ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
7ይ ምዕራፍ መበል 57 ክፋል
“ናይ ጀብሃ ነገር ግን ኵሉ ወዮ እዩ ሰሌ። ኣብ ስሳን ሸውዓተን ሓምድ ኣብ ኣቑርደት ናብ ኢትዮጵያ ኢዱ ሂቡ ክብሉ ምስ ሰማዕኩ፡ ‘ጠፋእኩ!’ ኢለ ጠዋሊ ናብ መስመር ዓሰብ ሃዲመ። ብወረ ወረ ከም ብሓድሽ ናብ ጀብሃ ተመሊሱ ሰሚዐ። ጀብሃ ግን ስርሖም ርጡብ ኣይኮነን ብላኻ ወዲላኻ ግዲ ኣሲሮሞ ኣምሊጡ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ኢሎምኒ። ደሓን ይእቶ ሓደ ኣብ ኣቑርደት ዝነበረ ኮረኔል ዘይረብሕ ግዲ ርእዩዎ ሽዑ ሽዑ ብጥይት ኣቃቢጹዎ ክብሉ ሰሚዐ። ብድሕሪኡ ከረን እምኒ ደርብየላ። ምእንቲ ርእሱ ጀብሃ ንባዕላ’ውን ጽቡቕ ኣይረኸበትን ሕንፍሽፍሽ ኣትዩዋ። ጕዳይ ሃገር ኮይኑ ግን ኣብ ሰብዓን ክልተን ከም ብሓድሽ ኣብ ኣስመራ ኣባል ውሽጣዊ ስርዒት ኮይነ። ንሃገርካ ከምዚ ገይረ ኢልካ ኣይዝረብን እዩ’ምበር፡ ከምዚ ሎሚ እቲ ቅኑዕ መስመር ከይተረድኣና ንጀብሃ ብሓቂ ሰሪሕናላ ኔርና። ላዕላዩ ዝተዘርገ ማይ ታሕታዩ ነይጸሪ ከም ዝብሃል ግን ጀብሃ ቅኑዓት መራሕቲ ስለ ዘይረኸበት ንህዝቢ ኤርትራ መፍቶ ጸላኢ ገይራቶ። ህዝባዊ ሓይልታት ከኣ ጽቡቕ ጀሚሮም ኣለዉ መወዳእታኡ ከጸብቑዎ ንጽበዮም፡” ብምባል ኣብ ጀብሃ ዘሕለፎ ተሞክሮኡ ደምደመ።
ሰለሙን፡ ንብርሃነ ብዛንታኡን ምቕሉልነቱን ክፈትዎ ከሎ ብልዑል ሃገራዊ ወኑ ድማ ኣድኒቑዎ። “ጀብሃ ንመን ዘየርከበትሉ፡ ህዝባዊ ሓይልታት ክሳዕ ትፍለ ዝኣኽላ ተጻዊታ። ካብ ቀዳማያ ግን ዳሕራያ ገዲዱ. . .” ኢሉ ዘረባ ጀመረ።
ብርሃነ ኣብ መንጎ ንሰለሙን ኵልፍ ኣቢሉ፡ “ጸላኢኻ ይተዓንቀፍ ዘረባኻ ዓንቂፈካ’ምበር፡ ንህዝባዊ ሓይልታት ንፈለማ ግዜ ከም ሰበይ ኣብ ዛግር’የ ርእየዮም። ተጋደልታ ቃንጫ ዝመስል ካላሽናት ዝዓጠቑ፡ ዓጥመጠም ዝብሉ ጨጓር ዳንጋ’ዮም ነይሮም። ጥርናፈኦምን ስነስርዓቶምን ግደፎ ንበይኑ እዩ። ከም ሰራዊት ብሓቂ መሲጦምኒ። ምስቶም ኣብ ወኪ ዝረኣኹዎም ተጋደልቲ ጀብሃ ዝነበሮም ፍልልልይ ብዘይ ምግናን ናይ ሰማይን ምድርን ነይሩ። ገበል ዘይረኣየስ ብተመን ይግረም ይብሉ ትግረ ክምስሉ ከለዉ። ንበዓል ሓምድ ሓሙሻይ ርእሱ ርኢና ንድነቕ ኔርና’ወ። ኤእ! ግን ከኣ እቲ ፖለቲካ ኣይማዕበለን ነይሩ ሽዑ። ብኡነት እብለካ’ለኹ፡ ንህዝባዊ ሓይልታት ምስ ረኣኹ ገጥ ኢለ። ኮታ ብናጽነት ኤርትራ ተኣማሚነ። ረሲዐልካ’ባ! ዘረባ ኣንዊሐልካ’ምበር ምስቶም ተጋደልቲ ሓደ ወዲሓትነይ ዝብጽሓኒ ሞጎስ ዝብሃል፡ ኣብ ልኡል መኰነን ዓሰራይ ክፍሊ ዝመሃር ዝነበረ ረኺበ። ክገርመካ እቲ ቈልዓ ቀደም ካን ሓደ ዓባስ’ዩ ነይሩ። ሽዑ ግን እቲ ቃላት ካበይ ከም ዘምጽኦ ክርድኣኒ ኣይከኣለን፡ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ፡ ዕላማታት ህዝባዊ ሓይልታት፡ ጸይቅታት ጀብሃ ካልእ ክደግሞ ዘይክእል ናይ ሶሻሊስት ፖለቲካ ብንቍርቍር ኣቢሉ ምስ ኣረድኣኒ ሽዑ ሽዑ ቅይር ኢለ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ ኣብ ህዝባዊ ተወዲበ። እንሃልካ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ዓቕምና ነበርክት ኣለና፡” ክብል ዝተረፎ ዘረባ ኣስዓበ።
ብርሃነ ከም ዝበሎ ዕላሉ ውድእ ከብል ደብረብርሃን ብማዕዶ ኣብ እግሮም ረኣዩዋ። ዝተረፎም ሓጺር መንገዲ ወዲኦም ናብታ ዓዲ ክሳዕ ዝኣትዉ ሰለሙን ብዓቕሙ ዝፈልጦ ፖለቲካ ገለጸሉ። ኣብ ደብረብርሃን ሓዲሮም ንጽባሒቱ ኣንጊሆም ተበገሱ። ምሉእ መዓልቲ ክይድ ውዒሎም ኮምበልቻ ምስ ቀረቡ፡ “በል ኣብዛ ፍግርቲ ዓዲ ቍሩብ ኣዕሪፍና ደሴ ምሕዳርና እዩ። ካብ ዓሰብ ናብ ኣዲስኣበባ እናተመላለስኩ ከለኹ ምስ ጸላእኩዋ ሓዲረላ ኣይፈልጥን’የ፡” ብምባል ዘረባኡ ጀመረ። ከየዕለሉ ነዊሕ ስለ ዝተጐዓዙ ሰለሙን ፈዚዙ እዩ ጸኒሑ። “ናይ ኮምበልቻ እንታይ ኢልካኒ?” ክብል ተወከሶ ናብታ ብርሑቕ ገለ ክፋላ ዝርአ ዝነበረ ከተማ እናኣማዕደወ።
“ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብዛ ትርእያ ዘለኻ ዓዲ ጠና ዝብሃል ተራፊኮ ነይሩ። እንታይ ከም ዝረኣየለይ እንድዒ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን እናተተናዀለ ጨሪሹ ወስ ምባል ከሊኡኒ። ተኸኽ ምስ ኣበለኒ ብሰብ ገይረ ክተዓራረኾ ፈቲነ። ኮኾብና ምቅዳው ግዲ ኣብዩ መሊሱ ጽርዲ ኮይኑኒ። ሕሉፍ ሓሊፉ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዘይምልከቶ ስራሕ ብምእታው፡ ‘ኮንትሮባንድ ጽዒኑ ኣሎ’ ኢሉ ንፍላንሳ ስለ ዝሓበረ ኣብ ብሎኮ ምስ በጻሕኩ ‘መኪናኻ ክትራገፍ’ያ’ ኢሎምኒ። ነቶም ፍላንሳ እፈልጦም ጸኒሐ ግን ብጉቦ ተገላጊለ።
“ንዑኡኸ ጉቦ ዘይትህቦ ዝነበርካ?”
“ክላ! ብጉቦ ዝሰልጥ ነይሩ እንተዝኸውን ኣይምጸገመንን ነይሩ። ንሱ ግን ቀንጠብተብ ዘይብል ሰብ’ዩ ነይሩ። መስተ ኣይሰቲ፡ ሽጋራ ኣይሰቲ፡ ኣይዘውር፡ ብዘይካ ኣብ ስርሑን ገዝኡን ኣብ ካልእ ቦታ ክትረኽቦ ማለት ዘበት’ዩ። ትልንቲ (ሓለቓ ሚእቲ) ከሎ ባዕሉ ኣብ ጽርግያ ኰለል እናበለ መካይን ክቈጻጸር’ዩ ዝውዕል ነይሩ። ብድሕሪኡ ግን ነዊሕ ኣይጸንሐን መዓርግ ወሲኹ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተቐዪሩ። ድሕሪ ናይ ኣብዮት ለውጢ ድማ ናይዞም ንኡስ ደርግ ዝብሉዎም ኣባል ድሕሪ ምዃኑ፡ ቀንዲ ሓላፊ ጸጥታ ናይ ደሴ ሸይሞም ገባርን ሓዳግን ገይሮሞ ከም ዘለዉ ሰሚዐ። ሎሚ’ሞ መን ክዛረቦ ንደሴ ፈጥፈጥ ኣቢሉዋ’ሎ።”
ኣብ ብሎኮ ኮምበልቻ በጺሖም ንገለ ካልኢታት ንፈተሻ ደው ድሕሪ ምባል መንገዶም ቀጸሉ። ኣብ ከተማ ምስ በጽሑ ምሳሕ ክበልዑ፡ ቡን ክሰትዩን ሽንቲ ማዮም ክደፍኡን ሓደ ሰዓት ሓለፈ። ጸሓይ ናብቶም ዓበይቲ ጎቦታት ኣምባሰል እናንቈልቈለት ከላ ድማ ናብ ደሴ ኣምርሑ። ነቲ ዓቐብን ቍልቍልን ዝበዝሖ፡ ብጸጋም ዓበይቲ ጎቦታት ዝተጸግዖ፡ ብየማን ከኣ ህልም ዝበለ ገደል ዝተሓንገጦ ጥውይዋይ መንገዲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ወዲኦም ናብታ ብእምባታት ዝተኸበበት ከተማ ተቐልቀሉ።
“ደሴ ትፈልጣ ዲኻ?” ሓተተ ብርሃነ ናብ ሰለሙን ግልጽ እናበለ።
“ኣይፈልጣን። ናብ ኣዲስኣበባ ክመጽእ ከለኹ በጋጣሚ ብጎንደር ኣቢለ’የ ሓሊፈ። ክንዲ ጎንደር ትኸውን ድያ?”
“ካበይ ኣምጺኣቶ? ሓንቲ ኵርኳሕ ዓዲ እያ’ኮ። ካብ ኣዲስኣበባ ንመቐለ ክመላለስ ካብ ዝጅምር ኣብኣ ምሕዳር ስለ ዝጀመርኩ ግን እፈትዋ’የ።”
“ዝጠቅም ሆቴላት ኣለዋ ድዩ?”
“ማዕረ ክንድ’ዚ ኣይኮነን። በዛ ነፍሰይ ኣብ ሆቴል ሓዲረ ኣይፈልጥን’የ። ጠፊኡካዶ ናይ ኣውቲስታ ነገር፡” ኢሉ ፍሽኽ በለ።
“ኤርትራውያንከ ኣለዉዋዶ?”
“ብዙሓት ኣይኮኑን። እቶም ዝርካቦም ግን ደልዳላታት’ዮም። ንኣቶ ዘርኣይ’ኳ ትፈልጦም ትኸውን። ናይ ወሎ ደርቂ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሕ ሓገዝ ስለ ዝሃቡ፡ ኣብ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከይተረፈ ጽሒፎምሎም ነይሮም። ምስ ደርግ’ውን ኣይሓሰሞምን ጽቡቕ ኣለዉ።
“እንድዒ፡ ኣየፈለጥኩዎምን ዘለኹ። ኣዲስዘመን ከኣ ኣበይ ተገዲስና ነንብቦ ኔርና፡” በሎ ሰለሙን ናብተን ደው ዝበላ መካይን እናጠመተ።
ድሮ ኣብ ብሎኮ ስለ ዝበጽሑ ብርሃነ ናህሪ ነክዩ፡ መኪናኡ ደድሕሪተን ኣብ ቅድሚኡ ተሰሪዐን ዝጸንሓ ኣርባዕተ መካይን ደው ኣበላ። ካብ መኪና ወሪዱ ናብታ ብሸነኽ ጸጋም ዝነበረት ንእሽቶ ክፍሊ ኣምርሐ። ብማዕዶ ኣብ ኣፍደገ ደርዘን ዝኣኽሉ መራሕቲ መካይንን ተሓጋገዝትን ዕጉግ ኢሎም ምስ ረኣየ እናተገረመ ቕረቦም። “እንታይ ይብሃል ደቀይ! ቀንፈዘው’ምበር ከፊኡና!” እናበለኡ ከዕዘምዝሙ ሰሚዑ እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ተወከሶም።
“ኣውቲስታን ኣይታንትን ታሴራኦም ሒዞም ብኣካል ይቕረቡ ኢሎምና ከብቅዑ እንሃልካ ሕጂ ደሓን ኣይእተዉ ኣብ ካልእ ስርሖም ኣትዮም ግትር ኣቢሎምና፡” ክብል መለሰሉ ሓደ ምስኡ ጽቡቕ ናይ ማዕዶ ሰላምታ ዝነበሮ ርጕድ ኢሉ፡ ብርሕ ዝበለ መራሕ መኪና።
ብርሃነ ጋኔን ከም ዝጸፍዖ ሰብ ኣብ ዘለዎ ተዓኒዱ ተረፈ። ዝሕዞን ዘረምስሶን ጠፊኡዎ ምስ ሰለሙን ክመያየጥ ናብ መኪናኡ ተመልሰ።
ሓደ ካብቶም መራሕቲ መካይን፡ “ተመስገን ፈጣሪ ኵሉ ኣለም! ወዲኦም ሕጅስ። ክንገላገል ኢና፡” ኢሉ ናብ ኣፍደገ ገጹ ቀረበ።
ሰለሙን ድሮ ካቦን ጐማታትን ፈቲሹ ኣብ ጐድኒ መኪና ደው ኢሉ ንብርሃነ ብማዕዶ ክከታተሎ ስለ ዝጸንሐ፡ ኣብታ ጸባብ ክፍሊ ከይኣተወ ስጕምቱ እናኣቐልጠፈ ክምለስ ምስ ረኣዮ ነገር ደሓን ከም ዘይኮነ ነፍሱ ነገሮ።
“ኣንታ ሰሌ፡ ታሴራ’ንድዮም ዝሓቱ ዘለዉ ደኣ! ታሴራኻ ግን ክነርእዮም ንኽእል ኣይመስለንን። እንታይ ምግባር ይሓይሽ?”
“ታሴራ ይሓቱ ኣለዉ ኢልካ? ታሴራ ደኣ ምሓዙ ትርጕም ስለ ዘይህልዎ ምስ ሃብቶም ሓዲገዮ’ንድየ ተበጊሰ።”
ብርሃነ ቍሩብ ሕስብ ኣቢሉ፡ “እሞ ታሴራኻ ምስ ዝሕጸብ ክዳን ከም ዝተረስዐ ክንሕብሮምዶ ይሓይሽ? ካልእ ነገር ኣይኹን’ምበር ብታሴራ ጥራይ እንተኾይኑስ እንተ ገደደ ታሴራ ክሳዕ ነቕርብ ብዋሕስ ወይ ብገንዘብ ክንገላገል ንኽእል ኢና ዝብል ሓሳብ ኣሎኒ።”
ሰለሙን እቲ ኵነታት ካብ ጓህሪ ናብ ረመጽ ኮይኑ’ኳ እንተ ተሰምዖ፡ ኣብ ገጹ ግን ናይ ፍርሒ ምልክት ኣየርኣየን። “ኣነስ’ባ እዞም ወተሃደራት ስለ ዘይረኣዩኒ ወሰን ወሰን ብእግረይ ክብገስ’ሞ፡ ኣብ ከተማ ኣብ ሓደ ልጉስ ቦታ ክጸንሓካ ይሓይሽ ምበልኩ። ንስኻ ድማ ‘ኣይታንትኻ ኣበይ ኣሎ?’ እንተ በሉኻ፡ ሓሚሙ ተሪፉ ዝብል መልሲ ትህቦም፡” ዝብል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕረበ።
“ይሓይሽ ኢልካ? ዓዲ ስለ ዘይትፈልጥ ከይትሽገር’ንድየ ፈሪሐ፡” መለሰ ብርሃነ ስክፍታኡ ስለ ዝዛየደ ቍሊሕ ምሊሕ እናበለ።
“ኣብ ኢዶም ካብ ምውዳቕ ምፍታን ይሕሸኒ።”
“በል የማን ካብ ጽርግያ ሒዝካ’ሞ ተበገሰ፡ ኣብ ከተማ ምስ ኣተኻ፡ እንዳ ኣቶ ዘርኣይ ዝብሃል መዕደሊ ነዳዲ ሓቲትካ ኣብኡ ከም ትጸንሓኒ. . .” ኢሉ ዘረባኡ ከይወድአ፡ ከዊለንኦም ዝነበራ መካይን ወረቓቕተን ኣሳሊጠን ስለ ዝተጸርጋ ኣብ ሌጣ ጽርግያ ንበይኖም ተረፉ።
ኣብ ጥቓ’ታ ጸባብ ቤትጽሕፈት ብረቱ ተኺሉ ደው ኢሉ ዝዕዘቦም ዝነበረ ዕጡቕ ወተሃደር ብዝተዋህቦ ትእዛዝ መሰረት፡ “ፈጠን በል ሰውየው፡ ምን ትጠብቃለህ?” በሎም ብዓውታ ናብኣቶም እናጠመተ።
ሰለሙን መደቡ ክትግብሮ ከም ዘይክእል ምስ ተረድኦ ንሓንጐሉ ብቕልጣፈ ኣስርሖ። ስእሉ ቅድሚ ሰሉስ ኣብ ደሴ ክበጽሕ ከም ዘይክእል ገምጊሙ ደሓን’ሞ ከም ዝበልካዮ ንግበር፡” በሎ ብዝተረጋግአ መንፈስ። ኣምራጺ ስኢኑ ዝኣተዎ ናይ ኮን ዶኾን ውሳኔ እዩ ነይሩ።
ብርሃነ ገፈፍ እናበለ ናብታ ጸባብ ክፍሊ ኣተወ። ሰነዳት መኪና ኣርእዩ ምስ ወድአ፡ ብሸነኽ ጸጋም ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ጸሊም ኣባል ጸጥታ፡ መታወቅያ፡ የረዳት ሹፌር ጭምር፡” በሎ ገጹ ኣሲሩ። ብርሃነ ናቱ ሂቡ ናይ ተሓጋጋዚ ከቕርብ ዘይመኽኣሊኡ ምኽንያት ገለጸ። ክረዳድኡ ግን ኣይከኣሉን። ኣብ ዕጹው መንገዲ ምስ በጽሑ፡ “ክሳዕ ገለ መረጋገጺ ንረክብ ኣይታንትኻ ምሳና ናብ መደበር ክኸይድዩ፡” በሎ’ቲ ኣባል ጸጥታ፡ ካብ ኵርሱ ሓፍ ኢሉ ንደገ እናወጽአ። ብድሕርዚ ንብርሃነ ምራሕ ኢሉ ናብ መኪና ብምኻድ፡ ንሰለሙን ስለምንታይ ታሴራ ከም ዘይሓዘ ሓተቶ።
ተመሳሳሊ መልሲ ምስ ረኸበ፡ ንሓደ ካብቶም ኣብታ ጸባብ ክፍሊ ዝነበሩ ወተሃደራት ብስሙ ጸዊዑ ኣብ መደበር ፖሊስ ከስተልሞ ኣዘዞ።
እቲ ወተሃደር፡ “ንኺድ፡” ኢሉ ኣብ መኪና ደየበ። ዝኾነ ዘረባ ከየምለቝ ድማ ኤነትረ ኣብ ጥቓ መደበር ፖሊስ በጽሐት።
በርሃነ መኪና ኣብ ወሰን ጽርግያ ደው ኣቢሉ ናብቲ ወተሃደር ብምቕራብ፡ “ጎይታይ እዚ ሰብዚ ሓወይ’ዩ፡ ጥዕና ድማ የብሉን። ስለዚ፡ ታሴራኡ ክሳዕ ዘምጽእ ብዋሕስ ክወጽእ ኣፍቅዱለይ፡” ኢሉ ብምምሽኻን ባህሪ ናይቲ ወተሃደር ክግምግም ፈተነ።
“ኣታ ሰብኣይ ጥዕና የብልካን ድዩ? ስርሐይ’ኮ ኣብ መደበር ምብጻሕ’ዩ። ደቀይ ከዕቢ ዝደሊ ሰብ’የ ሕደገኒ። ብዛዕባ ዋሕስ ወዲ ዋሕስ ትዛረቦ ነገር እንተ’ልዩካ ኣብ መደበር ምስ በጻሕና ተርክበሉ!” ዝብል ገራጭ መልሲ ናይቲ ወተሃደር ምስ ሰምዐ ግን ተስፋ ቈሪጹ ትም በለ።
ካብ መኪና ወሪዶም ኣብ ኣፍደገ’ቲ መደበር ፖሊስ ምስ በጽሑ እቲ ወተሃደር፡ “ንስኻ ኣብጺ ጽናሕ፡ ክትኣቱ ኣይትኽእልን ኢኻ። ትሓልየሉ እንተዄንካ ክዳን ለይቲ ዝኾኖ ኮቦርታ ኣምጽኣሉ፡” በሎ።
“ክወሓሶ ዝኽእል እንተኾይነ’ባ ምስ ዝምልከቶም ክዘራረብ በጃኹም! ካብ ኵሉ ሕማቕ ኣዝማ ኣላቶ’ መድሃኔኣለም ሕራይ ይበልኩም ሕራይ በሉኒ በጃኹም፡” እናበለ ብኢዱ ሒዙ ወጠጥ በሎ።
እቲ ወተሃደር ኣዒንቱ ተኺሉ ጠመቶ። “ስምዓኒ፡ መሬት ስለ ዝመሰየ ሕጂ ክትረኽቦ ትኽእል ሓለቓ የሎን። እንተ ኽኢልካ ከም ዝበልኩኻ ግበር። ትም ኢልካ ኣይትጨቓጨቕ!” ብምባል ሓይሊ ቓል ወሲኹ ምስ ኣቕበጾ፡ ናብ መኪና ተመሊሱ ክልተ ኮቦርታን ኣንሶላን መተርኣስን ወሰደሉ። ሰለሙን ንማሕረድቲ ዝተወፈየ ገንሸል ኮይኑ እናተሰምዖ ኸኣ ብግሁይ ልቡ ገፈፍ እናበለ ናብ መዕደሊ ነዳዲ እንዳ ኣቶ ዘርኣይ ገስገሰ።
ድሮ ሰዓት ሓሙሽተ ሓሊፉ’ኳ እንተ ነበረ፡ በጋጣሚ ካብ ስራሕ ከይወጽኡ ጸንሑዎ። ኣቶ ዘርኣይ ንድኻ ዘይብድሉ፡ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ጽቡቕ ርክብ ዝነበሮም፡ መዋእሎም ኣብ ደሴ ዝተቐመጡ፡ ዕድመ ዝደፍኡ ሰብኣይ ኮይኖም ካብ ለዋህቶም ዝተበገሰ ሽግር ዘጋጠሞ ኤርትራዊ ናብኦም’ዩ ዝጐዪ። ንብርሃነ ርእይ ምስ ኣበሉዎ፡ “ወዲሓወይ ደኣ መዓስ መጺእካ?” እናበሉ ሰዓሙዎ። ምስ ብርሃነ ደቂ ሓደ ከባቢ’ምበር ናይ ቀረባ ኣዝማድ ኣይነበሩን። ብርሃነ ኣብ ጕዳዩ ብምእታው ዘረባ ከየንውሐ ምስጢር ሰለሙን ኣትሪፉ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ጸገም ሓበሮም። ንዘረባኡ ጽን ኢሎም ድሕሪ ምስማዕ፡ “ብጕዳይ መታወቅያ’ኳ ኣሲሮሞ ኣይሓድሩን እዮም። ክትወሓሶ ከፍቅዱልካ ነይሩዎም። በል’ስኪ ክገይሽ’የ ይብል ነይሩም’በር ንሞቶ ኣለቃ ጠና እንተ ረኸብኩዎ ክድውለሉ። ካብ ካልኦት ንሱ ይሓይሽ። ቅድሚ ሕጂ ደሓን ኢና ኔርና፡” ኢሎም ስልኪ ክድውሉ ኢዶም ኣብ ቅድሚኦም ናብ ዝነበረት ቆፎ ቴለፎን ሰደዱ።
“ጠና!” ኢሉ ብስንባደ ርእሱ ሓዘ ብርሃነ። “በል ናብ ጠና እንተዄንካ’ስ ይፍትሓላ። እንድዒ ኮኾብና ምግጣም ግዲ ኣብዩ ኣይንፋቶን ኢና። ቅድሚ ሕጂ ድከተይ ዘስተየኒ ይኣኽሎ፡” ብምባል ምስኡ ዘሕለፎ መሪር ተሞክሮ ገለጸሎም።
ኣብ ዝነበሩዎ ደው ኢሎም፡ “እሞ እንታይ ደኣ ይሓይሽ፡” ኢሎም ዝን ድሕሪ ምባል፡ “ኣንታ ሓደ በዓለገ ኮይኑ ብዙሕ ኣይፈትዎን እየ’ምበር እቲ ሻምበል ይመር ዝብሉዎ ሃንጐሊማ’ውን ኣሎኮ። ኣብ መዓርግ መጺእካ ይመር ዝልዕል’ኳ እንተኾነ፡ ጠና ኣባል ንኡስ ደርግ ስለ ዝኾነ ብስልጣን ይዓብዮ እዩ። ሰለዚ፡ ፈቲና ጸሊእና ንሻምበል ይመር ረኺብና እንተ ብዋሕስ እንተ ብገንዘብ ክነውጽኦ ክንፍትን ኢና። ቅድሚ ሕጂ’ኳ ኣብ እንዳ ለተሊባኖስ’የ ዝረኽቦ ነይረ። ኣማኒቱ ስለ ዝኾነት ካብ ገዛኣ ኣይፍለንዩ። ንኺድ ጥራይ፡” ኢሎም መሪሖሞ ሰጐሙ።
“ለተሊባኖስ ባር ኣምባሰል እንተኾይና እፈልጣ እየ።”
“ክርቢት’ያ ክትነፍዕ። ድሕሪ ለውጢ ሳላ ሰበስልጣን ደርግ፡ ኣውራ ድማ ሳላ ሻምበል ይመር ሻሻያ እዩ ሰሪዑላ። ግርም’ዩ ዝብለካ፡ እንተ ፈትያ ጉድ’ያ፡ ዘይተስልጦ ጕዳይ የሎን፡” እናበሉ ኣብ መኪና ብምድያብ ተበገሱ። ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ደቒቕ ዘይመልእ ጕዕዞ ኣብ ባር ኣምባሰል በጽሑ።
በጋጣሚ ዝኾነ ሰብ ስለ ዘይጸንሓ ምዉቕ ሰላምታ ሂባ ኮፍ ኣበለቶም። ሰብነታ ተሓጺባ፡ ኣሎ ዝብሃል መጸባበቒ ተጠቒማ፡ ምልዖ መሲላ እያ ጸኒሓቶም። ኣቶ ዘርኣይ ተቐቢኣቶ ዝነበረት ጥዑም ሽቶ እናሰርሰሮም ኣብ እዝና ገለ ነገር ሕሽዅ ምስ በሉዋ፡ ናብቲ ኣመንታ ጥራይ እተእንግደሉ ክፍሊ መርሓቶም።
ጥርሙስዝ ዊስኪ ኣዚዞም ብዛዕባ ጕዳዮም ምስ ገለጹላ፡ “ፖለቲካ ግዛዕ እንተ ተገንዩዎ እዩ ችግር ልኾን’ምበይ፡ ብጕዳይ መታወቅያ እንተኾይኑታ ዳሕና እዩ፡ ብዙሕ ችግር የብሉይ፡” በለቶም እናቕመጽመጸት።
“ከየሕድሩዎ ሰጊእና ኢና’ምበር ጽቡቕ ኣለኺ፡” በላ ብርሃነ ናብኣ ገጹ እናጠመተ። ንሳ ኣይትዝክሮን ትኸውን’ምበር፡ ከምዚ ሎሚ ሰማይ ከይተሰቕለት ኣብ ኮምበልቻ ገና ክዳና ዘይቀየረት ተልሜደን ከላ፡ ኣብ ሓደ ውስን ኢሉ ባር ከም ተራ ኣሳሳዪት እናሰርሐት’ዩ ዝፈልጣ ነይሩ። መልክዓ ተባሃጊት ስለ ዝነበረት ግን ዕድመ ንኤርትራውያን መራሕቲ መካይን፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ናብ ሓንቲ ኣዝያ ህብብቲ ወናኒት ባር ክትቅየር ክኢላ።
ለተሊባኖስ ዘይተሓስበ ሽሻይ ተሰሪዑላ ገጻ መሊሱ ተወልዐ። ሰዓታ ርእያ፡ “ሓንሻብ ጽንሑኒ’ስቲ፡ ይመር ኣብ ጽሕፈትቤቱ እንተኒአ ስልኪ ክምኵር፡” ኢላ ሓዲጋቶም ናብ ካልኣይ ክፍሊ ሰጐመት።
ክሳዕ ትምለሶም ብርሃነ ኣብ መናድቕ ናይታ ብጽሬታ ኣዝያ እትምስገን ክፍሊ ዝነበሩ ጥቕስታትን ኣሳእል መላእኽትን ይዕዘብ ነበረ። ኣብ ፊቱ ናብ ዝነበረት ናይ ኣምነ ኣረጋዊ ስእሊ ርእዩ፡ ኣብ ጐድና ናብ ዝነበረት ኣብ ጋቢና መኪናኡ ካብ ዘላ ናይ መድሃኔኣለም ስእሊ ዘይትፍለ ምስ ረኣየ፡ ከይተረድኦ ብሕልናኡ ጸሎት ክገብር ጀመረ።
“ሻምበል ካብ ጽሕፈትቤቱ እንተ’ይወጸ ኣግኒየዮስ፡ ብዛዕባቲ ጕዳይ’ውን ጸውየዮ እኒአኹ። እቶ ዘርኣይ ምስ ካልኣዮም’ዮም ልእልሹኻ ዝኒአዉ ብልበልኩዎ ‘ወዲያው እላመጻእኩ እየ፡’ ኢሉኒ ኒኦ። ላብዙይ ብልመጽአ ኸዓ ባዕልትኹም ተብራህርሁሉ፡” እናበለት ኣብ ኮፍ ብምባል ብርጭቆኣ ጨሊጣ ከም ብሓድሽ ቀድሐት። ዕላማኣ ሻምበል ይመር ከይመጽአ ከሎ እታ ጥርሙዝ ክትፋረቕ’ሞ ሓድሽ ጥርሙጽ ክእዘዝ’ዩ። ሽጋራ እያ ዘይትሰቲ’ምበር ብመስተ ዝመጽአ ንዊስኪ ከም ማይ እትሰትዮ መንቀጽ ቀለም ምዃና ምሉእ ተቐማጣይ ደሴ’ዩ ዝፈልጣ።
ጥርሙዝ ዊስኪ ካብ ፍርቂ ቍሩብ ምስ ወረደት ሻምበል ይመር ጠበሽ ኢሉ ተሓወሶም። ከደራይ፡ ውቁብ ኮይኑ፡ ገጹ ቍሩብ ንውሕ ኢሉ፡ መነጽር ዘይፈሊ ምሉእ ሰብኣይ’ዩ። ከም ጠባይ ሕዉስ’ዩ ግን ከኣ ስሱዕ። “ታድያስ የኔ ኣለም!” ኢሉ ኣብ ምዕጕርታ ሰዓማ። ንኣቶ ዘርኣይ፡ “እንደምን ኣሉ ጋሼ ዘርኣይ?” ኢሉ ክምስ እናበለ ኢዶም ክልተ ሰለስተ ግዜ ነዝ ነዝ ምስ ኣበሎም፡ ንብርሃነ ብሰምታ ጨቢጡ ኣብ ጐድኒ ኣማኒቱ ተቐመጠ። ንገለ ሓሙሽተ ደቓይቕ ኣብ ሓፈሻዊ ዕላል ወኻዕካዕ ክብሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኩላቶም ትም ትም በሉ።
ሻምበል እቲ ሃዋህዉ ከቢዱዎ ክልተ ግዜ ካብ ብርጭቆኡ ምዒጕ፡ “እሞ መታን ቀሲንና ክንጻወት ቅድም ብዛዕባ ጕዳይኩም እንተ ወዳእና ይሓይሽ ምበልኩ። ንዓኻትኩም ክሓብኣልኩም ኣይደልን ኣግሂደ ክነግረኩም’የ። ንሱ ድማ ካብ ኣዲስኣበባ ሓደ ሰብ ጸረ ኣብዮታዊ ተግባር ፈጺሙ ዝጠፍአ ሰብ ምህላዉ እዩ። ስለዚ፡ ከም ርድኢተይ እቲ ጕዳይ ናይ ኣጋጣሚ ነገር ክኸውን ይኽእል’ዩ።ናይቲ ዝድለ ዘሎ ሰብ ስእሊ እንተ ደንጐየ ጽባሕ ክበጽሓና ስለ ዝኽእል ድማ እዚ ተኣሲሩ ዘሎ ሓውኩም ናጻ ክወጽእ ጸገም የሎን። ሰለዚ፡ ንሎሚ ለይቲ ግድን ክትጽመሙ ኢኹም። ኣብ ዝርዝር ከይኣተኹ ክሕብረኩም ዝኽእል ነገር እንተ’ልዩ እዚ እዩ። ኣሕዋት ለተሊባኖስ ስለ ዝኾንኩም ከኣ ሓደ ኴንካ ክልተ ኣይክወንንንዩ፡ ንዓይ’ውን ኣሕዋተይ ኢኹም ማለትዩ። ስለዚ፡ ከጋጥም ዝኽእል ጸገም የሎን ቀሲንኩም ተጻወቱ፡” ኢሉ ልቦም ከረስርስ ፈተነ።
ብመስተ ተዛንዩ ዝነበረ ኣእምሮ ብርሃነ ከም ብሓድሽ ኣብ ዝኸፍአ ጭንቀት ተደቕደቐ። ኣብ እዝኑ ናይ ሓደጋ ደወል ጋው! ጋው! ክብል ጀመረ። ሰለሙን ብተኣምር ክድሕን ከም ዘይክእል ሚእቲ ካብ ሚእቲ ስለ ዘረጋገጸ፡ “ንደብረብርሃን ሓሊፈያ ሓዲረ እንተ ዝነብር ምናልባሽ ኣይምረኸቡዎን ነይሮም ይኾኑ። ዋይ ኣነ! ለከምኩዎ’ባ!” እናበለ ንነፍሱ ኣብ ምርጋም ኣተወ። ልቡ ኣበርቲዓ ክትሃርም ኣብ ርእሲ ምጅማራ፡ ገጹ ታህታህ ክብል ጀመረ። ግንባሩ በመንዲል ደሪዙ ፈሪሑ ከም ዘሎ ከየስተውዕሉሉ ስለ ዝተሰከፈ ዊስኪ ብደረቑ ምግልባጥ ተተሓሓዞ። ኣይከፍኦን ካብቲ ወሪሱዎ ዝጸንሐ ፍርሒ ብመጠኑ ተናገፈ። ኣእምሮኡ ምስ ተረጋግአ፡ “እዚ ሓወይ ንመጀመርያ ግዜ ካባይ ተፈልዩ ይሓድር ኣሎ። ዕድመኡ ምሉእ ምሳይ ከም ኣይታንቲ ክሰርሕ ከሎ ሓንቲ መዓልቲ ዓይንኻ ትደፈን ኢለዮ ኣይፈልጥን፡” በለ ናብ ሻምበል ይመር ገጹ እናጠመተ።
“ስምዑኒ ኣሕዋት፡ ኣብዮትና ካብ ዝትኰስ ኣትሒዙ፡ ካብ ናህሪ ጕዕዞኡ ክሕንኵልዎ ዝደልዩ በብዓይነቶም ጸላእቲ ከም ዘለዉ ንስኻትኩምውን ትስሕቱዎ ኣይመስለንን፡” ኩላቶም ኣራእሶም ብእወታ ነቕነቑ። “እንተኾነ ኣብዮትና በብሓደ ክምሕዎም ምስ ጀመረ፡ ኣዝዩ ዝተራቐቐ ሜላ እናተጠቕሙ ሽርሕታቶም ካብ ምቕጻል ዓዲ ኣይወዓሉን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መሪር ኣብዮታዊ ቃልሲ ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ ከም ዝብሃል፡ ገለ ንጹሃት ዜጋታት ንግዜኡ ገልታዕታዕ ከም ዝብሉን ከም ዝልከሙን ርዱእ’ዩ። እዚ ክብለኩም ከለኹ ግን ንኣድሃርያን ሚዛን ዝሃብኩዎም ከይመስለኩም። ብኡነት እብለኩም ኣለኹ ኩላቶም ሓይልታት ጸረ ኣብዮት፡ ኰራኵር ሲኣይኤይ፡ ናይ ፔትሮዶላር ቅጥረኞች፡ ኣናርኪስቶች ብዘይ ንሕስያ ኣብዮታዊ ሴፍ ክምዘዞም’ዩ። ኣብዮትና ድማ ተዓዋቲ እዩ! ሽዑ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሰላም ብሩፍታ ከስተማቕራ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ሓውኩም ርሂጸ በላዕ ካብ ኮነ ዘሰክፍ ነገር የብልኩምን ንጻወት ጥራይ።”
ኣቶ ዘርኣይ ብዘረባ ሻምበል ዓጊቦም፡ “እቲ ነገር ከምዚ ሻምበል ዝበሎ እዩ። ጽባሕ ምብጋስካ ኣይተርፈካን’ዩ ወዲሓወይ፡ ስለዚ፡ ዓቕልኻ ኣይተጽብብ፡” በሉዎ ገጾም ናብ ብርሃነ እናኣዞሩ።
ብርሃነ ብዘረባ ሻምበል ሓሪሩ ክነሱ፡ “ግዲ የሎን፡ ግን ቍሩብ ጥዕና ስለ ዘይብሉ’ዩ ኣሰኪፉኒ’ምበር ጽባሕ ክብገስ ምዃነይ ደኣ ሻምበል ኣቕሲኑኒ’ንድዩ። ኣብ ሓደ ለይቲ በጺሕካ ዘህውኽ የሎን፡” ዝብል ናይ ቃል ዓለም መልሲ ሃቦም።
“ክዳን ለይቲ ኣየብጻሕካሉን ዲኻ?” ክብል ሓተቶ ሻምበል።
“ክዳንስ ወሲደሉ፡ ግን ድራር መብጻሕኩሉ ነይረ።”
“ኣበይ ደኣ ኣምሲኻ? በል ቀልጥፍ ከይጸልመተ ኣርክቦም። ክሳብ ኣብኡ ትበጽሕ ንተረኛ ብቴለፎን ሓቢረዮ ክጸንሕ’የ።”
ብርሃነ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነበረ ቤትምግብታት ድራር ኣዚዙ ናብ ሰለሙን በጺሑ ክሳዕ ዝምለስ ዝወቕዖ ዝሑል ኣየር ነቲ ሙቐት ሂቡዎ ዝጸንሐ መስተ ህልም ኣበሎ። ናብታ ባር ምስ ተመልሰ ድማ እታ ሓዲጉዋ ዝኸደ ጥርሙዝ ድሮ ተጸንቂቓ ቅያራ ካልኣይቲ ተዀዲማ፡ እታ ክፍሊ ድማ ብትኪ ሽጋራ ዒግ ኢላ ጸንሓቶ። ንድራር ክጽበዩዎ ስለ ዝጸንሑ ምስ ተሓወሶም ለተሊባኖስ እንጌራ ቀረበትሎም። ኢድካ ዘቘርጥም ምግቢ’ኳ እንተ ነበረ፡ ብርሃነ ሸውሃቱ ተዓጽዩ ክንድ’ቲ ኣይበልዐን። ካብቲ ወሪሱዎ ዝነበረ ፍርሒ ንኽገላገል ግን ዊስኪ ጥራይ ክጭልጥ ኣምሰየ። ኣብ መወዳእታ፡ እዋን ሓሊፉ ምፍልላይ ኮነ። ሻምበል ይመር፡ በየን ተረኽበ ኢሉ ዊስኪ ከም ሕሱም ክሕንፍፎ ስለ ዝሓደረ ጠሪሹ ተኻኢሉ ነይሩ። ብዕጹፍ መልሓሱ፡ “ደህና እደር ኣቶ ዘርኣይ፡ ነገ በሰላም ያገናኘን፡” ክብሎም ከሎ፡ ብርሃነ ንለተሊባኖስ ዋጋ ዊሲክን ዋጋ ድራርን እናኸፈላ፡ “እሞ ኣይትሕመቒ፡ ሻምበል ከይርስዖ ኣዘካኽርዮ ኢኺ። ጽባሕ ንግሆ ደሃይ ክፈልጥ ክቕልቀለልኪ’የ። ደሓን ሕደሪ፡” ኢሉ ዝባና ጠፍ ኣቢሉዋ ከም ብግስ በለ።
ለተሊባኖስ ብወገና፡ “ፋዕራ የብልኻይ በሪሁ፡ ቦለቲካ እዩ ግናይ’ምበር ላይዙይስ ላባይ ሕደጎ ችግር የለይ። ኣምነኣረጋዊ ብሰላም የሕድረና ጽባሕ እንተ ለይወጺኡ ጓል ኣበበ የኾንኩይ፡ ካልእ እንተ ቐረየ ብጥዒና ግዛዕ ምዛዕ ኣመኽኒና ክወህኒቤት ብውሕስ ልወጸሉ መንገዲ ክንእልሽ ኢና። ብቻ ጽባሕ ሰለስተ ሰዓት ናይ ንግሆ ብልኾነ ደሃይ ፍለጥ፡” ኢላ ተፋነወቶ። ከም ኰማሪት መጠን ናይ ምልጡጥ ረኺባ ብዙሕ ስለ ዝሰተየት፡ ድሮ ገፍጨልጨል ክትብል ጀሚራ ነይራ።
ብርሃነ ብፈንጣሕጣሕ ናይ ለተሊባኖስ ኣመና ተገረመ። ብውሽጡ፡ “ወይ ጉድ! ግዜ ዘይቅይሮ ነገር የሎን። ትማሊ ትማሊ ብጥራጣ ዘይንስሕቕ ዝነበረና ማንም ቡታና ክንድዚ ጥልሕ ጕንብሕ ክንብለላስ እንታይ ይብሃል? ወይ ግዜ!” እናበለ ንኣቶ ዘርኣይ ሰዓቦም።
ኣቶ ዘርኣይ ኣብ መኪናኡ ምስ ኣብጽሑዎ፡ “እሞ ወዲሓወይ፡ ጽባሕ ግድነት ክወጽእ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ኣይትሳቐል። ኣምላኽ ጥራይ ብሰላም የሕድረና። ንግሆ ድማ ኣይተቕትር ኢኻ፡” ኢሎም ተፋነዉዎ።
ይቕጽል
መበል 58 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 10 ግንቦት