ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
5ይ ምዕራፍ መበል 42 ክፋል
ሮዛ፡ እቲ ከይተሓሰበቶ ናብ ልብኻ ዝሰቅል ዕላል ዝተቐየረ ዕላል ናበይ አጹ ከም ዘምርሕ ንምፍላጥ ብዝተወጠረ መንፈስ ክትከታተሎ ጸኒሓ፡ “ወይ ጉድ! ዘይሓሰብካዮ ርኸብስ ኣይመርገም ኣይምርቓ ድዩ ዝብሃል፡ ቀጽልስኪ፡” በለቶ።
“ከሕጽረልኪ፡ ምስኣቶም ምስ ኣላለየትኒ ኣብ ናይ ድራር ቦታ ኮፍ ኢልና። ክገርመኪ እቲ ናይ ሽዑ ለይቲ ውራይ ንፍሉያት ዕዱማት ዝተገብረ ናይ ድራር ዕድመ’ዩ ነይሩ። ኣብኡ ዝጠፍአ ሽሻይን በብዓይነቱ ከም ማይ ዝቕዳሕ ዝነበረ ዝተፈላለየ ዓይነት መስተን ምስ ረኣኹ፡ ብድሮኡ ዝነበረ ኵሉ ሰብ ዝተዳተፎ ውራይ ከመይ ከም ዝነበረ ምግማቱ ኣሸጊሩኒ። ድሕሪ ድራር ኣብ ሃደ ኵርናዕ ኮፍ ኢለ ሙዚቃ ክሰምዕ ጥራይ’የ ደልየ ነይረ። ንዓኣ ደልዩ ንዘዝመጽአ ሰብ፡ ‘እዚ ኸኣ ሰለሙን ዝብሃል ፈታዊየይ’ዩ፡ ገባር ጽቡቐይ’ዩ ሰላም በሉዎ፡’ ክትብል ላሕ ምስ ኣበለትኒ ካብቲ ቦታ ክመልቝ ሓሲበ። ሰዓት ዓሰርተ ኣቢሉ ምስ ኮነ ገለ ክትዛረብ ናብቶም ደረፍቲ ገጻ ምስ ከደትለይ፡ ‘ተመስገን!’ ኢለ ሃዲገያ ናብ መኪናይ ጐይየ።”
ሮዛ ሓንሳብ ርእሳ እናነቕነቐትን ጸጸኒሓ፡ “ህ” እናበለትን ክትሰምዖ ጸኒሓ ኣበርቲዓ ኣተንፈሰት። ኣብዛ ዝጠቐሳ ዕለት ደንጕዩ ክእእቱ ከሎ ደቂሳ ከም ዝጸንሓቶን ፍሉይ ሽቶ ሃንገፍ ከም ዝበላን ዘከረት። ሽዑ ለይቲ ምስ ገለ ደቂኣንስትዮ ዘምሰየ መሲሉዋ ቅንእን ሕርቃንን ስለ ዝተሓዋወሳ ዝባና ሂባቶ’ያ ደቂሳ። ሓቝፉዋ ክድቅስ፡ “ሮዛ” ኢለ እንተ ተንከፋ ድማ “ደኺመ’ለኹ ሰሌ ግደፈኒ፡” ዝብል ሓጺር መልሲ ሂባቶ። ደኺሙ ስለ ዝነበረ ብኡንብኡ ክድቅስ ከሎ ንሳ ግን ክትቍሎ ሓዲራ። ሕጂ ነቲ ዘጋጠሞ ሓቀኛ ፍጻሜ ካብ ኣፉ ምስ ሰምዓቶ፡ “ብዘይኮነ ተርጢረዮ፡” ኢላ ንሕልናኣ ክትወቅስ ተገዲዳ። መወዳእታ ናይቲ ከም ዓቢ መስተንክር ዝቘጸረቶ ዛንታ ክትሰምዕ ድማ “ደሓርከ?” በለቶ ብመጠኑ ተዛንያ።
“ብድሕሪኡ መን ዘኪሩዋ ገጻ ትርሓቕ። ኣብ ሳልስቱ ሃብቶም ብዛዕባ ፍጹም እንታይ ከም ዝገበርኩ ይሓተኒ’ሞ፡ ምስቲ ዝነበረ ዕግርግር ከም ዘየርከብኩሉ እሕብሮ። ሓቀይ’የ ድማ ሽዑ ይትረፍ ብዛዕባ ስራሕ ክትዛረብ ወይ ክትልምን፡ እቲ ኣደራሽ ነዲዱ’ውን ዝሰምዓካ ኣይትረክብን። ብዝኾነ ሃብቶም ኣይተሓጐሰን ኣነ’ውን ፍጹም ዕድል ኣይገበረን ኢለ ክሳብ ዓርቢ ከይቀሰንኩ ቀንየ። ንምሸቲ እዛ ሰንካም ናብ ስራሕ ቴለፎን ደዊላ፡ ‘ንሓሙሽተ ደቒቕ ብስራሕ ደልየካ ኣለኹ፡’ ትብለኒ። ‘ኣይጥዕመንን’ዩ’ ክብላ እናሓሰብኩ ከለኹ ፍጹም ትዝ ይብለኒ’ሞ፡ ‘ኣበይ ክንራኸብ?” ምስ በልኩዋ፡ ‘ደሃን ኣብ ስራሕ ክመጽኣካ’የ፡’ ኢላ ቴለፎን ትዓጽዋ።
“ሰዓት ሓሙሽተ ቤትጽሕፈተይ ዓጽየ መኪናይ ክተስእ ክብል ‘ቢብ!’ ዝብል ድምጺ ሰሚዐ ቍሊሕ እንተ በልኩ፡ ብማዕዶ ኣብ ጥቓ’ቲ ኣፍደገ ሓንቲ መስመስ ትብል መኪና ሒዛ ኢዳ ኣወዛዊዛትለይ። ንሳ ምዃና ምስ ፈለጥኩ፡ ምናልባሽ ብጠጠውካ ዝውዳእ ዘረባ’ዩ ዝኸውን ኢለ ብምሕሳብ፡ ኣብ መኪናኣ ኮፍ ኢለ ጕዳይ ፍጹም መታን ከሳልጥ ካብ መኪናይ ወሪደ ናብኣ እብገስ። ማዕጾ ከፊታ፡ ‘ከመይ ቀኒኻ ሰሌ? እቶ፡’ ትብለኒ’ሞ ገና ጽቡቕ ገይረ ኮፍ ከይበልኩ ማርሳ ኣእትያ ዕርብ ኣይትብልን። ‘እሞ ጽንሒ’ባ መኪናይ ከምጽኣ፡ ናበይ ንኸይድ ኣለና?’ እንተ በልኩዋ፡ ‘እንታይ ማለትካ’ዩ ኣብ ክልተ መኪና ተመራሪሕና ክንከይድ ዲኻ ደሊኻ? በጃካ ትም በል! ዓቢድካ ዲኻ?’ ትብለኒ። ንመኪና ከም ንፋስ እናበቈጸታ ድማ ሆቴል ዲያፍሪክ ንበጽሕ’ሞ እንተንነውሐ ርብዒ ሰዓት ክጸንሕ ዝሓሰብኩዎ ድሮ ምግቢ ኣዚዛ፡ ‘ብሓደ ክንድረር ኢና፡’ ትብለኒ። ደስ’ካ እንተ ዘይበለኒ ብዛዕባ ፍጹም ከዘራርባ ድለ ዝደለኹ ሕማቕ ከይተዛረብኩ ጕዳይ ፍጹም ኣተንቢሀላ። ‘ብዛዕባ’ዚ ሽግር የሎን፡ ነዛ ካርድዚኣ ሒዙ ጥራይ ጽባሕ ሰዓት ትሽዓተ ኣብ ስራሕ ይምጻእ፡’ ምስ በለትኒ፡ ጕዳይ ፍጹም እንቋዕ ሰለጠኒ’ምበር ደሓን ጸገም የሎን ኢለ ድራር ክሳብ ዝውዳእ ብዓቕሊ ክጽበያ መሪጸ። ጓል እንታይ ከም ዝሓሰበት ኣብ ክንዲ ትበልዕ ማዕጠጥ ክትብል ምስ ረኣኹዋ ትዕግስተይ ወዲአ ከኰልሳ ቍሩብ ተሪፉኒ። ።
“ብዝኾነ ድራር በሊዕና ምስ ወዳእና፡ ‘ውብነሽ ንኺድ ሕጅስ መስዩ፡’ እንተ በልኩዋ፡ ‘እንዴ! ቀልደኛ ነህ መሰለኝ” ኣልጋ ይዣለሁ’ኮ! እራት ልበላ የመጣሁ መሰለህ እንዴ? ስንቻወት እናድራለን። ስለዚህ ረጋ በልና ተጫወት፡ ፕሮግራሜን እንዳታበላሽብኝ፡ ኢላትኒ ድምጻ ኣትሪራን ተገሪጫን።
ሮዛ፡ “ኖን ክሬዶ!” ኢላ ብስንባደ ኣፋ ሓዘት።
“እቲ ድፍረታ ገሪሙኒ፡ ‘ውብነሽ ኣይትሓዝለይ በዓል ሓዳር እየ’ኮ፡’ እንተ በልኩዋ፡ ‘ኣይኣምነካን’የ፡ ትም ኢልካ ኣይትዋዘ። ጥር ኢልካ ባሕታዊ ክትከውን ኣይትጽዓር፡” ኢላትኒ እናሰሓቐት። ደጋጊመ፡ ‘እመንኒ በዓል ሓዳር’የ፡ ካትምዶ ትርእዪ የለኽን፡’ እናበልኩ ኣጻብዕተይ ኣርእየያ። ሓይላ ግን ኣይውዳእንዩ፡ ‘በዓል ሓዳር እንተኾንካ’ሞ ተፋታሕዶ እብለካ ኣለኹ እየ? ፍቕሪ ዝብሃል ነገር ትፈልጥ ዲኻ? ብፍቕርኻ ዓቢደ’ለኹ፡ ፍጹም ተቓጺለ! ቈራባይ ክሳብ ዘይኮንካ ድማ ዝጐድለካ ነገር የሎን፡” ኢላ ኣብቲ እከይ ዕላማኣ ደሪቓ።
ዓይኒ ዓይኑ ክትጥምት ዝጸንሐት ሮዛ ህርመት ልባ ወሲኹ፡ ኣፋ ሃህ ኣቢላ ዝተረፈ ዛንታ ክትሰምዕ ብሃንቀውታ ተጸበየት።
“ውብነሽ ዘይከውን ነገር ኢኺ ትሓትኒ ዘለኺ፡’ ኢለያ። ‘ስሞኣኒ ሰሌ፡ ብቐዳምይ ኣለኻ እናበልኩኻ መስሓቒ ሰብ ጌርካኒ ኢካ፡ ሎሚ ግን ዓጢቐ’የ መጺአ። ከም ዘይሰደካ ድማ ክትፈልጥ ኣለካ። ደሓር ከኣ ኣይትዓሹ፡ ቍሩብ ሕስብ ኣብል። ኣምላኽ ዝዓደለካ ቍመናን ጕብዝናን እንታይ ድዩ ፋይዳኡ?”
ሮዛ ብውሽጣ ተሓሚሳ ኣብ ዝነበረቶ ፍሕትሕት በለት።
“እዚ ነገር’ዚ ኣይውዕሎን’የ ኣይትሓዝለይ፡’ እንተ በልኩዋ፡ ኣፍ ልባ ነፊሓ፡ ‘ኣይትጋገ ሰሌ፡ መጀመርያ እቲ ነገር ኣይቍርመም ኣይሽርመም ንኽልተና ዝኣክል ምዃኑ ክትፈልጥ ኣለካ። ብተወሳኺ ሰበይትኻ ዝጐድላ የብላን፡ ክሳብ ክንድዚ ስስዕቲ ክትከውን ትኽእል ከኣ ኣይመስለንን፡’ ኢላትኒ። ብኸምዚ ቍሩብ ምስ ተመላለስና ሓሪቐ፡ ‘ስምዕኒ ውብነሽ፡ ኣነ ሃዳረይ ዘኽብር ሰብ’የ፡ ንበዓልቲቤተይ ከኣ እፈትዋ እየ። ስለዚ ብሰላም እንተ ተፈላለና ይሓይሽ ኢለያ ብድድ ምስ በልኩ፡ ‘እንታይ ኢካ ትገብር ዘለኻ ሰለሙን? እዚ ትገብሮ ዘለኻ ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣነ’ኳ ክንደይ መን ከማይ ዝብሉ ንሓንሳብ ከዕልሉኒ ፈፈው እናበሉ ናባኻ ትጐናቢሐስ ክንድዚ ትዕበየለይ ኣለኻ። አረ ክንደይ ትጭክን ኢኻ! በል’ስኪ ናይ ሎምስ ደሓን፡ ካልእ መዓልቲ ብሓደ ክነምሲ ቃል እተወለይ፡’ ዝብል ሓድሽ ዘረባ ኣምጺኣ። ምጽዋር ስኢነያ ጠንጢነያ ናብ
ደገ ምስ ኣምራሕኩ፡ መኪና ኣተሲኣ ደድሕረይ ብምስዓብ፡ ‘ሰለሙን!’ ኢላ ማኦጾ መኪና ምስ ከፈተትለይ ከይፈተኹ ክድይብ ተገዲደ።
“እናተጐዓዝና ከለና ሰሰሪቐ እንተ ጠመትኩዋ ኣብ ገጻ ብርቱዕ ሕርቃን ተዓዚበ። ቃል ከየምለቝና ኣብ ስርሐይ ምስ በጻሕና፡ ‘ዛሬ በጣም ነው ያሳዘንከኝ ሰለሞን፡ ዳግመኛ ኣስክንገናኝ ደህና’ደር፡’ ኢላትኒ ተመርቂፋ። ብድሕሪኡ ክልተ መኦኣልቲ ቴለፎን ደዊላ ክትቋጸረኒ ፈቲና ከም ዘይጥዕመኒ ምስ ነገርኩዋ፡ ‘ኣብ ልብኻ ሰፊራ ዘላ ጓልሄዋን ከይተኣልየት ከም ዘይዕወት ተረዲኡኒ’ሎ፡ ውዒለ ሓዲረ ድማ ናተይ ክገብረካ ምዃነይ ፍለጥ፡’ ኢላ ፈኪራ። ማዕረ ክንድዚ ትበጽሕ ኢለ ግን ኣይገመትኩን። እዚኣተን ርኹሳት ዘርኢ’የን ሮዛ፡ ዘይሃስቦኦ ተንኰል የብለንን።
“ተመስገን ኣምላኽ! ካብ ከምዚኣተን የድሕነና ጥራይ እዩ ዝብሃል ሰሌ ሓወይ። ሕጂ ልበይ ኣረስሪስካለይ’ምበር እቲ ቴለፎን ክትድውል ከላ ኣእምሮይ ከም ገለ ተጀንጊሩ ነይሩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ እተን ምሳይ ቡን ዝሰትያ ዝነበረኣ ደሃን ኣይእተዋ ኣብ ክንዲ ዘደዓዕሳኒ፡ ‘ኣመል ሰብኡትዶ ተፊኡኪ! ንስኺ ገና ገርሂ ኢኺ ዘለኺ፡’ እናበላ መሃነነይ ምስ ኣጥፍአለይ ካን ከምዛ ካብ ኢደይ ምንጥል ዘበለትካ ኮይኑ ጥራይ ተሰሚዑኒ። ኣይትሓዘለይ ሰሌ ሓወይ ብዘይካኻ ሰብ ዘሎ ኮይኑ ኣይስሞኣንን’ዩ፡ ብምሉእ ልበይየ ከኣ ዝኣምነካ።”
“ነቲ ሽዑ ዝበለትኪ ሰሚዕኪ ስቕ እንተ ኢልኪ’ሞ ኸኣ ምሳይ ፍቕሪ የብልክን ማለት እዩ’ኮ ሮዛ። ምኽንያቱ ኣመሉ እዩ፡ ባዕሉ ይፈልጥ ኢልኪ ኣለኺ ማለት’ዩ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ክልተ ፍቑራት ዝርአ ተባይ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ምዝራብኪ ምሳይ ክሳብ ክንደይ ሓያል ፍቕሪ ከም ዘሎኪ ዘነጽር ስለ ዝኾነ ዘንእደኪምበር ዘውቅሰኪ ኣይኮነን። ሓንቲ ክመኽረኪ ግን ምስዘን እልፊ ዘይጠቕማ ሕጻብ እግርኺ ዘይኣኽላ ጐረባብቲ ቡን ምስታ ኣቋርጽዮ። ካብዚኣተን በቕሊ ወሊዳ ዝብል ወረ ጥራይ’ዩ ዝተርፈኪ። ብሓዳር ሰብ ዝቐንኣ መናቘትቲ ስለ ዝኾና፡ ኣብ ካልእ ህውከትን ዕግርግርን ከየእተዋኺ ከለዋ ካብኣተን ርሓቒ።
“ንሱስ ከይበልካኒ ሓሲበዮ’ለኹ። ድሕሪ ሎሚኸ እንታይ ክደግም ወደይ! ብዓንተቦ ዘይስክሕ ኮይነ እየ’ምበር ብፍላይ ነዛ ከበቡሽ ዝብላኣ ካብ ቅድሚ መርዓና ኣትሒዘ ሓሳዊት ምዃና ኣዕርየ እየ ዝፈልጣ፡”
“ንሳ’ሞ ኸኣ ክትሕሱ ምድርን ሰማይንያ ተጣብቕ። ንዓኣ ክርኢ ከለኹ ሓንቲ መስኪነይቲ በዓልቲ ዓድና ሰበይቲ’የን ዝዝከራኒ። ናተን ሓሶት ግን ተንኰል ስለ ዘይሕወሶ ኣይጓዳእን’ዩ ሰሒቕካ ኢኻ ትሓልፎ።”
“ስቕ በል በጃኻ ናይዚኣ’ኮ ንበይኑ እዩ።”
“ከስሕቐኪ ሓደ መኦኣልቲ ካብ ኦኣዲ ናብ ዕዳጋ ኢለን ምስ መጽኣ ናብ ገዛና ተኣልየን። ቡን ፈሊሓ እናተሰትየት ከላ፡ ‘እዛ ተካል ቡን’ዚኣ ከይገደፍኩዋ ጥዕና ኣይረክብን’የ፡’ ክትብል ይሰምዓኣ። ሰበይቲ ባዕለን ክሳብ ደረጃ እናሓንፈፍኦ ከለዋ፡ ‘ሓቅኺ ኣለኺ ገብርኤላ፡ ኣነውን ክዛረበኪ እናበልኩ እየ። ከም ኣያ ዘርእዝጊ ቡን ዝሰቲ ኣይነበረን፡ ወግሀ ጸብሐ ምስኣ’ዩ ነይሩ ዘረባኡ። ኣኺሉዎ ምስዛ ጀበና እዩ ተሰኽቲቱ ዝውዕል ነይሩ። ደጊም እንሄልኪ ሓደ ንግሆ ልበይ ልበይ ምስ በለ፡ ካብ ኦኣዲ ብተብተብ ብኣውቶቡስ ጸይሮም ናብ ኣስቢዳለ ይወስዱዎ። ኣምላኽ ኣለካ ኢሉዎ ንፉዕ ሓኪም ይጸንሖ’ሞ፡ ክሳብ ሎሚ ኣበይ ነይሩ? ኢሉ ካን ይቍጣዕ። ብድሕሪኡ ነዛ ልቡ ጥብሕ እንተበላስ ፍርቂ ኪሎ ዝኸውን ጠቐር ዝመስል ዓካር ናይ ዳካ ቡን ጸኒሑ። ኣብ ኣስቢዳለ ወርሒ ድሕሪ ምድቃስ ድማ ተማሒሩ ናብ ኦኣዱ ተመሊሱ ንብለኪ፡ ክብላ ኣዕሊለናኣ።
ሮዛ ቅድሚ ፍርቂ ሰዓት ሰንፈላል ኮይና ከም ዘይጸንሐት፡ ብዘረባኡን ኣቀራርባኡን ብሰሓቕ ተፋሕሰት። ሰለሙን ዘረባኡ ብምቕጻል፡ “ሽዑ ወዲ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ኣቢለ’የ ነይረ ከም ሽዑ መዓልቲ ስሒቐ ግን ኣይፈልጥን። ብድሕሪኡ መስኪነይቲ ጥዕና ስኢነን ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ንግደት ኢለን መጺአናና። ይዝከረኒ ንሰን ምጽእ ክብላ ከለዋ ሓደ መዘናና ዝኸውን ወዲ ገዛውትና ኤለትሪክ ሒዛቶ ቀልቡ ኣጥፊኡስ ብዛዕባኡ ክዝረብ ጸኒሑወን። ‘ዓዲ ዝኣተወ ቈልዓ ብከንቱ ተፊኡ ነይሩ፡ ዕድል ገይሮም’ቶም ስድርኡ፡’ ትብል ኣደይ። ንሰን ትቕብል ኣቢለን፡ ‘ገብርኤላ ሓውተይ ጥንቅቕ ደኣ በሊ፡ እዛ ግናይ ኳረንቲ ክንደይ ሰብያ ትውድእ ኣላ ኢሎማ። ብቐዳማይ ሓደ ክንዲ’ዝግን ንጉስን ዝኾኑ ሰብኣይ ኣድርቕ ኣቢላቶም ናብ ሓምዅሽቲ ተቐዪሮም ኢሎሞም። ሓንሳብ እንተ ሒዛትካ ኣይትሰደካን’ያ ኢሎማ። እቲ ዝኸፍአ ድማ ሬሳኻ ኣይርከብን’ዩ ይብሉ ነይሮም።
“ምስ ኣብርሃም ሓወይ እናተተማምትና ክንስሕቕ ምስ ረኣያና፡ ‘ኣቱም ማስካልሶኒታት ኳረንቲ ዋዛ መሲላትኩም ትስሕቁ ኣለኹም። ቀንጠብጠብ ከይትብሉ ተጠንቀቑ!’ ኢለን ርእሰን ምስ ነቕነቃልና፡ ኣስዕብ ኣቢላ ኣደይ፡ ‘እቶም ሰብኣይ ካን ሬሳኦም ኣኺሉዎ ጠፊኡ ማለት ድዩ?’ እንተ በለተን፡ ‘ናይ ገብርኤላ’ባ ገደደ! ተፈዊስኪ ኢኺ’መስለኒ። ደሞምን ፈርሶምን ምጽይ ኣቢላ ኣብቲ እንዳ ሴዳው በለዛ’ንድያ ፈርሺሓቶ። እቶም ኣብ እንዳ ሴዳው ዝነበሩ ሰራሕተኛ ደምን ፈርስን ክጸርጉ ጉድ ረኺቦም ውዒሎምስ ሬሳ ክርከብ ኢልኪ ትሓስቢ!’ ክብላ ኣስሒቐናኣ።
ሮዛ መዓንታኣ ክሳብ ዝቘስል ክትስሕቕ ጸኒሓ፡ “ክንደይ ትሓስም ኢካ ሰሌስ፡ እዚ ዅሉ አስሓቕ ንመዓስ ኢኻ ዓቝርካዮ ጸኒሕካ?” እናበለት ድራር ክትቅርብ ብድድ በለት። እታ ብጓህን ሕርቃንን ዝፈለመት ሰራም ምሸት ድማ ብሓጐስን መወዳእታ ዘይብሉ ሰሓቕን ተደምደመት።
ይቕጽል
5ይ ምዕራፍ መበል 43 ክፋል ረቡዕ 18 ለካቲት