ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
8ይ ምዕራፍ መበል 66 ክፋል
ነፍስወከፍ ሓይሊ ማእቶት ወዲኣ ከካብ ዝነበረቶ ቦታ ናብ ማህሚመት ምስ ተመልሰት፡ ብሓላፊ ክፍሊ ታዕሊም ንኣጠቓቕማ በብዓይነቱ ቦምባታትን ኣርፒጂን ዝምልከት ሓጺር ክልሰሓሳባዊ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ተዋህባ። ድሕር’ዚ ብብረት ሰላምታ ምሃብን ወተሃደራዊ ምረሻን ምስ ቀጸለ፡ ነፍስወከፍ ተዓላማይ ንመዓልቲ ተውዚዕ ብብርቱዕ ሃረርታ ክጽበ ቀነየ።
ሓደ ምሸት ኩላቶም ተዓለምቲ ኣብ ክንዲ ናብ ድፋዕ ዝኸዱ ኣብ ማእከል’ቲ ዓቢ ርባ ተኣከቡ። ዓይኒ ሕዝ ከብል ከሎ ድማ ጀነረተር ተተኺላ እቲ ንመዋእላት ብዘይካ ብርሃን ጸሓይን ወርሕን ካልእ ብርሃን ርእዩ ዘይፈልጥ ቦታ ብባውዛ ቅድድ በለ። ብኡንብኡ እታ ዕሸል ዝበረት ባህላዊ ጕጅለ ህዝባዊ ሓይልታት ንተዓለምትን ካልኦት ክፍልታትን ክተዘናግዕን ጀመረት። ሰለሙን ነታ ኣብ ኣስመራ፡ “እቲ ገዛና ዓቢ ህድሞ፡ ትዃን ቍንጪ. . . መሊኦሞ . . .” ክትደርፍ ከላ ዝፈልጣ ትበርህ ተስፍሁነይ ወተሃደራዊ ስረ ተኸዲና፡ “ተንስእ ተበራበር ሸቃላይ ሓረስታይ፡ ብሓባር ክንጸፍዖ ንመግዛእቲ ኣምሓራይ፡” ክትብል ምስ ሰምዓ፡ ዘሊሉ ናብ መድረኽ ብምእታው ከም ብሌን ዓይኑ ዝጥምታ ዝነበረ ሚዶኡ ሸለማ። እድሪስ መሓመድ ዓሊ፡ “ምስል ሑውየ ሓይሰኒ፡ እሙት ምስሉ ወእንበር . . .” ክብል ከሎ’ሞ ኸኣ ተዓላማይ ብምሉኡ ዓሽ ክብልን ኣብቲ ሑጻ ክስዕስዕን መስርዕ የለ፡ ጋንታ የለ ተሓዋወስ ኮይኑ። መን ንመን ክእዝዞ ሽዑ። ሰለሙን ከይተረፈ ንዓመታት ተፈልዮሞ ምስ ዝነበሩ፡ ኣብ ጸወታ ኵኦሶ እግሪ ዝፈልጦምን መማህርቱ ዝነበሩን ደቂ ሰኒታ ከዕልል ዕድል ረኺቡ።
ንጽባሒቱ ሰዓት ክልተ እተን ሓሙሽተ ሓይልታት ኣብ እግር’ቲ ዓበይቲ ዑበላት ተኣከባ። ሓላፊ ክፍሊ ታዕሊም መእተዊ ዘረባ ድሕሪ ምሃቡ፡ ንመሪሕነት ወኪሉ ዝመጽአ ሓላፊ በጋጣሚ ምውዳእ ታዕሊም ሕጽር ዝበለ ለበዋ ዝተሓወሶ መደረ ኣስምዐ። ንተውዚዕ ተሃንጥዮም ዝነበሩ ተዓለምቲ እተን ውሑዳት ደቓይቕ ዓመት ኮይነን ተሰምዖም። ኣብ መወዳእታ ሓላፊ ክፍሊ ታዕሊም ኣስማት ክጽውዕ ጀመረ። ብዘይካ ገለ ሓምሳ ዝኾኑ ንዝቕጽል ኮርስ ዓለምቲ ክኾኑ በይኖም ዝተፈልዩ፡ እቶም ዝተረፉ ብመሰረት ጻውዒት ኣስማቶም ኣብ ክልተ ጕጅለታት ተኸፍሉ። ሰለሙን በጋጣሚ ከም ትምኒቱ ኣብታ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ክትብገስ ዝተመደበት ጕጅለ በጽሖ። እቲ ንነዊሕ ዝቐጸለ ኣስማት ናይ ምጽዋዕ መስርሕ ምስ ተወድአ፡ “ተበገስ” ዝብል ትእዛዝ ተዋህበ። ኣብ ክልቲአን ጕጅለታት ዝነበሩ ተጋደልቲ ድማ ናብ ዘብሉዎ ስለ ዘይፈለጡ፡ ኣእዳዎም እናወዛወዙ ምስ ደቂ መስርዖም ናይ ማዕዶ ሰላምታ ተለዋወጡ።
እቶም ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዝተመደቡ ቍጽሮም ናብ ኣርባዕተ ሚእቲ ዝጽጋዕ መንእሰያት ተጋደልቲ፡ ነታ ኣምር ብጻይነት ዝፈለጡላ፡ ሰውራዊ ጠባይ ዘማዕበሉላ፡ መባእታዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝቐሰሙላ ማህሚመት ዝባኖም ሂቦማ ብብሩህ ተስፋን ውዕዉዕ ናይ ቃልሲ መንፈስን ንቕድሚት መረሹ። ኩላቶም’ኳ እንተ ዘይተባህለ ዝበዝሑ ካብኣቶም ንዘልኣለም ይፍለዩዋ ከም ዘለዉ ርዱእ ነይሩ። ኣብ ኣእዛኖም ግን “ከበሳ ደዪብካ ንሰራዊት ጸላኢ ምድርዓም፡” ዝብል ሓርበኛዊ ድምጺ ጥራይ የቃልሕ ነይሩ።
ሰለሙን ንተጋደልቲ በጦሎኒ ክልተ ሚእትን ሓሙሽተን ካብ ወጻኢ ዝመጽአ ሓመደዋይ ዝሕብሩ፡ ሓድሽ ናይ ፖሊስ ዲቪዛ ዝመስል ክዳን ለቢሶም ልክዕ ምዱብ ሰራዊት ናይ ሓደ መንግስቲ መሲሎም ከለዉ እዩ ተሓዊሱዎም። ኣብ ካልኣይ ሰሙኑ ድማ ኣብ ጐላጉል ሰምሃር ተራእየ። ኣብ ሓይልታት ዝጸንሖ ዕለታዊ መነባብሮ ይኹን ሓፈሻዊ ኣተሓሕዛ ብተዛማዲ ወጥሪ ዝወሓዶ፡ ናይ እግሪ ጕዕዞን ምውጻእ ዋርድያን ዝበዝሖን ኮይኑ እዩ ረኺቡዎ። ደጊም ሞት ከም ኣዳም እናበለ ከሎ ድማ ኣብ ከባቢ ድግድግታ ኣብ ፈላሚ ናይ ድብያ ስርሒት ተሳተፈ። ኣብቲ ድብያ ክልተ ሓይሊ ክጥቅዓ ከለዋ ሳልሰይቲ ሓይሊ ኣብ ተጠንቀቕ ነይራ። እቲ መጥቃዕቲ ሃንደበታዊ ስለ ዝነበረ ድማ ብዘይካ ናይ ክልተ ተጋደልቲ መውጋእቲ ዘጋጠመ መስዋእቲ ኣይነበረን።
* * *
ሰለሙን ኣብ ከምዚ ኵነታት ኣብ ዝነበረሉ ወቕቲ፡ ሮዛ ብመንገዲ ኣብርሃም ድሮ ኣብ ካቴድራል ፋርማሲ ስራሕ ጀሚራስ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ትርከብ ነበረት። ብኣቀባብላ ዓማዊል፡ ጽፈት ስራሕን ተኣማንነትን ከኣ ማዕረ’ታ ቅድሚኣ ዝነበረት ተሓዚት ገንዘብ ምዃና ክተምሰክር ግዜ ኣይወሰደላን። ቍሩብ ቅጭ ዘምጽኣላ ነገር ግን ጕዳይ ናይቶም ማሕበራዊ ኵነታታ ከይፈለጡ ክላለዩዋ ዝፍትኑ ዝነበሩ ደቂተባዕትዮ ኮይኑ፡ ዝበዝሑ ብግዜያዊ ረብሓ ዝተበገሱ ስለ ዝነበሩ ሓንሳብ ገጽ ምስ ከልኣቶም ዳርጋ ብዙሕ ኣየሸገሩዋን። ሓደ በዓልቲቤቱ ዝሞተቶ መምህር ግን ንሓዳር ስለ ዝተመነያ፡ ኣደ ቈልዓ ምዃና ክሳዕ ተእምኖ ብዙሕ ኣጣሪዑዋ። ኣብ ኣስመራ ከምኡ ዝዓይነቱ ተግባር ስለ ዘይተጸበየት ሓደ ሓደ ግዜ ኣመና ትበሳጨው ነይራ። ካብ ሰለሙን ምፍላያ ጽቡቕ’ኳ እንተ ዘይሃባ፡ ወ/ሮ ገብርኤላ ብዝገበራላ ኣቀባብላን ዝለገሳላ ፍቕርን፡ ኣብርሃም ብዘርኣያ ሓልዮት ዝመልኦ ኣቀራርባን ኣብ ኣእምሮኣ ተፈጢሩ ዝነበረ በሰላ ቀልጢፉ ክሃሰላ ክኢሉ። ስለዝኾነ፡ ካብ ጽምዋ ተናጊፋ ብርእሰ ምትእምማን ኣብ ሓድሽ ህይወት ክትሰጋገር ብዙሕ ኣይጸገማን። ብፍላይ ኣብርሃም ኣብ ህይወታ ዝተጻወቶ ተራ ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ኣይነበረን። ንኣዲስኣበባ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ካብ ዝተዓዘቦን፡ ሰለሙን ካብ ዘዕለሎን ድኽመታትን ሓያል ጐድንታትን ሮዛ ስለ ዝገምገመ፡ ካብ ሓንቲ ብቐሊል ነገር እትድሃል ሰብ፡ ናብ ሓንቲ ተባዕን ብነፍሳ ትተኣማመንን ሰብ ክቕይራ መደብ ሓንጺጹ። ንሓሙሽተ ወርሒ ብዘካየዶ ዘይሕለል ጻዕሪ ድማ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ተዓዊቱ’ኳ እንተ ዘይተባህለ ፍረ ጻዕሩስ ረኺቡ።
ዶክተር ኣብርሃም፡ ከም ምሁርን ሓኪምን መጠን ቀሊል ተሞክሮ ኣይነበሮንን። ናብ ስራሕ ክኸይድን ክምለስን ከሎ፡ ንሮዛ ብዕላል መልክዕ ብዙሕ ነገራት ከም ትፈልጥ ይገብራ ነይሩ’ዩ። ብዘይካ ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ ካልእ ኣንቢባ ስለ ዘይትፈልጥ፡ ሃሰስ ኢሉ ካብ ሰባት ዝረኸቦ ናይ ጣልያንኛ መጻሕፍቲ ከረኽበላ ጽዒሩ ተዓዊቱ’ውን። ሳላኡ ድማ ብዙሕ ፍልጠትን ተሞክሮን ደሊባ። ካልእ ንሮዛ ስክፍታ ዝፈጠረላ ጕዳይ ፍርወይኒ ጓላ ነይሩ። ብፍላይ ኣብቲ ፈለማ ኣስመራ ዝኣተወትሉ እዋን ናይ ናፍቖት ግዲ ኮይኑ ውጽኣት በርቲዑዋ ሳዕሪ መሲላ ነይራ። ሳላ ዶክተር ኣብርሃም ግን ብዙሕ ኣይደንጐየትን ሓውያ። ጸጸኒሑ ብመኪና ከዛውራ ምስ ጀመረ ድማ ባባ ክትብሎን ዝያዳ ክትቀርቦን ጀሚራ። ኣብ መልክዕ መጺእካ ምስ ሰለሙን ብዙሕ ኣይፈላለዩን’ዮም። ፍርወይኒ ባባ ምባላ ግን ኣቦኣ መሲሉዋ ድዩ ብጕርሓ እዝግሄር ዋናኣ።
ኣብርሃምን ኤልሳን፡ ሮዛ ሳልሰይቶም ንስራሕ ክወፍሩ ከለዉ፡ ፍረወይኒ ምስ ዓባያ እያ ትውዕል ነይራ። ወ/ሮ ገብርኤላ ምስቲ ፈቃር ምዃነንን ምስ ዝነበረን ባህጊ ውላድን፡ ራብዓይ ዓመታ ንዝቐረበት ፍርወይኒ ሓሓዚለናኣ ይዘራ ነይረን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ካራሜላ ክሳዕ ባምቡላ ዝኣዘዘቶ ነገር ይዕድጋላ ነይረን። ሮዛ በቝባቝን ፈታዊት ውላድን እያ ትብሃል፡ ናተን ግን ዝሓለፈ ነይሩ። ንፍርወይኒ ከም ሕሱም ኣሕንቂቐናኣ። ሕሉፍ ሓሊፋ ድማ ነሮዛ ኣጓንያ ምስአን ክትሓድር ጀሚራ። ሮዛ ካብ ጓላ ተፈልያ ክትሓድር ነፍሳ ስለ ዘይገብረላ ግን ምስ ደቀሰት ናብ ዓራታ ብምግዓዝ ሓቝፋታ ትሓድር ነይራ። ፍርወይኒ ንኣዋርሕ ምስ ዓባያ ክትሓድር ከላ ሮዛ ዘይፈለጠቶ ሓደ ምስጢር ነይሩዋ።
ሓደ ምሸት፡ ሮዛ ኣብ እንዳ ኣብርሃም ክተዕልል ኣምስያ ድንጕይ ኢላ ተመልሰት። ገና ሰዓት ሸሞንተ’ኳ እንተ ነበረ፡ ሓማታ ከም ጽልእ ኢሉወን ድሮ ደቂሰን ጸንሓኣ። ንፍርወየኒ ክትወስድ ከይተተስአን እናተሰከፈት ሰላሕ ኢላ ኮቦርታ ገንጸለት። ፍርወይኒ ጡብ ዓባያ ወቲፋ ምስ ጸንሓታ ከይተረድኣ፡ “እዋይ እዛ ጉዳመኛ! ኣነስ ዘይረኽቦ የብለይን! ኣርባዕተ ዓመት ዝመልአት ወደል ቈልዓስ ጡብ?” ኢላ እናጨደረት ኣልዓለታ። ወ/ሮ ገብርኤላ ካብ ድቃስ ተበራቢረን ቍሊሕ ድሕሪ ምባል፡ “መጺእኪ ዲኺ ሮዛ? ሰብነተይ ቀራጢሙኒ ጎቦ ክውን ምስ በልኩ’ንድየ ፍግም ኢለ፡” በላኣ እናምበሃቛ።
“እዋይ’ዛ ኣደይ! ኣብዚ ዕድመ’ዚ ቈልዓ ክተጥብዊ ትምነዪ ኣለኺ? ወደል ቈልዓ ጡብ እንታይ ክዓብሰላ ኢልኪ ኢኺ? ሕማቕ ተልምድያ’ለኺ።”
ኣብ ዓራተን ኮፍ ድሕሪ ምባል፡ “ቈልዓ ብኣጋ ጡብ እንተ ገዲፉ ባህጊ ጡብ ኣለዎ። መስኪነይቲ ቀልጢፍኪ ጡብ ስለ ዘግደፍክያ ምጽእ ካብ ትብል ኣትሒዛ ነዛ ጡበይ ተተሓቢኣ’ያ ውትፍ ተብላ ነይራ፡” ወሰኻ ዓይነን እናሓሰያ።
“ለካ ምስ ኣደይ ክድቅስ’የ ምባላ ብጥቕማ እያ’ዛ ለቝማጽ።”
“ከመይ ዝበለት ዕንቅርቢት ድያ! እቲ ዝገርም ንማማ ከይትነግርያ ምባላ እዩ። ኣነ ኸኣ መስኪነይቲ እንታይ ገበረት ድላያ ትስእን ኢለ ኣይነፈግኩዋን። ወዮ ደቂዘበን ኣይትኣምናሉን ኢኽን’ምበር፡ ቈልዓ ጡብ ኣዲኡ ክሳዕ ዝመንዎ ክኽላእ የብሉን። ሰለሙን ወደይ ሰለስተ ዓመት’የ ኣጥቢወዮ። ናይ ቈልዓኡ ስእሊ ርኢኽዮ ትኾኒ ከመይ ዝበለ ጃምቦ ቈልዓ እዩ ነይሩ።”
ዘረባአን ንሰለሙን ስለ ዘዘከራ ኣብ ሓሳብ ኣትያ ስለ ዘይመለሰትለን ተሸፊነን ደቀሳ። ሮዛ ድማ ኣብ ልዕሊ መደቀሲኣ ናብ ዘላ ስእሊ ኪዳነምህረት ጸሎታ ኣብጺሓ፡ ኣብ ናይ ትዝታ ዓለም እናሓንበሰት ድቃስ ሸለዋ ኣበላ።
ይቕጽል
መበል 67 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ