ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 85 ክፋል
ጸሓይ እናበርትዐት ምስ ከደት ርሂጸበላዕ ካብ ድቃሳ ተበራበረት። ክልተ ግዜ ኣምባሂቛ ክትትስእ እናሓሰበት ከላ፡ ኣብ ጠረው እግራ ዝሕልሕል ዝብል ቀጢን ለማጽ ነገር ተሰምዓ። ቀስ ኣቢላ እንተ’ነቓነቐታ ተመን ምዃኑ ንኽትርዳእ ግዜ ኣይወሰደላን። ኣይሰንበደትን። ኣብ ናይ ጉስነት ህይወታ ብዙሓት ኣትማን ርእያን ቀቲላን’ያ። ካብ ተመን ፈሪሓ ኣይትፈልጥን። ኣብ ድፋዕ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ሓደ ብጻይ ደቂሱ ከሎ ተመን ኣብ ስረኡ ኣትዩዎ ከም ዘሎ ምስ ፈለጠ፡ ቀስ ኢሉ ስረኡ ድሕሪ ምውጻእ ነቲ ተመን ከም ዝቐተሎ ዘኪራ፡ ስረኣ ምውጻእ እቲ እብኮ ፍታሕ ምዃኑ ተረድአት። ምስ እግራ ጠረው ምዃና ግን ከም ገለ ዓቕሉ ከይተጽብበሉ’ሞ ከይነኽሳ ተሰከፈት።
ኣትማን ምድረበዳ መርዛማት ምዃኖም ብዕላል ዕላል ትፈልጥ’ያ። ቍሩብ ሓሲባ እቲ ተመን ሙቐት በርቲዑዎ ባዕሉ እንተ ወጽኣላ ክትጽበ መረጸት። ስረኣ ፖሊስተር ስለ ዝነበረ ድሮ ሰለፋ ከንድዳ ጀሚሩ ነይሩ’ዩ። ድሕሪ ሰዓት ኮይኑ ዝተሰምዓ ናይ ዓሰርተ ደቓይቕ ትጽቢት፡ እግራ ኣቃጺሉዋ ዝመጽአ ይምጻእ ኢላ ጠጠው ክትብል’ሞ፡ እቲ ተመን ከኣ ኣብ መሬት ክወድቕ እናሓሰበት ከላ፡ እቲ ተመን’ውን ረስኒ ግዲ ምጽዋር ስኢኑዎ ዝሓሸ ጉድጓድ ክደሊ ብምውሳን ፍሕትሕት ክብል ጀመረ። ደሓን ይእተው ብዙሕ ከይደንጐየ ሰላሕ ኢሉ ካብ እግራ ብምውጻእ ኣብ እግሪ ጎማ መኪና ናብ ዝነበረ ዝተቘርጸ ቈጽሊ ጊንድዐ ኣተወ። ርሂጸበላዕ፡ “ኡፍ!” ኢላ ብምትንፋስ ነታ ብረስኒ ተቓጺላ ዝጸንሐት እግራ ደሪዛ ብድድ በለት። ነቲ ተመን መህረሚ ዝኸውን በትሪ ከም ዘይትረኽበሉ ፈሊጣ ግን ክትቀትሎ ኣይተገደሰትን። ጋቢና ከፊታ ድማ በተን ዝተረፋኣ ናይ መጨረሽታ ማይ ሓርጭ ታንግ በጽቢጻ ሰተየት።
ኣብ ጋቢና ኮፍ ኢላ ምምጻእ ካስትሮ ክትቋመት ጀመረት። ጸሓይ ብራኸኣ እናወሰኸት ብዝኸደት መጠን ሙቐት’ውን ብኡ መጠን ዛየደ። ንሰማይ ጠሚታ ሰዓት ዓሰርተ ኣቢሉ ከም ዝቀራረብ ገመተት። ካስትሮ ክሳዕ ሽዑ ክመጽእ ካብ ዘይከኣለ ኣብ መራፊት ኣይበጽሐን ክኸውን ኣለዎ ዝብል ግምት ሓደራ። “ካስትሮ መንገዲ ተጋግዩ መራፊት ኣይበጽሐን። ብጽምኢ ማይ ተሰኒፉ’ሎ ማለት’ዩ። ኣሕ!” እናበለት ንበይና ተዛረበት። ከም ብሓድሽ ኡራል ስኢኑ ይኸውን ዝብል ሓሳብ ስለ ዝተቐልቀላ ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ክትጽበ’ሞ ብድሕሪኡ ግን ንመራፊት ካብ ምኻድ ክቐርበላ ብምሕሳብ ንድሕሪት ንቶከር ክትምለስ ወሰነት።
ድሕሪ ክልተ ሰዓት፡ ኣሸበሸብ ካስትሮ ይመጽእ ከይህሉ ክትርኢ ተቓሊሳ ኣብ ልዕሊ መኪና ብምድያብ ንመራፊት ገጻ ጠመተት። ዝርአ ዶሮና ይኹን ዝስማዕ ድምጺ ኣይነበረን። ሳንጣኣ ተሰኪማ፡ ሽጕጥ ካብ ክሪስኬቶ ኣውጺኣ ክትብገስ ወሰነት። ቅድሚ ምብጋሳ ንመወዳእታ ግዜ ብደዋ ሓሰበት። መሬት ብሙቐት ናብ ፈርኔሎ ተቐይራ ከላ ክትከይድ እንተ ፈቲና ኣደዳ ወቕዒ ጸሓይ ክትከውን ስለ ትኽእል፡ ሞት ብሞቱ መሬት ክሳዕ ዝዝሕል ኣብ መኪና ኮፍ ኢላ ክትጸንሕ’ሞ ብድሕሪኡ መሬት ጠለስ ምስ በለላ ክትብገስ ብምውሳን፡ ሳንጣኣ ክተቐምጥ ናብ ጋቢና እናሰጐመት ከላ ድምጺ መኪና ዝሰምዐት መሰላ። ጽን እንተ በለት እቲ ድምጺ ብሸነኽ ቶከር ዝተበገሰ ምዃኑ ኣረጋገጸት። ኣብ ልዕሊ መኪና ደዪባ ቍሊሕ በለት። ሓንቲ ሎሪ ጽዑቕ ዶሮና እናገበረት ናብኣ ገጻ ክትሕምበብ ምስ ተዓዘበት፡ “ኡፍ! ኣልሓምዱሊላህ!” ኢላ ብነዊሕ ኣተንፈሰት።
ሽጕጣ ብየማነይቲ ኢዳ፡ ሳንጣኣ ብጸጋም ተሰኪማ ሎሪ ክትቀርብ ተጸበየታ። እታ ማዕረ ሰላሳ ሰባት ዝኣኽሉ ዝጸዓነት ሎሪ ግን ርሂጸበላዕ ካብ ዘላቶ ቦታ ገለ ሓምሳ ሜትሮ ብምርሓቕ እናዘለለት ሓለፈት። ርሂጸበላዕ ቅድም ኣብ ላዕሊ ተጻዒኖም ዝነበሩ ሰባት እንተ ረኣዩዋ ክሹኻ ብምውዝዋዝ ምልክት ገበረት፡ ከም ዘይረኣዩዋ ምስ ኣረጋገጸት ክልተ ግዜ ንላዕሊ ተኰሰት። ሎሪ ብቕጽበት ኣብ ዝነበረቶ ደው በለት። ኩላቶም ተሳፈርቲ ሎሪ ነቲ ዘይልሙድ ድምጺ ምስ ሰምዑ ብራዕዲ ተዋሕጡ። ብሸነኽ የማን ናይታ ሎሪ ብማዕዶ ሓንከስ እናበለት ክትመጽእ ምስ ረኣዩዋ፡ “መኪና ዝተበላሸወቶ ወተሃደር ጀብሃ’ዩ ዝኸውን፡’ጥቓኦምስ ቀረበት ጓልኣንስተይቲ ምዃና ስለ ዝፈለጡ ኣብ ተምሳጥ ኣተዉ። ጥሜት፡ ጽምኢ ማይ፡ ድኻም ተሓዋዊሱዋ ብካምሲን ጓልበረኻ መሲላ ስለ ዝነበረት፡ “ላኢላህ ኢላላህ መሓመድ ረሱል ኣላህ፡” እናበሉ ዓጐጉዋ። ንበይና ሳልስቲ ዝገበረት ኮይኑ ተሰሚዑዎም በብወገኖም ዘጋጠማ ኵነታት ክሓቱዋ ተቐዳደሙ። ዓረብኛ ትፈታትን ስለ ዝነበረት ትግረ እናሓወሰት ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠማ ጸገም ኣሕጽር ኣቢላ ገለጸትሎም።
ሓደ ሰብ ካብ ጋቢና ወሪዱላ ኣብ ቅድሚት ምስ ደየበት ሎሪ መንገዳ ቀጸለት። መራፊት ክሳዕ ትኣቱ ዕላል ተሳፈርቲ ሎሪ ብዛዕባኣ ጥራይ ኮነ። ኣብ ሕብረተሰብ ሱዳን፡ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ንበይና፡ እሞ ኸኣ ኣብ ጭው ዝበለ በረኻ ክትሓድርን ክትውዕልን ብተኣምር’ውን ዝሕሰብ ስለ ዘይኮነ መራፊት ክሳብ ዝበጽሑ፡ እቲ ጕዳይ ከም ዓቢ ኣርእስቲ ተወሲዱ ነዊሕ ኣዛረቦም። ሎሪ ከም ማንቲለ እናዘለለት፡ ሳጃን ጉድጓድን ብምጥሓስ ሓደ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ መራፊት ኣተወት። ገለ ሰባት ኣውሪዳ ካልኦት ገያሾ ድሕሪ ምውሳኽ፡ ንርሂጸበላዕ ንእግረ መንገዳ ኣብ መዓስከር መራፊት ኣውሪዳ ድማ ንቃሮራ ተበቈጸት።
ርሂጸበላዕ ካብ መሬት ተፋሒራ ዝወጽአት ክትመስል ጠልፈፍ እናበለት ኣብቲ መዓስከር ኣተወት። ዝበዝሕ ሰብ ኣብ ስራሕ ውዒሉ ንምግብና ገጹ ዘምርሓሉ ዝነበረ ግዜ እዩ ነይሩ። መጀመርያ ንዝረኸበቶ መንእሰይ፡ “ስምዓኒ ብጻይ፡ ካስትሮ መጺኡዶ?” ክትብል ተወከሰቶ። መልሲ ክሳዕ ዝህባ ልባ ብናህሪ፡ ዲጒ! ዲጒ! ትብል ነበረት።
“ካስትሮ ደኣ ካብ ፖርትሱዳን ዘይተመልሰ፡” ክብል መለሰላ’ሞ፡ ኵነታታ ምርዳእ ስኢኑዎ፡ “ናይ ደሓን ዲኺ፡ በየን ትመጽኢ’ለኺ?” ክብል ሓተታ፡ ናብ ሱዳን ትስልም ዘላ መሲሉዎ ብጥርጣረ እናጠመታ።
ኣብ ዘላቶ ቀዚዛ ተረፈት። መሬት ኣፋ ከፊታ ክትውሕጣ ተመነየት። ብጓሂ ተዀምቲራ ምዝራብ’ኳ እንተ ሰኣነት ኣብ የማና ናብ ዝነበረ ናይቲ ቀጽሪ ድነ ተጸጊዓ፡ “ማይ ሃበኒ በጃኻ” በለቶ።
ተጓይዩ ካብ ምግብና ማይ ሒዙ ብምምጻእ፡ “እንኪ ስተዪ፡” ኢሉ ኣቐበላ። ታኒካ ማይ ከየዕረፈት ገልበጠታ። ምስቲ ኣብ ሎሪ ከላ ዝሰተየቶ ተደሚሩ ከብዳ ትሪባ ተሰርሐት። ብማዕዶ ክዕዘባኣ ዝጸንሓ ደቂኣንስትዮ ኵነታታ ደስ ምባል ኣብዩወን ናብኣ ብምቕራብ ዘጋጠማ ኵነታት ተቐባቢለን ክሓታኣ ጀመራ። ኣብኡ በጺሕካ ዝግበር የሎን፡ ሬሳኡ ክርከብ ግድነት’ዩ ኢላ ስለ ዝሓሰበት፡ ነቲ ዘጋጠመ ኵነታት ብድኹም ድምጺ ገለጸትለን።
እቲ ወረ ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ከም ብርቱዕ ባርዕ ተላቢዑ ነታ መዓስከር ረበጻ። ነፍስወከፍ ሰብ ላዕልን ታሕትን ክብል ጀመረ። ድሕሪ ርብዒ ሰዓት ዕስራ ዝኾኑ ኣባላት ዝጸዓነት ኡራል ንካስትሮ ክትደሊ ተበገሰት። ዝበዝሑ ኣባላት’ቲ መዓስከር፡ ንካስትሮ ብፍሕሽው ጠባዩን ምቕሉልነቱን ኣመና ይፈትውዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ምስ ተሰነፈ ብካምሲን ተደብዩ’ሎ ዝብል ግምት ኣሕዲሮም ብሓዘን ተዋሕጡ። ኡራል ክሳዕ ትምለስ ግን ብትስፉውነት ተጸበዩ። ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቐትሪ፡ ኡራል ብማዕዶ ክትመጽእ ዝርኣዩ ኣባላት ኣብ መንጎ ተኽእሎን ክውንነትን ተንጠልጢሎም ኣብ ኣፍደገ’ቲ መዓስከር ዘዘው በሉ። ኡራል ብዘይካ ንቶዮታ ጐቲታ ምምጻእ ካልእ ቁምነገር ከም ዘየፍረየት ምስ ፈለጡ ኣዝዮም ጐሃዩ። ኣራእሶም ኣድኒኖም ድማ ገጾም ናብ መዓስከር ገልበጡ።
ንካስትሮ ከም ወዶም ዝጥምቱዎ ዝነበሩ ኣቦይ ተኽለ፡ ነቲ ወረ ምስ ሰምዑ፡ “ኣንታ እንታይ ተስምዑና ኣለኹም? ሞንዶ ካነ!” ድሕሪ ምባል፡ “ኣየ ካስትሮ፡ እዚ ዅሉ ዓረር ጸላኢ ዘይቀተለካስ ኣብ ሑጻ ዓዲ ሃገር ተደቢኻ ክትተርፍ ከለኻ እንታይ ይብሃል? ኤበ! ክትጠፍእ ዘይግብኣካ ሰብ ጠፊእካ፡’ እናበሉ ኣእዳዎም ላዕልን ታሕትን ከብሉ ከለው ምስኡ ዝዛረቡ ዘለዉ ይመስሉ ነበሩ። ዝገብሩዎ ጠፊኡዎም ምስ ብጻዮም ኣቦይ ሳልሕ ተተሓሒዞም ናብ ወዲሸቃ ብምኻድ፡ “ኣታ ወዲሸቃ ቍሩብ ደኣ እንታይ ምግባር ይሓይሽ?” በሉዎ ክልቲኦም ኣብ ፊቱ ኮፍ እናበሉ ብዝተረበጸ መንፈስ።
ወዲሸቃ ምስ ካልኦት ሓለፍትን ካድራትን መዓስከር እንታይ ከም ዝሓይሽ ኣብ ምምይያጥ ስለ ዝነበረ፡ “እሂ፡ እንታይ ሓድሽ ነገር ሰሚዕኩም?” ዝብል ሓጺር መልሲ ሃቦም ጽውግ ኢሉ።
ቤላቤለው ከም ዘይፈቱ ስለ ዝፈልጡዎ እናተሰከፉ፡ “ንሕናስ ብዛዕባ’ዚ ዝበሃል ዘሎ ካብ ኣፍካ ክንሰምዖ’ሞ ገለ ክንገብር ኢልና ኢና፡” በሉዎ።
ብውሽጡ ሓሪሩ ክነሱ፡ ሬሳ ካስትሮ ከይረኣየ ንመስዋእቱ ክቕበል ድሉው ስለ ዘይነበረ፡ “እቲ ዳህሳስ ገና ክቕጽል’ዩ። ኡራል ከኣ ንቶዮታ ክተምጽእ’ያ ከይዳ ነይራ። ንእግረ መንገዳ ግን ኣብቲ ከባቢ ቍሩብ ፈቲሻ። ሕጂ ግን ኣብ ስራሕ ስለ ዘለና ሕደጉና፡ ኩሉ ሰብ ነናብ ቦታኡ ይኺድ!” ዝብል ተሪር መግናሕታዊ ቃላት ኣዝነበሎም። ኵነታቱ ተዓዚቦም ቃል ከይወሰኹ ዝባኖም ገልበጡ። ኣቓልቦኡ ናብቶም ብኽቢ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ብጾቱ ብምምላስ፡ “ብህይወት እንተ’ልዩ ምስ ሰብ’ዩ ክህሉ ዝኽእል። እንተ ተሰዊኡ ኸኣ ካምሲን ደፊኑዎ’ሎ ማለት’ዩ። ሓደ ክንፈልጦ ዘለና ግን ወላ ብህይወቱ እንተ’ሎ ብመኪና ክንደልዮ ምፍታን ኣብ ኵምራ ሓሰር ዝጠፍአት መርፍእ ከም ምድላይ’ዩ ክኸውን” በሎም።
“ኣቱም ሰባት፡ ኣብ ጥቓ መዓስከርና’ውን ክህልው ይኽእል እዩ’ኮ። ምናልባሽ ክይድ ውዒሉ ኣብ መዓስከር ክበጽሕ ቍሩብ ምስ ተረፎ ተሰኒፉ ክወድቕ ይኽእል’ዩ። ስለዚ ርሑቕ ከይከድና ንብምሉእ ኣባል’ዚ መዓስከር ኣብዚ ከባቢ ሃሰስ ከም ዝብል ንግበሮ፡” መለሰ ሓላፊ ጋራጅ ዝነበረ ሕጽር ኢሉ ቀይሕ።
“ጽቡቕ ሓሳብ፡ ዘይምድንጓይ ግን፡ ንስኻትኩም ነዛ ሓፋሽ ኣበግሱዋ፡ ኣነ ድማ ንፖርትሱዳን መልእኽቲ ከሕልፍ’የ።”
ይቕጽል
መበል 86 ክፋል