ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
ራብዓይ ምዕራፍ መበል 30 ክፋል
ንብዓታ ጀረብረብ እናበለት፡ “በሊ ትኩእ ወድኺ ከም ዘይኮነ ፍለጢ፡ ንስኺ ጓል ኢኺ ወሊድኪ . . .” ዘረባኣ ሕንቕ ሕንቕ ይብል ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ነተን ዳሕረዎት ቃላት ጽቡቕ ከየድመጸተን ዳግማይ ብብኽያት ተነኽነኸት። እቶም ክልተ ኣዕሩኽ ኣንፈት ጥራይ ሒዞም’ምበር እንታይ ከም ዝሰምዑ ርግጸኛታት ኣይነበሩን። ነእዛኖም ክኣምኑ’ወን ስለ ዘይከኣሉ፡ ብጭቡጥ እንታይ ከም ዝበለት ብንጹር መታን ከረጋገጹ፡ “እንታይ ኢልኪ ማሪያ? ኣስኪ ርግእ ኢልኪ ድገምልና፡ ክብሉ ተወከሱዋ ኣራእሶም ኣድኒኖም ናብኣ እናተጸግዑ። ምብካይ ምስ ቀጸለት ግን ኣራእሶም ኣቕኒዖም ነንሓድሕዶም ተጠማመቱ።
ድሕሪ ደቓይቕ ኮይኑ ዝተሰምዖም ሓጺር ህሞት ዘረባኣ ብምቕጻል፡ “ትኩእ ወድኺ ኣይኮነን፡ ጓል ኢኺ ወሊድኪ፡’ ዝብል መርድእ ኣስሚዓትኒ፡” ክትብል ኣምሪራ ፊቕ እናበለት ነቲ ዘረባ ኣነጺራ ደገመትሎም።
ግራዝማች፡ “በ . . . ስ . . . መ . . . ኣ . . . ብ በ . . . ወ . . . ል . . . ድ መ . . . ን . . . ፈ . . . ስ ቅ . . . ዱ . . . ስ!” እናበሉን ገጾም ብትእምርተ መስቀል እናዓተቡን ካብ ኵርሶም ተስኡ።
ባሻይ ብበርቂ ዝተሃርሙ ኮይኑ ተሰምዖም። ሕልሚ ድዩ ጋህዲ ምርዳእ ስኢኑዎም ንሓጺር ህሞት ኣብ ዘለዉዎ ከም ዓንዲ ጨው ደሪቖም ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ት. . .ሩ. . .ፍ ደ. . . ጊ. . .ም!” ኢሎም ርእሶም ብምሓዝ ደኒኖም ትም በሉ።
ኣብታ ሰፊሕ ሳሎን ከቢድ ህድኣት ሰፈነ። ምእንቲ ርእሱ ኣብቲ ጽሬቱ ዝተሓለወ ክፍሊ ንፈውሲ ማሕላ’ውን ስለ ክርከብ ስለ ዘይክእል’ምበር፡ ሃመማ ክዝምቢ ከሎ ምተሰምዐ ነይሩ።
ማሪያ ንብዓታ ካብተን ኣዝየን ዝመጠጓ መዓጓጕርታ ብመሃረባ ደሪዛ፡ እቓልቦኦም ናብኣ ክሳብ ዝገብሩ ዝተረፈ ክተስዕብ ብዓቕሊ ተጸበየቶም።
“ወይ ታሪኽ! ብህይወት እንተ’ሊኻስ ዘይትሰምዖ ነገር’ባ የሎን። ከመይ ዝበለ ምጾታት’ዩ ደቀይ! ወይ ሚካኤል ሊቀመላእክቲ! ከምዚኸ ኣሎ ድዩ? በሊ’ስኪ ቀጽሊ፡” በሉዋ ባሻይ፡ ርእሶም ኣቕኒዖም ናብኣ እናጠመቱ።
“መስተንክር’ዩ! እንታይ ዝበለ ግዜ ኮን ኢና በጺሕና፡ ሰብ ዝብሃልስ ከመይ ዝበለ እኩይ ፍጥረትዩ ኮን’ዩ!” በሉ ነገራቱ ኣመና ዝደንጸዎም ግራዝማች።
“ሓቂ ዘረባ ኣብቲ መጀመርያ ክተታልለኒ ሓሲባ እያ ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሰ ንዘረባኣ ኣይተቐበልኩዎን። ‘ትሕስዊ ኢኺ ዘለኺ፡ ኣይኣምነክን’የ፡’ እንተ በልኩዋ ካርካር ኢላ በቃጫጭ ድሕሪ ምስሓቕ፡ ‘ንሱስ ናባይ ግደፍዮ ደሓን፡ ደሓር ጥራይ ከይትጠዓሲ። እንተኾነ መሓዙት ኢና ኣብ ካልእ ዕግርግር ከይተባጻሕና ከለና ንሰማማዕ። ኣይፋለይን እንተ በልኪ ግን ተስፋ ዝቘረጽኩ ሰብ ስለ ዝኾንኩ ደም ከንብዓኪ ከም ዝኽእል ፍለጢ፡’ ኢላ ክተፈራርሓኒ ፈቲና። ሓሶት ኣመላ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ ግን ኣበይ ኣዲኣ ከይትበጽሕ ኢለ፡ ‘ንመን ኢኺ ደኣ ከምኡ ኢልኪ ተፈራርሕዮ! ክሳብ ክንድኡ ዲና ተባጺሕና ኣስካሉ፡’ ኢለያ ብዙሕ ከይተገደስኩ። ኣስካሉ ሰናፍ ኣይኮነትን፡ ‘ስምዒ’ምበኣር፡’ ኢላ ዘረባኣ ትጅምር። ‘ትዝክርዮ እንተዄንኪ ቅድም ዝማም ተገላጊላ። ኣይደንጐኽን ንስኺ ቅምጥ ኢላ ነቦኣ ትመስል ጓል ሓሪስኪ። ዓይኒ ብርከይ የስእነኒ ሽዑ ተንኰል ኣይሓሰብኩን ኣብ ሃለኽለኽ’የ ነይረ። እንተ ዘይረሲዕክዮ መሬት ኣብ ምውግሑ እዩ ነይሩ ድኻም ነይሩኒ። ከይደቀስኩ ስለ ዝሓደርኩ ቍሩብ ቀም ከብል ኢለ ብግስ ክብል ከለኹ ናብ ዝማም ገጸይ ቍሊሕ እንተ በልኩስ መስኪነይቲ ዓይና ገልቢጣ ርእየያ። ናብኣ ገጸይ ቅርብ ምስ በልኩ ንዓኺ ክሳብ ዘገላግለኪ ድሮ ነቒጻ ጸኒሓትኒ። ብሰላም ዘሕረስኩዋ ሰብ ክትሞተኒ ናይ መጀመርያ ግዜ ስለ ዝነበረ እምብዛ ጕህየ። ብኡንብኡ ግን እቲ እከይ ሓሳብ ቅጅል ስለ ዝበለኒ ነቶም ዕሸላት ቀያይረዮም። ለይቲ ብምንባሩን ሞት ዝማምን ከኣ ነቲ ጕዳይ ኣቕሊሉዎ። ሕጂከ ኣሚንኪዶ?’ ምስ በለትኒ፡ መሬት ኣፋ ከፊታ ውሕጥ ክተብለኒ ኣይጸላእኩን። ንዓመታት ወደይ ኢለ ዘዕበኹዎ ትኩእ ሃንደበት ምንጥል ተብለኒ ዘላ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣእምሮይ ከም ስርዓት ተገላቢጡኒ ብትኽክል ክሓስብ ኣይከኣልኩን።
“እቲ ነገር እመንሉ ኣይትእመንሉ ብዘየገድስ፡ ‘ገንዘብ እንተ ዘይሂብክኒ ከቃልዓኪ እየ፡’ እናበለት መጻወቲኣ ክትገብረኒ ከም ዝሓሰበት ግሁድ ነይሩ። ኣስካሉ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቈላ እትብል ካባይ ዝገደደት ሕልና ዘይብላ ሰብ ምዃና ጽቡቕ ገይረ’የ ዝፈልጣ። ቅተል’ያ ጥራይ መጺኡኒ። ብዝኾነ እቲ ነገር ክወዓዋዕ ስለ ዘይደለኹዎ ክጣበብ ነይሩኒ። ‘ክንድዚ ዓመት ብፍቕርን ሕውነትን ኔርናዶ ኣብ ሎሚ በጺሕና ክንበኣስ ኴንና፡’ ኢለ ንግዜኡ ሓምሳ ቕርሺ ሂበ ብምጥባር ኣፋንየያ። ውዒላ ሓዲራ ተንኰል ክትፍሕሰለይ ምዃና ስለ ዝፈልጥ ግን ኣይቀሰንኩን። ኣብ ኣእምሮይ ድማ ‘ኣስካሉ ካብ ገጽ ምድሪ ከይጠፍአት ሰላም ረኸብኪ ማለት ዘበት’ዩ፡’ ዝብል ሰይጣናዊ ሓሳብ ክትል ኢሉኒ። እቲ ነገር ካብ ዝፈራሕኩዎ ኣይሓለፈን ቅንይ ኢላ ገንዘብ ኣድልዩኒ ክትብል መጺኣትኒ። ኣማራጺ ኣይነበረንን ደም እናጠዓምኒ ሓምሳ ሂበያ። ኣብ መበል ካልኣይ ሰሙን ካብ ሓደ ኣብ ዕዳጋ ዓርቢ ዝፈልጦም፡ ገለ ፈውሲ ዓይነት ደልየ ወይ ኢደሰብ እንተ’ጋጠመኒ ዝኸዶም ዝነበርኩ ትግራዋይ ፍቑራ፡ ደንጕዩ ዝቐትል መርዚ ዓዲገ ተመሊሰ። ኣብ ሳልስቱ ድዩ ኣብ ራብዕቱ ኣቢላ ከም ኣመላ ገንዘብ ክትብል ምስ መጽኣትኒ መታን ኮፍ ክትብል ኣረቂ ከፊተላ። መስተ ክትፈቱ ጉድያ ነይራ። ብድሕሪኡ ‘ተደሪርኪ ኢኺ ትኸዲ፡’ ኢለ ምስ ኣጽናሕኩዋ ነቲ መርዚ ምስ ባስታ ሓዊሰ ኣብሊዐያ። ንጽባሒቱ ድማ ኣብ ገዛኣ ሞይታ ሓዲራ፡” ኢላ ቍሩብ ንብዓት ጸረር ኣበለት።
እቶም ክልተ ኣዕሩኽ በቲ ዘይተጸበዩዎ ኣረሜናዊ ጭካኔኣ ልቦም ስለ ዝተተንከፈ ገጾም ከም ቅጽበት ክቀያየር ጀመረ። በብውሽጦም፡ “ስሕታን መዓልቲ ውዒልኪ ማሪያ! ወይ ሰይጣን ርጉም!” ዝብሉ ዘለዉ ይመስሉ ነበሩ።
ኣብ ገጽ ክልቲኦም ዝነበረ ስምዒት ኣንቢባቶ ግዲ ኮይና፡ “ምናልባሽ ክንደይ ትጭክን’ያ፡” ትብሉኒ ትህልዉ፡ እንተኾነ ፈትየ ዘይኮንኩ ዓቕለይ ምስ ጸበበኒ ተገዲደ ዝፈጸምኩዎ ተግባር’ዩ ነይሩ። ብዘይካ ትኩእ ወደይ ህይወት ከም ዘይብለይ ትስሕቱዎ ኣይመስለንን። ንዓኹም እንተ ሓበርኩ ወዮ ትም እንተበልኩ ወዮ ምስ ኮነኒ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ስራሕ ክፍጽም ተገዲደ። ወርሒ ድሕሪ ሞት ኣስካሉ በጋጣሚ ንሮዛ ኣብ ቤተክርስትያን ብማዕዶ እርእያ’ሞ፡ ቀው ኢለ እንተ ጠመትኩዋ ብዘይካ ኣዒንታ ናተይ ዝወሰደት ቅምጥ ኢላ ንዓኹም ከም ትመስል ኣረጋጊጸ። ኣእምሮይ ተገላቢጡኒ። ኣስካሉ ተፈራርሕ ከም ዘይነበረት ድማ ሽዑ ተጋሂዱለይ። ብሓቂ ቅድሚኡ ነታ ቈልዓ ተገዲሰ ኣስተውዒለላ ኣይፈልጥን ነይረ። ሽዑ ጸማልያ መሲላ ምስ ረኣኹዋ ግን ነፍሰይ ከም ገለ ገይሩኒ። ባሕሪ ከብደይ ቦቕቢቝ። ናብ ገዛ ሒዘያ ብምኻድ ድማ ምሳይ ክሳብ ሰዓት ኣርባዕተ ኣውዒለያ። ድሕሪ ምሳሕ ሓደ መዕገርገሪ ሰብ መጺኡና ናብ መደቀሲ ክፍለይ እተዊ ኢለያ። ቍርብ ጸኒሐ እንተ ተመለስኩ ደቂሳ ትጸንሓኒ’ሞ፡ ናብ ኣእጋራ እንተ ጠመትኩ ልክዕ ከም ናትኩም ክልቲአን መበል ሻዱሸይቲ ኣጻብዕ ዘሎወን ኮይነን ጸኒሐን። ምሉእ ሰብነተይ ኣንፈጥፊጡ። መሬት ብቐትሩ ጸልሚቱኒ ክወድቕ ምስ ቀረብኩ፡ ጠረጴዛ ተደጊፈ ሓንሳብ ደው ድሕሪ ምባል፡ ብድቅስታ ገዲፈያ ሰላሕ ኢለ ናብ ሳሎን ተመሊሰ። እንታይ ከም ዝገብር ሓርቢቱኒ ንፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ንበይነይ ነቢዐ። ንትኩእ ክኸስሮ ስለ ዘይደለኹ ግን ደም እናጠዓመኒ ከጽቅጥ መሪጸ።
“ናብ ሮዛ ክመልሰኩም፡ ናብራ ገዳም ጸሊኣቶ ከም ዘላ ምስ ኣዕለለትኒ ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ጓልሓውተይ ኢለ ምሳይ ከንብራ ሓሲበ ነይረ። እንታይ ከም ዝረኸባ ግን ኮምቦኒ በጺሐ ክምለስ ኢላ ምስ ከደት ኣብዚኣ ኣተወት ከይተባህለት ከም ዕንቍ ሽርብ ኢላ። ናይ ወላዲት ነገር ኮይኑኒ ክረኽባ ላዕልን ታሕትን ኢለ ግን ቀቢጸ። ኣብቲ መጀመርያ ግልግል መሲሉኒ ክርስዓ ፈቲነ ነይረ። ሓጥያተይ ዘይተወድአ ኮይኑ ግን ድሕሪ ዓመትን ፈረቓን ኣምላኽ ብሞት ትኩእ ቀጺዑኒ። ንትኩእን ነታ ኢሕ! ኢለ ዝወለድኩዋ ውላደይ ሮዛን ብምስኣነይ ብድርብ ሓዘንን ጓህን መዓንጣ ከብደይ ሕርር ኢለ። ንሱ ከይኣኽለኒ ድማ እንሃልኩም ትንፋሰይ ከይሓለፈት ከላ ቅጽዓት ኣምላኽ እቕበል ኣለኹ። ቅድሚ ሞት ዘሎ ኣበሳ ስለ ዝኸፍኣኒ ኸኣ ምንሳሕ መሪጸ። ትኩእ ካብ ዝመውት ክሳብ ሎሚ ንሮዛ እናዘከርኩ መተርኣሰይ ብንብዓት ከጠልቅዮ እሓድር ነይረ። ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ከም ዝበልኩኹም፡ እዚ ኣብ ኣዲስኣበባ ዘሎ ወድኹም ብስራቱ ትጥዓም ብህይወት ከም ዘላ ኣበሲሩኒ፡” ኢላ ካብ ትሕቲ መተርኣሳ ኣድራሻኣ ብጣልያንኛ ዝተጻሕፈት ፍርቂ ገጽ ደብዳቤ ኣውጺኣ ክተቐብሎም ወስ በለት።
እዚ ዅሉ ክትዛረብ ከላ ናብ ሓወልቲ ዝተቐየሩ ክመስሉ ፍሕት ከይበሉ ክሰምዑዋ ጸኒሖም፡ ነታ ደብዳቤ ክቕበሉ ክልቲኦም ተቐላጢፎም ኣእዳዎም ሰደዱ። ነታ ደብዳቤ ካብ ሰታሪት ድሕሪ ምውጻእ ድማ ብክልተ ወሰናስና ሒዞም ከናፍሮም እናንቀሳቐሱ ብሓባር ከንብቡዋ ጀመሩ። ንገለ ካልኢታት ኣብታ ክፍሊ ከም ብሓድሽ ፍጹም ጸጥታ ሰፈነ። ባሻይ ተስፋልደት በቲ ሕልኽልኽ ዝበለ ማሪያ ዘዕለለቶም ዛንታ ኣይሓጐስ ኣይሓዘን ብምዃን ዝዛረቡዎ ጠፊኡዎም፡ “ወይ መስተንክር! እንታይ ዝበለ ተኣምራት ይብሃል’ዚ!” ኢሎም ርእሶም ክንቕንቑ ከለዉ፡ ግራዝማች ብወገኖም በቲ ኣጋጣሚ ኣመና ተገሪሞም፡ “ወይ ተኣምረ ኣግዝኣብሄር! ኣምላኽ ዘይከኣሎ ነገር የሎን፡” እናበሉ ብነዊሕ ፋጸዩ። መብጽዓኦም ክፍጽሙ ብዘይ ምኽኣሎም ኵምትር ኢሎም ከም ዘይቀነዩ፡ በቲ ሽዑ ዝተጋህደ ሓድሽ ምስጢር ፍስሓ ስለ ዝወረሶም ገጾም ኣመና በሪሁ ይርአ ነይሩ።
ብኸምዚ እቶም ክልተ ኣዕሩኽ፡ በቲ ዘይተጸበዩዎ ሃደበታዊ ክስተት ልቦም ተሰሪቑ ማሪያ ምስኦም ከም ዘላ ረሲዖም ንበይኖም ዕላል ጀመሩ። “ወይ ጉድ! ከምዚ ዝኣመሰለ መስተንክር ተራእዩን ተሰሚዑን’ኳ ኣይፈልጥን! ኣምላኽ ግርህነትና ርእዩልና መብጽዓና ክሰምር ኢሉዎ እዩ’ምበር ሰብዶ ሓይሊ ኣልዩዎ ኾይኑ፡” በሉ ግራዝማች ፍሽኽ እናበሉ።
“ኣማን ብኣማን ዓርከይ ስዩም፡ ብሩኽ ወዲዝግሄር ስለ ዝኾንካ ብሓይሊ ኣምላኽ ንርእዮ ዘለና ተኣምራት’ዩ።”
“ያእ! ትሕሾ ደኣ፡ ብነፍስኻ ቅቡእ ኴንካ’ምበር ኣነስ ለኪመካ ነይረ’የ። ሕጂ ግን ንኣምላኽ እንታይ ዘይሃብካና ክንብሎ። ብኡነት እብለካ’ለኹ ብሰንኪ መብጽዓይ ክፍጸም ዘይምኽኣሉ ምስ ወደይ ድሕሪ ምብኣሰይ፡ ‘ኣነስ እንታይ ሓጥያት ኮን ነይሩኒ እዩ! ቅጽዓት ኣምላኽ ዶኾን’ዩ ወሪዱኒ! መድሃኔኣለም ኣቦይ በደለይ ይቕረ በለለይ፡’ እናበልኩ እየ ክጽሊ ቀንየ። ከም ደቂኣዳም ሰንኮፋት ኴንና’ምበር ኣብ መልእክተ ያቆብ፡ ‘ምሉእ ውህበት ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ዘይልወጥን ኣብ ጸልማት ክንነብር ዘይሓድገናን ኣቦ ብርሃናት ዝወርድዩ፡’ እዩ’ኮ ዝብለና። ሕጂ ኸኣ እንሆ ጸሎትና ብግብሪ ሰሚሩ ኣግዝኣብሄር ኣምላኽና ተሓጐሱ ይብለና ኣሎ። እዚ ነገር’ዚ ብሓቂ ኣብ እምነትና ክንጸንዕ ዝሕግዘና ዓቢ ትምህርቲ እዩ። እዛ መዓልቲ’ዚኣ ከኣ ልዕሊ ኩላተን መዓልታት ዝተባረኸት’ያ።”
ባሻይ ተስፋልደት፡ “ኣማን ብኣማን፡ ሰብ ኣማሚ እዝጊ ፈጻሚ ክብሉ ሓቃቶም እዮም፡” ኢሎም ንገለ ካልኢታት ዝን ድሕሪ ምባል፡ “እሞ ነቲ ቈልዓ’ውን መታን ክሕጐስ ጽባሕ ስልኪ ደዊልካ ንገሮ፡ ኣምላኽ ባዕሉ ናብ ቅኑዕ መንገዲ መሪሑዎ ከሎ ክጭነቕ ከይቅኒ መስኪናይ፡” ዝብል ርእይቶ ኣስዓቡ።
“መሬት መስዩ ስለ ዘሎ ወጺኡ ከይጸንሕ’ምበር ሕጂ’ኳ ምደወልኩሉ፡” ኢሎም ሰዓቶም ድሕሪ ምርኣይ፡ “ኦይ! ሕጅ’ኳ ክንደየናይ ከይጸንሓኒ፡ ጽባሕ ግን ከይረሳዕኩ ኣንጊሀ ክድውለሉ እየ፡” ኢሎም ነታ ኣውጺኦማ ዝጸንሑ ናይ ጁባ ሰዓቶም ናብ ቦታኣ መለሱዋ።
“ናቱስ ደሓን፡ ናይታ ቈልዓ ነገርከ እንታይ ይኹን፡ ይንገራዶ? ንሳ’ውን ትተሓጐስ መስኪነይቲ፡ እንታይ ይሓይሽ ትብል?” ሓተቱ ባሻይ።
“ዘረባ’ባ ኣምጺእካ ሕጂ! ከይረሳዕኩ ንገራ ክብሎ፡” በሉ ግራዝማች ነቲ ርእይቶ ብምድጋፍ። ኣነ ዝበለ መርዓ መታን ክገብሩ ወዶም ንጓል ባሻይ ይምርዖ ከም ዘሎ ዓለም ብዓለሙ ክፈልጠሎም ክቱር ባህጊ እዩ ነይሩዎም።
ነቲ ድሒሩ ዝሰዓበ ዘረባኦም ክትከታተል ዝጸንሐት ማሪያ፡ “ንዓይን ንሮዛ ጓልኩምን ብሓቂ ትሓልዩልና እንተዄንኩም ብዛዕባ’ዚ ነገር’ዚ ሓንቲ ቓል’ኳ ክተተንፍሱላ የብልኩምን። ነዚ ጕዳይዚ ሕጂ እንተ ሰሚዓቶ ንዝንተ ዕለት ክትረግመኒ ካብ ምንባር ሓሊፋ ኣብ ሎሚ በጺሓ ትረኽቦ ፋይዳ የብላን። ኣነ ድማ ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ከለኹ ዝተሳቐኹዎ ከይኣኽለኒ ናብ በድኒ ተቐዪረ ኣብ ትሕቲ መሬት ምስ ሰፈርኩ ትንፋሰይ ዕረፍቲ እንተ ሰኣነት ጽቡቕዶ? በጃኻትኩም ስለ መድሃኔኣለም ነዚ ምስጢር’ዚ ክትሰትሩዎ ሕጂ ኪዳን እተዉለይ፡” በለቶም በቲ እናተሰነፈ ክኸይድ ዝጀመረ ድምጻ።
ነንሓድሕዶም ተጠማሚቶም፡ “ሓቃ’ላ!” ተባሃሃሉ።
ባሻይ ተስፋልደት ብሰንኪ ነዊሕ ኮፍ ምባል ዝረዘዘ ኣእጋሮም ዕጽፍ ዝርግሕ ኣቢሎም፡ “ክንዲ ሰብ ምስ ኣኸለት ብሃንደበት ነዚ ታሪኽ’ዚ ምንጋራ ኣብ ኣእምሮኣ ዓቢ ረጽሚ ምፍጣርን፡ ነዚ ጀሚራቶ ዘላ ሕጕስ ህይወት ምዝራግን’ዩ ክኸውን። ካብ እግሪ መልሓስ ይዕንቀፍ ከም ዝብሃል ዓንተቦ ከም ገለ ዘረባ ሸርተፍ ኢሉኒ ነይሩ። ስለዚ ክሳብ ዕለተ ሞትና ብዛዕባ’ዚ ነገር’ዚ ንዝኾነ ሰብ ሓንቲ ቃል’ኳ ከይነምልቝ ኣፍና ኣፍ ላም ይኹን፡” ብምባል ቃላቶም ጸቒጦም ተዛረቡ። ግራዝማች በቲ ማሪያ ዝቐልቀለቶ ሓሳብ ብዙሕ’ኳ እንተ ዘይተሓጐሱ ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮም ዕረ እናጠዓሞም ካብ ክሳድ ንላዕሊ፡ “ሰናይ ዘረባ እዩ፡ ከም ዝበልካዮ ይኹነልና፡” ክብሉ ናይ ደገፍ ቃላት ተዛረቡ።
ከምዚ እናተባሃሃሉ ከለዉ ማሪያ ከም በዓልቲ ቈጸራ ሃንደበት ብጻዕረ ሞት ካብ መቐነታ ንላዕሊ ፈጥፈጥ ክትብል ጀመረት። ባሻይ ብስንባደ ብድድ ኢሎም ብምትሳእ፡ “ማሪያ! ደሓን ዲኺ?” እናበሉ ብክሳዳ ደጊፎም ሓዙዋ። እንተኾነ ብዘይካ ብነዊሕ ምትንፋስ ድምጺ ትህብ ኣይነበረትን። ናብ ሕክምና ክወስዱዋ መኪና ከበግሱ ሸበደበድ እናበሉ ከለዉ ድማ ካብቲ ተሕልፎ ዝነበረት ናይ ስቓይ ህይወት ንዘልኣለም ተገላገለት።
ይቕጽል . . . . . .
ራብዓይ ምዕራፍ መበል 31 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 14 ታሕሳስ
2 Comments
ኣዝየ እየ ዘመስግነካ ክቡር ኣቶ እስቲፋኖስ ተመልሶ. ደጋጊምካ ኣምቢብካ ዘይትምኖ መጽሓፍ።
የቐንየለይ ሃብቶም ዓቀይታይ። ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልካ።