ደራሲ እስቲፋኖስ ገብረሚካኤል
3ይ ክፋል
* * *
ሰለሙን ካብ ኣቦኡ ግራዝማች ስዩምን ኣደኡ ወ/ሮ ገብርኤላን ዝተወልደ ዕስራን ክልተን ዓመት ዝዕድመኡ መንእሰይ’ዩ። ወ/ሮ ገብርኤላ ሓደ ወዲ ምስ ተበኰራ ጓል ደጊመን። ንሰለሙን ድማ ድሕሪ ብዙሕ መብጽዓን ፈቐዶ ማይ ጨሎት ኰለል ምባለንን ተወሊዱ።
ንሱ ከም ሕሳስልደ መጠን ሕንቁቕ’ኳ እንተነበረ፡ ብስነስርዓት ተቐጺዑ ስለ ዝዓበየ፡ ይትረፍ ብስድነት ዝኸሶ ዓይንኻ ትደፈን ዝብሎ ሰብ’ውን ኣይነበረን። ኣብ ትምህርቲ ትኵር ስለ ዝነበረ ክሳብ ሻዱሻይ ክፍሊ ብብልጫ እዩ ሓሊፉ። ብድሕሪኡ ግን መመሊቝ ናብ ሓደ እንዳ ወዲሓትኖኡ ዝብጽሖ ጋራጅ ምኻድ ስለ ዝጀመረ፡ ኣእምሮኡ ናብ ቴክኒክ ዘቢሉ፡ ኣብ ትምህርቲ ድማ ኣይግድን ኮይኑ። ብፍላይ ኣብ ግዜ ክራማት ጨሪሹ ኣብቲ ጋራጅ ተኸቲቱ። ኣብኡ ሓጺን ክኣስርን ክፈትሕን ውዒሉ ኣቦኡ ናብ ገዛ ቅድሚ ምእታዎም ነቲ ብዘይትን ግራሶን ዝደግደገ ክዳውንቱ ደርብዩ ጽሩይ ክዳን ቀዪሩ ይጸንሖም። በጋጣሚ ሓደ መዓልቲ ዘይቲ መኪና ክቕይሩ ናብቲ ጋራጅ ዘወር እንተበሉ ግን፡ ኣብ ትሕቲ መኪና ደቂሱ ሞቶሪኖ ክፈትሕ ስለ ዝረኣዩዎ ክጽለሉ ቍሩብ ተረፎም። ሽዑንሽዑ ብእዝኑ ወጢጦም ድማ ካብቲ ጋራጅ ሰጐጕዎ። ንምሸቱ ኣብ ገዛ ምስ ተራኸቡ ተንከስ ኢሉ ናብ ጋራጅ ከይቅልቀል ኣትሪሮም ኣጠንቂቖሞ። ንበዓልቲቤቶም’ውን ፈትየን ክሳብ ዝጸልኣ ተሳሂሎመን።
ዕስራ ዓመታት ይገብር ንእሽቶ ሓዎም ኣብ ሓደ ኢጣልያዊ ዝውንኖ ጋራጅ ከም መካኒክ ተቘጺሩ እናሰርሐ ከሎ ሞቶረ መኪና ጸቒጡዎ ካብ ዝመውት፡ ይትረፍ ወዶም ብርሑቕ ዝብጽሖም ዘመድ’ውን ኣብ ጋራጅ ክሰርሕ የፍቅዱ ኣይነበሩን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ኵሉ ምስ ሓጺን ዝተኣሳሰር ስራሕ ምስ ሓደጋን ሞስ ሞትን የተሓሕዙዎ ነይሮም። ስለዝኾነ፡ ሰለሙን ወዶም እንተኾነ ሕጊ ተማሂሩ ፈራዳይ ክኾነሎም፡ ካብኡ ተረፈ ናይ ሕሳብ ወይ ናይ ስርዓተ ምሕደራ ትምህርቲ ቀሲሙ ኣብ ገለ ካብተን ሽዑ ዓምቢበን ዝነበራ ናይ ብሕቲ ባንክታት ወይ ኩባንያታት ዓቢ መዝነት ክሕዘሎም እዩ ነይሩ ሃንቀውታኦም።
ወዶም ግን ብሰንኪ እቲ ዝነበሮ ክቱር ባህጊ ቴክኒክ ኣብ ሻሙናይ ክፍሊ ናብ ቤትትምህርቲ ቴክኒክ ዘእቱ መርመራ ተኻፊሉ ብዝንአድ ነጥቢ ሓሊፉ። ሽዑ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ መምህራን ከም ዝብሉዎ፡ ፖይንትፎር ኣብ 1954 ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝተመስረተ ኣሕዳሪ ቤትትምህርቲ ኮይኑ፡ Eritrean Trade School (ቤትትምህርቲ ስነጥበብ ኤርትራውያን) ተባሂሉ፡ ከም መዓስከር ወተሃደራት ጥልያን የገልግል ኣብ ዝነበረ ኣረገውቲ ህንጻታት ጀሚሩ። ኣብ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ኤርትራ ብዙሃት ሰውራውያን ዘፍረየ ዕርዲ ብምንባሩ ድማ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ጀነራል ኣቢይ ኣበበ፡ እቲ ስም ንባዕሉ ንኢትዮጵያዊ ስምዒትን መንነትን ኣህሲሱ ንኤርትራዊ ሃገራውነት የጓሃህር ከም ዘሎ ስለ ዝተገመተ፡ መርሃሙያ ትምህርትቤት ኣስመራ ተባሂሉ ክጽዋዕ ተወሲኑ።
ሰለሙን ኣቦኡ ካብ መደቡ ከይዕንቅፉዎ ስለ ዝፈርሐ ኣብ ፖይንትፎር ክጅምር ከም ዝኾነ ከይሓበሮም’ዩ ከሪሙ። መስቀል ሓሊፉ ትምህርቲ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ ሳልስቱ መስተ ሒዞም እናዕለሉ ከለዉ ብወዝቢ ምስ ሰምዑ ብሕርቃን ሓፍ ፈጠቕ ኢሎም። ብመስተ ተደፊኦም ገንኢ ገንኢ እናሸተቱ ድማ መኪናኦም ኣልዒሎም ናብ ፖይንትፎር ብምኻድ ብኳለታኡ ሓኒቖም ከምጽኡዎ ፈተኑ። ርእሰመምህር ዓቃል ስለ ዝነበሩ ብህድኣት ሰሚዖሞም። ካብቲ መስተ ተሓዊሱዎ ናብ ድርቅና ዝተቐየረ ድሑር ኣረኣእያኦም ከናግፉዎም ግን ኣይከኣሉን። ድሕሪ ነዊሕ ቈየቛ’ምበር ምርድዳእ ክብሃል ዘይክእል ዝርርብ ክልቲኦም ኣብ ዕጹው መንገዲ በጽሑ። ኣማራጺ ዘይነበሮም ርእሰመምህር ድማ ኣቕጫጫኦም ምስ ረኣዩ ኣይሓመቑን፡ ዳግማይ ከይምለሱ ተሪር መጠንቀቕታ ሂቦም ኣፋንዮሞም።
ግራዝማች ግን ወላ’ኳ ሽዑ ዝገብሩዎ ስለ ዘይነበሮም ርእሶም ኣድኒኖም’ኳ እንተ ተመልሱ፡ ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ግዜ ተስፋ ከይቈረጹ ብዘተፈላለየ ኣገባብ ንወዶም ካብ ትምህርቱ ክዕንቅጹዎ ፈቲኖም ነይሮም። ኣንጻር’ቲ ብቕልጣፈ ዝጐዓዝ ዝነበረ ምዕባለ ገጢሞም ክዕወቱ ስለ ዘይከኣሉ ግን ምስ ወዶም ኣብ ሓደ ኣተዓራቒ ነጥቢ ክኣትዉ ወሲኖም። ምርድዳኦም ከኣ፡ ወዶም ኣብ ክንዲ መካኒክነት ወይ ኤለትሪክ፡ ጽርበት ዕንጸይቲ ከጽንዕ’ሞ ትምህርቲ ምስ ወድአ ባዕሎም ትካል ጽርበት ዕንጸይቲ ክኸፍቱሉ ነይሩ። ንሱ ድማ ወግሀ ጸብሐ ምስ ኣቦኡ ናዅ ምባል ጸሊኡ ቃሎም ከየዕብር ተመባጺዑ ትምህርቱ ቀጺሉ። ከም ሓቂ ክትግበር ዘይክእል መብጽዓ እዩ ነይሩ። ንዝፈትዎም ኣቦኡ ዘታለሎም ኮይኑ ስለ ዝተሰምዖ’ውን ሕልናኡ ዘይወቐሶ ኣይኮነን። እንተኾነ እቲ ኣንቈልቍሉ ዝነበረ ዝምድናኦም ናብ ንቡር ምምላሱ ንዑኡ ሕደ ዕግበት ነይሩ። ብኸምዚ ድማ እንተ ተመንዩዎም፡ እንተ ነቲ ነገር ሸለል ኢሎሞ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ብጭቝ ኢሎም ከየልዓሉሉ ብንኡድ ነጥቢ ተመሪቑ።
* * *
ሰለሙን ከም ቅይሒ ናብ ኣደኡ ውስድ ዘብል ኮይኑ፡ ብቝመት ግን ናብ ኣቦኡ ዝዘንበለ ንውሕ ኢሉ፡ በሊሕን ትኵርን መንእሰይ’ዩ። እታ ሓውሲ ክብብ ዝበለት ገጹ ኣብ ከባቢ’ተን ፍሽኽታ ዘይፍለየን ከናፍሩ ክትበጽሕ ትጸብብ። ጸጕሩ ጽዒቑ ዝበቘለ’ኳ እንተኾነ፡ ልምሽ ዝበለ ስለ ዝነበረ ኣፍሮ ክስንትሮ ፈቲኑ ስለ ዝቐበጸ ሳሕቲ እንተ ዘይኮይኑ መስተር ኣእትዩሉ ኣይፈልጥን ነይሩ። ዕድመ ንዝፈትዎም ኣቦኡ ኣብ እንዳ ዳርያ ዝዕደግ ብሉጽ ዘበን ኣምጽኦ ክዳውንቲ ወድዩ ክስጕም ዝረኣየቶ ጓልሄዋን ክልተ ግዜ ክትጥምቶ እያ ትግደድ። መብዛሕትኦም ኣዕሩኽቱን መማህርቱን ብስፖርታዊ ክእለቱን ኣብ ሾፔሮ የርእዮ ብዝነበረ ድፍረቱን’ዮም ዝዝክሩዎ። ኣምላኽ ጸጽቡቑ ዓዲሉዎ እዩ’ኳ እንተ ተባህለ፡ ኣበር ዘይብሉ ፍጡር ስለ ዘየሎ፡ ካብ ኣደኡ ዝወረሶ ናብ የዋህነት ዝጽጋዕ ግርህነት በቲ ሓደ፡ በቲ ካልእ መዳይ ድማ ምስ ኣቦኡ ዘመሳስሎ ሓደሓደ ግዜ ዕሽነት እዩ ክትብሎ ዘደናድን ድፍረት ነይሩዎ። ብዘይካ’ዚ ሳሕቲ እዩ’ምበር ክቝጣዕ ከሎ ኣየውርድ’ዩ፡ ልክዕ ናብ ነብሪ’ዩ ዝቕየር። ልቡ ግን ተንኰል ዘይትፈልጥ ጻዕዳ ካብ ምዃና ዝተበገሰ ይትረፍ ኣብ ልዕሊ ዝበደሉዎ ሕነ ክፈዲ ምሕሳብ ቂምታ ዝብሃል ነገር’ውን ኣብ ጥቓኡ ኣይቀርብን’ዩ።
ካብ ፖይንትፎር ድሕሪ ምምራቑ ኣብ ፋብሪካ ስሚንቶ ድሬዳዋ ብክብ ዝበለ ደሞዝ ስራሕ ረኺቡ ነይሩ። ካብ ኣስመራ ክወጽእ ስለ ዘይደለየ ግን ኣብ ቤትማሕተም ኢል ፖሊግራፊኮ ከም ሓላፊ ቴክኒክ ተቘጺሩ። ረቂቕ ቴክኒካዊ ብቕዓቱ ከመስክር ግዜ ኣይወሰደሉን። ብፍላይ ኣብ ናይ ሞዲፊከሽን ስራሓትን ጽርበት ሃጺንን ኣዝዩ ፍሉጥ ብምንባሩ ብዙሓት ትካላት ኣብ ትርፊ ግዜኡ ክሰርሃለን ይመናጠላሉ ነይረን። ብኸምዚ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ካብ ሓደ ኵንትራቱ ወዲኡ ናብ ዓዱ ዝተበገሰ ጻዕዳ ቮልክስዋገን ዝዓይነታ መዛወሪ መኪና ክገዝእ ክኢሉ። ዓመት ዘዊሩ ከይመነዋ ግን ኣቦኡ ከመርዕዉዎ ኣብ ተብተብ ኣተዉ። ኣብ ከምዚ ዓይነት መዋጥር ምስ ኣተወ እዩ ድማ ካብ መርዓ መታን ክሃድም ንዝኾነ ሰብ ከየማኸረ ሃንደበት ተቕሊሉ ናብ ኣዲስኣበባ ክስደድ ዝተገደደ።
ኣዲስኣበባ ድሕሪ ምእታዉ ርኡይ ጸገም’ኳ እንተ ዘየጋጠሞ እታ ከተማ ግን ባሕሪ ኮይናቶ። ኣብ ኣስመራ ከሎ ዝዛወሮ ዝነበረ ቦታታት ፍሉጥ፡ ዝራኸቦም ሰባት ውሑዳት፡ መዛውርቱ’ውን ውሱናት ነይሮም። ዕለታዊ ምንቅስቓሱ እንተኾነ’ውን ካብ ገዛ ናብ ስራሕ፡ ካብኡ ናብ ስፖርታዊ ልምምድ፡ ብድሕሪኡ ድማ ናብ ቢልያርዶ ወይ ብትርፊ ሰዓት ናብ ዝሰርሃሉ ትካላት ዝተሓጽረ እዩ ነይሩ። ሰንበት ጸወታ እንተ’ልዩ ድማ ከም ተዓዛባይ ወይ ተጻዋታይ ኣብ ሜዳ ኵዕሶ ኣሎ። ብሰንኪ ምስ ስፖርት ዝነበሮ ፍቕሪ መስተ ሰትዩ ስለ ዘይፈልጥ ምስ ሰባት ናይ ምልላይ ዕድሉ ድሩት ነይሩ። ኣብ ኣዲስኣበባ ዘጋጠሞ ግይወት ሓዲሱዎ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ናይ ቀደም ልምዱ ዘይቃዶ ኮይኑ ረኺቡዎ። ክርዕሞ ግን ግዜ ኣይወሰደሉን።
ኣብ ኣዲስኣበባ እትው ምስ በለ ምስቲ ስደት ዝፈጠሮ ናይ ኤርትራውያን ምትሕቝቋፍ ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ምስ ብርክት ዝበሉ መዛኑኡ ጥራይ ዘይኮነ ብዕድመን ተሞክሮን ምስ ዝበልጹዎ ሰባት ከይተረፈ ክላለ ኪሉ። ብፍላይ ገለ ካብኣቶም ብብስለት ኣተሓሳስባኦም ይኹን ብጭውነቶም ስለ ዝመሰጡዎ ዝያዳ ቀሪቡዎም። ንዓኣቶም ክመስል’ውን ዝከኣሎ ጸዒሩ። ኵነታት ናይቶም ብኵለንትናኦም ፍሉያት ኮይኖም ዝተራእዩዎ መዛኑኡ ዝነበሩ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስኣበባ ግን ጨሪሹ ድቃስ ለይቲ ከልኦ። ገላ ካብኣቶም ቅድሚ ናብ ፖይንትፎር ምእታዉ ኣብ ዕዳጋ እኽሊ ብፓሎኒ እናተጻወተ ከሎ መዋዕልቱ ዝነበሩ፡ እኳ ደኣ ብትምህርቲ ይኹን ብስፖርታዊ ክእለት ዓቢ ግምት ሂቡዎም ዘይፈልጥ’ዮም ነይሮም። ሕጂ ግን ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ዝወጽኣሎም ፖለቲከኛታት መሲሎም ተራእዮሞ። ንማርክስ፡ ሌኒን፡ ማኦ፡ ቼ ጉቬራን ፊደል ካስትሮን ዝኣመሰሉ ህቡባት ሰውራውያን እናልዓሉ እንግሊዝኛ ብዝዓብለሎ ጕራማይለ ትግርኛ ክካትዑን ክትንትኑን ምስ ሰምዖም፡ ንፖለቲካ ስርሕ ፍንጥሕ ዘብሉዋ ሊቃውንቲ ቈጸሮም።
ሰለሙን ብዘይካ ብርቱዕ ሃገራዊ ወኒ ኣብ ፖለቲካዊ ክልሰሓሳብ ድኹም’ዩ ነይሩ። እቲ ዝያዳ ዝደንጸዎ ግን ነታ ከም ኣዝያ ስልጥንትን ኣብነት ደሞክራስን ዝቈጽራ ዝነበረ ኣመሪካ፡ ከም ሓንቲ መሰል ደቂ ሰብ ዘይትሕሉ ኣዝያ ጨቋኒት ሃገር፡ ናይ ወረቐት ነብሪ እያ እናበሉ ከናሽዉዋ ከለዉ ምስ ሰምዐ እዩ። ኣተሓሳስባኡ ብሓደ ኣብ ቃኘው ዝሰርሕ ዝነበረ ቀረባ ቤተሰቡ ስለ ዝተጸልወ፡ ንዑኡ ኣልፋን ኦሜጋን ናይ ኵሉ ስልጣኔን ደሞክራስን ኣመሪካ እያ ነይራ። እቶም ናይ ፖለቲካ ጠቢባን ዝበሎም ብዘይ ስክፍታ ወይ ሰጋእ ከይበሉ ኣይትብላዕ ኣይትስተ እናገበሩዋ ግን ልዕለኦም እንታይ እዩ ክዛረብ! ኵሉ ሕንቅል ሕንቅሊትይ ኮይኑዎ ዝብሎ ጠፍኦ። ዝበዝሕ ግዜ ዓቢ ቁምነገር ከም ዝረኸቡ ብውዕዉዕ ስምዒት ክካትዑ ከለዉ፡ ኣፉ ሃህ ኣቢሉ ብቅንእን ብምግራምን’ዩ ዝሰምዖም ነይሩ። ሓደ ምሸት ዘጋጠመ ክትዖም ግን ኣብ ኣእምሮኡ ዳርጋ ንምሉእ ህይወቱ ዘይርስዖ ፍሉይ ስምብራት ፈጢሩሉ።
ምሸት ቀዳም’ዩ ነይሩ። ሃብቶም ዓርኩን ንሱን ሰለስተ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲን ናብ ለይታዊ ትልሂት ቅድሚ ምኻዶም ሰዓት ክሳዕ ዝኣኽለሎም፡ ሰለሙን ቢራ እቶም ዝተረፉ ድማ ጂን ብምሓዝ መርሰኒ እዮም ዝገብሩ ነይሮም። ኣብ ጠረጴዛ ከቢቦም ሽጋራ ኣብ ርእሲ ሽጋራ ዒግ እናበሉ፡ ብህሉው ኵነታት ዓለም ዝጀመሩዎ ዕላል በብቝሩብ እናዓመረ ናብ ውግእ ቬትናም፡ ናብ ኣህጉራዊ ፖለቲካ፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ማርክሳዊ ፍልስፍና፡ ሰውራ ፈረንሳ፡ ኣዋጅ ሰልፊ ዴሳውያን ሰገረ።
እዚ ኵሉ ክኸውን ከሎ ሰለሙን ከም ልማዱ ናብ ሓወልቲ ተቐዪሩ ብጽሞና እዩ ዝሰምዖም ነይሩ። ከም ሓቂ ከኣ ኵሉ’ቲ ዝብሉዎ ዝነበሩ ንዑኡ ስንክሳር እዩ ነይሩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ካብ ቴክኒክ ወጻኢ ዝኾነ መጽሓፍ ዳርጋ ኣንቢቡ ኣይፈልጥን ነይሩ። ምሕሳው ከይከውን ሮቢንሶን ክሩሶ፡ ናይ ምስጢር ማህደር ከምኡ’ውን ዓወት ድሕሪ ስቓይ ገለ ካብተን ዘንበበን ውሑዳት ናይ ትግርኛ መጻሕፍቲ ነይረን። ብዝኾነ ዕላሎም ኣብ ኣጋ ምውድኦም፡ “መንግስቲ እንታይ ማለት እዩ?” ዝብል ሕቶ ተላዕለ። ነቲ ሕቶ ኣብ ፊት ሰለሙን ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ርእሱ ቍሩብ ስቕስቕ ዝበለ፡ ዕሙር ጭሕሚ ዝነበሮ እዩ ኣበጊሱዎ። ካብ ኣዘራርባኡ ብርክት ዝበለ ናይ ፖለቲካን ታሪኽን መጻሕፍቲ ዝገንጸለ ከም ዝመስል ሰለሙን ኣስተውዒሉሉ ነይሩ።
ሰለሙን መንግስቲ እንታይ ማለት’ዩ? ዝብል ተራ ሰብ ክምልሶ ዝኽእል ኣመና ቀሊል ሕቶ ምቕራቡ እናገረሞ ክምልስ ብምህንጣይ፡ “መንግስቲ ደኣ ሓደ ንህዝቢ ዘመሓድር ኣካል’ዩ። ከም ናይ ኣመሪካ ብህዝቢ ዝተመርጸ ወይ ከኣ ከምዚ ናይ ኢትዮጵያ ብንጉስ ዝመሓደር ክኸውን ይኽእል፡” ክብል መለሰ ህውኽ ኢሉ። ንኸቋናጽቡዎ’ኳ እንተ ዘይኮነ በቲ ገርሃዊ መልሱ ብዘይካ ሃብቶም ሰለስቲኦም ተጠማሚቶም ሰሓቑ። ብፍላይ ሓደ ካብኣቶም ክስርነቕ ክሳብ ዝቐርብ ተነኽኒኹ።
ሓታቲ፡ “ዘዛርበና ዘሎ ፖለቲካዊ ትርጕሙ እዩ ሰሌ፡ ንኣብነት ኵናት እንታይ ማለት’ዩ? እንተ ኢለካ፡ ብብረት ጌርካ ምትህንዃት ዘይኮንካ ትብለኒ፡ መቐጸልታ ፖለቲካ ብጐነጻዊ መልክዕ ማለት’ዩ ኢልካ ኢኻ ትምልሰለይ፡” ዝብል ቃላት ኣስዓበ።
ኣብ ጐድኒ ሃብቶም ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ከደራይ ክውን ኢሉ ብዙሕ ሽጋራ ዝሰሕብ ዝነበረ ንግንግ ኢሉ መንእሰይ፡ “ሓንቲ ኣቦይ ሳጅን ንብላ ጐረቤትና ሰብኣይ ነይራ፡ ንፖለቲካ ከም ምሕሳው ትርድኦ ስለ ዝነበረት ክሕሱ ንዝሰምዓቶ ሰብ ፖለቲኮነ ኢላ ትጸርፎ ነይራ፡” ኢሉ ድሕሪ ምስሓቕ ናብ ሰለሙን እናጠመተ፡ I am dead sure, The State and the Revolution ናይ ሌኒን ኣየንበብካያን ክትከውን ኣለካ፡” በሎ ብሓውሲ ምንእኣስ።
ሰለሙን ናይቲ ትርጁግ ኮይኑ ዝተራእዮ ወዲፎርቶ ዘረባ ዕረ እናጠዓሞ ርእሱ ብኣሉታ ብምንቕናቕ መለሰሉ። እንታይ ከም ዝረኸቦ ካብ ገዲል ኣይሓለፈን’ምበር ንፉዕ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ምንባሩ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዝዝክሮ። ንሱ ዝነበራ ጋንታ ካብ ሜዳ ከይወጽአት’ያ ትውዕል ነይራ። ብዝኾነ እቲ ክትዕ ምስ ቀጸለ ሕርቃኑ ብመጠኑ ነክዩ ዜማ ቅዳሴ ከም ዝሰምዕ ዘሎ ሃለቃ ነፍስወከፍ ቃል ከይትሓልፎ ኣእዛኑ ኵር ኣቢሉ ጽን ምባል ቀጸለ።
“መንግስቲ፡” በለ’ቲ ገበታ ጭሕሚ ዝነበሮ መንእሰይ፡ “ሓደ ደርቢ ንካልእ ደርቢ ንምጭፍላቕ ዝጥቀመሉ መሳርሒ’ዩ። ንህዝቢ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ዝተሰከመ መንጎኛ ኣካል ኣይኮነን። ንኣብነት እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ደርቢ ቡርጅዋ እንተ ደኣ ኮይኑ ንደርቢ ሸቃሎን ሓረስቶትን ንምጽቃጥ ይጥቀመሉ። በንጻሩ እቲ ኣብ መንበረ ስልጣን ዘሎ ንደርቢ ሸቃሎ ዝውክል እንተ ኾይኑ ከኣ ንቡርክጅዋታትን መሳፍንትን ንምጭፍላቕ . . .” ብምባል ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ሃበ፡ እንግሊዝኛ ብዝጸዓቖ ትግርኛ። ንመልእክተ ዮሃንስ ከም ማይ ከም ዝሰተያ ዲያቆን ጋእጋእ ከይበለ ብርእሰምትእምማን እዩ ዝዛረብ ነይሩ።
ሰለሙን በቲ ዝሰምዖ እምብዛ ተገረመ። ንዝኾነ ሓጺን ዝደለልዮ መልክዕን ቅርጽን ከውጽኣሉ ዘይጸገሞ መንግስቲ ክሳብ ክንድኡ ዓሚቝ ፖለቲካዊ ትርጕም ከም ዘለዎ ከይፈለጠ ምጽንሑ ንነፍሱ ነዓቓ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት’ዩ ድማ ኣብ ፖለቲካ ክግደስን ብዛዕባ መጻኢ ህይወቱ ዳግመ ገምጋም ክገብርን ዝተገደደ።
ሽዑ ለይቲ ድቃስ ኣብዩዎ ክሓስብ ሓደረ። ሓጺነ መጺን ክኣስርን ክፈትሕን ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ተሓጺሩ ከም ዝነበረ ድማ ተጋህደሉ። በንጻሩ ከም ሓደ በቃ ዘበለ ዘመናዊ ሰብ ርእሱ ኣቕኒዑ ይኸይድ ከም ዝነበረ ከም ስእሊ ተራእዮ። ሓደ ኣብ ትሕቲ ጽላል ወለዱ ክነብር ዝጸንሐ ፈተና ዓለም ዘይጨረሸ መንእሰይ ምዃኑ ምእማን ግን ዓቐብ ኮኖ። “ክሳብ ሎሚ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም’የ ነይረ ማለት ድዩ?” እናበለ ንበይኑ ድሕሪ ምስሓቕ፡ ክብምል በለ’ምበር ኣይፈሰሰን’ዩ እቲ ነገር ኢሉ ነፍሱ ብምድዕዓስ ነቶም ብኣድናቖት ዝጥምቶም ዝነበረ መዛኑኡ እንተ ብዝላ፡ እንተ ጕያ ከርክቦም ምስ ሕልናኡ ተመባጽዐ።
ይቕጽል
4ይ ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 27 ነሓሰ