ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
ሻውዓይ ምዕራፍ መበል 56 ክፋል
ምዕራፍ 7
ሰውራ ናይ ድራር እንግዶት ኣይኮነን። ናይ ስነጥበብ ወይ ናይ ስነጽሑፍ ስራሕ’ውን ኣይኮነን። ስለዚ፡ ዝተጻረየን ዝተጻፈፈን ክኸውን ኣይክእልን።
ማኦ ሰ ቱንግ
ሰዓት ሰለስተን ፈረቓን ኮይኑ ጸሓይ ሓያል ሙቐት እናሰደደት ከላ ንሰለሙን ዝጸዓነት ኤነትረ ዝዓይነታ ቀያሕ ናይ ጽዕነት መኪና መስቀል ኣደባባይ ክሳብ ትበጽሕ ዓገግ እናበለት ክትከይድ ጸኒሓ፡ ናህሪ ብምውሳኽ ኣብ መገናኛ በጽሐት። ናብ ኮተቤ ዘምርሕ ጸጋማይ ጽርግያ ሒዛ ንዓቐብ ድሕሪ ምድያብ ድማ ንመደበር ሓይሊ ኤለትሪክ ሓሊፋ ኣብ ብሎኮ ኣስመራ በጽሐት።
ብርሃነ ናይ ጽዕነት ወረቓቕቲ ሒዙ ካብ መኪና እናወረደ ንሰለሙን፡ “በል ጐማታት ፈትሽ ስራሕካ ኣይትረስዕ፡” ኢሉዎ ናብታ ፖሊስ ዝነበሩዋ ጸባብ ክፍሊ ኣምርሐ። ሰለሙን ክገብሮ ዝግብኦ ነገራት ኣቐዲሙ ተሓቢሩዎ ዝነበረ ንኹላተን ጐማታት ብማርቴሎ ዲጕ! ዲጕ! እናበለ ፈተሸን። ሓንቲ ኣረጊት፡ ብዘይቲ ዝጋዕግዐት ኮምፕላስዮነ ተኸዲኑ፡ ኣብ ርእሱ ጨርቃም ቆቢዕ ወድዩ ስለ ዝነበረ፡ ይትረፍ ምትኩ ሮዛ’ውን ምገገየቶ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ብርሃነ ወረቓቕቱ ኣፈሪሙ ክሳዕ ዝምለስ ኣብ ድሕሪ መኪና ምሽውሽው ክብል ጸኒሑ፡ ማዕጾ መኪና ገም ክብል ምስ ሰምዐ ማርቴሎ ሒዙ መኪና እናኸደት ከላ ጐድኒ ጐድና ብምጕያይ ማዕጾ ከፊቱ ደየበ።
“ይበል ኣይታንቲ! ክንደይ ዓመታ ሰሪሕካ?” በሎ ብርሃነ ማርሻ እናቐየረ።
“ተመሃራይ ከለኹ ክረምቲ ክረምቲ ኣብ ጋራጅ እሰርሕ ስለ ዝነበርኩ፡ ካልእ ኣይትሕተት’ምበር እዚታትስ ኣይጠፍኣንን’ዩ ግዲ የብልካን፡” መለሰሉ ሰለሙን ካብ ኣዲስኣበባ ብሰላም ምውጽኡ ቅሳነት እናተሰምዖ።
“ምጥንቃቕ ዝመስሉዎ ነገር ስለ ዘየሎ’ምበር ብዙሕ ዘሰክፍ ነገር’ኮ የሎን። ደሓር ከኣ ሃብቶም ቅድሚ ሓደ ሰዓት ኵነታት ክከታተል ኣብዚ በጺሑ ተመሊሱስ ሓንቲ ነገር ከም ዝየሎ ሓቢሩኒ እዩ። ስራሕ ፖሊስ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ክቀያየር ስለ ዝኽእል ግን ምጥንቃቕ ኣገዳሲ እዩ። ምዃን እዚኣቶም ዝጠቕሙ ኣይኮኑን ምስ ፖሊስ ዓድና ኣወዳዲርካ ንፖሊስ ወዲሓወቦኡ እዮም። ስለዚ፡ ካብዚ ንንየው ሓታቲ የብልካን ኣፍልብኻ ነፊሕካ ምኻድ’ዩ ጸገም የሎን፡” በሎ ብርሃነ ማርሻ ቀዪሩ ናህሪ መኪና እናወሰኸ።
ብርሃነ ሰብነቱ ድልዱል፡ ገጹ ግፍሕ ኢሉ፡ ርእሱ ክብብ ዝበለ ግን ቍሩብ ስቕስቕ ኢሉ ኮይኑ ገርህን ተዋዛያይን ሰብ’ዩ። ንሓያሎ ዓመታት ብዓባይ መኪና ኣብ መስመር ኣዲስኣበባ ኣስመራ፡ ዓሰብ ኣዲስኣበባ ተመላሊሱ። ዕድመኡ ካብ ሰላሳን ሓሙሽተን ዘይሓልፍ ምርዑው’ኳ እንተ ነበረ፡ ምስ በዓልቲቤቱ ስእነት ውላድ ብዘልዓሎ ጕዳይ ኣይተቓደዉን ሓዳሮም ኣብ ሰንከልከል ኣትዩ። ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስኣበባ ምስ ተበገስ ኣብ ደሴ ክበጽሕ ከሎ ጽርግያታት ኤርትራ ንተሽከርከርቲ ስለ ዝተዓጽወ ድማ መፍቶቱ ረኺቡ ካብ ኣዲስኣበባ ንመቐለ እናተመላለሰ ኣብ ፈቐዶ ከተማ ናይቲ መስመር ብርክት ዝበላ ወሻሽማ ኣጥርዩ። ክሳዕ ሰብዓን ኣርባዕተን ዓመተ ምህረት፡ ኣብቲ ብስም ውሽጣዊ ስርዒት ዝፍለጥ ውዳቤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስሩዕ ነይሩ። ድሒሩ ግን ብገለ ኣዝማዱ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ተወዲቡ ንጡፍ ኣባል ክኸውን ክኢሉ። ብርሃነ፡ ከም ሰብ ሕዉስን ንብላዕ ንስተ በሃላይን ስለ ዝነበረ፡ ብሰንኪ ልግሱ ኣብ መስመር ዓሰብ ኣዲስኣበባ ወዲመዓሮ ብዝብል ሳጓ’ዩ ዝፍለጥ። ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ይፍለጦ ኣይፍለጦ ጽጉም ሰብ እንተ’ጓኒፉዎ ክሕግዝ ናይ ምድላይ ባህሪኡ’ዩ።
ንገለ ኪሎሜተራት ከይተዛረቡ ምስ ተጓዕዙ፡ ሰለሙን ኣብ ሓሳብ ክኣቱ ስለ ዝጀመረ መዕለሊ መታን ክኾኖም፡ “ስራሕኩም ግን ኣመና ኣድካሚ’ዩ። ምሉእ መዓልቲ ስቴርሶ ሒዝካ ካብ ኵርሲ መኪና ከይተኣሳእካ፡ ድምጺ ሞቶረ ጅጅ እናበለ ክትጐዓዝ ቀሊል ስራሕ ኣይኮነን፡” ብምባል ርእይቶኡ ክሰምዕ ተጸበየ።
“ኣይምሰልካ ሰለሙን። ክሳዕ ትለምዶ እዩ’ምበር ኵሉ ቀሊል’ዩ። መቸም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ ይኸውን፡ ኣነ ግን ብቘልዓይ ከለኹ ግዲ ጀሚረዮ ከም ኣውቲስትነት ገይረ ዝፈትዎ ስራሕ የብለይን። ዳርጋ ልዕሊ ዓሰርተ ክልተ ዓመት መኪና ዘዊረ ኣለኹ እንተ በልኩኻ ኣይትኣምነንን ትኸውን። እዚ ክብለካ ከለኹ ግን ዕድመይ ምሉእ ካብ መኪና ኣይተፈለኹን። ካብ ወዲ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ጀሚረ ትምህርቲ ብኢደ ዋኒነይ ኣቋሪጸ ምስ ኣቦይ እመላለስ ነይረ። ኣቦይ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ “ከማይ ደንቍርካ ከይትተርፍ ተመሃር፡ ንውላድካ ትምህርትን ስነምግባርን እንተ ዘይኮይኑ ሃብቲ ኣይተውርሶን ኢኻ፡” ክብለኒ ከሎ ትማሊ ኮይኑ ይስምዓኒ። መዕለሊ ክኾነና፡ ኣብቲ ፈለማ ኣብ እንዳ የኔታ እየ ጀሚረ። ሓቂ ዘረባ ኣብኡ ብዘይካ ናይ የኔታ ምቝርጣጥን ርእስካ ኳሕ ምባልን ደሓን ነይሩ። ምኽንያቱ ምጽሓፍን ምንባብን ኣይነበረናን ጸሎት ምጽናዕ ጥራይ’ዩ ነይሩ። ሽግር ዝመጽአ ናብ ኣስኮላ ሓበሻ ምስ ሰገርኩ እዩ። ክገርመካ ኣብ ሳልሳይ ክፍሊ ክበጽሕ ጥራይ ሓሙሽተ ዓመት ወሲዱለይ።
ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ብተፈጥሮይ ትምህርቲ መባልዕተይ ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ክልተ ዓመት እናደገምኩ ከም ዘይብጻሕ የሎን ሳልሳይ ክፍሊ በጺሐ። ኣቦይ ትምህርቲ ክፈቱ ንበይኑ እዩ ነይሩ። ‘ኣታ ቈልዓ ተስእ ኣጽንዕ!’ ክብለኒ ከሎ ኣይግዳደይ ድማ፡ “ዝጽናዕ ዘይሃቡና፡’ እናበልኩ በጥ ኢለ አርፍድ ነይረ። ይገርመካ እዩ ሰሌ፡ እዛ ድቃስ ከም ገለ እያ ትገብረኒ። ‘ኣዞም በዓል ወዲ እከለ ደኣ ስለምንታይ ንግሆ ተሲኦም የጽንዑ ኣለዉ?’ ኢሉ ከዋጥረኒ ከሎ ድማ፡ ‘ኣንድዒ፡ ዘየጽንዑዎ ይደግሙ ይህልዉ፡’ እብሎ ነይረ። ናይ ትምህርቲ ኣምር ይርድኣኒ ስለ ዘይነበረ ጣጣ ዝብሃል ኣይነበረንን።”
ሰለሙን ብዘረባኡ ካርካር ብምስሓቕ፡ “ዘረባኻ ንሓደ ብዘይካ ኵዕሶ ካልእ ሕማም ዘይነበሮ መስሓቕ ወዲ ገዛውትና ኣዘኪሩኒ። ኣብ ሳልሳይ ክፍሊ ንኽበጽሕ ሽዱሽተ ዓመት ወሲዱሉ። ናይ ገለ ሰብ ኣፈጣጥራ’ኳ ንበይኑ እዩ፡” ድሕሪ ምባል ዘረባኡ ክቕጽል ተጸበዮ።
“ሽዑ ነቶም መታን ንፉዓት ክብሃሉ ብዓውታ፡ ‘መንግስቲ እንስሳ ኣብ ክንደይ ጕጅለ ይኽፈሉ? ኣብ ክልተ ንሳቶም ከኣ ዓጻማትን ዘይዓጻማትን. . .’ እናበሉ ኣብ ግዜ ጥዑም ድቃሰይ ዝህውኹኒ ዝነበሩ ደቂ ገዛውተይ ተሲእካ ኣልፍዓዮም እዩ ዝመጽኣኒ ነይሩ። ትምህርቲ ፈጺሙ ይርድኣኒ ስለ ዘይነበረ ካብ ኣብ ትምህርቲ ዝውዕሎ፡ ክሕንብስ፡ ብማንቲግ ጨራሩ ክሃድን፡ ኵዕሶ ወይ ያህለል ክጻወት ዘሕልፎ ዝነበርኩ ግዜ ይበዝሕ ነይሩ። ደሓር ከኣ ሓቂ ዘረባ በዅሪ ገዛ ስለ ዝነበርኩ ኣደይ ከም ሕሱም’ያ ተሕንቅቐኒ ነይራ።”
ዕላል ብርሃነ ንሰለሙን ግዜ ቍልዕነቱ ስለ ዘዘከሮ ኣብ ትዝታ ጠሓለ። ምስ ሃብቶም ዓርኩ ባሊቃ ክኣርዩ፡ ዓካት ክሕምብቡ፡ ሳልባቲን ኩባዕን ክጻወቱ ዘሕለፉዎ ግዜ ክም ስእሊ ተራእዮ። ብርሃነ ሕማቕ መንገዲ ስለ ዘጋጠሞ ንሓጺር ርሕቀት ትም ኢሉ ተጓዕዘ። ሰለሙን ግን በቲ ዕላል ስለ ዝተመሰጠ፡ “ኣብ መወዳእታኸ ትምህርቲ ብኸመይ ኣቋሪጽካዮ፡” ክብል ተወከሶ።
“ሰብኣይ ተመሃር ኢሉ ምዃን ኣብዩዎ። መታን ክመሃር ኢሉ ብብዙሕ ነገር ፈቲኑኒ ተስፋ ምስ ኣቝረጽኩዎ፡ ‘በል ድኻም ይሕሸኒ እንተ’ልካስ ንዓ ምሳይ ስራሕ፡’ ኢሉ ምስኡ ከም ኣይታንቲ ከመላልሰኒ ጀሚሩ። ኣይተረድኦን’ምበር ሕማመይ ንሱ እዩ ነይሩ። ኣብ ህይወተይ ብዘይካ ዓባይ መኪና ምዝዋር ካልእ ባህጊ ኣይነበረንን። ዓበይቲ ሰብኡት ብሓደ ኢዶም ስቴርሶ ሒዞም ካልኣይ ኢዶም ከኣ ኣብ ኣብ ስፖርቴሎ ደጊፎም መኪና ክዝውሩ ክርእዮም ከለኹ፡ ከምኣቶም ክኸውን ጥራይ’የ ዝምነ ነይረ። ብዝኾነ ምስ ኣቦይ ንሰለስተ ዓመታት ኣቢለ ምስ ተመላለስኩ ዘይተጻዕነት መኪና ክዝውር ክኢለ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመተይ፡ ኣይትሙተኒ ኣቦይ ሳልስቲ ሕምም ኢሉ ሞይቱ። ድሕሪ ኣቦኻ ሞት ግደኻ ኮይኑ መኪና ባዕለይ ሒዘያ ንተሰነይ ክመላለስ ጀሚረ። ሽዑ መታሕት ክብሃል ከሎ ከምዚ ሎሚ ብሰንኪ ጦርሰራዊት ከይባደመ ከሎ ማእለያ ዘይብሉ ሽሻይን መዓት ስራሕን’ዩ ነይሩዎ። መሸላ ዲኻ ክትብል ስምስም፡ ላኻ፡ በብዓይነቱ ፍሩታታት፡ ኮታ ዝመረጽካዮ ኢኻ ትጽዕን። መሬት ለምዒ ስለ ዝነበረ ጤለበጊዕ በሎ ከብቲ ኣብ ዝሓለፍካዮ ዓዲ ዳርጋ ብዋጋ ቈርበተን ኢና ንዕድገን ኔርና።
“ኣብዚ ዝብለካ ዘለኹ መስመር ንገለ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ተጐዓዝኩ ቀዋሚ ጽዕነት ስለ ዝረኸብኩ ካብ ከረን ነፍዓበት ክመላለስ ጀሚረ። እቲ ስራሕ ፈተየዮ ክነሰይ ግን ብሰንኪ ምስ ጀብሃ ዘጋጠመኒ ምጕንፋጥ መስመር ክቕይር ተገዲደ፡” ኢሉ ጽርግያ ዝሰግራ ዝነበራ ጤለብጊዕ ክእለያሉ ጥሩምባ እናነፍሐ ዋሕዚ ነዳዲ ነከየ። ሰንቢደን ንየማነ ጸጋም ፋሕ ምስ በላሉ፡ ከም ብሓድሽ ከቢድ ማርሻ ኣእትዩ ጕዕዞኡ ብምቕጻል ዕቅብ ዝበለ መንገዲ ሓዘ።
ሰለሙን በቲ ብርሃነ ዝጀመሮ ዕላል ክቕጽል ስለ ዝደለዮ፡ “ምስ ጀብሃ ደኣ እንታይ ኣራኺቡካ?” ዝብል ሕቶ ኣስዓበሉ።
“ነገር ጀብሃ እንተ’ልዒልና ነዊሕ’ዩ ታሪኹ ሰሌ። ዘረባ ከየንውሓልካ ካልእና እንተዕለልና ይሓይሽ።”
“እንታይ ኴንካ’ታ ብርሃነ? ወሸለ ዕላል ተረኺቡ!”
“በል ካብ በልካስ ጸገም የሎን። ደብረብርሃን ክሳብ ንኣቱ ጕጅም ንበል፡” ኢሉ ቅድሚ ኣስታት ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዘጋጠሞ ዛንታ ኣብ ምዝርዛር ኣተወ።
“ኣብ ስሳን ሽዱሽተን ኣቢሉ፡ ነፍዓበት እናተመላለስኩ ከለኹ ሓደ መዓልቲ ኣብ ግዝግዛ ዝብሃል ቦታ ክበጽሕ መኪና ትባላሸውኒ’ሞ፡ ክሳብ ዘዕርያ ኣብቲ ቦታ ሳልስቲ ስለ ዝገበርኩ ምስ በዓል ሼኽ ኣድም ዝበሃሉ ደቂ’ቲ ዓዲ እላለየልካ። ካብ ከረን መካኒክን መቀያየሪ ኣቕሓን ሒዘ ብምምጻእ መኪና ከም ትዕረ ገይረያ። ኣብ ምላሸይ ናይታ መኪና ዝሓለዉለይ ሰናይ ተግባሮም ቡን፡ ሽኮር ተምሪ ተማሊአሎም። ብኸምዚ ዕርክነትና ደልዲሉ ኣኺሉና ቤትሰብ ዓይነት ኴንና። ኣብቲ ፈለማ ብገንዘቦም ካብ ከረን ቡን፡ ሽኾርን ሩዝን መሳሊ ዓድገልና ይብሉኒ ነይሮም። ቍሩብ ጽንሕ ኢሎም ንጀብሃ ምዃኑ ከይሓበሩኒ ናብ ከረንን ናብ ኣስመራን ዝበጽሕ ደብዳቤታት ክህቡኒ ጀሚሮም። ኣነ ድማ ዝፈልጦ ነገር ስለ ዘይነበረኒ ንህይወተይ ከይሰጋእኩ አብጽሖ፡ መልሲ ሒዘ ድማ እምለስ ነይረ። ኣብ መወዳእታ፡ ሓደ ጽቡቕ ዝቐርበኒ ዝነበረ ወዲ ዓዲ፡ ‘ሼኽ ኣድም ለጅና እዩ’ኮ’ ምስ በለኒ እቲ ጕዳይ ከተሓሳስበኒ ጀሚሩ። ‘እዚኣቶም’ኳ ብሽማግለታቶም፡ ምስ ድኽነቶም ንህይወቶም ከይፈርሑ ንገድሊ እናሰርሑስ በዓል ኣነ ኸኣ ጥዑም እናበላዕና ጥዑም እናሰተና ክንዲ ፍረ ጣፍ ዘይነበርክት!’ ኢለ ነዛ ነፍሰይ ካን ንዕቕ ኣቢለያ። ሽዑሽዑ ምስ ሼኽ ኣድም ብምዝራብ ድማ ተወዲበስ ኢሽትራክ ክኸፍል ጀሚረ። ንበዓል ሼኽ ኣድም ከኣ ቡኖም ዘሎ ሽኮሮም፡ ተምሮም ኮታ የድልዮም ዝብሃል ኣስቤዛ ክኽእሎም ጀሚረ፡” ኢሉ ኣብ ጥውይዋይ ዝበዝሖ መንገዲ ስለ ዝበጽሐ ልጓም ኣብ ምሓዝን መሪሕ መኪና ኣብ ምቍጽጻርን ተጸምደ።
“እወ፡ ህ፡” እናበለ ጐድኑ ናብ ጸጋም ኣዚሩ ዝሰምዕ ዝነበረ ሰለሙን ነቲ ጥዑም ዕላል ክቕጽለሉ ብዓቕሊ ተጸበዮ።
“ኣብ መበል ታሽዓይ ወርሒ፡ ካብ ኣፍዓበት ንከረን እናተመለስኩ ከለኹ ሓደ ሓምድ ዝብሃል ደልዳላ፡ ኣዒንቱ ድቕቕ ኢለን ቃይድ ፈሲላ፡ ሳልሳይ ርእሱ ብምዃን ካብ ሓንቲ ቈጥቋጥ ውጽእ ኢሉ ደው የብለኒ። ቅድሚኡ ተጋደልቲ ርእየ ስለ ዘይፈልጥ ብታሕጓስ ነጢረ እወርደልካ። ሽዑ ተጋደልቲ ከምዚ ሎሚ ብዙሓት ስለ ዘይነበሩ ልክዕ ከምዞም ሕቡኣን ኮይኖም እዮም ዝስምዑና ነይሮም። ‘ንመዓልቲ ሓንቲ ከኒና እናወሓጡ ንመዓልታት ከይበልዑ ይጸንሑ፡ ክድቅሱ ከለዉ ድማ ሓንቲ ዓይኖም የዕምቱዋ በታ ሓንቲ ድማ ሓለዋ የካይዱ። እቲ ዝዓጥቁዎ ብረት ከኣ ቺኪ ዝብሃል ድምጺ ዘይብሉ ኮይኑ ፈጺሙ ኣይስሕትን’ዩ፡’ ዝብል ቀልብካ ዝሰርቕ ዕላላት እሰምዕ ስለ ዝነበርኩ ርእይ ምስ ኣበልኩዎም ካን ሃነን ኢለ። በንጻሩ ግን ዘይተጸበኹዎ ናጤባ ወሪዱኒ። ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይ መርገም ኣይ ምርቓ ከም ዝብሃል፡ ሓውካ ገድሊ ረኺበ ኢለ ሰላም ክብሎ ቅርብ እንተ በልኩ፡ ‘መርሓባ፡’ ኢሉ ተተፍኒኑ ብቓል ጥራይ ‘ሰለማት፡’ ይብለኒ’ሞ፡ ሓንቲ ብዓረብኛ ዝተጻሕፈት ጭራም ወረቐት እናኣቐበለኒ፡ ብዓረብኛ ክዛረበኒ ይጅምር። እሰምዖ ከም ዘየለኹ ምስ ተረድኦ፡ ‘ሕጂ ሄኒ ብቁልጡፍ ኢሽትራክ ናይ ጀብሀት ትደፍዕ። ሽቑል ሃሎና፡ ያላ ሽፈገና!’ ይብለኒ ገጹ ኣሲሩ።
“ኣዘራርባኡን ኣጠማምታኡን ከምዚ ናይ ጀብሃ ገባርን ሓዳግን’ዩ ዝመስል ነይሩ። ኣብ ክንደይታ ቍመቱ ተጸዊጉ ምዝራቡን ትዕቢቱን ቅጭ’ኳ እንተ ኣምጽኣለይ፡ ኣብ ገድሊ ኣስተዋጽኦ ክገብር ባህጊ ስለ ዝነበረኒ ከፊለ’የ ኢለ ክግበዝ ኣይደለኹን፡ ‘ንገድልና ዘይከፈልና ደኣ ንመን ክንከፍል፡’ ኢለ ሓበን እናተሰምዓኒ ሚእቲ ቅርሺ መዚዘ ሂበዮ። ሓምድ ገጹ ትኪ ክኽደን ምስ ረኣኹዎ ግን ነገሩ ምርዳእ ኣብዩኒ። ብውሽጠይ፡ ‘እዚ ሰብዚ እምበርዶ ጥዑይ’ዩ? እንታይ ረኺቡዎ እዩ ክንድዚ ምጽውዋግ?’ እናበልኩ ከለኹ፡ ‘ያላ! ጠዋሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ቅርሺ ተምጢእ! ኣወል ንስካ በዲ ብዱሕ ግደ ከምሰል ትመጢእ ንኣምር። ላኪን ንጀብሀት ኢሽትራክ ደፊዕካ ኣይትፈልጥኒ። ኣዘ ላኪን ለኽበጣ ይሃላኒ። ሓምስ ምእት ትደፍዕ ኣው ትትኣሰር። ታዕባን ዋሕድ!’ ኢሉ ኣጕባዕብዓለይ።
“ዘረባኡ ዝኾነ ኣርሚሙኒ ብሕርቃን ቈለጭ ኢለ። ሓሙሽተ ሚእቲ ኣብቲ ግዜቲ ቀሊል ነገር ኣይኮነን ካሮ ሚዮ! ዋጋ ክልተ ስታንዛ ገዛ እዩ። ሕራይ ንሃገርካ ህይወትካ’ውን ይኽፈል’ዩ። እቲ ንዓይ ዘሕረቐኒ ግን ንበዓል ሼኽ ኣድም ወርሓዊ ሓምሳ ቕርሺ እናኸፈልኩ ከለኹ ዝፈለጠ ዘይብሉ ከፊልካ ኣይትፈልጥን ብምባል ብዊንታኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ክፈል ምስ በለኒ እዩ። ብትሕትና ከይከውን ድማ ትዕቢትን ጸርፍን ብዝተሓወሶ መንፈስ። ብዝኾነ፡ ምስ በዓል ሼኽ ኣድም ክሳብ ዝራኸብ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ስለ ዘይነበረኒ ክቀባጠር ብምምራጽ፡ ‘ኣነ ጀብሃ ዝኣዘዘትኒ ዘበለ ኵሉ ፈጺመ ዝኸይድ ሰብ’የ። ብዛዕባ ኢሽትራክ ዝመጽአ ድማ ወርሓዊ ሓምሻ ቕርሺ ከም ዝኸፍል ንበዓል ሼኽ ኣድም ሓቲትካ ክተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ፡’ ኢለዮ ትሕትና ብዝመልኦ ኣዘራርባ። ‘ጠይብ ፋቱረትካ ኣበይ ሃሎ?’ ኢሉ ይሓተኒ ዓይኒ ኣጨምጪሙ ከይሓፈረ። ኣነ ድማ ክረስን ብምጅማር፡ ‘ኣታ ሓውና፡ ንከተማ እናኣተኹ ፋቱራ ናይ ጀብሃ ክሕዝ ትጽበየኒ? ኣልዕል ኣቢለ እኸፍል’የ ክብለካ ከም ዘይክእል ፍለጥ፡” እንተ በልኩዎ፡ ‘ለኽባጥ ዋሕድ! ናይ ጀብሀት ለጅና ሰረቂት ትብሎም ህሌካ?’ ኢሉ ከፋጥጠለይ ጀሚሩ።
“ብኡነት እብለካ’ለኹ በዓል ሼኽ ኣድም ደቂ ኣዝግሄር’ዮም፡ ከም ዘየጠፋፍኡ ብህይወተይ ምሓለፍኩሎም። ፐርኬ ንጀብሃ ከይጠልሙ ኣብ ቍርኣን ጠቒዖም ዝመሓሉ ሰባት ምዃኖም ወረ ኣሎኒ። ሓምድ ዓቕለይ ምስ ኣጽበበለይ፡ ‘እሞ ግድነት ክፈል ትብል እንተዄንካ ደሓን እኸፍል ናብ መን ከይዱኒ። ግን ሰሙን ግዜ ክትህበኒ ኢኻ፡’ ኢለዮ። ክኸፍል ዘይኮንኩ ግን ናብ በዓል ሼኽ ኣድም ጠሪዐ ከረኻኽበሉ እየ ካብ ዝብል ሓሳብ’የ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ተግባራት ሓምድ ክቃላዕ ደለየዮ። ምኽንያቱ ሓደ ንህዝቢ ሓራ ከውጽእ’የ ዝብል ሰብ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ዝጽፍም እንተኾይኑ፡ እቲ ቃልሲ ንባዕሉ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ብውሽጠይ ከቃልዖ ኣለኒ እብል ነይረ። እዚ ቀትሪ ካብ ገዛ ክንብገስ ከለና ዝረኣኻዮ ሓወይ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ’ዩ ምሳይ ዝመላለስ ነይሩ። ሕጂ ኣነ ምስኡ እናተኻታዕኩ ከለኹ፡ ኣነን ሓጺሩኒ እብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ ኮይኑ’ቲ ነገር፡ ከይረኣኹዎ ሰላሕ ኢሉ ኣብ ጋቢና ይድይብ’ሞ ኣብ ካሴታ ዝነበረ ሰለስተ ሚእቲ ቕርሺ ንሓምድ ይምጥዎ። ናይ ጀብሃ ዕላላት ይሰምዕ ስለ ዝነበረ፡ ‘ኣያይ ብከንቱ ከጥፍኣና’ዩ፡’ ኢሉ ከም ሕሱም’ዩ ርዒዱ ናይ ቈልዓ ነገር። ሽዑ ነቲ ቈልዓ ክቐትሎ ኣይጸላእኩን። ሓንቲ ነገር ክገብር ስለ ዘይክእል ግን ብውሽጠይ ሕርር ኢለ ጥራይ ተሪፈ። ሓምድ’ሞ ሓመድ ይብላዕ ዝዛረቦ ኣይፈልጥን፡ ክጽለል ቍሩብ ተሪፉዎ።
ሽዑ፡ “ያ. . ሰ. . ላ. .ም. .! ንጀብሀት ትቀሽስ ጀሚርካ? ተማም! የምክን ጃሱስ እንታ፡’ ኢሉ ነቶም ብጾቱ ጋቢና ክፍትሹ ኣዚዙዎም። በጋጣሚ ብዘይካ ናይ ጽዕነት ወረቃቕትን ቀንጠመንጥን ካልእ ነገር ኣይረኸቡን። ሰብነተይ ፈቲሾም’ውን ብዘይካ ሓምሳ ቕርሽን ገለ ሽሩፋትን ካልእ ኣይረኸቡለይን። ብድሕሪኡ ሓምድ ካብ መኪናይ ኣርሕቕ ኣቢሉ፡ ኣብ እግሪ ሓንቲ ኦም ንርብዒ ሰዓት ብሕቶ ኣዋጢሩኒ። ኣብ መወዳእታ ሽጉጡ እናወጣወጠ፡ ‘ኣዘ ጠዋሊ ትገይስ፡ ካልእ ዶል እንሰር ሓቆ መጤካ ትቀተልቱ። ወሓር ሄኒ ሓንቲ ነገር ትዳረብ፡ ወላሂ ኣክር ኣዱንያ ምንትገይስ ከማን ሓምድ ኣይኮንኩን ድሕሪ ኣይቀተልኮካን። መንዑል’ ኢሉ ኣፈሙዝ ናይ ሽጕጡ ኣብ ዝባነይ ብምትካል ደፊኡ ሓዲጉኒ። ብረት ስለ ዝሓዘ እዩ’ምበር ሓደ ጭፍሉቕ እዩ’ኮ ነይሩ። ንሰብኣይ ኣምላኽ ከምኡ ገይሩ ከጋፍዕ ከሎ ግን ሕልና ዘይብሉ ሰብ ምዃኑ እዩ ዘረድኣካ። ጃህራ ኣየቕይሕን’ዩ ሰሌ፡ ኣብ ህይወተይ ከም ሽዑ መዓልቲ ተዳሂለ ኣይፈልጥን። ፍርሕን ሕርቃንን ተደራሪቡኒ ኣብ መኪና ደዪበ፡ ሞቶረ ኣልዒለ ክሳዕ ዝብገስ ቀልበይ ኣይፈልጥን ነይረ እንተ በልኩኻ ምግናን ኣይኮነን። ኣልባበይ’ንድዩ ጠፊኡኒ! ሰብኣይ ክፈርሕ ከሎ ኣየርእኻ እዩ ሰሌ! ሽዑ ምስ ሰንበድኩ መስመር ከረን ኣፍዓበት እንታይ ኣምሲለ ክቕልቀላ። መኪና ኣብ ጋራጅ ኣእትየ፡ ንገለ ሰሙን ዝኣክል ኣብ ኣስመራ በጥ ኢለ ድሕሪ ምቕናይ ጀብሃ ኣብ ዘይትረኽበኒ መስመር ብምቕያር ዝበዝሕ ካብ ኣስመራ ንጎንደር ክመላለስ ጀሚረ።
“ኣብ መበል ካልኣይ ወርሒ ሰዓት ዓሰርተ ቅድሚ ቀትሪ ኣቢሉ፡ ጽዕነት ከጣይቕ ኣብ ከባቢ ፒያሳ ሚኪኤለ ዘወር እናበልኩ ከለኹ፡ ሓደ ኣብ ከረን ዝፈልጦ ቢለነታይ ኣውቲስታ፡ ‘ደልየካ’ለኹ ብርሂን፡’ ኢሉ ናብ ባር ኦርየንተ ሒዙኒ ይኣቱ’ሞ፡ ‘ጀብሃ ብህጹጽ ትደልየካ ስለ ዘላ ቀልጢፍካ ናብ በዓል ሼኽ ኣድም ከም ትመጽእ ግበር፡’ ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘት ደብዳቤ ይህበኒ። ኣብቲ እዋን’ቲ ካብ ጀብሃ ክትሕባእ ወይ ክተምልጥ ምፍታን ምድርን ሰማይን ክላገብ ይቐልል። ‘ነገር ዝኸረረት’ያ ትመስል። በዓል ሼኽ ኣድም ቅኑዓት ሰባት ስለ ዝኾኑ ግን ኣሕሊፎም ኣይህቡንን ይኾኑ’ እናበልኩ ዝረኸብኩዎ ጽዕነት ሒዘ ኣብ ሳልስቱ ነፍዓበት ተበጊሰ። ከም ዝፈራሕኩዎ ግን ኣይነበረን። ሼኽ ኣድምን ብጾቱን ምስ ረኸብኩዎም፡ ‘ባርህ ወልና ኣሰናይ ወደሓን መጸእካ፡” ኢሎም ብሓጐስ ተቐቢሎምኒ። መእተዊ ገዛ ክኾነኒ ቡን፡ ሽኮር፡ ተምሪ ተማሊአሎም ስለ ዝነበርኩ፡ ብዙሕ ከይሰጋእኩ፡ ‘እንታይ ሽግር ደኣ ተረኺቡ?’ እንተ በልኩዎም፡ ‘ባርህ ወልና ሳምሓና፡ እሊ ሓምድ ልቡሉ ቃይድ ፈሲለት ሳክት ኣምበል ሽቑሉ እንደ እትዩ ረብሸት ወድዩ። ወላሂ ሽቑል ናይካ ቅያዳ ከማን ተኣምሮ። ወእግል ሓምድ ኢሽትራክ ከምሰል ትደፍዕ ነጊርናሁ፡ ጌጋ ከም ወድዩ ከማን ነጊርናሁ። ሁቱ ሄኒ ኣይፈሊጥኮን ሳምሑኒ ኢሉ። ወኣዘ መሽክለት ይሃላኒ ከም በዲርካ ሽቐ። እግልና ርአ ይሀው! ምስል መን ትሓድገና? ረቢ ፍራሕ!’ ኢሎም ኣብ ብርከይ ወዲቖምኒ።
“ኣነ ድማ በቲ ሓደ እቲ ስራሕ ከይዕንቀፎም ፈሪሖም ከምኡ ይብሉ ከም ዘለዉ ተረዲእኒ፡ በቲ ካልእ ድማ እንተ ኣብየ ሓምድ ዳግማይ ክጻብኣኒ እዩ ዝብል ስግኣት ስለ ዝሓደረኒ እናፈራሕኩ ሕራይ ኢለዮም። ኣብ ካልኣይ ቪያጆ ካብ ኣፍዓበት ክምለስ ከለኹ ምስ ሓምድ ኣራኺቦም ዓሪቖምና። ካብኡ ንንየው ግደፎ ትኽ ትንፋስ ኣዕሩኽ ኴንና። ርክበይ ከኣ ምስኡ ጥራይ ኮይኑ። ንበዓል ሼኽ ኣድም ግን ኣይጠለምኩዎምን፡ እተን ዘልመድኩዎም ኣስቤዛ ኣየብኰርኩሎምን። ሽዑ እቲ ግዜ ደሓን’ዩ ከምዚ ሎሚ ተሪር ቍጽጽር ስለ ዘይነበረ ዝተለኣኹዎ እየ ዝፍጽም ነይረ። ሕሉፍ ሓሊፈ ካላሽን፡ ቦምባማኖን ጠያይትን ከይተረፈ ኣብ ቢሮብ ሓቢአ ብዘይ ገለ ጸገም ነስመራ ከእተዎ ከለኹ፡ ብፍሉይ ስራሕ ነስመራ ዝኸዱ ተጋደልቲ ክርከቡ ከለዉ ድማ ኣይታንቲ ኣምሲለ እማልኦም ነይረ። ቡስጣታት’ሞ ግደፎ፡ ኣዲኡ ትቝጸሮ መወዳእታ ኣይነበሮን።
ይቕጽል
መበል 57 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 6 ግንቦት