ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል(ሃንችባክ)
መበል 80 ክፋል
ጸላኢ፡ ንሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ብሸነኽ ማዕሚደ ንምኽባብ ዝገበሮ ቀቢጻዊ ፈተነ ተቐርሲሙ ምስ ተረፈ፡ ኣብ ቈጋይን ዓገምቦሳን ዓሪዱ ንዝነበረ ሰራዊት ደፊኡ ናብ ደጀን ንምእታው ሓያሎ ፈተነታት ኣካየደ። ምስላጥ ምስ ኣበዮ ኣብ ማርሳ ተኽላይ ሰራዊትን ኣጽዋርን ብምርጋፍ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ሓድሽ ግንባር ከፈተ። ሰራዊት ህግሓኤ ድማ ምስ ኵነታት ጸላኢ ብምትዕጽጻፍ ካብ ዝነበሮ ቦታ ኣዝሊቑ ኣብ ጎቦታት ደንደንን ሰሜናዊ ሳሕልን ክዓርድ፡ ነቲ ሓድሽ ግንባር ዝኸፈተ ሓይሊ ጸላኢ ኸኣ ጽኑዕ መከላኸሊ ዕርዲ ሒዙ ክምክቶ ግድነት ኮኖ። እዚ ንህዝባዊ ግንባር ኣየሰናበዶን። ከሎ ገና ኣብ ግምት ኣእትዩዎ ስለ ዝጸንሐ፡ ድሮ ነቲ ኣብ ማህሚመትን ከባቢኡን ዝነበረ ብርክት ዝበለ ንብረት ውድብ ናብ ሓሊበትን ዓራግን ኣግዒዙዎ ነይሩ እዩ። ጸላኢ ንሓጺናዊ ዕርዲ ሰራዊት ህግሓኤ ሰንጢቑ ንደጀን ክኣቱ’ኳ እንተ ዘይከኣለ፡ ብሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ይግለጽ ንዝነበረ ንኣገዳስነት ምዝላቕ ዝምልከት ጐስጓስ ብምንሻው፡ “ወንበዴታት ኣብ ባሕሪ ክሳብ ዝኣትዉ ኣዝሊቕና ክብሉ እዮም፡” እናበለ በሽካዕላል ዓገግ ይብል ነይሩ። ህዝቢ ኣቀማምጣ መሬት ንዝፈልጥ ግን ሰራዊት ደርግ ኣብ ገምገም ባሕሪ፡ ሰራዊት ህግሃኤ ድማ ኣብ ውሽጢ መሬት ዓሪዱ ከም ዝነበረ ክርዳእ ቀሊል ነይሩ። እቲ እንኮ ኣማራጺ ንሱ ስለ ዝነበረ፡ ቅኑዕነት ምዝላቕ ምስ መድረኽ ከም ዝረጋገጽ ጽኑዕ እምነት ተጋዳላይን ህዝቢ ኤርትራን ነይሩ።
ርግጽ’ዩ እቲ መድረኽ ንህዝባዊ ግንባር ይኹን ንህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ጽንኵር መንባሩ ርዱእ ነይሩ። ኣብ ርእሰ’ቲ ወተሃደራዊ ጸቕጢ፡ እቶም ዝርካቦም ምስ ሰውራ ኤርትራ ዝደናገጹ ዝነበሩ ናይ ከባቢ ሓይልታት ከይተረፉ፡ ሰውራ ኤርትራ ዘብቅዐ መሲሉዎም፡ “ደጊም ሰውራ ኤርትራ ዝብሃል ነገር የሎን። እንኮ ምርጫኡ ውሽታዊ ምምሕዳር ምቕባል ጥራይ’ዩ፡” ብምባል ምስ ደርግ ክቈማጥዑ ጀሚሮም ነይሮም።
ኣድሃርሃርትን ብጥቕሚ ዝተታለሉን ጭቍናት ደቂሃገር ብወገኖም፡ ንህዝቦም ብምኽዳዕ ምስ ደርግ ተጸጊዖም ህዝቢ ከበሳብሱን ብውሑድ ቍጽሪ ንዝንቀሳቐሱ ኣሃዱታት ህግሓኤ ክተናዀሉን ብቓጻ ከጥቅዑን ጥራይ ዘይኮነ ንሓፋሽ ውድባት ከቃልዑ’ውን ተራእዮም። ብዙሕ ሚዛን ዝወሃቦ’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ገለ ፍናኖም መሬት ዝዘበጠ ተጋደልቲ ከይተረፉ ብረቶም ደርብዮም ንሱዳን ክስልሙ ከለዉ፡ ሃሃሊፎም ብረት ሰውራ ተሓንጊጦም ናብ መዓስከር ጸላኢ ዝኸድዑ’ውን ኣይተሳእኑን። ኣመንቲ ውድብ ጸኒሖም ቀበሌታት ደርግ ኣብ ምህናጽ ዝተጓየዩ ተንበርከኽቲ’ውን ብዙሃት ነይሮም።
ህግሓኤ፡ በቲ ገዚፍ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ጸላኢ ኣይተዳህለን፡ ብፖለቲካዊ ውዲታቱ’ውን ኣይተደናገረን። ኣብቲ ዓለም ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ረሲዓን ጸማም እዝኒ ሂባን ዘጽቀጠትሉ እዋን፡ ሰብኣዊ ሓይሉን ቍጠባዊ ዓቕሙን ጠርኒፉ መሰረት ህላዌኡ ዝኾነ ደጀን እናኣደልደለ፡ ከበድቲ ወራራት ጸላኢ ብምፍሻል ቀጻልነት ሰውራ ኣረጋጊጹ። ሓደ ዓመት ድሕሪ ዝወሰደ ምርብራብ ከኣ ሰራዊት ህግሓኤ፡ ኣብ መፈለምታ ሰማንያ ዓመተ ምህረት ኣብ ግንባር ናቕፋን ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን ናይ ገዛእ ርእሱ ተበግሶ ብምውሳድ ኣብ ዝፈነዎ ደምሳሲ መጥቃዕቲ ብቐሊል ዘይግመት ከበድቲ ኣጽዋር መንዚዑ። ንሰራዊት ጸላኢ ፋሕ ብትን ብምእታው ከኣ ምሩኽን ቍሱልን ገይሩዎ። ልዕሊ ዅሉ ግን ንጸላኢ ኣብ ዘድልዮ ግዜን ቦታን ከጥቅዖ ከም ዝኽእል ብግብሪ ብምምስካር፡ ስርዓት ደርግ ኣብ ወተሃደራዊ ስትራተጂኡ ከም ዝጠራጠርን ዳግመ ገምጋም ክገብርን ኣገዲዱዎ። ስለ ዝኾነ ሰራዊት ደርግ ወተሃደራዊ ንጥፈታቱ ኣብ ተዛማዲ ድስካለ ኣተወ። ደጀን ህግሓኤ ድማ ተዛማዲ ህድኣትን ቅሳነትን ሰፍኖ።
እዚ ኵሉ ክከውን ከሎ ካስትሮ ኣብ ክፍሊ ቍጠባ ጨንፈር ኢደስራሓት ተመዲቡ ከም ነፍስወከፍ ተጋዳላይ ዓቕሙ የበርክት ነበረ። ኢደስራሓት ከም ካልኦት ኣሃዱታት ደጀን ኣብ ሃልከትከት’ዩ ጸኒሑዎ። ጸላኢ ናብ ደጀን ኣትዩ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ከም ዘየነበረ ክገብሮ ይሕልን ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣብ በዓል ሰበርቀጠ፡ ብሌቓት፡ ፋሕ ዝነበረ ትካላት ውድብ፡ እንተላይ ኣብ ደብዓት ዝነበረ መደበር ዕቝባት ናብ ዝተኣማምን ቦታ ክግዕዝ ግድነት ነይሩ። ኣብ ኢደ ስራሓት ዝነበረ ኣብ ትሕቲ መሬትን ስንጭሮታትን ዝኣተወ ኣዝዩ ኦኣበይቲ ማሺናት ብዘይ ክሬን፡ እሞ ከኣ ብለይቲ ተጻዒኑ ክብሉኻ ከልዉ ብሓቂ ምእማኑ የጸግመካ።
ልኮ ካስትሮ ንራሕባ ኣብ መጽኣሉ እዋን፡ ንብረት ኢደስራሓት ካብቲ ፋሕ ኢሉዎ ዝነበረ ቦታታት ብመንገዲ ባቡርን ብጕልበት ሰብን እናተጻዕነ ንሱዳን ይግዕዝ ነበረ። ጸላኢ መንገዲ ቃሮራ ከዮኣጸዎ ከሎ ንብረት ህግሓኤ ንሱዳን ክሰግር ስለ ዝግብኦ፡ እቲ ስራሕ ትንፋስ ዝህብ ኣይነበረን። ኣብ ሓደ ቦታ ዘሎ ንብረት ምስ ተወድአ ናብ ካልእ ምቕጻል ግድነት ነይሩ። ብፍላይ ኣብ እምባልቆ ዝነበረ ንብረት ካብ ተቐቢሩዎ ዝነበረ ቦታ ኣውጺእካ ክትጽዕኖ ምስ ሓለፈ ቀሊል ይመስል ይኸውን። መግለጺ ዘይርከቦ ኣዝዩ ከቢድ ዕማም ከም ዝነበረ ግን ኣብቲ ስራሕ ዝተዋስኡ ሰባት ጥራይ’ዮም ዝርድኡዎ።
ካስትሮ ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ኣብቲ ጽንኵር ስራሕ ስለ ዝተጸምደ፡ ምሉእ ለይቲ ምስ ብጾቱ ስርሕ ሃዲሩ ኣጋ ጽባሕ ይድቅስ። ሓደ ሓደ ግዜ ድቃስ መሪጹ ሻሂ ከይሰተየ የርፍድ። እቲ ዝርካቡ ምግቢ ንባዕሉ ምስቲ ከቢድ ስራሕ ዘይዳረግ እንደምነሽ እዩ ነይሩ። ኣቓልቦ ካስትሮ ይኹን ብጾቱ ግን ኣብ ምዕዋት’ቲ ዕማም ስለ ዝነበረ ብብጻያዊ መንፈስ እናተጨራረቑን እናሰሓቑን ካብ ምስራሕ ሓሊፎም ብዛዕባ ካልእ ሓሲቦም ኣይፈልጡን ነይሮም። እግሩ ቃንዛ ክትገብረሉ ከላ ተጸሚሙ ሓዀት ክብል ይሓድር። ሓደ ሓደ ግዜ የማነይቲ እግሩ ህስይቲ ምዃና ረሲዑ ማዕረ’ታ ጥዕይቲ እግሩ ይረግጸላ’ሞ ደው ምባል ትከልኦ። እቲ ዝነበረ ጽንኵር ኵነታት ንዅሉ ዘረስዕ እዩ ነይሩ። ሓሊፉ ግን!
* * *
ይቕጽል
ምዕራፍ 11 መበል 81 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 2 ነሓሰ