ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
5ይ ምዕራፍ መበል 35 ክፋል
ህይወት ነቶም ዝሓስቡ ኮሜዲ ክትከውን ከላ፡
ነቶም ብስምዒቶም ዝምርሑ ግን ትራጀዲ እያ።
ሆረስ ፓልፖል
ሰለሙንን ሮዛን ብፍቕሪ ተኣሳሲርም ሕጕስ ህይወት ከሕልፉ ጸኒሖም ኣብ መበል ካልኣይ ወርሒ ክልቲኦም ዘይተጸበዩዎ ነገር ኣጓነፎም። ሓደ ንግሆ፡ ሮዛ ቀጨውጨው ክትብል ሓዲራ ዘይኣመላ ኣብ ዓራት ኣርፈደት። ሰለሙን ናይ ወዲተባዕታይ ነገር ኮይኑ ኣይተረድኦን’ምበር፡ ሰሙን ምሉእ ጨና ምግቢ ክትጸልእን ፍልይ ዝበለ ጠባይ ክተርእን’ያ ቀንያ። “ተጸሊኡኪ ድዩ ሮዛ?” ኢሉ ኢዱ ኣብ ግንባራ ኣንቢሩ ረስኒ እንተ’ለዋ ክፈልጥ ፈተነ።
“እንድዒ እንታይ ከም ዝኾንኩ ኣመና ከቢዱኒ እዩ ሓዲሩ፡” ዝብል ዘይንጹር መልሲ ሃበቶ ቍጭምጭም እናበለት።
ኵነታታ ምርዳእ ስኢኑዎ ናብኣ ገጹ ድንን ኢሉ፡ “ርእስኺ የሕምመኪ’ሎ ድዩ?” ኣስፒሪንዶ ከምጽኣልኪ?” ተወከሳ፡ ሰዓል ደልያታ ከይትኸውን እናተሰከፈ።
“ወጋሕታ ቍሩብ ቅርጸት ገይሩለይ ነይሩ፡ ሕጂ ኸኣ ዕውልውል ይብለኒ’ሎ። ካብ ሕማም ርእሲ ግን ደሓን ኣለኹ።”
“ምስማዕ ኣቢኽኒ’ምበር ምግቢ ኣይትበልዕን ኣለኺ ክብለኪ ቀንየ ነይረ። እዚ’ኳ ዘይትሓሚ፡ ከይበላዕኪ ጥዕና በየን ክመጽእ!” ኢሉ ኣእዳዉ ጸግ ኣበለ ብናይ ዓቕሊጽበት ስምዒት።
“ናይ ምግቢ ኣይኮነን ኣንታ ሰሌ . . .” ኢላ ዘረባኣ ከይወድአት፡ ካብ ዓራት ብድድ ኢላ ጥራይ እግራ ናብ ባኞ ገጻ ድሕሪ ምስጓም፡ ኣብ ሳሎን ክትበጽሕ ከላ ኣብ ምንጻፍ ተምላስ ፈነወቶ።
ሰለሙን፡ “ዑዕ! ክትብል ሰሚዑ፡ ‘ደሓን ዲኺ ሮዚና?’ እናበለ ኣርከባ። ነቲ መሬት ክትንክፍ ቀሪቡ ዝነበረ ጸጕራ ኣብ ዝባና መሊሱ፡ ኣፍ ልባ ደጊፉ ሓዛ። ክህውጻ ዝጸንሐ ምስ ከደላ፡ እናተጻዕረት ቀጠልያ ሓሞት ፈነወቶ። ቍሩብ ዝግ ምስ በላ፡ ገጻ ብሽጐማኖ ደሪዙ ማይን ሸሓንን ኣቐበላ። ገጻ ተሓጺባ ኣፋ ምስ ጐጽጐጸት፡ ንግዜኡ ኣብ ዓራት ጎቦ ከም ትኸውን ድሕሪ ምግባር፡ ኣብ ገጻ ናይ ድኻም ምልክት ተዓዚቡ፡ ናብ ሆስፒታል ክወስዳ ብምውሳን፡ “ኣንዲያሞ ሮዛ፡ ሓኪም ክትርኣዪ ኣለኪ፡” በላ ሻቕሎት ብዝዓብለሎ ኣዘራርባ።
ሮዛ ነፍሳ ክትጥርጥር ቀንያ’ኳ እንተ ነበረት፡ ጽግያታ ዘይንቡር ስለ ዝኾነ ንጥንሲ ብዙሕ ግምት ኣይሃበቶን። ቅርጸትን ተምላስን ምስ ገበረላ ግን ክትጭነቕ ጀመረት። ንሓበሬታኣ ኣይተቐበለቶን’ምበር፡ ሓንቲ ካብ መሳርሕታ ጥንሲ ጌርኪ ኣለኺ ኢላ ኣተንቢሃትላ ነይራ። ብዝኾነ ናብ ሓኪም ምኻድ ትርጕም ዘለዎ ኮይኑ ኣይተሰምዓን። ብሸለልትነታ ተበሳጨወት። ንሰለሙን ዘዘው ክብል ምስ ረኣየቶ፡ “ደሓን’የ፡ ይገድፈኒ ይኸውን’ዩ። እንተ ዘይሓሸኒ ድሕሪ ቐትሪ ናብ ሓኪም እኸይድ። ኪድ ጥራይ ናብ ስራሕካ፡” ብምባል ብዝከኣላ መጠን ካብ ጥቓኣ ክተርሕቖ ፈተነት።
ኵነታት ጥዕናኣ ስለ ዘሻቐሎ፡ “ባዕልኺ ሓኪም ክትኮኒ ኣይትድለዪ በጃኺ፡ ክዳንኪ ቀይሪ ንኺድ!” ኢሉ ክዳና ካብ ከብሒ ኣውጺኡ ኣቐበላ።
ክዳና ድሕሪ ምግባር፡ ማእደድ እናበለት ደድሕሪኡ ብምስዓብ ኣብ መኪና ምስ ደየበት ናብ ዘውዲቱ ሆስፒታል ኣምርሑ። ጻዕቂ ተሽከርከርቲ ስለ ዘይነበረ ብናህሪ እናተጐዓዘ ኣብ ቀጽር’ቲ ሆስፒታል በጽሐ። ኣብ ኣፍደገ’ቲ ዓቢ ሆስፒታል ደርዘን ዝኾኑ ሰባት ተሰሪዖም ጸንሑዎ። ብመንኩባ ደጊፉዋ ብቐስታ እናሓለፎም ከሎ፡ ተሰሪዖም ካብ ዝጸንሑ ሰባት ሓደ ጥፍንቕ ኢሎም ጋቢ ዝተጐምጐሙ ሰብኣይ፡ “ጐይታና ብኽብረትኩም ድሕሪት ተሰርዑ። እንታይ ዲና ንሕሉ ዘለና? ከመይ ኢሉ’ዩ ጸጕርና ቀሊሉዎም! በሉዎ ድምጾም ኣትሪሮም።
ሰለሙን ንድሕሪት ገጹ ግልጽ ብምባል፡ ኢመርጀንሲ ነው ጌታው፡” ኢሉ ብዓይኑ ገኒሑዎም ናብ ገበላ ናይቲ ሆስፒታል ቀጸለ።
“ኢመርጀንሲ!” ኣነ’ኮ ሕማምኩም ንገሩኒ ኣይበልኩኹምን። ብዛዕባ ሕማም እንተ ዄንኩም ኣነ’ውን ብሕማም ወይቦ እየ መጺአ ዘለኹ። ካብ ወይቦ ዝኸፍእ ሕማም ከኣ የሎን። ንስካትኩምከ ትም ዲኹም ትብሉ? ኩላትና ኢትዮጵያውያን፡ ኩላትና ደቂ ትሽዓተ ወርሒ ኢና’ኮ! መን ካብ መን ይበልጽ?” ብምባል ነቶም ኣብ ቅድሚት ተሰሪዖም ዝነበሩ ሰባት ከለዓዕሉዎም ፈተኑ። ሰለሙን መልሲ ከይሃበ ጥሒሱዎም ኣብ ልዳት በጽሐ። እቶም ሰብኣይ ዝድግፎም ሰብ ምስ ሰኣኑ፡ “ካብዚ ዅሉ ሰብ ሓደ ደም ዘለዎ ተሳኢኑ ማለት ድዩ? እንታይ ዝበለ ግዜ በጻሕና!” በሉ።
ሓደ ጕልቡት፡ ኮርዳድ ጸጕሩ ሰብኣይ፡ ትም ኢሉ ክሰምዕ ጸኒሑ፡ “ሰውየው ዝም ብለህ ኣትንጫጫ፡ ደም ካለህ እንተ ወንድ ሁን። ኣለበለዝያ ኣፍህን ዝጋ!” ምስ በሎም ርእሶም ኣድኒኖም ኣጽቀጡ።
ሰለሙንን ሮዛን ተተሓሒዞም ናብ ክፍሊ መዝገብ ምስ ኣተዉ፡ ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛ ዝነበረ ወረቃቕቲ ክትገናጽል ዝጸንሓቶም ሰራሕተኛ ብዛዕባ ዘምጽኦም ጕዳይ ተወከሰቶም። ኵነታት ሮዛ ብዝርዝር ምስ ገለጸላ ድማ ስማ መዝጊባ ካርድ ሃበታ።
ሰለሙን ከይተደናጕያ ስለ ዝተሰከፈ ዓቕሉ ከጽብብ ብምጅማር፡ “ቀዳምነት ሃብያ በጃኺ፡ ተኻኢላ እያ ዘላ፡” ክብል ተመሻኸነ።
እታ ፍሕሹው ኣቀራርባ ዝነበራ ጸሓፊት ሰዓታ ርእያ፡ “ቀዳመይቲ እየ መዝጊበያ ዘለኹ፡ ዶክተር ክሳብ ዝመጽኡ ግን ክትጽበዩ ኢኹም። ሓንሳብ ጥራይ ኮፍ በሉ ኢላ እቕሰነቶ።
ኣመስጊኑዋ ድሕሪ ምውጻእ ኣብ ጐድን’ቲ ክፍሊ ኣብ ዝነበረ ተገዳሚ ኵርሲ ንገለ ርብዒ ሰዓት ተጸበዩ። ሰዓት ሸሞንተ ምስ ኣኸለ፡ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል በብሓደ ዘርጠብ እናበሉ ክኣትዉ ጀመሩ። ገለ ደቃይቕ ምስ ሓለፈ ሮዛ ብቈጸራ ተጸዊዓ ናብ ክፍሊ መወልዳን ኣምርሐት። ኣብታ ንጥንስን ሕርስን ዝምልከት ብርክት ዝበለ ኣሳእል ተጠቂዑዋ ዝነበረ ክፍሊ ዝጸንሐ መነጽር ዝወደየ ክብብ ኢሉ ዝገጹ፡ ምሉእ ሰብነት ዝነበሮ ሓኪም፡ ከመይ ከም ዝገብራ ድሕሪ ምሕታት ኣብ ዓራት ኣደዪቡ ከብዳን ኣጡባታን ክጸቃቕታ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ኵርሱ ኮፍ ኢሉ ናብ ሕቶታት ኣተወ።
“ጽግያትኪ ካብ ዘቋርጽ ክንደይ ገይሩ ኣሎ?”
“ሎሚ ካልኣይ ሰሙኑ።”
“ስሩዕ ድዩ፡ ዘይስሩዕ?”
“ኣይስሩዕን’ዩ፡” መለሰትሉ ርእሳ ብኣሉታ ንየማነ ጸጋም እናንቀሳቐሰት።
“ክሳብ ክንደይ መዓልታት ይጸቅጥ ነይሩ?”
“ንገለ ካልኢታት ዝን ድሕሪ ምባል፡ “ሳሕቲ ክልተ መዓልቲ፡ ዝበዝሕ ግዜ ግን ሰለስተ ኣርባዕተ መዓልታት ኣቢሉ ይጸቅጥ፡” ክትብል መለሰትሉ፡ ናይ መወዳእታ ሕቶኡ እያ ትኸውን ኢላ እናሓሰበት።
“በዓልቲ ሓዳር ዲኺ?”
ናብታ ክፍሊ ካብ ትኣትው ኣትሒዛ ፍሽኽታ ምብዝሑ ውቃበኡ ደስ ኣይበላን። ፈኵስ ዓይነት ሰብ ኮይኑ እዩ ተራእዩዋ። ትምልሰሉ ጠፊኡዋ ሰጋእ መጋእ ድሕሪ ምባል፡ “ሕጽይቲ እየ፡” በለቶ ገጻ ኣሲራ።
“ምስ ሕጹይኪ ብሓደ ዲኹም ትነብሩ?”
ዘይምልከቶ ሕቶ ዘቕረበላ ኮይኑ’ኳ ስለ ዝተሰምዓ፡ ቍሩብ ሕስይስይ ድሕሪ ምባል ርእሳ ብምንቕናቕ ብእወታ መለሰትሉ።
ንገለ ካልኢታት ትም ኢሉ ጸኒሑ፡ “ኣበይ ከባቢ?” ኢሉ ገጹ ኣብ ጐድኑ ናብ ዝነበረት ጻዕዳ ዝሕብራ ጠረጴዛ ኣቕንዐ።
ብውሽጣ፡ “እምበርዶ ጥዑይ ሓኪም’ዩ?” እናበለት መንበሪ ቦታኣ ኣብ ከባቢ ሰሜን ሆቴል ምዃኑ ገለጸትሉ።
ሓኪም ግን ብኡ ኣይዓገበን፡ “እሞ ብሕጹይኪ ትተኣማመኒ ዲኺ ወይዘሪት ሮዛ?” ክብል ተዋዘያ በተን ዕምባባ ዝመስላ ስሙራት ኣስናኑ ክምስ እናበለ።
ሕቶኡ ሕርቕ ኣምጺኡላ ተጸዊጋ ጠመተቶ። ካብቲ ክፍሊ ጠንጢናቶ ክትወጽእ ሰጋእ መጋእ እናበለት ከላ፡ ኵነታታ ተስፋ ዘይህብ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ኣብ ንእስ ኢላ ወረቐት ክሃናጥት ጸኒሑ፡ “ጥንሲ ሒዝኪ ኣለኺ ዝብል ግምት ስለ ዘሎኒ እየ ከምኡ ኢለኪ። ብዙሓት ደቂተባዕትዮ ክንምርዓወክን ኢና እናበለኡ፡ ከማኺ ንዝኣመሰላ ንጹሃት ደቂሄዋን ምስ ኣጥነሱወን ናይ ምጥላም ኣመል ኣለዎም። ብዝኾነ ዝያዳ ንምርግጋጽ ናይ ሽንቲ መርመራ ክትገብሪ ኢኺ፡” ኢሉ መሪሑዋ ናብ ማዕጾ ብምስጓም፡ “ትኽ ኢልኪ’ሞ ኪዲ፡ ንጸጋም ተዓጺፍኪ ኣብ ቍጽሪ ኣርባዕተ ነዚኣ ሃብዮም፡” ኢሉ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ወረቐት ኣቐበላ።
“ካብ ዝፈራሕኩዎ ኣይወጻእኩን፡” እናበለት ብልባ ናብታ ላቦራቶሪ ዝብል ጽሑፍ ዝነበራ ክፍሊ ኣምርሐት።
ሰለሙን ብማዕዶ ክከታተላ ጸኒሑ ኵርናዕ ከይተተውየት ከላ ብቕልጣፈ እናሰጐመ ኣርከባ። “እሂ ሮዚና፡ እንታይ ኢሉኪ? ደሓን ዲኺ?” ክብል ሓተታ ገጻ ኣሲራ ክትስጕም ምስ ረኣያ ስክፍታኡ እናወሰኸ።
ቍሊሕ ከይበለቶ፡ “ደሓን’የ፡” ኢላቶ መንገዳ ቀጸለት።
ነፍሳ ጸሊኣ’ያ ትኸውን ዝብል ግምት ኣሕዲሩ ብዘርኣየቶ ግሉልነት ብዙሕ ኣይተጨነቐን። ሰዓቱ ርእዩ ናብ ስርሑ ስልኪ ክድውል ናብ ተቐባሊት ኣጋይሽ ቀጸለ።
ድሕሪ ርብዒ ሰዓት ኣቢሉ፡ ሮዛ ውጽኢት መርመራ ሒዛ ኮደብ ኮደብ እናበለት ክትምለስ ከላ ኣብ ኣፍደገ ክፍሊ መዝገብ ተራኸቡ። ገጻ ኣሺኹ ምስ ተዓዘበ፡ “ደሓን ዲኺ ሮዛ?” ክብል ደጊሙ ሓተታ ብኵነታታ እናሰግአ። መልሲ ከይሃበቶ ሒዛታ ንዝነበረት ወረቐት ኣቐበለቶ። ጐድኒ ጐድና ገፈፍ እናበለ ነታ ጭሕግርግር ዝበለ ደቂቕ ጽሕፈት ዝነበራ ወረቐት ተጋዲሉ ምስ ኣንበባ ገጹ በርሀ። “ጠኒስኪ!” ኢሉ ብታሕጓስ ብምጭዳር ኢዳ ጨበጣ። ዘይተጸበዮ ነገር’ኳ እንተ ነበረ፡ ውላዱ ክርኢ ልዑል ባህጊ ስለ ዝነበሮ፡ በጋጣሚ ኣብ ጥቓኦም ሰባት እንተ ዘይነብሩ ሓቝፉ ምሰዓማ ነይሩ።
ሮዛ ምሕጓሱ ዝያዳ ስለ ዘሕረቓ ኣብ መኪና ክሳዕ ትኣትው ቃል ዝብሃል ኣየምለቘትን። መኪና ምስ ተበገሰት ገጻ ኣዚራ፡ “ብሓቂ ድዩ ምጥናሰይ ኣሕጕሱካ?” ክትብል ተዀርኒፋ ጠመተቶ።
“ንሕምቶዶ ሕቶ፡ ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩ ነፍስወከፍ ቤተሰብ ክሕጐስ እዩ። ፍረ ፍቕርና እዩ’ኮ ሮዛ፡” በላ እናሰሓቐ።
“ኣስሒቑካ’ምበኣር?”
“እዚ ዕድል’ዚ መን ይረኽቦ ሮዛ?” በላ ብሓውሲ ሕቶ። መልሲ ምስ ከልኣቶ ማርሻ መኪና ብምቕያር ናህሪ ወሲኹ እናተጓዕዘ፡ “ጥንሲ የፍርሓኪ ድዩ?” ክብል ተወከሳ ብፍሱህ መንፈስ።
ሕጂ’ውን፡ “ብኣይ መዓስ ተጀሚሩ ዘፍርሓኒ፡” ዝብል ሓጺር መልሲ ሃበቶ።
ኵነታታ ደስ ምባል ስለ ዝኣበዮ፡ “እንታይ እዩ ዘሰክፈኪ ዘሎ ሮዛ? ካባይ ኢኺኮ ጠኒስኪ፡” በላ ድምጹ ኣትርር ኣቢሉ።
“ካባኻ ምጥናሰይ ኣይተፍኣንን ሰለሙን። ቅድሚ መርዓና ክጠንስ ከለኹ እንታይ ኮይኑ ይስምዓካ? ነውሪ ምዃኑ ጠፊኡካ ማለት ድዩ? ሰብከ እንታይ ክብለኒ! ብምባል ብኹራ መለሰትሉ፡ ኣዝዩ ዝተሓሳስብ ነገር ዘጋጠማ ክትመስል።
ኣብ ክንዲ ከምቲ ልሙድ ሰሌ ትብሎ ምሉእ ስሙ ምጥቃማን ኵሪፍ ኵሪፍ ምባላን እናገረሞ፡ “መርዓ ደኣሞ ኣብ ዝጠዓመና ዘይንገብሮ፡ ኵሉኮ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። ብዛዕባዚ ዘጨንቕ የብልክን። ኢሉ ከደዓዕሳ ፈተነ።
“ስማዕስኪ፡ ቍሩብ ኣይትሓፍርን ዲኻ? ትማሊ ትማሊ ኣቦኻ ሞይቶምስ ከመይ ኢልና መርዓ ክንገብር ትሓስብ? ዶ ስድራኻ ዘይሕወሱዎ መርዓ ኢኻ ክትገብር ትሓስብ ዘለኻ? ምዃን ንስኻ እንታይ በዲልካ ኵሉ ባዕለይ ዝገብርኩዎ እዩ።”
ዘረባኣ ኣተሓሳሲቡዎ ንገለ ካልኢታት ዝን በለ። ተዝካር ኣቦኡ ከይሓለፈ መርዓ ክግበር ከም ዘይክእል ተረዲኡዎ፡ ሓቃ እያ፡ ኣብ ዝብል ሓሳብ ወደቐ። ኣብ ገዝኦም ምስ ቀረቡ፡ “መርዓ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኣብዚ ክንገብሮ ንኽእል ኢና፡” በላ ልጓም መኪና እናሓዘ።
ብሓሳብ ገይሻ ጸኒሓ ዘረባ ሰለሙን ብዙሕ ስለ ዘየቃለበትሉ፡ “እንድዒ፡ እንታይ’ሞ ክብል ኮይነ፡ መወዳእታኡ ጥራይ የጸብቐለይ፡” በለቶ ምስትምሳል ብዝተሓወሶ ቃና። ሰብ ዝኾነ ብዛዕባኣ ክዛረቦ ዝኽእል ነገር ብዙሕ ከም ዘተሓሳሰባ ኣብ ገጻ ይንበብ ነይሩ።
ሰለሙን ጸገማ ምርዳእ ጸጊሙዎ፡ “ሮዛ! እንታይ እዩ ጸገምኪ? ዘረባኺ ዝኾነ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። እንታይ ግበር ትብልኒ ዘለኺ? ክሳብ ክንድዚ ዘዛርበኪ ዘሎኸ እንታይ’ዩ?” ኢሉ ጸርጸር ድሕሪ ምባል ከይመለሰት ትም ምስ በለት፡ “ብዛዕባ ዅሉ ኣብ ምሳሕ ክንዘራረብ ኢና። ሕጂ ግን ደንጕየ ስለ ዘለኹ ናብ ስራሕ ክኸይድ’የ፡” ኢሉ ማዕጾ መኪና ገም ድሕሪ ምባል ደሓን ወኦኣሊ ከይበላ መኪና ኣተሲኡ ተዓዝረ።
ሮዛ ኣብ ገዛ ኣትያ ኣብ ዓራት ተደርበየት። “ብዘይካኺ መን ኣሎኒ፡ ሮዛ ህይወተይ ኢኺ፡” ይብላ ከም ዘይነበረ፡ ኣይወርሒ ኣይክልተ ወርሒ ክንድኡ ተቘጢዑ ምዝራቡን ደሓን ወዓሊ ከይበላ ምኻዱን ምጽዋር ስኢናቶ ንብዓት ሰዓራ። ሕንቃቐ ግዲ ሓዊሳትሉ ድማ ከም ቈልዓ ፊፍ በለት። ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ጥሜት ተሰሚዑዋ ካብ ዓራት ብምትሳእ ቍርሲ ክትሰርሕ ኣብ ክሽነ ኣተወት። ጥዑም ምግቢ ሰሪሓ ከብዳ ምስ መልአት ናብ ልባ ትመሊሳ ብጽሞና ክትሓስብ ፈተነት። ቅድሚ ወርሒ ንወርዘሮ ገብርኤላ ክተዘራርበን ከላ ገርህን ተፈታዊትን ሰብ ኮይነን’የን ተሰሚዐናኣ። የግዳስ ኣይቀሰነትን። ሓማታ ግቡእ ቃልኪዳን ከይኣሰረት ምጥናሳ እንተ ፈሊጠን እንታይ ክስምዐን ከም ዝኽእል ክትግምግም ብምፍታን፡ “ዘይክሰምዓ ይሓይሽ። እንተ ሰሚዐን’ኳ ሰብ ኣይክቘጽራንን’የን። ግን ከኣ ጥንሰይ እንተ ተሰቲሩ መርዓ ድሕሪ ተዝካር ይኹን ከም ዝብሃል ፍሉጥ’ዩ። ድሕሪ ሕርሰይ ምዃኑ እዩ። ኣንታ ኣምላኽ፡ እንታይ ሓጥያት ኮን ነይሩኒ እዩ!” ብምባል ተማረረት። ቅድሚ ወርሒ ብዛዕባ መርዓኣ ዝነበራ ዘንጸባርቕ ስእሊ ብሰንኪ ጥንሳ ንጽቡቕ ትምኒትን ባህግን ዝዘርግ ዓቢ ደንደላ ኣብ ቅድመኣ ግትር ኢላ ተራእያ።
ብኸምዚ ካብ ሓደ ናይ ሓሳባት ማዕበል ናብ ካልእ እናሰገረት ክትጭነቕ ጸኒሓ፡ ቈላሕታኣ ብሸነኽ ጸጋም ናብ ዝነበረት ናይ ዓራት ናብ ዝነበረት ንእሽቶ ከብሒ ሰደደት። ኣብ ውሽጢ ተመዛዚ ዝነበረት መጽሓፍ ቅዱስ ዘኪራ ክሳብ ክንደይ ካብ መንፈሳዊ ህይወት ርሒቓ ንኣምላኽ ብምርሳዕ፡ ብዛዕባ ስጋዊ ነገር ጥራይ ክትሓስብ ምጽናሓ ኣገረማ። “ንኣምላኽ ዘይፈራሕኩስ ንሰብ ክፈርሕ ጸኒሐ!” እናበለት ተመዛዚ ድሕሪ ምስሓብ ነታ ብጣልያንኛ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሰፈራ ኣውጽኣታ።
ኣብ መዝሙረ ዳዊት ድሕሪ ምግንጻል፡ ወዲሰብ ኣብ ግዜ ጸበባን ጭንቅን ከንብቦ ዝግብኦ መዛሙር ምስ ኣንበበት፡ መንፈሳዊ ቅሳነት ረኸበት። ተወጢሩ ዝጸንሐ መትንታታ ተፈታቲሑ ስብነታ ብመጠኑ ፍዅስ በላ። ካብ ዓራት ከይተስአት ከላ፡ “ቅድሚ መርዓ ጠኒሰ ስለምንታይ’የ ክሳብ ክንድዚ ተጨኒቐ? ንሰሌ ሓንሳብ ኣሚነይ ኢለ ተቐቢለዮ፡ ክብረንጽህናይ ከይተረፈ ኣወፊየሉ። ንዓኻ ምርካበይ ካልኣይ ከም ዝተፈጠርኩ’የ ዝሓስቦ ኢለዮ። ሕጂ በኦኣልቲኪዳነይ ሮዛ ተኒሳ ኢሉ ስለ ዝተሓጐሰ ዓቢ ጌጋ ከም ዝፈጸመ ቈጺረ ክቕየሞ ከለኹ እንታይ ይብሃል? እናበለት ብዝፈጸመቶ በደል ተጣዕሰት። ንዅሉ ረሲዓ ፍርቂ መኦኣልቲ ብፍሱህ መንፈስ ክትቅበሎ ወሰነት። ኣቐዲማ ግን ኣጻብዕትኻ ዘቘርጥም ምሳሕ ክትሰርሓሉ ብምሕሳብ ናብ ክሽነ ኣምርሐት። ምሳሕ ድሕሪ ምስራሕ ናብ ባኞ ኣትያ ሰብነታ ምስ ተሓጽበት ክዳና ቀዪራ፡ ጸጕራ ብጥንቃቐ ተመሸጠት። ኮታ ትውንኖ ዘበለ መጸባበቒ ተጠቒማ ካልእ ሮዛ ክሳብ ትመስል ኣመና ትስወንወነት።
ሰለሙን ብወገኑ ካብ ስራሕ ተፈዲሱ ገዝኡ ክሳብ ዝበጽሕ ጎቦ ልቡ እዩ ውዒሉ። ብዛዕባ’ቲ ምስ ሮዛ ዘጋጠመ ፍጻሜ መመሊሱ ሓሰበ። ድሕር’ቲ ኵሉ ፍቕርን ብሓባር ምንባርን ተጠራጢራቶ ከም ዘይኮነት ርግጸኛ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣእምሮኣ ብገለ ነገር ከም ዝተረበሸ ምርዳእ ኣይጸገሞን። ቅድሚ ገለ መዓልታት ብዕላል ዕላል ቅድሚ መርዓ ምጥናስ ዓቢ ሓጥያት ምዃኑ ትዛረብ ከም ዝነበረት ዘኪሩ ተቘጢዑ ክምልሰላ ከም ዘየነብሮ ተገንዘበ። ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኣኸለ፡ “መስኪነይቲ ከመይ ኢላ ኮን ውዒላ ትኸውን? ፍሉጥ’ዩ ክትነብዕ ውዒላ’ላ፡” እናበለ ንእግረ መንገዱ ፍረታት ዓዲጉ ኣብ ገዛ በጽሐ። ሮዛ ኣብ ዝለዓለ ናይ ቍንጅና ውድድር ክትሳተፍ ዝተቐረበት ምክሕቲ ጐርዞ መሲላ ብፍሽኽታ ተቐበለቶ።
“ሕሹኪዶ ሮዚና ሽኮር?” እናበለ ሓቝፉ ሰዓማ።
“ኣነ ደኣ ገለ ዘይብለይ። ተሻቒልካዶ ውዒልካ ሰሌ ሓወይ?” በለቶ ክምስታ ሓዊሳ። ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ቍርሲ ከይበላዕካ ስለ ዝኸድካ ጠሚካ ትኸውን ፖቨረቶ። ሎሚ ትፈትዋ ዓይነት ምግቢ’የ ሰሪሐልካ ዘለኹ፡” ኢላ ናብ ክሽነ ብምኻድ ምሳሕ ሒዛ ድሕሪ ምምላስ፡ ኣብ ጐድኒ ሰለሙን ተቐመጠት።
“ኣነ ደኣ ከምዚ’ልኪ ትጸንሒ ዘይመሰለኒ፡ ብኣኺ ክሓስብ ሕማቕ’የ ውዒለ፡” እናበለ ብጸጋማይ ኢዱ ሒዙዋ ናብ ሳሎን ሰጐመ።
ይቕጽል . . . . . . .
5ይ ምዕራፍ መበል 36 ክፋል ሰንበት ጥሪ 25