ ተኽለ ብምቅዋም፡ “ሃጸይነት ኣሜሪካ ኣብዚ ዘላቶ ደረጃ ክትበጽሕ ዝኸኣለት ንደቀባት ኣመሪካ ዝኾኑ ቀያሕቲ ህንዳውያን ኣጽኒታ፡ ጕልበት ኣፍሪቃውያን ባሮት ተጠቒማ፡ ድሕሪ ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ ኸኣ ጕልበት ሸቃሎ መዝሚዛ እያ። ሓዲሽ መግዛእቲ ተጠቒማ ድማ ንሃገራት ሳልሳይ ዓለም ትምዝምዝ ኣላ። ኣብ ሶቬት ሕብረት ግን ምዝመዛ ዝበሃል ነገር የሎን። ስራሕ ዘይብሉ ሰብ የሎን፡ ስርቅን ቅትለትን ብልሽውናን ከኣ የሎን። ፍትሒ፡ ሕግን ማዕርነትን ዝነገሶ ስርዓት’ዩ ዘሎ፡” ክብል ገለጸ ስምዒት ብዝተሓወሶ መንፈስ።
ኣቦይ ተኽለ ሒዞማ ዝነበሩ ታኒካ ስዋ ኣብ እግሮም ኣቐሚጦም፡ “ዘሕምቖ’ሎኒ በትረይ ሃቡኒ’ንድዩ ኮይኑለይ ደኣ! ብዛዕባ’ዚ ኣብ ካድር ተማሂርናዮ ትብሉዎ ዝያዳ ክብሪ፡ ዝያዳ ዕዮ፡ መጐታዊ ነገርነት ገለ መለ እንተ ኣምጻእካ’የ ዘይክእለካ’ምበር፡ ናይ ኣመሪካን ሩስያን እንተ’ልዒልካስ ቀልጢፍካ ኢድካ ምሃብ ይሕሸካ!” ብምባል ዘረባኦም ጀመሩ። ካስትሮ ኣመሪካ እንተ ተላዒላ እንታይ ከም ዝብሉ ፈሊጡ ከሎ ገና ክምስ በለ። ንኣሜሪካ ከም ዘምልኹዋ ኣዕርዩ ይፈልጥ’ዩ።
“ናይ ተኽለ ዓርከይ ነገር’ኳ ጸማም ሓደ ደርፉ እዩ ዝብሃል፡” በሉ ኣቦይ ሳልሕ ናብ ካስትሮ እናጠመቱ።
“ሕጂ’ሞ መፍቶቱ ረኺቡ ብዘይ ፍረኖ እዩ ክዛረብ፡” መለሰ ካስትሮ።
“ብፍላይ እዞም ንኣሽቱ ጽን ኢልኩም ስምዑ፡” በሉ ኣቦይ ተኽለ ናብቶም ብየማነ ጸጋሞምን ኣብ ቅድሚኦምን ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ እናመልከቱ። “ኣብ ዓለም መንግስቲ ኣሎ እንተ ተባሂሉ ኣሜሪካ ጥራይ’ያ። ብሕርሻ ይኹን ብኢንዱስትሪ፡ ብፖለቲካ ይኹን ወተሃደራዊ ዝወዳደራ የሎን። ንነፍሳ ኮይናስ ንሳልሳይ ዓለም’ኳ ትቕልብ ኣላ። ሩስያ ግን መንግስቲ እንተዝኸውን ህዝቡ እናጠመየ ዓለም ዘህልቕ ኣጽዋር ኣይምሰርሐን። እዚ ዅሉ ኣብ ኤርትራ ዝዘንብ ዘሎ ቦምባታት ንባዕሉ ህያው ምስክር’ዩ። ኣብ ኣሜሪካ ዝሰርሐ ይህብትም፡ ኣብ ሶቬት ሕብረት ግን ስራሕ ኣይትስራሕ ኣይግድስን’ዩ፡ ውፈር ጥራይ’ምበር ደሞዝካ ኣይተርፈካን’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ኸኣ ብቝጠባ ድሕሪ ኣመሪካን ኤውሮጳን ስለ ዝተሰርዐት ንነብሳ ምቕላብ ስኢና ዓመት መጽአ ስርናይ ካብኣተን ክትሽምት ትግደድ ኣላ።”
“እሞ ሓቢርካ ምስራሕስ ምዕባለ ኣየምጽን’ዩ ዲኻ ትብለና ዘለኻ?” ክብል ኰለፎም ሓደ ካብቶም ሰማዕቲ።
“ጽንሓኒ ሓንሳብ! ኣይትትሃወኽ’ዚ ወደይ። ንሕና ኣብ ሰውራ ስለ ዘለና ነቲ ገጢሙና ዘሎ ከቢድ ሽግር ሓቢርና ብምስራሕ ጥራይ ኢና ክንዕወተሉ ንኽእል። ኣብ ሕብረተሰብና ድማ ሓቢርካ ምስራሕ ሎሚ ካብ ጥንብቲ ዝነበረ’ምበር ሎሚ ከም ዘይተጀመረ ፍለጥ። ግን ከኣ ወላ ኣብዚ መዓስከርና እንተ ተዓዘብና፡ ደሞዝ ስለ ዘየሎ ግዲ ኾይኑ ብዙሕ ነስተውዕለሉ ነገራት ኣሎ። ማእቶት ክበሃል ከሎ፡ እቶም ትጉሃት ባዴላን ኣፍራዛን ሒዞም ናብ ስራሕ ክጓየዩ ከለው፡ ገለ ሳሕዳያት ግን ገፈፍ ክብሉ ይረኣዩ። እዚ ከይኣክል ሰዓት ምስ ኣኸለ፡ እቶም ሃካያት ናውቲ ማእቶት ደርብዮም ንምግብና ክጐዩ ክጐዩ ትዕዘብ። ብድሕሪኡ ደም ክርህጹ ዘርፈዱ ደቂ ማርያም ክሊዓው ክቘርሱ እንተ መጽኡ ወዲቕኩም ይብሃሉ። እዚ ቅኑዕ ድዩ ሕጂ? ብንግድዓ ብጻይካ ምጽዋትዶ ኣይኮነን? ወይ ሰብ ደቀይ!” ምስ በሉ፡ ዝበዝሑ ሰማዕቲ ክስሕቁ ከለዉ ገለ ውሑዳት ድማ ብምስትንታን ኣራእሶም ብኣሉታ ነቕነቑ።
ካስትሮ ሃለፍ ከብሎም ስለ ዝደለየ፡ “እሞ ከመይ ኢልካ ሃጸይነት ኣመሪካ መዝማዚት ኣይኮነትን ትብለና? ናይዛ ኣብ ቃኘው እናሰራሕካ ከለኻ ሞቕሽሽ ዝህቡኻ ዝነበሩ ዲኻ እዚ ዅሉ ትጣበቐሎም ዘለኻ፡ ወላ ካልእ ትዛረቦ ነጥቢ ኣሎካ?” ክብል ኣዋጠሮም።
“ካስትሮ’ኳ ክተዛርበኒ ደሊኻ’ምበር መልሰይ ጠፊኡካ ኣይኮነን። ወዮ ደኣ ከምዞም ገሊኦም ዝበላዕካሉ ጻሕሊ ትሰብር ኴንካ’ምበር ካብ እዝግስ ኣሜሪካ እያ ምሂራትካ። ብዛዕባ ምዝመዛ እንተ መጺእካ ግን መንም ሰብ ተገዲዱ ኣይሰርሕን እዩ። ሃብታም ብሃብቱ ድኻ ብጕልበቱ እዩ’ቲ ነገር። ዝዓጀቦ ይሰርሕ፡ ዘይዓጀቦ ኸኣ ወሰኑ ይሕዝ። ኣሜሪካ ንኻልኦት ሃገራት ትምዝምዝ’ያ ዝበሃል ዘረባ ግን ናይ ሰነፋት ዘረባ’የ ዝብሎ። ዋና ዘይብሉ ወይ ዘይተሓጽረ ግራት እንተ ረኺቡ መን ይሓድግ። ኣሜሪካ ጸጕራ ምሩር ኮይኑ’ምበር ሃገራዊ ረብሓኡ ዘየቐድም ስርዓት ኣበይ ኣሎ? ሓደ ነገር ክነግረኩም፡ ግራት ሓሪስካ እንተ ዘይሓጸርካዮ ምህርቱ ይብርክትዶ? ኣይብርክትን’ዩ። መንግስቲ ኸኣ ሃገሩ ሰጥ ኣቢሉ እንተ ኣመሓዲሩ፡ ህዝቢ ባህሉን ቋንቋኡን እንተ ዘይረሲዑ፡ ሓድነቱ እንተ ኣትሪሩ፡ ነንሓድሕዱ እንተ ተኻባቢሩ መን’ዩ ዝምዝምዞ? ስንፍናኻ ክትሽፍን ሃጸያውያን መዝሚዘናና እንተ’በልካ ፋይዳ ዘይብሉ ዘረባ’ዩ። ጃፓን’ምበኣር ድሕሪ ኤውሮጳ’ያ ማዕቢላ። ግን ንኤውሮጳ ሓዲጋታ ሰማይ ተወንጪፋ ንርእያ’ለና። ስለምንታይ ብሃጸያውያን ተመዝሚዛ ዘይደኸየት? ሃየ መልሱ!” ኢሎም ጨደሩ።
“ጃፓን ደኣ ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣሜሪካ ስለ ዝሓገዘታ እያ ክትምዕብልን ማዕረአን ክትስራዕን ክኢላ፡” መለሰ ሓደ ከደራይ ክውን ኢሉ።
“እሞ ናባይ’ንዲኹም ደኣ መጺእኩም። ወያ ኣሜሪካ ኣብ ክንዲ መዝማዚት ሓጋዚት ኮይና። ክትሕግዝ ዝኸኣለት ከኣ ሃብታም ስለ ዝኾነት’ያ። እቲ ሃብቲ ግን ብሃሰሰ ለባም ወይ ብሃውለከ ዝመጽአ ኣይኮነን። ንስኻትኩም ግን ፖለቲካ ፈሊጥና ኢልኩም ከይሓፈርኩም፡ ሰብ ሰሪቑ’ምበር ሰሪሑ ክህብትም ኣይክእልን’ዩ ኢልኩም ኢኹም ትምህሩ።”
ዘረባ ዓርኮም ዘይዓጀቦም ኣቦይ ሳልሕ፡ “ጽናሕ በጃኻ፡ ሱቕ ኢልካ ሃለውለው ኣይትበል፡” ክብሉ ዘረባኦም ጀመሩ።
ኣቦይ ተኽለ ብኢዶም ምልክት እናገበሩ፡ “ሓንሳብ ኣወድኣኒ ሳልሕ፡” በሉዎም ብዓውታ። “ኣሜሪካ ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝያዳ ንኤውሮጳ እያ ሓጊዛታ። ንጃፓን’ውን ሓጊዛታ ትኸውን ብዙሕ ኣይፈልጠልኩምን። ጃፓን ግን ጻዕራም ህዝኒ ኣለዋ፡ ባህላን ቋንቋኣን ከይሓደገት ናይ ኤውሮጳ ምዕባለ ርዒማቶ፡ ህዝባ ኸኣ ተሪር ሓድነት ኣለዎ። ስለዚ፡ ዝኾነ ሃገር እንተ ጽዒሩ ዘይምዕብለሉ ምኽንያት የሎን። ኵሉ ነገር ከኣ ካብ ውሽጣዊ ምዕባለ ከም ዝብገስ ኣብ ፖለቲካ ከም ዝተመሃርና ኩልኻትኩም ትዝክሩዎ ትኾኑ።”
ኣቦይ ሳልሕ መልሲ ክህቡ ተሃንጥዮ ጸኒሖም፡ “ተኽለ’ኳ ለባም ከለኻ ሓደ ሓደ ግዜ ዘረባ ዓያሹ ይሰትኮካ እዩ። ሎሚ ድማ ሕሉፍ ሓሊፍካ ንኣሜሪካ ዓባይ መንግስቲ’ያ፡ ምዕባለ’ለዋ ክትብለና ከለኻ ግርም ኢሉኒ ጸኒሑ። ርግጽ’ዩ ሃብቲ’ለዋ ክብሉ ንሰምዕ ኢና። ሃብትን ምዕባለን ግን ነንበይኑ’ዩ። ናይ ሃብቲ ነገር ከኣ ዕድል’ዩ። ገለ ሃገራት ኣለዋ መሬተን ወርቂ ዝሕፈስ። ህዝበን ከኣ ብሃብቲ ጠሪጡ ከይሰርሐ ኣራጢጡ ይበልዕ። እዛ ጥቓና ዘላ ስዑዲያ ንባዕላ፡ ቀደም ድኻ ከላ ነዞም ሑጃጅ (ምእመናን) እናመረቐት ትነብር ዝነበረት ሃገር’ያ። ሎሚ ግን ሳላ ቤትሮል መን ከማይ? ትብል ኣላ። ምዕብልቲ መንግስቲ ክንብላ ግን ኣይንኽእልን ኢና። ገና ብመሻይኽ እትመሓደር መስፍናዊት ሃገር’ያ። መሰል ደቂኣንስትዮን ሸቃሎን’ኳ ዘይትኣምን! ህዝባ ስራሕ ስለ ዘይፈቱ ዝኾነ ስራሕ ይዕበ ይንኣስ፡ ንደቂ ኤለትሪያ ደሚርካ ብወጻእተኛታት እዩ ዝስራሕ። ሓደ ወዲሓውተይ ዝብጽሓኒ ከይተረፈ እምብሬዛ ኮይኑ ኣብኡ ይሰርሕ ኣሎ። ምዕባለ ኸኣ ባላሶ ናይ ዘብዛሕካ ወይ ጽርግያን ቢንቶን ናይ ዝሃንጽካ ኣይኮነን። ኣብ ፖሎቲካ ከምኡ ኢና ተማሂርና። ሓቀይ ዋላ ላእ?” ሓተቱ ናብ ኩላቶም እናጠመቱ።
“ጽቡቕ ኣለኹም!” ዝብል ናይ ብዙሓት ብጾት መልሲ ረኸቡ። ንዕላሎም ብዙሓት ስለ ዝሃርፉዎ ናብ ዓሰርተ ዝጽግዑ ሰማዕቲ’ዮም ከቢቦሞም ነይሮም። ኣቦይ ሳልሕ ዘረባኦም ስለ ዘይወድኡ ካብ ስዋኦም ምዑግ ኣቢሎም፡ “ናብ አሜሪካ ክምለስ ግን ብቐዳምነት ኣመሪካ ዋና ዘይብላ ሃገር’ያ። ልክዕ ከምዚ ባሕሪ ናይ ዓድና ዝኾነ ሰብ ከይዱ ዝሓርሶ፡ ካብ ኢጣልያ ፍራንቺያ፡ ኢንጊልተራ፡ ሆላንዳ ኮታ ካብ ምሉእ ዓለም ዝተሰደዱ እዮም ዝነብሩዋ። ካልእ ይትረፍ ነዞም ኔግሪ ወሲኽካ፡ ዓረብን እዞም ተካል ትርኢቶም ጠፈንቕ ኮርያን ቺናን ዝብሃሉ ከይተረፉ ኣለዉ እዩ ዝብሃል። በዚ ምኽንያት’ዚ እታ ሃገር ስርዓትን ሕጊ እንዳ’ባን የብላን። ምዕባለ ተረኺቡ ሰብኡት ከም ደቂኣንስትዮ ኣእዛኖም ተሰቝሮም ይኸዱ፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ ምንዝርና፡ ሓሺሽ ወዲሓሽስ ግኑን’ዩ። ካብ ኩሉ ዝገርመኒ ነገር ግን ሰብኣይ ምስ ሰብኣይ ክመራዓዓዉ ከፍቅዱሎም ይሓቱ ኣለዉ ምስ ሰማዕኩ እዩ። ኣቱም ሰባት! ካብዚ ዝኸፍእ ነገር እንታይ ኣሎ? ናይ ኣሜሪካ ነገር’ኮ ንበይኑ እዩ። ደሞክራሲ ተባሂሉ ባዕላቶም መራሕቶም ከም ዝመርጹ ይዛረቡ፡ ንመራሕቶም ከኣ ባዕላቶም ይቐትሉዎም። ከምኡ ስለ ዝኾነት እያ ኸኣ ዘይመሬታ ክትጐብጥ ነጢራ ቬትናም ናብ ዝበሃል ርሑቕ ሃገር ዝኸደትን። ቬትናም ግን ኣይሰነፈትን ንእሽቶ ደውላ ክነሳ፡ ኔል ሰታንታ ቺንኵወ ሕፍረት ኣጐልቢባ ሰጒጓታ። ተኽለ ዓርከይ ንኸምዚኣ ዓይነት መንግስቲ ምዕብልቲ እያ ትብለና እንተ ኣሊኻ ተፈዊስካ ኣለኻ’የ ዝብል፡” ኢሎም ተፋሪቓ ዝነበረትታኒካኦም ኣልዒሎም ኣውርድ ኣበሉ።
ብዛዕባ ጣልያን ኣጋኒኖም ከም ዝዛረቡ ዝፈልጥ ሓደ ካብ ሰማዕቲ መታን ከረሳስኖም፡ “እሞ ወላ ካብ ጥልያን ኣይትሓይሽን’ያ ማለት ድዩ?” ክብል ሓተተ።
“ብጥዕናኻ ዲኻ ትዛረብ ዘለኻ? ተደስኪ፡ ጥልያን፡ ጃፓን ኣብ ጒወራ ሞንዲያለ ንዓለም ፈጥፈጥ ዘበሉዋ መንግስታት ምዃኖም ኣይትፈልጥን ዲኻ?”
“ሳልሕ ከኣ ናይዛ ዓስከር ጥልያን ዝነበርካያ ከምኣ ኢልካ ከም ጥልያን መን ኣሎ? ክትብል ተኸኽ ኣቢልካና። ዘረባኻ ዝኾነ ልክዕ ከምቲ ሓርማዝ ክንዲ ዓርጓድ ደርሆናዶ ይኸውን? ዝበለ ዕዉር ኮይኑ። ካን ብጀካ ጣልያን ካልእ ዝጠቅም መንግስቲ የሎን?” በሉዎም ኣቦይ ተኽለ በዳሂ ነጥቢ ከም ዝረኸቡ።
ኣቦይ ሳልሕ ታኒካኦም ኣንቢሮም መነጽሮም ድሕሪ ምትዕርራይ፡ “ኣየ ተኽለ፡ ሓቅኻ ታሪኽ ስለ ዘይትፈልጥ ኣይተሓዘካን’ዩ። እንግሊዝ ንሃይለስላሴ ክሕግዝ ምስ መጽአ ጥልያን፡ ‘ሰብኣይ እንተዄንካ ስረ ብስረ ተዋጋእ’ ኢሉዎ ነይሩ። እንግሊዝ ግን ስለ ዝፈርሐ ብዘይካ ካብ ኤውሮጳ ሒዙዎም ዝመጽአ በብዓይነቶም ጸዓዱ፡ ካብዘን ደውላ ኛምኛም (ሳልሳይ ዓለም) ብዝሒ ሰራዊት ኣኻኺቡ’ዩ ክስዕር ዝኸኣለ። ንሱ ገዲፍካ ግን ጣልያን ቍሩብ ደኾን ንደቂ ኤለትሪያ ትምህርቲ ከም ንደፍእ ኣይገበረን’ምበር፡ ፋብሪካታት ሃኒጹ፡ ጽርግያን መንገዲ ባቡርን ሰሪሑ፡ ተለፈሪካ ዘርጊሑ ንኤለትሪያ ኸኣ ሃገር ገይሩዋ። እዚ ሰራቒ እንግሊዝ ግን ነዚ ዅሉ ትካላት ናብ ካልኦት ሃገራት ሸይጡዎ። መራት ዚንጎን ታኒካን፡ እዚ ንጕሕፎ ዘለና ኣስቃጥላ ናይ ሳልሳ ከይተረፈ ሰሪቑ እዩ ከይዱ። እቲ ዝኸፍአ ድማ ኣስላማይ ክስታናይ፡ ቆለታይ ደገታይ፡ ኢሉ ኣፈላላይ ፈጢሩልና ምሉቕ ኢሉ ወጺኡ። ኣብ ዓለም ከም እንግሊዝ ሸርሐኛን ሌባቲቦን መንግስቲ የለን። ኣብ ዝሓለፎ ብዘይካ ህውከትን ኵናትን ምእጓድ ካልእ ሚስተረ የብሉን። ስልጥንቲ መንግስቲ ትብላ ዘለኻ ኣሜሪካ ኸኣ ምስ እንግሊዝ ተመሻጢራ ብድሕሪ መጋረጃ ምስ ኢቶቢያ ከም ንቝረን ገይራትና።’
ካስትሮ ዘረባ ኣቦይ ሳልሕ ምስ ሰምዐ ኣብ ዘረባ ክልቲኦም ርእይቶ ከይሃበ ክትስእ ኣይደለየን። “ብዛዕባ ጥልያንን እንግሊዝን ዝመጽአ ክልቲኦም ገዛእቲ ሓይልታት’ዮም። እዚ እወታ ነይሩዎም፡ እዚ ኣሉታ ነይሩዎም ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ብዛዕባ ስርዓታት ሃጸይነት ኣሜሪካን ሶቬት ሕብረትን ክንዛረብ እንተኾይኑ ግን ሶቬት ሕብረት ጌጋ ስለ ዝፈጸመት ማርክሳዊ ሌኒናዊ ስነሓሳብ ግጉይ’ዩ ማለት ኣይኮነን። በቲ ቅኑዕ መንገዲ ዝትግብሮ ስርዓት ወይ መንግስቲ ጥራይ’ዩ ዝደሊ። ዝኾነ መንግስቲ ግን ውሽጣዊ ዓቕሙ እንተ ኣበራቢሩ፡ ሓድነት ህዝቡ እንተ ኣደልዲሉ፡ ቅኑዕ ምሕደራ እንተ’ልዩዎ፡ ርእይቶ ህዝቢ ኸኣ እንተ ሰሚዑ ራህዋን ቅሳነትን ዝሰፈኖ ስርዓት ዘይተኽለሉ ኣብነት የሎን። ሃጸያውያን ክምዝምዛ እንተኾይነን ከኣ ዝተሓባበሩወን ደቂ ሃገር ክረኽባ ኣለወን። ብዝተረፈ ኣብ ናይ ሎሚ ክትዕኩም ክልተኹም ባሪጂ (ማዕረ) ወጺእኩም ኣለኹም፡” ኢሉ ናብ ክልቲኦም እናጠመተ ሰሓቐ።
ኣቦይ ተኽለ ክዛረቡ እናበሉ ከበሮ ዲም በለ። ዝበዝሑ ኣብ ጥቓኦም ዝነበሩ መንእሰያት ድማ ተተሲኦም ምስቶም ስዋ ጸጊቦም ከዅድዱ ዝጀመሩ ብጾቶም ተጸንበሩ። በይኖም ምስ ተረፉ፡ “ካስትሮ ሎሚ ዘሪኻኒ’ምበር ረቲዐዮ ነይረ። ዝሓደግኩሉ ዘይብለይ፡” በሉዎ እናሰሓቑ።
“ተኽለ መቸም ኵሉ ግዜ ክትረትዕ ኢኻ ትደሊ።”
“ሳልሕስ ኣይትስኣን ደኣ! ጥዑም ስዋ ከሎ ሌፍ ክተብለና ሓንቲ ከየስተማቐርናዮ ጓይላ ጀሚሩ፡” ኢሎም ካብ ታኒካኦም ጽጽው ኣበሉ።
ሓንቲ ጓይላ ከይተወድአት ካስትሮ፡ “በሉ ከይደ። ደሓን ሕደሩ፡” ኢሉዎም ብድድ ምስ በለ፡ ባህጊ ሳዕስዒት ከም ዘይብሉ ስለ ዝፈልጡ ‘ጽናሕ’ ኢሎም ክከራኸሩዎ ኣይደለዩን።
ይቕጽል
መበል 88 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ