ደራሲ እስቲፋኖስ ገብረሚካኤል
4ይ ክፋል
ህይወት ወዲሰብ ናበይ ከም ተምርሕ ኣረጋጊጽካ ምትንባይ ከም ዘይከኣል ኵሉ ዝረዳድኣሉ ጕዳይ’ኳ እንተ ኾነ፡ ገለ ሰባት ግን ኣብ ጽሕፍቶኡ’ዩ ዝምርኰስ ኣብ ዝብል ነጥቢ ይረግጹ። ህይወት ወዲሰብ ኣምላኽ ናብ ዝመርሓ እያ ትጐዓዝ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝኽተሉ’ውን ኣለዉ። ናይ ነፍስወከፍ ሰብ ምንቅስቓስ ምስ ኮኾቡ ስለ ዝተኣሳሰር፡ ኵነታት ኮኾቡ ከጽንዕ ዝኸኣለ ሰብ ንህይወቱ ናብ ዝሓሸ ጐደና ክመርሓ ቀሊል’ዩ ንዝብል ፍልስፍና ዝኣምኑ’ውን ኣይሰኣኑን እዮም። ንዅሉ ነገር ከም ሓደ ናይ ጠንቅን ሳዕቤንን መስርሕ ብምጥማት፡ ህይወት ወዲሰብ ብኣሽሓት ኣብ ነንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩን ዝመራዀሱን ሕልኽልኽ ዝበሉ ረቛሒታት ስለ ዝጽሎ፡ ከሎ ገና ክትንበ ዝኽእል ነገር ክህሉ ኣይክእልን እዩ ዝብሉ መጐታውያን ከኣ ውሑዳት ኣይኮኑን። በንጻሩ ንዝኾነ ምንቅስቓስ ወይ ኣብ ህይወት ዝኽሰት ፍጻሜ ከም ናይ ኣጋጣሚ ወይ ናይ ዕድል ነገር ገይሮም ዝወስዱዎ ሰባት ምህላዎም’ውን ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ዝብሃል ኣዝዩ ብዙሕ’ኳ እንተ ኾነ፡ ኣየናይ’ዩ እቲ ሓቂ ብዘየገድስ፡ ወዲሰብ ሓደ ኣብ ንጡፍ ማሕበራዊ ህይወት ዝተቘርነ ፍጡር ከም ምዃኑ መጠን ብከባቢኡ ከም ዝጽሎን፡ ዘርእዮ ግብረ መልሲ ኣብ ህይወቱ ወሳኒ ተራ ክህልዎን ግድነት’ዩ።
ሰለሙን ወላ’ኳ መስተውዓሊ ሰብ እንተነበረ፡ ነቲ ዘጋጠሞ ሓድሽ ሃዋህዉ ኣብ ምብዳህ ዘርኣዮ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ግን ብእወታ ዝግለጽ ኣይኮነን። ንብምሉኡ’ቲ ጠባያትን ባህርያትን ናይቶም ዘቕንኡዎ ዝነበሩ ዝነበሩ መንእሰያት ኣሉታን እወታን ከይመመየ ከም ዘለዎ ክቐድሖፈቲኑ። ከም ሳዕቤን ድማ ኣብቲ ቀጻሊ ብመስተን ሽጋራን ተሰንዩ ዝእጐድ ዝነበረ ዕላላት ብዘይ ብኵራት ይሳተፍ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊ ምስተ ዝነበሮ ጽልኣትን ትምክሕትን ረሲዑ ኣብ መበል ሳልሳይ ሰሙኑ ክሰቲ ጀሚሩ። ሽጋራ ብፍጥረቱ ዘይፈቱ ክነሱ ድማ መስተ ከብዝሕ ከሎ ሓንሳብ ሮዝማን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ዊንስተን በኾዅ ምባል ጀሚሩ።
መቸም ኣብ መስተ ዘይዝረብ ነገር፡ ዘይለዓል ኣርእስቲ የሎን። ብተራ ዕላል ጀሚርካ ናብ ፖለቲካ፡ ብዛዕባ ደቂሄዋን ክትዛረብ ጸኒሕካ ናብ ጕዳይ ሃገር ክትሰግር ባህርያዊ እዩ። ዝፈለምካዮ ኣብ መደምደምታ ከየብጻሕካ ጓል መንገዲ ብምሓዝ ንሰብ ክትውድስ ወይ ክትሓሚ፡ ንመንግስቲ ክትወቅስ ወይ ክተሞጕስ’ውን ቀሊል’ዩ። እዚ’ውን እቲ ምዉቕ ዝጸንሐ ሃዋህዉ ናይ መስተ ነገር ኮይኑ ጠንቁ ብዘይተፈልጠ ጫሌዳ ዘረባ እቲ ዕሙር ጸወታን ዳንኬራን ዓብሊሉዎ ዝነበረ ኵነታት ሃንደበት ናብ ባእስን ዕግርግርን፡ ምትህርራምን ኣውያትን ኣንተ ዘይተቐዪሩ እዩ። ናይ መስተ ነገር ከኣ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ዝበዝሕ ግዜ ከምኡ እዩ።
ሰለሙን ንዙረት ይኹን መስተ ሓድሽ ከም ምንባሩ መጠን ብሓደ ተሞክሮ ክሓልፍ ባህርያዊ ነይሩ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ዛራ ብርቱዕ ውሕጅ ምስ ሓለፎ ንሳልስቲ ናብ ሓሬት ዝቕየር፡ ንሱ’ውን ካብቲ ኣቐዲሙ ዝፈልጦ ስሩዕን እርኑብን ህይወቱ ሸተት ብምባል፡ ንውሱናት ኣዋርሕ ከም ሕሱም ፋዕ ኢሉ፡ ክሳብ ዒፍ ዝብሎ ድማ ኣብ ናይ ዝርጋን ባሕሪ ሓምቢሱ። መብጽዓኡ ከይጠልም ግን ጐድኒ ንጐድኒ እቲ ዶብ ዝጠሓሰ ዙረትን መስተን፡ ብምትብባዕ ሃብቶም ዓርኩ ብርክት ዝበለ ናይ ሽዑ እዋን ናይ ህቡባት ደረስቲ መጻሕፍቲ ከንብብ ክኢሉ። ብተወሳኺ ህሉው ኵነታት ዓለም ንኽከታተል ቀጻሊ ሬድዮ ምስማዕ ስለ ዘዘውተረ፡ ገና ተልመደን’ኳ እንተ ነበረ ከም ትምኒቱ ማዕረ’ቶም ብኣንክሮ ዝጥምቶም ዝነበረ መዛውርቱ ብርእሰ ምትእምማን ከዕልልን ክካታዕን በቒዑ።
ብኻልእ መዳይ ክርአ ከሎ ኣብ ኣስመራ ንክራይ ገዛ ይኹን ንኤለትሪክ፡ ንምግቢ ይኹን ንከዳሚት ዝገብሮ ወጻኢ ስለ ዘይነበሮ ዝያዳ ገንዘባዊ ረብሓ ነይሩዎ እዩ። ብትርፊ ሰዓት ሰሪሑ ዝረኽቦ ዝነበረ ኣታዊ’ውን ብቐሊል ዝግመት ኣይነበረን። እንተኾነ ንሱ በዚ መንጽር’ዚ ኣይጥምቶን ነይሩ። ኣብ ኣስመራ ከሎ ጽግዕተኛ ስድራኡ ካብ ምንባር ሓሊፉ ብዛዕባ መጻኢ ህይወቱ ሓሲቡ ኣይፈልጥን ነይሩ። ናብ ኣዲስኣበባ ካብ ዝመጽእ ግን ናይ ገዛእ ርእሱ ገዛ ተኻርዩ፡ ንመነባብሮ ወዲሰብ ዘድሊ ንብረት’ውን ኣጥርዩ። ሓታቲ ዘይብሉ ኣብ ዝደለዮ እዋን ክኣቱን ክወጽእን ምኽኣሉ ንባዕሉ ፍሉይ መንፈሳውን ኣካላውን ዕግበት ፈጢሩሉ። ኣብ ግምት ኣእትዩው ዘይፈልጥ ውልቃዊ ናጽነቱ ድማ ንፈለማ ግዜ ጽቡቕ ኣስተማቒሩዎ። ስለዝኾነ፡ ኣቦኡ ንዝሰዱሉ ዝነበሩ ደብዳቤታት ጸማም እዝኒ ብምሃብ፡ ካብ ደምበ መሊቝ ናብ ሕዛእቲ ከም ዝኣተወ ብዕራይ ኣዋዲ ዘይብሉ ከም ድሌቱ ምዕንዳር ቀጺሉ።
* * *
ብድሮኡ ዝወሰዶ መድሃኒት ግዲ ጠቒሙዎ መሬት ምስ ወግሐ ፍዅስ ኢሉዎ ተስአ። ኣሺኹ ዝነበረ ጭሕሙ ላጽዩ ቍርሲ ድሕሪ ምብላዕ ድማ ናብ ስርሑ ተበገሰ። ኣብታ ካብ ኣፍደገ ገዝኡ ቍሩብ ፍንትት ኢላ እትርከብ መጸበዪ ኣውቶቡስ ምስ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ታክሲ ክጽበ ንገለ ካልኢታት ደው በለ። ክልተ ብሰሜን ዝመጽኣ ታክስታት ደው ከይበላ ድሕሪ ምሕላፈን፡ እግሪ እግረን ብዛሕሊ ክትጐዓዝ ዝጸንሐት ሳልሰይቲ ታክሲ ደው ምስ በለት፡ “ንግድ ማተምያቤት” ኢሉ ኣብታ ሰብ ዘይነበራ ታክሲ ብቕድሚት ደየበ።
በዓል ታክሲ መንገዱ ቀጸለ። ንገለ ሚእቲ ሜትሮ ምስ ተጓዕዘ፡ “ፒያሳ” ኢሉ ተሳፈርቲ ክጽዕን ደው በለ። ሰለሙን ከየስተውዓለላ ሓንቲ መንእሰይ ብድሕሪት ደየበት። ገጻ’ኳ እንተ ዘይረኣያ ተኸዲናቶ ዝነበረት ጐልፎን ቡናዊ ጐናን ግን ብድሮኡ ኣብ ፋሲል ፋርማሲ ንዝረኣያ ውቅብቲ መንእሰይ ኣዘኻኸረቶ። መልክዓ ክርኢ ተሃንጥዩ ንጐድኒ ከም ጥውይ ኢሉ ሰሪቑ ጠመታ። “ንሳ እያ!” በለ ብውሽጡ።
በቲ ኣጋጣሚ ኣመና እዩ ተደሲቱ። “ከመይ ሓዲርኪ ሮዛ፡ እቲ ናይ ኣዝግሄር ሰላምታ ደኣ ተሪፉ ድዩ?” እናበለ ክምስታ ሓዊሱ ኢዱ ዘርግሓላ። በዓል ታክሲ ገጹ ጠውዩ ክምስ ብምባል ንኽልቲኦም ጠመቶም። ንዘይፈለጠ ሰብ ጽቡቕ ገይሩ ዝፈልጣ ክኸውን ኣለዎ ናብ ዘብል መደምደምታ ዘብጽሖ ኣቀራርባ እዩ ነይሩዎ። ብስድነት ሰብ ታክሲ ዝሰክሐት ሮዛ ጸግዒ ሒዛ ቈላሕታኣ ናብ ደገ ሰዲዳ ስለ ዝጸንሐት ዘረባኡ ሃንደበት ኮና። “ከምኡ ዘይኮነስ ኣየስተውዓልኩን፡ ስኩዛ!” ኢላ ኢዳ ዘርግሓትሉ። ክጭብጣን ኣብ ሰብነታ ፈኵስ ተዘዝታ ክስምዓን ሓደ ነበረ። ብድሮኡ ስማ ክትጽዋዕ ከም ዝሰምዓ ስለ ዝረስዓቶ ከመይ’ሉ ከም ዝፈለጣ ኣዝዩ ገረማ።
ገጹ ንድሕሪት ገልቢጡ፡ “ኣብዚ ከባቢ ድዩ ገዛኺ?” ክብል ምስ ሓተታ፡ እናሓፈረት ብእወታ መለሰትሉ።
“ሓቅኺ ዲኺ? ደቂ ገዛውቲ ከለና ክሳብ ሕጂ ከይተፋለጥና! ናይ ኣጋጣሚ ነገር ድዩ?” መለሰ ፍሽኽታ እናርኣየ።
“ናብዚ ከባቢ ካብ ዝግዕዝ ክልተ ሰሙን ኣይመላእኩን።”
“ኣቐዲምኪ ደኣ ኣበይ ኔርኪ ማለት’ዩ?”
“ኣብ ቄራ፡” ሕስይስይ እናበለት ዝሃበቶ መልሲ እዩ ነይሩ።
“ቄራ ደኣ ኣበይ ከባቢ ኮይኑ?” ብምባል ሕቶኡ ቀጸለ መርማሪ ፖሊስ ክመስል። ከዕልላ ስለ ዝደለየ እዩ’ምበር ብዛዕባ ናይ ቀደም ገዛኣ ተገዲሱ ኣይኮነን።
ሕቶታት ምብዝሑ እናገረማ፡ “እቲ ቦታ ብዙሕ ኣይፈልጦን’የ፡ ግን ቡልጋርያ ማዞርያ እዩ ዝብሃል፡” በለቶ ሓንሳብ ርእሳ እናኣቕንዐት ሓንሳብ ርእሳ እናድነነት።
“ዋይ ዘይምፍላ . . . ጥ! ቡልጋርያ ማዞርያ ደኣ መውዓሊና’ንድዩ ነይሩ ጓለይ፡ ቅድሚኡ ግን ኣበይ ኔርኪ?” ካልእ ሕቶ ኣስዓበ። ካብ መልሓሳ ኣብ ቦቴጎ ትመሃር ዝነበረት ክትከውን ኣለዋ ዝብል ግምት ኣሕደረ።
ኣብ ኣስመራ ከም ዝዓበየት ክትገልጸሉ ገለ ውሽጣዊ ስምዒት ደሪኹዋ፡ “ካብ ኣስመራ ክሳብ ዝመጽእ ዳርጋ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ጥራይ’የ ገይረ፡” ኢላ ድሕሪ ምምላስ፡ ዘረባኡ ክቕጽል እናሓሰበ ከሎ ኣብ ፊት ስራሓ ከም ዝበጽሐት ኣስተውዒላ፡ “ኡን ሞመንቶ!” በለቶ ነቲ ብዝግታ ዝኸይድ ዝነበረ በዓል ታክሲ።
ዋና ታክሲ በጋጣሚ ኤርትራዊ ኮይኑ ስለ ዝጸንሐ፡ “ባቤነ ሲኞሪና፡” ኢሉ እናሰሓቐ መኪና ደው ኣበላ። ክምስ ክትብል ምስ ረኣያ፡ “ካብዞም ከርናፋትዶ መሲለኪ ነይረ?” ወሰኸ።
“እንቋዕ በል ኣሕዋት ኮንና፡” እናበለት ገንዘብ ክትከፍል ቦርሳኣ ከፈተት።
“ተኸፊሉ እዩ ሮዛ፡ ከይትቕበላ፡” በለ ሰለሙን ሓንሳብ ናብኣ ገጹ ሓንሳብ ድማ ናብ በዓል ታክሲ እናጠመተ።
“ኒየንተ! እናበለት ክትከፍል ወጠጥ በለት።
“ጋሻና’ንዲኺ! ዘይከውን፡ እዚ ደኣ ኣየናይ ኮይኑ እዩ’ሞ?”
“ግራሴ በል፡ ቻው!” ኢላቶ ማዕጾ ገም ኣቢላ ወረደት።
ኢዱ እናወዛወዘ፡ “ቻው ሮዛ፡” ብምባል ካብ ገጹ ክሳብ ትኽወል ቀው ኢሉ ጠመታ። ብቕርጺ ኣካላታ፡ ኣሳጕማ እግራ፡ ማራኺ ቍንጅናኣ ተሳሒቡ ናብ ስርሑ ክሳብ ዝበጽሕ ብዛዕባኣ ጥራይ ሓሰበ። ክርስዓ ፈቲኑ ግን ኣይከኣለን። “እንታይ ኮይነ’ለኹ? ካብ ካልኦት ዝተፈልየት ስለ ዝኾነት ድዩ?” ክብል ጸኒሑ፡ “ክላ! ባዕላ ትፈልጥ፡ ኩላተን ሓደ እየን፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ይኣክል። ሃብቶምከ እንታይ ክብለኒ?” ብምባል ምስ ነፍሱ እናተማጐተ ከሎ “በጺሕና፡” በሎ በዓል ታክሲ።
ኣስጊሉ ከም ዘይጸንሐ፡ “በጺሕናዶ?” ኢሉ ናይ ክልቲኦም ሕሳብ ከፊሉ ናብ ስርሑ እናሰጐመ፡ “ኣሕ! መኪና ክትህሉ ነይሩዋ ሕጂ፡” በለ ብሓውሲ ሕርቃን።
ምቍጽጻር ሓተምቲ ወዲኡ ናብ ቤትጽሕፈቱ ብምእታው ኮፍ ድሕሪ ምባል፡ ቍሪ ስለ ዝተሰምዖ ጸሓይ መታን ክጽሎ ናብ ደገ ወጺኡ ኮፍ በለ። ተጸሊኡዎ ከም ዝነበረ ዝፈለጡ መሳርሕቱ፡ “ከመይ ደኣ ገይሩካ ሰሌ፡ ኣይጠዓኻን ዲኻ?” ክብሉዎ ከለዉ ገለ ዝያዳ ዝቐርቡዎ ድማ ብሓውሲ ጭርቃን፡ “ንስኻ ትኣክል ጐበዝ’ሲ ሰዓል ክተሰንፈካ!” እናበሉዎ ይሓልፉ ነበሩ።
ካብ ቤትጽሕፈቱ ተሲኡ ናብ ቤትዕዮ ክኸይድ ብድድ ኢሉ ከብቅዕ፡ እንታይ ከም ዘርኣዮ ከም ብሓድሽ ኮፍ በለ። ቀንዲ ስርሑ ንሓተምቲ መካይን ምቍጽጻር’ኳ እንተኾነ፡ ከም ሓላፊ ቴክኒክ መጠን ኣብ ምሉእ’ቲ ትካል ዘጋጥም ሓፈሻዊ ንጽገና ዝምልከት ስራሓት’ውን ንዑኡ ይምልከት ነይሩ። ስለዚ፡ ዝጽገና ሓተምቲ ምስ ዘይህልዋ ኣብታ ከም ክፍሊ ጽገና እተገልግል ጽብብ ዝበለት ቤትዕዮኡ ምስ ሓጺን ክቃለስ ይውዕል። ከም ክኢላን ህርኩትን ሰራሕተኛ ስለ ዝእመነሉ፡ ሓለፍቱ ብፍላይ ከኣ ከኣ ምትኩ ብክንክን’ዩ ዝሕዞ። ካብዚ ዝተበገሰ ዝኾነ ምኽንያት ፈጢሩ ኣብ ደስ ዝበሎ ግዜ ናብ ቃሕ ዝበሎ ቦታ ክበጽሕ ምሉእ ናጽነት ነይሩዎ። ብዘይካ’ዚ ብዙሕ ኣይኮነን’ምበር ገለ ወነንቲ ትካል ኤርትራውያን ኣብ ትርፊ ሰዓቱ ክተሓጋገዞም ክልምኑዎ ከለዉ’ውን ዓይኑ ይሓሲ ኣይነበረን።
ጋዜጣን መጽሔትን ክገናጽል ካብ ቤትጽሕፈቱ ከይወጽአ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ምስ ኣኸለ፡ ደሃይ መኪናኡ ክገብር ናብ ቄራ ኣምርሐ። ከይተዓረየት ምስ ጸንሓቶ እናንጸርጸረ ምስታ ዘምጽኣቶ ታክሲ ናብ ፒያሳ ድሕሪ ምምላስ ብቐጥታ ናብታ ልቡ ዝሰለበት ጐርዞ መረሸ።
“ከመይ ውዒልኪ ሮዛ፡” በላ ኢዱ እናዘርግሐ።
“ደሓንዶ ውዒልካ?” ሕፍርፍር እናበለት ሰላምታ ለገሰትሉ።
ሰለሙን ሕስይስይ እናበለ ነታ ሒዙዋ ዝነበረ ጭራም ወረቐት ምስ ኣቐበላ፡ “ኣይሓሸካን ድዩ?” ክትብል ተወከሰቶ።
“ርእሰይ ከፊኡኒ’ምበር ካብታ ሰዓል’ኳ ዳርጋ ዝተገላገልኩ እየ ዝመስል ዝብል መለሲ ሃባ ክምስታ ሓዊሱ።
“ዋይ ሓወይ!” ኢላ ገንዘብ ተቐቢላ ማልስ ሃበቶ።
ገንዘቡ ተቐቢሉ ኣብ ክንዲ ዝኸይድ ግን ኣብ ባንኮ ተደጊፉ ዕላል ጀመረ። ፋዱስ ኣብ ምእካሉ ስለ ዝነበረ ነተን ውሑዳት ደቓይቕ ምስኡ ምዕላል ኣይጸልኣቶን። ንሱ’ውን ስምዒታ ዘንበቦ ክመስል ነቲ ጽሙው ሃዋህዉ መዝሚዙ፡ “ምሕረት የውርደልካ ክትብልኒ ተጸብየ ነይረ ግን ኣብ ምርቓ ትኣምኒ ኣይትመስልን ኢኺ፡” በላ እናሰሓቐ። ምስ ኣዋልድ ከዕልል ከሎ ከም ስርዓት’ዩ ዝቈጻጸረን። ብዙሕ ከይደንጐየት ፍሽኽታኣ ናብ ሰሓቕ ተቐዪሩ ኣቓልቦ መሳርሕታ ክሳብ ትስሕብ ቲኽቲኽ ከም ዝተባህለ ቈልዓ ካርካር ክትብል ጀመረት።
ሰዓት ኣኺሉ መሳርሕታ ክወጽኡ ተብተብ እናበሉ ከለዉ ክሳ ዓጽያ ቦርሳኣ ኣንጠልጠለት። ሰለሙን ቀዲሙዋ ብምውጻእ ኣብ ኣፍደገ ክጽበያ ጸኒሑ ጐድኒ ጐድና ተበገሰ። ጽርግያ ሰጊሮም ናብ ሰሜን ሆቴል ዝወስድ ጐደና ምስ ተሓወሱ ብጸጋማይ ኢዳ ሓዛ። ማዕረ ክንድኡ ዝደፍራ ኣይመሰላን። “ኣይትሓዘኒ!” ኢላ ክትፍንጽጐ ድንዕ በለት። ኣብ ሰብነታ ኣስተማቒራቶ ዘይትፈልጥ ፍሉይ ክትገልጾ ዘይከኣለት ደስ ዝብል ስምዒት ስለ ዝተኻዕዋ ግን ምስ ስክፍታኣ ትም ኢላ ክትጐዓዝ መረጸት። ይኹን’ምበር ነፍስወከፍ ሓላፍ መንገዲ ንዓኣ ዝጥምትን፡ “ርኣዩዋ’ዛ ፈኳስ! ሰብ ትመስል’ምበር ለካ ሓንቲ ከልቢ እያ፡” እናበለ ዝዕባ ዘሎ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓ ቍሩብ ምስ ተጓዕዘት ካብ ቦርሳኣ መንዲል ክተውጽእ ዝደለየት ብምምሳል ኣገሪሃ ኢዳ ከም ዝፍንዋ ገበረቶ። ዝተጠቕመትሉ ብልሓት ከቶ ኣይተረድኦን።
ጻዕቂ ሰብን ተሽከርከርትን ዝነበሮ ከባቢ ምስ ሓለፉ፡ ነቲ ልሙድ ምስ ደቂኣንስትዮ ዝጥቀመሉ መሳጢ ዕላላቱ ጀመረላ። ነቲ ኣስታት ሓደ ኪሎሜተር ዝጽጋዕ ክሳብ ገዛኣ ዘሎ ርሕቀት ከኣ ዘይጽገብ ዕላሉ እናሰምዐት ከይተረድኣ ወድኣቶ። ንሱ እንተኾነ’ውን ፍርቂ ሰዓት ዝተጓዕዘ ኮይኑ ኣይተሰምዖን። ኣብ መወዳእታ ብዘይ ቈጸራ ክፍለያ ስለ ዘይደለየ፡ “እሞ መዓስ ኢና ንራኸብ?” ክብል ሓተታ ነቲ ጕዳይ ከም ግድነታዊ ነገር ወሲዱ።
ምስ ወዲ ተቛጺራ ስለ ዘይትፈልጥ እንታይ ከም ትምልሰሉ ጠፊኡዋ ርእሳ ኣድኒና ናብ መሬት ክትጥምት ጀመረት። ኵነታታ ተዓዚቡ፡ “ደሓን፡ ናይ ኣጋምሸት ኣብ ስራሕ ከመጽኣኪ እየ። ቻው ሮዛ” ኢሉዋ መልሲ ከይሃበቶ ተዓዝረ።
ይቕጽል
5ይ ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 31 ነሓሰ