ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
8ይ ምዕራፍ መበል 64 ክፋል
ጸሓይ ህልኽ ዝሓዛ ክትመስል ብድሕሪ ደበና ክትሕባእን ክትቅልቀልን ጸኒሓ ድኹም ሙቐት እናሰደደት ከላ፡ ብሸነኽ’ታ ብኳና ዝተነድቀት ጸባብ ክሽነ፡ ምሳሕ! ምሳሕ!” ዝብል ድምጺ ተሰምዐ። ነፍስወከፍ ኣባል መስርዕ ድማ ንምግብና ገጹ ወረር ወረር በለ። ሩዝ ጸሊኡዎ ዝቐነየ ሰለሙን ብውሽጡ ‘ቅጫ ኮን ኣይትኸውንን’ እናበለ ካብ ጽላሉ ብምትሳእ ምስ ክፍልዝጊ ንምግብና ቀጸለ። ደድሕሪ’ቶም ኣብ ካልኣይቲ መኣዲ ኮፍ ኢሎም ዝጸንሑ ብምስዓብ ከኣ ከም ሰቡ ኵድም በለ። መጋባይ ነታ ቦጅቦጅ ዝሓዘት ጸላም ገረወይና ተሰኪሙ ብምቕራብ፡ “መሊእኩም ዲኹም?” እናበለ ናብታ ከም ሸሓኒ እተገልግል ጸፋሕ እምኒ ብኩባያ መመሊኡ ዕጽም ዝበለ ቦጅቦጅ ገልበጠሎም። ሰለሙን ብልቡ፡ “ኦ! ሕጂ ዝብላዕ ተረኺቡ፡” እናበለ ብህርፋን ኢዱ ናብ መኣዲ ሰደደ። እንተኾነ፡ ምስቲ ጥሜቱን ንምግቢ ዝነበሮ ሃረርታን ቀዳመይቲ ኵላሶ ተጋዲሉ ወሓጣ። ካብ ዝዳዕነወ ሓርጭ ዝተሰንከተ ሓዊ ዘይጸገበ ቅጫ ስለ ዝነበረ ኣብ ንቡር ኵነታት፡ ይትረፍ ሰብ እንስሳ ከይተረፈ ምፈንፈኖ። ዝኾነ ተዓላማይ ግን ንሳልስቲ ምስ ጸየኖ፡ ካብ ጥሜት ዝኸፍእ ነገር ስለ ዘየሎ፡ ናይ ዕላማ ሕቶ ኸኣ ስለ ዘሎ ቀልጢፉ ይለምዶ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ሰለሙን ኣብ ዝነበራ መኣዲ በጋጣሚ ካብቶም ነባራት ኮይኖም ስለ ዝጸንሑ፡ ዝኾነ ናይ ምጽያን ምልክት ከየርኣዩ ብቕልጣፈ ክበልዑ ምስ ረኣዮም ከይዕዘቡዎ ተሰኪፉ፡ ነቲ ሓሓሊፉ ነቐዝ ዝረኣዮ ዝነበረ ምግቢ ዓንዴል እናጠዓሞ ከም ዕቡይ ጋሻ ማዕጠጥ እናበለ ምዅላስ ቀጸለ። ኣይደንጐየትን እታ ቦጅቦጅ ተቓቢጻ እታ ተካሊት እምኒ ተራእየት። ነፍስወከፍ ሰብ ድማ ይጽገብ ኣይጽገብ ኢዱ እናልመጸ ከካብ ዝነበሮ ቦታ ብድድ ኢሉ ነናብ ጽላሉ ቀጸለ።
ሰለሙን ጐደሎ ከብዱ ገፈፍ እናበለ ናብ ጽላሉ ብምምላስ ነጸላኡ ተሸፊኑ ክድቅስ ፈተነ። ብጥሙይ ከብዱ ግን ድቃስ ክወስዶ ዝሕሰብ ኣይነበረን። “ካብዝስ ብዓሰርተ ኢድ ሩስ ምሓሸትኒ ነይራ፡” በለ ብውሽጡ። ካብ ኣዲስኣበባ ቅድሚ ምብጋሱ፡ ሃብቶም ዓርኩ ብዛዕባ ጽንኵርነት ህይወት ገድሊ ኣልዒሉ ዝተዛረቦ ቃላት ዘኪሩ ብሓሳብ ክዅብልል ጀመረ። ሓሸሽ ዝብል ድምጺ ሰሚዑ ቍሊሕ እንተ በለ፡ ክፍልዝጊ መሸማዑ ኣንጺፉ ክድቅስ ተዓዘበ። ነታ ክፍልዝጊ ከም መንጸፍ ዝጥቀመላ መሸማዕ ናይ ሓባር መንጸፍ ክትኮኖም ብሂጉ’ኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ጭብ ዝተጠፍጠፈ ጸጕሩን ጋዕጊዑ ዝነበረ ክዳኑን ርእዩ ስለ ዝፈንፈኖ፡ ዳግም ሓሲቡ ነታ ገፋሕ ነጸላኡ ፍርቃ ከንጽፋ ፍርቃ ድማ ክኽደና መረጸ። ሰዓቱ፡ ናይ ቃልኪዳን ካትሙ፡ ካልኣይቲ ማልያን ኣብ ማይላባ ተሃጊሩ እዩ። ቅያር ክዳን ዘይብሉ ምትራፉ ከየተሓሳሰቦ ኣይተረፈን። ከም ብሓድሽ ሕስብ ኣቢሉ ግን ካብቲ ቍምጣ ስረን ርቕቕ ዝበለት ብላይ ካምቻን ዝተኸድነ ክፍልዝጊ ብተዓጻጻፊ ከም ዝሓይሽ ተረዲኡዎ ነፍሱ ከደዓዕስ ተገደደ።
ኣብ ከምዚ ኵነታት ከሎ ሃንደበት፡ “መኒ’ኻ ነጸላ ዘርጊሕካ ዘለኻ? ዕጸፎ’ስኪ!” ዝብል ተሪር ድምጺ ሰሚዑ ርእሱ እንተ ቐልዐ ወዲዓስቡ ኣብ ልዕለኡ ደው ኢሉ፡ “ነጸላ ኣይፍታሕን’ዩ ብጻይ፡ ጠዋሊ ትዓጽፎ!” ብምባል ኣፍጢጡ ጠመቶ። ብኣቀራርባኡ እናተገረመ መልሲ ከይሃቦ ነጸላኡ ክዓጽፍ ጀመረ።
ወዲዓስቡ፡ “ተዓላማይ ዘቦኡ ብጥብቂ ክተሓዝ ኣለዎ፡” ኢሉ ዝኣምን፡ ብወተሃደራዊ ዲሲፕሊን ዝመጽአ ማይ ቀጠነ ኢሉ ዝቐጽዕ፡ ኣዝዩ ውዑይን ተጻዋርነት ዘይብሉን ሰብ ብምንባሩ፡ እቶም ኣቐዲሞም ዝፈልጡዎ ተዓለምቲ ከም ቍርን ኣስሓይታን’ዮም ዝፈርሑዎ ነይሮም። ሓቂ ኣንተኾይኑ ኣብ ደቀምሓረ ዓላማይ ናይ ኮማንድስ ነይሩ ዝብል ናይ ተዓለምቲ ዕላል ኣሎ።
ሰለሙን ኣብ ማህሚመት ገና ሳልስቲ’ኳ እንተ ዘይመልኦ፡ ናይ ክፍሊ ታዕሊም ነገር ፈጺሙ ጋን ኮኖ። “ክትሸይን ፍቓድ፡ ማይ ክትሕጸብ ፍቓድ፡ ኣብ ጥቓኻ ናብ ዘሎ ጽላል ክትከይድ ፍቓድ፡ ብዘይ ካንሸሎ ማእሰርቲ! ብድሌትና ክንጋደል ዝመጻእና ሰባት ናበይ ከይነብል’ዩ ክንድዚ ቍጽጽር? እምበርዶ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት’የ መጺአ? ናይ ከበሳን ናይ ሳሕልን ይፈላለያ ደኣ ከይኮና?” ብምባል ነቲ ዘጋጠሞ ሓድሽ ኵነታት ምስቲ ኣብ ዓላ ዝረኣዮ ሓላፍን ተራን ዘይትፈልጠሉ ብደገ ክትርእዮ ፍሕሹው ሃዋህዉ ዝሰፈኖ ዝመስል ህይወት ተጋደልቲ ከነጻጽሮ ፈተነ። ነጻላኡ ዓጺፉ ምስ ወድአ ኣብ መሬት ረፈጥ በለ። ንገለ ካልኢታት ኣብ ሓሳብ ኣትዩ ዝን ድሕሪ ምባል፡ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ኣጽሊሎም ጕጅም ዝብሉ ዝነበሩ ክልተ ብጾት፡ “ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ እንታይ ርእይቶ ምሃብኩም ብዝመስል ኣጠማምታ ኣዒንቱ ወርወረሎም።
ትእዛዝ ወዲዓስቡ ከም ዘይተዋሕጠሉ ኣስተውዒሎም፡ “ነጸላ ምፍታሕ ክልኩል ምዃኑ’ኳ ክንሕብረካ ነይሩና፡ ረሲዕናዮ ኣይትሓዘልና። ከም ወተሃደር መጠን ነጸላኻ ካብ ተሽኪል ክትትስእ ከለኻ ዓጺፍካ ምስ ኣሰርካያ ኣይትፈትሓን ኢኻ። ዕጥቅኻ እያ ማለት’ዩ። ወተሃደራዊ ዲሲፕሊን ክብሃል ከሎ ካብዚ እዩ ዝጅምር፡” በሎ ሓደ ኣብ ከንፈሩ ትምባኾ ቀረቂሩ እናናሳዕ ጺቕ ዝብል ዝነበረ።
“ምዃን ሓቅኻ ኢኻ፡ ኣብ ናይ ንግሆ ኣኼባ መራሕ ጋንታ ነጸላ ሓንሳብ ምስ ተኣስረ ከም ዘይፍታሕ ክሕብረኩም ነይሩዎ። ንሕናስ ዘይድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኢና ለሚድናዮ፡” ኣስዓበ ሓድ ስሑው ጭሕሚ ዝነበሮ፡ ምንክስ ኢሉ፡ ብዕድመ ንእስ ዝበለ ሳልሳዮም ክምስ እናበለ።
“ኣብዚ ሽዱሽተ ወርሒ ጌርኩም?” ሓተቶም ሰለሙን ከም ስንብድ ኢሉ። ንዘረባኦም ክከታተል ዝጸንሐ ክፍልዝጊ ብወገኑ በቲ ጕዳይ ኣመና ስለ ዝተገረመ፡ ካብ ዝነበሮ ብድድ ኢሉ ብምትሳእ፡ “ኣምላክነ! ኣብዚ ጻሕጋር ቦታ’ዝስ ሽዱሽተ ወርሒ! በለ ገጹ ጠውዩ ብኣንክሮ እናጠመቶም።
“መቸም ኣነ ሽዱሽተ ወርሒ ጸንቂቐየን ኣለኹ። ዋህዮ ነይረስ ድሕሪ ናይ ማይ ድምነት ኵነታት ምስ ተፈለጥና እየ ወጺአ። ኣብ ዒን ክሳዕ ትእከቡ ኢሎም ቍሩብ ስለ ዝደንጐዩና ኸኣ እዛ ዝሓለፈት ኮርስ ንቝሩብ ኣምሊጣትኒ። እዚ ብጻይ’ውን ዳርጋ ከማይ’ዩ ሓሙሻይ ወርሒ ሒዙ ኣሎ።”
“ዋእ! ማዕረ ክንድ’ዚ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ድዩ ደቀይ’ዚ ታዕሊም? ቍሩብ’ከ ሽዱሽተ ወርሒ ምሉእ እንታይ ትገብሩ ኔርኩም? ኣኺሉኩም ከምዚ ናይ ሎሚ ጋም ማን ክትብሉ ሓሊፍኩሞ ማለት ድዩ? ንሕናኸ ክንድኡ ክንጸንሕ ኢና ማለት ድዩ?” ሓተቶም ነገራቱ ኣመና ዝደንጸዎ ሰለሙን።
“መቸም እቲ ዝበዝሕ ግዜና ኣብ ታዕሊም ኢና ነሕልፎ ኔርና። ሓደስቲ ክመጽኡ ከለዉ ኸኣ ከም ብሓድሽ ተኽሊጥ ይገብሩልና ነይሮም። ገለ ማእቶት ከጋጥም ከሎ’ውን ንሰርሕ። ኣለካ ምሽ ከምዚ ናብ ቶሚን (ጨንፈር ስንቂ) ኬድካ ሓርጭ ምጽዓን ወይ ከኣ ኣንደር ምስራሕ መሳሊ። ከም ዝመስለኒ ንስኻትኩም ክሳዕ ትመጽኡ’ዮም ዘጸብዩና ነይሮም’ምበር ሕጂ’ኳ ምዱብ ታዕሊም ስለ ዝጀመርና ቀልጢፎም ዝኻርጁና’ዮም ዝመስሉ።”
ሰለሙን ዝሰምዖ ዝኾነ ፈጺሙ ኣይተዋሕጠሉን። ክፍልዝጊ ብወገኑ’ውን መርድእ ከም ዝሰምዐ ሰብ ቃዚኑ ትም ኢሉ ነይሩ።
እቶም ነባራት ተዓለምቲ ናይ ከተማ ምስጢራውያን ውዱባት ዝነበሩ ኮይኖም ኣብቲ ንኣዋርሕ ዝወሰደ ናይ ታዕሊም ተሞክሮ ላድዮም ስለ ዝነበሩ፡ ተሪር ዲሲፕሊን ናይ ክፍሊ ታዕሊም፡ ንዝኾነ ሓድሽ ኣብ መጀመርያኡ ጸላዕላዕ ክብሎ ከም ዝኽእል ተረዲኦም ኵነታት ክፍሊ ታዕሊም ብመጠኑ ከብርሁሎም ብምፍታን፡ ደርግ ተዓለምቲ ኣምሲሉ ሃሱሳት ከም ዝሰድድ፡ ንሳቶም ድማ ንብረት ገድሊ ከዕንዉን ኣብ ዒላታት ማይ ስሚ ከእትዉ ከም ዝፍትኑን፡ ገለ ካብኣቶም ድማ ሃሱሳዊ ስራሓቶም ወዲኦም ምምላስ ምስ ጸገሞም ጽሉላት ክመስሉ ፈቲኖም ከም ዘይተዓወቱን ኢድ ብኢድ ዝተታሕዙ ከም ዘለዉን ኣዕለሉዎም። ሰለሙን ነዚ ምስ ሰምዐ ብመጠኑ ተረጋግአ። ወዲዓስቡ፡ ቍሩብ የብዝሖ’ኳ እንተኾነ፡ ነቲ ተሪር ዲሲፕሊን ብምሉእ መንፈስ ተቐበሎ። ዕላሎም ኣብዚ ኣየብቅዐን። ኵነታት ኣስመራ ኣልዒሎም ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሰባትን ፍጻሜታትን እናጠቐሱ ዝተባህለን ዘይተባህለን ክዝርዝሩ፡ “እከለ ትፈልጦዶ ኔርካ? እቲ’ኳ ኣብ ከምዚ ቦታ ዝሰርሕ ወይ ዝመሃር ዝነበረ፡ ኣብ ከምዚ ከባቢ ዘላ ባር ናይ እንዳ እከለ ወይ እከሊት ዝኣቱ፡ ያኣኺ ከመይ ኢልካ ረሲዕካዮ ፍሉጥ ወደስመራ’ንድዩ፡ ዝይዘከርካዮን ማለት’ዩ፡ ከማን ኣብ ሓማሴንዶ ለጎጭዋ ይጻወት ነይሩ፡” ክብሉ ከለዉ፡ ክፍልዝጊ ድማ ብዕላሎም ተገሪሙ ሃነን ኢሉ ክጥምቶም፡ “ድራር! ድራር! ስለ ዝተባህለ ነቲ ጥዑም ዕላሎም ኣቋሪጾም ናብ ምግብና ሰጐሙ።
ቀዳመይቲ መኣዲ ድሮ ተቐሪባ ጸንሓቶም። ሰለሙን ሩዝ ተቐሪባ ምስ ረኣየ ኣፉ ማይ መልኦ። ብጥሜት ተዓጺፉ ስለ ዝወዓለ ኣፉ እናተለብለበ ክበልዕ ፈተነ። ምስቶም፡ “እዚኣቶምስ ኣብ ኣፎም ፍሪጅ ኣላቶም፡” ኢሉ ዝሓመዮም መባልዕቱ ግን ክዳረግ ኣይከኣለን። ነፍስወከፍ ሰብ ብጸጥታ ክበልዕ ጸኒሑ፡ ሓደ ካብ ኩላቶም ብዕድመ ዝነኣሰ ምዕጕር ኢሉ መንእሰይ፡ ኣብ ፊቱ ናብ ዝነበረ ወዲኣርባዓ ዝቀራረብ ኰርዳድ ጽጕሩ ሰብኣይ በጻብዕቱ እናመለከተ፡ “ሓወቦይ፡ መባልዕትኻ’ባ ርአ፡ በብራኽካ ዲና ንያላ ክንድይብ፡” በሎ ብሓውሲ ትእዛዝ።
ሽዑ ሰሙን፡ ተዓለምቲ ንያላ ብዝብል ስም ዝጽውዑዋ ዝነውሐት ታባ’ዮም ድፋዕ ሒዞም ክሓድሩ ቀንዮም። ኩላቶም ምብላዕ ኣቋሪጾም ነቲ መንእሰይ ብምግራም ጠመቱዎ። ንድፍረቱ’ኳ እንተ ዘይተቐበሉዎ፡ እቲ ሳቮያ ክብል ዝጸንሐ ሰብኣይ ብመጠኑ ክዕገሰሎም ግን ድሌት ኩላቶም ነይሩ። እቲ ፍሩይ ኣዒንቱ ሰብኣይ ኣዒንቱ ብሕርቃን ብቕጽበት ክቐይሓ ተራእያ። ወዱ ዝኣክል ሓንጫል ቈልዓ ከይሓፈረ ከምኡ ክብሎ ከሎ ሃንደበት ስለ ዝኾኖ፡ ንገለ ካልኢታት ቀዘዝ ኢሉ ተረፈ። ዝኾነ ሰብ ክደፍሮ ዘይክእል ኳዕናን ሰብኣይ’ዩ ነይሩ። ኣብ ህይወቱ ከምኡ ዓይነት ድፍረት ኣጋጢሙዎ ስለ ዘይፈልጥ፡ ደሙ ፈሊሑዎ ነቲ መንእሰይ ኣላታን የብላን ብጽፍዒት ከላድዶ ኣይጸልአን። ስምዒቱ ክቈጻጸር ከም ዘለዎ ተረዲኡ ግን፡ “ንስኻ እንታይ በዲልካ፡ ምቕታርና’ዩ ሃስዩና። እዚ’ኳ ክውሕደና፡” ምስ በሎ ኩላቶም ብሰሓቕ ተፋሕሱ። “ወዲሕድሩ ክትዛረብ ጕድ ኢኻ መቸም፡ ምዃን ከኣ ሓቅኻ ኢኻ ኣቕቲርና ክትብል ምኽንያቱ መዛኑኻ እዮም’ዞም ንውድብና ዝመርሑ ዘለዉ ብጾት፡” በሎ ሓደ ነቲ ሰብኣይ ጽቡቕ ዝቐርቦ ተዓላማይ። ኩላቶም ድማ ዳግማይ ብሰሓቕ ተተውሽሑ። ኣብ ታዕሊም ብምግቢ ዝመጽአ ዋዛ ስለ ዘየሎ ግን ከም ብሓድሽ ኣብ መኣዶም ብምድሃብ ውድድር ዝገጠሙ ክመስሉ ኣእዳዎም ብቕልጣፈ ናብ መኣዲ ኣመላለሱወን። እታ ደናጕላ ዝበዝሓ ደምዳም ጎቦ ትመስል ዝነበረት መኣዲ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብዘይ ማይ ጸረየት። ሰለሙን ክሳዕ ዝጸግብ በሊዑ ክብሃል ኣይከኣልን። ምስቲ ንግሆ ዘጋጠሞ ኵነታት ኣዛሚዱ ግን ኣመስጊኑ ብድድ በለ።
ድራሩ ዝበልዐ ተዓላማይ በብጕጅለ ጕጅም ክብል ከሎ፡ መጋቦ ዝወዓሉ ኣቕሑ ይሓጻጽቡ፡ ንዓታቶም ዝተቐበሉዎም ድማ ንላፋ ዝኸውን ማይ ሰኽቲቶም ነበሩ። ግዜ ታዕሊም ክሳዕ ዝኣክል ዝበዝሑ ንወዲዓስቡ እናፍቀዱ ሽንቲ ማዮም ደፍኡን ተናፈሱን። ወዲዓስቡ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ኮፍ ኢሉ ኵነታት መስርዑ ብማዕዶ ክከታተል ጸኒሑ፡ ኣቡ ሓዲድ ዝዓይነታ ካላሽኑ ብምልዓል፡ “ተሰራዕ!” በለ ብዓውታ። ኵሉ ሰብ ድማ ተቐላጢፉ ኣብቲ ገፊሕ ርባ ተሰርዐ።
ታዕሊም ብጋንታ ስለ ዝካየድ ሰለስቲአን መሳርዕ ብሓደ ተጠርኒፈን ነቲ ፈላሚ ወተሃደራዊ ታዕሊም ብጋም ማን ጀመርኦ። መራሕቲ መሳርዕ ተባራርዮም፡ “ጋም ማን! እግርኻ ሓፍ ኣብሎ፡” እናበሉን ኣብ መንጎ ተዓለመቲ ክገብሩዎ ዝግብኦም ነገራት ብግብሪ ከርእዩዎም ምስ ጸንሑ ዕረፍቲ ተባህለ። ድሕር’ዚ፡ ደው ኢሉ ክዕዘብ ዝጸንሐ መራሕ ጋንታ ናብኣቶም ቅርብ ኢሉ፡ “ጋም ማን ክብሃል ከሎ ሰብነትና ቀጥ ክብል ኣለዎ፡ ኣብራኽና ኣብ ጥቓ ኣፍንጫና ክሳብ ዝቐርብ ተስዓ ዲግሪ ሓፍ ክነብሎ ኣለና። ጋም ክብሃል ከሎ ጸጋማይ እግርና፡ ማን ክብሃል ከሎ ኸኣ የማናይ እግርና ሓፍ ክነብሎ ኣለና፡” ብምባል ኣብነት መታን ክኾኖም ኣእጋሩ ብቐስታ ንላዕልን ታሕትን ሓፍ እናበለ ድሕሪ ምርኣዮም ‘ማንፊት፡ ጋምፊት፡ ሪትለስ’ ክብሃል ከሎ እንታይ ከም ዝግበር ብግብሪ እናሐበረን ትእዛዝ እናሃበን ሳሕቲ ድማ፡ “ድሕሪት ዘለኻ ሕቘኻ ኣይተጐብጦ ሰጥ በል፡ ትጥሕን ዘላ ሰበይቲ ትመስል ኣለኻ። ኣብ ወሰን ዘለኻ ብጻይ ድማ ኣይትተሓቘን፡ ኣእጋርካ ጥራይ ኣንቀሳቕሶ፡” እናበለ ንሓጺር ግዜ ግን ከኣ ጽዑቕ ታዕሊም ሃቦም። ኣብ መወዳእታ፡ “ዕረፍቲ! ተዛነ!” ብምባል ገጹ ናብቶም ደው ኢሎም ክዕዘቡ ዝጸንሑ መራሕቲ መሳርዕ ብምዛር ገለ ቃላት ተዛሪቡ ናብቲ ዑበላት ገጹ ሰጐመ።
እቲ ካብ ጋም ማን፡ ማን ፊት፡ ጋም ፊት ዘይሓለፈ ታዕሊም ንልዕሊ ፍርቂ ሰዓት’ኳ እንተ ቐጸለ ዓይኒ ከይሓዘ ተወድአ። ሰለስተ ጋንታታት ተጠርኒፈን ምስ ተሰርዓ፡ መራሕ ሓይሊ ኣብሩኽ ዝብል ትእዛዝ ሃበ። ምስ መራሕቲ ጋንታ ብዛዕባ ክግበር ዘለዎ ነገራት ተዘራሪቡ ክሳዕ ዝውድእ፡ ገለ ተዓለምቲ ኣዒንቶም ክጸቓቐጡን ብሕሽዅታ፡ “ወዲ እከለ ኣበይ በጺሑዎ? ወዲእከለኸ?” ክብሃሃሉ ከለዉ፡ ገለ ድማ “ሳፋ’ባ ርአ ኣሚኮ፡” ብምባል ትምባኾ ይለማመኑ ነበሩ። መራሕ ሓይሊ ካብ ብጾቱ ፍልይ ኢሉ ናብቶም ተዓለምቲ ብምቕራብ ብዛዕባ ሰውራዊ ጠባይ፡ ትርጕም ብጻይነት፡ ወተሃደራዊ ዲሲፕሊን፡ ድሑር መስፍናዊ ባህሊ ወዘተ ንእሽቶ መደረ ኣስሚዑ፡ ሕቶ ወይ ርእይቶ እንተ’ለዎም ተወከሶም።
ሽዑ ሓደ ተዓላማይ ኢዱ ዊጥ ብምባል፡ “ክዳንና ንልግበሉ መርፍእን ፈትልን ዝርከብ እንተኾይኑ ጽቡቕ ነይሩ፡” ዝብል ርእይቶ ኣቕረበ።
“ንሱ ንመራሕቲ መሳርዕ ክወሃበልኩም’ዩ፡ ግን ከኣ በ’ገባብ ክትጥቀሙሉ ኣለኩም። ምኽንያቱ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት መርፍእን መድፍዕን ብማዕረ እዩ ዝጥመት። ከምኡ ከም ዝኾነ ትፈልጡድ ዲኹም?”
“እወ!” ዝብል ናይ ሓባር መልሲ ሃቡዎ።
ካልእ ተዓላማይ ተሲኡ፡ ብጀካ ሓንቲ ክልተ ሜትሮ ዝንውሓታ ረቃቕ ነጸላ መንጸፍ ስለ ዘይብለይ ክሻ ወይ መሸማዕ መሳሊ ዝርከብ እንተኾይኑ፡” ወሰኸ። ሓደ ካልእ’ውን ብተመሳሳሊ ትምባኾ ዝርከብ እንተኾይኑ ሓተተ።
መራሒ ሓይሊ መልሲ ከይሃበ፡ ሓተትቲ ካብ ተዓላሞ ብጕጅምጅም ዝተገልጸ ናይ ደገፍን ተቓውሞን ድምጺ ስለ ዘጋጠሞ፡ “ሓንሳብ!” ኢሉ ዘረባኡ ጀመረ። “ነፍስወከፍኩም ንሜዳ ክብገስ ከሎ ሽግርን መከራን’ምበር ምቾት ክጸንሖ ዝተጸበየ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ገድሊ ከም ሽሙ ገደል’ዩ። እዚ ውድብ’ዚ ኸኣ መርፍእን ፈትልን ኣላጊቡ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ያሬድ ትሕዝቶ እንተ ዝህልዎ ንነፍስወከፍኩም ፍርናሽን ኮቦርታን ምቐረበልኩም ነይሩ፡” ብዘረባኡ ኩላቶም ሰሓቑ። ጽልም ኢሉ ኮይኑ ኣዘራርባኡ መስሓቕ፡ ብባህሪኡ ዘይኵሪ’ዩ ነይሩ።
ዘረባኡ ብልዙብ ድምጺ ብምቕጻል፡ “ሓንሳብ ብጾት! ንሰማማዕ። ካልእ ክብለኩም ዝደሊ ግን ከምዚ ዓይነት ሕቶ ንሓይሊ ዘይምልከት ንመራሕቲ መሳርዕኩም ክተቕርቡዎ ትኽእሉ ኢኹም፡” ዝብል መልሲ ሃቦም።
እቲ ርቕቕ ኢሉ ብሕማም ዝተጠቕዐ ዝመስል ዝነበረ መንእሰይ ከም ብሓድሽ ተሲኡ፡ “ውድብና ሃብታም ከም ዘይኮነ’ኳ ይርድኣኒ እዩ። ኣነ ግን ጥዕና ስለ ዘይብለይ እንተ ተኻኢሉ ናይ ወዲዓከር መሸማዕ’የ ዝሓትት ዘለኹ፡” ብምባል ሽግሩ ከረድእ ፈተነ።
መራሒ ሓይሊ ምስ መራሕ መስርዕ ባይቲ ተዓላማይ ንገለ ካልኢታት ድሕሪ ምምይያጥ፡ “ሕራይ ሽግርካ ክፍትሓልካ’ዩ፡” ክብል መለሰሉ። ብድሕርዚ ተወሳኺ ሕቶን ርእይቶን ስለ ዘይቀረበ፡ “ተበገስ!” ዝብል ትእዛዝ ተሓላለፈ።
ነፍስወከፍ መስርዕ በብተራ ርባ ብምቝራጽ ናብቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዝርአ ጎቦታት እምርሐት። ሓይሊ ምልእቲ ኣብቲ ከም ፈኵስ መከላኸሊ ዕርዲ ከገልግል ዝተዳለወ ዝመስል ድፋዓት ተዘርጊሓ ንገለ ካልኢታት ኣብረዀት። “ኮፍ በል!” ዝብል ትእዛዝ ምስ ተሓላለፈ ነፍስወከፍ ተዓላማይ መምስ መዳቕስቱ ጕጅም ክብል ኣምሰየ። ድሕሪ ሰዓት ኣቢሉ ብሸነኽ ሰሜን ናይቲ ዕርዲ፡ “ዘረባ ኣቋርጽ!” ዝብል ድምጺ ተሪር ተሰምዐ’ሞ፡ ብምሉኡ’ቲ ከባቢ ጸጥ በለ። ብጀካ’ቲ ጸጸኒሑ ዝስማዕ ድምጺ መራሕቲ መሳርዕን ካብ ርሑቕ ዝስማዕ ድምጺ ኣራዊትን ድማ ፍጹም ህድኣት ሰፈነ። ኣብ መወዳእታ ድራር ለይቲ ተሓላሊፉ፡ “ደቅስ!” ዝብል ድምጺ ተሰምዐ። እቲ ቦታ ድማይትረፍ ናብ ሰለስተ ሚእቲ ዝጽጋዕ ትንፋስ፡ ህይወት ዘለዎ ፍጡር ዘይብሉ መሰለ።
ሰለሙን ኣብቲ ኵርኳሕ ዝመልኦ ድፋዕ ክድቅስ ኣይከኣለን። ኣብታ ፍርቃ ከም መንጸፍ ዝጥቀመላ ዓባይ ኣንሶላ ጎቦ ኮይኑ ክገላበጥን ክሓክኽን ክልተ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ሓለፈ ድቃስ ወሰዶ። ኣጋ ፍርቂ ለይቲ ተበራቢሩ ርእሱ ቀልዐ። መዳቕስቱ ኣይርኢ ኣይሰምዕ ከም ኩቦ ከረው ኢሉ ደቂሱ ከም ዘሎ ኣስተውዓለ። ከመይ ኢሉ ማዕረ ክንድኡ ልቡ ኣጥፊኡ ክድቅስ ከም ዝኸኣለ እናገረሞ፡ ከም ብሓድሽ ተጐልቢቡ ክድቅስ ፈተነ። ኣብ ልምሉም ሑጻ ክድቅስ ስለ ዝቐነየ ግን መደቀሲ ኰርኵሑዎ ዓቕሉ ጸበቦ። ብጐድኒ ምድቃስ ኣረብሪቡዎ ንከዋኽብቲ ሰማይ እናረኣየ ጥንቅልዒት ደቀሰ። ነዊሕ ከይጸንሐ ብወገን ሰሜን ናይቲ ሩባ መብራህቲ መኪና ርእዩ ብሓሳብ ንድሕሪት ተመልሰ።
“ብሰንኪ መግዛእቲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ካብቲ ምቾት ዝመልኦ ናብራይን ካብ ዝፈትዋ በዓልቲቤተይን ፍቕርቲ ጓለይን ተፈልየ ኣብ ምሉእ ዕድመይ ክበጽሖ ዘይሕልን ቦታ ዓሊበ። እዚ ዅሉ መንእሰይ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ታዕሊሙ ወዲኡ ከበሳ እንተ ደዪቡ፡ ስርዓት ደርግ ዕድመ ኣይክህልዎን’ዩ። ኩላተን ከተማታት ኣብ ነንሓድሕደን ዘይራኸባ ደሴታት’የን ኮይነን ዘለዋ። ናይ መጓዓዝያ መስመሩ ዝተቘርጸ መንግስቲ ኸኣ ሰራውር ደሙ ከም ዝተበትከ ሰብ’ዩ። ስለዚ፡ ሰውራ ዘሎ ሓይሉ ኣኻኺቡ ነው! እንተ’ቢሉዎ ከም ሓደ ዝበዅበዅ ጕንዲ ዓነው ክብል’ዩ። መስዋእቲ ከም ዘሎ ፍሉጥ’ዩ፡ ዕድል እንተ ዘይገይረ’ውን ምስ ሮዛ ኣይንራኸብን ንኸውን። ንሱ ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ’ዩ፡ ደሓር ከኣ ከም ሰበይ’የ። ኣብ ሰውራ ክሳተፍ ዕድል ምርካበይ ንባዕሉ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ካልእ እንተ ተረፈ ስለ ሃገር ተጋዲለ’ኳ እብል. . .” እናበለ ብሓሳብ ክዅብልል ጸኒሑ፡ ንክፍልዝጊ ክሕርንኽ ምስ ሰምዖ ናብ ልቡ ተመልሰ። ብዓቢኡ መስዋእቲ እናተጸበዮ ከሎ ኣብ ኵርኳሕ ድቃስ ኣብዩዎ ቀጨውጨው ምባሉ ንነፍሱ ነዓቓ። ንሕልናኡ ወቒሱ ድማ ከም ብሓድሽ በጥ በለ።
ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ወጋሕታ፡ እታ ልምድቲ ጣዕጣዕ ናይ ኣጻብዕ ተሰምዐት። ኵሉ ሰብ ከካብ መደቀሲኡ ተሲኡ ነጻላ ገፍገፍ ከብል ምስ ጀመረ፡ እቲ ከባቢ ብደሮና ተዓብለኸ። ሰለሙን፡ “ሑእ! ሑእ!” እናበለ ሽንቲ ማዩ ደፊኡ፡ ካብ ድፋዕ ውርድ ኢልካ ኣብ ዘሎ ደቀቕቲ ኣእማን ዝበዝሖ ጐልጎል ምስ ዝተሰርዑ ደቂ ጋንታኡ ተሓወሰ። ጋንታ ምስ ተቘጽረት ሓጸልጸል እናበለት ብኢድ ናዕሪት ጕያ ጀመረት። መሪሑዎም ዝጐዓዝ ዝነበረ ዓላማይ፡ “ኣርክብ ድሕሪት ዘለኻ፡” እናበለ ሓንሳብ ብዝግታ ሃንሳብ ድማ ብናህሪ ንጋንታ ሒዙዋ ጕያኡ ቀጸለ። ድሕሪ ናይ ፍርቂ ሰዓት ዘብዘብ እናላህልሁ ኣብቲ ምዱብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝካየደሉ ሰፊሕ ርባ በጽሑ። ‘ተዛነ’ ተባሂሉ ነፍስወከፍ ሰብ ኣካላቱ ዕጽፍ ዝርግሕ ብምባል ትንፋስ ምስ መለሰ ከም ብሓድሽ፡ “ተጠንቀቕ! ሰጥ በል!” ተባሂሉ ንርብዒ ሰዓት ዝኣክል ፍዅስ ዝበለ ምውስዋስ ኣካላት ቀጸለ።
መበል 65 ክፋል ይቕጽል