ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 78 ክፋል
ወ/ሮ ገብርኤላ፡ መሮኣ ወደን ወለደኛ ከይተሓወሶ ብጭልቝ ምሕላፉ ብዙሕ ተሓምየን ስለ ዝነበራ፡ በጋጣሚ ጥምቀት ወዲወደን ዓቢ ውራይ ክገብራ ተዓጥቃ። ኣብ ገዝአን ዝተሳእነ ሽሳይ’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ሽሳየን ሰብ ዘዛርብ መታን ክኾነለን፡ ገና ሮዛ ጥንስቲ ከላ ካብ ርሑቕ ገጠራት ኤርትራ ጽሩይ ጠስሚ ሸሚተን ከብቅዓ፡ ድሕሪ ሕርሳ ድማ ዕምባባ ዝመስል ኵንታል ጣፍን ዝተመርጸ ዳጉሻን ኣብ ገዝአን ኵድም ኣበልኦ። ቅድሚ ጥምቀት ኣብ ዝነበረ ሰሙን ከኣ ገዝአን ሓንከርና፡ ዘሞቕና፡ ለወስና ብዝብላ ብውሕልነተን ካብ ሓድሕድ ዝበላለጻ፡ ኻብ ዓድን ኣስመራን ዝተኣካኸባ ኣንስቲ ቆፎ ንህቢ ክትመስል ዓቕላ ጸበባ።
ኣብ መዓልቲ ጥምቀት፡ ወ/ሮ ገብርኤላ ኣብ ውሽጢ ዳስ ንየው ነጀው ክብላ ከለዋ ይርእየን ንዝነበረ ሰብ ሃገር ዘመሓድራ ዘለዋ ይመስላ ነበራ። ሓንቲ ፍትሕቲ ቀንዲ መሳሰዪት ብምዃን፡ ይበላዕ ይሰተ እናበለት ነቲ ነዊሕ ጸጕራ ነስ ነበረት። ነዚ ዝረኣዩ ዕዱማት ሰብኡት ሮዛ መሲላቶም፡ “ኣየ ጸጕሪ! ኣየ ጕብዝና! ብኣካላ ፌርሞ እያ። ነዚኣ ዝወለደስ ዕድለኛ እዩ፡” ክብሉ ከለዉ፡ ግለ ዝፈለጣኣ ኣንስቲ ድማ ነቲ ባውዛ ክመስል ኣብ ክሳዳ ተንጠልጢሉ ዝነበረ ስልማታ ርእየን ኣብ ዘየድልየን ብምእታው፡ “ኣንትን መሓዛይ፡ እዚኣስ ድሕሪ ምፍታሓ’ባ መሊሱ ቆድዩዋ፡ ኣይትፈለጥክንን ዲኽን? ኣይ ከመይ ዝበለ ድኳን’ንድያ ዓዲጋ፡ ከም ሰግሬቶ እያ ትሰርሓሉ እዮም ዝብሉዋ ግን፡” እናበላ ይምንጭታኣ ነበራ።
ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ኣቓልቦ ዕዱም ዝሰሓበት ግን ሮዛ ነበረት። ባህላዊ ክዳን ብዙሕ ዘይትፈቱ’ኳ እንተ ነበረት፡ ንመጠመቒኣ ካብ ኣዲስኣበባ ተተሊቡ ኣብ ኣስመራ ዝተሰፍየ ምሩጽ ዙርያ እያ ተኸዲና ውዒላ። ኣልባሶ ዝተቘነነቶ ሃሪ ዝመስል ጸጕራ ኣብ ዝባና ዓሪፉ፡ ምስቲ ዝተሓነነ ኣእጋራ ዝሰማማዕ ጻዕዳ ሳእኒ ወድያ፡ ኰዳዕ ኰዳዕ ክትብል ከላ ዝረኣዩዋ ዝፈልጡዋን ዘየፈልጡዋን ዕዱማት፡ ብመልክዓን ቍመናኣን ብምግራም ዝሓዙዎ እንጌራ ከይኰለሱ ኣዒንቶም ብምትካል ሃነን ኢሎም ይጥምቱዋ ነበሩ።
ንሮዛ ብወረ ጥራይ ዝፈልጡዋ ዝነበሩ ካብ ገጠር ዝመጽኡ ሽምግል ዝበሉ ሰብኡት ድማ፡ “ኣየ ቈልዓ! እዚኣስ ሰይቲ ወድኻ እንተ ትኸውን እዩ’ምበር፡” ክብሉ ከለዉ፡ ብወሰን ከም ዝወለደት ዝሰምዑ ከተመኛታት ብወገኖም፡ “መልክዕ ደኣ ዝወጽኣኮ የብላን። ነዚኣ ዝሃበ መልክዕ ንመን ሂቡዎ፡ ብህየታ ማርያም’ንድያ! እንታይ’ሞ መልክዐኛ ኣበረኛ ተባሂሉ’ንድዩ። ዘረባ ሰብ ከይከውን’ምበር ንሓደ ናይ ድህንነት ሻምበል ከም ዝተወሸመት’ያ ትሕመ። አረ ናታስ ባዕላ ምፈለጠት፡ ናይታ ሓማታኸ እንታይ ክብሃል’ዩ? ጽንሕ ኢልናስ ገለ ክንሰምዕ ኢና። ኣንታ ከመይ ዝበለ ግዜ በጻሕና! ትሩፍ ደጊም!” ብምባል ኣፎም ዘዝሃቦም ሌፍ ይብሉ ነበሩ።
ካብ ርሑቕን ካብ ቀረባን ዝመጽአ ዕዱም ጥዑም ሽሻይ በሊዑን ሰትዩን፡ “መርዓኡ የርእየና፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ዝዓቍር ይግበሮ፡” ኢሉ እናመረቐ ክወጽእ ከሎ፡ ገለ ካብ ከበባኢ ገጀረት ዝመጽኣ ኣንስቲ ሮዛ ሕልፍ ክትብል ምስ ርኣይኣ፡ “ትበንቈስ ደኣ እዚኣስ! እተን ገብርኤላኸ እንታይ’ዩ ዓሺሩወን? ደሓንዶ ኣይነበራን? ናታ ከይኣክልስ ተዓጣቒት ኮይነን ምስ ጓልሓወን ወዘኽዘኽ ክብላ! ቍሩብ ኣይሃንካንድ የን? ካን ኣማልኪዑለይ ኢለን ድየን? ኣንታ ቅዱስ ሚካኤል ከመይ ዝበለ ሕማቕ ዘበን በጻሕና!” ብምባል በብወገነን እናተዛረባ ካብ ዳስ ወጽኣ።
ዝበዝሕ ዕዱም ድሕሪ ምውጽኡ፡ መቕርብ ዝኾኑን ካብ ዓዲ ዝመጽኡን ዕዱማት፡ ገለ ዝተመገቡ ገለ መኣዲ ዝጽበዩ ኮይኖም፡ “ብሓቂ ተዓዊታ ገብርኤላ፡ ኣንበሳ’ንድያ! ሓቂ ዘረባ ቅድም’ኳ እቲ ምስጢር ከይተረድኣና ቍሩብ ሕምይ ኣቢልናያ ኔርና፡ ደሓር ግን ክንደይ’ኳ ተሓጕስና። ሽዑ ደኣ ከምዚ ሎሚ ነቲ ጕዳይ ስለ ዘይፈለጥናዮ ትሩፍ ደጊም! ኣንታ እዛ ገብርኤላ እንታይ ወሪዱዋ ኢልና ካን ክዒብናያ ኔርና’ወ። ሓሶት እንታይ ክዓብስ ኢሉ፡ ኣፍና ዘዝሃበና ተዛሪብና ኢና። ግን እንታይ ዘይገበረት ኢልኩማ? እቲ ነገር በዚኣ እንተ ኸድኩም መርዓትኩም ትሓስመኩም፡ በዚኣ እንተ ኸድኩም ከኣ ወድኹም ይሞተኩም’ንድዩ ኮይኑዋ። ሽዑ ኸኣ እቲ ግዜ ቀውጢ’ንድዩ ነይሩ። ጠፊኡኩምዶ! ጓለ’ያይ ክርቢትያ ኮታ! እምበር በዓል ኣነ ደኣ ነዚ ንሳ ገይራቶ ዘላ በየናይ ልብና ክንሓስቦ?
“ኣንቱም ሰባት ገብርኤላ ዝብሉዋ ሰብኮ ገና ቈሎኣ ከላ’ኮ ብፍጥረታ በላሕ’ያ ነይራ። እንቋዕ ጥራይ ኣምላኽ ነዛ ብርሃን’ዚኣ ኣርኣያ። ዘይግባኣ መዓስ ኮይኑኸ። ካብኣ ናብኣ ግራዝማች ብህይወት እንተ ዝህሉ ነይሩ ውራያ ክንደይ እጹብ ድንቂ ምኾነ ግን ከም ሻሙ። እዚኸ ናይ መን ኮይኑ!” እናበሉ ብትሑት ድምጺ ከዕልሉ ጸኒሖም፡ ብመስተ ተድፊኦም ዓውዓው ክብሉ ጀመሩ።
ኣብ መንጎ ንወ/ሮ ገብርኤላ ቈመና ወዲሃወቦአን ዝብጽሑወን ብርሕ ኢሎም ሰብኣይ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ሰብ እንተ’ሎ ሃሳዊ እንተ ሞተ ጨናዊ እዩ። ዘረባ ከይከደና ትሕት ኢልና ንዛረብ። ገብርኤላ ግን ከም ዝበልኩሞ ብልሂ ኮይና ነዚ ጥበብ’ዚ እንተ ዘይትምህዝ ነዛ ብርሃን’ዚኣ ብኸመይ ምረከብናያ?” እናበሉዎም ከለዉ፡ ወ.ሮ ገብርኤላ ኣብ ውሽጢ ገዛ ጸኒሐን ንዳስ ክኣትዋ ከለዋ ርእዮመን፡ “ጥዑም ሽሻይ! ከምዚ ዝኣመሰለ ውራይ የሎን!” በሉ ዳርጋ ኩላቶም ብሓባር።
ንሰን ድማ ፍሽኽታ እናርኣያ፡ “ብልዑልና ስተዩልና፡ ዝጐደለ ክንምልእ እንዳባ፡ እንታይ ዝመስል ደኣ ቀሪብና ክንከውን ኢልና’ምበር፡” ኢለንኦም ኣፍልበን ነፊሐን ናብተብ ብሸነኽ የማን ናይቲ ዳስ ዝነበራ ኣስንቲ ገጸን ሰጐማ።
ጥንሲ ሮዛ ምስ ተጋህደ፡ ሰለስቲኦም ምስጢር ክዕቅቡ ተረዳዲኦም’ኳ እንተ ነበሩ፡ ምስጢር ክልተ ትሕቲ ምድሪ፡ ምስጢር ሰለስተ ልዕሊ ምድሪ ከም ዝብሃል፡ እቲ ሓቂ በብቝሩብ ብርክት ዝበሉ ሰባት ክስመዑዎ ክኢሎም’ዮም። ብፍላይ ወ/ሮ ገብርኤላ ገለ ናይ ቀረባ መሓዙተንን መቕርበንን፡ “ኣንቲ ገብርኤላ፡ እንታይ ኢና ንሰምዕ ዘለና? እንታይ ሕማቕ ረከብኪ?” ክብልኣአን ከለዋ፡ እቲ ጕዳይ ቦኣንተቦኡውን ስለ ዘይተዋሕጠለን፡ “ኣብ ክልተና ዝተርፍ እዩ’ምበር እቲ ነገርስ . . .” እናበላ ንብርክት ዝበላ ኣንስቲ ምስጢር ካብ ምምላቝ ድሕር ኣይበላን። ሮዛ ብወገና’ውን ንሓንቲ ትኣምና ሰይቲ ተጋዳሊት መሓዛኣ፡ እቲ ብዛዕባኣ ዝውረ ዘሎ ሓቂ ከም ዘይኮነ ብምሕባር ንሰብ ከይትዛረቢ ኢላ ገሊጻትላ ነይራ። ዕድለን ገይሩዎ ግን እቲ ጕዳይ መድረኹ ስለ ዘሕለፈ፡ ጸላኢ ድማ ደጊም ተኦኣዊተ ኢሉ ግዲ ኾይኑ ንህዝቢ ብጥበብን ብሜላን ክሕዝ ይፍተን ስለ ዝነበረ፡ ተገዲሱ ዘጨነቐለን ኣካል መንግስቲ ኣይነበረን።
ሰዓት ኣርባዕተ ኣኺሉ ኣብ ዳስ ወለደናን ጐረባብትን ጥራይ ተረፉ። ኣረቂ ክሕንፍፍ ዝወኦኣለ በኦኣል ጭራ ዋጣ ተሲኡ ጭራኡ እናነቀወ ናብ ወ/ሮ ገብርኤላ ቀሪቡ ብጥዑም ድምጺ ከዝይም ጀመረ።
ኣየ ውራይ ዝገበርክዮ ንትንግርቲ
ንዓኽስ ይብሉኺ ሰበይቲ
ከም እኖኻ ተብልዕ ተስቲ
ጓል ጭዋታት ኢኺ ጓል ሊቃውንቲ
ድራር ጋሻ ኢኺ ምሳሕ ሹማምንቲ
ከምዚ ኢሉ ጀሚሩ ከብቅዕ፡ ናይ ገለ ዝፈልጦም ሰባት ዓድን ወረዳን እናጠቐሰ ክወዳድስ ጸኒሑ ብርክት ዝበለ ኣቕራሽ ምስ ኣከበ፡ ኣብ ማዕዶኡ ኮፍ ኢላ ናብ ዝነበረት ሮዛ ብምሕላፍ፡-
ከም ገዓት ሩፋኤል ዝበልዓኪ
ከም ኣቡን ኢድኪ ዝስዕማኺ
ሕማቕ ዝየርእያ’ዛ ዓይንኺ
ማርያም ኢኺ ገዳም ዝዓበኺ
ከም ፈረንጂ ጻዕዳ ዝልብኺ
እመቤት ሮዛ መን ኣላ ከማኺ
እናበለ ወደሳ። ናብ ካልኦት ድሕሪ ምስጋር ይኣኽለኒ’ዩ ዝበሎ ገንዘብ ምስ ኣከበ፡ “ኣታ ክንደይ ይጥዕም ስዋ ግንባራ ሂቡዋ፡” እናበለ ደርፊ ምስ ጀመረ፡ ኣንስቲ ተቐባቢለን ብደርፍን ጣቕዒትን ናብ ዕሙር ጓይላ ቀየርኦ። ኣብ ዝቐጸለ ጓይላ፡ “ሮዛ ጨለ ገብርኤላ ወሓለ፡ እዚ ውራይክን ጸቢቑ ወዓለ፡” ዝብል ደርፊ ጀመረ። ሓማትን ሰይቲ ወድን ድማ ከዅድዳ ጀመራ። በላይ ንጉሰ ምስ ኣብርሃም ኮፍ ኢሉ ጸኒሑ “እቶ፡ እቶ” ምስ በሉዎ፡ ወላ’ኳ ኣይኽኣሎ ነጻላኡ ተዓጢቑ ምስኣተን ከዅድድ ጀመረ። ጓይላ ረሲኑ ኣቕራሽ ዝሽልሙን ዝሽለሙን በዝሑ። ብኸምዚ እቲ ጓይላ ናህሩ ከይነከየ ክሳዕ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት ምስ ቀጸለ፡ ሰብ ሰዓት እቶእቶ ከይኮነ በብሓደ ተበታተነ። ኣብታ መርዓ ከይትብሃል መርዓውን መርዓትን ዝጐደሉዋ ዳስ ድማ በጻብዕ ዝቝጸራ ኣቕሑ ዝሃጽባን ዘለዓዕላን ኣንስቲ ጥራይ ተረፋ።
* * *
እዚ ኵሉ ክከውን ከሎ ካስትሮ ኣብ መበል ሳልሳይ ወርሑ ምስ ካልኦት ውጉኣት መጀመርያ ናብ ሕክምና ፍልፍል፡ ጠሪሹ ምስ ሃወየ ድማ ምስ ካልኦት ስንኵላን ተሓዊሱ ኣብ ግዝያዊ መዕቈቢ ስንኵላን ናቕፋ ተዓቝበ። ሰራዊት ህግሓኤ ካብ ከባቢ ከረን ክሳዕ ዘዝልቕ፡ ኣብ ናቕፋ ዓስራይ ዙርያ ካድር ዝመሃሩ ዝነበሩ ኣባላት ብርጌድ ሓምሳን ሓደን እናመጽኡ የዕልሉዎ ስለ ዝነበሩ ልክዕ ኣብ ኣሃዱኡ ዘሎ ኮይኑ ይስምዖ ነበረ። ኩላቶም ተመሃሮ ካድር፡ ስንኵላንን ኣብ ናቕፋ ዝነበሩ ናይ ዝተፈላለዩ ክፍልታትን ተጋደልቲ፡ መደምደምታ ናይቲ ኣብ ዒላበርዕድ ተኸቢቡ ዝነበረ ገዚፍ ሰራዊት ደርግ እናተጸበዩ ከለዉ፡ ሃንደበት ብሰንኪ ጽዑቕ ወራራት ጸላኢ ትምህርቲ ካድር ከም ዝተቛረጸ፡ ከረን ከኣ ክትግደፍ ከም ዝኾነት ተገልጸ። ንምሸቱ ኩላቶም ተመሃሮ ካድር ተበገስ ኮይኑ ነናብ ኣሃዱኦም ነቐሉ። ኣብ ኩላቶም ስንኵላን ናይ ሕርቃንን ዘይተንበርካኽነትን ስምዒት ይንበብ ነበረ። ሽዑ ለይቲ ሰለም ከየበሉ ሓደሩ። ዳርጋ ኩላቶም በብዓቕሞም ብዛዕባቲ ክስዕብ ዝኽእል ወተሃደራዊ ምዕባሌታት ክካትዑን ክኽሰት ዝኽእል ፖለቲካዊ ጽልዋ ክትንትኑን መሬት ወግሐ። እቲ ጕዳይ ኣብ ኣእምሮ ነፍስወከፎም ንዘልኣለም ስምብራት ክፈጥር ምዃኑ ርዱእ ነይሩ።
ንምሸቱ ሰለሙንን ካልኦት ሰለስተ ብጾቱን ንበይኖም ኣብ ሃደ ኵርናዕ ጕጅል ኢሎም ሬድዮ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝሃበቶ፡ “ንወንበዴታት ኣብ ባሕሪ ክነእትዎም ኢና፡” ዝብል መግለጺ ኣልዒሎም እናዕለሉ ከለዉ፡ ሃንደበት ኣብ ፊቶም ዝነበረ ማንዲብል ዝብሉዎ ስንኵል ካብ ኦኣራቱ ነጢሩ ተሃወሶም’ሞ መግለጺ ክህብ ጀመረ። ማህረምቱ ካብ መንጋጋኡ ልዕል ኢሉ ስለ ዝነበረ ገጹ ፍጹም ተባላሽዩ ነይሩ። ዘረባኡ ክስማዕ ስለ ዘይክእል፡ ይትረፍ ምስ ሰብ ከዕልል ሃንቲ ቃልውን ኣምሊቝ ኣይፈልጥን። ሰብ ጸሊኡ መጽሓፍ ከንብብ ጥራይ ይውዕል ነይሩ። ንኣዋርሕ ኣብቲ መደበር ክቕመጥ ከሎ ዳርጋ ብዛዕባኡ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ቅድሚ ገለ ሰሙናት ግን ሓደ ካድር ክመሃር ዝመጽአ ዓርኩ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስኣበባ ናይ ማሕበራዊ ስነፍልጠት ተመሃራይ ምንባሩን፡ ካብቶም ኣዝዮም ንፉዓት ተመሃሮ ከም ዝነበረን ገሊጹሎም።
ማንዲብል ክዛረብ ኢሉ ደው ምስ በለ፡ ኩላቶም ስንኵላን እንታይ ክብል’ዩ ኢሎም ከቢቦሞ ከለዉ ከምዚ ክብል መደረኡ ጀመረ። “ቅድሚ ኣስታት ሸውዓተ ሚእቲ ዓመታት፡ ኣብ ምብራቕ እስያ ጀንጂስ ካን ዝብሃል መራሒ፡ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ህዝብታት ወራር ኣብ ልዕሊ ወራር እናፈጸመ፡ ካብ ቻይና ናብ ከባቢ ጸሊም ባሕሪ፡ ማእከላይ ኤውሮጳ፡ ሜሶጶጣምያ፡ ማእከላይ እስያን ሳይበርያን ዝዝርጋሕ ግዝኣት መስሪቱ። ጄንጂስ ካን ኣብ ፕሮፓጋንዳ በሊሕ’ዩ ነይሩ። ንግስነት ድሕሪ ንግስነት እናሰዓረ ንቕድሚት ክግስግስ ከሎ፡ ናብቶም ክወሮም ዝሓስብ ዘሎ ህዝብታት ኣቐዲሙ፡ ‘ሰራዊት ጄንጂስ ካን ሰብ ይበልዑ እዮም፡ ጐራዙ ንወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ከም ገጸ በረኸት’የን ዝወሃባ፡ ብቕጽበት ኢዱ ዘይሃበ ሰራዊት ከኣ ናይ ምሕረት ተስፋ የብሉን፡’ ዝብል ዘርዕድ ወረ ተናፊሱ ከም ዝጸንሕ ይገብር። ብርግጽ ከኣ ድሕሪ ዝኾነ ውግእ፡ ጸላእቱ ኣድማዒ ተቓውሞ እንተ ገይሮም ብጭካኔ ከም ዝጭፍጨፉ ይገብሮም ነይሩ። ዳርጋ ብምሉኡ ይሰምዕ’ዩ ዝብሃል ሰብ ናይተን ኣብ ቍጽጽሩ ዝኣተዋ ከተማታት፡ መታን ናዕቢ ከየልዕልብሴፍ ይቝረጽ፡ ዝተረፉ ድማ ከም ባሮት ይሽየጡ።” ማንዲብል፡ ይትረፍ ከምዚ ኦኣይነት ቁምነገር ዝሓዘለ ዘረባ ሓንቲ ቃል ከተንፍስ ሰሚዖሞ ስለ ዘይፈልጡ ጽን ኢሎም ምስማዕ ቀጸሉ። ቍሩብ ይዕርንስ ስለ ዝነበረ ኵሉ ዘይኮነ ገለ ካብ ዝዛረቦ ዝነበረ ቃላት ብዙሕ ንጹር’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ክርድኡዎ ግን ኣይጸገሞምን።
“ሰራዊት ጄንጂስ ካን እዚ ጥራይ ኣይኮነን ነይሩ ብልቻታቶም። ክንዮ መረዳእታ ናይ ዝኾነ ሰብ ኣዝዮም ፍጡናት ፈረሰኛታት ኣብ ርእሲ ምንባሮም፡ ረቂቕ ናይ ኵናት ስልቲ ይጥቀሙ ስለ ዝነበሩ፡ ዳርጋ ኣብ ቅድሚኦም ደው ክብል ዝኽእል ሰራዊት ኣይነበረን ክብሃል ይከኣል። ሓደ ሃደ ግዜ ዝሃድሙ ዘለዉ እናመሰሉ ንጸላእቶም ኣብ ድብያ ወይ ህጉም ከም ዝኣትዉ ይገብሩዎም። ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ግን ንሓደ ተሪር ዕርዲ ከጥቅዑ ክሓስቡ ከለዉ፡ ቈሎኣ ሰበይቲ ብቕድሚኦም ሰሪዖም መዝሓል ጥይት ይጥቀሙሎም ነይሮም። ነቶም ከም ገለ ካብ ሞት ዝደሓኑ ከኣ ናብቲ ዕርዲ መደየቢ ዝኸውን መሳልል ከም ዝሽከሙ ይገብሩዎም። ኣብዚ ህሞት’ዚ እቶም ተኸላኸልቲ ንደቆምን ኣንስቶምን የለልዩዎም’ሞ ክቐትሉዎም ነፍሶም ስለ ዘይገብረሎም ፍናኖም መሬት ይዘብጥ፡ መንፈሶም ይርበሽ፡ ሓሞቶም ፈሲሱ ድማ ምውጋእ ይሰኣኖም።
“ሰራዊት ጄንጂስ ካን ዝሓለፎ ኵሉ፡ እሳተጎመራ ከም ዝተፍኦ ቦታ፡ ትክን ሓምዅሽትን ከምኡ’ውን ዝቐምረረ ኣዕጽምትን መሬት ዘሕድግ ናይ ሬሳታት ጨናን ስለ ዝኽሰቶ፡ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ጸረ ክርስቶስ ዝብል መለቀብታ ስም ተዋሂቡዎ ነይሩ፡” ኢሉ ቍሩብ ኣዕረፈ።
ኣፉ ደሪዙ ዘረባኡ ብምቕጻል፡ “ደርግ ሕጂ እንታይ እዩ ዝደሊ ዘሎ? ሕጂ’ኮ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ክፍለ ዘመን ኣይኮንናን ንነብር ዘለና። መንግስቱ ጄንጂስ ካን ኣይኮነን፡ ሰራዊት ደርግ ድማ ብጄንጂስ ካን ዝምርሑ ሞንጎላውያን ተዋጋእቲ ኣይኮኑን። ንሕና ድማ ኤርትራውያን ደኣ’ምበር ኣብ ማእከላይ እስያ እንነብር ናይ ኡዝበክ ወይ ካዛክ ቀቢላታት ኣይኮንናን። ደርግ ብፕሮፓጋንዳኡ ሃደስቲ ክኸትብን ንግዜኡ ፍናን ሰራዊቱ ክብ ከብልን ይኽእል ይኸውን። ‘ቃሮራ ክሕዛ’የ፡ ንናቕፋ ከኣ ክቈጻጸራ እየ። ስለዚ፡ ከሎ ገና ኢስኩም ሃቡ’ ኢሉ ዓደዅደዅ እንተ በለ፡ ህዝቢ ኤርትራ በዝን ወድ’ዝን ከም ዘይንብርከኽ ደጋጊሙ ኣምሰኪሩ እዩ። ደጊመ እነግረኩም ኣለኹ። እዚ ሕቡን ህዝብ’ዚ ተንበርከኸ ማለት ዘበት’ዩ! History Will Tell! We Will Never kneel Down! ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ከኣ ክምህ ዘይብል ጽንዓት፡ ቈራጽነትን ትብዓትን ዝውንን፡ ኣላሽ ትብል ቃል ዘይትመልቈ ፍቱን ሓርበኛ እዩ። ንሕና ከምቲ መራሒ ብሪጣንያ ነበር ዊንስቶን ቸርችል ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝበሎ፡ ኣብ ጎቦታትን ጐላጉልን፡ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን፡ ኣብ ዱርን ስንጭሮን፡ ኣብ ጀቕጀቕን ኣጻምእን ተዋጊእና፡ ንስርዓት ደርግ ከም ሃይለሳላሴ ኣብ ናይ ታሪኽ ጐሓፍ ደርቢና ዓወትና ክንጭብጥ ኢና። ዓወት ንሓፋሽ! ኢሉ ነቲ ነዊሕ መደረኡ ዛዘመ።
እቶም ማንዲብል ዘረባኡ ክጅምር ከሎ ዝነበሩ ብጾት ካልኦት ድሒሮም ዝተጸንበሩዎም ተደሚሮም ናብ ኣርባዓ ዝኣኽሉ ስንኵላን ገለ ኮፍ ኢሎም፡ ገለ ጎቦ ኾይኖም፡ ገለ መራኵሶም ተደጊፎም ንዘርተባኡ ብኣድናቖት ክከታተሉ ዝጸንሑ፡ ዘረባኡ ምስ ወድአ ነታ ገዛ ብጣቕዒት ነቕነቑዋ። ብርክት ዝበሉ ስንኵላን ስምዒቶም ምቍጽጻር ስኢኖም ይስዕሙዎን፡ “ዓሽ ማንዲብል!” እናበሉ ብሰላምታ ኢዱ ይጭብጡዎን ነበሩ። ኣብቲ ገዛ ሓድሽ ሃዋህዉ ስለ ዝተፈጥረ ድማ፡ ንማንዲብል ከቢቦም ዝነበሩ ካብ ሸውዓተ ዘይበዝሑ ስንኵላን ኣብ ህሉው ወተሃደራዊ ኵነታት ብምእታው እዋን ክሳዕ ዝሃልፍ ጕጅም በሉ።
ንጽባሒቱ እታ ሳላ ተመሃሮ ቤትተምህርቲ ካድር ፉሕፉሕ ኢላ ዝነበረት ከተማ ናቕፋ ጭው ጭው በለት። ካትሮ ቀትሪ ቀትሪ ካብ ጥቓ’ቲ መስጊድ ዝነበረት መረባዕ እንዳ ስንኵላን ምስ ገለ ብጾቱ ብምውጻእ ኣብታ ከተማ ኰለል ኢሉ ይምለስ። መሬት ምስ መሰየ ድማ ብሓንቲ ኣረጊት ሬድዮ፡ ዓለም ብዛዕባ ኤርትራ እንታይ ትብል ከም ዘላ ክሰምዑ ይፍትኑ። ዝበዝሕ’ቲ ዜና ግን ኣብ ኢራን ንዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ ዝምልከት፡ ኣብ ኤውሮጳ ዛሕሊ በርቲዑ ከም ዝነበረ፡ ኣብ ኣንጎላ ንዝነበረ ውግ ሓድሕድ ዝገልጽ ጥራይ ምስ ኮነ፡ ሬድዮ የጸግዑዋ። ሳሕቲ Focus on Africa ዝብል መደብ ቢቢሲ ብዛዕባ ኤርትራ ሓጺር ትንታኔ ይህብ ነይሩ። ቃልሲ ኤርትራ ከም ዝተዳኸመ፡ ዳግማይ ሓይሊ ደሊቡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ክገጥም ዘይሕሰብ ምዃኑ ዝብል መግለጺ ምስ ሰምዑ ግን፡ “ደሓን! ክልተ ግዜ ክዛረባ’የን፡ ምዃን ዓለም ምስ ዝሓየለ እያ። ኣስመራ ከቢብናያ ከለናስ’ምበር ካልእ’የን ዝብላ ነይረን እዘን ሓሰውቲ፡” ይበሃሃሉ። ዝተረፋ መደበራትከ እንታይ ኮን ይብላ ይህልዋ? እናተባህለ ከውታ ክሳዕ ዝኸውን ዝወረዳ ሬድዮ ዳርጋ ምሉእ ለይቲ ጭጭ ክትብል ተሓድር።
ኵነታት ምዝላቕ ብፍላይ ነቶም ውድብ ህግሓኤ ካልእ ጣጣኡ ከፊኡዎ ሰኣን ምርካቡ ክምድቦም ዘይከኣለ፡ ርኡይ ስንክልና ዘይነበሮምን ዝተመሓየሹን ተጋደልቲ ዓቕሊ ዘጽብብ ነይሩ። ካብ ከባቢ ሩባ ዓንሰባ ብጸላኢ ዝትኰስ ዝነበረ ከበድቲ ኣጽዋር ከም ብርቱዕ ነጐዳ ክሃምም ክሰምዑዎ ከለዉ፡ ብሕርቃን ቈለጭ ይብሉ ነይሮም። ሓንቲ መዓልቲ ክንዲ ሰሙን ኮይና ግዜ ምሕላፍ ስለ ዝኣብዮም ብእዋናዊ ወተሃደራዊን ፖለቲካውን ኵነታት ዕላል ዝብገሰ ዕላሎም ፈኸም እናበለ፡ ናብ ተራ ሶቬት ሕብረት ይሰግር። ቀስ እናበለ ኣዝዩ ይረስን’ሞ፡ ሶቬት ሕብረት ኣግላሲት ድያ ኣይኮነትን፡ ቻይና ቅኑዕ መስመር ድያ ሒዛ ዘላ ኣይፋል? ከመይ ኢላ? ወዘተ ዝብል ስነሓሳባዊ ሕቶታት ኣልዒሎም ክካትዑ እዋን ይሓልፍ’ሞ፡ ኣብ ሓደ መደምደምታ ከይበጽሑ ይድቅሱ። ብኸምዚ መሬት ይወግሕ ይዓርብ፡ እቲ ልሙድ ህይወት ድማ ይቕጽል ነይሩ።
ይቕጽል
መበል 79 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 26 ሓምለ