ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
3ይ ምዕራፍ መበል 23 ክፋል
“ብጎቦ ዓይኑ ክጥምተኒ ጸኒሑ በቃጫጭ ድሕሪ ምስሓቕ፡ ‘እንታይ ዓይነት ሰብ ኢኺ ገጢምክኒ! ሓይልኺ መወዳእታ የብሉን። ዜርኪ ዜርኪ ምስ ጐይታና መድሓኒና እየሱስ’ምበኣር ክተባእስኒ ፈቲንኪ?’ ኢሉ ድሕሪ ምልጋጽ፡ ‘በሊ ወዲእና ኣለና፡” ኢሉኒ ናብ ሳሎን ገጹ ኣምሪሑ። ኣነ ድማ ዝብሃል ክሰምዕ ደድሕሪኡ ስዒበ።
“ዘረባኡ ክሰምዑ ኩላቶም ኣንቃዕሪሮም ጠሚቶሞ። ንሰለስቲኦም ብዓይኑ ክዀልል ጸኒሑ፡ ‘ከም ዝሰረቐት ኣይተኣመነትን ዘላ። ብዝኾነ እቲ ጕዳይ ብጭብጥን ብመሰኻኽርን ስለ ዝተረጋገጸ፡ ክሲ ክትምስርቱ ወይ ብሽማግለ ክትዕረቑ ትኽእሉ ኢኹም። ብወገነይ ወዲአ’ለኹ፡’ ኢሉ ዝብሉዎ ክሰምዕ ተጸበየ።
“ቅድም ኣቶ ክሪስቶቭ ካብ ኵርሱ ተሲኡ፡ ‘እዛ ቈልዓ ንዓመት ዝኣክል ምሳና ክትሰርሕ ከላ ከምዚ ዓይነት ጠባይ ርኢናላ ኣይንፈልጥን ኢና። በንጻሩ’ኳ ደኣ እሩም ጠባይ ዘለዋ፡ ቅብእቲ ጓል እዝግሄር ምዃና ኢና ንፈልጣ። ብወገነይ ነቲ ጕዳይ ትውዕሎ ኢለ ኣይሓስብን’የ። ሕጂ ግን ትውዓሎ ኣይትውዓሎ ከም ምእመናን መጠን ክንርህርሃላ እዩ ዝግብኣና። ኣምላኽ ፍርዲ ናተይ እዩ፡ ኣይትፍረዱ ከይፍረደኩም ኣይበለን ድዩ? ሕጂ ድማ . . .’ ክብል ዘረባ ጀሚሩ።
“ኣድርያና ግን ዘረባኡ ክውድእ ዕድል ኣይሃበቶን። ከም ነብሪ ነዲራ ካብ መቓምጦኣ ብድድ ኢላ ብምትሳእ፡ ‘ስምዓኒ! ንዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ዝሓለኹዎ ናይ ቃልኪዳን ሱቕሬነይ ካብ ማእከል ውሻጠይ ዘሚታትንስ ደቂሰ ክሓድር ኢልካ ትሓስብ! ይትረፍ ንስኻ ማይካ ዝሰተኻ ሰብ ማንም ደንቆሮ’ኳ ከምዚ ኢሉ ኣይዛረብን። ቍሩብ ሕፍር’ኳ ኣይትብልን? ምዃን ንስኻ እንታይ ጌርካ ኣነ እየ ግግይቲ፡’ ኢላ ገዛ ክሳብ ዝንቕነቕ ጨዲራ።
“እቲ ፖሊስ ንዘረባኣ ክከታተል ጸኒሑ፡ ‘እሞ ወ/ሮ ኣድርያና ክሲ ክምስርት እየ ዲኽን ትብላ ዘለኽን?’ ክብል ተወከሳ።
“ኣብ ልዕሊ’ዛ ድኻ መደኽደኽ እዚኣ ክሲ መስሪተ’ሞ እንታይ ኣዲኣ ክረኽበላ እየ? ወርቂ ሱቕሬነይ ክሳብ ተምጽኣ ግን ወላ’ኳ ዋጋኡ ዘይኣክል እንተኾነ፡ እዘን ሎሚ ዝተቐበለተን ናይ ዓመት ደሞዝ ኣብዚኣ ኮፍ ክተብለን ኣለዋ። ኣይፋል እንተ’ይላ ከኣ ኣብ ማሕቡስ ትኣቱ፡’ ኢላቶ ከብዲ ኢዳ ኣብ ጠረጴዛ እናወቕዐት።
“እቲ ሃርጋፍ ወዳ ትቕብል ኣቢሉ፡ ‘ኣነ’ኳ ነቲ ወርቂ ክሳብ ተምጽኦ ወይ ዋጋኡ ክሳብ ትኸፍሎ፡ እዚ ምስኣ ዘሎ ገንዘብ ከም ውሕስነት ምስ ኣደይ ተታሒዙ ክጸንሕ፡ ነቲ ዝተረፈ ገንዘብ ድማ ሸቂላ መታን ክትከፍሎ ኣብ ገዛና ክትሰርሕ ክትግደድ ኣለዋ ምበልኩ፡’ ዝብል እከይ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
“ዘረባኡ ብሕርቃን ቈለጭ ኣቢሉኒ ኣሰር ኣብ ገጹ ጡፍ ኢለሉ ነይረ። ‘ንስኻ ኣብ ዘለኻሉ ገዛ ካብ ዝሰርሕ ሞት ይሕሸኒ፡’ ኢለዮ ኣፍጢጠ እናተመትኩዎ።
“እቲ ቈርጫጭ ፖሊስያ ሓንሳብ ናባይ ሓንሳብ ናብ ኣሳዱር ክጥምት ጸኒሑ፡ ‘በዚ ዝብሃል ዘሎ ትሰማምዒ ዲኺ?’ ክብል ሓቲቱኒ ዓይኑ እናፍጠጠ።
“ድሕሪኡ ዘረባ ከናውሕ ስለ ዘይደለኹ፡ ‘ብዘይወዓልኩዎ ሰራቒት ኢልኩም ካብ ወንጀልኩምኒ እንሃልኩም፡’ ኢለ ነተን ኣብ ቦርሳይ ወቲፈየን ዝነበርኩ ደሞዘይ ሳንቲም ከየጕደልኩ ብምሉኣተን ቈጺረ ኣረኪበዮም። ብድሕሪኡ ግዜ ኣይወሰድኩን ባልጃይ ኣልዒለ በተግ ኢለ ወጺአ።
“ኣቶ ክሪስቶቭ ደድሕረይ ብምስዓብ፡ ‘ሮዛ ጓለይ፡ ነቲ ጕዳይ ፈጺምክዮ ኣይብልን’የ። ንበይነይ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ግን የሎን። ጠባይ ኣድርያና ከኣ ትፈልጥዮ ኢኺ። ኣጆኺ ደሓን ተስፋ ኣይትቝረጺ፡ ኣምላኽ ምሳኺ እዩ። እዚኣ ድማ ክንዲ ብዙሕ ርኣይያ፡’ ኢሉ ሰብ ከይርእዮ ሕብእ ኣቢሉ ዓሰርተ ቅርሺ ኣብ ኢደይ ኣዕምዅ ኣቢሉኒ። ከምኡ ምስ በለኒ ንብዓት ስዒሩኒ ክዛረብ ኣይከኣልኩን። ‘ቻው ሮዛ፡ ኣጆኺ ኣይትሕመቒ፡ ኵሉ ሽግር ሓላፋይ እዩ፡’ ኢሉ ድማ ምዕጕርተይ ስዒሙ ተፋንዩኒ።
“ድሕሪኡ ምስታ ዝበልኩኻ መሓዛይ ሰሙን ምስ ቀነኹ፡ ፈጣን ላውንድሪ ኣብ ዝብሃል ኣብ ተክለሃይማኖት ዝርከብ ስራሕ ረኺበ። እልፊ ደቂ ሃብታም ኢና ዝብሉ ስድታት ሞዅ ምስ ኣበሉኒ ግን ድሕሪ ክልተ ወርሒ ገዲፈዮ። ብድሕሪኡ ደሓን ይእተዉ ኣብ ቤተክርስትያን መድሃኔኣለም ዘለዉ ፓድረ ሉቺያኖ ዝብሃሉ ናይዞም ኣሕዋት ካፑቺኒ ብሩኽ ካህን፡ ኣብዚ ሕጂ ዝሰርሓሉ ዘለኹ ፋሲል ፋርማሲ ከም ካሴረ ስራሕ ረኺቦምለይ። ሕጂ ከኣ ክርድኣካ ዘለዎ ሰለሙን፡ ናይ ዓመት ደሞዝ ክትብል ከለኻ ቀሊል’ኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ኣውራ ዘዛርበኒ ዘሎ ጕዳይ ንሱ ኣይኮነን። ንጽህቲ ሰብ ክነሰይ ብሰራቒት ምጥማቐይ’ዩ መዓንጣ ከብደይ ኣሕሪሩኒ ዘሎ። ስለዚ፡ ብዝኣተኻለይ ቃል መሰረት ወዓል ሕደር ከይበልካ ንጽህቲ ምዃነይ ክተረጋግጸለይ እምሕጸነካ ኣለኹ። እዚ ጕዳይ’ዚ ኣብ መዕለቢኡ ከይበጽሐ ሕልናይ ሕርኽርኽ እናበለኒ ሓዳር ክምስርት ዘይሕሰብ’ዩ፡” ብምባል ዘረባኣ ደምደመት።
ሰለሙን ንገለ ካልኢታት ከይተዛረበ ትም ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ንመከራ ዝተፈጠርኩ ሰብ’የ፡ ዓለም ስቓይዩ ትርፋ፡’ ክትብሊ ከለኺ ከም ልምዲ ዘጥረኺዮ ዘረባ ገይረ ጥራይ እወስዶ ነይረ። ብኡነት እብለኪ’ለኹ ብደገ ደገ ንዝርእየኪ ሰብ ክንድ’ዚ ዝኣክል ሕሰምን መከራን ዝመልኦ ህይወት ዘሕለፍኪ ኣይትመስልን ኢኺ። ኣብ ህይወተይ ሳላ ዕድለይ ሽግር ዝብሃል ኣስተማቒረ ዘይፈልጥ’ኳ እንተኾንኩ፡ ካብ ሃብቶም ዓርከይ ጀሚርኪ ብዙሓት ብሕሰም ቈምጣዕጣዕ ዝበሉ ሰባት እፈልጥ’የ። ከምዚ ናትኪ ኣሰቃቒ ጸገም ግን እንድዒ! ኣብ መጽሓፍ’ምበር ብግብሪ ከጋጥም ይኽእል’ዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ንዓኺ ዝሃበ ዓቕልን ትዕግስትን ንበይኑ እዩ። ሓቂ ንምዝራብ ነዚ ኵሉ ተጻዊርኪ ኣብዚ ምብጻሕኪ ድንጽው’ዩ ዝብለኒ፡” በላ።
“ኣብ ምንታይ እየ’ሞ ክኣቱ ሰሌ? ሓደ ዝተረፈኒ ኣማራጺ ህይወተይ ባዕለይ ምሕላፍ’ዩ ነይሩ። ህይወቱ ባዕሉ ዘሕለፈ ሰብ ከኣ ነፍሱ ናብ ሲኦል’ያ ትኣቱ። ስለዚ፡ እቲ ዝተርፈኒ እንኮ ኣማራጺ ንኣምላኸይ ተጻዋርነትን ዓቕልን ክህበኒ ምልማን ጥራይ ነይሩ። ሳላ ቅዱስ መጽሓፍ ከኣ ንዅሉ ተጻዊረ ሓሊፈዮ። በዓል ሰለሙን ፈሊጥና ኢልኩም ኣብ ሳይንስ ትምርኰሱ ኴንኩም’ምበር፡ ኣብ ግዜ መከራን ጸበባን መንፈሳዊ ሓይልን ጽንዓትን፡ ሓቦን ተስፋን ዘስንቐና ሳይንስ ዘይኮነ ቅዱስ መጽሓፍ ጥራይ’ዩ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 17፡20 ጐይታና እየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኣክል እምነት እንተ ኣላትኩም፡ ነዚ እምባ ካብዚ ኣልግስ ትብሉዎ ንሱ ከኣ የልግስ፡ ዝሰኣነኩም’ውን የልቦን፡’ ክብል ተዛሪቡዎም’ዩ። ኣነ ድማ ናብ ኣምላኽ እንተ ተጸጊዐ፡ ውዒለ ሓዲረ ንጽህናይ ከም ዝረጋገጽ እተኣማመን ነይረ፡” ክትብል ኣብ ኣምላኽ ዘለዋ እምነት ኣነጸረትሉ።
ማርክሳዊ ፍልስፍና ካብ ዘንብብ ንደሓር ኣብ ሃይማኖት ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ተባሕጕጉ ስለ ዝነበረ ኣሰር ሰሓቕ ስዒሩዎ ነይሩ። ነተን ዳሕረዎት ቃላታ ጸቒጣን ገጻ ኣሲራን ስለ ዝተዛረበተን ግን ከይትቕየሞ ተሰኪፉ ስምዒቱ ብምቍጽጻር፡ “ብዛዕባ ንጽህናኺ ክንዲ ጽፍሪ ትኣክል ጥርጣረ የብለይን ሮዛ። ብዝኣተኹልኪ ቃል መሰረት ግን ንጥላሁን ረኺበ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከቕስነኪ እየ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ስጋ’ስመሮም እብለኪ’ለኹ ሮዛ፡ ቅድሚ ሕጂ ናብ ገዛ ንኺድ ኢለኪ ክትኣብይኒ ከለኺ፡ ምእማን ስኢናትኒ ድያ? ስለምንታይከ ኣብ ልዕለይ ክንድዚ ትጠራጠር? እብል ነይረ። ሕጂ ኣብ ኣእምሮኺ ተፈጢሩ ዝጸንሐ በሰላ ምስ ፈለጥኩ ግን ተቓውሞኺ ምኽኑይ ምንባሩ ተረዲኡኒ። ወዲሰብ ከኣ ካብ ኣፍንጫኡ ኣርሒቑ ክጥምት ዘይክእል ድኹምን ቀናእን ፍጥረት ምዃኑ ተማሂረ ኣለኹ። ልዕሊ ዅሉ ግን ሓደ ንጹህ ሰብ፡ እንተ ካብ ህልኽ እንተ ካብ ቅንኢ ብዝብገሱ ግብዛት፡ ብዘይወዓሎ ገበን ክጥቀን ከም ዝኽእል ካብ ዛንታኺ ክግንዘብ ምኽኣለይ ዓቢ ቁምነገር’ዩ። ኣብ ዓለም ከኣ ካብቶም ገርሀኛታትን ቅኑዓትን እቶም ምስሉያትን ተንኰለኛታትን ከም ዝበዝሑ ተረዲአ ኣለኹ፡” በላ።
“ሓቂ ዘረባ፡ ኣነ’ኳ ብኸምኡ ኣይርድኦን’የ። ካብቶም ክትብሎም ዝጸናሕካ ግብረ እከያት፡ ተንኰለኛታትን ምስሉያትን እቶም ቅኑዓት፡ ገርሀኛታትን ንጹሃትን ሰባት ይዛይዱ ምበልኩ ኣነስ።”
“ድሕር’ዚ ዅሉ ስቓይ ከመይ ኢልኪ ከምኡ ትብሊ ኣለኺ? እሞ ካብ ተሞኮሮኺ ኣይተመሃርክን ማለት’ዩ! ቍሩብ’ስኪ ሕሰቢ፡ ካብ ኩላቶም እቶም ሰራቒት ተባሂልኪ ምስ ተተሓዝኪ ከቢቦምኺ ዝነበሩ ሰባት፡ ሓደ ሰብ ጥራይ’ዩ ምሳኺ ደው ኢሉ ንመሰልኪ ዝተጣበቐ። ካብ’ቶም ኣብ ጕዳይኪ ዝተዋስኡ ድማ እቶ ክሪስቶቭ ጥራይ ነይሩ ቅንዕና ሒዙ ምሳኺ ደው ዝበለ። ስለዚ ብገምጋም ካብ ዓሰርተ ሰባት ሓደ ቅኑዕ’ውን ኣይተረኽበን ክንብልል ንኽእል። ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ኣንቢብኪ እንተዄንኪ’ውን ካብቶም ሰላም ንፍጠር ዝብሉ ሰባት፡ እቶም ንጐነጽ ዝድግፉ ወይ ክንዋጋእ ኣለና ዝብሉ’ዮም ዝበዝሑ፡” በላ ብዘረባኣ እናተገረመ።
“ኣነ’ውን እቲ ነገር ብሓዲሹ ከሎ ከምኡ ዝብል ግምት’ዩ ነይሩኒ። እቲ ጕዳይ ግዜ ምስ በልዐ ተመሊሰ እንተ ሓሰብኩሉ ግን እቲ ቀንዲ ዲያብሎስ ኣሳዱር ኮይኑ፡ እቶም ዝተረፉ ተጐቲቶም ይስዕቡዎ ከም ዝነበሩ እዩ ዝርድኣኒ። ኮታ ከይፈለጡ ይጽይቑ ነይሮም ማለት’ዩ። ተወሳኺ ኣብነት መታን ክኾነካ፡ ኣብ ዘራእቲ ክርዳድ ክብሃል ከሎ ኵሉ ግዜ ውሑድ’ዩ። ኣብ እንስሳታት’ውን ካብቲ ክናብ ወይ ሳሕዳይ እቲ ምእዙዝ ወይ ብሩኽ’ዩ ዝበዝሕ።
ሰለሙን ዓይኒ ዓይና እናጠመተ ብጽሞና ክሰምዓ ጽኒሑ፡ “እዚ ትብልዮ ዘለኺ ዘረባ፡ ዓለም ብውሑዳት ለባማትን ቅኑዓትን’ያ ትምራሕ ምስ ዝብል ናይ ሓደ ፈላስፋ ዘረባ ዝጋጮ ኾይኑ ተሰሚዑኒ፡” ክብል መለሰላ።
“ኣነ’ኳ ዝጋጮ ኾይኑ ኣይስመዓንን፡ ምኽንያቱ እዞም ትብሎም ዘለኻ ቅኑዓትን ለባማትን ዝኾኑ ውሑዳት ንዓታቶም ዝመስሉ ሰዓብቲ እንተ ዘይረኺቦም በቶም ዝበዝሑ እኩያት ምተዓብለሉ ነይሮም። ወዲሰብ ድማ ከም ሓደ ጠርናፊ ዘይብሉ ኣራዊት ነንሓድሕዱ ምተባልዐ ነይሩ።
ኣተሓሳስባኣ ሓያል ክነሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኵሳ ትካትዖ ስለ ዝነበረት ከእምና ከም ዘይክእል ፈሊጡ፡ ኣርእስቲ ክቕይር ብምሓሳብ፡ “ክሳብ ክንድ’ዚ ሓያል ትመስልኒ ኣይነበርክን። ኣይትሓዝለይ ግን ደንቆሮ እሓስበኪ ነይረ ማለት ኣይኮነን፡” በላ ፍሽኽታ ሓዊሱ።
“መስኪነይቲ ኣብ ገዳም ስለ ዝዓበየት ትፈልጦ ነገር ኣይህሉን’ዩዶ ኢልካ?”
“ከምኡ ዘይኮነስ እዚ ክንዛረበሉ ዝጸናሕና ኣርእስቲ ንፍልስፍና ዝምልከት ርቕቕ ዝበለ ኣርእስቲ ብምንባሩ እዚ ዅሉ ዘረባ ካበይ . . .”
ዘረባኡ ከይወድአ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ድዩ? ሓቅኻ! ተገዲስካ ኣንቢብካዮ እንተ ትነብር ከምኡ ኣይምበልካን ኔርካ፡” ክትብል ኰለፈቶ።
ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣልዒላ ኣርባዕተ ነጥቢ ከም ዘይትገብር ስለ ዝፈልጣ፡ “ካላስ! ተረቲዐ ኣለኹ፡” ኢሉ ድሕሪ ምስሓቕ ነታ ቍሩብ ተሪፉዋ ዝነበረ ብርጭቆኡ ኣልዒሉ ቢራኡ ጸንቀቐ።
“ንኺድዶ ሰሌ?” በለቶ ጸጕራ እናተዓራረየት።
ክጸንሑ ደልዩ’ኳ እንተ ነበረ፡ መሬት ከም ዘመሰየ ኣስተውዒሉ ብድድ በለ። ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ካብቲ ሆቴል ምስ ወጽኡ መኪና ኣተሲኡ ናብ ፒያሳ ገጹ ተበገሰ። መንገዶም እናቐጸሉ ከለዉ፡ “ሮዛ ግን ብዘይ መጠን ሰታር ሰብ ኢኺ። ነዚ ኵሉ ክትሰምዖ ንኣዳም ገረሞ ዘብል ታሪኽ ከመይ ኢልኪ ዓቕሊ ጌርኪ ዓቝርክዮ ከም ዝጸናሕኪ ገሪሙኒ እዩ ዘሎ፡” በላ ገጹ ናብኣ እናኣዞረ።
“ፍቕርና ሱር ከይሰደደ እንተ ነጊረካ ከይትርሕቀኒ ስግኣት ነይሩኒ። ብኣኻ ምስ ተኣማመንኩ ድማ ኵነታት ስድራኻ ኣሰኪፉኒ። ስለዚ ፈትየ ጸሊአ ሰቲረዮ ክጸንሕ ግድን ኮይኑኒ። ሕጂ ግን ጽዕነተይ ኣራጊፈ ኣለኹ።”
ንስድራኡ ምስ ኣልዓለት ወለዱ እናተራእዩዎ ንገለ ካልኢታት ብዛዕባ ኣብ ሕጸን መርዓን ዘሎ ዋጢጥ፡ ኣቦኡ ንሮዛ ክቕበሉዋ ብኸመይ ከእምኖም ከም ዝኽእል ክሓስብ ዝን በለ። ሮዛ ስለ ዘስተውዓለትሉ፡ “እሂ ሰሌ ሓወይ፡ ኣብ ሓሳብ ኣቲኻ ኣለኻ’መስለኒ፡” በለቶ ቈላሕታኣ ናብኡ እናሰደደት።
“ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ’ዚ ናብ ኣስመራ ከይደ ምስ ኣቦይ ብዛዕባ ጕዳይ መርዓና ክውድእ ኣለኒ። ምስ ተመለስኩ ድማ ናብ ገዛይ ክትግዕዚ ኢኺ። ክሳብ ንምርዖ ብሓደ ኢና ንነብር። ኣብዚ ዘለኽዮ ጉብጥሽ ዝመስል ገዛ ሓንቲ ለይቲ ክትሓድሪ ድሌት የብለይን፡” በላ ማርሻ ቀዪሩ ናብ ሰሜን ሆቴል እናንቃዕረረ።
ቃላቱ ካብ መዓር ወለላ ንላዕሊ ዝምቅራ ኮይነን ተሰምዓኣ። ኣብ ህይወታ ከም ሽዑ ተሕጕሳ ኣይትፈልጥን። መኪና ይዝውር ስለ ዝነበረ’ምበር ሓቝፋ ክትስዕሞ ኣይጸልአትን። ኵሉ ዘጨንቓ ዝነበረ ሓሳባት ከም ቅጽበት ተደምሲሱ ሕልናኣ ስለ ዝተረጋግአ ፍሽኽ ድሕሪ ምባል፡ “ናቱ ጸገም ኣይኮነን ሰሌ ሓወይ፡ ሓንሳብ ምስ ኣመንኩካ ንድሕሪት ዝምለሰሉ ምኽንያት የብለይን። ንነዊሕ እዋን ዘሰክፈኒ ካብ ዝነበረ ጕዳይ ስለ ዝተገላገልኩ ካብ ሕጂ ንንየው ጸገም የሎን፡” በለቶ።
“ካብ ኣስመራ ምስ ተመለስኩ ቀልጢፍና ሕጸ ክንገብር ኢና። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ተመርዒና ኣብ ባጽዕ ንሰሙን ድሕሪ ምዝዋር ነጀው ንምለስ። ብወገነይ ሕጽኖትና ኣብ ሓደ ጽምው ዝበለ ቦታ ክነሕልፎ’የ ዝመርጽ። ከም ዝርእዮ ዘለኹ ኣብ ኣስመራ ምስ ኵነታት ቤተሰብ ዝጥዕም ኣይመስለንን። ኣነ ጽምዋ እየ ዝፈቱ፡” ብምባል መልሳ ይጽበ ከም ዘሎ ናብኣ ገጹ ጠመተ።
“ቃላቱ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ኣእተዋ። ቬሎ ተኸዲና፡ ምስ ሰሌ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ ካህን ቃልኪዳን ክኣስሩ ከም ስእሊ ተራእያ። መዓልቲ መርዓኦም ቀልጢፋ ጠበሽ ክትብለላ እናተመነየት ድማ፡ “ኣነ’ኳ ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ምምርዓው ኣብ ሰሙኑ ናብዚ ክንምለስ፡ ካብኡ ድማ ኣብ ሶደሬ ክንሕጸን ምመረጽኩ ነይረ፡” ክትብል ትምኒታ ገለጸት።
ኣብ ገዛኣ ስለ ዝበጽሑ መኪና እናዝሓለ፡ “ንግስቲ ልበይ ዝኣዘዘቶ ዘበለ ኵሉ ክፍጸም እዩ፡” ኢሉ ፍሽኽ በለ ሰለሙን።
“ይኣምነለይ ሰሌ ሓወይ፡ ግራሴ!” ኢላ ካብ መኪና ክትወርድ ልዓት ማዕጾ ሓዘት። ምስ ሰለሙን ዝነበራ ፍቕሪ፡ ብፍላይ ከኣ ሽዑ ምሸት ላምባ ከም ዝተኻዕዎ ሓዊ ናብ ብርቱዕ ሃልሃልታ ተቐዪሩ ስለ ዘቃጸላ፡ ስምዒታ እናገለጸት ተጠምጢማቶ ክትሓድር ኣዝያ ብሂጋ ነይራ። ንሱ’ውን ከምኡ። ዝደፍር ስለ ዝተሳእኖም ግን ከም ቀደሞም፡ “ቻው ሰሌ፡ ቻው ሮዛ፡” ተባሃሂሎም ተፈላለዩ።
ሰለሙን ኣብ ገዛ ምስ ኣተወ ክድቅስ’ኳ እንተ ፈተነ፡ ሮዛ ከም ስእሊ ኣብ ቅድሚኡ እናተገተረት ሰለም ምባል ከልኣቶ። “ከም ሮዛ መን ኣሎ ኣብ ዓለም!” እናበለ ድማ ነቲ ፍሉይ መልክዓን ጠባያን ኣብ ምድናቕ ኣተወ። ኣብ ምሉእ ህይወቱ ምስኣ ትዳረግ ጓልኣንስተይቲ ኣጋጢማቶ ኣይትፈልጥን። ሮዛ ብሓቂ ብዅለንትናኣ ተባሃጊትን ኣዝያ ምጭውትን ጓልሄዋን ካብ ምዃና ዝተላዕለ መፍትሕ ልቡ ረኺባታ።
ሮዛ ከም ቍመት ማእከለይቲ ኮይና፡ እቲ ንማለቱ ጥራይ ቍሩብ ቅብኢ ኣብ ከብዲ ኢዳ ደሪዛ ኣሕልፍ ተብለሉ ለሽላሽ ጸጕሪ ርእሳ፡ በቲ ብሩለ ዝመስል ክሳዳ ወሪዱ ኣብ ዝባና ምስ ዓረፈ፡ ንልቢ ዝኾነ ወዲተባዕታይ እዩ ዝሰልብ። ብፍላይ ከም ገለ ንየማነ ጸጋም ነስ እንተ ኣቢላቶ ንዝኾነ ተዓዛቢ፡ “ኣየ ጸጕሪ! ጭራ ፈረስ!” ከም ዝብል ይገብሮ። ናብ ቅይሒ ዘድሃበ ወዝ ገጻ፡ ምስተን ከክንዲ ፍንጃል ዝኾና ጕልሕምሕም ዝብላ ብሩሃት ኣዒንታን ክብብ ዝበለት ገጻን፡ ስዓመና ዝብላ ዘለዋ ዝመስላ ልስሉሳት ከናፍራን ተወሃሂደን፡ ይትረፍ ንዓለም ንሓደ ዝመነነ’ውን መጋገያ እንተ ተባህለ፡ ሰለሙን ጥራይ ዘይኮነ ዝረኣያ ዘበለ ምተሰማምዐ። ማዕዶ ማዕዶ ዝጠማመታ ንኣሽቱ ኣጓዱ ዝመስላ ኣጡባታ፡ ንማንም ጐፍ ዝበለቶ ሰብ ክልተ ግዜ ቍሊሕ ከም ዝብል ይገብርኦ። መዓንጣ ሽቦ ኢሉ ስነጥበባዊ ብኣድናቖት ምስ ዘዜመላ ቈንጆ ዝዳረግ ሽንቅጥ ሰብነታ፡ ምስቲ ሓደ ቀራጺ ተመኪሑ ብውሕልነት ዝሰርሖ ዝመስል ዳናጉኣ ተደሚሩ፡ ብሓቂ ከምቲ ገለ ተዛረብቲ ዝብሉዎ ጽርበተ ማርያም ዘብላ ነይሩ። ከም ኣበር ዝጥቀስ እንተኾይኑ፡ ኣጻብዕቲ እግራ ሸሽዱሽተ ምንባረን’ዩ። እዚኣተን ከኣ ኣመና ስለ ዘሕፍራኣ ክፉት ሳእኒ ወድያ ኣይትፈልጥን ነይራ። ምውሳን ስኢና እያ’ምበር ናብ ኣዲስኣበባ ካብ ትመጽእ ኣትሒዛ ብዙሕ ግዜ ብመጥባሕቲ ክትኣልየን ተደናዲና ነይራ።
ሮዛ ኣምላኽ ዝዓደላ ቍንጅና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ገዳም ምዕባይ ግዲ ጠቒሙዋ ወይ ጕዳይ ባህሪ ኮይኑ ጠባይን ትሕትናን፡ ልቦናን ቅንዕናን’ውን ብማዕረ ዝተዓደለቶ ተወሳኺ ብልጫ ነይሩ። ብሓጺሩ ጣሕሸም ዘይትብል መልኣኽ ፍጥረት’ያ ነይራ። ምስዚ ዅሉ ብልጫታታ ግን ስድርኡ፡ ብፍላይ ከኣ እቶም መስፍናዊ ትምክሕቲ ዘጥቅዖም ኣቦኡ ከይነጽጉዋ ከቢድ ስክፍታ ነይሩዎ። ምስ ሮዛ ካብ ዝላለ ካብ ኣቦኡ ጭራም ደብዳቤ ወይ ቴለፎን ዘይምቕባሉ ግዝያዊ ተስፋ ኮይኑዎ’ኳ እንተ ነበረ፡ ባህሪ ኣቦኡ ክዝክር ከሎ ግን ተስፋኡ ከም ትኪ ይበንን ስለ ዝነበረ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ምስ ኣቦኡ ኣብ ምርኢተ ሓይሊ ክኣቱ ምዃኑ ይግንዘቦ ነይሩ።
ይቕጽል
3ይ ምዕራፍ መበል 24 ክፋል ረቡዕ 19 ሕዳር