ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 77 ክፋል
ሮዛ ድሮ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ጥንስቲ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ካብ ከተማታት ሰገነይትን ደቀምሓረን ኣዝሊቑ፡ ዕርዱ ኣብ ሰሜናዊ ግንባር፡ ሰይዲቺን ባጽዕን ኣደልዲሉ ነበረ። ጸላኢ ድማ ብዝረኸቦ ግዝያዊ ዓወት ሰኺሩ ለይትን ቀትርን ብመራኸቢ ብዙሓን፡ “እቲ ጅግና ኣብዮታዊ ሰራዊትና ንወበዴታት ፍጹም ደምሲሱዎም። ወንበዴታት ምዉትን ቍሱልን ምሩኽን ኮይኖም፡” ምባል ከይኣኽሎ፡ ንጅግንነት ሰራዊቱ ብስእላዊ መግለጺ ብምስናይ ንንኣሽቱ ገጠራት ኤርትራ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ እናነፍሐ። “ጅግና ሰራዊትና ካብ ኣስመራ ዓሰርተ ሽዱሽተ ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ዝግብ ንእትብሃል ዓባይ መዓስከር ወንበዴታት ሻዕብያ ዝነበረት ከተማ ብዘደንቕ ጅግንነት ሓራ ኣውጺኡ ሰንደቕ ዓላማና ተኺሉላ። እቲ ጭቈና ወንበዴታት መሪሩዎ ዝነበረ ህዝቢ’ታ ከተማ ድማ ንኣብዮታዊ ሰራዊትና ብሓጐስን ብዕልልታን ተቐቢሉዎ። ቍጽርን ስፍርን ዘይብሉ ኣጽዋርን ስንቅን ወንበዴታት፡ ንመድፈሪ ተባሂሉ ዝጥቀሙሉ ዕስራ ኪሎ ሓሺሽ ከይተረፈ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣትዩ፡” ክብል ንየዋሃት ከደናግር ዝኽእል ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ይነዝሕ ነይሩ።
ሮዛ፡ ነቲ ናይ ደርግ ፕሮፓጋንዳ ኣብ ሬድዮ ኣስመራ ምስ ሰምዓቶ፡ ተጋዳላይ ዘቦኡ ካብ ገጽ ምድሪ ተሓግሒጉ ዝጠፍአ መሰላ። ሰለሙን ኣብ ሒደት ኣዋርሕ ዓወት ሒዙ ክምለሳ ዝነበራ ትጽቢት ኣብ ማይ ከም ዝኣተወ ጨው ሓቒቑ ክተርፍ ተራእያ። መስዋእቲ ሰለሙን ከም ሓደ ዘይተርፍ ክዉንነት ስለ ዝወሰደቶ ብህይወት ምንባር ትርጕም ስኢናትሉ ንሳልስቲ ብዘይካ ሓሪሮ ቡን ምስታይ እኽሊ ተሓስመት። ወ/ሮ ገብርኤላ እንተኾና’ውን ነቲ እዝኒ ዘደንቁር ብሬድዮ ኣስመራ ዝፍኖ ዝነበረ ፕሮፓጋንዳ ጸላኢ ክጻወርኦ ስለ ዘይከኣላ ገጸን ብጓሂ ቀምሰለ። ሽዑ ዝያዳ ዘገድሰን ኵነታት ጥዕና ሮዛ ስለ ዝነበረ ግን ብውሽጠን ኵምትር ኢለን ከለዋ፡ “ኣንቲ ሮዛ ጓለይ፡ ደርጊ ሓሳዊ ተዛሪቡ ኢልክስ ክንድዚ ክትጕህዪ! ደርጊ ደኣ ብዘይካ ብንቁር ኣቢሉ ምሕሳው ሓቂ ወጺኣቶ ትፈልጥ ድያ? ንብርቱዕ ውሕጅ’ኳ ተኣሊኻ ተሕልፎ፡ ደቅና ኣስሓብ ገይሮም’ምበር ኣይጠፍኡን፡” ብምባል ካብ ሰብ ዝሰምዖኦ ተጋደልቲ ዝፈጸሙዎ ስርሒት ብምዝርዛር ከጸናንዓኣ ይጽዕራ ነበራ። ኣብርሃም ብወገኑ ህሉው ኵነታት ሰውራ ብምግላጽ ብዝከኣሎ መጠን ብዝከኣሎ መጠን ፍናና ሓፍ ከብሎ ይጽዕር ነይሩ።
ኣብ ከምዚ ኵነታት ከላ፡ ጸላኢ ኣብ ሰሜናዊ ግንባር ንዝነበረ ዕርዲ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሰይሩ ንምሕላፍ ዝገበሮ ፈተነ ኣብ መቐርካ ከም ዝተሓምሸሸ ብዕላል ዕላል ምስ ሰምዐት፡ እቲ ኣብርሃም ዝበላ ዅሉ ከደዓዕሳ ኢሉ ዘይኮነ ካብ ጭቡጥ ኵነታት ተበጊሱ ምዃኑ ኣረጋገጸት። ኣብ ህዝቢ ትርእዮ ዝነበረት ትስፉውነት ድማ ዝያዳ ኣተኣማመና።ወርሒ ድሕሪ ምሕራሳ፡ ሬድዮ ኣስመራ ሰራዊት ደርግ ንሰሜናዊ ግንባር ወንበዴታት ሰይሩ ንከረን ይግስግስ ከም ዘሎ ገለጸት። ሮዛ ንግዜኡ ነቲ ዜና ኣይሰምዓቶን። ኣብርሃም መዓልታዊ ደሃያ ከይፈለጠ ይውዕል’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድረላ ካብ ዝኽእል ወረ ካብ ምዕላላ ቍጡብ ነይሩ። ብፍላይ ኣብቲ ግዜ’ቲ ጸላኢ፡ “ሰራዊትና ንብርጌድ ሓምሳን ሓደን ኣቕሂሙዋ፡ ንብርጌድ ሰብዓ ድማ ሕቘኣ ሰይሩ ድማ ንከረን ገጹ ይግስግስ ኣሎ፡” እናበለ ዓብላኺ ዜና ይዝርግሕ ስለ ዝነበረ ንሮዛ ተኣፋፊ ሳዕቤን ምፈጠረላ ነይሩ።
ሮዛ ዕረፍታ ወዲኣ ስራሕ ኣብ ዝጀመረትሉ ግዜ፡ ሃደ ንግሆ ምስ ኣብርሃምን በዓልቲቤቱ ኤልሳን ንስራሕ እናወፈረት ከላ ዘይንቡር ምንቅስቓስ ተዓዚባ፡ “ናይ ደሓን ድየን እዘን መካይን?” ክትብል ተወከሰቶ።
ቴንዳ ተሸፊነን ብናህሪ ይጐዓዛ ስለ ዝነበራ፡ “ውጉኣት ዝጸዓና እየን ዝኾና፡” ክብል መለሰላ። ጸላኢ ንከረን ክቈጻጸር ኣብ ከባቢ ዒላበሮድ ውግእ ክገጥም ምዃኑ ኣቐዲሙ ፈሊጡ ነይሩ እዩ። “ተካል መዓልቲ ከውዕሉና እዮም ማለት’ዩ፡” በለ ብውሽጡ፡ ከጋጥሞ ዝኽእል ናይ ስራሕ ጸቕጢ እናተራእዮ። ንክልቲአን ኣብ ስርሐን ኣብጺሑ ንሆስፒታል እናተመልሰ ከሎ ክልተ ኡራላት ሓለፍኦ። ጸላኢ ሰፍ ዘይብል ስዕረት ከም ዘጋጠሞ ተጋህደሉ።
ኣብ ኣፍደገ ሆስፒታል ምስ በጽሐ ክልተ ካላሽን ዝዓጠቑ ወተሃደራት ብየማነ ጸጋም ደው ኢሎም ተዓዘበ። ሓላዊ ኣፍደገ ምስቶም ወተሃደራት ተዘራሪቦም ኣፍደገ ከፈቱሉ። ንውሽጢ ኣትዩ መኪናኡ ኣብ ቦታኣ ድሕሪ ምዕሻግ፡ ካብ መኪና ወሪዱ ብግስ ክብል ከሎ ሓደ ማእከላይ ቍመት ዝነበሮ ሻምበል ብቕልጣፈ እናሰጐመ ናብኡ ብምቕራብ፡ “ዶክተር ኣብርሃም ይቕሬታ ግበሩለይ፡ ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ ብህጹጽ ንደልየኩም ስለ ዘለና ቀልጥፉና!” ኢሉ መሪሑዎ ሰጐመ። ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ንዑኡ ሓድሽ ስለ ዘይነበረ፡ ብውሽጡ ጸባ እናሰተየ ስጕምቱ ብምቕልጣፍ ደድሕር’ቲ ሃዝራጥ ሻምበል ሰዓበ።
ኣብ ኣፍደገቲ ክፍሊ ንሃለዋ ደው ዝበለ ዕጡቕ ወተሀደር ምስ ረኣየ፡ ምስ ተብተብ ናይቲ ሻምበል ኣዛሚዱ ተወጊኡ ዘሎ ሰብ ዓቢ ሃላፊ ከም ዝኾነ ገመተ። ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ ኣትዩ ኵነታት ውጉእ ክምርምር ጀመረ። እቲ ውጉእ፡ ጸጕሩ ኵርድድ ኢሉ፡ ከደራይ፡ ገጹ ግፍሕ ኢሉ ኮይኑ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ነይሩ። ብጸጋማይ ኣፍልቡ ትሕት ኢላ ዝሃረመቶ ጥይት በየማናይ ሸነኽ መሓግሓጋኡ ሓያል ስጋ በጂላ እያ ወጺኣ። ሳንቡእ ኣንኵላ ከም ዝወጽአት ርዱእ ነገር ኮይኑ፡ ንጸላም ከብዱ ሃሪማ ከይትኸውን ዘጠራጥር ነይሩ። ውጉእ ክድሕን ከም ዘይክእል ብኣግኡ ተረድኦ። ከምኡ መባል ካልእ መዘዝ ምዕዳም ስለ ዝኾነ ግን መጥባሕቲ ክገብረሉ ሸበድበድ መሳርሒታቱ እናቐራረበ ከሎ ንቃነው ከይዱ ዝጸንሐ ሃኪም ሰራዊት ሌተና ኮሎኔል ቦጋለ ኣርከቦ። ብስራሕ ቀጻሊ ስለ ዝራከቡ ጽቡቕ ሌላ እዩ ነይሩዎም። መጥባሕቲ ቅድሚ ምጅማር ምስ ሓኪም ሰራዊት ድሕሪ ምዝርራብ፡ ኣብ ጥቓኡ ንዝነበረት ነርስ፡ “ዝተዋህቦ መድሃኒት ኣሎ ድዩ?” ክብል ተወከሳ።
“ሕጂ ስለ ዝመጽአ ዝኾነ ነገር ኣይሃብናዮን፡” ክትብል መለሰትሉ።
ልክዕ ከም ግምቱ ሳንቡእ ኣብ ክልተ ቦታ ተበሲዓ፡ ጸላም ከብዲ ብላዕላይ ሸነኽ ክትህረም ከላ፡ ሓንቲ መሰንገለ ድማ ከም ዝተሰብረት ተዓዘበ። ነቲ ኣብ ዲያፍራም ዓቝሩ ምስራሕ ዝኸልኦ ደም እናኣለየ ከሎ ውጉእ ትንፋስ ከሕጽር ስለ ዝጀመረ ናይ ኣስትንፋስ ሓገዝ ብምሃብ ምስ ሓኪም ሰራዊት እናተሓጋገዘ መጥባሕቱ ቀጸለ። ድሕሪ ገለ ካልኢታት ግን ትርግታ ልቢ ውጉእ እናደኸመ ከደ። ቍሩብ ሰኒሑ ድማ ፈጺሙ ኣቋረጸ።
ብወጥሪ ክከታትለ ዝጸንሐ ሓኪም ሰራዊት፡ “ኢትዮጵያ ዓቢ ጅግና ከሲራ!” በለ። ኣብ ገጹ ዓሚቝ ሓዘን ይንበብ ነበረ። ከም ኣመሉ ክሰቲ ግዲ ሓዲሩ ገንኢ ገንኢ’ዩ ዝጨኑ ነይሩ።
“ማህረምቱ ኣዝዩ ከቢድ ክነሱ ግን ቅልጡፍ ረዲአት ኣይረኸበን፡” ክብል ሻምበል ክሳዕ ዝመጽኦም ዕላል ከፈተ ዶክተር ኣብርሃም።
“ስለምንታይ ብሄሊኮፕተር ከም ዘይመጽአ ንዝምልከቶ ኣካል ሓቲተ ነይረ፡ እቲ ወተሃደራዊ ኵነታት ከም ዘየፍቀደ ተሓቢረ።”
“ከመይ ማለት እዩ ወተሃደራዊ ኵነታት ኣየፍቀደን? ሰራዊትና ላዕለዋይ ኢድ እናሃለዎ!” ዝብል ሕቶ ኣስዓበ ምስጢር ክፈልጥ።
“ብዙሕ ዘይትፈልጦ ነገር ኣሎ ዶክተር። ወተሃደራዊ ኵነታት ኵሉ ግዜ ከም ትጽቢትካ ኣይከውንን’ዩ። ደሓር ከኣ መሬት ኤርትራ ንሄሊኮፕተር መዕለቢ ዘይምችእ ሓባጥ ጐባጥ ዝበዝሖ መሬት’ዩ።”
“ኣብ ከምዚ ኵነታት ምስ ግዜ ምቅድዳም ኣዝዩ ወሳኒ እዩ።”
“ጽቡቕ ኣለኻ። እዚ ትርእዮ ዘለኻ ጅግና ኣብ ውግእ ኦጋዴን ብፍላይ ኣብ ናይ ካራማራ ኵነታት ብጅግንነት ዝተዋግአን ዘዋግአን’ዩ። ብዝፈጸሞ ዓቢ ጅግንነት ከኣ ካብ ኢድ ጓድ መንግስቱ ናይ ኮሎኔልነት መዓርግ ዝዓበየ ናይ ሜዳ ኒሻንን (መዳልያን) ተቐቢሉ። ቅድሚ ዕስራ ዓመት ካብ ሃረር ጦር ኣካደሚ ጀሚርና ኢና ንፋለጥ። ኣብ ህይወተይ ከምዚ ሰብዚ ዝቐንዕ ርእየ ኣይፈልጥን። ኵሉ ግዜ ድማ ምስ ጭቍናት ደው ምስ በለ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ብሰራዊት ኣዝዩ ፍቱው ነይሩ። ሕጂ ድሒኑ እንተ ዝነበር ትግጸና እየ ናይ ጀነራልነት መዓርግ ምተቐበለ ነይሩ። ክሳብ ሕጂውን ልዕሊኡ ዘለዉ ጀነራላት ጸብጻቡ ይጸቐጡዎ ስለ ዝነበሩ እዩ’ም’በር፡ ብርጌድ ዘይኮነ ግብረ ኃይል ምመርሐ ነይሩ። ልዕሊ ኵሉ ኣብ ናይ ሰራዊት ክለብ እንተ ዘይኮይኑ ከም’ዞም ካልኦት ጀነራላት ኣብ ባራት ተርሞስሞስ ክብል ወይ ኣይትርእዮን ኢኻ።”
ኣብርሃም ተወሳኺ ሓበሬታ ንኽረክብ፡ “እቲ ኵናት ግን ክሳዕ ክንድዚ ጽዕጹዕ ድዩ ነይሩ? ብሬድዮ ከም ንሰምዖ. . .”
ዘረባኡ ከይወድአ፡ “ዶክተር ዓሻ ኣይትኹን። ኣብ ኦኣውደ ውግእ ዝፍጸምን ኣብ ሬድዮ ዝዝረብን በበይኑ ምዃኑ ክትግንዘብ ኣለካ። ብፍላይ እዚ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ መንጎ ክልተ ብጅግንነቶምን ትብዓቶምን ዘይሰናነፉ ኣሕዋት ኢትዮጵያውያን ይካየድ ስለ ዘሎ ብዙሕ ህልቂት ከም ዝስዕብ ክርድኣካ ኣለዎ። ኣብ ኦጋዴን ዝተኻየደ ውግእ ምስዚ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክነነጻጽሮ ከለና ጸወታ ቈልዑ እዩ ነይሩ እንተ በልኩኻ ምግናን ኣይኮነን። ኣነ ኣብ ክልቲኡ ኦኣውደ ግንባራት ተሳቲፈ’የ። ካብዚ ወጻኢ ግን ካልእ መግለጺ የብለይን፡” ብምባል ከረድኦ ፈተነ።
“ወላ ከምኡ እንተኾነ’ሞ ወንበዴታት ማዕረ ክንድዚ ኣትኪሎም ክዋግኡ እዮም ትብል? ኣብዮታዊ ሰራዊትና ከም ውሕጅ ተፈንዩ ክጸርጐም እዩምበር። ምኽንያቱ ሕጂ ዳርጋ ኣብ ከበባ’ዮም ኣትዮም ዘለዉ። ብፖለቲካዊ መዳይ’ውን ነጺልናዮም ኢና። ኣነ መቸም መዓልቲ ጥፍኣቶም ዝቐረበ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ።”
“ዶክተር ብዛዕባ ውግእ ብዙሕ ትፈልጦ ነገር ስለ ዘይብልካ ከምኡ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ኵናት ግን ማተማቲካዊ መስርሕ ኣይኮነን። ብቐዳምነት እዚኣቶም ተራ ደባይ ተዋጋእቲ ኣይኮኑን። They are hard core guerrillas! ኣብ ነዊሕ ዓመታት ዘዋህለሉዎ ናይ ኵናት ተሞክሮ ኣለዎም። ማዕረና ከበድቲ ኣጽዋር ስለ ዘይውንኑ ጸገም ከም ዘለዎም ርዱእ’ዩ። እዚ ግን ኣብ ኵናት ወሳኒ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከም ከብዲ ኢዶም ኣብ ዝፈልጡዎ መሬት ይዋግኡ ስለ ዘለዉ፡ ንሕጽረታቶም ብቕልጡፍ ምንቅስቓስ (Mobility) እዮም ዝሽፍኑዎ። ነዚ ብልጫኦም’ዚ ክነምክን እንተዄንና ከከይተወደቡ፡ ትንፋስ ከይሃብና ክንድምስሶም ክንክእል ኣለና። ብርግኣት እናንሰሓቡ ኣብ ጎቦታት ሳሕል ክዓርዱ ዕድል እንተ ሂብናዮም ግን ንመዋእልና ብኻልእ ቃላት ታሪኽ ሰውራ ቺና ኣብዚ ክድገም’ዩ ማለት’ዩ። ብነፍሱ ዶክተር ቦጋለ ብባህሪኡ ሰታር’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ሽዑ ግን ሓይሊ መስተ ግዲ ደፊኡዎ ኣመና እዩ ፍንው ፍንው ዝብል ነይሩ።
ኣብርሃም ነቲ ኵነታት መዝሚዙ፡ “ስማዕ’ስኪ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ገስጋሲ ስርዓት ተተኺሉ ከሎ ስለምንታይ ይዋግኡ ከም ዘለዉ ይገርም’ዩ፡” በሎ።
“ምስ ሰብ ኣይትዛረብ’ምበር፡ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ መንግስትና ንሻዕብያ (EPLF) ከም ገስገስቲ ስለ ዝኣመነሎም ብመንጎኝነት ስሙር ማሕበርነታዊ ሰልፊ ጀርመን ኣብ በርሊን ረኺቡዎም ነይሩ። ኣብ ማሕበርነታዊት ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ምምሕዳር ክወሃበኩም ከኣ ተባሂሎም ነይሮም። You know what they demanded? ምሉእ ናጽነት! እቲ ዝዓበየ ወርቃዊ ዕድሎም ሽዑ ነይሩ፡ ግን ኣይተጠቕሙሉን። ወተሃደራዊ ብቕዓት’ዩ ዘለዎም’ምበር ንህሉው ኵነታት ጽቡቕ ገይሮም ክግምግሙዎ ዝኸኣሉ ኣይመስለንን። ንነዊሕ ዓመታት ኣብ በረኻ ምንባር ዝሃሰዮም ኮይኑ ይርድኣኒ።”
“ምሉእ ናጽነት ምሕታቶም ይገርም’ዩ!” ኢሉ ሰሓቐ ዶክተር ኣብርሃም።
“ኤርትራኸ ካብ መዓስ ሃገር ነይራ? ወላ እንተ ነበረትከ ኣየናይ ርእሳ ኽኢላ ደው ዘብል ቍጠባዊ ትሕዝቶ ኣለዋ? ህዝቢ ኤርትራ ከም ኵሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጕድለት ምሕደራ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጕድለት ፍትሒ ስለ ዘጋጠሞ ምስ ወንበዴታት ይደናገጽ ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ባህርያዊ እዩ። እቲ ዝወረደ ግፍዒ ግቡእ ኣተኣላልያ ስለ ዘይረከበ ድማ እቲ ነገር ዘይመልክዑ ሒዙ ነይሩ። ሕጂ ግን በዚ ተሃንጺጹ ዘሎ ኵለንትናዊ ስትራተጂ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ኣብዮታዊ መንግስቲ ደው ከም ዝብል ሚእቲ ካብ ሚእቲ ርግጸኛ እየ። ኣብ ገተራት ዝዕምብባ ዘለዋ ቀበሌታት ከኣ ቀንዲ ሕመረት ናይዚ ተሓንጺጹ ዘሎ ስትራተጂ ክኾና እየን። እዚ ንኽዕወት ግን ከምቲ ኣብ መስፍናዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ዝተፈጸመ ጌጋታት ክንገብር የብልናን። ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ሕቝፊ ወንበዴታት መንጢልና ብምውጻእ ክንከስቦ ኣለና። ወንበዴታት ከኣ ኣብ ጎቦታት ሳሕል ክዓርዱ ዕድል ክወሃቦ የብሉን።
ዘረባኦም ኣብ መደምደምታ ከየብጽሑዎ ሓንቲ ነርስ፡ “ዶክተር ኣብርሃም፡ ቴለፎን!” ክትብል ስለ ዘድሃየቶ ስዒቡዋ ናብ ቤትጽሕፈቱ ሰጐመ። ሓኪም ሰራዊት ብወገኑ፡ “ኣነ’ውን ኣብ ቃኘው በጺሀ ክመጽእ፡” ኢሉ ደድሕሪ ኣብርሃም ብምውጻእ ናብ መኪና ገጹ ኣምርሐ።
ዶክተር ኣብርሃም ብዛዕባ’ቲ ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም ምንጪ ሓበሬታ ክኾኖም ምስ በላይ ንጉሰ ዝሓጸዩዎ ሓኪም ሰራዊት እናሓሰበ ኣብ ቤትጽሕፈቱ ኣተወ። ኣጋጣሚ ቴለፎን ዝደወለ ብኻልእ ስርሑ በላይ ንጉሰ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ብሰፊሑ ከዕልሎ ንምሸት ኣብቲ ልሙድ ቦታኦም ተቛጸሮ።
ይቕጽል
መበል 78 ክፍል ዝመጽእ ረቡዕ 22 ሓምለ