ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል
መበል 47 ክፋል
ሰንበት ንግሆ ከምቲ ልሙድ ጸሓይ ድሙቕ ብርሃና ሰዲዳ ነበረት። ሰለሙን ንሮዛ ካብ ቤተክርስትያን ሒዙዋ ናብ ገዛ እናተመልሰ፡ ካብ ባር ኦመድላ ምስ ሓለፈ ንጥላሁን ብማዕዶ ኣስተውዓለሉ። ኣብ ጥቓኡ ምስ ቀረበ መኪና ደው ኣቢሉ፡ “እሂ’ታ ጥላሁን፡ ከመይ ሓዲርካ?” በሎ።
ጥላሁን ናብኣቶም ገጹ ብቐስታ ብምስጓም፡ “ኣምላኽ ይመስገን፡ ከመይ ኣርፊድኩም?” ድሕሪ ምባል፡ “በየን ገጽኩም ኢኹም ደኣ? ካብ ቤተክርስትያን ኢኹም ትኾኑ ተረዲኡኒ ኣሎ። ብዝኾነ ወ/ሮ ሮዛ ሎሚ ይቕሬታ ግበርለይ ሓደ ነገር ክልምነኪ እየ፡” በላ በተን ስሙራት ኣስናኑ እናሰሓቐ።
ኣብ ጕዳይ ወርቂ ንዓኣ ሓራ ንምግባር ዝተጻወቶ ተራ ብቐሊል ስለ ዘይትጥምቶ፡ “ዝኽእሎ ጥራይ ይኹን ኣቶ ጥላሁን፡” ክትብል መለሰትሉ።
“በሊ ኣብ ዝርዝር ከይኣተኹ ሰሌ መቋርስርቲ ክኾነኒ ምሳይ ክኸይድ’ዩ። ናይ ነጨበረር ነገር ዝጠፍኣኪ ኣይመስለንን።”
“ንሱ ደኣ ኣብ ገዛይ’የ ዝቘርስ ኢሉ ከይኣብየካ’ምበር ብወገነይስ ናጻ ኢለዮ ኣለኹ፡” ኢላ ናብ ሰብኣያ ጠመተት።
“ኣንስቲ ሎም ዘበን ሓያላት ኢኽን። ምሸት ክንራኸብ ከለና፡ “ሮዛ በይና ከይትኸውን፡” እናበለ ሓዲጉኒ ናባኺ እዩ ዝግስግስ።”
“ኣየ ጋሼ ጥላሁን፡ ከምኡ እንተ ዝኾነለይ’ሞ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ። ካልእ ይትረፍ ሰጥ ኢሉ ናብ ቤተርክርስትያን ከም ዝኸይድ ምገበርኩዎ ነይረ። መን ይፈልጥ እንተ ሰምዓኩም ግዳ ናብ ልቡ ዘይትመልሱዎ፡” ክትብል ተዋዝያቶ ካብ መኪና ወሪዳ ናብ ገዛኣ እናምርሐት።
ሰለሙን ንገዛእ ርእሱ ምስ ጥላሁን ከዕልሎ ዝደሊ ነገር ስለ ዝነበሮ ነቲ ኣጋጣሚ ኣይጸልኦን። “ንኺድ በል፡ ናበይ ገጽና ኢና? ናብ ኣራት ኪሎዶ ንኺድ?” ኢሉ ኣብ መኪና ክኣቱ ተጸበዮ።
“ብመኪናይ ኢና ንኸይድ፡” ስለ ዝበሎ ግን ተተሓሒዞም ኣብታ ደባን ፐይጆ ናይ ጥላሁን ብምድያብ ናብ ተክለሃይማኖት ገጾም ኣምርሑ።
ድሕሪ ናይ ርብዒ ሰዓት ጕዕዞ ካብ ቀንዲ ጽርግያ ተኣልዮም ብምውጻእ ቅድም ንየማን፡ ደሓር ድማ ንጸጋም ገጾም ተዓጽፉ። ኣብ ሓደ ብጸበብቲ መንገድታት ዝቈራረጽ ቦታ ምስ በጽሑ፡ መኪና ኣብ ሓደ ኵርናዕ ደው ኣቢሎም እናወረዱ ከለዉ፡ ክልተ መንጠልጥሎ ዘለዎ ስረታት ዝተኸድኑ ትርንዕ ዝበሉ ደቂ ሸውዓተ ዓመት ዝኾኑ ቈልዑ፡ “ጋሼ ጥላሁን መጣ፡ የዳቦ ሳንቲም ሊሰጠን ነው፡” እናበሉ ናብኣቶም ብምጕያይ ብክልቲኡ ጐድኑ ብምዃን በእዳዉ ሓዙዎ።
ጥላሁን ኢዱ ናብ ጁባኡ ሰዲዱ ሐሕርካሞም ድሕሪ ምሃብ፡ “ጐሽ ልጆች! ኣሁን እንግዲህ መኪናውን ጠብቁ፡” ኢሉ ምስ ኣፋነዎም፡ ነቲ ጐሓፍ ዝተዀመሮ ረሳሕ ቦታ ከባቢ ሓሊፎም ኣብ መሬት ረፋዕ ኢሎም ዝጻወቱ ዝነበሩ ጃዕባባት ቈልዑን፡ ባለ ፊልተሩ ኪንግ ሳይዝ ኒያላ ኣጭሱ ዝብል ጽሑፍ ዝተለጠፋ ነቀይ ነቀይ እትብል ክዮስክን ንጐድኖም ገዲፎም ኣብ ሓንቲ ብማዕዶ ክትርእያ ከለኻ ባር ክትብላ እተጸግም፡ ‘ዘለኣለም ደስታ ቡናቤት’ ዝብል ጽሑፍ ዝነበራ ባር ኣተዉ። ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ንዝጸንሑዎም ሕብራ ዝሃሰሰ ባርኔጣ ዝነበረቶም፡ ምስ ሓደ ሕጽር ኢሉ ካልኣዮም ኣረቂ ክሰትዩ ዝጸንሑዎም ሽምግል ዝበሉ ጽሙእ ሰብኣይ ሓሊፎም ድማ ናብ ካልኣይ ክፍሊ ቀጸሉ።
ኣብኡ ዝጸንሐት ውቅጥቲ ክሳድ ብምዉቕ ሰላምታ ምስ ተቐበለቶም፡ “እተዉ፡” ኢላ መሪሓቶም ናብ ሓንቲ እርግ ዝበለ ሶፋ ዝነበራ ውሻጠ እትመስል ጸባብ ክፍሊ ኣተወት። ኣብራኾም ምስ ሰበሩ፡ “ምን ልታዘዝ ወንድም ጋሼ?” በለቶ ንጥላሁን ነተን ከም ኣጅቦ ዝጻዕደዋ ስሙራት ኣስናናን ብኽምስታ እናጋልሀት።
“የኔ ኣለም ዊስኪ ክትህብና ኢኺ። ቅድም ግን ድኻምኪ ከይጸብጸብኪ ከምታ ናይ ብቐደማይ ጥዕምቲ ቍርሲ እንተ ትገብርልና ጽቡቕ ነይሩ።”
“እሺ ታዛዥ ነኝ የኔ ጌታ፡” ኢላ ገጻ ብምግልባጥ ሓዲጋቶም ናብቲ ኣብ ፊቶም ዝነበረ ብግቡእ ዘይተሰርሐ ክሽነ ሰጐመት።
ቍርሲ ክሳብ ዝቐርበሎም ኣብታ ሕብሪ መንደቓ ምፍላዩ ክሳዕ ዘጸግም ብዝተፈላለየ ካብ መጽሔታት ዝተቐደደ፡ ገለ ክፋል ሰብነተን ጥራይ ዝተኸድና ጽቡቓት ደቂሄዋን ኣሳእል፡ ምስሊ መላእኽትን ኣብ ነንሓድሕዱ ብዝጋጮ ጥቕስታትን ተሰሊማ ዝነበረት ክፍሊ ዕላል ጀመሩ። “ጥላሁን ኣብ ዘይትኣትዎ የብልካን። ነዚ ቦታዚ ከመይ ኢልካ ረኸብካዮ?” ክብል ተወከሶ ኣብ ቅድሚኡ ናብ ዝነበረት፡ “ፍቅር ኣበባ ነው ጋብቻ ፍሬ ነው፡” እትብል ጥቕሲ እናጠመተ።
“ኣብ ኣዲስኣበባ ዓብየ ነዚ ቦታዚ ክፈልጥ እንተ ዘይክኢለ’ሞ ኸኣ ወዲ እዲስኣበባ ኣይኮንኩን ማለት’ዩ። ምናልባሽ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ድኻታት ዞባ ገጽካ ተዛዊርካ ስለ ዘይትፈልጥ ግን ክገርመካ ይኽእል’ዩ። ወዲሰብ ነዛ እንነብረላ ዓለም ክቕይራ እንተኾይኑ መጀመርያ ውሽጣ ክፈልጣ ከም ዘለዎ ተረዳእ።”
“ናብ ከምዚ ዓይነት ቦታ ዘይመጽአ ሰብ ንዓለም ክፈልጣ ኣይክእልን’ዩ ክትብል ዝደለኻ ኴንካ ተሰሚዑኒ።”
“ሰሌ፡ ኣይትሓዘለይ’ምበር ወላ እንተ ፈለጥካያ ከፊላዊ ፍልጠት ጥራይ ስለ ዝኸውን እወ ዝብል መልሲ እየ ክህበካ። ምኽንያቱ ሕብረተሰብና ተስዓ ካብ ሚእቲ ርሂጸበላዕ’ዩ። ነዚ ክተበራብሮ እንተዄንካ ድማ ሃንቀውታኡ፡ ስምዒቱ፡ ሽግሩ፡ ባህጉ፡ ኣተሓሳስባኡን ተስፋኡን ክተጽንዖ ኣለካ። ነዚ ድማ ካብ መጽሓፍ ወይ ካብ ጋዜጣ ዘይኮነ ኣብ ቦታኡ ብምኻድን ንዑኡ ብምምሳልን ኢኻ ክትረኽቦ ትኽእል። መብዛሕትኦም ፖለቲከኛታት ግን ከምኡ ኣይገብሩን’ዮም፡ ምኽንያቱ ነቲ ህዝቢ ዘይኮነ ነቲ ገዛኢ ደርቢ’ዮም ዝውክሉ። ንዅሉ ነገር ድማ ካብ መጽሓፍን ካልእ ሰብ ካብ ዝቐረበሎም ጸባጻብን’ዮም ዝደልዩዎ። ብሓጺሩ ኣብ ክንዲ ጭቡጥ ነገር፡ ክልሰሓሳብን ፕሮፓጋንዳን የብዝሑ። ንሱ እዩ ኸኣ እቲ ዝዓበየ ጌጋ።”
“ስለዚ ነዞም ጽቑጣት ደርብታት ኣብዚ ቦታዚ ትረኽቦምን ተጽንዖምን ኔርካ ማለትዩ፡” ብምባል ዳግማይ ሕቶ ኣቕረበሉ ሰለሙን።
“ኣብዚ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዝነብሩሉ ሻውላት’ውን እረኽቦም ነይረ። ብሰንኮም ከኣ ነዚ ቦታዚ ክፈልጦ ክኢለ። ኮታ ሓንሳብ ምስ ፈለጥኩዎ ድማ ሓቢርና ዳርጋ ናብ ክለብና ቀዪርናዮ። ቅድሚኡ እዚ ቦታዚ፡ ‘ግባና ቅመሰው ጠጅ ቤት’ እናተባህለ ዝጽዋዕ ፍሉጥ እንዳ ሜስ’ዩ ነይሩ። እዛ ትርእያ ዘለኻ ድማ ገና ጡብ ዘየቐልቀለት ጓል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት’ያ ነይራ። ብድሕሪኡ ግን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ምዃኑ’ዩ ኣደኣ ብሃንደበታዊ ሕማም ምስ ሞታ በብዓቕምና ክንተሓጋገዛ ግድነት ኮይኑ። ‘ዘለኣለም ደስታ ቡናቤት’ ዝብል ስም ኣጠሚቓ ኸኣ ናብዚ ትርእዩ ዘለኻ ባር ቀዪራቶ።
“ንስኻትኩም ዘይትገብሩዎ የብልኩምን። ካበይ መሃዝኩሞኸ እቲ ስም?”
“ስም ምረጹለይ ምስ በለትና ኣርባዕተ ሰባት ኣብዛ ክፍሊ’ዚኣ ኮፍ ኢልና ዘዝመስለና ስም ክንጠቅስ ጀሚርና። ኣብ መወዳእታ ሓደ ካባና፡ ‘ኢትዮጵያ ለሶማልያ ቅንጣት መሬት ኣትሰጥም ቡና ቤት’ መሪጸ ኣለኹ ኢሉ። ከምኡ ዝጽዋዕ ባር ከም ዘሎ ስለ ዝፈለጥና ግን ኣብዚ ናይ ሕጂ ስም ወዲቕና።”
ቍርሲ እናበልዑ ከለዉ፡ “ካብዚ ቦታ ግን ንነዊሕ ግዜ ጠፊእካ ዝነበርካ ኢኻ ትመስል፡” ሓተቶ ሰለሙን ዘልዓሎ እንጌራ ከይኰለሰ።
“ካብ ምንታይ ተበጊስካ ግን ከምኡ ትብል ኣለኻ? እንታይ ክብላ ከም ዝጸናሕኩ ኣይሰማዕካንን ዲኻ?” ክብል ብሕቶ መለሰሉ ጥላሁን።
“ንስኻ ዝበልካያ ደኣ ሰሚዐዮ’ንድየ፡ ጠፊእካ ክትብለካ ስለ ዝሰማዕኩዋ እየ ዝሓተካ ዘለኹ፡” ክብል መለሰሉ።
“ንሱ ደኣ ምናልባሽ ስለ ተፍቅረኒ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ንፍቑራት ሓንቲ ሰዓት እንተኾነት’ውን ነዋሕ ክትኮኖም ትኽእል’ያ።”
“ካብ ትፋለጡ ክንደይ ዓመት ኮይኑኩም ኣሎ?”
“ካብ ንተዓራረኽ ጥራይ ሰለስተ ዓመት ቀሪብና ኣለና። ሌላና ግን ገና ቈልዓ ከላ ድርጋ ቅድሚ ሞት ኣዲኣ እዩ ዝጅመር።”
“ኣየ ጥላሁን! እዚኣ ትመስል ጓል ግን ዋና ባር እናኾነት ከላ ትም ኢልካ ካብ ትርእያ ተመርዒኻያ እንተ ትነብር ምሓሸካ ነይሩ።”
“ክምርዓው እንተ ዘይደለኹኸ?”
“ስለምንታይ’ሞ ክትምርዓው ዘይትደሊ?”
“እንታይ ገዲሹኒኸ ናጻ ሰብ ዘይከውን?”
“ምስኣ ፍቕሪ የብልካንዶ ኾይኑ?”
“ሰሌ ሎሚ ኣይደሓንካን ኢኻ’መስለኒ፡ መርማሪ ፖሊስ’ምበር ኴንካ! ካልእ ዕላል ስኢንካ ዲኻ ብዛዕባ ፍቕሪ ክንድዚ ትመራመር ዘለኻ?”
“ብዛዕባ ፍቕሪ ምክታዕ ደስ ስለ ዝብለኒ’የ።”
“እሞ ደስ ክብለካ ሕቶኻ ዘይምልሰልካ፡” ኢሉ ዝዀለሶ ድሕሪ ምውሓጥ ዘረባኡ ቀጸለ። “ሓቂ ንምዝራብ ሓላፍነት ናይ ሰበይቲ ተሰኪመ ክነብር ከም ዘይክእል ኣዕርየ ስለ ዝፈልጥ ክምርዓው ኣይመረጽኩን። ደሓር ከኣ ቃልኪዳን ክብሃል ከሎ ቀሊል ሓላፍነት ከም ዘይኮነ እፈልጥ’የ። ቃልኪዳን ፍርቂ ናጽነትካ ድሕሪ ምርካብ፡ መሰል መጻምድትኻ እናሓለኻን እናኽበርካን ኣብ ቀይዲ እትኣትወሉ መስርሕ’ዩ። ርግጸኛ’የ ኸኣ ተመርዕየ እንተ ዝነበር ይትረፍ ክልተ ዓመት ክልተ ወርሒ ብሓደ ኣይምጸናሕናን ኔርና። ከምዛ ትርእየና ግን ኣነ ናጻ ንሳ ናጻ፡ ኣነ ሕጕስ ንሳ ሕ ጕስቲ ብምዃን ተመሳጊንና ንኸይድ ኣለና። ካብዚ ሓሊፍካ ብዛዕባ ፍቕሪ እንተ ሓቲትካኒ ግን ኣረጋጊጸ ክዛረብ ዝኽእል ኣይመስለንን። ስለምንታይ እንተ በልካኒ ፍቕሪ ዝብል ቃል ንባዕሉ ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለን ረቂቕን ስለ ዝኾነ፡ ትርጕሙ ብንጹር ይርድኣኒ’ዩ ክብል ኣይክእልን እንተ በልኩኻ ምግናን ኣይኮነን። ብሓጺሩ ኣዳቒቐ ኣብ ዘይፈልጦ ኣርእስቲ ኣትየ ሃለውለው እንተ በልኩ ትርጕም ኣልቦ እዩ ክኸውን።”
ዝዋዘ ዘሎ ጥራይ መሲሉዎ፡ “ክሳብ ሎሚ ፍቕሪ እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን’የ ትብል እንተ’ሊኻ’ሞ ጸወታ’ዩ። ምኽንያቱ ይትረፍ ጥላሁን ትኣክል ምሁር ማንም ሰብ’ዩ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝፈልጥ። ኣነ ግን ብዛዕባ ፍቕሪ ውላድ፡ ፍቕሪ ወላዲ ወይ ፍቕሪ ሃገር ዘይኮነ ኣብ መንጎ ወዲተባዕታይን ጓልኣንስተይትን ክህልው ወይ ከጋጥም ንዝኽእል ፍቕሪ’የ ክሓተካ ጸኒሐ፡” ክብል መለሰሉ ሰለሙን።
“እንታይ ክብለካ እየ’ሞ፡ ሰባት ንፍቕሪ ከም ሓደ በሊሕ ኵናት፡ ሕንዚ፡ እሳተጎመራ፡ መርዚ፡ ጸጋ፡ ገነት እናበሉ በብዝመሰሎም ክትርጕምዎ’የ ዝሰምዕ። ፍቕሪ ዕዉር’ዩ ዝብል መግለጺ ከም ዘሎ’ውን ትፈልጥ ትኸውን።”
“ዋእ! እሞ ፍቕሪ የሎን ዲኻ ክትብል ደሊኻ?”
“ሰባት ብፍቕሪ ተኣሳሲሮም ክነብሩ እናረኣኹ’ሞ ከመይ ኢለ ንህላዌ ፍቕሪ ክኽሕድ ትሓስበኒ? ምግላጹ ጥራይ’ዩ ዘጸግመኒ ዘሎ። ሮመዮን ጁልየትን ዘንበብኩ ሰብ ምዃነይ ትርስዕ ኣለኻ’መስለኒ፡” ኢሉ ጠመቶ ብሓውሲ ሕቶ።
ብዛዕባ ፍቕሪ ዝጀመሩዎ ክትዕ ከይወድኡ ከለዉ መኣዲ ተላዕለ። ንዝተቐድሓሎም ብርጭቆታት ኣልዒሎም፡ “ቺርስ!” ተባሃሃሉ። ሓሓደ ግዜ ጐርዳዕ ኣቢሎም ድሕሪ ምውራድ ጥላሁን ኣፉ ሓቢሱ፡ “ተፋቒሮም ዝጸንሑን ንዘለኣለም ዘይፈላለዩ ዝመስሉ ዝነበሩን፡ ‘ምሳኺ ወይ ምሳኻ ሞት’ዩ ዝፈልየና፡’ ይባሃሃሉ ከም ዘይነበሩ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ዝባኖም ተወሃሂቦም፡ ሰላም ናይ ኣምላኽ ክነፋፈጉ ርእየ ኣለኹ። ናይዚኣቶም ፍቕሪ’ኳ ንበይኑ እዩ፡ ክብሃል ከም ዘይጸንሐ ሃንደበት ፍቕረይ ወዲአ ተባሃሂሎም ክፈላለዩ’ውን ርኢኻ ወይ ሰሚዕካ ትኸውን። ስለዚ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣነጺረ ክዛረብ ዝኽእል ኣይመስለንን ዝበልኩኻ ካብ ባዶ ተበጊሰ ኣይኮንኩን። ፍቕሪ ኸኣ ኣብ ነዊሕ ተሞክሮ ተመርኵስካ እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ትምህርቲ ወይ ክልሰሓሳብ ኣጽኒዕካ ትፈልጦ ግዑዝ ነገር ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝወሃብ ልሙድ መግለጽን እቲ ብጭቡጥ ዘጋጥምን በበይኑ ስለ ዝኾነ፡” ብምባል ነቲ ኣርእስቲ ከም ብሓድሽ ከፈቶ።
ሰለሙን ጽን ኢሉ ክሰምዖ ጸኒሑ፡ “ፍቕሪ ከም ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ቤትትምህርቲ ከም ዘይወሃብ ኣዕርየ እፈልጥ’የ። ናብቲ ቀንዲ ነጥቢ ክመልሰካ ግን እዞም ክትጠቕሶም ዝጸናሕካ ሰባት ምናልባሽ ሓቀኛ ፍቕሪ ዘይነበሮም ክነሱ ንግዜኡ ብሓባር ዝቕመጡ ዝነበሩ ክኾኑ ኣለዎም፡” ክብል መለሰሉ።
ጥላሁን ኣብ ሳንቡኡ ዝጸንሐ ትኪ በዀኽ ኣቢሉ፡ “ከምኡ እንተኾይኑ’ሞ ንፍቕሪ ሓቀናን ዘይሓቀኛን ኢልና ናብ ክልተ ክንከፍሎ ንኽእል ኢና ማለት’ዩ። ፍቕርና ዘለኣለማዊ’ዩ፡ ሓቀኛ ፍቕሪ ኣይመውትን’ዩ፡ ፍቕርና ኣሪጉ፡ እከለ ማንታ ፍቕሪ ሒዙዎ ወዘተ ክብሃል ከሎኸ እንታይ ማለት ምዃኑ ምገለጽካለይዶ?” ክብል ክምልሶ ብዘይክእል ሕቶታት ደብደቦ።
ዋና ባር ጥላሁን ዝኣዘዛ ባኮ ቫይስሮይ ሒዛ ብምምጻእ ኣብ ጠረጴዛ ኣንበረቶ። ኮፍ ክትብል ዝደለየት’ያ ትመስል ነይራ። ውራይ ክትዖም ክገብሩ ምስ ተዓዘበት ግን፡ “መጻእኩ” ኢላቶም ናብ ክሽነ ገጻ ኣምርሐት።
ሰለሙን ዝባና ሂባቶም ክትወጽእ ከላ ነተን ጽቡቕ ቅርጺ ዝነበረን ዳናጉኣ ክዕዘብ ጸኒሑ ገጹ ናብ ጥላሁን ብምዛር፡ “ኣብ ፖለቲካ ጥራይ’የ ሓያል ዝገብረካ ነይረ። ኣብ ማሕበራዊ ሕቶታት’ውን ቀሊል ሰብ ኣይኮንካን። ሕጂ ግን ንሕቶታካ ጥርንፍ ኣቢለ ክምልሰልካ ጽን በል። ኣብ ዓለም ሓደ ሓቂ ጥራይ ኣሎ ዝብል ኣምር ትቕበሎ እንተዄንካ፡ ፍቕሪ’ውን ወላ ደቂሰብ በብዝመስሎም ይተርጕምዎ፡ ንፍቕሪ ከም ድላይካ ክተሽርፎ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ፡ ፍቕሪ ክብሃል ከሎ ኣብ ህይወት ወዲሰብ ሓደ ግዜ ጥራይ ከም ዘጋጥም ፍለጥ። ዘይሓቀኛ ፍቕሪ፡ ዝኣርግ ፍቕሪ፡ ግዝያዊ ፍቕሪ፡ ማንታ ፍቕሪ ሒዙዎ ወዘተ ዝብሃል ነገር የሎን። ገለ ሰባት ምስ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ንሓጺር እዋን ሃነይነይ ስለ ዝበሉ ፍቕሪ ሒዙኒ ክብሉ ትሰምዕ ኢኻ። ፍቕሪ ግን ክንዮ ሃነይነይታ ዝኸይድን ሓንሳብ ዝርአን ኮይኑ ዘለኣለማዊ እዩ . . .” ክብል ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ሃቦ።
“ግርም ሕራይ። ብፍቕሪ ተኣሳሲሮም ንብዙሕ ዓመታት ንማንም ሰብ ዘቕንእ ምዉቕ ሓዳር መስሪቶም ድሕሪ ምጽናሕ ሃንደበት ናይ ዝፋትሑ ሰባት ጕዳይከ ብኸመይ ክትምልሶ ኢኻ?”
ሰለሙን ነቲ በዳሂ ሕቶ ክምልስ ንገለ ካልኢታት ድሕሪ ምሕሳብ፡ “ኣብ ፍትሕ እንተ በጺሖም ደኣ ፍቕሪ ኣይነበሮምን ማለት እዩ’ምበር፡” ክብል መለሰሉ ርእሰምትእምማን ብዝጐደሎ ኵነተ ኣእምሮ።
“ንሱ’የ ዝብለካ ዘለኹ’ምበኣር! ተፋቒሮም፡ ተኣማሚኖም ኣብ መርዓውን በጺሖም። ምስ ተፋትሑ ግን ፍቕሪ ስለ ዘይነበሮም’ዮም ዝተፋትሑ ይብሃል ኣሎ። ከምኡ እንተኾይኑ ድማ ፍቕሪ ሓደ ህያው ነገር ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ ጀሚሩ ከከም ኵነታቱ ብደፋእታ ወይ ብቕጽበት ዝምዕብል ጥጡሕ መንገዲ ወይ ሩባን ኩርባን ተኸቲሉ ዝጐዓዝ ክኸውን ይኽእል። ኵሉ ግዜ ግን እቲ ብብዙሕ ጸበባን ስቓይን ዝሓልፍ ፍቕሪ ናይ ምዕዋት ዕድል ከም ዘለዎ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ። ፍቕሪ፡ ክንጭብጦ ዘይንኽእል ረቂቕ ነገር’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ካብ ዝፍጠር ዝምድና ስለ ዝብቍል ህያው’ዩ። ካብ ሓደ ባህርያውን ማሕበራውን መስርሕ ናይ ምልምማድ፡ ምትሕልላይ፡ ምቅርራብ፡ ጠባይ ንጠባይ ምውህሃድ፡ ኮኾብ ንኮኾብ ምርኻብ ወዘተ ዝብገስ ኮይኑ፡ ከም ኵሉ ህያው ነገር ብብዙሕ ረቛሒታት ከም ዝጽሎ ክፍለጥ ኣለዎ።
“ስኒት ክሳብ ዘሎ ፍቕሪ’ሎ። ስኒትን ምጽውዋርን ኣብ ዝጠፍኣሉ ህሞት ከኣ ፍቕሪ ብጽልኢ ይትካእ። ብርቱዕ ፍቕሪ ብርቱዕ ጽልኢ ይፈጥር ክብሃል’ውን ሰሚዕካ ትኸውን። ኵሉ ግዜ’ኳ እንተ ዘይኮነ እዚ’ውን ሓቂ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ዓለም ፍጹም ዝብሃል ነገር ከም ዘየሎ ክሕብረካ እፈቱ። ፍቕሪ ከም ሓደ ኣብ መንጎ ደቂሰብ ዝሰርጽ ማሕበራውን ባህርያውን ተርእዮ መጠን፡ ክብታን ለጠቕታን ዘርኢ መስርሕ’ምበር ሓንሳብ ምስ ሰረተ ንዘልኣለም ከይተቐየረ ክጸንሕ ዝኽእል ድሩቕ ሓወልቲ ጌርካ እንተ ወዲስካዮ፡ ካብ መጐት ትርሕቕ ከም ዘለኻ ክትፈልጥ ኣለካ። ልክዕ ከምቲ ንሰብ ቀይሕ፡ ከደራይ፡ ጸሊም ወይ ነዊሕ፡ ሓጺር እናበልና ንፈልዮ፡ ንፍቕሪ ድማ ሓያል፡ ጽኑዕ፡ ግዝያዊ ብዝብል ቅጽላት ንገልጾ ኢና። ፍቕሪ ክብሃል ከሎ ማዕባልን ተንቀሳቓስን’ዩ። ኮታ ፍቕሪ ናይ ባዕሉ ህይወት ዘለዎ ነገር ኮይኑ ንዘለኣለም ዝቕጽል ወይ ከኣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ስለ ዝጽሎ ክቝጸ ከም ዝኽእል’ውን ክርድኣካ ኣለዎ።”
“ትርድኣኒ እንተ’ሊኻ፡ ሕጂ’ውን ኣነ ዝብለካ ዘለኹ፡ ክልተ ፍቑራት ፍቕሪ ከም ዘለዎም ክትፈልጥ እንተዄንካ ክሳብ ዕለተ ሞቶም ክትጽበዮም ኣለካ። ካብኡ በለ ኣረጋጊጽካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ፡” በሎ ሰለሙን ተስፋ ምቝራጽ ብዝተሓወሶ መንፈስ።
“ብዛዕባ ደሞክራሲ’ኮ ኣይኮንናን ንካታዕ ዘለና ሰሌ። ፍቕሪ ኣብ ዝኸድካ ኬድካ ሓደ ትርጕም’ዩ ዘለዎ። ነቲ ጕዳይ ንምሕጻር ግን እዞም ትብሎም ዘለኻ ሰባት ነርባዓ ዓመታት ብፍቕርን ፉሕፉሕ ዝብል ሓዳርን ጸኒሖም፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ መንጎኦም ግርጭት እንተ ተፈጥረ ፍቕሪ ኣይነበሮምን ዲና ክንብል? ዳግማይ ተዓሪቖም ካብቲ ናይ ቅድም ንላዕሊ ንሰብ ብዘዛርብ ፍቕሪ እንተ ቐጸሉኸ እንታይ ኢኻ ክትብል? ሰብከ ከመይ ኢሉ እዩ ክቕበለካ? ነቲ ነገር ንምድምዳሙ ግን ፍቕሪ ፍጹም’ዩ፡ ዘለኣለማዊ እዩ ወዘተ እናበልና ንፍቕሪ ከም ሓደ ድሩቕ ነገር ክንቈጽሮ ከም ዘይብልና ክፍለጥ ኣለዎ።”
ሰለሙን ሰዓቱ ድሕሪ ምርኣይ፡ ነዊሕ’ኳ እንተ ተኻትዑ ኣብ ናይ ሓባር ነጥቢ ክበጽሑ ከም ዘይክእሉ ስለ ዝተነጸረሉ ንሕቶኡ ከይመለሰ፡ “ተረዲአካ’ለኹ ጥላሁን፡ ናብ ካልእ ዕላልና ንስገር ደሓን፡” ኢሉ ዊሲኪ ጐጭ ድሕሪ ምባል፡ “ብዛዕባ’ዚ ናይ ብቐደማይ ፈንጂ ከመይ ከም ዝነበረ ገለ ሓበሬታ ኣሎካዶ?” ዝብል ሕቶ ብምቕራብ ኣንፈት ዕላሎም ቀየሮ።
ይቕጽል . . . . .
መበል 48 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 25 መጋቢት